ጥቕሲ

"ሰባት ኣብ እተፍቅረሉ፡ ከምቲ ክኾኑዎ እትደልዮ ዘይኮነ፡ ከምቲ ዘለዉዎ ኢኻ ተፍቅሮም።" - ሊዮ ቶልስቶይ

tolstoy

ካልኦት ሓጸርቲ ዛንታታት ብሊዮ ቶልስቶይ

ሰብ ክንዲ ምንታይ መሬት የድልዮ፧

ደራሲ - ሊዮ ቶልስቶይ

ትርጕም - ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ

እታ ዝዓበየት ሓውቲ ነታ ምንኣስ ሓውታ ክትበጽሓ ኣብ ሃገረ-ሰብ መጸት። እታ ዓባይ ኣብ ከተማ ንሓደ ነጋዳይ፡ እታ ምንኣሳ ከኣ ኣብ ዓዲ ንሓደ ሓረስታይ ተመርዒየን ነበራ። እተን ኣሓት ሻሂ ብሓንሳብ ኣብ ዝሰትያሉ፡ እታ ዓባያ ብዛዕባ መነባብሮ ከተማ ዘለዎ ብልጫ ኣልዒላ ክትጀሃር ጀመረት፥ ኣብ ከተማ ምቹእ ናብራ ከም ዘሕልፉ፡ ጽቡቕ ክዳውንቲ ከም ዝኽደኑ፡ ጠጥዑሙ ከም ዝምገቡን ከም ዝሰትዩን፡ ከምኡውን ኣብ እንዳ ቴያትር፡ መናፈሲን መዘናግዒን ቦታታት ከም ዝኸደት ገለጸት።

እታ ምንኣስ ሓውቲ ረሰነት፣ ብተራኣ'ውን ናብራ ነጋዳይ ኣቆናጺባ፡ ስለ ናብራ ሓረስታይ ደው በለት።

“ኣነ ነዚ ናብራይ ፈጺመ ብመነባብሮኺ ኣይክልውጦን'የ፣" በለት። "መነባብሮና ሓባጥ ጎባጥ ዝበዝሖ ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ይኹንምበር ንሕና እቲ ካልእውን እንተ ተረፈ፡ ካብ ጭንቀት ግና ናጻ ኢና። ካባና ዝሓሸ መናባብሮ ከም እተሕልፉ ርግጽ'ዩ፣ እንተኾነ ግን ዋላ መብዛሕቱ ግዜ ካብቲ ዘድልየኩም ንላዕሊ እቶት እንተ ረኸብኩም፡ ኣብ ኢድኩም ኣይጸንሕን'ዩ። ኣይ'ቲ "ክሳራን ረብሓን መናቱ ኣሕዋት'ዮም፣" ዝብል ምስላ ትፈልጥዮ እንዲኺ። እቶም ናይ ሎሚ ሃብታማት ጽባሒቱ እንጌራ ክልምኑ ልሙድ'ዩ። ናትና መነባብሮ ዝያዳ ውሕስነት ኣለዎ። ዋላ'ውን ናብራ ሓረስታይ ዘስብሕ እንተ ዘይኮነ፡ ግና ነዊሕ'ዩ። ንሕና ፈጺምና ኣይክንህብትምን ኢና፣ ግና ወርትግ እኹል ዝብላዕ ኣሎና።"

እታ ዓባይ ሓውቲ ብምስትንዓቕ ከምዚ ስዒቡ በለት፥

“እኹል'ዶ በልኪ፧ ምስቶም ሓሰማታትን ምራኽውቲን ክትማቐሊ እንተ ዀይንኪ፧ እወ! ብዛዕባ ጽባቐን ኣደብን'ኸ እንታይ ኣፍሊጡኪ'ዩ! እቲ ለዋህ ሰብኣይኪ መውኣሉ ብባርነት እንተ ተገዝአ'ውን፡ ካብ ኩቦ ከይተፈለኺ ሞት ከርክበኪ'ዩ፣ ደቅኺ'ውን ከምኡ።"

“ደሓን፡ እንታይ'ሞ ብዛዕንባኡ፧” ብምባል መለሰት እታ ንእሽቶ። "ልክዕ'ዩ፡ ዕዮና ሓባጥ ጎባጥን ሓርፋፍን'ዩ። ግና በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ ንማንም ኣይንጉምባሕን ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብቲ ከተማታትኩም ብፈተና ተኸቢብኩም ኢኹም ትነብሩ፡ ሎሚ ኵሉ ደሓን ይኸውን፣ ግና ጽባሒቱ እቲ ክፉእ፡ ሰብኡትክን ብጠላዕ፡ ብመስተ ነቢት፡ ወይ ብደቅንስትዮ ይፍትን ይኸውን፧ ኵሉ'ውን ብላሽ ይጠፍእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ልሙድ'ዶ ኣይኮነን፧”

ፓሆም፡ ኣቦ'ቲ ገዛ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጥቓ መዕጎዲ ሓዊ ጎቦ ዀይኑ፡ ዕላል እተን ኣንስቲ ይሰምዕ ነበረ።

ንሱ፡ “ትኽክል፣" ብምባል ሓሰበ። "ካብ እዋን ቁልዕነትና ክሳዕ ሓመድ ድበ እንኽደነሉ፡ ኣብ ስራሕ ጽሙዳት ኢና፣ ንሕና ሓረስቶት ሃጠው ቀጠው ኣብ ርእስና ክነእቱ ግዜ የብልናን። እቲ እንኮ ጸገምና እኹል መሬት ስለ ዘይብልና'ዩ። ኣነ እኹል ትሩፍ መሬት እንተ ዝህልወኒ፡ ዲያቢሎስ ባዕሉ'ኳ ኣይምፈራህኩዎን!”

እተን ኣንስቲ ሻሂ ምስ ሰተያ፡ ቁሩብ እዋን ብዛዕባ ክዳውንቲ ኣዕለላ፣ ካብኡ ነቲ ኣቕሑ ሻሂ ኣለዓዒለን ክድቅሳ ጎቦ ኾና።

ይኹንምበር ሰይጣን ብድሕር'ቲ መዕጎዲ ሓዊ ኮፍ ኢሉ፡ ኵሉ እተባህለ ሰሚዑዎ ነበረ። ሰይቲ'ቲ ሓረስታይ ሰብኣያ እኹል ትሩፍ መሬት እንተ ዝህልወኒ ንዲያቢሎስ'ኳ ኣይምፈራህኩዎን ኢሉ ክጀሃር ስለ ዝደፋፍኣቶ ተሓጒሱ ነበረ።

“ግርም'ምበኣር፡" ብምባል ሰይጣን ሓሰበ። “ክንጠማጠም ኢና። እኹል መሬት ክህበካ'የ፣ ብመገዲ'ቲ መሬት ከኣ ኣብ ትሕቲ ስልጣነይ ከእትወካ'የ።”

ኣብ ጥቓ'ቲ ዓዲ እትነብር ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ኣክር ጉልቲ ዝነበራ ሰበይቲ ነበረት። ቅድሚ ሓደ ኣብ ልዕሊ'ቲ ህዝቢ መቕጻዕቲ ዘኽብዱሉ ሽማግለ ወተሃደር ሰራሕተኛ ምቑጻራ፡ ምስቶም ሓረስቶት ጽቡቕ ርክብ ነበራ። ፓሆም ዋ'ላውን ብዙሕ ክጥንቀቕ እንተ ፈተነ፡ እቲ ፈረሱ ብተደጋጋሚ ኣብ ሕርሻ ሰዓዕ'ታ ሰበይቲ ይኣትው ነበረ፣ ሕጂ ከኣ እታ ላም ኣብቲ ናታ ጀርዲን ጥሒሳ ኣቲያ ነበረት፡ ከምኡውን እቶም ምራኽውቲኡ ኣብቲ ናታ ሸኻ ኣቲዮም ነበሩ፣ ብሰንኪ'ዚ'ውን ኵል ግዜ መቕጻዕቲ ይኸፍል ነበረ።

ፓሆም እናዕዘምዘመ ከፈለ፣ ኣንጸርጺሩ ንገዛ ብምኻድ'ውን ኣብ ልዕሊ ስድራ-ቤቱ ገንጨርጨር በለ። ፓሆም ኣብቲ ክራማት ብሰሪ'ዞም ኣካያዲ ስራሕ፡ ኣብ ብዙሕ መከራ ኣቲዩ ነበረ፣ ምስ ሓገየ ግና ሳላ'ቶም ከብቲ ኣብ ደምበ ስለ ዝዕጸዉ ሕጉስ ነበረ። ዋላ'ውን ኣብ ጎልጎል ወጺኦም ሳዕሪ ኣብ ዘየበልዑሉ እዋን፡ ነቲ ድርቋ ክኽርትሞ'ኳ እንተ ነበሮ፡ ብሰንኮም ካብ ምጭናቕ ግና ናጻ ነበረ።

ኣብ እዋን ክረምቲ እታ ሰበይቲ መሬታ ክትሸይጥ ምዃናን ወናኒ ኣብቲ ዓቢይ ጎደና ዝርከብ ሆቴል ክዕድጎ ይዋገ ከም ዘሎን ተወርየ። እቶም ሓረስቶት ነዚ ምስ ሰምዑ ኣዚዮም ሰግኡ።

“እሞ ደኣ፣" ብምባል ሓሰቡ፡ "እቲ ወናኒ ሆቴል ነቲ መሬት እንተ ዓዲጉዎ፡ ልዕሊ'ቲ ኣካያዲ ስራሕ ናይታ ሰበይቲ ከጨንቐና'ዩ። ኵልና ኣብቲ ጉልቲ ተጸጊዕና ኢና እንነብር።"

ስለዚ እቶም ሓረስቶት ነቲ ማሕበር ወኪሎም ብምኻድ፡ ምእንቲ እታ ሰበይቲ ነቲ ወናኒ ሆቴል ከይትሸጠሉ፡ ባዕሎም ክዕድጉዎ ዝሓሸ ዋጋ ብምቕራብ ሓተቱዋ። እታ ሰበይቲ'ውን ንሳቶም ክውንኑዎ ተሰማምዐት። ካብኡ እቶም ሓረስቶት ምእንቲ ኵሉ ብሓባር ክውንኖ፡ እቲ ማሕበር ኩሉ'ቲ ጉልቲ ክዕድጎ ምድላዋት ገበሩ። ብዛዕብኡ ክልተ ግዜ ክላዘቡ ተኣከቡ፡ ግና ነቲ ጉዳይ ኣብ መዕልቦ ከብጽሕዎ ኣይኸኣሉን። እቲ ክፉእ ኣብ ማእከሎም ዘይምቅዳው ስለ ዘርአ፡ ክሰማምዑ ኣይኸኣሉን። ስለዚ ከከም ዓቕሞም ነናቶም መሬት ክዕድጉ ወሰኑ። እታ ሰበይቲ ከምቲ ፈለማ፡ ሕጂ'ውን በዚ መደብ ተሰማምዐት።

ኣብዚ እዋን ፓሆም ጎረቤቱ ሓምሳ ኣክረ መሬት ይዕድግ ከም ዘሎ፡ እታ ሰበይቲ'ውን ፍርቑ ብጥረ ገንዘብ፡ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ፍርቂ ከኣ፡ ዓመት ክትጽበ ከም እተሰማምዐት ሰምዐ። ፓሆም ቅንኢ ተሰምዖ።

“ርኣዩለይ በሉ፣" ብምባል ከኣ ሓሰበ፡ "ኵሉ'ቲ መሬት ይሽየጥ ኣሎ፣ ኣነ ግና ዋላ ገለ'ኳ ኣይረኸብኩን።" ስለዚ ንሰበይቱ ሓበራ።

“ካልኦት ሰባት ይዕድጉ ኣለዉ፣" ከኣ በለ፡ "ንሕናውን ገለ ዕስራ ኣክረ ክንዕድግ ኣሎና። ናብራ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣካያዲ ስራሕ ብመቕጻዕቲ ጥራይ የላድየና'ሎ።"

ስለዚ ብኸመይ ክዕድጉዎ ከም ዝኽእሉ ብሓንሳብ መኸሩ። ሚእቲ ሩብል ቅሙጥ ኔሩውም። ነቲ ዒሉን ፍርቂ ኣናህብን ሸጡ፣ ከምኡውን ሓደ ወዶም ከም ሰራሕተኛ ተቖጺሩ መሃያኡ ኣቐዲሙ ወሰደ፣ ነቲ ተረፍ ከኣ ካብ ዞማኦም ተለቅሑ፣ ብኸምኡ ነዚ ኵሉ ቅንጥብጣብ ኣኪቦም ፍርቂ መዐደጊ ገንዘብ ኣዳለዉ።

ነዚ ምስ ገበሩ፡ ፓሆም ኣርብዓ ኣክረ ገሊኡ ዱር ዘለዎ ሕርሻ መሬት መሪጹ ምስታ ሰበይቲ ክዋገ ከደ። ዋጋ ምስ ተሰማምዑ ብኢዶም ሰላምታ ተለዋወጡ፣ ኣቐዲሙ'ውን ትሕጃ ከፈለ። ኣብ ከተማ ብምኻድ ከኣ፡ ፍርቂ'ቲ ገንዘብ ከፊሉ፡ ነቲ ተረፍ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክኸፍል ውዕል ተፈራረሙ።

ፓሆም ገዛእ ርእሱ ዝውንኖ መሬት ሓዘ። ዘርኢ ተለቂሑ ከኣ ኣብቲ ዝዓደጎ መሬት ዘርኦ። ጽቡቕ ምህርቲ ከኣ ሓፈሰ፣ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዕዳ'ታ ሰበይትን ዞማኡን ክኸፍል በቅዐ። ስለዚ ኣብ ገዛእ መሬቱ ዝሓርስን ዝዘርእን፡ ኣብ ገዛእ መሬቱ ሓሰር ዘዳሉ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ገረብ ዝቖርጽን ኣብቲ ናቱ ሸኻ ከብቱ ዘብልዕን ወናኒ መሬት ኮነ። መሬቱ ክሓርስ፡ ወይ ዝዓቢ እኽሉ ክጥምት፡ ወይ ሳዕሪ ሸኻኡ ክርእይ ኣብ ዝኸደሉ፡ ልቡ ብሓጎስ ይመልእ ነበረ። ኣብኡ ዝዓቢ ሳዕሪን ዝዕምብብ ዕምባባን፡ ንዕኡ ካብቲ ካልእ ስፍራ ዝዓቢ እተፈለየ ነበረ። ቀደም በቲ መሬት ኣቢሉ ኣብ ዝሓልፈሉ፡ ካብቲ ካልእ መሬት ብዙሕ ዝተፈለየ ነገር ኣይነበረን፣ ሕጂ ግና ፍጹም ዝተፈለየ ይመስል ነበረ።

ፓሆም ብመነባብሮኡ ዕጉብ ነበረ፣ እቶም ሓረስቶት ጎረባብቱ ኣብቲ ሕርሻኡን ሸኻኡን ጥሒሶም ምእታው እንተ ዘቋርጹ'ሞ፡ ኵሉ ሰናይ ምኾነ ኔሩ። ዋላ'ውን ምቕልል ኢሉ እንተ ተላበዎም፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑዎን፣ ሕጂ'ሞ እቶም ጓሶት ሕሉፍ ሓሊፎም ብሓባር ዝጓስዩወን ላም ኣብ ሸኻኡ ፋሉል ይሓድግወን ነበሩ፣ ከምኡውን እቶም ኣብ እዋን ለይቲ ሳዕሪ ክበልዑ ዝዋፈሩ ኣፍራስ ኣብ ማእከል'ቲ ሕርሻኡ ይኣትዉ ነበሩ። ፓሆም ደጋጋጊሙ መለሶም፡ ነቶም ዋናታት ከኣ ይቕረ በሎም፣ ነዊሕ እዋን'ውን ከይኸሰሶም ዓቕሊ ገበረ። ኣብ መወዳእታ ግና ዓቕሉ ጸንቀቐ፣ ኣብቲ ቤት-ፍርዲ ዞባ'ውን ኣቤቱታ ኣቕረበ። እቲ ጸገም እቶም ሓረስቶት ብኽፋእ ዝፍጽምዎ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ መሬት ስለ ዝሓጽሮም ምዃኑ ይፈልጥ'ዩ። ይኹንምበር ከምዚ ስዒቡ ብምባል ሓሰበ፥

“ርእየ ከም ዘየርኣኹ ሸለል ክብል ክነብር ኣይኮንኩን፣ እንተ ዘይኮይኑ ኵሉ ዘሎኒ ከብርስዎ'ዮም። ካብ ጌጋኦም ደኣ ግድን ክመሃሩ ኣለዎም።"

ስለዚ ክልተ፡ ወይ ሰለስተ ሓረስቶት ከም ዝቕጽዑ ብምግባር፡ ካብ ጌጋኦም ክመሃሩ ትምህርቲ ሃቦም። ድሕሪ ገለ እዋን ብሰንኪ'ዚ ጎረባብቲ ፓሆም ኣብ ልዕሊኡ ቅርሕንቲ ክሕዙን ደይ መደይ ኢሎም ነቶም ከብቲ ኣብ መሬቱ ክፍንውዎምን ጀመሩ። ሓደ ሓረስታይ'ሞ ሕሉፍ ሓሊፉ ሓደ ለይቲ ኣብ ዱር ፓሆም ጥሒሱ ብምእታው ልሕጺ ክወስድ ክብል፡ ኣርባዕተ ዝዓብዩ ዘለው ኣእዋም ለሚን ቆረጸ። ፓሆም ብማእከል'ቲ ዱር ኣብ ዝሓልፈሉ እዋን ጻዕዳ ነገር ተዓዘበ። ምስ ቀረበ ልሕጹ እተቐንጠጠ ጉንድታት ኣብ ምድሪ ወዲቑ ርኣየ፣ ኣብ ጥቓኡ ኣብቲ ገረብ ዝነበረሉ ስፍራ'ውን፡ ኣብ ክንዲኡ ጉርማጽ ደው ኢሉ ይርአ ነበረ።

“ኣብዚን ኣብቲን ጥራይ እንተ ዝቖርጽ'ኳ እኹል ጉድኣት መውረደ ኔሩ፣" ብምባል ፓሆም ሓሰበ፡ "እዚ እኩይ ግና፡ ብዘይ ምሕረት ብእኩቡ'ዩ ቖሪጹዎ። መን ምዃኑ እንተ ዝፈልጥ፡ ስርሑ መርኣኹዎ ኔረ።"

መን ኮን ይኸውን ብምባል'ውን ብኣእምሮኡ ሃውተተ። ኣብ መወዳእታ ከምዚ ብምባል ወሰነ፡ "ሳይሞን ክኸውን ኣለዎ፣ ካልእ ሰብ ነዚ ክፍጽም ኣይኽእልን'ዩ።" ክዕዘብ ክብል ከኣ ኣብ ገዛ እንዳ ሳይሞን ከደ፣ ግና ብጀካ መሊሱ ክሓርቕ ገለ ክረክብ ኣይኸኣለን። ይኹንምበር ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሳይሞን ከም ዝፈጸሞ ተሰምዖ፣ ጥርዓን ጽሒፉ ከኣ ከሰሶ። ሳይሞን መጸዋዕታ ቀረበሉ። እቲ ጉዳይ መመሊሱ ተራእየ፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ሳይሞን መርትዖ ስለ ዘይተረኽበ፡ ካብ ክሲ ናጻ ተባህለ። ፓሆም ዝያዳ ጉሃየ፣ ሕርቓኑ'ውን ኣብ ልዕሊ'ቶም ዓበይቲን ደያኑን ፈነዎ።

“ሰረቕቲ ኣብ ልዕሊ ኣግራብ ተምርኹም ግራሶ ክለኽዩ ተፍቕዱሎም'ዶ፧" ከኣ በለ። "ባዕልኹም ሰብ ጽድቂ እንተ ትኾኑ፡ እቲ ሰራቒ ናጻ ክኸይድ ኣይመፍቐድኩምን ኔርኩም።"

ስለዚ ፓሆም ምስቶም ደያኑን ምስ ጎረባብቱን ተባኣሰ። ገዝኡ ከቃጽሉዎ ምዃኖም ዘጠንቅቕ መልእኽቲ'ውን ተወርየ። ስለዚ ፓሆም ዋላ'ውን ብዙሕ መሬት እንተ ወነነ፡ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ ዝነበሮ ቦታ ግና፡ ካብቲ ቅድም ዝነበሮ ዝገደደ ከፍአ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ካልእ ቦታታት ይጓዓዙ ከም ዘለዉ ብትሒም-ትሒም ይውረ ነበረ።

“መሬተይ ዝሓድገሉ ምኽንያት የብለየን፣" ብምባል ፓሆም ሓሰበ። "ግና ገለ ካልኦት ነዚ ቁሸትና ገዲፎም ኣብ ዝኸዱሉ፡ ንሕና ዝያዳ ቦታ'ውን ክንረክብ ኢና። ኣነ ባዕለይ መሬቶም ወሲደ ጉልተይ ዝያዳ ከዕብዮ'የ። ኣነ ዝሓሸ መነባብሮዎን ከሕልፍ'የ። በዚ ዘለኹዎ ዝተጨቓጨቐ ኩነት፡ ምቹእ ናብራ ከሕልፍ ገና ዘይሕሰብ'ዩ።"

ሓደ እዋን ፓሆም ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ 'ከሎ፡ በቲ ቁሸት ኣቢሉ ዝሓልፍ ሓደ ሓረስታይ ተደሃዮም። ኣብቲ ለይቲ ኣብኡ ክሓድር ተፈቒዱሉ ድራር'ውን ተዋህቦ። ፓሆም ምስቲ ሓረስታይ ዘረባ ጀመረ፣ ካበይ ከም ዝመጸ ከኣ ሓተቶ። እቲ ጋሻ ካብቲ ዕዮኡ ዘካይደሉ ስግር ሩባ ቮልጋ ከም ዝመጸ መለሰ። ዘረባ ንዘረባ ምስ ኣምጽኦ ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ቦታ ይሰፍሩ ከም ዘለዉ ነገረ። ካብ ደቅ ዓዱ'ውን ብኸመይ ገለ ሰባት ኣብኡ ከም ዝሰፈሩ ተዛረበ። ኣብቲ ማሕበር ምስ ተጸምበሩ ከኣ፡ ነፍስወከፎም ዕስራን ሓሙሽተን ኣክረ መሬት ተወሃቦም። ካብቲ መሬት ጽባቐ እተላዕለ፡ ኣብኡ ዝበቑል ኣጃ ክንዲ ቁመት ፈረስ ይበጽሕ፡ ካብ ርጉዱ እተላዕለውን ሓሙሽተ እጻድ፡ እንዳእቲ ይኣክል፣ በለ። ሓደ ሓረስታይ ጥራይ ኢዱ ብዘይ ገለ ነገር ኣብቲ ስፍራ ከም ዝመጸ፡ ሕጂ ግና ናይ ገዛእ ርእሱ ሽዱሽተ ኣፍራስን ክልተ ላምን ከም ዝውንን ከኣ ገለጸ።

ልቢ ፓሆም ብክቱር ባህጊ ነደደ። ከምዚ ብምባል ከኣ ሓሰበ፥

“ኣብቲ ካልእ ቦታ ኣሳፊሐ ክነብር እናኸኣልኩስ፡ ኣብዚ ጸባብ ቦታ እንታይ ዘሳቒ ኣሎኒ፧ ኣብዚ ዘሎኒ መሬትን ገዛን ሸይጠ፡ በቲ ገንዘብ ኣብቲ ስፍራ ሓድሽ መነባብሮ ብምጅማር ሓድሽ ንብረት ይእክብ። ኣብዚ ዝተጨቓጨቐ ቦታ፡ ወትሩ ካብ ጸገም ክተዕርፍ ማለት ዘበት'ዩ። ግና ፈለማ ባዕለይ ከይደ ኵሉ ከረጋግጽ ኣሎኒ።"

እዋን ክራማት ምስ ቀረበ ተዳሊዩ ተበገሰ። ብመርከብ ሃፋ'ውን ንቮልጋ ገጹ ኣንቆልቆለ፣ ኣብ ሳምራ ዝተባህለ ቦታ ከኣ በጽሐ፣ ካብኡ ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ማይል ብእግሩ ተጓዒዙ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ስፍራ በጽሐ። ልክዕ ከምቲ እቲ ጋሻ ዝገለጾ ከኣ ነበረ። እቶም ሓረስቶት እኹል መሬት ነበሮም፣ ነፍስወከፍ ዕስራን ሓሙሽተን ኣክረ ናይ ማሕበር መሬት ክጥቀመሉ ተዓዲሉ፣ ብተወሳኺ ገንዘብ ዘለዎ ከኣ፡ ከም ድሌቱ ዝጸበቐ ናጻ መሬት ንኣክረ ብሓምሳ ሳንቲም ክገዝእ ይኽእል ነበረ።

ኵሉ ሕቶኡ ምስ ተመለሰሉ፡ ፓሆም ቀውዒ ምስ ቀረበ ኣብ ገዝኡ ተመልሰ፣ ንብረቱ'ውን ክሸይጥ ጀመረ። መሬቱ ከሲቡ ሸጦ፣ ገዝኡን ኵሉ ከብትታቱን ሸይጡ ከኣ፡ ኣባልነት ናይቲ ማሕበር ሰረዞ። ጽግያ ክሳብ ዝበጽሕ ተጸቢዩ ከኣ፡ ምስ ስድራ-ቤቱ ናብቲ ሓድሽ ሰፈራ ተበገሰ።

ፓሆምን ስድራ-ቤቱን ኣብቲ ሓድሽ መንበሪ ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ግዜ ከይወሰደ ኣብ ማሕበር'ቲ ዝዓበየ ቁሸት ክምዝገብ ምልክታ ኣቕረበ። ምስቶም ሽማግለታት ዘትዩ ከኣ፡ ዘድሊ ሰነዳት ተረከበ። ንዕኡን ነ'ወዳት ደቁን ክጥቀሙሉ ሓሙሽተ ብርኪ ናይ ማሕበር መሬት ተወሃበ፣ እዚ 125 ኣክረ መሬት (ኣብ ሓደ ስፍራ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ግራት'ዩ) ብጀካ ሰውሒ'ቲ ማሕበር ማለት ኢዩ። ፓሆም ዘድልዮ ገዛውቲ ምስ ሰርሐ፡ ከብቲ ዓደገ። ኣብ መሬት'ቲ ማሕበር ጥራይ፡ ካብቲ ቅድም ሕጂ ዝነበሮ ሰለስተ ዕጽፊ ወነነ። እቲ መሬት ንእኽሊ ምቹእ ነበረ። ካብቲ ዝነበሮ ዓሰርተ ዕጽፊ ተመሓየሸ። እኹል ናይ ሕርሻ መሬትን ሰውሒን ስለ ዝነበሮ፡ ከም ድላዩ ብዙሕ ከብቲ ከንብረሉ ይኽእል ነበረ።

ፓሆም ፈለማ ኣብ እዋን ገዛ ምህናጽን ቀሲንካ ኣብቲ ቦታ ምስፍራን፡ ኣብ ዝነበረ ሸበድበድ ብዅሉ ሕጉስ ነበረ፣ ግና ምስ ለመዶ ኣብዚ'ውን እኹል መሬት ገና ኣይሓዝኩን ብምባል ክሓስብ ጀመረ። ኣብ ቀዳማይ ዓመት፡ ኣብ ምቓል'ቲ ዝተዓደሎ መሬት'ቲ ማሕበር፡ ስርናይ ዘሪኡ ጽቡቕ እቶት ረኸበ። መሊሱ'ውን ስርናይ ክዘርእ ደለየ፣ ግና መሬት'ቲ ማሕበር ነዚ ተግባር እኹል ኣይነበረን፡ እቲ ካልእ መሬቱ'ውን ትሑዝ ነበረ። ኣብቲ ቦታ፡ ስርናይ ኣብ ድንግል መሬት፡ ወይ ኣብ ቃድራ መሬት ይዝራእ ነበረ። ሓደ ክልተ ዓመት ምስ ተዘርአ፡ እቲ መሬት ክሳዕ ሳዕሪ ዘብቁል ይቃድር ነበረ። ብዙሓት ከምኡ ዝበለ መሬት ስለ ዝደልዩ፡ ንዅሎም እኹል ኣይነበረን። ብሰንኪ'ዚ እቶም ሰባት ይበኣሱ ነበሩ። እቶም ዝሓሸ መነባብሮ ዝነበሮም ንሕርሻ ስርናይ ይደልዩዎ፣ እቶም ድኻታት ከኣ ምእንቲ ገንዘብ ኣኪቦም ቀረጽ ክኸፍሉ፡ ንኻልኦት ሸቃጦ የኻርዩዎ ነበሩ። ፓሆም ብዙሕ ስርናይ ክዘርእ ደለየ፣ ስለዚ ካብ ሓደ ሸቃጣይ ንዓመት መሬት ተኻረየ። ብዙሕ ስርናይ ዘሪኡ ከኣ ደሓን ዝኾነ እኽሊ ሓፈሰ፣ ግና እቲ መሬት ካብቲ ቁሸት ርሑቕ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ስርናይ ብካሮሳ ልዕሊ ዓሰርተ ማይል ክሰሓብ ኔሩዎ። ፓሆም፡ ድሕር ገለ እዋን፡ ገለ ሸቃጦ-ሓረስቶት ኣብ ዝተፈለየ ቦታ ሕርሻ ይነብሩን ሃብቲ ይድልቡን ከም ዘለዉ ኣስተብሃለ። ከምዚ ብምባል ከኣ ሓሰበ፥

“ኣነ ኣብኡ ናጻ መሬት ክዕድግን ገዛ ሰሪሐ ክቕመጥን እንተ ኾይነ፡ ኵሉ ፍጹም እተፈለየ ክኸውን'ዩ። ሽዑ ኵሉ ሰናይን ጽፉፍን ክኸውን'ዩ።"

ናጻ መሬት ናይ ምዕዳግ ሕቶ መመሊሱ ኣብ ኣእምሮኡ ተመላለሰ።

ብኸምኡ መሬት ክኻረን ስርናይ ክዘርአን ሰለስተ ዓመት ሓለፈ፡። እቲ ወቕቲ ደሓን ስለ ዝነበረ፡ እቲ እኽሊ ጽቡቕ ነበረ፣ ሳላ'ዚ ገንዘብ ከቐምጥ ጀመረ። ዕጉብ ኮይኑ ክነብር ምኸኣለ፡ ግና ዓመት መጸ መሬት ካልኦት ሰባት ምሽማውን ምክራይን ኣሰልቸዎ። ጽቡቕ መሬት ኣብ ዝርከበሉ፡ እቶም ሓረስቶት ተቐዳዲሞም ይሕዙዎ ስለ ዝነበሩ፡ በሊሕ እንተ ዘይኮንካ ጥራይ ኢድካ ኢኻ ትተርፍ። ኣብ ሳልሳይ ዓመት ንሱን ሓደ ሸቃጣይን ካብ ገለ ሓረስቶት ንሰውሒ ዝኸውን መሬት ብሓባር ተኻረዩ፣ ድሮ'ቲ መሬት ሓሪሶሞ 'ከለው ከኣ፡ ገለ ግርጭት ተላዕለ፣ እቶም ሓረስቶት'ውን ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣምርሑ፣ በዚ ምኽንያት ኵሉ'ቲ ዝፈሰሰ ጉልበት ከንቱ ተረፈ። "መሬተይ እንተ ዝኸውን ኔሩ፣" ብምባል ፓሆም ሓሰበ፡ "ጽግዕተኛ ኣይምኾንኩን ኔረ፣ እዚ ኵሉ ዘጉሂ ነገር'ውን ኣይምመጸን ኔሩ።"

ስለዚ ፓሆም ዝዕድጎ መሬት ከናድይ ጀመረ፣ ሽሕን ሰለስተ ሚእቲን ኣክረ መሬት ምስ ዝዓደገ ሓረስታይ ከኣ ተራኸበ፣ ግና ብሕሱር ክሸጦ ድሌት ኣይነበሮን። ፓሆም ከይሰልከየ ተዋገየ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብ 1,500 ሩብል፡ ገሊኡ ብጥረ ገንዘብ፡ ተረፍ ከኣ ድሒሩ ክኸፍሎ ተሰማምዑ። ነቲ ጉዳይ ዳርጋ ወዲኦም ኣብ ዝዛዘሙሉ፡ ሓደ ገያሻይ ሸቃጣይ ፈረሱ ከብልዕ ኣብ እንዳ ገዛ ፓሆም ንሓደ መዓልቲ ተኣልየ። ንሱን ፓሆምን ሻሂ እናሰተዩ ከኣ ዘረባ ሓዙ። እቲ ሸቃጣይ ሽሕን ሰለስተን ሚእቲ ኣክረ መሬት፡ ብ 1,000 ሩብል ዓዲጉ፡ ካብ ርሑቕ ዓዲ፡ ካብ መሬት ደቂ ባሽኪር ከም እተመልሰ ገለጸ። ፓሆም መሊሱ ኣጥቢቑ ሓተቶ፡ እቲ ሸቃጣይ'ውን ከምዚ በለ፥

“እቲ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ ነገር፡ ምስቶም ሓላቑ ምትዕርራኽ ጥራይ'ዩ። ብጀካ ካርቶን ቀጠፍን ነቶም መስተ ዝሰትዩ ጥርሙዝ ነቢትን፡ ሓደ ሚእቲ ሩብል ዝዋግኡ ፒጃማታትን መናጽፍን ሂበ፡ ነቲ መሬት ንኣክረ ትሕቲ ክልተ ሰናቲም ዓዲገዮ። ነቲ ምስክር ዋንነት ንፓሆም ኣርኢዩ፡ ከምዚ በለ፥

“እቲ መሬት ኣብ ገምገም ሩባ'ዩ፣ ኵሉ'ቲ ምድረ-ሳዕሪ ከኣ ድንግል መሬት'ዩ።"

ፓሆም ሕቶታት ደራረበሉ፣ እቲ ሸቃጣይውን ከምዚ በለ፥

“ዓመት ምሉእ ኬድካ ዘይትውድኦ መሬት ኣብኡ ኣሎ፡ ኵሉ ድማ ንብረት ደቂ ባሽኪር'ዩ። ከም በጊዕ የዋሃት'ዮም፣ ኣብኡ መሬት ዳርጋ ብጥራዩ ክዕደግ ይከኣል'ዩ።"

“እነሀ ቁምነገር፣" ብምባል ፓሆም ሓሰበ፡ "በቲ ሓደ ሽሕ ሩብል እንታይ ገዲሱኒ ሽሕን ሰለስተ ሚእቲን ኣክረ መሬት ጥራይ ዝዕድግ፡ ከምኡውን ብዕዳ ዝብላዕ። ኣብኡ እንተ ኸይደ ግና፡ በዚ መጠን ገንዘብ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዕጽፊ እረኽበሉ'የ።"

ፓሆም ኣብቲ ቦታ ብኸመይ ከም ዝበጽሕ ሓተተ፣ ሽዑ ንሽዑ እቲ ሸቃጣይ ምስ ከደ ከኣ፡ ባዕሉ ኣብቲ ቦታ ክኸይድ ተዳለወ። ሰበይቱ ምእንቲ ነቲ ውራይ ገዛ ክተመሓዳሮ፡ ኣብኡ ገዲፉ፡ ሰራሕተኛኡ ሒዙ ንጉዕዞ ተበገሰ። ኣብ ሓንቲ ከተማ ደው ኢሎም ከኣ፡ ከምቲ እቲ ሸቓጣይ ዘማኸሮ፡ ህያብ ዝኸውን ካርቶን ቀጠፍ፡ ገለ ነቢትን ካልእ ህያባትን ዓደጉ። ከምኡ እናበሉ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ማይል ተጓዓዙ፣ ኣብ መበል ሻቡዓይ መዓልቲ ከኣ፡ እቶም ደቂ ባሽኪር ቴንዳ ኣብ ዝተኸሉሉ ስፍራ በጽሑ። ኵሉ ነገር ልክዕ ከምቲ እቲ ሸቓጣይ ዝሓበሮ ነበረ። እቶም ሰባት ኣብ ጥቓ ሩባ ኣብ ምድረ-ሳዕሪ ብዓለባ ጸምሪ ኣብ ዝተሰርሐ ቴንዳታት ይነብሩ ነበሩ። ነቲ መሬት ኣይሓርሱን ቅጫውን ኣይበልዑን ነበሩ። ከብቶምን ኣፍራሶምን፡ ኣብቲ ምድረ-ሳዕሪ ይበልዑ ነበሩ። እቶም ናእሽቱ ኣፍራስ ድሕር'ቲ ቴንዳታት ተቐዪዶም ነበሩ፣ እተን ባዝራ ኣፍራስ'ውን ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ናብኣታቶም ይኣትዋ ነበራ። እተን ባዝራ ኣፍራስ ይሕለባ ነበራ፣ ካብቲ ጸባ'ውን ኩሚስ እተባህለ ርግኦ ይስራሕ ነበረ። እተን ኣንስቲ'የን ኩሚስ ዘዳልዋ ዝነበራ፣ ከምኡውን ኣጅቦ ይሰርሓ ነበራ። እቶም ሰብኡት'ሞ ብጀካ ኩሚስን ሻሂን ምስታይ፡ ስጋ በጊዕ ምብላዕን ሻምብቆ ምጽዋትን፡ ካልእ ዝግደሱሉ ውራይ ኣይነበሮምን። ዶጭዳጫትን ጸዋታ ዝፈቱን፡ ከምኡውን ምሉእ ክራማት ፈጺሞም ብዛዕባ ስራሕ ኣይሓስቡን ነበሩ። መሃይማትን ቋንቋ ራሻ ዘይፈልጡን ነበሩ፣ ግና ተፈታዊ ባህርያት ኔሩዎም።

ፓሆም ምስ ርኣዩዎ፡ ካብ ቴንዳታቶም ወጺኦም፡ ነቲ ጋሻኦም ከበቡዎ። ተርጓማይ ምስ ተረኽበ፡ ፓሆም ብዛዕባ ጉዳይ መሬት ከም ዝመጸ ሓበሮም። እቶም ደቂ ባሽኪር ተሓጎሱ፣ ንፓሆም ከኣ ካብቲ ዝበለጸ ቴንዳታት ኣብ ሓደ ወሰዱዎ፣ ኣብ ምንጻፍ ኣብ እተነብረ መትርኣስ ኮፍ ኣቢሎም፡ ኣብ ዙርያኡ ኮፍ በሉ። ሻሂን ኩሚስን ሃቡዎ፣ በጊዕ ሓሪዶም ከኣ ስጋ ክበልዕ ቀረቡሉ። ፓሆም ኣብ ካሮሳኡ ህያባት ኣውጺኡ፡ ነቶም ደቂ ባሽኪር ሃቦም፣ ነቲ ቀጠፍ ሻሂ'ውን ኣከፋፈሎም። እቶም ደቂ ባሽኪር ተሓጎሱ። ነንሕድሕዶም ነዊሕ ተዛሪቦም ከብቅዑ ከኣ፡ ነቲ ኣተርጓሚ ከተርጉም ነገሩዎ።

“ነዚ ክነግረካ ይድለዩ፣" በለ'ቲ ኣተርጓሚ፡ "ፈቲዮምኻ ከም ዘለዉ፡ ከምኡውን ብመሰረት ባህልና ጻማ ህያቡ ክንመልስን ጋሻና ክነሕጉስን ዓቕምና ዘፍቐዶ ኵሉ ክንገብር ኢና። ንስኻ ህያባት ሃብካና፡ ኣብቲ ንሕና እንውንኖ ነቲ ኣዚዩ ባህ ዝብለካ ሓብረና፣ ንሕና'ውን ክንህበካ ኢና።"

“ኣብዚ እቲ ዝያዳ ባህ ዝብለኒ፣" ብምባል ፓሆም መለሰ፡ "መሬትኩም'ዩ። መሬትና ዝተጨቃጨቐ'ዩ፣ እቲ ሓመድ'ውን ኣፍራይነቱ ወዲኡ'ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ብዙሕን ጽቡቕን መሬት ኣሎኩም። ከምዚ ዝበለ ርእየ'ኳ ኣይፈልጥን።"

እቲ ኣተርጓሚ ኣተርጎመ። እቶም ደቂ ባሽኪር ነንሕድሕዶም ገለ እዋን ተመያየጡ። ፓሆም እንታይ ከም ዝብሉ ኣይፈለጠን፣ ግና ብዙሕ ባህ ከም ዝበሎም፡ ከምኡውን ዓው ኢሎም ይዛረቡን ይስሕቑን ከም ዘለዉ ተዓዘበ። ካብኡ እቲ ኣተርጓሚ ኣብ ዘተርጉሙሉ፡ ብዘይ ዘረባ ንፓሆም ይጥምቱ ነበሩ፥

“ነዚ ስዒቡ ዘሎ ክነግረካ ይደልዩ፣ ግብረ መልሲ ህያባትካ፡ ድላይካ መሬት ብሓጎስ ክህቡኻ'ዮም። ብኢድካ ጥራይ ኣመልክት'ምበር፡ ናትካ ክኸውን'ዩ።"

እቶም ደቂ ባሽኪር መሊሶም ገለ እዋን ምስ ተመያየጡ ክካትዑ ጀመሩ። ፓሆም እንታይ የካትዖም ከም ዘሎ ሓተተ፣ እቲ ኣተርጋሚ'ውን፡ ሓደ ወገን ቅድም ነቲ ሓለቓኦም ብዛዕባ'ቲ መሬት ክሓትዎ ከም ዝግባእን ንሱ ኣብ ዘይብሉ ውሳነ ከሕልፉ ከም ዘይግባእን ክገልጹ 'ከለዉ፡ ካልኦት ግና ክሳዕ ዝምለስ ክንጽበ የብልናን፣ ይብሉ ኣለዉ፣ ብምባል ገለጸሉ።

ደቂ ባሽኪር ኣብ ዝከራኸሩሉ፡ ብጸምሪ ወኻርያ ዝተሰርሐ ዓቢይ ቆቢዕ ዝወደየ ሰብኣይ ኣተወ። ኵሎም ብጸጥታ ካብ መቐመጢኦም ብድድ በሉ። እቲ ኣተርጓሚ፡ "እዚ ባዕሉ'ዩ ሓለቓና።" በለ።

ፓሆም ተቐላጢፉ እቲ ዝበለጸ ባድላ ክዳንን ሓሙሽተ ፓውንድ ቀጠፍ ሻሂን ብምውጻእ፡ ነቲ ሓለቓ ቀረበሉ። እቲ ሓለቓ ተቐበሎ፡ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ከኣ ኮፍ በለ። እቶም ደቂ ባሽኪር ገለ ነገር ክነግሩዎ ጀመሩ። እቲ ሓለቓ ገለ እዋን ምስ ሰምዐ፡ ርእሱ ብምንቕናቕ ስቕ ክብሉ ሓበሮም፣ ብቋንቋ ራሽያ ገዛእ ርእሱ ንፓሆም ኣፋሊጡ ከምዚ በሎ፥

“ደሓን፡ ተሰማሚዐ ኣሎኹ። ዝደለኻዮ ክፋል መሬት ምረጽ። ንሕና እኹል ትሩፍ ኣሎና።"

“ከመይ ጌረ ድላየይ ክወስድ እኽእል፧?” ብምባል ፓሆም ሓሰበ። "ምእንቲ ውሕስነቱ ከረጋግጽ፡ ወረቐት ምስክር ዋንነት ክሕዝ ኣሎኒ፣ ኣይኮነን ግና ናትካ'ዩ፡ ኢሎም ከብቅዑ፡ ካብኡ ተመሊሶም ክወስዱዎ ይኽእሉ።"

“የቐንየልይ ስለቲ ሰናይ ቃላትኩም፣" በለ ዓው ኢሉ። "ንስኻትኩም ብዙሕ መሬት ኣሎኩም፣ ኣነ ግና ሒደት'የ ዝደሊ። ግና ኣየናይ ናተይ ምዃኑ እርግጸኛ ክኸውን እደሊ። ክዕቐነለይን ብስመይ ክመሓላለፍን'ዶ ምኸኣለ፧ ህይወትን ሞትን ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር'ዩ። ንስኻትኩም ቅኑዓት ሰባት ንዓይ ሂብኩምኒ፡ ግና ደቅኹም መሊሶም ክወስዱዎ ይደልዩ ይኾኑ፧”

“ጽቡቕ ኣሎኻ፣" በለ'ቲ ሓለቓ። "ብስምካ ክነስግሮ ኢና።"

“ኣብዚ ሸቓጣይ ከም ዝነበረ ሰሚዐ ኔረ፣" ብምባል ፓሆም ዘረብኡ ቀጸለ፡ "ንስኻትኩም ሒደት መሬት ሂብኩም፡ ብኡ መሰረት ዋንነት ምስክር ዝኸተመ። ኣ'ነውን ከምቲ ናቱ ክገብር ምደለኹ።"

እቲ ሓለቓ ተሰማምዐ።

“እወ፣" ብምባል መለሰ፡ "ከምኡ ብቐሊሉ ክግበር ይከኣል'ዩ። ንሕና ጸሓፋይ ኣሎና፣ ምሳኻ ኣብ ከተማ ብምኻድ፡ ነቲ ውዕል ብግቡእ ክንሓትሞ ኢና።

“እቲ ዋጋ'ኸ ክንደይ'ዩ፧" ብምባል ፓሆም ሓተተ።

“ዋጋና ኵል ግዜ ሓደ ዓይነት'ዩ፣ ኣብ መዓልቲ ሓደ ሽሕ ሩብል'ዩ።"

ፓሆም ኣይተረድኦን።

“ኣብ መዓልቲ፧ ከመይ ዝበለ መዐቀኒ ደኣ'ዩ፧ ክንደይ ኣክረ'ኸ ይኸውን'ዚ፧”

“ብኸመይ ከም ዝጽብጸብ እዚ'ዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።" በለ'ቲ ሓለቓ፡ "ብመዓልቲ ኢና ንሸጦ። ኣብ መዓልቲ ብእግርኻ ክትኮሎ እትኽእል ኵሉ ናትካ'ዩ፣ እቲ ዋጋ'ውን ሓደ ሽሕ ሩብል'ዩ።

ፓሆም ደንጸዎ።

“ግና ኣብ መዓልቲ ኣብ ሰፊሕ ክፋል መሬት ክትኮልል ትኽእል፣" በለ።

እቲ ሓለቓ ሰሓቐ።

"ናትካ ክኸውን'ዩ!" በለ። "ግና ሓደ ቅድመ ኩነት ኣሎ፣ ኣብቲ ፈለማ ዝተበገስካሉ ቦታ፡ ኣብቲ መዓልቲ እንተ ዘይተመሊስካ፡ ገንዘብካ ክትከስሮ ኢኻ።"

“ግና ከመይ ጌረ ነቲ ዝኸድኩሉ መገዲ ምልክት ክገብር ይኽእል፧”

“ብኸመይ'ዶ፧ ንሕና ኣብ ዝመረጽካዮ ቦታ ክንከይድን ኣብኡ ክንጸንሕን ኢና። ባዴላኻ ሒዝካ ካብ'ቲ ቦታ ብምብጋስ ክትኮልል ይግባእ። ኣገዳሲ ኣብ እትብሎ ቦታ ኵሉ ምልክት ግበረሉ። ኣብ ነፍስወከፍ ኣንጎሎ ጉድጓድ ኩዒትካ ሳዕሪ ጸፍጽፈሉ፣ ካብኡ ድሒርና ካብ ጉድጓድ ንጉድጓድ ብማሕረሻ ክንኮሎ ኢና። ከም ድላይካ ሰፊሕ ቦታ ክትኮልል ትኽእል ኢኻ፣ ግና ጸሓይ ከይዓረበት ግድን ኣብቲ እተበገስካሉ ቦታ ክትምለስ ኣሎካ። ዝረገጽካዮ ዘበለ መሬት ናትካ ክኸውን'ዩ።"

ፓሆም ተሓጎሰ። ጽባሒቱ ንግሆ ክብገስ ከኣ ተወሰነ። ገለ እዋን ዘረባ ቀጸሉ፣ ተወሳኺ ኩሚስ ምስ ሰተዩን ስጋ በጊዕ ምስ በልዑን፡ እንደገና ሻሂ ሰተዩ፣ ካብኡ ምድሪ መሰየ። ካብ ክንቲት እተሰርሐ ፍርናሽ ዓራት ፓሆም ክድቅሰሉ ሂቦም፡ እቶም ደቂ ባሽኪር ንግሆ ወጋሕታ ክራኸቡን ጸሓይ ከይበረቐት ኣብቲ ምዱብ ቦታ ክርከቡን ተሰማሚዖም፡ ኣብቲ ለይቲ በብቦታኦም ተፈላለዩ።

ፓሆም ኣብ ልዕሊ'ቲ ብክንቲት ዝተሰርሐ ፍርናሽ ዓራት ጎቦ ኾነ፣ ግና ድቃስ ክወስዶ ኣይኸኣለን። መመሊሱ ብዛዕባ'ቲ መሬት ይሓስብ ነበረ።

“ክንድ ምንታይ ሰፊሕ ክፋል መሬት ክሕዝ'የ፧” ብምባል ሓሰበ። "ብዘይ ጸገም ኣብ መዓልቲ ዕስራን ሓሙሽተን ማይል ክኸይድ እኽእል'የ። ኣብዚ እዋን እቲ መዓልቲ ነዊሕ'ዩ፣ ኣብ ዙርያ ዕስራን ሓሙሽተን ማይል ግድን ብዙሕ መሬት ክህልው'ዩ! ነቲ ድኹም መሬት እሸጦ፡ ወይ ንሓረስቶት አካርዮ፣ ግና ነቲ ዝበለጸ መሬት ሓሪየ እሓርሶ። ክልተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ፡ ክልተ ተወሰኽቲ ሰራሕተኛታት እቆጽር። ከባቢ ሚእቲን ሓምሳን ኣክረ ማሕረስ ዝኸውን መሬት ይኸውን፣ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ከኣ ከብቲ ሳዕሪ አብልዓሉ።"

ፓሆም ምሉእ ለይቲ ከይደቀሰ ሓደረ፣ ቀቅድሚ ምድሪ ምውግሑ ጥራይ ድቃስ ሰዓሮ። ዓይኑ ዳርጋ ሰለም ምስ ኣበለ'ውን ሕልሚ ሓለመ። ኣብቲ ዝደቀሰሉ ቴንዳ ከም ዝደቀሰ ሓሰበ፣ ገለ ሰብ ከኣ ኣብ ደገ ዕቡጥ ሰሓቕ ክስሕቕ ሰምዐ። መን ኮን ይኸውን፧ ኢሉ'ውን ተገረመ፣ ተሲኡ ከኣ ን ደገ ወጸ፣ እቲ ሓለቓ'ቶም ደቂ ባሽኪር ኣብ ኣፍ ደገ'ቲ ቴንዳ ኮፍ ኢሉ፡ ሕቖኡ ሒዙ ብሰሓቕ ክሕንክነኽ ርኣዮ። ፓሆም ኣብቲ ሓለቓ ቀሪቡ ከኣ፡ ከምዚ ብምባል ሓተተ፡ "ስለ ምንታይ ኢኻ ትስሕቕ ዘሎኻ፧” ግና ሕጂስ እቲ ሓለቓ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ እቲ ኣብ ገዝኡ መጺኡ ብዛዕባ'ቲ መሬት ዝሓበሮ ሸቓጣይ ምዃኑ ተዓዘበ። ፓሆም፡ "ኣብዚ ነዊሕ ጌርካ'ዶ፧” ብምባል ክሓቶ ክብል፡ እቲ ሸቓጣይ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ እቲ ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ካብ ቮልጋ ኣብ ናይ ቀደም ገዛ እንዳ ፓሆም ዝመጸ ሓረስታይ ምዃኑ ርኣየ። መሊሱ'ቲ ሓረስታይ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ዲያቢሎስ ባዕሉ፡ ምስ ቀርኑን ሽኾንኡን፡ ኮፍ ኢሉ ዕቡጥ ሰሓቕ ክስሕቕ፡ ኣብ ቅድሚኡ ከኣ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ እግሩ፡ ስረን ካምቻን ጥራይ ጌሩን ኣብ ምድሪ ተጎምቢሑን ርኣየ። ፓሆም ብሕልሙ መንነት እቲ ኣብ ምድሪ ተሰጢሑ ዘሎ ሰብኣይ ከለልይ ኣተኲሩ እንተ ጠመተ፡ እቲ ሰብኣይ ከም ዝሞተን ንሱ ባዕሉ ምዃኑን ርኣየ! ብኽቱር ስምባደ'ውን ተበራበረ።

“ከመይ ዝበለ ሕልሚ ደኣ'ዩ፣" ብምባል ሓሰበ።

ከባቢኡ ኣብ ዝጥምተሉ፡ በቲ ከፋት ማዕጾ ምድሪ ከም ዝወግሐ ርኣየ።

“እቲ ንኣታቶም ዘበራብረሉ እዋን ኣኺሉ'ዩ፣" ብምባል ሓሰበ። "ግድን ክንብገስ ኣሎና።"

ተንሲኡ ንሰራሕተኛኡ ኣበራበሮ (ኣብ ውሽጢ ካሮስኡ ደቂ ነበረ)፣ ነቶም ኣፍራስ ክጸምዶም ሓቢሩ፡ ነቶም ደቂ ባሽኪር ክጽውዖም ከደ።

“ኣብቲ ምድረ-ሳዕሪ ብምኻድ መሬት ዝዕቀነሉ ግዜ ሕጂ'ዩ፣" በለ።

እቶም ደቂ ባሽኪር ካብ ድቃሶም ተንስኡን ተኣከቡን፡ እቲ ሓለቓ'ውን መጸ። ሕጂ'ውን ከም ልሙድ ኩሚስ ሰተዩ፡ ንፓሆም ከኣ ሻሂ ስተ በሉዎ፣ ንሱ ግና ክጽበ ኣይደለየን።

“ክንኸይድ እንተ ኾይንና ንኺድ! እንዋዘየሉ ግዜ ኣይኮነን፣" በለ።

እቶም ደቂ ባሽኪር ተዳለውን ኵሎም ተበገሱን፣ ገሌኦም ኣብ ኣፍራስ ተወጥሑ፣ ገለ ከኣ ኣብ ካሮሳታት ደየቡ። ፓሆም ባዴላ ሒዙ ምስ ሰራሕተኛኡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ንእሽቶ ካሮሳ ተበገሰ። ኣብቲ ምድረ-ሳዕሪ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ እቲ ብጊሓት ቀዪሑ ክበርህ ጀሚሩ ነበረ። ኣብ ሓደ ኩጀት ደየቡ (ደቂ ባሽኪር ሺኻን ብምባል ይጽውዕዎ)፣ ካብ ልዕሊ ካሮሳኦምን ኣፍራሶምን ወሪዶም ከኣ፡ ኣብ ሓደ ስፍራ ተኣከቡ። እቲ ሓለቓ ኣብ ፓሆም ቀሪቡ ብኢዱ ኣብቲ ጎልጎል ገጹ ኣመልከተ፥

“ርአ፣" በለ፡ "ኵሉ'ዚ ዓይንኻ ክርእዮ ዝኽእል ናትና'ዩ። ካብኡ ድላይካ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።"

ኣዒንቲ ፓሆም ኣንጸባረቐ፣ ኵሉ ድንግል መሬት፡ ከም ከብዲ ኢድካ ስጡሕ፡ ከም ዘርኢ ፖፒ ጸሊም'ዩ፣ ከምኡውን ኣብ ጎድጓድ ቦታታት ክሳብ ኣፍልብኻ ዝበጽሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ሳዕሪ ቦቚሉ ነበረ።

እቲ ሓለቓ ብጸምሪ ወኻርያ እተሰርሐ ቆቢዑ ኣውጽአ፣ ኣብ ምድሪ ኣቐሚጡ ከኣ ከምዚ በለ፥

“እዚ ምልክት ክኸውን'ዩ። ኣብዚ ተበገስ፡ ኣብዚ ከኣ እንደገና ተመለስ። ኵሉ ዝኾለልካዮ ምድሪ ናትካ ክኸውን'ዩ።"

ፓሆም ገንዘቡ ኣውጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ቆቢዕ ኣንበሮ። ጃኬቱ ኣውጺኡ፡ እጅገ ዘይብሉ ጁባ ጥራይ ገበረ። ቅናቱ ፈቲሑ ኣብ ትሕቲ ከብዱ ኣትሪሩ ኣሰሮ፣ ኣብ ኣፍልቢ ጁባኡ ንእሽቶ ባኒ ዝሓዘ ከረጺት ኣእተወ፣ ፊያስኮ ማይ ኣብ ቅናቱ ኣሲሩ ከኣ፡ ላዕላዋይ ጫፍ ቡት ጫማኡ ኣቕንዐ፣ ነቲ ባዴላ ካብ ሰራሕተኛኡ ተቐቢሉ'ውን፡ ክብገስ ተዳሊዩ ደው በለ። ገለ ህሞት በ'የናይ መገዲ ክኸይድ ከም ዝሓይሽ ሓሰበ፣ ኵሉ'ቲ ቦታታት ቀልብኻ ዝፈታተን ነበረ።

“ዝመጸ ይምጻእ፣" ብምባል ደምደመ፡ "ኣብቲ ጸሓይ ዝበረቐትሉ ገጸይ ክኸይድ'የ።"

ገጹ ንምብራቕ ኣቢሉ ተመጣጠረ፣ እታ ጸሓይ ክሳብ ልዕሊ ወሰን እትረአ ከኣ ተጸበየ።

“ግዜ ከጥፍእ የብለየን፣" ብምባል ሓሰበ፡ "መሬት ዛሕሊ 'ከሎ ምስጓም ከኣ ይቐልል።"

ጩራ ጸሓይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ደረት ትርኢት ዳርጋ ብልጭ ምስ በለ፡ ፓሆም ኣብ መንኮቡ ባዴልኡ ጼሩ፡ ኣብቲ ምድረ-ሳዕሪ ገጹ ኣንቆልቆለ።

ፓሆም ከይዘሓለን ከይቀልጠፈን ክስጉም ጀመረ። ሓደ ሽሕ ያርድ ዝኣክል መገዲ ምስ ተጓዕዘ፡ ደው ኢሉ ጎድጓድ ብምኹዓት፡ ምእንቲ ብጽቡቕ ክርአ ኣብ ልዕሊኡ ሳዕሪ ጸፍጸፈሉ። ካብኡ ጉዕዞኡ ቀጸለ፣ ክፍሊ ኣካላቱ ስለ እተፈትሐ ከኣ፡ ስጉምቱ ኣቐልጠፈ። ድሕሪ ገለ እዋን ካልእ ጎድጓድ ኮዓተ።

ፓሆም ድሕሪት ገጹ ጠመተ። እቲ ኩጀት፡ በቲ ጸሓይ ብርሃን፡ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ዘለዉ ሰባትን ዘንጸባርቕ ጎማታት ካሮሳታትን፡ ብንጹር ይርአ ነበረ። ፓሆም ብሓርፋፍ ሰለስተ ማይል ከም እተጓዕዘ ገምገመ። እቲ ሙቐት ይውስኽ ነበረ፣ ጥቢቆ ጁባኡ ኣውጺኡ ኣብ መንኩቡ ብምንጥልጣል፡ እንደገና ጉዕዞኡ ቀጸለ። እቲ ሙቐት መሊሱ ወሰኸ፣ ነታ ጸሓይ ምስ ጠመታ፡ ቁርሲ ዝቖርሰሉ እዋን ምዃኑ ሓሰበ።

“ቀዳማይ ፈረቓ ተዛዚሙ'ዩ፣ ግና ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ፈረቓ'ዩ ዘሎ፡ ሕጂ ክምለስ ገና ግዜኡ ኣይኮነን። ይኹንምበር ቡት ጫማይ ከውጽኦ ኣሎኒ።" ብምባል ምስ ገዛእ ርእሱ ተዛረበ።

ኮፍ ኢሉ ቡት ጫማኡ ኣውጽአ፣ ኣብ መቀነቱ ኣሲሩ ከኣ ጉዕዞኡ ቀጸለ። ሕጂ ኣብ ምስጓም ፈኲስ ነበረ።

“ሰለስተ ማይል መሊሰ ክጓዓዝ ኣሎኒ፣" ብምባል ሓሰበ፡ "ካብኡ ንጸጋም ተጠውየ። ትርኢት'ቲ ቦታ ኣዚዩ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ክትስእኖስ ብሓቂ ገበን'ዩ። መመሊስካ ጉዕዞ ኣብ እትውስኸሉ፡ እቲ መሬት መመሊሱ ዝጽብቕ ይመስል።"

ገለ እዋን ትኽ ኢሉ መገዱ ቀጸለ፣ ነቲ ከባቢኡ ዘይሩ ምስ ኣቛመተ ከኣ፡ እቲ ኩጀት ዳርጋ ኣይረአን ነበረ፣ ኣብኡ ዘለዉ ሰባት'ውን ጸሊም ጻጸ መሰሉ፣ ከምኡውን ገለ ነገር በቲ ጸሓይ ብርቕርቕ ክብል ይርአ ነበረ።

“ኦይ፣" ብምባል ፓሆም ሓሰበ፡ "በዚ ኣንፈት ዝኣክል ተጓዒዘ'የ፣ ሕጂ ዝምለሰሉ እዋን'ዩ። ብተወሳኺ እርሕጽን ኣዚየ ጸሚዐን ኣሎኹ።"

ደው ኢሉ ዓቢ ጎድጓድ ብምኹዓት፡ ብቑርጽራጽ ሳዕሪ ሸፈኖ። ካብኡ ነቲ ፊያስኮኡ ከፊቱ ሰተየ፣ ኣብ ጸጋም ከኣ ተጠውየ። ነዊሕ እዋን ሰጎመ። እቲ ሳዕሪ ነዊሕ፡ እቲ ሙቐት'ውን ልዑል ነበረ።

ፓሆም ክደክም ጀመረ፡ ኣብታ ጸሓይ ጠሚቱ ከኣ ፋዱስ ምዃኑ ኣስተብሃለ።

“ደሓን፣" ብምባል ሓሰበ፡ "ግድን ከዕርፍ ኣሎኒ።"

ኮፍ ኢሉ ቅጫ በልዐን ማይ ሰተየን፣ ግን ብኡ ኣቢሉ ድቃስ ከይወስዶ ኢሉ ጎቦ ኣይኮነን። ሒደት እዋን ኮፍ ምስ በለ፡ እንደገና ጉዕዞኡ ቀጸለ። ፈለማ እቲ ምግቢ ሓይሊ ሂቡዎ ስለ ዝነበረ፡ ብዘይ ጸገም ይስጉም ነበረ፣ ግና እቲ ሙቐት ኣመና ምስ በርተዐ ትኽስ በለ። እንተኾነ ግን፡ "እቲ እትጽገመሉ ሰዓት፡ ምእንቲ ምሉእ ህይወትካ እትረብሓሉ ነገር ክትብል'ዩ።" ኢሉ ብምሕሳብ ጉዕዞኡ ቀጸለ።

በዚ ኣንፈት'ውን ነዊሕ ተጓዕዘ፣ እንደገና ኣብ ጸጋም ክጠወ ምስ በለ፡ ጠሊ ዝሓዘ ጎድጓድ ስፍራ ርኣየ፣ "ነዚ ክትገድፎስ ብሓቂ ገበን'ዩ፣" ብምባል ሓሰበ፡። "እንጣጢዕ ኣብኡ ጽቡቕ ክበቑል'ዩ።" ስለዚ ነቲ ጎድጓድ ስፍራ ሓለፎ፣ ቅድሚ ኣብ ኩርናዕ ምጥዋዩ፡ ኣብ ስግሩ ጉድጓድ ኩዓተ። ፓሆም ኣብቲ ኩጀት ገጹ ጠመተ። እቲ ሙቐት ነቲ ኣየር ዘይርአ ጌሩዎ ነበረ፣ ዘንገብግብ'ውን ይመስል ነበረ፣ በቲ ጽልግልግ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኩጀት ዝነበሩ ሰባት ዳርጋ ኣይርኣዩን ነበሩ።

“ኦይ፣" ብምባል ሓሰበ ፓሆም፡ "ነቶም ጎድንታት ኣንዊሐዮም ኣሎኹ፣ ነዚ ግድን ከሕጽሮ ኣሎኒ።" ኣብቲ ሳልሳይ ጎድኒ መገዱ ቀጸለ፣ ስጉምቱ'ውን ኣቐልጠፈ። ነታ ጸሓይ ርኣያ፣ ኣብ ፍርቂ ደረት ትርኢት በጺሓ ነበረት፣ ገና'ውን ኣብቲ ትርብዒት ክልተ ማይል ናይቲ ሳልሳይ ጎድኒ ኣይዛዘመን ነበረ። ኣብቲ ዕላምኡ ዓሰርተ ማይል ተሪፉዎ ነበረ።

“ኣይፋል፣" ብምባል ሓሰበ፡ "ዋላ'ውን ነቲ መሬተይ ዘባል እንተ ገበሮ፡ ሕጂ ብቕልጡፍ ብቐጥታ መስመር ክምለስ ኣሎኒ። ነዊሕ ከይደ እኸውን'የ፡ ስለዚ ብዘለዎ'ኳ ዓቢይ መሬት ሒዘ ኣሎኹ።"

ስለዚ ፓሆም ብቕልጡፍ ጉድጓድ ኩዒቱ፡ ብቐጥታ ድሕሪት ኣብቲ ኩጀት ገጹ ተጠውየ።

ፓሆም ትኽ ኢሉ ኣብቲ ኩጀት ገጹ ኣምርሐ፣ ግና ሕጂ ብጸገም ይስጉም ነበረ። እቲ ሙቐት ኣድኪሙዎ፡ ትሕቲ እግሩ ቆሲሉን ስንብራት ጌሩን ኣእጋሩ ምስጓም ስኢኑን ነበረ። ከዕርፍ ኣዝዩ ደለየ፣ ግና ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ ክምለስ እንተ ኾይኑ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ጸሓይ ንዝኾነ ሰብ ኣይትጽበን'ያ፣ መመሊሳ ትትሕት ከኣ ነበረት።

“ወይ ኣነ፣" ብምባል ሓሰበ፡ "ብዙሕ ክረክብ ክብል፡ ጠምበርበር እንተ ዘይብልሲ፡ ክንደይ ሰናይ ምነበረ! እንተ ደንጒየስ እንታይ ክገብር'የ፧”

ኣብቲ ኩጀትን ኣብታ ጸሓይን ገጹ ጠመተ። ካብ ሽቶኡ ገና ርሒቑ ነበረ፣ እታ ጸሓይ'ውን ድሮ ኣብ ወሰን በጺሓ ነበረት። ፓሆም ነዊሕ ሰጎመ፣ ኣብ ምስጓም ኣጸጋሚ'ኳ ነበረ፡ ግና ቅልጣፍኡ እናወሰኸ ሰጎመ። ከይተሓለለ መረሸ፣ ግና ካብ ዕላምኡ ገና ርሑቕ ነበረ። ጁባኡ፡ ቡት ጫማኡ፡ ፊያስኮኡን ቆቢዑን ደርቢዩ፡ ከም ምርኩስ ክጥቀመሉ ነቲ ባዴላ ጥራይ ሒዙ ክጎይይ ጀመረ።

“እንታይ ክገብር ኣሎኒ፧" ብምባል እንደገና ሓሰበ፡ "ብዙሕ ክሕዝ ሃርገፍገፍ ክብል፡ ኵሉ ከንቱ ኣባኺነዮ። ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ኣብኡ ክበጽሕ ኣይኽእልን'የ።"

እቲ ፍርሂ ዝያዳ ትንፋስ ከልኦ። ፓሆም ብርሓጽ ዝጠልቀየ፡ ኣብ ነብሱ ዝለገበ ካምቻን ስረን ጌሩ፡ ኣፉ'ውን ነቒጹ ይጎይይ ነበረ። ኣፍልቡ ከም ህራም ሓጓዲ ይንቅው፣ ልቡ ከም ሞዶሻ ይወቅዕ፣ ኣእጋሩ'ውን ተኻኢሉ ከም ዘይናቱ ቀይቀይ ይብል ነበረ። ፓሆም ብሰሪ ጭንቀት ከይመውት ሰግአ።

ዋላ'ውን ከይመውት እንተ ፈረሀ፡ ጠጠው ግና ኣይበለን፡ "እዚ ኵሉ መገዲ ጉይይ ውዒለ፡ ሕጂ ደው እንተ ኢለ፡ ዓሻ ክብሉኒ'ዮም'፣" ብምባል ሓሰበ። ብኸምኡ ጉያኡ መሊሱ ቀጸለ፣ ኣብቲ ቦታ ምስ ቀረበ፡ እቶም ደቂ ባሽኪር ኣብኡ ገጾም ክጭድሩን ክውጭጩን ሰምዐ፣ ጭርሖኦም ከኣ ዝያዳ ንልቡ ኣቀጻጸሎ። ተሪፉዎ ዝነበረ ሓይሊ ኣኻኺቡ'ውን ጎየየ።

እታ ጸሓይ ኣብ ጥቓ'ቲ ወሰን ነበረት፣ ግመ ተጎልቢባ ዓብያን ከም ደም ቀዪሓን ትረአ'ውን ነበረት። በቃ! ሕጂ ክትዓርብ ቀሪባ ነበረት። እታ ጸሓይ ኣዚያ ትሒታ ነበረት፣ ግና ንሱ'ውን ኣብ ሽቶኡ ኣዚዩ ቀሪቡ ነበረ። ፓሆም ድሮ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኩጀት ዘለዉ ሰባት፡ ምእንቲ ክቕልጥፍ ኢዶም ከወዛውዙ ርኣየ። ነቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ብጸምሪ ወኻርያ እተሰርሐ ቆቢዕ፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊኡ እተነብረ ገንዘብ፡ ከምኡውን እቲ ሓለቓ ጎድኑ ሒዙን ኣብ መሬት ኮፍ ኢሉን ርኣየ። ካብኡ ፓሆም ነቲ ዝሓለሞ ሕልሚ ዘከረ።

“እቲ መሬት ብዙሕ'ዩ፣" ብምባል ሓሰበ፡ "ግና እግዚኣብሄር ኣብቲ መሬት ክነብር የፍቕደለይ'ዶ ይኸውን፧ ህይወተይ ሰኣንኩ! ህይወተይ ሰኣንኩ! ኣብቲ ቦታ ፍጹም ክበጽሕ ኣይኽእልን'የ!”

ፓሆም ነታ ኣብ ምድሪ በጺሓ ዝነበረት ጸሓይ ጠመታ፣ ድሮ ሓደ ጎድና'ውን ተኸዊሉ ነበረ። ምእንቲ ኣእጋሩ ድሕሪት ከይተርፍን ከይወድቕን ክብል፡ ጉምብሕ ኢሉ ሰብነቱ ንቕድሚት ብምግባር፡ በቲ ዝተረፎ ሓይሊ ተቐላጢፉ ሰጎመ። ኣብቲ ኩጀት ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ እቲ ምድሪ ሃንደበት ጸለመተ። ኣብ ላዕሊ ገጹ ምስ ጠመተ፡ እታ ጸሓይ ድሮ ዓሪባ ነበረት። ንሱ ወጨጨ፡ "ኵሉ ጻዕረይ ከንቱ'ባ ነበረ፣" ብምባል'ውን ሓሰበ፣ ደው ክብል ምስ በለ ግና፡ እቶም ደቂ ባሽኪር ገና ይጭድሩ ከም ዘለዉ ሰምዐ፡ ዋላ'ውን ንዕኡ ኣብ ታሕቲ ጸሓይ ዝዓረበት እንተ መሰሎ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኩጀት ዘለዉ ግና፡ ገና ይርእዩዋ ከም ዘለዉ ዘከረ። ነዊሕ ኣስተንፊሱ ከኣ፡ ኣብ ላዕሊ ገጹ ኣብቲ ኩጀት ጎየየ። ኣብኡ ገና ብርሃን ነበረ። ኣብ ጤረር ምስ በጽሐ ከኣ፡ ነቲ ቆቢዕ ርኣዮ። ኣብ ቅድሚኡ'ውን እቲ ሓለቓ ጎድኑ ሒዙ ይስሕቕ ነበረ። እንደገና ፓሆም ነቲ ዝሓለሞ ሕልሚ ዘከረ፣ ካብኡ ድምጺ ጭደራ ምስ ኣስምዐ፡ ኣእጋሩ ንታሕቲ ጠለሞ፡ ቅድሚት ገጹ ወዲቑ'ውን በ'እዳዉ ነቲ ቆቢዕ ሓዞ።

“ኣዬ፡ ብሓቂ ሰብኣይ!” ብምባል'ቲ ሓለቓ ወጨጨ። "ወናኒ ብዙሕ መሬት'ውን ኾነ!” በለ።

ሰራሕተኛ ፓሆም ኣብ ላዕሊ ጎይዩ ብምምጻእ ከልዕሎ ፈተነ፣ ግና ኣብ ኣፉ ደም ክወጽእ ተዓዘበ። ፓሆም ድሮ ሞይቱ ነበረ!

እቶም ደቂ ባሽኪር ኣፎም ብምምጻይ ሓዘኖም ገለጹ።

እቲ ሰራሕተኛኡ፡ ነቲ ባዴላ ኣልዒሉ፡ ብመጠን ቁመት ፓሆም መቓብር ብምኹዓት፡ ኣብኡ ቀበሮ። ካብ ርእሱ ክሳብ ሽኾና እግሩ ሽዱሽተ ጫማ ጥራይ'ውን ኣድለዮ።

ተፈጸመ

እግረ-ጽሑፍ

6 ጫማ = 1.83 ሜተር

1 ማይል = 1.610 ኪሎሜተር

1 ኣክረ = 0.404 ሄክታር