ጥቕሲ

"ነቲ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ሳላ ፍቕሪ ጥራይ እየ ተረድኤዮ።" - ሊዮ ቶልስቶይ

tolstoy

ካልኦት ሓጸርቲ ዛንታታት ብሊዮ ቶልስቶይ

ፍቕሪ ኣብ ዘለዎ፡ እግዚኣብሄር ኣሎ

ደራሲ - ሊዮ ቶልስቶይ

ትርጕም - ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ

ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝቕመጡ፡ ኣይተ ማርቲን ኣቭዶኢች ዝስሞም፡ ዓራዪ ሳእኒ ነበሩ። እቲ ሓደ መስኮት፡ ናብ ጐደና ገጹ ዝጥምት፡ ኣብ ትሕተ ምድሪ ዝርከብ፡ ጸቢብ ክፍሊ ከኣ ነበሮም። ሓደ ሰብ፡ ብዕኡ ኣቢሉ ኣእጋር እቶም ሓለፍቲ መንገዲ ክጥምት ይኽእል ነበረ። ኣይተ ማርቲን ግና፡ ጫማታቶም ብምርኣይ ጥራይ፡ መንነት እቶም ሰባት ከይተረፈ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ። ኣብቲ ቦታ ነዊሕ ስለ ዝገበሩ፡ ምስ ብዙሓት ሰባት ሌላ ነበሮም። ኣብቲ ጐረባብቶም እውን፡ ሓንሳብ፡. ወይ ክልተ ሳዕ፡ በእዳዎም ኣቢሉ ዘይሓለፈ ጽምዲ ጫማታት ኣሎ፡ ኢልካ ምዝራብ ኣጸጋሚ ኢዩ። ስለዚ ወትሩ ንኢደ ስርሖም ብመስኮት ይዕዘቡ ነበሩ። ካብኦም ንገለ ሶላ ቀዪሮምሎም፡ ንገለ ለጊቦምሎም፡ ንገለ ሰፊዮምሎም፡ ንገለ ከኣ ነቲ ላዕላዋይ ክፋል ከይተረፈ፡ ከምብሓድሽ ቀዪሮምሎም ኢዮም። ስርሖም ጽፉፍ፡ ዝጥቐሙሉ ንዋት ብሉጽ፡ ክፍሊቶም ርትዓዊ፡ ከምኡውን እሙን ሰብ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ስራሕ ኔሩዎም። ንዓማዊሎም ከምቓሎም ኣብታ ዝበሉዋ መዓልቲ ዛዚሞም የረክብዎም ነበሩ። ጊዜ ዝወስድ ምዚኸውን ግና፡ ሓቂ ይነግርዎም ነበሩ እምበር፡ በንጻሩ ዘይኸውን ተስፋ ኣይህቡዎምን ነበሩ። ስለዚ ኣዚዮም ዉሩይን እኹል ትሩፍ ስራሕ ዝነበሮምን ሰብ ነበሩ።

ኣይተ ማርቲን ወትሩ ብባህሪኦም ቅኑዕ ሰብ ነበሩ። ግና ኣብ ዕድመ ሽምግልናኦም ኢዮም፡ ዝያዳ ብዛዕባ ነፍሶም ክሓስቡን ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡን ዝጀመሩ። ገና ናቶም ናይ ውልቆም ስራሕ ከይኸፈቱ፡ ኣብ ትሕቲ ሓለቓኦም ተቘጺሮም፡ ከምሰራሕተኛ ኣብ ዝሰርሑሉ እዋን፡ ሰበይቶም ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻን ቈልዓ ገዲፋትሎም፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈለየት። ኵሎም እቶም ኣቐዲሞም ዝተወልዱ ደቆም፡ ኣብ እዋን ህጻንነቶም ኢዮም ዓሪፎም። ፈለማ ኣይተ ማርቲን ነቲ ህጻን ወዶም፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ናብ እትነብር ሓፍቶም ክሰዱዎ ሓሰቡ። ድሒሩ ግና፡ ምስቲ ወዶም ምፍልላይ፡ ከቢድ ዀይኑ ስለ ዝተረኣዮም፡ “እዚ ናተይ ንእሽቶ ካፒቶን፡ ምዘይፈልጦም ስድራ-ቤት ክዓቢ፡ ኣመና ክኸብዶ ኢዩ። ምሳይ ደኣ ክሕዞ ኣሎኒ።” ብምባል ሓሰቡ።

ኣይተ ማርቲን ንሓለቓኦም ገዲፎም፡ ወዶም ሒዞም ናብ ካልእ መዐረፊ ቦታ ከዱ። ይኹንምበር ብደቆም ዕድል ዝበሃል ኣየነበሮምን። እቲ ወዶም ብዕድመ ጐቢዙ፡ ነቦኡ ክሕግዝን ክድግፍን፡ ከምኡውን ሓጐስ ኣቦኡ ክኸውን ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ሓመመ። ምስ ልዑል ረስኒ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዓራት ሰሙን ድሕሪ ምድቃስ፡ ዓረፈ። ኣይተ ማርቲን ንወዶም ቀበሩዎ። ኣዚዮም ተስፋ ካብ ምቑራጾም ዝተለዓለ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣዕዘምዘሙ። ብሓዘን ተዋሒጦም ድማ፡ ደጋጊሞም ኣነውን እንተ ዝመውት፡ ብምባል ጸሎት ገበሩ። እግዚኣብሄር ንዕኦም ንሽማግለ ሰብኣይ ብህይወት ገዲፉ፡ ነቲ ዘፍቅርዎን ነቲ እንኮን ወዶም ስለ ዝወሰደሎም ወቐሱዎ። ብድሕሪኡ ኣይተ ማርቲን ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ፈጺሞም ኣቛረጹ።

ሓደ መዓልቲ ካብ መበቈል ዓዲ እንዳ ኣይተ ማርቲን፡ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት፡ ኣብ ትሮኢትሳ ዝተባህለ ገዳም፡ ክነግዱ ከይዶም ዝነበሩ፡ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ መጹ። ኣይተ ማርቲን ከኣ፡ ልቦም ከፊቶም ሓዘኖም ኵሉ ብዝርዝር ገለጹሎም።

“ኣቱም ቅዱስ ሰብ፡ ኣነ ድሕሪ ደጊም ብህይወት ክነብር ኣይደልን እየ።” ድማ በሉ። ወሲኾምውን፡ “ንእግዚኣብሄር ዝልምኖ ሓንቲ ነገር እንተላ፡ ቀልጢፈ ክመውት ኢዩ። ኣነ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ተስፋ እየ፡ ኣብዛ ዓለም ዝነብር ዘሎኹ።” በሉ።

እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ከኣ፡ “ግደፍ ደኣ፡ ማርቲን፡ ከምኡ ክትብል መሰል ዝበሃል የብልካን። ንሕና ንመገዲ እግዚኣብሄር ክንፈርድ ኣይከኣለናን ኢዩ። ናትና ሓሳብ ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ፡ ዝውስን። እግዚኣብሄር ወድኻ ክመውትን ንስኻ ክትነብርን እንተ ፈቐደ፡ ከምኡ ጥራይ ደኣ ይኹን። እቲ ተስፋ ዝቘረጽካሉ ምኽንያት ድማ፡ ንውልቃዊ ሓጐስካ ክትነብር ስለ ዝመረጽካ ኢዩ።” ብምባል መለሱ።

“ሰብ ብዘይካ ነዚ ዕላማ፡ ንምንታይ ዶ ይነብር ኢዩ?” ብምባል፡ ኣይተ ማርቲን ብምግራም ሓተቱ።

እቶም ሽማግለ ሰብኣይውን፡ “ንእግዚኣብሄር፡ ማርቲን፡” በሉ። “ንሱ ህይወት ስለ ዝሃበካ፡ ግድን ንዕኡ ክትብል ክትነብር ይግባእ። ንዕኡ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ምስ እትመሃር፡ ሓዘን ካባኻ የልግስ። ኵሉ ነገር ከኣ፡ ቀሊል ዀይኑ ትረኽቦ።”

ኣይተ ማርቲን፡ ንሒደት እዋን ስቕ ድሕር ምባል፡ “ሓደ ሰብሲ ብኸመይ ኢዩ ንእግዚኣብሄር ዝነብር?” ብምባል ሓተቱ።

እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ከኣ፡ ከምዚ ብምባል መለሱ፡ “ሓደ ሰብ ብኸመይ ንእግዚኣብሄር ክብል ከምዝነብር፡ ክርስቶስ ኣርእዩና ኢዩ። ምንባብ ትኽእል እንዲኻ? ስለዚ ንመጻሕፍቲ ወንጌል ግዛእ እሞ ኣንብቦም። ኣብኡ እግዚኣብሄር ብኸመይ ክትነብር ከምዝደሊ ክትርኢ ኢኻ። ኵሉ ኣብኡ ኣሎካ።”

እዘን ቃላት ኣብ ልቢ ኣይተ ማርቲን ኣጸቢቐን ጠሓላ። ኣብታ መዓልቲ ከኣ፡ ንገዛእ ርእሶም ብዓበይቲ ፊደላት ዝተሓትመ ሓድሽ ኪዳን ገዚኦም ከንብቡ ጀመሩ።

ፈለማ ኣብ በዓላት ጥራይ ከንብብዎ ኢሎም ኢዮም ሓሲቦም ኔሮም። ይኹንምበር ሓንሳእ ምስ ጀመሩዎ፡ ንልቦም ዕረፍቲ ዝህብ ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ፡ መዓልታዊ ምንባቦም ቀጸሉ። ኣብ ገለ እዋናት ኣብ ንባቦም ኣመና ስለ ዝምሰጡ፡ ቅድሚ ነቲ መጽሓፍ ምንባሮም፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ፋኑሱ ዘሎ ዘይቲ ነዲዱ ይውዳእ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ምሸት ምንባቦም እውን ቀጸሉ። ዝያዳ ኣብ ዘንብቡሉ፡ ዝያዳ እግዚኣብሄር ካብኦም እንታይ ከምዝደሊን ብኸመይ ንእግዚኣብሄር ክብሉ ከምዝነብሩን ክበርሃሎም ጀመረ። ልቦምውን መመሊሱ ፎዀሶ። ቀደም ጊዜ፡ ናብ ዓራቱ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ልቦም ከቢዱዎምን ንንእሽቶ ካፒቶን ዘኪሮምን፡ እህህ እናበሉ ኢዮም፡ ዝድቅሱ ነይሮም። ሕጂ ግና፡ “ክብሪ ንዓኻ ይኹን፡ ክብሪ ንዓኻ ይኹን፡ ዎ ጐይታ! ፍቓድካ ይፈጸም!” ብምባል ጥራይ፡ መመሊሶም ይደግሙ ነበሩ።

ካብቲ ጊዜቲ ኣትሒዙ፡ ህይወት ኣይተ ማርቲን፡ ምሉእ ብምሉእ ተለወጠ። ቅድም ኣብ በዓላት፡ ከምልምዲ ኣብ ህዝባዊ መዘናግዒ ቦታታት ከይዶም ሻሂ ይሰትዩ ነበሩ። ሓደ ክልተ መለክያ ቮድካውን እንተዀነ፡ ክሰትዩ ገለ’ኳ ጸገም ኣይነበሮምን። ኣብ ገለ እዋን፡ ምስ ዓርኮም ተራኺቦም፡ ሓደ ክልተ ምስ ሰተዩ፡ ከይሰኸሩ ግና ረስኒ ተሰሚዑዎም፡ ካብቲ ባራት ብምውጻእ፡ ዘይጠቕም ዘረባ ይዛረቡ፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ የጕባዕብዑን ይጻረፉን ነበሩ። ሕጂ ግና፡ ኵሎም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጠባያት፡ ካብኦም ኣልጊሶም ኢዮም። ህይወቶም ሰላማዊን ሕጉስን ዀይኑ ኢዩ። ንግሆ ኣብ ስርሖም ኣቲዮም፡ መዓልታዊ ዕዮኦም ምስ ዛዘሙ፡ ነቲ ፋኑሱ ካብቲ መንደቕ ኣልዒሎም፡ ኣብ ልዕሊ ጠረጴዛ ብምንባር፡ መጽሓፎም ካብ ልዕሊ’ቲ ከብሒ መጽሓፍቲ ብምምጻእ፡ ነቲ መጽሓፍ ገንጺሎም ኰፍ ኢሎም የንብቡ ነበሩ። ዝያዳ ኣብ ዘንብቡሉ ከኣ፡ ዝበለጸ ይርድኦምን ኣብ ኣእምሮኦም ንጹርን ሕጉስን ስምዒት ይስምዖምን ነበረ።

ሓደ ጊዜ፡ ኣይተ ማርቲን ክሳዕ ኣዚዩ ዝመሲ፡ ኰፍ ኢሎም ብተመስጦ መጽሓፎም የንብቡ ነበሩ። ኣብቲ እዋን ከኣ፡ ንወንጌል ሉቃስ የንብቡ ነበሩ። ኣብ ሻዱሻይ ምዕራፍ ድማ፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ዝብላ ቃላት ኣጓነፎም፦

“መልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልአይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ። ንዝለመነካ ዘበለ ሃብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።”

ከምኡውን ጐይታና ከምዚ ስዒቡ ንዝበሎ ኣንበቡ፦

“ስለ ምንታይ ደኣ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን? እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን ዘበለ ዅሉ ንመን ከምዚመስል ከርእየኩም እየ፡ ቤት ክሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቝ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ ኸውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ኢዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ። እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ ኢዩ ዚመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት፡ ኣወዳድቓ እታ ቤት ኸኣ ዓቢይ ዀነ።”

ኣይተ ማርቲን፡ ነዘን ቃላት ምስ ኣንበቡ፡ ነፍሶም ብፍስሃ ተመልአት። መነጽሮም ኣውጺኦም ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጽሓፍ ኣንበሩዎ። ኵርናዕ ኢዶም ኣብ ልዕሊ እቲ ጠረጴዛ ኣደጊፎም፡ ብዛዕባ’ቲ ዘንበቡዎ ኣዕሚቘም ሓሰቡ። ገዛእ ህይወቶም እውን፡ ብመሰረት እዘን ቃላት ክግምግሙ ፈተኑ። ንገዛእ ነፍሶም ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ብምባል ድማ ሓተቱ፦

“ቤተይ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ፡ ወይስ ኣብ ልዕሊ ሑጻ ኢያ ተሰሪታ? ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ደው ኢላ እንተላ፡ ግርም። ኣብዚ በይንኻ ዀፍ ኢልካን እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኵሉን ፈጺመ እየ፡ ብምባል ምሕሳብን፡ ቀሊል ይመስል። እንተዀነ ግን ሸለል ኣብ ዝብለሉ እዋን፡ እንደገና ሓጢኣት ይፍጽም። ግና ሕጂውን መሊሰ ሓቦ ክገብር እየ። እዚ ልዑል ሓጐስ ድማ ይህብ። ዎ ጐይታ! ርድኣኒ።”

ነዚ ኵሉ ድሕሪ ምሕሳብ፡ ናብ ዓራት ክግምሰሱ ተቐረቡ። ይኹንምበር ነቲ መጽሓፍ ምንባብ ከቛርጽዎ ኣይደለዩን። ስለዚውን፡ ንሻብዓይ ምዕራፍ ከንብቡ ጀመሩ -- ብዛዕባ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ወዲ እታ መበለትን ንልኡኻት ዮሃንስ እተወሃበ መልሲን -- ካብኡ ብዛዕባ እቲ ንጐይታ ኣብ ቤቱ ኣቲዩ፡ ምስኡ ክበልዕ ዝለመኖ፡ ሃብታም ፈሪሳዊ ሰብኣይ ዝገልጽ ክፍሊ በጽሑ። እታ ሓጢኣተኛ ዝነበረት ሰበይቲ፡ ብኸመይ ኣእጋሩ ብቕዱይ ቅብኢ ከምዝለኸየቶን ብንብዓታ ከምዘጠልቀየቶን፡ ንሱ ከኣ፡ ብኸመይ ሓጢኣታ ከምዝሓደገላ ኣንበቡ። ኣብ መበል ቍጽሪ 44 ድማ፡ ከምዚ ስዒቡ ዝብላ ቃላት ኣንበቡ፦

“ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ? ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት።”

ነዘን ቃላት ምስ ኣንበቡ፡ “ንሱ ነእጋሩ ማይ ኣይሃቦን፡ ኣይተሳለሞን፡ ርእሱ ብዘይቲ ኣይለኸዮን…” ብምባል ሓሰቡ። ካብኡ ኣይተ ማርቲን፡ እንደገና መንጽሮም ብምውጻእ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጽሓፍ ኣንቢሮም፡ ኣዕሚቘም ክሓስቡ ጀመሩ።

“ንሱ፡ እቲ ፈሪሳዊ፡ ልክዕ ከማይ ክኸውን ኣለዎ። ንሱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ኢዩ ዝሓሰበ -- ብኸመይ ኩባያ ሻሂ ከምዝረክብ፡ ብኸመይ ከምዝመውቕን ከምዝምችዎን ሓሰበ። ብዛዕባ ምቾት ጋሻኡ ግና፡ ገለ እኳ ኣይሓሰበን። ግና መን ነይሩ እቲ ጋሻ? ጐይታ ባዕሉዶ ኣይኰነን! ንሱ ናባይ እንተ ዝመጽእ፡ ኣነውን ከምኡዶ ምስ ገበርኩ?”

ካብኡ ኣይተ ማርቲን ርእሶም ኣብ ክልተ ኣእዳዎም ብምድጋፍ፡ ከይተረድኦም ድቃስ ወሰዶም።

“ማርቲን!” ዚብል ድምጺ ድማ፡ ሃንደበት ሰምዑ። ገለ ሰብ ኣብ ልዕሊ እዝኖም ሕሹኽ ዝበሎም መሰሎም።

ካብ ድቃሶም ብምብርባር ከኣ፡ “መን ኢኻ?” ብምባል ሓተቱ።

ገጾም ጠውዮም ናብቲ ማዕጾ ጠመቱ። ዋላ ሓደ ሰብ ግና ኣይነበረን። እንደገና ጸውዑ። ካብኡ ንጹር ድምጺ ሰምዑ፡ “ማርቲን፡ ማርቲን፡ ኣነ ብርግጽ ክመጽእ እየ እሞ፡ ጽባሕ ናብቲ ጐደና ገጽካ ጠምት።”

ኣይተ ማርቲን፡ ፍጹም ካብ ድቃስ ተበራቢሮም፡ ካብ ልዕሊ እቲ መንበር ብምትንሳእ፡ ዓይኖም ሓሰዩ። ነቲ ድምጺ ግና፡ ብሕልሞም ዲዮም፡ ወይስ ብጋህዲ፡ ከምዝሰምዑዎ ክፈልጡ ኣይኸኣሉን። ፋኑሶም ኣጥፊኦም ድማ፡ ክድቅሱ ጐቦ ዀኑ።

ንጽባሒቱ ቅድሚ ጸሓይ ምብራቓ፡ ካብ ድቃሶም ተበራበሩ። ጸሎቶም ድሕሪ ምግባር ከኣ፡ ሓዊ ኣጒዶም ናይ ካውሎ መረቕን ካብ ሓሩጭ ስርናይ ዝተዳለወ ገዓትን ከዳልዉ ጀመሩ። ሳሞቮር መፍልሒ ሻሂ፡ ኣብ ሓዊ ኣንቢሮም፡ ግርምብያለኦም ምስ ተኸድኑ ከኣ፡ ስርሖም ክጅምሩ ኣብ ጥቓ እቲ መስኮት ዀፍ በሉ። ዀፍ ኢሎም ስርሖም ኣብ ዝዓይዩሉ፡ ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ምሸት ዘጓነፈ ኵነታት ክሓስቡ ጀመሩ። ገለ እዋን ሕልሚ ዀይኑ ይስምዖም፡ ኣብ ገለ እዋን ከኣ፡ ብርግጽ ነቲ ድምጺ ከምዝሰምዑ ይሓስቡ። “ከምዚ ዝበለ ነገር፡ ቅድም ሕጂ ኣጓኒፉዶ ይፈልጥ ኢዩ፡” ብምባል እውን ሓሰቡ።

ብሰንኪ’ዚ ከኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መስኮት ዀፍ ኢሎም ካብቲ ዝዓይዪዎ፡ ናብቲ ጐደና ገጾም ዝጥምትዎ ይበዝሕ ነበረ። ዘይፈልጥዎ ጫማ ዝገበረ ሰብ ኣብ ዝሓልፈሉ እዋን ድማ፡ ነቶም ኣእጋር ጥራይ ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ምእንቲ ናይቲ ሓላፋይ ገጽውን ክርእዩ፡ ተጐምቢሖም ንላዕሊ ገጾም ይጥምቱ ነበሩ። ሓደ ናይ ገዛ ዘብዐኛ ከኣ፡ ሓድሽ ብዓለባ ጸምሪ ዝተሰርሐ ቡት ጫማ ገይሩ ሓለፈ። ካብኡ ማይ ዘመላልስ ሰራሕተኛ ሓለፈ። ኣብታ ደቒቕ እቲኣ፡ ሓደ ኣብ ግዝኣት ኒካላስ ወተሃደር ዝነበሩ ዓቢ ሰብኣይ፡ ኣብ ኢዶም ባዴላ ሒዞም፡ ናብቲ መስኮት ቀረቡ። ኣይተ ማርቲን፡ በቲ ብሉይ፡ ዝኣረገ፡ ብዓለባ ጸምሪ ዝተሰርሐን ብቘርበት ዝተሸፈነን ቡት ጫማኦም ኢዮም ኣለሊዮሞም። እቶም ዓቢ ሰብኣይ፡ ስሞም ኣይተ ስቴፖኒች ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ጐረቤት ዘሎ ነጋዳይ፡ ብምጽዋት ኣብ ገዛኡ ኣጸጊዑ የንብሮም ነበረ። እቲ ዕዮኦም ድማ፡ ነቲ ናይ ገዛ ዘብዐኛ ምትሕግጋዝ ነበረ። ኣብ ቅድሚ መስኮት ኣይተ ማርቲን ንዘሎ በረድ ክጸርጉ ጀመሩ። ኣይተ ማርቲን፡ ናብኦም ገጾም ግልጽ ኢሎም ድሕሪ ምጥማት፡ መሊሶም ናብ ስርሖም ኣድሃቡ።

ኣይተ ማርቲን፡ ኣብ ገዛእ ሓሳባቶም እናሰሓቑ፡ “ምስ ዕድመ ተጸሊለ ጥራይ ከይኸውን፡” በሉ። “ኣይተ ስቴፖኒች ነቲ በረድ ከጽርዩ ክብሉ ኢዮም ዝመጹ፤ ኣነ ድማ፡ ክርስቶስ ክበጽሓኒ ዝመጸ ዀይኑ ተሰሚዑኒ። ኣነስ ከመይ ዝበለ ኣእምሮኡ ዝደኸመ ሽማግለ ሰብኣይ እየ፡ በጃኹም!”

ይኹንምበር ንገለ እዋን ክሰፍዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ውሽጦም እንደገና ናብቲ መስኮት ገጾም ቍሊሕ ኢሎም ክጥምቱ ደረኾም። ኣይተ ስቴፖኒች ነቲ ባዴላ ኣብ መንደቕ ከምዘደገፉዎን፡ ኣዕሪፎም፡ ወይ ድማ ገዛእ ርእሶም ከሟምውቑ ክፍትኑ ከለዉ ርኣዩዎም። እቶም ሰብኣይ ዓቢን ዝደኸሙን ነበሩ። ነቲ በረድ ከጽርዩውን፡ እኹል ዓቕሚ ከምዘይነበሮም ንጹር ነበረ።

“ጸዊዐ ገለ ሻሂ እንተ ሃብኩዎም እንታይ ኣለዎ?” ብምባል፡ ኣይተ ማርቲን ሓሰቡ። “እቲ ሳሞቮርውን እንተዀነ፡ ምፍልሑ ኣይተረፎን ዘሎ።”

ነቲ ጭፈታ ኣብ ቦታኡ ወጊኦም ብምንባር ተንስኡ። ነቲ ሳሞቮር ኣብ ልዕሊ’ቲ ጠረጴዛ ብምንባር ከኣ፡ ሻሂ ኣቓሚሞም ኣዳለዉ። ካብኡ ነቲ መስኮት በጻብዕቶም ኳሕኵሑዎ። ኣይተ ስቴፖኒችውን ተጠዊዮም፡ ናብቲ መስኮት ቀረቡ። ኣይተ ማርቲን ክኣትዉ ምስ ኣመልከቱሎም ድማ፡ ማዕጾ ክኸፍቱሎም ንላዕሊ ተበገሱ።

“እተዉ፡” በሉ። “ገዛእ ርእስኹም ማሙቑ። ቈሪርኩም ከምዘሎኹም ርግጸኛ እየ።”

“እግዚኣብሄር ንዓኹም ይባርኩም!” ብምባል፡ ኣይተ ስቴፖኒች መለሱ። “ሓቂ ንምዝራብ፡ ቃንዛ ክሳዕ ኣዕጽምተይ ይስመዓኒ ኣሎ።” ናብ ውሽጢ ኣብ ዝኣትዉሉ ከኣ፡ ቅድም ነቲ በረድ ነገፉ፡ ካብኡ ምእንቲ ምልክት ኣብቲ ባይታ ከይገድፉ ብምባል፡ ኣእጋሮም ክነግፉ ጀመሩ። ግና ኸምኡ ኣብ ዝገብሩሉ፡ ሰንደልደል ኢሎም ክወድቑ ደለዩ።

“ኣእጋርኩም ክትነግፉ ኣይትሸገሩ፡” በሉ፡ ኣይተ ማርቲን። “ነቲ ባይታ ባዕለይ ክጸርጎ እየ፡ ካብቲ መዓልታዊ ስራሐይ ሓደ’ኮ ንሱ ኢዩ። እተዉ፡ እዞም ዓርከይ፡ ኰፍ በሉን ገለ ሻሂ ስተዩን።”

ክልተ ብርጭቖ ሻሂ ድሕሪ ምቕዳሕ፡ ነቲ ሓደ ንጋሻኦም ሃቡዎም። ነቲ ናቶም ኣብ ቢያቲ ብምፍሳስ ከኣ፡ ከምበድብድዎ ጀመሩ።

ኣይተ ስቴፖኒች ብርጭቖ ሻሂኦም ጸንቒቖም ሰተዩዎ። ነቲ ብርጭቖ ገምጢሎም ብምቕማጥ ድማ፡ ነቲ ተረፍ ሽኮር ኣብ ልዕሌኡ ኣንበሩዎ። ምስጋናኦም ክገልጹ ከኣ ጀመሩ። ይኹንምበር እንተ ተወሰኹውን ኣይምጸልኡን ነበሩ።

ኣይተ ማርቲን፡ “ድገሙ ሻሂ፡” ብምባል፡ ንብርጭቆ ጋሻኦምን ነቲ ናቶምን ክመልኡ ጀመሩ። ኣይተ ማርቲን፡ ሻሂኦም ኣብ ዝሰትዩሉ ግና፡ መመሊሶም ናብቲ ጐደና ገጾም ይጥምቱ ነበሩ።

እቶም ጋሻ ከኣ፡ “እትጽበዩዎ ሰብ ኣሎ ዲዩ?” ብምባል ሓተቱ።

“ዝዀነ ይኹን ሰብ እየ ዝጽበ? ደሓን፡ እንታይ ኢለ ከምዝነግረኩም የሕፍረኒ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይኰንኩን ዝጽበ ዘሎኹ። ይኹንምበር ትማሊ ምሸት ካብ ኣእምሮይ ከውጽኦ ዘይከኣለኒ፡ ገለ ነገር ሰሚዐ። ሕልሚ ዲዩ፡ ወይስ ራእይ፡ ኢለ፡ ብርግጸኛነት ክዛረብ ኣይኽእልን እየ። ርኢኹም፡ እዞም ዓርከይ፡ ትማሊ ምሸት ብዛዕባ ክርስቶስ ጐይታ፡ ብኸመይ ከምእተሳቐየ፡ ከምኡውን ብኸመይ ኣብዛ ምድሪ ይመላለስ ከምዝነበረ፡ ወንጌል የንብብ ነይረ። ብዛዕባኡ ከኣ፡ ግድን ሰሚዕኩም ኢኹም፡ ይብል።”

“እወ ብዛዕባኡ ሰሚዐ እየ፡” ብምባል፡ ኣይተ ስቴፖኒች መለሱ። “ግና ኣነ ከንብብ ዘይኽእል መሃይም ሰብ እየ።”

“ደሓን፡ ርኢኹም ኣብ ምድሪ ብኸመይ ይመላለስ ከምዝነበረ የንብብ ነይረ። ናብቲ እቲ ናብኡ ምስ ኸደ፡ ብግቡእ ዘይተቐበሎ ፈሪሳዊ ዝገልጽ ክፋል ድማ በጻሕኩ። ደሓን፡ እዞም ዓርከይ፡ ብዛዕባኡ ኣብ ዘንብበሉ፡ ንክርስቶስ ጐይታ ብግቡእ ክብሪ ኣይተቐበሎን ኢለ ሓሰብኩ። ከምዚ ዝበለ ነገር፡ ንዓይ ንባዕለይ እንተ ዘጓንፈኒ፡ ንዕኡ ንምቕባል ዘይገብሮ ነገር እንታይ ዀን ይህልው ብምባል ሓሰበኩ! እቲ ሰብኣይ ግና፡ ዝዀነ ይኹን እንግዶት ኣይገበረሉን። ደሓን፡ እዞም ዓርከይ፡ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ዝሓስበሉን ድቃስ ክወስደኒ ምስ ደለየን፡ ገለ ሰብ ብስመይ ጸዊዑኒ። ምስ ተንሳእኩ ድማ፡ “ጽባሕ ክመጽእ እየ እሞ፡ ተጸበየኒ።” ብምባል፡ ሕሹኽ በለኒ። እዚ ጉዳይ ክልተ ሳዕ ኣጓነፈ። ሓቂ ክነግረኩም፡ ኣብ ኣእምሮይ ሰጢሙ ኢዩ ኣቲዩ፡ ዋላውን እዚ ሓሳብ ዘሕፍረኒ እኳ እንተዀነ፡ ነቲ ፍቑር ጐይታ ግና እጽበዮ ኣሎኹ!”

ኣይተ ስቴፖኒች፡ ርእሶም ብጸጥታ ነቕነቑ፡ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ሻሂ ድሕሪ ምስታይ ከኣ፡ ነቲ ብርጭቆ ኣብ ጸግዒ ኣንበርዎ። ኣይተ ማርቲን ግና፡ ተንሲኦም እንደገና ቐድሑሎም።

“ድገሙ፡ ስተዩ፡ ተባረኹ! ብኸመይ ንገለ ሰብ ከይነዓቐ፡ እኳ ደኣ መብዛሕቱ እዋን፡ ምስ ተራ ሰባት ኣብ ምድሪ ይመላለስ ከምዝነበረ፡ ድማ ሓሰብኩ። ምስ ትሑታት ሰባት ይመላለስ ነበረ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ከምዚ ከማና ዝኣመሰሉ፡ ሰራሕተኛታትን ሓጥኣንን ሰባት መረጸ። ንሱ፡ 'ርእሱ ዘልዓለ፡' በለ፡ 'ኺሓስር፡ ርእሱ ዘትሓተ ኸኣ ልዕል ኪብል ኢዩ።' ንሱ፡ 'ንስኻትኩም ጐይታ ትብሉኑ ኣሎኹም፡' በለ፡ 'ኣእጋርኩም ከኣ ክሓጽብ እየ።' ንሱ፡ 'እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ፡' በለ፡ 'ግዙእ ኵሉ ይኹን፡ ምኽንያቱ፡' ንሱ፡ 'ብመንፈስ ድኻታት፡ ትሑታት፡ ዓቃላትን መሓርቲን ብሩኻት ኢዮም።' በለ።"

ኣይተ ስቴፖኒች ሻሂኦም ረስዑ። ንሶም ብቐሊሉ ንብዓት ዝስዕሮም፡ ብቝባቕ ዓቢ ሰብኣይ ነበሩ። ኰፍ ኢሎም ኣብ ዝሰምዑሉ ከኣ፡ ንብዓት ኣብ ክልተ ምዕጕርቶም ወሓዘ።

ንሶም፡ “የቐንየለይ፡ ማርቲን ኣቭዶኢች፡” በሉ፡ “ንነፍሰይን ንስጋይን ዘድለየኒ፡ ምግብን ምጽንናዕን ሂብኩምኒ።”

“ገንዘብኩም፡ ካልእ ጊዜ ብደሓን ተመለሱኒ። ጋሻ ክቕበል ሕጉስ እየ።” በሉ፡ ኣይተ ማርቲን።

ኣይተ ስቴፖኒች ተሰናቢቶም ከዱ። ኣይተ ማርቲን ነቲ ተሪፉ ዘሎ ሻሂ ጸንቒቖም ድሕሪ ምቕዳሕ ሰተዩዎ። ነቲ ናውቲ ሻሂ ኣልጊሶም ድማ፡ ንስራሕ ኰፍ በሉ። ኣብ ድሕሪ እቲ ቡት ጫማ ንዘሎ መላግቦ ክሰፍዩ ጀመሩ። ኣብ ዝሰፍዩሉ እዋን ከኣ፡ ምምጻእ ክርስቶስ እናተጸበዩ፡ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ግብሩን እውን እናሓሰቡ፡ መመሊሶም ስግር’ቲ መስኮት ይጥምቱ ነበሩ። ኣእምሮኦም ብብሂላት ክርስቶስ መሊኡ ከኣ ነበረ።

ክልተ ወተሃደራት ሓለፉ። እቲ ሓደ ናይ መንግስቲ ቡት ጫማ፡ እቲ ካልእ ከኣ፡ ናይ ውልቁ ቡት ጫማ ጌሮም ነበሩ። ካብኡ እቶም ኣብ ጐረቤቶም ዘለዉ ዋና ገዛ፡ ዘብረቕርቕ ጐማ ጫማ ገይሮም ተቐልቐሉ፡ ብምቕጻል እቲ ሰንካቲ ባኒ፡ ዘንቢል ተሸኪሙ ርኣዩዎ። እዞም ኵሎም ከኣ ሓለፉ። ካብኡ ካብ ጸምሪ ተፋሒሱ ዝተሰርሐ ካልሲን ኣብ ሃገረ ሰብ ዝተሰርሐ ጫማን ዝገበረት ሰበይቲ መጸት። ነቲ መስኮት ሓሊፋ፡ ኣብ’ቲ ጥቓ'ቲ መንደቕ ደው በለት። ኣይተ ማርቲን በቲ መስኮት ቍሊሕ ብምባል ጠመታኣ። ጋሻ ምዃና፡ ከምእንደ ነገሩ ከምእተኸድነትን ኣብ ኣእዳዋ ህጻን ቈልዓ ከምዝሓቘፈተን ከኣ ተዓዘቡ። ሕቘኣ ንንፋስ ሂባ፡ ኣብቲ መንደቕ ደው ድሕሪ ምባል፡ በቲ ዝርካቡ ኣጭርቕቲ፡ ነቲ ህጻን ክትጕልብቦ ትጽዕር ነበረት። እታ ሰበይቲ፡ ረቒቕ ናይ ሓጋይ ክዳን ጥራይ ነበራ። ንሱውን ብላይን ዝዓረገን ነበረ። ኣይተ ማርቲን ብመስኮት እቲ ህጻን ክበክይ ከሎ ሰምዑ። እታ ሰበይቲ ከኣ፡ ክትእብዶ ትፍትን ነበረት። ግና ፈጺማ ክተህድኦ ኣይኸኣለትን ነበረት። ኣይተ ማርቲን ካብቲ ኰፍ ኢሎሞ ዘለዉ ተንስኡ፡ በቲ ማዕጾ ብምውጻእ፡ ኣስካላ ደይቦም ከኣ ጸውዕዋ።

“ፍትውተይ፡ ኣቲ ፍትውተይ!”

እታ ሰበይቲ ሰሚዓ፡ ንድሕሪት ገጻ ግልጽ በለት።

“ስለ ምንታይ ኣብዚ ቍሪ፡ ነዚ ህጻን ቈልዓ ሒዝኪ፡ ኣብ ግዳም ደው ኢልኪ?” ናብ ውሽጢ እተዊ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ምውቕ ቦታ፡ ጽቡቕ ጌርኪ ክትጕልብብዮ ትኽእሊ። ናብዚ ምጺ!”

እታ ሰበይቲ፡ ግርምብያለ ዝተኸድኑ፡ መነጽር ኣብ ኣፍንጫኦም ዝወደዩ፡ ዓቢ ሰብኣይ ክጽውዕዋ ብምርኣያ ተገረመት። ይኹንምበር ደድሕሬኦም ሰዓበቶም።

በቶም ኣስካላታት ንታሕቲ ወሪዶም፡ ኣብ’ታ ንእሽቶ ክፍሊ ምስ ኣተዉ ከኣ፡ እቶም ዓቢ ሰብኣይ ናብቲ ዓራት ዝርከቦ ሽነኽ መሪሖም ወሰዱዋ።

“ፍትውተይ፡ ኣብኡ፡ ኣብ ጥቓቲ እቶን ንበሪ። ገዛእ ርእስኺ ማሙቚ፡ ነቲ ህጻን ከኣ ምግቢ ሃብዮ።”

እታ ሰበይቲ፡ “ጸባ ዝበሃል የብለይን። ኣነ ባዕለይ ካብ ዝወግሕ ምግቢ ዝበሃል ኣይጥዓምኩን።” በለት። ግና ነቲ ህጻን ክተጥብዎ ደለየት።

ኣይተ ማርቲን ርእሶም ነቕነቑ። ሸሓኒን ገለ ባኒን ድማ ተማልኡ። ማዕጾ እቲ እቶን ከፊቶምውን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሸሓኒ፡ ገለ መረቕ ካውሎ ገበሩ። ነቲ ገዓት ዝሓዘ ጻሕሊ ኣልዓሉዎ። እቲ ገዓት ግና፡ ገና ድልው ኣይነበረን። ስለዚ ጨርቒ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጠረጴዛ ኣንጺፎም፡ ነቲ መረቕን ነቲ ባኒን ጥራይ ቐረቡ።

“ፍትውተይ፡ ኰፍ በሊ’ሞ ብልዒ፡ ኣነ ከኣ ነቲ ህጻን ክሕዘልኪ እየ። ኣይትሕሰቢ፡ ወይለይ፡ ናተይ ቈልዑ’ኮ ኔሮምኒ ኢዮም፡ ከመይ ገይረ ብግቡእ ከምዝሕዞም፡ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ።”

እታ ሰበይቲ ኣብ’ቲ ጠረጴዛ ተቐሪባ ክትበልዕ ጀመረት። ኣይተ ማርቲን ከኣ፡ ነቲ ህጻን ኣብ ዓራት ኣደቒሶም፡ ኣብ ጥቓኡ ኰፍ በሉ። ቲኽቲኽ ከብሉዎውን ጀመሩ። ኣስናን ስለ ዘይነበሮም ግና፡ ብግቡእ ቲኽቲኽ ከብልዎ ኣይኸኣሉን። ስለዚ እቲ ህጻን ምብካዩ ቐጸለ። ካብኡ ኣይተ ማርቲን በጻብዖም ጌሮም ክትንክፍዎ ጀመሩ። መመሊሶም ኣጻብዖም ኣብ ኣፍ’ቲ ህጻን ብምቕራብ፡ ቀልጢፎም የልግስዎ ነበሩ። ኣጻብዖም ብስምዒ ሰራሒ ሳዕኒ፡ ጸሊሙ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፉ ከእትዎ ኣየፍቐዱሉን። ፈለማ እቲ ህጻን ኣጻብዖም ብምዕዛብ ስቕ በለ፡ ካብኡ ክስሕቕ ጀመረ። ኣይተ ማርቲንውን ልዑል ዕግበት ተሰምዖም።

እታ ሰበይቲ ምግቢ እናበልዐት ትዛረብ ነበረት። መን ምዃናን ኣበይ ከምዝነበረትን ነገረቶም።

ንሳ፡ “ኣነ ሰበይቲ ሓደ ወተሃደር እየ፡” በለት። “ንሰብኣየይ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ናብ ርሑቕ ቦታ ሰዲዶሞ። ካብቲ ጊዜ’ቲ ኣትሒዘ፡ ብዛዕባኡ ወረ ዝበሃል የብለይን። ወደይ ክሳዕ ዝውለድ፡ ከምከሻኒት የገልግል ነይረ። ካብኡ ግና ምስ ውላደይ ከንብሩና ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ዝነብረሉ ቦታ ክረክብ ክብል እቓለስ ኣሎኹ። ምግቢ ክረክብ ክብልውን፡ ኵሉ ዝነበረኒ ነገር ሸይጠዮ እየ። ብገዛእ ጡበይ ካልኦት ህጻናት ንኽምግብ፡ ስራሕ ኣላዪት ክረክብ ሃቂነ። ግና ኣዚኺ ዕባራን ጥምይቲን ኢኺ ትመስሊ፡ ብምባል፡ ዋላ ሓደ ዝቕበለኒ ሰብ ስኢነ። ሕጂ ድማ፡ ጓል ቁሸትና ከምሰራሕተኛኣ እተገልግላ ሓንቲ ነጋዲት ሰበይቲ፡ ክትቕበለኒ ተስፋ ስለ ዝሃበትኒ፡ ንዕኣ ክርኢ ክብል ከይደ ነይረ። ሕጅስ ኵሉ ዝተወደአ መሲሉኒ ነይረ። ይኹንምበር ክሳዕ ዝመጽእ ሰሙን፡ ናብኣ ክመጽእ ከምዘይብለይ ሓቢራትኒ። ቦታኣ ርሑቕ ስለ ዝዀነ ኣድኪሙኒ፡ እዚ ምስኪን ህጻን ከኣ ጠሚዩ። ከምዕድል፡ እታ ዋና ገዛይ ስለ ዝራህራሃትልና፡ ብናጻ ንቕመጥ ኣሎና። ከምኡ እንተ ዘይኸውን፡ እንታይ ከምእንገብር እንድዒ።”

ኣይተ ማርቲን፡ ኡፍ በሉ። ንሶም፡ “ገለ ዘሟሙቕ ክዳን የብልክን?” ብምባል ሓተቱዋ።

ንሳ፡ “ከመይ ገይረ ዘሟሙቕ ክዳን ክረክብ?” በለት። “ትማሊ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ መጐልበቢ፡ ብሽዱሽተ ፔንስ ሸይጠዮ።”

ካብኡ እታ ሰበይቲ መጺኣ፡ ነቲ ህጻን ኣልዓለቶ። ኣይተ ማርቲንውን ተንስኡ። ኣብቲ መንደቕ ተሰቒሎም ካብ ዘለዉ ነገራት ንገለ ብምዕዛብ፡ ሓደ ዓባይ ካባ ተማልኡ።

ንሶም፡ “እንኪ፡” በሉ። “ዋላውን ብላይን ኣረጊትን ይኹን፡ ንዕኡ መጐልበቢ ግና ይዀኖ ኢዩ።”

እታ ሰበይቲ፡ ፈለማ ነቲ ካባ፡ ካብኡ ከኣ ናብቶም ሰብኣይ ብምጥማት፡ ብንብዓት ፊቕፊቕ እናበለት ወሰደቶ። ኣይተ ማርቲን፡ ናብ ድሕሪት ብምምላስ፡ ካብ ውሽጢ ትሕቲ ዓራት፡ ሃሰስ ኢሎም፡ ንእሽቶ ጕንዲ ኣውጽኡ። ደንበርበር ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ኣብ ቕድሚ እታ ሰበይቲ ዀፍ በሉሉ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ከምዚ በለት፦

“እዞም ዓርከይ፡ ጐይታ ይባርኽኩም። ብርግጽ ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ፡ ናብ ጥቓ መስኮትኩም ዝለኣኸኒ፡ ኣይኰነን ግና እቲ ህጻን ናብ በረድ ምስ ተቐየረ ነይሩ። ፈለማ ኣብ ዝተበገስኩሉ ክንድዚ መሪር ኣይነበረን፡ ሕጂ ግና ርኣዩ፡ ናብ ከመይ ዝበለ ዛሕሊ ከምእተቐየረ። ብርግጽ ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ፡ ናብቲ መስኮት ብምጥማት፡ ንዓይ፡ ነዛ ምስኪን ድኻ ከምእትድንግጹለይ ዝገበረ!”

ኣይተ ማርቲን፡ ፍሽኽ ድሕሪ ብምባል፡ “ፍጹም ሓቂ ኢዩ፡ ንሱ ኢዩ፡ ከምኡ ከምዝገብር ዝገበረ። ብዕድል ኣይኰንኩን ናብ ግዳም ገጸይ ጠሚተ።”

ካብኡ ነታ ሰበይቲ ብዛዕባ ሕልሞምን ብኸመይ ጐይታ ብድምጹ፡ ኣብታ መዓልቲ ክበጽሖም ምዃኑ ንዝሓበሮም ተስፋ ከምዝሰምዑን ነገሩዋ።

እታ ሰበይቲ፡ “መን ይፈልጥ? ኵሉ ነገር ይከኣል ኢዩ፡” በለት። ተንሲኣ ነቲ ካባ ኣብ ልዕሊ መናኵባ ድሕሪ ምንባር፡ ንዓኣን ነቲ ህጻንን ተጐልበበቶ። ጉምብሕ ኢላ ከኣ፡ እንደገና ንኣይተ ማርቲን ኣመስገነቶም።

ኣይተ ማርቲን፡ ምእንቲ ነቲ ብትሕጃ ዘትሓዘቶ መጐልበበያ ክተምልስ ብምባል፡ “ስለ ክርስቶስ ክትብሊ፡ ነዚ ውሰድዮ፡” ብምባል፡ ሽዱሽተ ፔንስ ምስ ሃቡዋ፡ ናብቲ ኣፍደገ መሪሖም ኣፋነዉዋ።

ድሕሪ እታ ሰበይቲ ምኻዳ፡ ኣይተ ማርቲን፡ መረቕ ካውሎ በልዑ፡ ነቲ ኣቑሑ ኣጽሪዮም ድሕሪ ምልጋስ ከኣ፡ እንደገና ስርሖም ክዓዪዩ ኰፍ በሉ። ኰፍ ኢሎም እናሰርሑ ግና፡ ነቲ መስኮት ኣይረስዑዎን። ገለ ጽላሎት ኣብ ዝወደቐሉ ከኣ፡ መን ከምዝሓለፈ ንምርኣይ፡ ቀልጢፎም ናብኡ ገጾም ይጥምቱ ነበሩ። ንሶም ብውልቂ ዝፈልጥዎምን ካልኦት ኣጋይሽን ሓለፉ። ግና ጐሊሑ ዝርአ፡ ዋላ ሓደ ኣይነበረን።

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ኣይተ ማርቲን፡ ሜለ ዝሸጣ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ኣብ ቅድሚ'ቲ መስኮቶም ደው ኢለን ርኣዩ። ገዚፍ ዘንቢልውን እንተ ነበረን፡ ብዙሕ ሜለታት ዝተረፈን ግና ኣይመስላን ነበራ። ካብቲ ሒዘንኦ ዝነበራ፡ ንመብዛሕቱ ከምዝሸጣኦ ብሩህ ነበረ። ኣብ ሕቘአን እውን፡ ናብ ገዛአን ዝወስዳኦ፡ ቁርጽራጽ ጠዋሉ ተሸኪመን ነበራ። ካብ ገለ ህንጻ ዝስርሓሉ ስፍራ ከምዝኣከባኦ ከኣ ኣየጠራጥርን። እቲ ክሻ ከምዝኸበደን እውን ንጹር ነበረ። ካብቲ ሓደ መንኰበን፡ ናብቲ ካልእ ከስግራኦውን፡ ይፍትና ነበራ። ብሰንኪ’ዚ ንዕኡ ኣውሪደን ኣብ ልዕሊ’ቲ ማርቼፔዴ ድሕሪ ምቕማጥ፡ ነቲ ዘንቢል ከኣ ኣብ ቅድሜአን ድሕሪ ምንባር፡ ነቲ ቍርጽራጽ ጠዋሉ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ክሻ ክስጕዳኦ ጀመራ። ነዚ ኣብ ዝገብራሉ እዋን፡ ብላይ ቆብዕ ዝወደየ ጐብዝ ቈልዓ፡ ካብ ውሽጢ’ቲ ዘንቢል፡ ሜለ መንዚዑ ከምልጥ ፈተነ። ግና እተን ዓባይ ሰበይቲ ስለ ዝረኣያኦ፡ ተጠዊየን ነቲ ቈልዓ ብእጅገኡ ሓዛኦ። ምእንቲ ክሃድም ክብልውን ክቓለሰን ጀመረ። ይኹንምበር እተን ዓባይ ሰበይቲ፡ ብኽልተ ኢደን ሒዘን፡ ንቘብዑ ካብ ርእሱ ብምድርባይ፡ ብጸጉሩ ሓዛኦ። እቲ ቈልዓ ክውጭጭ፡ እተን ዓባይ ሰበይቲ ከኣ፡ ክገንሓኦ ጀመራ። ኣይተ ማርቲን፡ ጭፈታኦም ድሕሪ ምውዳቕ፡ ኣብ ቦታኡ ወጊኦም ክንብርዎ ከይተጸበዩ፡ ተቐላጢፎም በቲ ማዕጾ ወጹ። ኣብቶም ኣስካላታት ደርገፍገፍ እናበሉ፡ ብቕልጡፍ ኣብ ዝድይቡሉ እዋን እውን፡ መነጽሮም ወደቐ። ናብቲ ጐደና ከኣ ጐየዩ። እተን ዓባይ ሰበይቲ፡ ነቲ ቈልዓ ብጸጉሩ ሒዘን እናሰሓባ፡ ይቛየቛኦን ናብ ፖሊስ ክወስዳኦ ምዃነን ብምግላጽ የፈራርሃኦን ነበራ። እቲ ቈልዓ፡ “ኣነ ኣይወሰድኩን። ስለምንታይ ትሃርማኒ ኣሎኽን? ክኸይድ ግደፋኒ!” እናበለ፡ ብተቓውሞ ይቓለሰን ነበረ።

ኣይተ ማርቲን ፈላለዩኦም። ነቲ ቈልዓ ብኢዶም ብምሓዝ ከኣ፡ “ኣደ ኣባይ ግደፋኦ፡ ይኺድ። ስለ ክርስቶስ ክትብላ ምሓራኦ።” በሉ።

“ምእንቲ ዓመት ምሉእ ክዝክሮ፡ ኣነ ስርሑ ከርእዮ እየ! ነዚ መትክር ናብ እንዳ ፖሊስ ክወስዶ እየ!”

ኣይተ ማርቲን፡ ነተን ዓባይ ሰበይቲ፡ ክማሕጸንአን ጀመሩ።

“ኣደ ኣባይ፡ ይኺድ ግደፋኦ። ድሕሪ ደጊም ከምኡ ኣይክገብርን ኢዩ። በጃኽን፡ ስለ ክርስቶስ ክትብላ ግደፋኦ!”

እተን ዓባይ ሰበይቲ ፈነያኦ፡ እቲ ቈልዓ ከኣ፡ ክሃድም ደለየ፡ ኣይተ ማርቲን ግና ደው ኣበሉዎ።

“ነደ ኣባይ፡ ይቕረታ ሕተተን!” ድማ በሉ። “ድሕሪ ደጊም ከኣ፡ ፈጺምካ ከምኡ ከይትገብር። ነቲ ሜለ ክትወስድ ከሎኻ፡ ኣነ ባዕለይ ርእየካ እየ።”

እቲ ቈልዓ ክበክይን ምሕረት ክልምንን ጀመረ።

ኣይተ ማርቲን ካብ ውሽጢ’ቲ ዘንቢል ሜለ ብምልዓል፡ “ግርም፡ በል፡ እንካ፡ እዚ ሜለ ንዓኻ ኢዩ፡ ኣደ ኣባይ ኣነ ባዕለይ ክኸፍለክን እየ።” በሉ።

“ነዞም መትከራት መናእሰይ፡ ከምኡ እናገበርኩም ትጽይቕዎም ኣሎኹም፡” በላ፡ እተን ዓባይ ሰበይቲ፡ “ምእንቲ ንሰሙን ክዝክሮ፡ ብዅርማጅ ክዝበጥ ኔሩዎ።”

“ኖ፡ ኖ፡ ኖ፡ ኣደ ኣባይ፡ ኣደ ኣባይ፡” በሉ ኣይተ ማርቲን፡ “እሱ ናትና ኣገባብ ኢዩ፡ ግና ኣገባብ እግዚኣብሄር ኣይኰነን። ንሱ ሜለ ስለ ዝሰረቐ ብዅርማጅ እንተ ተዘብጠ፡ ንሕና ስለ’ቲ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት፡ ብኸመይ ክንቕጻዕ ኢና ማለት ኢዩ?”

እተን ዓባይ ሰበይቲ ስቕ በላ።

ኣይተ ማርቲን፡ ጐይታ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ዕዳ ተሰሪዙሉ ከብቕዕ፡ ንሱ ግና ናብ ሰብ ዕዳኡ ብምኻድ፡ ብጎረሮኡ ናይ ዝሓነቖ ኣገልጋሊ፡ ዝገልጽ ትምህርታዊ ምሳለ ሓበራአን። እተን ዓባይ ሰበይቲ፡ ኵሉ ሰምዓ፡ እቲ ቈልዓውን ኣብ ጥቓአን ደው ኢሉ ኵሉ ሰምዐ።

እተን ዓባይ ሰበይቲ ርእሰን ነስነሳ፡ ኡፍ ከኣ በላ።

“ብልክዕ ሓቂ ኢዩ፡” በላ፡ “ግና ኣዚዮም እናተጸየቑ እንዲዮም ዝኸዱ ዘለዉ።”

“ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝበለጸ መገዲ ክነርእዮም፡ ናትና ናይ ዓበይቲ ግደ ኢዩ።” በሉ፡ ኣይተ ማርቲን።

“ኣነውን ከምኡ እንዲየ ደኣ ዝበልኩ፡” በላ፡ እተን ዓባይ ሰበይቲ። “ኣነ ንባዕለይ ሸውዓተ ኣለውኒ፡ ግና ሓንቲ ጓል ጥራይ ኢያ ተሪፋ።” እተን ዓባይ ሰበይቲ፡ ብኸመይን ኣበይን ምስ ጓለን ከምዝነብራን ክንደይ ደቂ ደቆም ከምዘለውወንን ክገልጻ ጀመራ። “ርኢኹም፡” በላ፡ “ኣነ ዓቕሚ ዝበሃል ኣይተረፈንን፡ ግና ምእንቲ ደቂ ደቀይ ከዕቢ ክብል፡ ብስራሕ ተጸሚደ እውዕል ኣሎኹ። ጥዑያት ዉሉዳት ድማ ኢዮም። ንዓይ ብዘይካኦም ክረኽበኒ ኢሉ፡ ዝመጽእ ሰብ የልቦን። ሕጂ፡ ንእሽቶይ ኣኒ፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኢያ ትርእየኒ። ‘ኣደ ኣባይ፡ ፍትውቲ ኣደ ኣባይ፡ ፍቕርቲ ኣደ ኣባይ፡’ ኢያ ድማ ትብለኒ።” ነዚ ኣብ ዝሓስባሉ እዋን ከኣ፡ ፈጺመን ራህረሃ።

ናብቲ ቈልዓ ብኢደን እናመልከታ ድማ፡ “ከመይ ደኣ፡ ቍልዕነቱ ጥራይ’ኮ ኢዩ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ይሓግዞ፡” በላ።

እተን ዓባይ ሰበይቲ፡ ክሻአን ክስፍስፋ ምስ ተቐረባ፡ እቲ ቈልዓ ጥር ኢሉ ንቕድሚት ብምምጻእ፡ “ኣደ ኣባይ፡ ኣነ ክሽከመልክን እየ፡ ኣነውን ናብቲ ገጸይ እየ ዝኸይድ።” በለ።

እተን ዓባይ ሰበይቲ ብምስምማዕ ርእሰን ነስነሳ። ነቲ ክሻ ድማ፡ ኣብ ሕቘ እቲ ቈልዓ ኣንበራኦ። ተተሓሒዞምውን ኣብቲ ጐደና ንታሕቲ ገጾም ኣንቈልቈሉ። እተን ዓባይ ሰበይቲ፡ ኣይተ ማርቲን ዋጋ እቲ ሜለ ክኸፍሉ፡ ከይሓተታኦም ረሲዐነኦ። ኣይተ ማርቲንውን፡ ነንሕድሕዶም እናተዘራረቡ፡ ጐድኒ ንጐድኒ ክስጉሙ ከለው፡ ደው ኢሎም ተዓዘቡዎም።

ካብ ዓይኒ ምስ ርሓቑ፡ ኣይተ ማርቲን ናብ ገዛኦም ኣምርሑ። እቲ መንጸሮም ከይተሰብረ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣስካላ ስለ ዝረኸቡዎ ከኣ፡ ጭፈታኦም ኣልዒሎም፡ ስርሖም ክቕጽሉ ዀፍ በሉ። ቅሩብ ምስ ሰርሑ ግና፡ ነቲ ጸጉሪ ኣብ ውሽጢ'ቲ ቈረበት ኣብ ዘሎ ነዃል ከሕልፉ ክርኣዮም ኣይኸኣለን። እቲ ነቲ ኣብ ጐደና ዘሎ ፋኑስ ዝውልዕ ሰራሕተኛ፡ ነቶም ፋኑሳት ክውልዕ ክብል፡ ክሓልፍ ከሎውን ርኣዩዎ።

“ሕጂስ ኣነውን ከብርህ፡” ብምባል ድማ ሓሰቡ። ፋኑሶም ኣመዓራርዮም ምስ ሰቐሉዎ ድማ፡ ስርሖም ክቕጽሉ ዀፍ በሉ። ሓደ ቡት ጫማ ብምዝዛም፡ እናገማጠሉ መርመሩዎ። ጽቡቕ ከኣ ነበረ። ካብኡ መሳርሒታቶም ኣከቡ፡ ነቲ ቍርጽራጻት ጸረጉ፡ ነቲ ጸጉሪ፡ ነቲ ፈትልታትን ነቲ ጭፈታን ድማ፡ ኣብ ቦታኦም ኣንበሩዎም። ነቲ ፋኑስ ኣልዒሎም፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጠረጴዛ ኣንበሩዎ። ካብኡ ነቶም ወንጌላት፡ ካብ ልዕሊ እቲ ከብሒ መጻሕፍቲ ኣምጽእዎም። ንሶም ትማሊ ብልስሉስ ቈረበት፡ ምልክት ኣብ ዝገበሩሉ ገጽ፡ ክግንጽሉ ኢዮም ሓሲቦም ኔሮም። ይኹንምበር እቲ መጽሓፍ ኣብ ኻልእ ገጽ ተኸፍተ። ኣይተ ማርቲን ኣብ ዝግንጽሉሉ እዋን ድማ፡ እቲ ትማሊ ዝርኣዩዎ ሕልሞም፡ ኣብ ኣእምሮኦም ቅጅል በሎም። ብዛዕባኡ ክሓስቡን ከምዚ ብድሕሪኦም ሰብ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ናይ እግሪ ስጉምቲ ድምጺ ክሰምዑን፡ ከኣ ሓደ ነበረ። ኣይተ ማርቲን ተጠዊዮም ጠመቱ። ኣብቲ ኵርናዕ ጸልማት ቦታታት፡ ሰባት ደው ዝበሉ ዀይኑ ተሰምዖም። ግና መን ምዃኖም ከለልዩ ኣይኸኣሉን። ኣብ እዝኖም ከኣ፡ ድምጺ ሕሹኽ በለ፡ “ማርቲን፡ ማርቲን፡ ንዓይ ኣይትፈልጠንን ዲኻ?”

“መን ኢኻ?” ብምባል፡ ኣይተ ማርቲን ኣሕሾኽሾኹ።

“ኣነ እየ፡” በለ እቲ ድምጺ። ካብኡ ካብ ውሽጢ’ቲ ጸልማት ኵርናዕ፡ ኣይተ ስቴፖኒች ንቕድሚት ብምውጻእ፡ ፍሽኽ ኢሎም ተሰውሩ፡ ከምደበና እውን፡ ዳግም ኣይተረኣዩን።

“ኣነ እየ፡” በለ፡ እንደገና እቲ ድምጺ። ካብ ውሽጢ’ቲ ጸልማት፡ እታ ሰበይቲ ህጻን ቈልዓ ሒዛ ንቕድሚት ብምውጻእ፡ ፍሽኽ በለት፡ እቲ ህጻንውን ሰሓቐ፡ ካብ ዓይኒ ድማ ተሰውሩ።

“ኣነ እየ፡” በለ፡ ሕጂውን እንደገና እቲ ድምጺ። እተን ዓባይ ሰበይቲ ምስቲ ሜለ ዝሓዘ ቈልዓ ንቕድሚት ብምውጻእ፡ ክልቴኦም ፍሽኽ በሉ፡ ካብ ዓይኒ ድማ ተሰውሩ።

ነፍሲ ኣይተ ማርቲን ብሓጐስ ተመልአት። መነጽሮም ብምግባር ድማ፡ ኣብቲ እቲ ወንጌል ተገንጺሉዎ ዘሎ ገጽ ከንብቡ ጀመሩ። ኣብ ላዕላዋይ ክፋል’ቲ ገጽ ከኣ፡ ከምዚ ዝብል ኣንበቡ፡

“ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።”

ኣብ ታሕታዋይ ክፋል’ቲ ገጽ ድማ፡ ከምዚ ዝብል ኣንበቡ፦

“እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንዓይ ከምዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” (ማቴ 25)

ኣይተ ማርቲን ሕልሞም ክውን ከምዝዀነ፡ ከምኡውን እቲ መድሕን ኣብታ መዓልቲ ናብኦም ከምዝመጸን ብግቡእ ከምእተቐበሉዎን ተገንዘቡ።

ተፈጸመ