ሰለስተ ሕቶታት

ደራሲ - ሊዮ ቶልስቶይ

ትርጕም - ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ

ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ሃጸይ፡ መልሲ'ዘን ሰለስተ ሕቶታት እንተ ዝፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ኣካይዳይ ፈጺመ መገደይ ኣይምሰሓትኩን ነይረ፡ ብምባል ሓሰበ።

ነፍስወከፍ ዕዮ ኣብ ኣየናይ ግዜ ብልክዕ ክገብሮ ይግባእ፧ እቶም ኣገድስቲ መሻርኽቲ ዕዮይ መዓል መን ክኾኑ ኣለዎም፧ እቲ ቀንዲ ወርትግ ክትግብሮ ዝግባእ ኣገዳሲ ዕዮ እንታይ'ዩ፧

እቲ ሃጸይ ነዘን ሕቶታት ዝምልስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዓቢይ ሞሳ ክወሃብ ምዃኑ ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ኣወጀ። ብዙሓት ነቲ ኣዋጅ ዘንበቡ፡ ሽዑ ንሽዑ ንቤተ-መንግስቲ ገጾም ኣምርሑ። ነፍስወከፍ ሰብ'ውን ነናቱ ዝተፈላለየ መልሲ ሒዙ ቀረበ።

ነታ ቀዳመይቲ ሕቶ ክምልስ፡ ሓደ ሰብ፡ እቲ ሃጸይ ፍሉይ መደብ ግዜ ከዳልው፡ ማለት ነፍስወከፍ ሰዓት፡ መዓልቲ፡ ወርሕን ዓመትን ንፍሉይ ዕዮ ክፈልን ካብቲ እተዳለወ መደብ ፍጹም ከይዘንበለ ክፍጽሞን፡ ሽዑ ጥራይ ከኣ፡ ነፍስወከፍ ዕማም ኣብ ልክዕ ግዜ ከም እተተግበረ ክግምት ከም ዝኽእል መዓደ።

ሓደ ካልእ ሰብ፡ ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ ዝብል ኣምር፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ሃጸይ ካብ ከንቱ ዝኾነ ምዝንጋዕ ርሒቑ፡ ኣብ ኣየናይ ግዜ ዕዮኡ ክፍጽም ከም ዘለዎ ክፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ነገራት ወትሩ ትኩር ክኸውን ከም ዝግባእ ገለጸ።

ካልእ ሰብ፡ እቲ ሃጸይ በይኑ ኣቐዲሙ ዝመጽእ ነገራት ከስተብህልን ነፍስወከፍ መደብ መዓስ ክትግበር ከምዝግባእ ክውስንን፡ ዓቕሚ ኣለዎ፡ ኢልካ ምሕሳብ፡ ብላሽ ሕልሚ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ነገር፡ ዋዕላ ፈላጣት ከቕውምን ብመሰረት ምኽሮም ዕማማቱ ክዓምምን ከም ዝግባእ ጸቒጡ ተዛረበ።

ካልእ ሰብ፡ ገሊኡ ጉዳይ ግዜ ዝህብ ስለ ዘይኮነ፡ ህጹጽ ውሳነ'ምበር፡ ንምይይጥ ዕድል ከም ዘይህብ ብምግላጽ፡ ግና ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣቐዲሙ ክፈልጥ፡ ጠንቆልትን ኣስማተኛታትን ክጥይቕ ሓበረ። መልሲ'ታ ካልአይቲ ሕቶ'ውን እንተኾነ፡ ብተመሳሳሊ ስኒት ዝጎደሎ ነበረ።

ሓደ ሰብ፡ እቲ ሃጸይ ብምሉእ ልቡ ንኣመሓደርቱ ክእመን ይግባእ፡ በለ። ካልእ ሰብ ከኣ፡ ኣብ ኣቕሽሽትን ፈለስትን ክውከል ከም ዝግባእ ተማሕጸነ። ካልኦት ከኣ ምስ ሓካይም'ባ! ብምባል ተላበዉ። ሕጂ'ውን ካልኦት፡ ኣብ ጀጋኑ ተዋጋእቲ ዘለዎም እምንቶ ገለጹ።

ነታ ሳልሰይቲ ሕቶ'ውን ብተመሳሳሊ ዝተፈላለየ መልስታት ተዋህበ። ገለ እቲ ቀንዲ ክትግበር ዝግባእ እማም፡ ሳይንስ'ዩ፡ በሉ። ካልኦት ብትሪ ሃይማኖት'ባ'ዩ! በሉ። ሕጂ'ውን ካልኦት እቲ ኣውራ ዘገድሰና ዕዮ፡ ወተሃደራዊ ጥበብ'ዩ፡ በሉ።

እቲ ሃጸይ በቲ ኵሉ ዝተወሃበ መልስታት ስለ ዘይዓገበ፡ ዝኾነ ይኹን ብልጫ ኣይተወሃበን።

እቲ ሃጸይ ኣብቲ ጉዳይ ሓያሎ ለይቲ ኣዕሚቑ ድሕሪ ምስትንታን፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ሓደ ደብሪ ዝቕመጡን ብምስትውዓሎም ዝልለዩን ባሕታዊ ክበጽሖም ወሰነ። ዋላ'ውን እቶም ባሕታዊ ድኻታት'ምበር፡ በንጻሩ ሃብታማት፡ ወይ ሰበ-ስልጣን ፈጺሞም ከም ዘይቕበሉ እንተ ፈለጠ፡ ምእንቲ ነዘን ሰለሰተ ሕቶታት ክሓቶም ክብል ክረኽቦም ደለየ። ስለዚ እቲ ሃጸይ ተራ ሓረስታይ ተመሲሉ፡ ነቶም ኣገልገልቱ ኣብ እግሪ'ቲ እምባ ክጽበዩዎ ብምሕባር፡ ምስቶም ባሕታዊ ክራኸብ በይኑ ኣብቲ ዓቀብ ክሓኩር ጀመረ።

እቲ ሃጸይ ኣብ መንበሪ ቦታ እቶም ቅዱስ ኣቦ ምስ በጽሐ፡ እቶም ባሕታዊ ኣብ ቅድሚ ኣጉዶኦም ዝርከብ ጀርዲን ክኹዕቱ ረኸቦም። እቶም ባሕታዊ ነቲ ጋሻ ሰብ ምስ ርኣዩዎ፡ ርእሶም ንሰላምታ ነቕነቕ ድሕሪ ምባል፡ ኹዕታኦም ቀጸሉ። እቲ ዕዮ ንዕኦም ኣሸጊሩዎም ከም ዝነበረ ንጹር'ዩ። መመሊሶም በቲ ባዴላኦም ነቲ ሓመድ ኣብ ዝግሕፍሉሉ ከቢዱዎም ይቓለሱ ነበሩ።

እቲ ሃጸይ ኣብኦም ገጹ ቀሪቡ ከኣ፡ ከምዚ በለ፡ "ኣነ ኣብዚ ዝመጻኹ፡ ነዘን ሰለስተ ሕቶታት ብምምላስ ክትሕግዙኒ'ዩ። ነፍስወከፍ ዕዮ ኣብ ኣየናይ ግዜ ብልክዕ ክፍጽሞ ይግባእ፧ እቶም ኣገድስቲ መሻርኽቲ ዕዮይ መዓል መን'ዮም፧ እቲ ቀንዲ ወርትግ ክትግብሮ ዝግባእ ኣገዳሲ ዕዮ እንታይ'ዩ፧"

እቶም ባሕታዊ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ሃጸይ ብኢዶም መንኩቡ ብምጥብጣብ፡ ኹዕታኦም ቀጸሉ። እቲ ሃጸይ'ውን፡ "ብርግጽ ደኺምኩም ትኾኑ። ሃቡኒ ደኣ፡ ክሕግዘኩም፣" በለ። እቶም ባሕታዊ ነቲ ሃጸይ ባዴላኦም ኣረኪቦም፡ ኣመስጊኖም፡ ቁሩብ ትንፋስ ክረኽቡ ኣብ ምድሪ ኮፍ በሉ።

እቲ ሃጸይ ክልተ መስርዕ ምስ ኾዓተ፡ ደው ኢሉ ኣብቶም ባሕታዊ ገጹ ተጠዊዩ ብምጥማት፡ ነተን ሰለስተ ሕቶታት ደገመሎም። እቶም ባሕታዊ ሕጂ'ውን ኣይመለስሉን፡ ግና ኣብቲ ባዴላ ገጾም ብምምልካት፡ ከምዚ በሉ፡ "ሕጂስ የዕርፍ ደኣ፧ ኣነ ባዕለይ ከብርየካ'የ።" ይኹንምበር እቲ ሃጸይ ኹዕታኡ ቀጸለ። ሰዓት ሓለፈ፡ ካብኡ'ውን ክልተ። ኣብ መወዳእታ እታ ጸሓይ ድሕሪ'ቲ ጎቦ ክትዓርብ ጀመረት። እቲ ሃጸይ ነቲ ባዴላ ኣብ ምድሪ ኣንቢሩ፡ ነቶም ባሕታዊ ከምዚ በሎም፡ "ኣነ ኣብዚ ቦታ ዝመጻኹ፡ ነዘን ሰለስተ ሕቶታተይ መልሲ ክረክብ ብምባል'የ። እንተኾነ ግን ዝኾነ ይኹን መልሲ ዘይትህቡኒ እንተ ኾይንኩም፡ ብኽብረትኩም፡ ኣፍልጡኒ'ሞ ንገዛ ገጸይ ክብገስ።"

እቶም ባሕታዊ ርእሶም ኣቕኒዖም፡ ነቲ ሃጸይ፡ "ሓደ ሰብ ኣብቲ ክጎይይ ትርኢ'ዶ'ሎኻ፧” ብምባል ሓተቱዎ።

እቲ ሃጸይ ኣብቲ ቦታ ገጹ ጠመተ። ክልቴኦም ከኣ፡ ነዊሕ ጻዕዳ ጭሕሚ ዘለዎም ሰብኣይ፡ ካብቲ ዱር ክወጹ ተዓዘቡ። እቶም ሰብኣይ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝተወግአን ደም ዝፈሶ ዘሎን ከብዶም ኣንቢሮም፡ ከም ዕቡድ ይጎይዩ ነበሩ። እቶም ሰብኣይ ኣብቲ ሃጸይ ገጾም ጎዮም ብምምጻእ፡ ቅድሚ ሃለዋት ምጥፍኦም፡ ኣብ ምድሪ ተሰጢሖም ብቓንዛ ክእነኑ ጀመሩ። እቲ ሃጸይን እቶም ባሕታዊን ነቲ ብደም ዝጨቀው ክዳውንቲ እቶም ሰብኣይ ምስ ኣልገሱ፡ ከም እተጀልዓፉ ርኣዩ። እቲ ሃጸይ ነቲ ቁስሊ ድሕሪ በ'ገባብ ምጽራይ፡ ብገዛእ ካምችኡ ጀነኖ፣ ይኹንምበር እቲ ፋሻ ኣብ ውሽጢ ደቒቕ ብደም ተዓልከ። ነቲ ካምቻ ኣልጊሱ ብምልቕላቕ፡ ነቲ ቁስሊ ዳግም ጀነኖ፣ ክሳዕ'ቲ ዝፈስስ ደም ደው ዝብል'ውን ከምኡ ምግባሩ ቀጸለ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ውጉእ ሃለዋቶም ምስ ፈለጡ ማይ ዝስተ ጠለቡ። እቲ ሃጸይ ኣብቲ ወሓዚ ብምጉያይ፡ ብራኳ ጽሩይ ማይ ሒዙ ተመልሰ። ኣብቲ እዋን ጸሓይ ዓሪባን ጠሊ ዝሓዘለ ኣየር ክነፍስን ጀሚሩ ነበረ። እቶም ባሕታዊ ምስቲ ሃጸይ ኢደይ ኢድካ ብምባል፡ ነቶም ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣጉዶ ድሕሪ ምእታው፡ ኣብ ልዕሊ ዓራት'ቶም ባሕታዊ ኣደቀስዎም። እቶም ሰብኣይ'ውን ዓይኖም ሰለም ድሕሪ ብምባል ብህድኣት ደቀሱ።

እቲ ሃጸይ ነቲ ጎቦ ክሓኩርን ነቲ ጀርደን ክኹዕትን ስለ ዝወዓለ ኣዚዩ ደኺሙ ነበረ። ኣብቲ ማዕጾ ተጸጊዑ 'ከሎ፡ ግምስስ ኢሉ ድቃስ ወሰዶ። ካብ ድቃስ ኣብ ዝተበራበረሉ እዋን፡ እታ ጸሓይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጎቦ በጺሓ ነበረት። ኣብቲ ህሞት ኣበይ ከም ዘሎን ስለምንታይ ኣብቲ ቦታ ከምዝመጸን ግር በሎ። ኣብቲ ዓራት ገጽ ኣብ ዝጠመተሉ፡ እቶም ውጉእ ሰብኣይ'ውን፡ ንዕኡ ብምድንጋር ክጥምትዎ ተዓዘበ። እቶም ሰብኣይ ነቲ ሃጸይ ምስ ርኣዩ፡ ኣተኲሮም ኣብኡ ገጾም ብምጥማት፡ "በጃኻ ይቕረ በለለይ፧" ብምባል፡ ብድኹም ድምጺ ሕሹኽ በሉ።

"ግና እንታይ ስለ ዝገበርኩም'የ ይቕረ ዝብለኩም፧” ብምባል፡ እቲ ሃጸይ ሓተተ።

“ዎ ንጉስ፡ ንስኻ ኣይትፈልጠንን ኢኻ። ኣነ ግና እፈልጠካ'የ። ኣነ ብመትከል ጸላኢኻ'የ ነይረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ንሓወይ ስለ ዝቐተልካን ንብረተይ ስለ ዝዘመትካን፡ ኣብ ልዕሌኻ ሕነ ክፈዲ ተመባጺዐ። ነዞም ባሕታዊ ክትበጽሖም፡ በይንኻ ኣብዚ ደብሪ ከም እትመጽእ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣብ እትምለሰሉ እዋን ኣዳህሊለ ክቐትለካ መዲበ። እንተኾነ ግን ነዊሕ እዋን ተጸቢየ ስለ ዘይመጻኻ፡ ድብያይ ገዲፈ፡ ኣብቲ ዘሎኻዮ ቦታ ክረኽበካ ተቢጊሰ። ይኹንምበር ኣብ ክንዲ ንዓኻ ዝረክብ፡ ኣብ መገዲ ኣገልገልትኻ ተጓነፉኒ። መንነተይ ምስ ኣለለዩ ከኣ፡ ኣብ ከብደይ ወግኡኒ። ብዕድል ኣብዚ ስፍራ ጎየ ሃዲመ። ንዓኻ እንተ ዘይረኽበካ፡ ብሕጂ ብርግጽ ምሞትኩ ነይረ። ኣነ ክቐትለካ ወጢነ፡ ንስኻ ግና በንጻሩ ኣድሒንካኒ! ብግብረይ ሓኒኸ፣ ምስጋናይ'ውን ወሰን የብሉን። ብህይወት እንተ ጸናሕኩ፡ ምሉእ ዕድመይ ንዓኻ ከገልግል እምሕል። ከምኡ'ውን ደቀይን ደቅ'ደቀይን ከገልግሉኻ ቃል ይኣቱ። በጃኻ ምሕረትካ ኣይትንፈገኒ፧"

እቲ ሃጸይ ምስቲ ቀንዲ ጸላኢኡ፡ ብኸምዚ ኣዚዩ ብቐሊል ክዕረቕ ብምኽኣሉ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጎሰ። ነቶም ሰብኣይ ምሕረት ክገብረሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኵሉ ንብረቶም ክመልሰሎም፡ ከምኡውን ክሳዕ ምሉእ ብምሉእ ዝሓውዩ፡ ናቱ ብሕታዊ ሓኪምን ኣገልገልቱን ልኢኹ ክኣልይዎም ተመባጽዐ። እቲ ሃጸይ፡ ነቶም ኣገልገልቱ ነቶም ሰብኣይ ንገዛ ክወስድዎም ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብቶም ባሕታዊ ገጹ ተመልሰ። ቅድሚ ንቤተ-መንግስቱ ምምላሱ፡ ንመወዳእታ ግዜ ነዘን ሰለስተ ሕቶታት ክደግመሎም ደለየ። እቶም ባሕታዊ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ብሓባር ኣብ ዝኾዓትዎ ግራት፡ ዘርኢ ክዘርኡ ረኸቦም።

እቶም ባሕታዊ ደው ኢሎም፡ ኣብቲ ሃጸይ ገጾም ብምጥማት፡ "እተን ሕቶታትካ ድሮ ተመሊሰን'ዶ ኣይኮናን፧" በሉ።

እቲ ሃጸይ ደንጺዩዎ፡ “ብኸመይ ደኣ፧” ብምባል ሓተተ።

“ትማሊ፡ ሽምግልናይ ርኢኻ እንተ ዘይትድንግጸለይን ነዚ ግራት ኣብ ምኹዓት እንተ ዘይትሕግዘንን፡ ንገዛ ኣብ እትምለሰሉ እዋን፡ እቶም ሰብኣይ ሓደጋ ምወደቑኻ ነይሮም። ሻቡ ምሳይ ብዘይ ምጽናሕካ ኣመና ምተጠዓስካ ኔርካ። ስለዚ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ግዜ፡ ነቲ ግራት እትኹዕተሉ ዝነበርካ እዋን'ዩ። እቲ ኣዚዩ ዘገድስ ሰብ ድማ፡ ኣነ ባዕለይ'የ። እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክፍጸም ዝግብኦ ዕዮ ድማ፡ ንዓይ ምሕጋዝ'ዩ። ድሒሩ፡ እቶም ውጉእ ሰብኣይ ኣብዚ ስፍራ ብጉያ ሃዲሞም ኣብ ዝመጹሉ፡ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዋን፡ ነቲ ቁስሊ ክትሕክም ዝወፈኻዮ ግዜ'ዩ። ንስኻ እንተ ዘይትሓልየሎም፡ እቶም ሰብኣይ ምሞቱን ክትዕረቖም ዕድል ኣይምረኸብካን ኔርካ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣዚዩ ዘገደስ ሰብ፡ እቶም ሰብኣይ'ዮም፣ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ዕዮ ድማ፡ ንቑስሎም ምሕካም'ዩ። ወትሩ ነዚ ዘክር፡ እቲ እንኮ ዘገድስ ግዜ ሕጂ'ዩ። ንሕና ኣብ ሕጂ እዋን ጥራይ ኢና ምልኪ ዘሎና። እቲ ኣዚዩ ዘገድስ ሰብ፡ እቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ቅድሜኻ ምሳኻ ዘሎ ሰብ'ዩ። ኣብ መጻኢ ምስ ካልኦት ሰባት ርክብ ይሃልውካን ኣይሃልውካን፡ መን ክፈልጥ ይኽእል፧ እቲ ኣዚዩ ዘገድስ ዕዮ፡ ነቲ ኣብ ጎድንኻ ዘሎ ሰብ ምኽኒት ሓጎስ ክትኸውን ምኽኣል'ዩ። እዚ ጥራይ ከኣ'ዩ፡ ኣብ ህይወት እቲ ኣገዳሲ ዕማም።"

ተፈጸመ