ጥቕሲ

"እቲ ብዓቕሊ ዝጽበ፡ ኩሉ ኣብ ግዜኡ ክመጾ'ዩ።" - ሊዮ ቶልስቶይ

tolstoy

ካልኦት ሓጸርቲ ዛንታታት ብሊዮ ቶልስቶይ

እግዚኣብሄር ነቲ ሓቂ ይርኢ ግና ይጽበ

ደራሲ - ሊዮ ቶልስቶይ

ትርጕም - ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ

ኣብ ከተማ ቭላድሚር ዝነብር ኢቫን ድምትሪች ኣክሲዮኖቭ ዝተባህለ መንእሰይ ነጋዳይ ነበረ። ክልተ ድኳንን ባዕሉ ዝውንኖ መንበሪ ገዛን ነበሮ።

ኣክሲዮኖቭ መልክዐኛ፡ ኣፍሮ ጥቕላል ዝጸጉሩ፡ ተዋዛያይን ኣዝዩ ደርፊ ዘፍቅርን ሰብ ነበረ። ብንእስነቱ ኣትሒዙ'ዩ መስተ ክሰቲ ጀሚሩ፡ መስተ ምጸገበ ከኣ እምባጋሮ የለዓዕል ነበረ፡ ይኹን'ምበር ሓዳር ምስ ገበረ ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ መስተ ምስታይ ገዲፉዎ ነበረ።

ሓደ ሓጋይ ኣክሲዮኖቭ ኣብ ኒዚኒ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝግበር ዓቢይ መሸጣ ኣቅሑ ክሳተፍ ክብል፡ ስድራ-ቤቱ ኣብ ዝፋነወሉ እዋን፡ ሰበይቱ ከምዚ በለት፡ "ኢቫን ድምቲሪች፡ ብዛዕባኻ ሕማቕ ሕልሚ ሓሊመ እየ'ሞ፡ ሎሚ ንጉዕዞ ኣይትበገስ!"

ኣክሲዮኖቭ ሰሓቐ፡ "ኣብቲ ባዛር ምስ ከደ ብመስተ ክዓብድን ክበላሽወን'ዩ፡ ኢልኪ ኢኺ ፈሪህኪ።" ከኣ በለ።

ሰበይቱ'ውን፡ "እንታይ የፍርሃኒ ከምዘሎ ኣይፈልጥን'የ፡ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ሕማቕ ሕልሚ ከም ዝሓለምኩ'ዩ። ብሕልመይ ካብ ከተማ ምስ ተመለስካ ቆቢዕካ ኣውጻኻ፡ ጸጉርኻ'ውን ፍጹም ከም ዝሸበተ ተዓዚበ።" ብምባል መለሰት።

ኣክሲዮኖቭ ሰሓቐ፡ "እዚ ጽቡቕ ፋል'ዩ፣" ከኣ በለ፡ "ኩሉ ኣቅሑተይ ሸይጠ ካብቲ ባዛር ህያብ እንተ ዘይተማልዔልኪ ክትርኢ ኢኺ።"

ስድራ-ቤቱ ተሰናቢቱ ከኣ መገዱ ቀጸለ።

ፍርቂ መገዲ ምስ ተጓዓዘ፡ ሓደ ዝፈልጦ ነጋዳይ ረኸበ፡ ኣብ ሓደ መሕደር ኣጋይሽ ድማ መደቀሲ ዓራት ሓዙ። ሓቢሮም ሻሂ ድሕሪ ምስታይ ከኣ፡ ጎድኒ-ጎድኒ ኣብ ዝሓዝዎ ክፍልታት ክድቅሱ ኣምርሑ።

ኣክሲዮኖቭ ከም ልምዲ ብእዋኑ'ዩ ዝድቅስ፡ መሬት ዛሕሊ 'ከሎ ክብገስ ክብል ድማ፡ ቅድሚ ወጋሕታ ነቲ በዓል ካሮሳ ኣተንሲኡ ነቶም ኣፍራስ ከዳልዎም ሓበሮ።

ኣብቲ ብድሕሪት ኣብ ኣጉዶ ዝቕመጥ ዋና'ቲ መሕደር ኣጋይሽ ከይዱ ሕሳቡ ምስ ከፈለ ጉዕዞኡ ቀጸለ። 

ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ማይል ዝኸውን መገዲ ምስ ተጓዕዘ፡ ምእንቲ እቶም ኣፍራስ ሓሰር ክበልዑ ደው በለ። ኣክሲዮኖቭ ኣብ ውሽጢ'ታ ንእሽቶ ሆቴል ድሕሪ ምእታው፡ ኣብ ገበላ ኮፍ ኢሉ ውዑይ ሻሂ ኣዘዘ፡ ጊታሩ ኣውጺኡ ከኣ ክጻወት ጀመረ። 

ሃንደበት ብሰለስተ ኣፍራስ ዝዝወር ካሮሳ፡ ቃጭል እናደወለ ተቐልቐለ፡ ካብኡ'ውን ሓደ ሰበ-ስልጣን ክልተ ወተሃደራት ኣኸቲሉ ወረደ። ኣብ ኣክሲዮኖቭ ገጹ ቀሪቡ ከኣ፡ መን ምዃኑን ካበይ ከም ዝመጸን ክሓቶ ጀመረ። ኣክሲዮኖቭ ኩሉ ብዝርዝር መልሲ ድሕሪ ምሃብ፡ "ሻሂ ምሳይ ዘይትሰቲ፧” በለ። እቲ ብዓል ስልጣን ግና መስቀላዊ ሕቶ ክሓቶ ጀመረ፡ "ትማሊ ምሸት ኣበይ ኣምሲኻ? በይንኻ'ዶ ኔርካ፡ ወይንስ ምስ ካልእ ነጋዳይ? ነቲ ካልእ ነጋዳይ ሎሚ ንግሆ ርኢኻዮ'ዶ? ስለ ምንታይ መሬት ከይወግሐ ካብቲ መሕደር ኣጋይሽ ተበጊስካ፧” 

ኣክሲዮኖቭ ስለ ምንታይ እዚ ኩሉ ሕቶ ይሕተት ከም ዘሎ ጋን ኮኖ፡ ግና ኩሉ ዝነበረ ኩነታት ብዝርዝር ገለጸ፡ ወሲኹ'ውን፡ "ስለ ምንታይ ከም ሓደ ሰራቒ ወይ፡ ከታሪ መስቀላዊ ሕቶ ትሓተኒ፧ ኣነ ብውልቃዊ ስራሐይ'የ ዝገይሽ ዘሎኹ፡ ዝኾነ ሕቶ ክሕተት ግቡእ ኣይኮነን።" በለ።

እቲ ብዓል ስልጣን ነቶም ወተሃደራት ጸዊዑ፡ "ኣነ ሹም ፖሊስ'ዚ ኣውራጃ'የ፡ እቲ ንዓኻ ሕቶ ዝሓተካ ዘሎኹ ምኽንያት፡ እቲ ትማሊ ምሸት ምሳኻ ዘምሰየ ነጋዳይ፡ ብኻራ ጉሮርኡ ተበቲኹ ተረኽበ። ስለዚ ኩሉ ዘሎካ ንብረት ግድን ክንፍትሽ ኣሎና።" በለ።

ኣብቲ ክፍሊ ኣተዉ። እቶም ወተሃደራትን እቲ ሓላፊ ፖሊስን ሻንጣ ኣክሲዮኖቭ ከፊቶም ክፍትሹ ጀመሩ። ሃንደበት እቲ ሹም ካብ ውሽጢ'ቲ ሻንጣ ካራ ብምውጻእ፡ "እዚ ናይ መን ካራ'ዩ፧” ብምባል ጨደረ።

ኣክሲዮኖቭ ደም ዝነጠቦ ካራ ካብ ሻንጥኡ ክወጽእ ርእዩን ተዓዚቡን ሰንበደ።

“ኣብዚ ካራ ደም ዝነጠበ ብኸመይ'ዩ፧"

ኣኪሲዮኖቭ ክምልስ ፈተነ፡ ግና ቃል ካብ ኣፉ ክወጽእ ተጸገመ፡ ጥራይ ወታእታእ እናበለ፡ "ኣነ-ኣይፈልጥን-ናተይ ኣይኮነን።" በለ። ካብኡ እቲ ሓላፊ ፖሊስ፡ "ሎሚ ንግሆ እቲ ነጋዳይ ኣብ ዓራቱ 'ከሎ ጎሮሮኡ ብኻራ ተሓሪዱ ተረኽበ። ንስኻ ጥራይ ኢኻ ነዚ ክትፍጽም ትኽእል። እቲ ክፍሊ ብውሽጢ ተዓጽዩ ነበረ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኣይነበረን። እንሀለ፡ እዚ ብደም ዝተጸየቐ ካራ ኣብ ሻንጣኻ ጸንሐ። ከምኡውን ገጽካን ኩነታትካን ይጠልመካ ኣሎ። ብኸመይ ከም ዝቐተልካዮን ክንዲ ምንታይ ገንዘብ ከም ዝሰረቕካን ንገረኒ፧”በለ። 

ኣክሲዮኖቭ፡ "ኣነ ነዚ ገበን ኣይወዓልኩዎን ነቲ ነጋዳይ'ውን ድሕሪ ብሓባር ሻሂ ምስታይና ኣይረኣኹዎን፡ እንትርፎ ካብ ገዛይ ዝተማላእኩዎ ሸሞንተ ሽሕ ሩብል ካልእ ገንዘብ የብለይን፡ እቲ ካራ'ውን ናተይ ኣይኮነን፡" ብምባል መሓለ። ይኹን'ምበር ኣብ ዝዛረበሉ ድምጹ ይቖራረጸ፡ ምስሉ ጸምሊዩ፡ ከም ሓደ ገበነኛ'ውን ብራዕዲ ቀጥቀጥ በለ። 

እቲ ሓላፊ ፖሊስ፡ እቶም ወተሃደራት ነክሲዮኖቭ ኣሲሮም ኣብ ካሮሳ ከእትውዎ ኣዘዞም። እቶም ወተሃደራት ክልተ እግሩ ጠሚሮም ኣብ'ቲ ካሮሳ ምስ ሰንደውዎ'ውን፡ ኣክሲዮኖቭ ብኢዱ ኣማዕቲቡ ነብዐ። ገንዘቡን ኣቅሑትን ተወሲዱዎ ከኣ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝርከብ ከተማ ተላኢኹ ተኣስረ። ብዛዕባ ድሕረ ባይትኡ ዝምልከት ምርመራ'ውን ኣብ ቭላድሚር ተገብረ። እቶም ኣብኡ ዘለው ነጋዶን ካልኦት ነበርቲ እቲ ዓዲን፡ ቀደም መስተ ይሰቲን ግዜኡ ብኸንቱ የባኽንን ከም ዝነበረ፡ ግና ጥዑይ ሰብ ምዃኑ ገለጹ። ካብኡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ጀመረ፡ ሓደ ወዲ ዓዲ ርያዛን ዝኾነ ነጋዳይ ስለ ዝቐተለን ዕስራ ሽሕ ሩብል ስለ ዝሰረቖን ብዝብል ክሲ ተኸሰሰ።

በዓልቲ-ቤቱ ዓቕላ ጸበባ፡ እንታይ ከም እትኣምን'ውን ተጸገመት። ደቃ ኩሎም ናእሽቱ'ዮም፡ እቲ ሓደ ገና ጡብ ዝጠቡ ዕሸል ህጻን'ዩ። ደቃ ሒዛ ድማ ኣብ'ቲ በዓል-ቤታ ተኣሲሩዎ ዝነበረ ከተማ ኣምርሐት። ፈለማ ምስ ሰብኣያ ክትራኸብ ኣይተፈቐደላን ነበረ፡ ብዙሕ ምስ ለመነት ግና፡ ካብቶም ሹማምንቲ ፍቓድ ተዋሂባ ክትርእዮ ተበገሰት። በዓል-ቤታ፥ ክዳን እሱር ተኸዲኑ፡ ብሰንሰለት ተኣሲሩ፡ ምስ ሰረቕትን ገበነኛታትን ተቐዪዱ ምስ ርኣየት፡ ቀልባ ስሒታ ኣብ ምድሪ ወደቐት፡ ሃለዋታ ክሳዕ እትፈልጥ'ውን ነዊሕ ጊዜ ወሰደላ። ካብኡ ደቃ ኣብኣ ገጻ ኣኪባ ኣብ ጥቕኡ ኮፍ በለት። ደሃይ ገዛ ምስ ነገረቶ ከኣ፡ እንታይ ከም ዘጓነፎ ሓተተቶ። ኩሉ ምስ ነገራ፡ "ሕጂ እንታይ ክንገብር ኢና?” ብምባል ሓተተት።

“ንጹህ ሰብ ብኸንቱ ሓቒቑ ከይጠፍእ ኣብ ሲዛር ግድን ኣቤት ክንብል ይግባእ።" 

በዓልቲ-ቤቱ ድሮ ኣብ ሲዛር ኣቤቱታ ከም ዝለኣኸትን ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ሓበረቶ።

ኣክሲዮኖቭ መልሲ ከይሃበ ተስፋ ቆሪጹ ጥራይ ደነነ።

ካብኡ ሰበይቱ ከምዚ በለት፡ "ጸጉርኻ ሸቢቱ ብሕልሚ ዝርኣኹዎ ከንቱ ኣይነበረን። ትዝክር'ዶ? ኣብታ መዓልቲ ክትብገስ ኣይነበረካን።" ኣጻብዕታ ኣብ ማእከል ጸጉሩ እናሕለፈት፡ "ቫንያ ፍቕረይ፡ ነዛ በዓል-ኪዳንካ ሓቂ ንገራ፡ ንስኻ'ዶ ኣይኮንካን ነዚ ዝፈጸምካ፧” በለት።

ኣክሲዮኖቭ፡ “ዋይ ኣነ፡ ንስኽ'ውን ጠርጢርክኒ!” በለ፣ ገጹ በእዳው ሸፊኑ'ውን ክነብዕ ጀመረ። ካብኡ ሓደ ወተሃደር፡ ሰበይቱን ደቁን ክኸዱ ከምዘለዎ ክሕብር መጸ፣ ኣክሲዮኖቭ ንስድራ-ቤቱ ንመወዳእታ ጊዜ ተሰናበቶም። 

ምስ ከዱ፡ ኣክሲዮኖቭ እንታይ ከም ዝተዘራረቡ ዘከረ፣ ሰበይቱ ስለ ዝጠርጠረቶ ከኣ፡ "እግዚኣብሄር ጥራይ'ዩ፡ ነቲ ሓቂ ዝፈልጥ ማለት'ዩ፡ ንዕኡ ጥራይ ኢና ክንጠርዕ ዝግባእ፡ ካብኡ ጥራይ ኢና'ውን ምሕረት ክንጽበ ዘሎና።" ብምባል ሓሰበ።

ስለዚ ኣኪሲዮኖቭ ኣቤቱታ ምጽሓፍ ሓደጎ፡ ብኹሉ ተስፋ ቆረጸ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ ድማ ይጽሊ ነበረ። 

ኣክሲዮኖቭ ብጭጉራፍ ክግረፍን ኣብ ማዕድን ዝእከበሉ ስፍራ ክለኣኽን ተፈርደ። ምስ ተገርፈን ቁስሉ ምስ ሓወየን፡ ምስ ካልኦት እሱራት ንሳይቤርያ ኣምርሐ።

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ንዕስራን ሽዱሽተን ዓመት ኣብ ሳይቤርያ ተኣስሩ። ጸጉሮም ከም በረድ ጻዕደወ፡ ጭሕሞም'ውን ዝሽበተ ነዊሕ ነበረ። ኣብ ገጾም ሓጎስ ዝበሃል ኣይርአን፡ ብቐስታ ይስጉሙ፡ ሒደት ይዛረቡን ፈጺሞም ኣይስሕቁን ነበሩ፡ ግና ወትሩ ይጽልዩ ነበሩ።

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ቡት ዝዓይነቱ ሳእኒ ምስራሕ ስለ ዝተመሃሩ፡ ቅሩብ ገንዘብ ይረኽቡ ነበሩ፡ ብዕኡውን ህይወት ቅዱሳን ዝብል መጽሓፍ ዓደጉ። ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ እኹል ብርሃን ኣብ ዝህልወሉ፡ ነቲ መጽሓፍ የንብብዎን ኣብ መዓልቲ ሰንበት ነቲ ትምህርታት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ይደግምዎን ነበሩ፡ ድምጾም ክሳዕ'ቲ እዋን ጽቡቕ ስለ ዝነበረ ከኣ፡ ኣባል መዘምራን ኮይኖም የገልግሉ ነበሩ። 

ሹማምንቲ እቲ ቤት-ማእሰርቲ፡ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ትሑት ስለ ዝነበሩ ይፈትውዎም፡ እቶም መተኣሰርቶም'ውን የኽብርዎም፡ "ኣቦ ሓጎ" ከምኡ'ውን "ኣቱም ቅዱስ" ብምባል ይጽውዕዎም ነበሩ። እቶም እሱራት ነመሓደርቲ እቲ ቤት-ማእሰርቲ፡ ዝኾነ ይኹን ኣቤቱታ ኣብ ዝጽሕፉሉ፡ ነይተ ኣክሲዮኖቭ ወኪሎም ይገብሩዎም፡ ኣብ መንጎኦ እቶም እሱራት ባእሲ ኣብ ዝለዓለሉ ከኣ፡ ነቲ ጉዳይ ብትኽክል ርእዮም ቅኑዕ ክፈርድዎም ኣብኦም ይመጹ ነበሩ።

ደሃይ ስድራ-ቤቶም ፈጺሙ ስለ ዘይመጾም፡ ብዓልቲ-ኪዳኖምን ደቆምን ብህይወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ኣይፈልጡን ነበሩ።

ሓደ እዋን ሓደሽቲ ጭፍራ እሱራት ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ መጹ። እዋኑ ምስ መሰየ እቶም ነባራት እሱራት ነቶም ሓደሽቲ፡ ካብ ኣየናይ ከተማ፡ ወይ ቁሸት ከም ዝመጹን እንታይ ከም እተፈርዱን ተወከስዎም። ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ኣብኡ ምስ ካልኦት ኣብ ጥቓ'ቶም ሓደሽቲ ኮፍ ኢሎም፡ ርእሶም ኣድኒኖም እንታይ ከም ዝበሃል ይሰምዑ ነበሩ።  

ሓደ ካብቶም ሓደሽቲ እሱራት፡ ነዊሕ፡ ድልዱል፡ ዕድሜኦም ከባቢ ሱሳ ዓመት ዝኸውን፡ ጭሕሞም ዝሸበተ ሰብኣይ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም እተኣስሩ ይሕብርዎም ነበሩ።

"ሃየ ስምዑ፡ እዞም ኣዕሩኽተይ፣" ድማ በሉ፡ "ኣብ ካሮሳ ተኣሲሩ ዝነበረ ፈረስ ጥራይ'የ ወሲደ፡ ብሰንኩ ከኣ ብገበን ስርቂ ተኸሲሰ። ገዛ ቀልጢፈ ምእንታን ክበጽሕ ኢለ እየ ወሲደዮ፡ ካብኡ ክፍንዎ'ዩ፡ መደበይ ኔሩ፡ እቲ በዓል ካሮሳ'ውን እንተ ኾነ ብውልቂ ዓርከይ'ዩ። ስለዚ በልኩ፡ "ጸገም የሎን።" ንሳቶም ግና፡ "ኣይፋል ሰሪቕካዮ ኢኻ።" በሉ። ብኸመይን ካበይን ከም ዝሰረቕኩዎ ግና ክሕብሩ ኣይኸኣሉን። ሓደ እዋን ብልክዕ ገለ ገበን ፈጺመ ኔረ፡ ሽዑ ኣብዚ ክመጽእ'ውን ቅኑዕ ነበረ፡ ግና ኣብቲ ጊዜ'ቲ ገበነይ ኣይተቐልዐን። ሕጂ ግና ብዘይ ገለ ገበን'ዩ፡ ኣብዚ ሰዲዶምኒ … እህ፡ ግና እቲ ዝነግረኩም ዘሎኹ ኩሉ ሓሶት'ዩ፡ ቅድም ሕጂ ብዙሕ ኣይጸናሕኩን'ምበር፡ ኣብ ሳይቤርያ መጺኤ ኔረ።"    

ሓደ ሰብ፡ "ዓድኹም ኣበይ'ዩ፧” ብምባል ሓተተ።

“ካብ ቭላድሚር'የ። ስድራ-ቤተይ ካብቲ ከተማ'ዮም። ስመይ ማካር ይበሃል፡ ሰባት ሴሚዮኒች ብምባል'ውን ይጽውዑኒ'ዮም።"

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ርእሶም ኣቕኒዖም፡ ከምዚ በሉ፡ "ኣይተ ሴሚዮኒች እስኪ ንገሩኒ፡ ብዛዕባ እቶም ብኣክሲዮኖቭ ዝጽውዑ ደቂ ዓዲ ቭላድሚር ዝኾኑ ነጋዶ ስድራ-ቤት ከም ገለ ኢልኩም ትፈልጥዎም'ዶ ትኾኑ፧ ክሳብ ሎሚ ብህይወት'ዶ ኣለዉ?”

“ትፈልጥዎም'ዶ? እወ እፈልጦም። ስድራ-ቤት ኣክሲዮኖቭ ሃብታማት'ዮም፡ ኣቦኦም ሓጥእ ከማና፡ ኣብ ሳይቤርያ ኣለዉ ይመስለኒ። ንስኹም'ኸ ኣቦ ሓጎ ብኸመይ ኣብዚ መጺኹም፧”   

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝወረደ ሕማቕ ዕድል ምዝራብ ኣይፈትዉን ነበሩ። ነዊሕ ኣስተንፊሶም ጥራይ፡ "ብሰንኪ ሓጢኣተይ ኣብዚ ቤት-ማእሰርቲ ዕስራን ሹዱሽተን ዓመት ጌረ ኣሎኹ።" በሉ። 

“እቲ ሓጢኣትኩም እንታይ'ዩ፧” ብምባል ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ሓተቱ።

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ግና ጥራይ ከምዚ በሉ፡ "ደሓን፡ ደሓን፡ እግብኣኒ'ዩ።" ካብኡ ዝሓልፍ ኣይተዛረቡን፡ ግና እቶም መተኣስርቶም ነቶም ሓደሽቲ፡ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ብምንታይ ምኽንያት ኣብ ሳይቤርያ ከም እተኣስሩ ገለጹሎም፥ ሓደ ሰብ ንሓደ ነጋዳይ ምስ ቀተለ፡ ነቲ ካራ ኣብ መንጎ ንብረት ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ኣንበሮ፡ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ'ውን ብዘይ ውዓልዎ ገበን ተፈርዱ።  

ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ነዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ኣይተ ኣኪሲዮኖቭ ገጾም ድሕሪ ምጥማት፡ ገዛእ ብርኮም ብኢዶም ሓረሙ፡ "ደሓን፡ እዚ ኣዚዩ ዘደንጹ'ዩ! ብርግጽ ዘደንጹ'ዩ! ግና ኣቦ ሓጎ፡ ብዙሕ ኣሪግኩም!” ብምባል ተገረሙ።

እቶም ካልኦት ስለ ምንታይ ኣዝዮም ከም እተገረሙን ቅድም ሕጂ ኣበይ ነይተ ኣኪሲዮኖቭ ከም ዝርኣዩዎምን ሓተቱዎም፣ ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ግና መልሲ ኣይሃቡን። ከምዚ ጥራይ በሉ፡ "ኣቱም ሰባት፡ ኣብዚ ምርኻብና ዘደንቕ'ዩ!”

እዘን ቃላት ምስ ሰምዑ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ኮን'ዶ እዞም ሰብኣይ ነቲ ነጋዳይ መን ከም ዝቐተሎ ይፈልጡ ይኾኑ፡ ብምባል ተገረሙ፡ ስለዚ ከምዚ በሉ፡ "ኣይተ ሴምዮኒች ምናልባት ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ሰሚዕኩም፡ ወይ ቅድም ሕጂ ርኢኹምኒ ትፈልጡ'ዶ ትኾኑ፧”

“ከመይ ጌረኸ ዘይሰምዕ፧ እዚ ዓለም ብቤላ ቤለው'ዶ ኣይኮነን ተዓብሊሉ። ይኹን'ምበር እቲ እዋን ነዊሑ፡ እንታይ ከም ዝሰማዕኩ ረሲዐዮ'የ።"

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ፡ “ምናልባት ነቲ ነጋዳይ መን ከም ዝቐተሎ ሰሚዕኩም ትኾኑ፧” ብምባል ሓተቱ።

ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ሰሓቑ፡ ከምዚ ድማ በሉ፡ "እቲ ካራ ኣብ ሻንጥኡ ዝተረኽቦ ሰብ ክኸውን ኣለዎ! ካልእ ሰብ ነቲ ካራ ኣብኡ እንተ ሓቢኡዎ'ውን፡ ክሳዕ ዝተሓዝ ንሱ ሰራቒ ኣይክኸውንን'ዩ፡ ከምቲ ብሂል ዝብሎ፡ 'ኣብ ትሕቲ ርእስኹም ከሎስ፡  ከመይ ጌረ ኣብ ውሽጢ ሻንጣኹም ካራ ከንብር እኽእል?' እዚ ግድን ካብ ድቃስኩም ከበራብረኩም እንዲዩ!"

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ፡ ነዘን ቃላት ምስ ሰምዑ፡ ብርግጽ እዞም ሰብኣይ ነቲ ነጋዳይ ከም ዝቐተልዎ ተገንዘቡ። ካብቲ ቦታ ብድድ ኢሎም ከኣ ከዱ። ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ምሉእ ለይቲ ከይደቀሱ ሓደሩ። ብዙሕ ጉሃዩን ኣብ ኣእምሮኦም ዝተፈላለየ ምስልታት ይመላለሰን ነበረ። ኣብ ባዛር ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን፡ ምስሊ እታ ሰበይቶም ክትሰናበቶም ከላ ተራእዮም። ልክዕ ሎሚ ዝርኣዩዋ ኾይኑ ከኣ ተሰመዖም፡ ገጻን ኣዒንታን ኣብ ቅድሜኦም ቅጅል በሎም፡ ክትዛረብ 'ከላ ሰሚዖም ከኣ ሰሓቑ። ካብኡ ነቶም ናእሽቱ ዕሸላት ደቆም ርኣዩ፡ እቲ ሓደ ንእሽቶ ካባ ተኸዲኑ፡ እቲ ካልእ ከኣ ጡብ ኣዲኡ ይጠቡ ነበረ። ካብኡ ገዛእ ርእሶም መንእሰይን ሕጉስን ከም ዝነበሩ ዘከሩ። ብኸመይ ኣብቲ እዋን እተኣስሩሉ ኣብ ትሕቲ ገበላ ኮፍ ኢሎም ጊታር ይጻወቱ ከም ዝነበሩ ዘከሩ። ኣብ ኣእምሮኦም ኣብ እዋን መግረፍቶም እቲ ገራፋይ፡ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት፡ እቲ ሰንሰለት፡ ካልኦት ገበነኛታት፡ ኩሉ'ቲ ዕስራን ሽዱሽተን ዓመት ማእሰርቲ ህይወቶምን ኣብ ዘይእዋኖም ምእራጎምን ተራእዮም። እዚ ኩሉ ሓሳብ ምስ ተፈራረቖም፡ ገዛእ ህይወቶም ንዑቕ ኮይኑ ስለ እተራእዮም ነፍሶም ከጥፍኡ ደለዩ።

“እዚ ኩሉ ብሰንኪ እቶም ሽፍታ ሰብኣይ'ዩ!” ብምባል ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ሓሰቡ። ኣብ ልዕሊ ኣይተ ማካር ሲምዮኒች'ውን ክቱር ሕርቓን ስለ እተሰመዖም፡ ዋላ'ዉን ባዕሎም ከንቱ ክጠፍኡ እንተኾኑ፡ ህነ ክፈድዩ ተሃወኹ፣ ምሉእ ለይቲ ክጽልዩ እንተ ሓደሩ'ውን ሰላም ክረኽቡ ግና ኣይኸኣሉን። ኣብ እዋን ቀትሪ ጥቓ ኣይተ ማካር ሲምዮኒች ገጾም ኣይቐረቡን፡ ቅንዕ ኢሎም'ውን ኣይረኣዩዎምን።   

ብኸምዚ ክልተ ቅነ ሓለፈ። ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ለይቲ ድቃስ ኣበዮም፡ ብጓሂ ስለ ዝሓረሩ ከኣ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ክፈልጡ ኣይኸኣሉን።

ሓደ ለይቲ ኣብቲ ከባቢ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዝዛወሩሉ፡ ብወገን እቶም እሱራት ዝድቅሱሉ፡ ካብ ውሽጢ ሓደ ከብሒ ሓመድ ምድሪ ክወጽእ ተዓዘቡ። እንታይ ምዃኑ ከረጋግጹ ደው በሉ። ሃንደበት ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ካብ ትሕቲ እቲ ከብሒ እናተንፈሐኹ ተቐልቐሉ፡ ብፍርሂ'ውን ላዕሊ ገጾም ንኣይተ ኣክሲዮኖቭ ጠመቱ። ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ኣብኦም ከይጠመቱ መገዶም ክቕጽሉ ፈተኑ፡ ኣይተ ማካር ግና ኢዶም ሒዞም ኣብ ትሕቲ እቲ መንደቕ ጉድጓድ ከም ዝኾዓቱ፡ ነፍሲወከፍ መዓልቲ እሱራት ኣብ ስራሕ ኣብ ዝዋፈሩሉ፡ ነቲ ሓመድ ምድሪ ኣብ ቡት ጫማኦም መሊኦም ኣብቲ መገዲ ከም ዘራግፍዎ ገለጹሎም።    

“ኣቱም ሽማግለ ሰብኣይ፡ ጥራይ ስቕ በሉ'ምበር፡ ንስኹም'ውን ምሳይ ክትወጹ ኢኹም። ገለ ክትዛረቡ ትንፍስ እንተ በልኩም ግና፡ ብመግረፍቲ ነዛ ህይወተይ ከሕልፍዋ'ዮም፡ እንተ ኾነ ግን ቅድም ንዓኹም ክቐትለኩም ምዃነይ ፍለጡ።"

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ንጸላኢኦም ምስ ጠመቱ ብሕርቓን ኣንቐጥቐጡ። ኢዶም ጸግ ብምባል ከኣ፡ "ኣነ ክሃድም ፈጺመ ድሌት የብለይን፡ ንስኻ'ውን ንዓይ ክትቐትለኒ ኣገዳሲ ኣይኮነን፡ ቅድም ነዊሕ ጊዜ ቐቲልካኒ ኢኻ! ብዛዕባ እዚ ግብርኻ ግና፡ ክዛረብ፡ ወይ ከይዛረብ እኽእል፡ እግዚኣብሄር ጥራይ ይምርሓኒ።" በሉ። 

ጽባሒቱ እቶም እሱራት ንዕዮ ምስ ተዋፈሩ፡ እቶም ዘዋፍርዎም ወተሃደራት፡ ሓደ፡ ወይ ብዙሓት እሱራት፡ ካብ ቡት ጫምኦም ሓመድ ምድሪ የራግፉ ከም ዘለዉ ተዓዘቡ። እቲ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ተፈተሸ ከኣ፡ እቲ ጉሕጓሕ መሬት ተረኽበ። እቲ ኣመሓዳሪ ምእንቲ መን ነቲ ጋለርያ ከም ዝኾዓቶ ከጻሪ፡ ነቶም እሱራት ክምርምር መጸ። ኩሎም ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ከም ዘይብሎም ገለጹ። እቶም ዝፈልጡ'ውን፡ ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ብመገረፍቲ ህይወቶም ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ብምግማት፡ ኣሕሊፎም ክህብዎም ኣይፈተዉን። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ቅኑዕ ሰብ ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ፡ ኣብኦም ገጹ ብምጥማት፡ ከምዚ በለ፥ 

“ንስኹም ጻድቕ ሰብ ኢኹም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንገሩኒ፡ ነዚ ጉድጓድ ዝኾዓቶ መን'ዩ፧”

ኣይተ ማካር ሲምዮኒች ከይተረበሹ ከምስሉ፡ ነይተ ኣክሲዮኖቭ ገዲፎም ኣብቲ ኣመሓዳሪ ገጾም ጥራይ ይጥምቱ ነበሩ። ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ከንፈሮምን ኣእዳዎምን እናንቐጥቐጠ ነዊሕ እዋን ገለ ቃል ከይተዛረቡ ትም በሉ። ከምዚ ብምባል ከኣ ሓሰቡ፡ "ስለ ምንታይ ነቲ ህይወተይ ዘበላሸወ እከላኸለሉ? ነቲ ኣነ እተሳቐኹዎ ዋጋኡ ይኽፈል። እንተ ነገርኩ ግና ምናልባት ብመግረፍቲ ህይወቱ ከሕልፍዎ'ዮም፡ ብጌጋውን ጠርጢረዮ ክኸውን እኽእል'የ። ልዕሊ ኩሉ ኸኣ፡ ኣነ ካብዚስ እንታይ ጽቡቕ ይረክብ፧”

“ደሓን፡ ኣቱም ሽማግለ ሰብኣይ፣" ብምባል ደገመ እቲ ኣመሓዳሪ፡ "ሓቂ ንገሩኒ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ መንደቕ ጉድጓድ ዝኹዕት ዝነበረ መን'ዩ፧”

“ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ኣብ ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ገጾም ቁሊሕ ድሕሪ ምባል፡ "ጎይታይ እዚ'ዩ ክብል ኣይኽእልን'የ። ኣነ ክዛረብ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን! ኣባይ ድላይኩም ክትውስኑ ትኽእሉ ኢኹም፡ እነሀ፡ ኣብ ኢድኩም እርከብ።" በሉ።

ይኹን'ምበር እቲ ኣመሓዳሪ ብተደጋጋሚ እንተ ፈተነ'ውን፡ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ከይዛረቡ ዕጭ ኢሎም ኣቕበጹ፡ ስለዚ'ውን እቲ ጉዳይ ኣብኡ ተዓጽወ።

ኣብቲ ለይቲ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ፡ ኣብ ዓራት ጎቦ ኾይኖም ድቃስ ሰለም ኣብ ዘብሉሉ እዋን፡ ሓደ ሰብ ቀሰይ ኢሉ መጺኡ፡ ኣብቲ ዓራት ኮፍ በለ። ኣብቲ ጸልማት ተጸዊጎም ምስ ጠመቱ፡ ኣይተ ማካር ምዃኖም ኣለለዩ። 

“ሕጂ ኸ እንታይ ደሊኹም ካባይ፧” ብምባል ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ሓተቱ፡ "ስለ ምንታይ ኣብዚ መጻኹም፧”

ኣይተ ማካር ሴምዮኒች መልሲ ኣይሃቡን። ስለዚ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ "እንታይ ትደልዩ፧ ርሓቑለይ! ኣይኮነን ዋርድያ ክጽውዕ'የ።" በሉ።

ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ኣብ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ገጾም ድንን ድሕሪ ምባል፡ ብሕሹኽታ፡ "ኣይተ ኢቫን ምድትሪች፡ ይቐረ በሉኒ፧" በሉ።

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ፡ “ብምንታይ ምኽንያት፧” ብምባል ሓተቱ።

“ኣነ'የ ነቲ ነጋዳያ ቐቲለ፡ ነቲ ካራ ኣብ መንጎ ንብረትኩም ዘንበርኩ። ሓሳበይ ክቕትለኩም'ዩ ኔሩ፡ ይኹን'ምበር ኣብ ደገ ድምጺ ስለ ዝሰማዕኩ፡ ነቲ ካራ ኣብ ውሽጢ ሻንጣኹም ሓቢአ ብፊኒስትራ ኣምለጥኩ።"

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ዝዛረቡዎ ጠፊኡዎም ስቕ በሉ። ኣይተ ማካር ሲምዮኒች ነቲ ከብሒ ዓራት ብኢዶም ደፊኦም ኣብ ምድሪ ተንበርከኹ። "ኣይተ ኢቫን ድምትሪች፣" ድማ በሉ፡ "ይቕረ በሉኒ፧ ስለ ፍቕሪ ኣምላኽ ክትብሉ፡ ይቕረ በሉኒ፧ ኣነ ነቲ ነጋዳይ ከም ዝቐተልኩዎ ክናዘዝ'የ፡ ንስኹም ሓራ ክትወጹን ኣብ ስድራ-ቤትኩም ክትከዱን ኢኹም።"

“ንዓኹም ክትዛረቡሉ ቀሊል'ዩ፣" በሉ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ፡ "ብሰንኪ ገበንኩም ኣነ ዕስራን ሽዱሽተን ዓመት ተሳቒየ'የ፡ ሕጂ ኣበይ ክኸይድ እኽእል፧ … በዓልቲ-ቤተይ ዓሪፋ'ያ፡ ደቀይ'ውን ረሲዖምኒ'ዮም። ኣብ ዝኸዶ የብለይን ...”

ኣይተ ማካር ሲምዮኒች ካብቲ ዝነበሩዎ ኣይተስኡን፡ እኳ ደኣ ብርእሶም ነቲ ምድሪ ሓረሙዎ። "ኣይተ ኢቫን ድምትሪች፡ ይቕረ በሉኒ፧” ብምባል በኸዩ። "ካብዚ ሕጂ ገጽኩም ዝርኢ ዘሎኹ፡ ብጭጉራፍ እንተ ዝግረፍ ዝያዳ ምጾርኩዎ … ግና ኣሕሊፍኩም ከይትህቡኒስ ደንጊጽኩምለይ። ዋላ'ውን ኣዝየ ንዑቕ ሰብ እንተኾንኩ፡ ስለ ክርስቶስ ክትብሉ ይቕረ በሉኒ፧” ብብኽያት ፊቕፊቕ ክብሉ'ውን ጀመሩ። 

ብብኽያት ክሕቖኑ ምስ ርኣዩዎም፡ ኣይተ ኣክሲዮኖቭ'ውን ክነብዑ ጀመሩ። "እግዚኣብሄር ይቕረ ይበልኩም!” ድማ በሉ። "ምናልባት'ውን ኣነ ሓደ ካባኹም ሚእቲ ጊዜ ዝኸፋእኩ ሰብ ክኸውን እኽእል'የ።" ሻቡ ልቦም ክፈኽሶምን ኣብ ዓዶም ንምኻድ ዝነበሮም ክቱር ባህጊ ክሃስስን ተሰምዖም። ደጊም ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ክወጹ ፍጹም ሃረርታ ዝበሃል ኣይነበሮምን፡ እታ መወዳእታ ካብዛ ዓለም ዝሰናበቱላ ሰዓት ጥራይ ክትመጽእ ተመነዩ።"   

ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ዝበሉ'ውን እንተ በሉ፡ ኣይተ ማካር ሴምዮኒች ገበኖም ተናዘዙ። ይኹን'ምበር ኣይተ ኣክሲዮኖቭ ሓራ ክወጹ ትእዛዝ ኣብ ዝመጻሉ፡ ንሶም ድሮ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ነበሩ።

ተፈጸመ