ምዕራፍ ሰላሳን ሓደን

ብጸሎት ምንባር

“ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። ብዅሉ ኣመስግኑ።” (1 ተሰሎንቄ 5፣16-18)

ጐይታና፣ ብዛዕባ እታ መበለትን እቲ ዓመጸኛ ፈረዲን ኣመልኪቱ ብምሳለ ዝመሃረሉ ምኽንያት፣ ኵሉ ግዜን ከይደኸመንናን ክንጽሊ ክምህረና ኢዩ። ከምቲ እታ መበለት፣ ምእንቲ ሓደ ጭቡጥ ነገር ክትረክብ ደሊያ ዝተጸመመት፣ እቲ ምሳሌኣዊ ዛንታ፣ እግዚኣብሄር መልሲ ምሃብ ዝድንጉ፣ ወይ መልሲ ዘይህብ ኣብ ዝመስለሉ፣ ተጸሚምካ ምጽላይ በረኸት ከምዘምጽእ ዝሕብር ኢዩ።

ኣብ መልእኽትታት ጳውሎስ ዘለዉ፣ ብዛዕባ ከየባተኽካ ብቕጽበት ምጽላይ፣ ከየባተኽካ ምጽላይን ምሕላውን፣ ኵሉ ግዜ ብመንፈስ ምጽላይ፣ ዚብሉ፣ ህይወት ብምሉኡ ምጽላይ ምዃኑ የመልክቱ። ክብሪ ኣምላኽ ንዓና፣ ኣባና፣ ብዓናን ኣብ ከባቢናን ክገሃድ፣ ከምኡውን ብርግጸኛነት ጸሎት ደቁ ከምዝሰምዕ፣ ነፍሲ ብሃረርታ ኣብ እትምልኣሉ፣ ናይታ ነፍሲ ውሽጣዊ ህይወት፣ ብክቱር ናፍቆትን ብዘተኣማምን ትጽቢትን፣ ብጽግዕተኛነትን ብእምነትን፣ ብዘይ ምቑራጽ ንላዕሊ ገጹ ይድይብ።

ኣብ መዕጸዊ ኣስተንትኖና፣ ከምዚ ዚበለ ናይ ጸሎት ህይወት ንምንባር፣ እንታይ ከምዘድሊ ምግላጽ ኣየጸግምን ኢዩ። ብዘይ ጥርጥር ከኣ፣ እቲ ቀዳማይ ነገር፣ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንኽብሩን፣ ህይወትና ምሉእ ብምሉእ መስዋእቲ ምግባር ኢዩ። እቲ ምእንቲ ኣዚዩ ቅዱስን ሰናይን ክኸውን ክብል፣ ብቐጻሊ ጸሎት ክገብር ዝደሊ፣ ፈጺሙ ዝሓሰቦ ክጭብጥ ኣይኽእልን ኢዩ። ስለ ኣምላኽን ክብሩን ክንነብር ክንብል፣ ገዛእ ርእስና ክንቐብጽን ኣሕሊፍና ክንህብን ከሎና ኢዩ፦ ልብና ዝገፍሕ፤ ኵሉ ነገር ብመንጽር ኣምላኽን ፍቓዱን ክንርኢ ዝምህረና፤ ከምኡውን ምእንቲ ንሱ ክኸብር፣ ኵሉ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ነገራት፣ ደገፍን በረኸትን ኣምላኽ ከምዘድሊ፣ ኣብኡ ከሎና ንርዳእ። ብምኽንያት ኵሉ ነገር በቲ ንልቢ ዝምልእ ነገር ዝምዘንን ዝፍተንን - ክብሪ ኣምላኽ፣ ከምኡውን ብምኽንያት ነፍሲ፣ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ ጥራይ ንዕኡን ንኽብሩን ከምዝኸውን ዝተማህረት፣ ብምሉኡ እቲ ህይወት፣ ምእንቲ ኣምላኽ ንሓይሉ፣ ንፍቕሩን ንኽብሩን ከርኢ፣ ካብ ውሽጢ ልቢ ምልማን ክኸውን ኢዩ።

እቲ ኣማኒ፣ እቲ ናቱ ጻውዒት፣ እቲ ንጉስ ሰማይ ብኻልእ መገዲ ዘይግበር ነገራት ክገብር፣ ብርግጽ ከምዝትንክፍን ከምዝድርኽን፣ ካብ ሓለውቲ ቀጽሪ ጽዮን ሓደን ካብ ኣዘከርቲ ጐይታ ሓደን፣ ምዃኑ ፈሊጡ ክነቅሕ ኢዩ። እዚ መዘኻኸሪ ጳውሎስ፣ ብልክዕ ሓቂ ምዃኑ ይርዳእ ኢዩ፣ “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፣ ምስናይ እዚውን ብዅሉ እናተጸመምኩም፣ ስለ ኵሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ።” ከምኡውን፣ “ጸሎት ኣዘውትሩ፣ ምእንታና ድማ ጸልዩ።” መገዲ ፍልጠት ከየባተኽካ ምጽላይ፣ ገዛእ ርእሲ ምቕባጽን ኣብ መንጐ ሰባት ምእንቲ ኣምላኽን መንግስቱን ምንባርን ኢዩ።

እዚ ንኣምላኽ ዝተወፈየ ህይወት፣ ጸሎትና ውጽኢታዊ ምዃኑ ብዘርኢ፣ ዓሚቕ ርእሰ ተኣማንነት ክስነይ ይግባእ። እቲ ብሩኽ ጐይታና፣ ንጸሎት ኣመልኪቱ ኣብ ዝመሃሮ ትምህርቲ፣ ብኸመይ ኣቦ ብርግጽ ዝለመናዮ ዝምልስ ኣምላኽ ምዃኑ ከምምእማን ገይሩ፣ ማለት “ለምኑ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።” ብምባል ካብ ዝገለጾ ቃል ንላዕሊ፣ ጸቒጡ ዝመሃሮ ትምህርቲ ከምዘየልቦ ርኢና ኢና። ጸሎት መልሲ ብርግጽ ከምዝረክብ ፍለጡ ዚብል፣ መጀመርታን መወዳእታን ትምህርቱ ኢዩ። (ምስ ማቴዎስ 7፣8 ከምኡውን ዮሃንስ 16፣24 ነነጻጽሮ) እዚ መረጋገጺ ምዝመልከና፣ ከምኡውን ጸሎትና ከምዝስማዕን ኣምላኽ ዝለመናዮ ከምዝህበናን፣ ውሁብ ነገር ምዚኸውን፣ ነዚ ኣደናቒ ሓይሊ፣ ፈጺምና ብሸለል ኣይንጥምቶን ኢና። ስለዚ ነፍሲ ብምልኣት ናብ ኣምላኽ ትምለስ፣ ህይወትና ድማ ምጽላይ ይኸውን።

ጐይታ ግዜ ዝደልየሉን ግዜ ዝወስደሉን ምኽንያት፣ ንሕናን ኵሉ ኣብ ከባቢና ዘሎን፣ ፍጡራት ግዜን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ለውጢ ስለ ዝዀንናን ኢዩ። ይኹንምበር ዋላ ሓደውን ይኹን ብእምነት ዝግበር ጸሎት ከንቱ ከምዘይተርፍ፣ ሓሓሊፉ ግና ጸሎት ክኽዘንን ክእከብን ከምዘለዎ ምፍላጥ፣ ተጸሚምካ ንዝግበር ጸሎት ዘይዕገት ስለ ዝገብሮ፣ ጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ብባህጊን ብእምነትን ዝፍጸም፣ ህዱእን ቀጻሊን መነባብሮ ህይወትና ይኸውን።

ዎ ድሕሪ ሕጂ ምኽኒት ሂብና፣ ናይዞም ናጻን ርግጸኛን ተስፋታት ህያው ኣምላኽ፣ ሓይሎምን ንዓና ከተባብዑ ዝተወሃቡና ኣገረምቲ መረጋገጺታትን፣ ኣልጊስና ደረት ኣይንግበረሎምን ኣየነማስኖምን ኢና። እቲ ዕንቅፋት፣ ኣብ ኣምላኽ ዘይዀነ፣ ኣብ ምስጢራዊ ፍቓዱ ዘይኰነ፣ ኣብ ድሩት ተስፋታቱ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ኣባና፣ ኣብ ገዛእ ርእስና ይርከብ። ንሕና ነቲ ተስፋ ክንጭብጥ ኣይተዳሎናን ኣሎና። ተስፋታት ቃላት ኣምላኽ፣ ቃል ብቓል ምስ ሓቅነቶም ክንቕበሎም፣ ምሉእ ልብና ንኽፈት። ንሳቶም ክምርምሩናን ትሑታት ክገብሩናን ኢዮም። ንሳቶም ልዕል የብሉና፣ ከምኡውን ሕጉሳትን ብርቱዓትን ይገብሩና ኢዮም። ዚለመኖ ከምዝረክብ ንዝፈልጥ እምነት ድማ፣ ጸሎት ስራሕ፣ ወይ ሸኽም ኣይኰነን፣ እኳ ደኣ ሓጐስን ዲልን ኢዩ። ግድን ክፍጸም ዝግባእ ነገርን ካልኣይ ባህሪን ድማ ይኸውን።

እንደገና፣ ሕብረት እዚ ብርቱዕ ባህጊን ጽኑዕ ርእሰ ተኣማንነትን፣ ካልእ ነገር ዘይኰነ፣ ኣባና ዘሎ ህይወት መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣባና ይነብር፣ ገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ መዓሙቕ ውሽጥና ብምሕባእ፣ ባህግና ደድሕሪ እቲ ዘይርአን መለኾታዊን ኣምላኽ ከምዝኸውን ይገብር። መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ሕጂ ክዝረብ ብዘይኽእል እህህታ፣ ካብኡ ከኣ፣ ብንጹርን ብፍሉጥን መረጋገጺ፤ ሕጂ ምእንቲ መንነት ጐይታና ንዓና ክገሃደልና ብፍሉይ ልማኖ፣ ካብኡ ከኣ፣ ምእንቲ ንነፍሲ፣ ንዕዮ፣ ንቤተ-ክርስትያን፣ ወይ ንዓለም ብምልማን፤ ኵሉ ግዜን ንሱ በይኑን፣ ልቢ ንእግዚኣብሄር ክትጸምእ፣ መንነቱ ክገሃድን ክኸብርን ድማ፣ ከምእትናፍቕ ዝገብር።

እቲ ውላድ ኣምላኽ፣ ብሓቂ ብመንፈስ ክነብርን ክመላለስን ምዚጅምር፤ ስጋዊ ብምዃኑ ጥራይ ምዘይዓግብ፣ እኳ ደኣ መንፈሳዊ ክኸውን ምዝብህግ፤ ምእንቲ እቲ መለኾታዊ መንፈስ ንህይወት ክርስቶስን ንክርስቶስ ባዕሉን ከግህድ፣ ኵለንትንኡ ብቑዕ ምዝገብር፤ ሽዑ እቲ ምእንቲ ካልኦት ዝፍጸም ፈጺሙ ዘየቋርጽ ልማኖ እቲ ብሩኽ ወዲ፣ ኣባና ግድን ክገሃድን ኣብ ተመክሮና ክድገምን ኢዩ። እቲ ኣባና ዝጽሊ መንፈስ ክርስቶስ ስለ ዝዀነ፣ ጸሎትና ግድን ክስማዕ ኢዩ። ንሕና ስለ ዝዀና ብመንፈስ እንጽሊ ድማ፣ ክሳዕ ነፍሲ ወከፍ ዕንቅፋት ዝእለይን መንፈስ ኣምላኽን መንፈስናን ፍጹም ዝሳነን፣ ግዜ፣ ትዕግስቲን ደጋጊምካ ነቲ ጸሎት ምሕዳስን ከድሊ ኢዩ።

ይኹንምበር እቲ ንኸምዚ ዚበለ ቐጻሊ ጸሎት ዘድሊ ቀንዲ ነገር፣ የሱስ ምጽላይ ከምዝምህረና ምፍላጥ ኢዩ። እቲ ንሱ ዝምህረና ዘሎ፣ በብቕሩብ ክንርዳእ ጀሚርና ኣሎና። ሓድሽ ሓሳባት፣ ወይ ኣረኣእያታት፣ ብኸመይ ኣገባብ ከምእንገልጽ ኣይኰነን። ብኸመይ ፍሽለት፣ ወይ ገይጋ ንረክብ ዚብልውን ኣይኰነን። ባህጊን እምነትን ምብርባርውን ኣይኰነን። ካብዚኦም ኵሎም ዝዓቢ ግና፣ ኣብቲ ናቱ ናይ ጸሎት ህይወት፣ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ይወስደና ምዃኑ ኢዩ። የሱስ ከምኡ ብምግባር ኢዩ፣ ብሓቂ ዝምህር። እቶም ደቀ መዛሙርቲ፣ የሱስ ክጽሊ ከሎ ብምርኣይ ኢዮም፣ ንሱ ምጽላይ ክምህሮም ዝናፈቑን ዝለመኑን። እምነት ናይቲ ክጽሊ ዝነብር የሱስ ኢዩ፣ ሓይሊ ምጽላይ ዘለዎ፣ ብሓቂ ክንጽሊ ከኣ ዝምህረና።

እቲ ምኽንያት ድማ፣ ንሱ፣ እቲ ዝጽሊ ዘሎ፣ ርእስናን ህይወትና ስለ ዝዀነ ኢዩ። እቲ ናቱ ዝዀነ ናትና ኢዩ። ኵለንትናና ንዕኡ ኣብ ዝሃብናሉ እዋን፣ ንዓና ተዋሂቡና ኢዩ። ብደሙ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኡንብኡ የቕርበና ኢዩ። እቲ ውሽጣዊ መቕደስ፣ ቤትና ኢዩ፣ ኣብኡ ድማ ንነብር። እቲ ኣብ ጥቓ ኣምላኽ ዝነብርን ምእንቲ ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ክባርኽ ከምዝቐረበ ዝፈልጥን ድማ፣ ግድን ይጽሊ ኢዩ። ክርስቶስ፣ ምስኡ ተማቐልቲ ሓይሊ ጸሎቱን ናይ ጸሎት ህይወቱን ጌሩና ኢዩ። ስለዚ እቲ ሓቀይና ዕላማና፣ ብዙሕ ክንዓዪይን ነቲ ዕዮ ዝበቕዕ ጸሎት ክንገብርን ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ብዙሕ ብምጽላይን እኹል ዕዮ ብምዕያይን፣ እቲ ብጸሎት ዝርከብ ሓይሊን በረኸትን፣ ብመገድና ናብ ካልኦት ሰባት ክበጽሕ ኢዩ። ክጽሊ ዝነብር ዘሎ፣ እቲ ዘድሕን፣ ከምኡውን እቲ ዝነገሰ፣ ክርስቶስ ኢዩ።

ንሱ፣ ነቲ ናይ ጸሎት ህይወቱ፣ ንዓና ይገልጸልና ኢዩ። እንተ ተኣሚናዮ ኣባና ክዕቅቦ ኢዩ። ንሱ፣ መረጋገጺ ናይ ከየባተኽና እንገብሮ ጸሎት ኢዩ። እወ፣ ክርስቶስ፣ ንሱ ብኸመይ ከምዝፍጽሞ ብግብሪ ብምርኣይ፣ ኣባና ብምፍጻም፣ ብዕኡ ክንፍጽሞ ብምርኣይን ከምኡ ክንፍጽሞ ብምርኣይን፣ ይምህረና ኢዩ። ክርስቶስ፣ ኵሉ ኢዩ። ንሱ፣ እቲ ህይወትን ብርታዐን፣ ፈጺሙ ከየቛረጸ ናይ ዝግበር ጸሎት ኢዩ።

ነዚ ብምዕዛብ ኢዩ፣ ነቲ ከምህይወትና ብዘይ ምቑራጽ ዝጽሊ፣ ክርስቶስ ብምርኣይ ኢና፣ ብዘይ ምቑራጽ ክንጽሊ ንኽእል። እቲ ክህነቱ፣ ሓይሊ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት፣ ከምኡዉን ፈጺሙ ዘይሓስስን ዘይፈሽልን ናይ ትንሳኤ ህይወት ስለ ዝዀነ፣ ህይወቱውን ህይወትና ስለ ዝዀነ፣ ብዘይ ምቑራጽ ምጽላይ፣ ንዓና ሕጉስ ሰማያዊ ህይወት ክኸውን ኢዩ። ስለዚውን ኢዩ፣ እቲ ሃዋርያ፣ “ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። ብኹሉ ኣመስግኑ።” ዚበለ። ኣብ መንጎ’ቲ ኵሉ ግዜ ምሕጓስን ኵሉ ግዜ ምምስጋንን ዘሎ፣ እቲ ብዘይ ምቑራጽ ምጽላይ፣ ናይቲ የሱስ ኵሉ ግዜ ዝጽልዮ፣ ምግሃድ እቲ ሓይሊ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ። ሕብረት እቲ ጉንዲ ወይኒን እቲ ጨንፈርን፣ ብርግጽ ሕብረት ጸሎት ኢዩ። እቲ ንክርስቶስ ናይ ምምሳል ዝለዓለ መርዓዪ፣ እቲ ምስቲ ክቡር ሰማያዊ ህይወቱ ዝፍጸም ልዑል ብሩኽ ተሳትፎ፣ ኣብቲ ምእንቲ ካልኦት ዝፍጽሞ ልማኖ፣ ተማቓሊ ምዃን ኢዩ። ንሱን ንሕናን ክንጽሊ ንነብር ኢና።

ምስኡ ዘሎና ሕብረት ኣብ እነስተማቕረሉ፣ ከየባተኽካ ምጽላይ ግብራዊን ክውንን ይኸውን። ከምኡውን ቅዱስን ብሩኽን ክፋል፣ ናይቲ ምስ ኣምላኽ እንፍጽሞ ቅዱስን ብሩኽን ሕብረት ክኸውን ኢዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ መጋረጃ፣ ኣብ ቅድሚ ኣቦ መንበሪ ኣሎና። ኣቦ ዚበሎ ንሕና ንገብር። ወዲ ዚበሎ ኣቦ ይገብር። ከይየባተኽካ ምጽላይ፣ ሰማይ ኣባና ወሪዱ፣ ኣብ ምድሪ ዝገሃደሉ ኢዩ። እዚ፣ እቲ መዓልቲ፣ ወይ ለይቲ፣ ብዘይ ዕረፍቲ፣ ብመዝሙርን ብምስጋናን ናይ ዘምልኽዎ፣ ናይቲ ዚመጽእ ህይወት ጣዕሚ፣ ወይ ቅምሶ ኢዩ።

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ዎ ኣቦይ፣ ስለቲ ኣደናቒ ህይወት፦ ከየባተኽካ ምጽላይ፣ ቀጻሊ ምሕባር፣ ዘየቋርጽ መልሲ፣ ከምኡውን ምስቲ ክጽሊ ዝነብር ሓደ ምዃነይ ዝገልጽ ቀጻሊ ተመክሮ፣ ብምሉእ ልበይ የመስግነካ። ዎ ኣምላኸይ! ምእንቲ ጸሎት ምሳኻ ብድሌት ዝፍጸም መግለጺ ህይወተይ ክኸውን፣ ኣብ ቅድሚ ክብርኻ ንዘለኣለም ክነብርን ክመላለስን ሓልወኒ።

ብሩኽ መድሕን! ተኻፋሊ ባህገይን ልማኖይን ክትኸውን፣ ናይቲ ኵሉ ግዜ ዕውት ዝዀነ፣ ምእንቲ ካልኦት ሰባት እትፍጽሞ ልማኖ ከኣ፣ ተማቓሊ ክኸውን፣ ካብ ሰማይ ስለ ዝመጻኻ፣ ብምሉእ ልበይ የመስግነካ። ከምኡውን ብሩኽነትን ሓይሊን፣ ናይቲ ኵሉ ንጸሎት ናይ ዝዀነ ህይወት ክትምህረኒ፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ጸሎት ስለ ዝወሰድካኒ የመስግነካ። ልዕሊ ኵሉ ድማ፣ ብመገደይ በረኸትካ ኣብ ከባቢየይ ናብ ዘለዉ ክበጽሕ፣ ምስቲ ምእንቲ ካልኦት ሰባት እትፍጽሞ ናይ ልማኖ ህይወትካ ክሓብር ወሰድካኒ።

መንፈስ ቅዱስ! ብዓሚቕ ኣኽብሮት ዕዮኻ ኣባይ ስለ ዝዓየኻ የመስግነካ። ብመገድኻ ኢዩ፣ ወዲን ኣቦን ናይ ዘለዎም ርክብ፣ ልዒለ ተማቓሊ ክኸውን ዝኸኣልኩ፣ ናብ ሕብረት ህይወትን ፍቕሪን፣ መንፈስ እግዚኣብሄር ቅዱስ ስላሴ ድማ ዝኣተኹ! ዕዮኻ ኣባይ ምሉእ ግበሮ። ምስ ክርስቶስ እቲ ኣማላዲየይ፣ ብምልኣት ክሓብር ግበረኒ። እቲ ናትካ ዘየቛርጽ ምሕዳር፣ ንህይወተይ ምእንቲ ካልኦት ክልምን ዝነብር ይግበሮ። ከምኡውን ህይወተይ ብዘይምቑራጽ፣ ንኽብሪ ኣቦን ንበረኸት እቶም ኣብ ከባቢየይ ዘለዉን ምንባር ይኹን። ኣሜን።