ኣሎሻ እቲ ዕትሮ

ደራሲ - ሊዮ ቶልስቶይ

ትርጕም - ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ

ኣሎሻ እቲ ንእሽቶ ሓው ነበረ። ሰባት፡ "እቲ ዕትሮ" ብምባል ይጽውዕዎ ነበሩ፡ እቲ ምኽንያት ሓደ እዋን ኣዲኡ ዕትሮ ጸባ ሂባ ኣብ ሰይቲ'ቲ ዲያቆን ምስ ለኣኸቶ፡ ኣብ መገዲ ብገለ ነገር ተዓንቂፉ ብምውዳቕ ሰበሮ። ኣዲኡ ሕርሕራይ ጌራ ዘበጠቶ፡ እቶም ኣብቲ ቁሸት ዘለዉ ቈልዑ ከኣ "ዕትሮ" እናበሉ ክሕጭጩሉ ጀመሩ። "ኣሎሻ እቲ ዕትሮ" ዝብል ሳጓ ብኸምዚ ለገቦ።

ኣሎሻ ቀጢን ንእሽቶ ወዲ ኰይኑ፡ ኣዛን - ከም መንፈርፈር እተገተረ ኣእዛንን ገዚፍ ኣፍንጫን ነበሮ። ኩል ግዜ እቶም ቈልዑ፡ "ኣሎሻ ኣብ ልዕሊ ዓንዲ ጠልጠል ዝበለ ሓምሓም ዝመስል ኣፍንጫ ኣለዎ!" ብምባል የላግጹሉ ነበሩ።

ኣሎሻ ዋላ'ውን ኣብቲ ዝነብረሉ ቁሸት ኣብ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ እንተ ኸደ፡ ኣብ ምጽሓፍን ምንባብን ግና ይጽገም ነበረ፡ ብተወሳኺ ንትምህርቲ ዝኸውን ግዜ'ውን ኣይነበሮን። ዓቢ ሓዉ ኣብ ከተማ ምስ ሓደ ነጋዳይ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ፡ ኣሎሻ ካብ እዋን ንኡስ ዕድምኡ ኣትሒዙ ነ'ቦኡ ክሕግዝ ግድን ነበረ። ዕድምኡ ገና ወዲ ሽዱሽተ ዓመት 'ከሎ፡ ምስ ንእሽቶ ሓውቱ ኣሓን ኣባጊዕን ስድራ-ቤቱ እናጓሰየ ሳዕሪ ከብልዐን ይወፍር ነበረ። ቅሩብ ምስ ጎበዘ ከኣ ቀትሪን ለይቲን ነቶም ኣፍራሶም ክኣሊ ጀመረ። ካብ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ኣትሒዙ ይሓርስን ካሮሳ ይዝውርን ነበረ። ዋላ'ኳ ነዚ ኵሉ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይነበሮ፡ ክእለት ኣተኣላልያ ግና ነበሮ - ወትሩ ሕጉስ ሰብ ነበረ። ቈልዑ ምስ ዝሕጭጩሉ እንተስ ይስሕቕ፡ ወይ ኣብኡ ከሎ ስቕ ይብል ነበረ። ኣቦኡ ምስ ዝቋየቑዎ ከይተዛረበ ብደዉ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። ካብኡ እቲ ቆይቛ ምስ ተወደአ ፍሽኽ ኢሉ ስርሑ ይቕጽል ነበረ።

ኣሎሻ ወዲ ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ሓዉ ንውትህድርና ተወስደ፡ ስለዚ ኣቦኡ ኣብ ክንዲ ሓዉ ኣብ ገዛ እንዳ'ቲ ነጋዳይ ኣገልጋሊ ክኸውን ምድላዋት ገበሩ። ኣረጊት ቡት ሳእኒ ሓዉን ቆቢዕን ብላይ ጁባን ኣቦኡን ተዋሂቡ ከኣ ንከተማ ኣምርሐ። ኣሎሻ ብኽዳውንቱ ኣዝዩ ተሓጎሰ፡ እቲ ነጋዳይ ግና ብትርኢቱ ዋላ'ኳ ኣይተመሰጠን።

ኣብ ኣሎሻ ገጹ ኣተኲሩ እናተዓዘበ፡ “ከም ሲምዮን ጎበዝ መንእሰይ ተምጽኡለይ መሲሉኒ ኔሩ።" ከኣ በለ፡ "ንስኹም ግና ነዚ መቑረምርም ሒዝኩምለይ መጺኹም! እዚስ እንታይ ክጠቅም'ዩ፧"

“እህ፡ ኵሉ ክገብር ይኽእል'ዩ፡ ነቶም ኣፍራስ ጸሚዱ ኣብ ድላያካ ቦታ ከብጽሓካ'ዩ። ሰሪሑ'ውን ኣይደክምን'ዩ። ዋላ'ኳ ከም በትሪ ቀጢን እንተ መሰለ፡ ከም ስልኪ ግና ተሪር'ዩ።"

“ዝበሃል ኢልኩም እንዲኹም፡ ደሓን፡ ክንርኢ ኢና።"

“ልዕሊ ኵሉ ዓቃል'ዩ። ስራሕ የፍቅር'ዩ።"

“ደሓን በሉ፡ እንታይ'ሞ ክገብር፡ ግደፍዎ በሉ።"

ስለዚ ኣሎሻ ኣብ እንዳ'ቲ ነጋዳይ ክነብር ጀመረ።

ኣባላት ስድራ-ቤት እቲ ነጋዳይ ብዙሓት ኣይኮኑን። ንሳቶም፥ ብዓልቲ-ቤቱ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣዴኡን ሰለስተ ደቁን'ዮም። እቲ ዓቢ ወዱ ብዓል ሓዳር ኰይኑ፡ መባእታዊ ትምህርቲ ሰዋስው ጥራይ ዝወደአ፡ ኣብ ንግዲ ኣቦኡ ተዋፊሩ ዝዓዪ'ዩ። እቲ ካልእ ወዱ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወዲኡ ኣብ ዪኒቨርሲቲ ዝኣተወ፡ ግና ካብ ትምህርቲ ተሰጒጉ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ገዛ ዝነብር'ዩ። ከምኡውን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ እትመላለስ ሓንቲ ጓል ኣላቶ።

ፈለማ ንኣሎሻ ኣይፈተውዎን። ኵሉ ነገራቱ ዘይስልጡን፡ ኣከዳድንኡ'ውን ቅጥዒ ዘይብሉ ነበረ። ንሱ ንዅሎም ልክዕ ከም ኣብ ሃገረ-ሰብ ብዘይ ኣፈላላይ ብሓደ ከም ኣዕሩኽቱ ይጽውዖም ስለ ዝነበረ ኣደብ ኣይነበሮን። ይኹን'ምበር ከይደንጎዩ ጠባዩ ክለምዱዎ ጀመሩ። ካብ ሓዉ ንላዕሊ የገልግልን እዙዝን ነበረ። ኣብ ፈቕዶ ጉዳያት ኣብ ዝልእኽዎ፡ ካብ ሓደ ዕዮ ኣብቲ ካልእ ብዘይ ምቑራጽ እናተንቀሳቐሰ፡ ኵሉ ብቕልጡፍን ኣብ እዋኑን ይፍጽሞ ነበረ። ኣብዚ'ውን ልክዕ ከምቲ ኣብቲ ገዝኡ ዝነበረ፡ ኵሉ ዕዮ ንዕኡ ተዋሂቡ ነበረ። ዝያዳ ኣብ ዝዓየሉ፡ ኵሎም መሊሶም ዝያዳ ዕዮ ይጽዕንዎ ነበሩ። እታ ሓላፊቱን እተን ብዕድመ ዝደፍኣ ሓማታን፡ እታ ጓልን እቲ ንእሽቶ መንእሰይ ወዲን፡ እቲ ጸሓፋይን እታ ከሻኒትን፡ ብሙሉኦም ኣብ ዝሓሰቡዎ ዘበለ ነገር ኵሉ ይእዝዝዎን ኔውነጀው እናበሉ ይልእኽዎን ነበሩ። ኣሎሻ ወጊሑ ክሳዕ ዝመሲ ዝሰምዖ ነገር እንተ ሃለወ፡ “ኣሎሻ፡ ነዚ ግበር! ኣሎሻ፡ ነቲ ግበር! እንታይ! ኣሎሻ፡ እንታይ ረሲዕካ፧ ኣሎሻ፡ ተጠንቀቕ ከይትርስዕ!” ዝብል ነበረ። ኣሎሻ'ውን ኣብቲ ይጎዪ፡ እዝን እትን የዐሪ፡ ገለ ነገር ኣይርስዕን፡ ንዅሉ ግዜ ይረኽበሉን ወርትግ ሕጉስን ነበረ።

እቲ ኣረጊት ቡት ሳእኒ ሓዉ ቀልጢፉ በለየ፡ እቲ ሓለቕኡ'ውን ስለ ምንታይ ኣጻብዕትኻ ክሳዕ ዝቕልቀል ብጥስጣስ ጌርካ ትኸይድ ብምባል ተቛየቖ። ካልእ ጽምዲ ቡት ሳእኒ ካብ ዕዳጋ ክግዝኣሉ ከኣ ኣዘዘ። ኣሎሻ በቲ ሓዲሽ ቡት ሳእኒ ኣመና ተሓጐሰ፡ ግና ምሉእ መዓልቲ ክጎዪይ ምስ ወዓለ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣእጋሩ ቃንዛ ስለ ተሰምዖ፡ በተን ኣእጋሩ ሓረቐ። ኣቦኡ መሃያ ክወስዱ ንከተማ ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ እቲ ሓለቓ ዋጋ'ቲ ቡት ሳእኒ፡ ካብቲ ክፍሊት ኣጉዲሉዎ ብምባል ከይቑጥዑ ሰግአ።

ኣብ እዋን ክራማት፡ ኣሎሻ ወጋሕታ ካብ ድቃሱ ይበራበር ነበረ፡ ዕንጨይቲ ይፍልጽ፡ ነቲ ቀጽሪ ይዅስትር፡ ነተን ኣሓን ኣፍራስን ይምግብን ማይ ይህብን ነበረ። ሻቡ ነቲ እቶናት ሓዊ ይኣጉድ፡ ኣሳእንን ጁባታትን ብምሉኦም እቶም ስድራ-ቤት ይውልውልን የጽሪን፡ ነቲ ብሳሞቫር ዝፍለጥ በራድ ሻሂ በብሓደ ኣውጺኡ ክሳዕ ዝኩላዕ ይውልውሎ ነበረ። ብድሕሪኡ እንተስ እቲ ጸሓፋይ ካብቲ ድኳን ኣቑሑት ከውጽእ ይጽውዖ፡ ወይ እታ ከሻኒት ሓሩጭ ከብዕጥን ድስትታት ክሓጽብን ትእዝዞ ነበረት። ኣብ ርእሲኡ መልእኽቲ ንኸተማ ከብጽሕ፡ ወይ ነታ ጓል ካብ ቤት-ትምህርቲ ክማልኣ፡ ወይ ነተን ኣደ ኣባይ ንመብራህቲ ዝኸውን ዘይቲ ኣውሊዕ፡ ወይ ካልእ ነገር ከመጽኣለን ይለኣኽ ነበረ። "ኣታ በሰሮ፡ እንታይ ሸይጣኑ ሒዙካ'ዩ በል፡ ክንዲ'ዚ ግዜ ዘባኸንካ፧" እቲ ሓደ እንደገና እቲ ካልእ እናተቐባበሉ ከምኡ ይብልዎ ነበሩ። ወይ ነንሕድሕዶም፡ "ስለ ምንታይ ባዕልኻ ትኸይድ፧ ኣሎሻ ኣብ ክንዳኻ ብጕያ ክላኣኸካ'ዩ። ኣሎሻ፡ ኣሎሻ!” ይብሉ ነበሩ። ኣሎሻ ከኣ ኣብዚን ኣብቲን ይጎዪ ነበረ።

ኣሎሻ ኩል ግዜ ቁርሲ ንስራሕ ኣብ ዝጎየሉ እዋን በብቁራስ እናገበረ ይቆርስ ነበረ፡ ምስሑን ድራሩን ግና ዳርጋ ኵሉ ግዜ ኣብ ሰዓቱ ኣየርክበሉን ነበረ። እታ ከሻኒት ምስ ካልኦት ሓቢሩ ምግቢ ስለ ዘይበልዕ፡ ኵሉ ግዜ ደንጒኻ ብምባል ትገንሖ ነበረት፡ ይኹን'ምበር ስለ ዘደንግጻ ገለ ውዑይ ምሳሕን ድራርን ተጽንሓሉ ነበረት።

ኣሎሻ ኣብ እዋን ባዓላት ካብቲ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ዕዮ ይጽዕቖ ነበረ፡ ንሱ ግና ኵሎም ሞቕሽሽ ስለ ዝህብዎ፡ እቲ ቅነ ባዓላት ባህ ይብሎ ነበረ፡ ብዙሕ ኣይኮነን፡ ዳርጋ ኵል ግዜ ተደማሚሩ ከባቢ ሹዱሽተ ኮፔክ ይበጽሕ ነበረ፡ ግና'ዚ ገንዘቡ'ዩ። ወርትግ ኣቦኡ ንኽፍሊት ኣሎሻ ኣብ ከተማ መጺኦም ካብቲ ነጋዳይ ይወስድዎ ስለ ዝነበሩ፡ ንሱ መሃይኡ ርእዩዎ ኣይፈልጥን'ዩ፡ ጥራይ ንኣሎሻ ስለ ምንታይ እቲ ቡት ሳእኒ ሓውኻ ቀልጢፍካ ኣእሪግካዮ ብምባል ይቛየቑዎ ነበሩ። ካብቲ ዝወሃቦ ዝነበረ መቕሹሽ ብጠቕላላ ክልተ ሩብል ምስ ኣዋህለለ፡ ብምኽሪ'ታ ከሻኒት ንገዛእ ርእሱ ቀይሕ ጎልፎ ዓደገ። ምስ ተኸደኖን ገዛእ ርእሱ ምስ ተዓዘበን ኣመና ተገረመ፡ ኣብ ክሽነ ደው ኢሉ ግርጻኑ ምዕጻው ክሳዕ ዝስእን ከኣ ኣዝዩ ተሓጎሰ።

ኣሎሻ ሒደት'ዩ ዝዛረብ፡ ንሱ'ውን ኣገዳሲ ጉዳይ ምስ ዝኸውን ጥራይ፡ ሃንደበትን ሓጺርን ይዛረብ ነበረ። ዝዀነ ይኹን ስራሕ ክሰርሕ ኣብ ዝንገረሉ፡ ወይ ክገብሮ ይኽእል ምዃኑ ኣብ ዝሕተተሉ፡ ብዘይ ሰጋእ-መጋእ፡ ወርትግ "እኽእሎ'የ።" ብምባል ይምልስ ነበረ። ተቐላጢፉ'ውን ነቲ ዕዮ ይፍጽሞ ነበረ።

ኣሎሻ ብኸመይ ጸሎት ከም ዝግበር ፍጹም ኣይፈልጥን ነበረ። ኣብ ሓደ እዋን ኣዲኡ ነተን ቃላት ምሂራቶ ኔራ፡ ንሱ ግና ድሮ ዘረባኣ'ኳ ከይወደአት ረሲዑዎ ነበረ። ይኹን'ምበር ነፍስወከፍ ንግሆን ምሸትን ብኢዱ ምልክት መስቀል እናገበረ ጥራይ ይጽሊ ነበረ።

ብኸምዚ ኣሎሻ ዓመትን ፈረቓን ኣሕለፈ፡ ካብኡ እቲ ካልኣይ ዓመት ክውዳእ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ኣብ ህይወቱ ኣዝዩ ዘደንጽው ነገር ኣጓነፎ። ብጀካ'ቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ካብ ዝደልየሉ ኩነታት ዝምንጩ ዝምድናታት፡ ካልኦት ብባህሪኡ ፍልይ ዝበለ ዝምድናታት ምህላው ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ተገረመ፡ እዚ እቲ ሓደ ምስቲ ካልእ ዘለዎ ዝምድና ምእንቲ'ቲ ካልእ ሳእኒ ክውልውል፡ ክለኣኣኽ፡ ወይ ኣፍራስ ክጸምድ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ እቲ ሓደ ምስቲ ካልእ ዘለዎ ዝምድና ዝዀነ ይኹን ጥቕሚ ኣብ ዘይረኽበሉ ኩነት ዝምስረት'ዩ፡ ንሱ ከኣ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ከገልግሎን ኣፍቃሪኡ ክኸውን ስለ ዝደለየ ጥራይ'ዩ። ኣሎሻ፡ ንሱ ባዕሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ምዃኑ ተረድአ። ነዚ ኵሉ ሳላ ኡስታናያ እተባህለት ከሻኒት'ዩ ፈሊጡዎ። ኡስቲናያ ዘኽታም'ያ፡ ጎርዞ ክንሳ ማዕረ ኣሎሻ ጻዕራም ሰራሕተኛ ነበረት። ንሳ ንኣሎሻ ክትድንግጸሉ ጀመረት፡ ኣሎሻ'ውን ኣብ ህይወቱ ንመጀመርያ ግዜ፡ እቲ ኣገልግሎቱ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ንሱ ባዕሉ ከም ኣሎሻ ብኻልእ ሰብ ከም እተደለየ ተሰምዖ። ኣዲኡ ክትርህርሃሉን ክትድንግጸሉን ከላ፡ ልክዕ ከምቲ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ክድንግጽ ዝኽእል፡ ከም ባህርያዊ ተርእዮ ይወስዶ ነበረ። ሕጂ ግና እታ ምስኡ ዝዀነ ዝምድና ዘይብላ፡ ኡስታናያ፡ ትድንግጸሉ ከም ዘላ ኣስተብሃለ። ንሳ ወርትግ ገዓት ምስ ጠስሚ ኣብ ጻሕሊ ተጽንሓሉ ነበረት፡ ከምኡውን ንሱ ኣብ ዝበልዓሉ እዋን እጅገኣ ጠቕሊላ መንከሳ ኣብ ኢዳ ኣደጊፋ ኰፍ ኢላ ትጥምቶ ነበረት። ኣብኣ ገጹ ኣብ ዝጥምተሉ ፍሽኽ ትብል ነበረት፡ ንሱ'ውን መሊሱ ፍሽኽ ይብል ነበረ።

ኣሎሻ እዚ ጉዳይ ኣዝዩ ስለ ዝሓደሶን ፍጹም ጋሻ ነገር ስለ ዝዀኖን ፈርሀ። ኣብ ስርሑ፡ ኣገልግሎቱ፡ ዝዓንቀፎ ኰይኑ ተሰምዖ፡ ይኹን'ምበር ኣመና ሕጉስ ነበረ። ነቲ ኡስቲናያ ዝለገበትሉ ስረኡ ኣብ ዝጥምተሉ፡ ርእሱ እናነቕነቐ ፍሽኽ ይብል ነበረ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ስራሕ 'ከሎን ተላኢኹ ኣብ ዝጎየሉን፡ "ኣዬ'ወ፡ ኡስቲናያ!” ብምባል የሕሸኹሹኽ ነበረ። ኡስቲናያ ብዝከኣላ ብዅሉ ትሕግዞ ነበረት፡ ንሱ'ውን ይሕግዛ ነበረ። ኵሉ ታሪኽ ህይወታ፡ ማለት ብኸመይ ከም ዝዘኽተመት፡ ብኸመይ እተን ብዕድመ ዝደፍኣ ሓትንኣ ኣብ ገዝአን ከም ዝወሰዳኣ፡ ብኸመይ ድሒረን ኣብ ከተማ ስራሕ ከም ዝረኸባላ፡ ብኸመይ ወዲ'ቲ ነጋዳይ ብኸንቱ ክዳፈራ ከም ዝፈተነ፡ ከምኡውን ብኸመይ ከም ዝነጸገቶ ሓቢራቶ ነበረት፡። ንሳ ዘረባ ትፈቱ ነበረት፡ ኣሎሻ ከኣ ክሰምዓ ኣዝዩ ባህ ይብሎ ነበረ። እቶም ኣብ ገዛ ከገልግሉ ንኸተማ ዝመጹ በጽሕታት ሓረስቶት፡ መብዛሕቱ ግዜ ነተን ከሸንቲ ከም ዝምርዓው'ወን ሰሚዑ ነበረ። ሓደ እዋን ንሳ ወለዱ ኣብ ቀረባ እዋን ከመርዕውዎ መደብ እንተ'ለዎም ሓቲታቶ ነበረት። ንሱ'ውን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ የብለይን፡ ኣብ ገጠር ካብ ዘለዋ ኣዋልድ ከኣ ክምርዓዋ ዝደልያ የላን፡ ብምባል መሊሱ ነበረ።

“እሞ ገለ ዝበሃግካያ ሃሊያ'ዶ ኰይና፧" ብምባል ሓተተቶ።

“እወ'ላ፡ ፍቓዲኪ እንተ ዀይኑ ክምርዓወኪ'የ፧"

በቲ ብኢዳ ሒዛቶ ዝነበረት ጭልፋ ብጸወታ ሕቖኡ እናጨልገመት፡ “ኦ ዕትሮ፡ ዕትሮ ናተይ፡ መልሓስ'ባ ኣውጻኻ፡ እምርዓወካን ፈረቓን!" ብምባል ጨደረት።

ክራማት ተወዲኡ ሽሮቪታይ እተባህለ ባዓል ኣብ ዝባዓለሉ እዋን፡ ኣቦ ኣሎሻ እንደገና መሃያ ወዶም ክወስዱ ንከተማ መጹ። ሰይቲ'ቲ ነጋዳይ ኣሎሻ ንኡስቲናያ ክምርዓዋ ከም ዘደለየ ወረ በጺሑዋ ነበረ፡ ንሱ'ውን ባህ ኣይበላን ነበረ። "ክትጠንስ እንዲያ፡ ካብኡ እንታይ ክትዓብሰልና'ያ፧" ከምኡ ኢላ ንሰብኣያ ኣዕዘምዘመት።

እቲ ነጋዳይ ገንዘብ ኣሎሻ ቆጺሩ ነ'ቦኡ ሃቦም። እቶም ሽማግለ ሰብኣይ'ውን፡ “ነቲ ወደይ ከመይ ረኺብካዮ፧" ብምባል ሓተቱ። "ዝኣዘዝክዮ ዝገብር ዓቃል ሰብ ምዃኑ ነጊረካ'የ።"

“ዓቃል ዲዩ ዘይዓቃል ብዘየገድስ፡ ግና ኣብ ርእሱ ዘይረብሕ ነገር ኣእቲዩ ኣሎ። ነታ ከሻኒት ክምርዓዋ ይደሊ ኣሎ። ኣነ ሰብ ሓዳር ሰራሕተኛታት ኣይቆጽርን'የ። ንዓና ኣይጠቕሙናን'ዮም።"

“እህ፡ ወይ'ዚ ዓሻ! ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ዕሽነት ክገብር ይሓስብ ኣሎ! ግና ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣይትጨነቕ። ነዚ ሃጠው ቀጠው ከም ዝሓድጎ ክገብር'የ።"

እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ብቐጥታ ኣብቲ ክሽነ ኣቲዮም ኣብ ልዕሊ ጣውላ ኰፍ ድሕር ምባል፡ ወዶም ክሳዕ ዝመጾም ክጽበዩ ጀመሩ። ኣሎሻ ከም ልሙድ ተላኢኹ ወጺኡ ነበረ፡ ግና ከይደንጎየ እንቅዓ እናስተንፈሰ መጸ።

“ደሓን በል፡ ኣነስ ልቦና ዘሎካ ይመስለኒ ኔሩ፡ እዚ ትሓስቦ ዘሎኻ ዕሽነት እንታይ'ዩ፧" ብምባል ኣቦኡ ብሕቶ ተቐበሉዎ።

“ኣነ ዋላ ሓንቲ ዝፈጸምኩዎ ነገር የሎን።"

“ዋላ ሓንቲ ከኣ ትብል ኣሎኻ! ክትምርዓው ከም ዝደለኻ ነጊሮምኒ። ግዜኡ ምስ ኣኸለ ባዕለይ ከመርዕወካ'የ፡ ንሓንቲ ዝርግቲ ጓል ከተማ ከኣ ኣይኮነን፡ እኳ ደኣ ከመይ ዝበለት ወረጃ ሰበይቲ መሪጸ ከመርዕወካ'የ።"

ኣቦኡ ብዘይ ምቑራጽ ተመሳሳሊ ብዙሕ ዘረባ ተዛረቡ። ኣሎሻ ከይተዛረበ ደው ኢሉ ኡፍ ብምባል ጥራይ ኣስተንፈሰ።

ኣቦኡ ዘረባ ምስ ወድኡ፡ ፍሽኽ በለ።

“ደሓን'ሞ ክገድፎ'የ።" በለ።

እቶም ሽማግለ ሰብኣይ፡ “ርኤኻ በል፡ ሕጂ ልቦና ጌርካ።" ብምባል ቁርጽ ዝበለ ዘረባ ተዛሪቦም ሓዲጎሞ ከዱ።

ኣቦኡ ምስ ከዱ፡ ኣሎሻ ምስታ ኣቦኡ ክዛረቡ ከለዉ፡ ድሕር'ቲ ማዕጾ'ቲ ክሽነ ኰይና ትሰምዕ ዝነበረት ኡስቲናያ ጥራይ ተረፈ። ንሱ ንዕኣ ከምዚ በላ፡ “መደባትና ኣይሰለጠን። ሰሚዕኪ'ዶ፧ ነዲሩ ነበረ፡ ፍጹም ኣየምፍቐደልናን።"

ኡስቲናያ ብግርምብያለኣ ገጻ ሸፊና ብብኽያት ተነኽነኸት። ኣሎሻ ብመልሓሱ ቃዕ ኢሉ ድሕር ምቑዛም፡ "ከመይ ጌረ ከይእዘዞ እኽእል፧ ስምዕኒ፡ ግድን ኵሉ ክንርስዖ ኣሎና።” በለ።

ኣጋ ምሸት ሰይቲ'ቲ ነጋዳይ ምእንቲ ነቲ መጋረጃ ክዓጽዎ ጸውዓቶ፡ ከምዚ ከኣ በለቶ፡ “እሞ ነቦኻ ክትእዘዞምን ነዚ ምምርዓው ዝብል ዕሽነት ክትገድፎን ዲኻ፧" በለቶ።

ኣሎሻ ቅልጥፍ ኢሉ፡ “እወ፡ ብርግጽ ገዲፈዮ'የ፣" በለ፡ ካብኡ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ ብኡንብኡ ክነብዕ ጀመረ።

ድሕር'ቲ እዋን ኣሎሻ ንኡስቲናያ ብዛዕባ መርዓ ኣይተዛረባን፡ ከም ቀደሙ'ውን ናብርኡ ቀጸለ።

ሓደ ንግሆ ሌንት እቲ ጸሓፋይ ንኣሎሻ ነቲ ኵሉ'ቲ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዘሎ በረድ ክጽርዮ ለኣኾ። ንሱ ኣብ ልዕሊ'ቲ ናሕሲ ተንፋሒኹ ብምድያብ ነቲ በረድ ብባዴላ ጸረጎ፡ ጥቓ'ቲ መንሸረበብ ዝተኮመረ እኩብ በረድ እናዳቀቐ ኣብ ዘልግሰሉ፡ እግሩ ሸተት ኣቢሉዎ ምስ ባዴላኡ ወደቐ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ በረድ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ኣብ ልዕል'ቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍደገ ዝርከብ መንደልደል ሓጺን ወደቐ። ኡስቲናያ ደድሕሬኣ'ውን ጓል'ቲ ነጋዳይ እናሰዓበታ ኣብኡ ገጻ እናጎየየት መጸት።

“ኣሎሻ፡ ተሓሲኻ'ዶ፧"

“እወ፡ ግና ገለ'ኳ ኣይብልን። ብፍጹም።"

ግና ክትንስእ እንተ ደለየ ኣይከኣለን፡ ፍሽኽ ጥራይ ከኣ በለ። ካልኦት መጺኦም ተሸኪሞም ኣብ እንዳ መዕረፊ ገዛ'ቲ ዋርድያ ወሰዱዎ። እቲ ዶክተር ካብ ሆስፒታል መጺኡ ምስ መርመሮ፡ ኣበይ ቃንዛ ከም ዝስምዖ ሓተቶ። ንሱ፡ “ኩለንተናይ የቐንዝወኒ ኣሎ፣" ብምባል መለሰ። "ግና ሓንቲ'ኳ ኣይብልን'ዩ። ብፍጹም። ሓለቓይ ጥራይ ክቑጣዕ'ዩ። ነ'ቦይ ግድን ክንገሮ'ዩ።"

ኣሎሻ ክልተ መዓልቲ ምሉእ ኣብ ዓራት ደቀሰ፡ ካብኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ቀሺ ጸውዑ።

ኡስቲናያ፡ "ኣይክትመውትን ኢኻ፡ ሓቀይ'ዶ፧" ብምባል ሓተተት።

“ደሓን፡ ኵልና ዘላኣለም ኣይክነብርን ኢና። ግድን መምዓልትና ኣሎና፣" ብምባል ከም ወትሩ ብቕልጡፍ መለሰ። "ፍቕርቲ ኡስቲናያ፡ ስለ ዝደንገጽክለይ የመስግነኪ። ርኢኺ፡ ካብዚስ እንታይ ምተረኽበ፡ ክንምርዓው ስለ ዘይፍቀዱልና ዝሓሸ'ዩ። ሕጂ ግና ኵሉ ንደሓን'ዩ።"

ንሱ ምስቶም ቀሺ ብኢዱን ብልቡን ጸለየ። ኣብ ልቡ ከኣ፡ ኣብዚ ጽቡቕ እንተ ጌሩ፡ ንኹሉ እንተ ተኣዚዙን እንተ ዘይበዲሉን፡ ካብኡ ኣብቲ'ውን ኵሉ ሰናይ ክኸውን'ዩ፡ ዝብል ሓደረ።

ንሱ ሒደት ጥራይ ተዛረበ። ጸሚአ ድሕሪ ምባል፡ ብኣድናቖት ፍሽኽ በለ። ካብኡ ብገለ ነገር እተገረመ መሰለ፡ ዝርግሕግሕ ድሕሪ ምባል ከኣ ነፍሱ ወጸት።

ተፈጸመ