ስራሕ፡ ሞትን ሕማምን

ደራሲ - ሊዮ ቶልስቶይ

ትርጕም - ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ

እዚ ስዒቡ ዘሎ ዛንታ ኣብ ማእከል ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ህንዳውያን ዝዝረብ ያታ'ዩ።

ንሳቶም፡ ኣምላኽ፡ በሉ፡ ፈለማ ደቂ ሰባት ዝኾነ ይኹን ስራሕ ምስራሕ ኣየድልዮምን'ዩ፡ ብምባል ፈጠሮም። መጽለሊ ገዛ ይኹን ክዳን፡ ወይውን ምግቢ ኣየድልዮምን ነበረ። ሕማም ዝበሃል ከይተንከፎምውን ክሳዕ ሚእቲ ዓመት ይነብሩ ነበሩ።

እግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ገለ እዋን፡ ደቂ ሰባት ብኸመይ መነባብሮ ህይወቶም የካይዱ ከም ዘለዉ ክዕዘብ ኣብኣቶም ገጹ ቁሊሕ በለ። ኣብ ክንዲ ሕጉስ ኮይኖም ዝነብሩ፡ ነንሕድሕዶም ይበኣሱን ነፍስወከፍ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ይሓስብን ነበረ። ኣብ ክንዲ ፍስሃ ዝመልኦ ናብራ ዘሕልፉ፡ በንጻሩ ንህይወቶም ይረግሙ ነበሩ። እግዚኣብሄር'ውን በለ፡ "እዚ ዘጋጠመ ተፈላሊዮም ብውልቆም ክነብሩ ስለ ዝመረጹ'ዩ።" ስለዚ፡ እግዚኣብሄር፡ ነዚ ዘሕዝን ኩነት ንምቕያር፡ ደቂ ሰባት ብዘይ ስራሕ ክነብሩ ዘይኽእሉሉ ሃዋህው መሃዘ። ድሕር ደጊም ከይቆሩን ከይጠምዩን ክብሉ፥ መንበሪ ገዛ ክሃንጹን ፍረታትን እኽልን ከብቑሉ መሬት ክኹዕቱን ክግደዱ'ዮም።

እግዚኣብሄር፡ "ስራሕ ብሕብረት ክነብሩ ክገብሮም'ዩ።" ብምባል ሓሰበ።

"ሓደ ሰብ በይኑ ናውቲ ከዳልው፡ ኣእዋም ዓንድ-ገመል ከግዕዝ፡ ገዛውቱ ክሃንጽ፡ እኽሊ ክዘርእን ክእክብን፡ ጡጥ ክፈትልን ክኣልምን፡ ከምኡውን ክዳውንቱ ክሰፍይ ኣይኽእልን'ዩ።"

“ብልቢ ሓቢሮም ኣብ ዝዓዩሉ ብዙሕ ከም ዘርብሖምን ዝሓሸ መነባብሮ ከም ዘሕልፉን ክስቆሮም'ዩ። እዚ ከኣ ሓድነቶም ከትርር'ዩ።"

እግዚኣብሄር፡ ድሕረ ገለ እዋን፡ እንደገና ደቂ ሰባት ብኸመይ ህይወቶም ይመርሑ ከም ዘለዉን ሕጂ'ኸ ዕጉባት ምዃኖምን ክርኢ መጸ።

ይኹን'ምበር ካብቲ ቅድም ሕጂ ዝነበሮም መነባብሮ ዝገደደ ሕማቕ ናብራ የሕልፉ ከም ዘለዉ ተዓዘበ። ዋላ'ውን ኩነታት ኣገዲዱዎም ከይፈተዉ ነንሕድሕዶም ብምርኻብ ስርሖም እንተ ፈጸሙ፡ ጥርናፈ ግና ኣይነበሮምን፡ እኳ ደኣ ብናእሽቱ ጉጅለታት ተፈናጪሎም ነበሩ። ነፍሲወከፍ ጉጅለ እቲ ካልእ ዝዓየዮ ክምንዝዕን ነንሕድሕዶም ዕንቅፋት ክፈጥሩን፡ ኣብ ዘየድሊ ምፍሕፋሕ ጊዜኦም የባኽኑን ጉልበቶም ይውድኡን ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ኩነታት ንኹሎም ክምችዎም ኣይከኣለን።

እግዚኣብሄር፡ እዚ'ውን ጽቡቕ ከም ዘየሎ ምስ ርኣየ፡ ሰብ ዝሞተሉ መዓልቲ ከይፈልጥን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክመውት ከም ዝኽእልን መደበ፡ ነዚ ድማ ንኹሎም ገለጸሎም።

እግዚኣብሄር ከምዚ ብምባል ሓሰበ፡ "ኣብ ዝኾነ ሰዓት ሞት ከጓንፎም ከም ዝኽእል ምስ ዝፈልጡ፡ ውሱን ጊዜኦም ሓላፊ ንዝኾነ ረብሓታት ኣይከባኽንዎን'ዮም።" ይኹን'ምበር እቲ ግብረ-መልሲ ኣንጻር ነበረ። እግዚኣብሄር ተመሊሱ ደቂ ሰባት ብኸመይ ይናበሩ ከም ዘለዉ ክርእዮም ምስ ዝመጸ፡ ከም ወትሩ ሕማቕ መነባብሮ ህይወት ከሕልፉ ጸንሕዎ።

እቶም ብጉልበት ዝሓየሉ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ሰባት ምሟቶም ከም ዘይተርፎም ምስ ኣረጋገጹ፡ ነቶም ድኹማት ንገሌኦም እናቐተሉን ንኻልኦት ብሞት እናፈራርሁን ክጎብጥዎም ጀመሩ። እቶም ሓያላት ምስ ደቆም፡ ጊዜኦም ብምውድልዳል የሕልፉ ስለ ዝነበሩ፡ ብኾፎም ድኹማት ተለዊጦም ነበሩ። እቶም ድኹማት ድማ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ክሰርሑ ይግደዱ ስለ ዝነበሩ፡ ብሰንኪ ዕረፍቲ ምስኣን ይሳቐዩ ነበሩ። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ይፈርሆን ይጸልኦን ነበረ። በዚ ምኽንያት ህይወት ሰብ ብዙሕ ጓሂ ዝመልኦ ኾነ።

እግዚኣብሄር ነዚ ኩሉ ምስ ርኣየ፡ ነገራት ኣብ ንቡር ክመልስ፡ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ከም መወዳእታ መገዲ ክጥቀም ወሰነ፥ ኩሉ ዓይነት ሕማማት'ውን ኣብ ማእከል ሰባት ፈነወ። እግዚኣብሄር ኩሉ ሰብ ንሕማም ምስ ተቃልዐ፡ እቶም ብጥዕና ደሓን ዝኾኑ፡ ምእንቲ ኣብ እዋን ሕማሞም ክድግፍዎም ክብሉ፡ ነቶም ሕጂ ዝሓመሙ ክሓልዩሎምን ክድግፍዎምን ኢዮም፡ ብምባል ሓሰበ።

እግዚኣብሄር ከም እንደገና ኣብ ጉዳዩ ኣምርሐ፡ እንተኾነ ግና ሰባት ድሕሪ ንሕማም ምቅልዖም፡ ከመይ ከም ዘለዉ ክርእዮም ምስ መጸ፡ ህይወቶም ካብ'ቲ ቅድም ሕጂ ዝነበረ ዝያዳ ገዲዱ ጸንሖ። እቲ ብመደብ እግዚኣብሄር፡ ሓድነት ሰባት ከደልድል'ዩ፡ ብምባል ዝተፈነወ ሕማም፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ንላዕሊ ፈላለዮም። እቶም ነቲ ካልእ ህዝቢ ኣብ ትሕቴኦም ብሓይሊ ኣገዲዶም ዘስርሑ ዝነበሩ ብርቱዓት፡ ሕጂውን ኣብ እዋን ሕማሞም፡ በስገዳድ ካልኦት ከም ዝኣልዩዎም ድሕሪ ምግባር፡ ንሶም ግና ካልኦት ምስ ዝሓሙ ግዲ ኣይገብሩሎምን ነበሩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ካልኦት ክዓይዩን ሕሙማት ክኣልዩን ዝግደዱ ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ካብ ክቱር ድኻም ዝተላዕለ፡ ነቶም ከምኦም ድኹማት ሕሙማት ከይተኸናኸኑ፡ ብዘይ ኣላዪ ይገድፍዎም ነበሩ። ጽምሉይ ገጽ ሕሙማት፡ ድሱት መነባብሮ ሃብታማት ከይርብሽ ተባሂሉ፡ ስለ'ቶም ድኻታት ዝድንግጹን ተስፋ ዝህብዎምን ሰባት ኣብ ዘየበጽሕዎ፡ እኳ ደኣ ኣብ ኢድ እቶም ስለ ሕሙማት ቅጭጭ ዘይብሎምን ዝፍንፍንዎምን ዝነበሩ ሰባት ተዋሂቦም ክነብሩ፡ ተሳቒዮም ዝሞትሉ መጽለሊ ተዳለወ። ኣብ ርእስ'ዚ ሰባት መብዛሕቱ'ቲ ሕማም ተላጋቢ'ዩ፡ ኢሎም ስለ ዝሰግኡ፡ ነቶም ሕሙማት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ'ቶም ነዞም ሕሙማት ብዘይ ገለ ድንጋጸ ዝሕዝዎም ዝነበሩ ሰባት'ውን ርሓቑ።

ካብኡ፡ እግዚኣብሄር በለ፡ "ደቂ ሰባት እዚ ኣገባብ ከይተረፈ ኣብ ሓጎስ ክመርሖም ከም ዝኽእል ካብ ዘይተረድኦም፡ ጭንቂ ባዕሉ ይምሃሮም።" ብኸምኡ እግዚኣብሄር ንሰባት ከም ድላዮም ክነብሩ በይኖም ሓደጎም።

ደቂ ሰባት ሕጉስ ህይወት ከሕልፉ ከም ዝኽእሉ ከይተረድኦም ነዊሕ እዋን ሓለፈ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ጥራይ'ዩ፡ ገለ ሒደት ሰባት፡ ስራሕ ንገሊኡ መፈራርሂ ነቲ ካልእ ከኣ ባርነት ዘይምዃኑ፡ እኳ ደኣ ሓድነት ሰባት ዘደልድል ሓባራዊን ሕጉስን ሞያ ምዃኑ ዝተረድኦም። ሞት ብቐጻሊ ገዛና እናኳሕኮሐ፡ ነፍሲወከፍ ሰብ ብልክዕ ክገብሮ ዝግባእ ነገር፡ ነቲ ዝተወሃቦ፥ ዓመት፡ ወርሒ፡ ሰዓታትን ደቓይቕን፡ ብፍቕሪን ብሓድነትን ከሕልፎ ዝግባእ ምዃኑ ዝተረድኦም። ሕማም ንሰባት ዝፈላሊ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ በንጻሩ ብሓባራዊ ፍቕሪ ንምንባር ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝፈጥር ምዃኑ ዝተረድኦም።

ተፈጸመ