ምዕራፍ ሰላሳ

ኣገልግሎት ምምላድ

“ንስኻትኩምውን፣ ከምህያዋን ኣእማን ኴንኩም፣ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኽተቕርቡ፣ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሃነጹ።” (1 ጴጥሮስ 2፣5)

“ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም።” (ኢሳይያስ 61፣6)

“እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ ኢዩ እሞ፣ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ኢዩ።” እዘን ቃላት ኣብ ትንቢት ኢሳያስ፣ ብዛዕባ የሱስ ዝተጻሕፋ ኢየን። ከምፍረ ግብሩ ድማ፣ እቶም ኵሎም ዝደሓኑ፣ ካህናትን ተማቐልቲ ናይቲ ሊቀ-ካህናዊ መንፈሳዊ ቅቡኡን ኢዮም። “ከምቲ ክቡር ዘይቲ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፣ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ ኢዩ።”

ከም ኵሎም ደቂ ኣሮን፣ እቶም ኵሎም ኣባላት ሰብነት የሱስውን፣ ኣብ ክህነት መሰል ኣለዎም። ይኹንምበር ኵሉ ኣይኰነን ነዚ ዝትግብር ዘሎ፤ እኳ ደኣ ብዙሓት፣ ገና ብዛዕባ እዚ፣ ዋላ ሓደ ኣፍልጦ የብሎምን ኢዩ። እቲ ሓቂ ግና፣ እዚ፣ ነቲ ውላድ ኣምላኽ፣ እቲ ዝለዓለ ክብሪ፣ ከምኡውን ናብቲ “ኵሉ ግዜ ክጽሊ ዝነብር” ብዝበለጸ ዝቐርበሉን ንዕኡ ዝመስለሉን፣ ዝዓበየ ምልክት ምዃኑ ኢዩ። እዚ ሓቂ ከምዝዀነ ትጠራጠሩ ዲኹም? ክህነት እንታይ ከምዘጠቓልል ሕሰቡ። መጀመርታ፣ እቲ ኣገልግሎት ክህነት ኣሎ። እዚውን፣ ክልተ ገጽ ኣለዎ። ንሱ ድማ፣ እቲ ሓደ ናብ ኣምላኽ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልእ ናብ ሰብ ኢዩ።

“ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፣ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ ኢዩ ዚሽየም” (እብ 5፣1) ወይ፣ ከምቲ ብሙሴ ዝተባህለ፣ (ዘዳ 10፣8፤ ዘዳ 21፣5፤ ዘዳ 33፣10፤ ሚልኪያስ 2፣6 ንርአ) “እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ክቀውም፣ ንዕኡ ኼገልግል፣ ብስሙ ኺምርቕ፣ ፈለዮ።” በቲ ሓደ ሸነኽ፣ እቲ ካህን፣ ናብ ኣምላኽ ክቐርብ፣ ኣብ ቤት ኣምላኽ ክነብር፣ ከምኡውን ኣብ ቅድሜኡ ነቲ መስዋእቲ ደም ክቕርብ፣ ወይ ዕጣን ክዓጥን፣ ስልጣን ኔሩዎ።

ይኹንምበር ነዚ ዕዮ፣ ንገዛእ ርእሱ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ምእንቲ እቲ ዝወከሎ ህዝቢ ኢዩ፣ ዝፍጽሞ ነይሩ። እዚ እቲ ካልእ ሸነኽ ዕዮኡ ኢዩ። ካብቲ ህዝቢ መስዋእቲ ተቐቢሉ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕርብ፣ ምእንቲ ሞገስ ኣምላኽ ከረጋግጸሎምን ሕጊ ኣምላኽ ክምህሮምን ድማ፣ ወጺኡ ብስም ኣምላኽ ይባርኾም።

ስለዚ፣ ካህን ፈጺሙ ንገዛእ ርእሱ ዝነብር ሰብ ኣይኰነን ማለት ኢዩ። ንሱ፣ ምስ ኣምላኽን ንኣምላኽን ይነብር። ዕዮኡ፣ ከምኣገልጋሊ ኣምላኽ፣ ንቤት፣ ክብርን ኣምልኾን እግዚኣብሄር ክኣልይ፣ ፍቕርን ፍቓድን ኣምላኽ ድማ፣ ንሰባት ከፍልጥ ኢዩ። ንሱ፣ ምስ ሰብን ንሰብን ይነብር። (እብ 5፣2) ዕዮኡ፣ ሓጢኣቶምን ድሌቶምን ፈሊጡ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምጽእን፣ ምእንቲ ምሕረትን በረኸትን ክረኽቡ፣ ብስሞም መስዋእቲ ዕጣን ክቕርብን ወጺኡ ብስም ኣምላኽ ክባርኾምን ኢዩ።

እዚ፣ እቲ ዝዓበየ ጻውዒት፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኢዩ። “እዚ ንዅሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ ኢዩ።” ካህናት ኣምላኽ፣ እቲ ድሕነት ዝረኸቡሉ እንኮ ዕላማ፣ ምስቲ ዓብይ ሊቀ ካህናት፣ ማለት የሱስ፣ ውህደት ብምፍጻም፣ ኣብ ማእከል እቶም ኵሎም ኣብ ከባቢኦም ዝጠፍኡ ዘለዉ ሚሊዮናት ኣህዛብ ብምዃን፣ ንዕኦም ኣገልገልቲን መገብቲን ጸጋ ኣምላኽ ክዀኑ ኢዩ።

ካብኡ ድማ፣ ምስቲ ዕዮ ዝሳነ፣ ክህነታዊ ምምልላስ ኣሎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ቅዱስ ዝዀነ፣ እቲ ካህንውን ብፍላይ ቅዱስ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ካብ ኵሉ ርኹስ ዝዀነ ነገር ክፍለይ ማለት ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ንኣምላኽ ክቕደስ፣ ነገልግሎት እግዚኣብሄር ክፍለይን ክወሃብን ይግባእ ማለት ኢዩ። ካብ ዓለም ምፍላይን ንእግዚኣብሄር ምምዳብን፣ ብብዙሕ መገዲ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ።

እዚ፣ ኣብቲ ኣልባስ ተራእዩ ኢዩ። እቲ ቅዱስ ኣልባስ፣ እግዚኣብሄር ናቱ መለለዪ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ብናቱ ትእዛዙ ኢዩ ተዳሊዩ። (ዘጸ 28) እዚ፣ ዝሞተን ዝረኸሰን ካብ ምትንካፍ፣ ብፍሉይ ክጸርዩን ሓራ ክዀኑን ከምዝግባእ፣ ኣብ ዝሕብር ትእዛዝ ተራእዩ ኢዩ። (ዘሌ 6፣22) እቲ፣ ነቲ ካልእ እስራኤላዊ ዝተፈቕደሉ፣ ንዕኦም ግና ክልኩል ኢዩ፣ ነይሩ። እዚ፣ እቲ ካህን ኣብ ሰብነቱ ዝዀነ ይኹን ጉድለት፣ ወይ ኣበር ክህልዎ ከምዘይብሉ፣ ኣብ ዝተወሃበ ትእዛዝ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ፣ ምልኣት ሰብነት፣ ምልክት ምሉእነትን ቅድስናን ነበረ። ከምኡውን፣ እዚ፣ እቲ ናይ ካህን ነገድ፣ ምስ ካልኦት ነገዳት ርስቲ ከምዘይብሉ፣ ኣብ ዝገልጽውን ተራእዩ ኢዩ። እግዚኣብሄር ከኣ፣ ርስቶም ክኸውን ኔሩዎ። ህይወቶም፣ ኣብኡን ምእንታኡን ክነብሩ፣ ንኣምላኽ ዝተፈለየ፣ ኣብ እምነት ዝተመርኰሰ ክኸውን ኔሩዎ።

እዚ ኵሉ፣ ባህሪ እቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ካህን፣ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ፣ ዘርኢ ምልክት ኢዩ። ምስ ኣምላኽ ዘሎና ናይ ክህነት ስልጣን፣ ኣብ ውልቃዊ ህይወትናን ኣካይዳናን ይምርኰስ። ንሕና፣ ከምቶም የሱስ ንምድራዊ ኣካይዳኦም ኣመልኪቱ፣ “ንሳቶም ክዳውንቶም ኣይጸየቑን።” ዚበሎም ክንኸውን ይግባእ።

እቲ ካብ ዓለም ምፍላይና እኳ፣ ንኻልእውን ቕቡል እንተ መሰለ፣ እቲ ምቕዳስና፣ ብዅሉ ልብናን ብምልኣትን፣ ንኣምላኽ ዝተቐደሰ ምዃኑ ክነመስክር ይግባእ። እቲ ሰብነታዊ ምልኣት እቲ ካህን፣ ከም “ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፣” ከምኡውን “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፣ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ከምዝዳለው፣” “ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም፣ ፍጹማትን ምሉኣትን ኩኑ።” ዚብላ ቃላት፣ ኣብ ውሽጥናውን ክንጸባረቕ ይግባእ። (ሌዊ 21፣17-21፤ ኤፌ 5፣27፤ 2 ጢሞ 2፣7፤ ያቆ 1፣4) ልዕሊ ኵሉ ድማ፣ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዘሎና ርስቲ፣ ኣሕሊፍና ክንህብ ተሰማሚዕና ኢና። ከምክርስቶስ ኵሉ ክንቐብጽ፣ ኣምላኽ ጥራይ ድማ፣ ብጽሒትና ክኸውን ኢዩ። ከምዘይንወርስ ክንወርስ፣ ኵሉ ምእንቲ ኣምላኽ ጥራይ ከኣ ክንሕዝ ኢና። እዚ፣ ምእንቲ ኣምላኹን ንኸምኡ ንኻልኦት ሰባትን ጥራይ ናይ ዝነብር፣ ምልክት ሓቀይና ካህን ኢዩ።

ሕጂ ከኣ እቲ መገዲ ክህነት ንርአ። እግዚኣብሄር፣ ኵሎም ደቂ ኣሮን ካህናት ክዀኑ መረጾም። ነፍሲ ወከፎም ብትውልዲ ካህናት ኔሮም። ይኹንምበር ፍሉይ ስርዓት ከየካየደ፣ ማለት ከይተቐደሰ ናብ ዕዮኡ ኣይኣትውን ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ውላድ ኣምላኽ፣ ብመንጸር ትውልዱ፣ ምስቲ ዓቢይ ሊቀ-ካህናት ብዘለዎ ናይ ደም ዝምድና፣ ካህን ኢዩ። ይኹንምበር እዚ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ምእንቲ ስልጣኑ ተግባራዊ ክግበር፣ ቅድም ቅዱስ ምዃኑ ክቕበልን ክርዳእን ኣለዎ።

ምስ ኣሮንን ደቁንውን ከምኡ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸ 29) ድሕሪ ምሕጻብን ኣልባስ ምልባስን፣ ብቕዱስ ቅብኢ ተቐቢኦም። ካብኡ መስዋእቲ ተቐሪቡ፣ ከምኡውን እቲ የማናይ እዝኒ፣ እቲ የማናይ ኢድን እቲ የማናይ እግሪን፣ ብደም ተለኺዩ። ብምቕጻል ከኣ፣ ከምብሓድሽ ንሳቶምን ኣልባሶምን፣ ደምን ቅብኢን ብሓባር ተነጺጉዎም። እቲ ውላድ ኣምላኽውን፣ እቲ ድሮ ተማቓሊ ዝዀኖ፣ እቲ ደምን መንፈስን ንዕኡ ብምልኣት እንታይ ማለት ከምዝዀነ ኣብ ዝርደኣሉ፣ እቲ ስልጣን ቅዱስ ክህነት፣ ኣብ ልዕሌኡ ይዓዪይ። እቲ ደም ነቲ ኣይግባኣንን ኢዩ፣ ዚብል ስምዒት የልግሶ። እቲ መንፈስ ከኣ፣ ነቲ ኵሉ ስምዒታት ዘይብቑዕነት የርሕቖ።

እቲ ደም ኣብ ልዕሊ እቲ ካህን ኣብ ዝልኸየሉ እዋን፣ እንታይ ሓድሽ ነገር ከምዘሎ ንተዓዘብ። ንሱ፣ ምሕረት ደሊዩ፣ ምእንቲ ሓጢኣቱ ክንሳሕ፣ መስዋእቲ እንተ ኣምጽአ፣ እቲ ደም ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ይንጸግ። ሕጂ ግና፣ ንናይ ክህነት ቅድስና፣ እቲ ደም ቀሪብካ ክትንከፍ ይግባእ። ብፍሉይ ስርዓት እዝኒ፣ ኢድን እግሪን፣ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ደም ይዀኑ። ከምኡውን ኵለንትናኡ ኣብ ትሕቲ ምቑጽጻር ኣምላኽ ይኣትውን ይቕደስን ኢዩ። ከምኡ ከኣ፣ እቲ ምእንቲ ንሱ ምሕረት ክረክብ፣ እቲ ደም ኣብ መኽደን መተዓረቒ ከምእተነጸገ ፈሊጡ ዝዓግብ ዝነበረ ኣማኒ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘእትው፣ ምሉእ ክህነታዊ ኣገልግሎትን እቲ ደም ብምንጻግ፣ “ኣብ ሕሊናኡ ደጊም ሓጢኣት ከይህልዎ፣” (እብ 10፣2) ንልቢ ካብ ክፋእን ኵሉ ሓጢኣትን ከምዘጽርዮ ናይ ዘለዎ ስልጣንን፣ ብምልኣትን ብኽውንን ከስተማቕር ክደሊ ኢዩ። በዚ ክሕጐስ ምዝጅምር ከኣ፣ ብዘድንቕ ናብ እግዚኣብሄር ክቐርብ መሰሉ ምዃኑ ሕልናኡ ይበራበርን ምእንቲ ካልኦት ዝፍጽሞ ልማኖ፣ ተቐባልነት ከምዘለዎ፣ ምሉእ መረጋገጺ ይረክብን ኢዩ።

ከምኡውን፣ እቲ ደም መሰል ክህብ ከሎ፣ እቲ መንፈስ ሓይሊ ይህብን ኣብ ክንዲ ካልኦት ብእምነት ንዝፍጸም ምልማን፣ ብቑዕ ይኸውንን ኢዩ። ምእንቲ ንኽብሪ ኣምላኽን ንድሕነት ነፍሳትን፣ ዝነድድ ፍቕሪ ክህልወና፣ ናይ ክህነት መንፈሱ ይትንፍሰልና። ብስሙ ምጽላይ ክውን ክኸውን፣ ምስ የሱስ ሓደ ይገብረና። ኣብ ዘየቋርጽ ጽኑዕ ጸሎት ክንእመን ሓይሊ ይህበና። እቲ ክርስትያን፣ ዝያዳ ብመንፈስ ክርስቶስ ኣብ ዝምልኣሉ፣ ዝያዳ ብተበግሶኡ ምእንቲ ካልኦት ኣብ ዝፍጸም ክህነታዊ ልማኖ፣ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ይህብ። ፍቑራት ክርስቲያናት ኣሕዋት! እግዚኣብሄር፣ ናብኡ ዝቐርቡ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዝነብሩን ምእንቲ ካልኦት ብዝፍጽምዎ ልማኖ፣ በረኸት ጸጋኡ ንኻልኦት ዘምጽኡን፣ ካህናት ኣዚዩ ይደሊ።

ከምኡውን ዓለም፣ ጾር እቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ዝሽከሙን ምእንታኦም ዝልምኑን፣ ካህናት ትደሊ።

ገዛእ ርእስኹም ነዚ ቅዱስ ዕዮ ክትህቡ ፍቓደኛታት ዲኹም? እቲ ገዛእ ርእስኻ ምቕባጽ፣ ንዝጠልቦ ነገር ትፈልጡ ኢኹም። ካብቲ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ዝውሕድ ከኣ ኣይኰነን። ምእንቲ ፍቕራዊ መደብ ድሕነት ኣምላኽ ክፍጸም፣ ኵሉ ክቕበጽ ይግባእ ኢዩ። ዎ፣ ከምቶም ድሕነት ብምርካቦም ዓጊቦም ደው ዚብሉን ክሳብ ውሽጦም ሓጐስ ዝስምዖም ጥራይ ዝዓዪዩን ኣይትኹኑ። ዝዀነ ይኹን ነገር፣ ኵለንተናኹም ንኽህነታዊ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ደው ኣየብልኩም። ካብ ካህናት ናይቲ ልዑል ኣምላኽ ካብ ምዃኑ ዝትሕት ኣይትድለዩ። እቲ ኣይግባኣኒን፣ ወይ ኣይበቕዕን፣ ዚብል ስምዒታት ድሕሪት ኣየትርፍኩም።

በቲ ደም፣ ዕላማ ሓይሊ ድሕነት ኣባኹም ክዓዪይ ኢዩ። በቲ መንፈስ፣ እቲ መለኮታዊ ህይወት፣ ውሕስነት ይረክብን ውልቃዊ ተመክሮ ይኸውንን ኢዩ። እቲ ደም፣ ጸሎትኩም ቅቡል ክኸውን፣ ደረት ኣልቦ መረጋገጺ ይህብ ኢዩ። እቲ መንፈስ፣ መለኾታዊ ብቑዕነት ብምቕራብ፣ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ክትጽልዩ ትምህርቲ ይህብ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ካህን፣ ብመሰረት ሕጊ እቲ ቤተ-መቕደስ፣ መስዋእቲ ኣብ ዝቕርበሉ፣ ተቐባልነት ክረክብ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ጕልባብ፣ እቲ ደምን እቲ መንፈስን፣ እቲ ብስም የሱስ ንዝፍጸም ጸሎት ዝተወሃቡ ኣደነቕቲ ተስፋታት፣ ኣባኻትኩም ተፈጻሚ ከምዝዀኑ መረጋገጺ ይህልወኩም። ኣብቲ ዓቢይ ሊቀ-ካህናት ብሕብረት ብምጽናዕ፣ “እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ነታ ብግብራ ብዙሕ እተስልጥ ጸሎት ጻድቕ ክትጽልዩ፣ ሓይሊ ይህልወኩም። ቤተ-ክርስቲያን፣ ምእንቲ ዓለም ኣብ እትገብሮ ሓፈሻዊ ጸሎት፣ ክትሓብሩ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ከምኻህናት፣ ምስ እግዚኣብሄር ብምርኻብ፣ ነቲ መልሲ ክትረክቡን ክትፈልጡን፣ ከምኡውን ብስሙ ክትባርኹ፣ ነዚ ፍሉይ ናይ ጸሎት ዕዮ እትፍጽሙሉ፣ ናትኩም ስፍራ ይህልወኩም። ንዓ፣ ሓው፣ ንዓ’ሞ ካህን ኩን፣ ካህን ጥራይ ኩን።

ምእንቲ ካልኦት ክትልምኑ፣ ንቕዱስ ኣገልግሎት ከምእተመደብኩም ፈሊጥኩም፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትመላለሱ፣ ሕጂ ድለዩ። እዚ፣ ንምስሊ ወዲ ኣምላኽ ናይ ምምሳል፣ ሓቀይና ቡራኼ ኢዩ።

“ጐይታ ምጽላይ ምሃረና።”

ዎ ኣታ ብሩኽ ሊቀ-ካህነይ፣ ሕጂ ነቲ ነፍሰይ ንመልእኽትኻ እትምልሰሉ ቅድስና ተቐበል።

ኣብ ክህነታዊ ኣገልግሎት እቶም ቅዱሳንካ፣ ከምኡውን ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ክቐርብ ስልጣን ዘሎኒን ነቶም ኣብ ከባቢየይ ዝጠፍኡ ዘለዉ፣ ብዙሕ በረኸት ዘምጽእ ጸሎት ክገብር ዝኽእልን፣ ካህን ከምዝዀንኩ፣ ይኣምን እየ።

በቲ ምእንቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፣ ብፍጹም ትብዓት ክቐርብ ዘኽእለኒ፣ ከምኡውን እቲ ምእንቲ ካልኦት ዝፍጽሞ ልማኖ፣ ከምዝስማዕ ምሉእ ውሕስነት ዝህበኒ፣ ኵሉ ሓጢኣት ከጽሪ ዝከኣሎ፣ ሓይሊ ክቡር ደምካ፣ ይኣምን እየ።

በቲ ምእንቲ ንሕልናይ ብኽህነታዊ ጻውዒተይን ነፍሳት ከፍቅርን ክመልእ፣ ከምኡውን ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ማለት ምዃኑን ብኸመይ ናይ እምነት ጸሎት ክጽሊ ከምዝኽእልን ክምህረኒ፣ ካባኻ መዓልታዊ ዝመጽእ፣ ቅብኢ መንፈስ ቅዱስ፣ ይኣምን እየ።

ጐይታይ የሱስ፣ ከምቲ ንስኻ ኣብ ኵሉ ህይወተይ፣ ኵሉ ነገር ዝዀንካ፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ፣ ናይ ጸሎት ህይወተይ ውሕስነት ምዃንካን ኣብቲ ምእንቲ ካልኦት እትፍጽሞ መስተንክራዊ ልማኖ፣ ሕብረት ክህልወኒ ከምእተቕርበኒን፣ ይኣምን እየ።

ሎም መዓልቲ፣ ምእንቲ ሓጥኣን ክልምን፣ ኣብ ቅድሚኡ ክቐርብን ወጺአ ብስሙ ክባርኽን፣ ከምመጠን ካብቶም ቅቡኣት ካህናቱ ሓደ፣ በዚ እምነት ገዛእ ርእሰይ ንኣምላኸይ ኣሕሊፈ ይህብ።

ቅዱስ ጐይታ የሱስ! ንቕድስናይ ተቐበሎን ሕተሞን ኢኻ። እወ፣ ጐይታ፣ ኢድካ ኣብ ልዕለይ ኣንብርን ባዕልኻ ምእንቲ እዚ ቅዱስ ዕዮኻ ቐድሰኒን ኢኻ።

ከምኡውን ብሕልናን ብባህሪን ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽ፣ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝመላለስ ይኹን።

ንዕኡ፣ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፣ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓጸበና፣ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፣ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ንዕኡ ይኹን። ኣሜን።