ምዕራፍ ዕስራን ሸሞንተን

ክርስቶስ መተዓረቒ

“ኣባ፣ ኣቦይ፣ ኵሉ ይከኣለካ ኢዩ፣ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፣ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፣ በለ።” (ማርቆስ 14፣36)

ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት፣ ከመይ ዝበለ ምንጽጻር ደኣ ኢዩ! ከመይ ዝበለ ዘገርም ለውጢ ደኣ ኢዩ፣ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፣ ብዘደንቕ ክብሪ፣ “ኣነ እደሊ ኣሎኹ፣” ድሕሪ ብምባል፣ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ብጓሂን ብትካዘን፣ “ኣቦይ! ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን።" በለ።

በቲ ሓደ ሸነኽ፣ ነቲ ሊቀ ካህን፣ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ ዀይኑ፣ ምስቲ ምእንቲ ካልኦት ዝፍጽሞ ኵሉ ግዜ ዕውት ዝዀነ ልማኖኡ ንርእዮ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፣ ኣብቲ መሰውኢ ዝተፈጸመ መስዋእቲ፣ ንመገዲ እቲ ጊዚያዊ መጋረጃ ክኸፍቶ ንርኢ። ብመንጽር ግዜ፣ እቲ “ኣቦ! እደሊ ኣሎኹ፣” ዚብል ሊቀ ካህናዊ ልማኖ፣ ነቲ “ኣቦ! ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን።” ዚብል ቃል ሰማእት ይቕድሞ ኢዩ። ይኹንምበር፣ እዚ እቲ መስዋእቲ ምስ ተፈጸመ፣ እቲ ምእንቲ ካልኦት ዝግበር ልማኖ እንታይ ከምዝመስል ከርኢ፣ ብትጽቢት ዝተገልጸ ኢዩ።

ብኽውንነት እቲ ኣብ መሰውኢ ዝተገብረ፣ “ኣቦ! ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን።” ዚብል ጸሎት፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዝተገብረ፣ "ኣቦ እደሊ ኣሎኹ፣” ዚብል ጸሎት፣ መበገሲኡን ሓይሉን ኢዩ። እቲ ሊቀ ካህን፣ ኣብ ጌተሴማኔ ንፍቓዱ ምሉእ ብምሉእ ኣሕሊፉ ብምሃቡ ኢዩ፣ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዝደለዮ ክልምን ሓይሊ ዝረኸበ፣ ህዝቡውን ተማቐልቲ እዚ ሓይሊ ዀይኖም፣ ዝደለይዎ ዘበለ ክልምኑ መሰል ዝሃቦም።

እዚ ኣብ ጌተሴማኔ ዝተዋህበ ትምህርቲ፣ ነቶም ኵሎም ኣብ ቤት ትምህርቲ የሱስ ምጽላይ ዝመሃሩ፣ ካብቶም ኣዚዮም ዝተቐደሱን ዝኸበሩን ትምህርትታት ሓደ ኢዩ። እዚ፣ ነቲ ብዕምቘት ዘይምርምር ተመሃራይ፣ ብእምነት ናይ ምጽላይ ትብዓት ዘጕድል ክመስሎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ልባዊ ልማኖ ወዲ እንተ ዘይተሰምዐ፣ እቲ ፍቑር ከይተረፈ፣ “ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን!” እንተ በለ፣ ንሕና ደኣ ክንደይ ካብኡ ዝዓቢ ዘይንብል። ብመሰረት እዚ፣ ጐይታ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፣ “እትልምንዎ ኵሉ፣” “እትደልይዎ ዘበለ፣” ብምባል ዝሃቦም ተስፋታት፣ ቃል ብቓል ክንወስዶም ዘይንኽእል ይመስል። ኣብ ጌተሴማኔ ዝተወሃበ ትምህርቲ፣ ኣዕሚቕና ምስ እንፍትሽ ግና፣ ጸሎትና መልሲ ከምዝረክብ፣ ዘተኣማምን መሰረትን ንጹር መርኣዪን ምዃኑ ንርዳእ። ወዲ ኣምላኽ፣ ብኸመይ ብብኽያትን ብንብዓትን፣ ጸሎትን ልማኖን ከምዝቐረበን መልሲ ልማኖኡ ግና ከምዘይረኸበን፣ ዘርኢ ዓቢ ምርኢት ክንዕዘብ፣ ብኣኽብሮትን ብኣምልኾን ንቕረብ። ንሱ ባዕሉ ኢዩ፣ መምህርና እሞ፣ ኣብዚ ዘደንቕ ጸሎት ንዝተገለጸ፣ ምስጢር ቅዱስ መስዋእቱ ክገልጸልና ኢዩ።

ነዚ ጸሎት ንምርዳእ፣ ኣብ መንጐ ጐይታና ቅድሚ ሒደት እዋን፣ ከምመንግስቲ ሊቀ ካህን ዝጸለዮን ኣብዚ ኣብ እዋን ድኻሙ ዝለመኖን፣ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ፍልልይ ንተዓዘብ።

ኣብቲ ምእንቲ ኣቦኡ ክኸብር፣ ከምኡውን ሳላ እቲ ንሱ ዝሃቦ ፍሉይ ተስፋታት ምልኣት ብምርካቡ፣ ምእንቲ ገዛእ ርእሱን ህዝቡን ክኸብሩ ኢዩ ዝጸለየ። ንሱ ብዝፈልጦ ብመሰረት ቃልን ፍቓድን ኣቦ ለመነ። ንሱ ብትብዓት፣ “ኣቦ! እደሊ ኣሎኹ።” ክብል ከኣለ።

ኣብዚ ፍቓድ ኣቦ ንዕኡ ኣብ ዘይነጸረሉ ኵነታት ጸለየ። ነታ ጽዋእ ክሰቲ ፍቓድ ኣቦ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ብዛዕባ እታ ክሰትያ ዘለዎ ጽዋእ ንደቀ መዛሙርቱ ነጊሩዎም ኢዩ። ድሕሪ ሒደት እንደገና ከምዚ ኢሉ፣ “ነታ ኣቦይ ዝሃበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያን ዶ እየ?” ምእንትዚ ኢዩ፣ ናብ ምድሪ ዝመጸ። ይኹንምበር ሓይሊ ጸልማት ኣብ ልዕሌኡ ምስ መጸ፣ ነፍሱ ክዝረብ ብዘይኽእል ስቓይ ክትኰስ ምስ ደለየትን ቍጥዐ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዘውረዶ ናይ መጀመርታ ንጣብ ሞት ክጥዕም ምስ ጀመረን፣ ሰብኣዊ ባህሪኡ፣ ናብ መርገም ከምዝተለወጠ ተረዲኡ ኣንፈጥፈጠ፣ ነዚ ናይ ሰቘቓ ድምጺውን ኣውጽአ። ምናልባት መደብ ኣምላኽ ብዘይካዚ እንተ ተፈጸመ ብምባልውን፣ “እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ።” ብምባል፣ እታ ጽዋእ ክትሓልፎ ደለየ። እዚ ድሌት፣ ናይ ሰብኣዊ ባህሪኡ ዓሚቝ መረጋገጺ ኢዩ። እቲ “ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን” ዚብል ቃል፣ ነቲ ድሌት ሓጢኣት ካብ ምዃኑ ኣድሓኖ። “ኵሉ ይከኣለካ ኢዩ፣” ብምባል ኣብ ዝለመነሉን እንደገናውን ተመሊሱ ብዛዕባ እታ ጽዋእ ከተልግስ ዝያዳ ብልቢ ኣብ ዝጸለየሉን፣ እንታይነትን ክብሪን መስዋእቱ ዘጠቓለለ፣ “ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን" ዚብል ቃል፣ ሰለስተ ግዜ ደገመ።

ንሱ፣ እዚ ፍቓድካ ኢዩ፣ ብምባል ደፊሩ ክዛረብ ንዘይኽእሎ ነገር ለመነ። ንሱ፣ ንሓይሊን ንፍቕሪን እግዚኣብሄር ለመነ፣ ካብኡ ኣብ መወዳእታ፣ “ፍቓድካ ይኹን።” ብምባል፣ ነቲ ልማኖ ስሒቡዎ። እታ ጽዋእ ትሕለፍ፣ ዝብል ጸሎት መልሲ ኣይረኸበን። ፍቓድ ኣምላኽ ይፈጸም፣ ዚብል፣ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ጸሎት ተሰሚዑ። እዚ ጸሎት ፈለማ ኣብ ልዕሊ ፍርሂ ኣብ ዝተዓወተሉ፣ ብምቕጻል ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ሞት ኣብ ዝተዓወተሉ እዋን፣ ብኽብሪ ተመሊሱ።

ኣብዚ ክርስቶስ ፍቓዱ ብምቕባጽ ኢዩ፣ ማለት ፍቓዱ ምሉእ ብምሉእ ንፍቓድ ኣቦ ኣሕሊፉ ብምሃብ፣ ተኣዛዝነቱ ኣብ ዝልዓለ ምልኣት ዝበጽሐ። ኣብ ጌተሴማኔ እቲ ፍቓድ ገዛእ ርእሱ ስለ ዝሰወአ ኢዩ፣ ህይወት ጐልጐልታ ዋጋኡ ዝረኸበ። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝገልጾ፣ ኣብዚ ኢዩ፣ ምእዛዝ ዝተማህረ፣ ከምኡውን ነቶም ንዕኡ ዝእዘዝዎ፣ ጀማሪ እቲ ዘለኣለማዊ ድሕነት ዝዀነ። ንሱ፣ ኣብዚ ጸሎት፣ ርእሱ ክሳዕ ሞት ስለ ዘትሓተን ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል ስለ ዝተኣዘዘን ኢዩ፣ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ኵሉ ልዕል ዘበሎ፣ ከምኡውን ድሌቱ ክልምን ስልጣን ዝሃቦ። “ኣቦ! ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን።” ኣብ ዝብል ኢዩ፣ "ኣቦ! እደሊ ኣሎኹ።” ናይ ምባል ስልጣን ዝረኸበ። ክርስቶስ ኣብ ጌተሴማኔ ንፍቓዱ ዘይኰነ፣ ንፍቓድ ኣቦኡ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ ኢዩ፣ ንህዝቡ፣ “እትደልይዎ ዘበለ ለምኑ።” ክብል መሰል ዝረኸበ።

ነቲ ጌተሴማኔ ዝምህረኒ ዓሚቝ ምስጢር ደጊመ ክርእዮ። እቲ ቀዳማይ እዚ ኢዩ፦ ኣቦ ነቲ ኣጸቢቑ ዘፍቅሮ፣ ነታ ጽዋእ፣ ጽዋእ ቝጥዓ ቀሪቡሉ። እቲ ካልኣይ፦ እቲ ኵሉ ጊዜ እዙዝ ዝዀነ ወዲ፣ ብሰቐቐን ንድሕሪት ብምባል፣ ከይሰትያ ለመነ። እቲ ሳልሳይ፦ ኣቦ፣ ወዲ ነታ ጽዋእ ክሰትያ ሃቦ እምበር፣ ድሌቱ ኣየፍቐደሉን። እቲ ናይ መወዳእታ ከኣ፦ ወዲ ፍቓዱ ብምቕባጽ፣ ዋላውን ፍቓዱ እንተ ዘይተፈጸመ፣ ዕጉብ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ነታ ጽዋእ ክሰቲ ናብ ጐልጐልታ ኣምርሐ። ዎ ጌተሴማኔ! ኣባኺ ጐይታይ ጸሎተይ ከምዝምልሰለይ ደረት ዘይብሉ መረጋገጺ እርኢ። ንሱ፣ ሳላ ልማኖኡ መልሲ ብዘይ ምርካቡ ዝተሰማምዐ፣ ንዓይ ናይ ዓወተይ መረጋገጺ ሂቡኒ።

እዚ ምስ ኵሉ መደብ ድሕነት ይሳነ እዩ። ጐይታና፣ ኵሉ ጊዜ ኣንጻር ስቕያቱ ዝዀነ ነገር ንዓና ሂቡና ኢዩ። ንሕና ምእንቲ ናጻ ክንወጽእ፣ ንሱ ተኣሲሩ። ንሕና ምእንቲ ጽድቂ ኣምላኽ ክንኸውን፣ ንሱ ሓጢኣትና ተሸኪሙ። ንሕና ምእንቲ ክንነብር፣ ንሱ ሞይቱ። ንሕና ምእንቲ በረኸት ኣምላኽ ክንረክብ፣ ንሱ መርገም ኣምላኽ ተሸኪሙ። ንሕና ምእንቲ ጸሎትና መልሲ ክረክብ፣ ንሱ ጸሎቱ ብዘይ ምምላሱ ሕራይ ኢሉ ተቐበሎ። እወ፣ ምእንቲ ንዓና፣ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ክብል፣ “ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን፣” በለ።

እወ፣ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣” ዚብል ቃል፣ ኣብዚ ኣብ ጌተሴማኔ ሓድሽ ሓይሊን ዕምቘትን ረኸበ። ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ደው ዝበለ መረጋገጺን ንሕና ንዘለኣለም ክንሽከሞ ዝግባእ ነገር ዝተሸከመን፣ እቲ ርእስና ኢዩ። እግዚኣብሄር፣ ንዓና ጸማም እዝኒ ክህበናን ልመናና ፈጺሙ ከይሰምዕን ምተገብአ ነይሩ። ነዚውን ክርስቶስ መጺኡ ምእንታና ተሳቂዩ ኢዩ፦ ንሕና ክንሳቐዮ ዝግባእ ንሱ ተሳቒዩልና። ነታ ዘይተመለሰት ጸሎት ተሸኪሙ ድማ፣ ምእንቲ ሓጢኣትና ተሳቐየ። ሕጂ ግና ስቕያቱ፣ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ኣምጽኣለይ፣ እቲ ንሱ ዝተሸከሞ ካባይ ተራጊፉለይ። ሳልኡ ኣነ ኣብኡ እንተ ጸኒዐ፣ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት መልሲ ከምዝረክብ ጌሩለይ።

እወ፣ ብዕኡ፣ ንሱ ኣብ ጌተሴማኔ ኣብ ዝደነነሉ፣ ኣነ ክጸንዕ ኣሎኒ። ከምርእሰይ፣ ምእንታይ ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኰነ ተሳቒዩ፣ እኳ ደኣ ስልጣኑ ኣባይ ክትንፍስን ክዓዪይን፣ ብቐጻሊ ኣባይ ይነብር ኣሎ። እቲ ገዛእ ርእሱ ናብ ኣምላኽ ዝቐረበሉ ዘለኣለማዊ መንፈስ፣ ንሱ ኢዩ ኣባይ ዝነብር መንፈስን ተማቓሊ እቲ ተኣዛዝነትን ፍቓድካ ንኣምላኽ መስዋእቲ ምግባርን ዘኽእለኒ። እቲ መንፈስ፣ ፍቓደይ ምሉእ ብምሉእ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣሕሊፈ ክህብ፣ ክሳብ ሞትውን እንተ ዀነ ኣሕሊፈ ክህብ፣ ኣብ ክርስቶስ ምውት ክኸውን ይምህረኒ። ካብ ገዛእ ኣእምሮይ፣ ሓሳበይን ፍቓደይን፣ ዋላውን ብቐጥታ ሓጢኣት ኣይኹን፣ ካብኡ ክጥንቀቕን ክሃድምን ይምህረኒ።

ንሱ፣ ኣቦ መዓልታዊ ዝዛረቦን ዝምህሮን፣ ኣዚዩ ሕያዋይን ክመሃር ድልው ብዝዀነን ነፍሲ ክጽበ እዝነይ ይኸፍተለይ። ንሱ፣ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብፍቕሪ ምሕባር፣ ምስ እግዚኣብሄር ምሕባር ምዃኑ ይምህረኒ። ኵለንተናኻ ንፍቓድ ኣምላኽ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኢዩ፣ ኣቦ ዝጠልብ፣ ወዲ ኣርኣያ ዝዀነ፣ ከምኡውን ሓቀይና ቡራኼ ነፍሲ ዝዀነ። ንሱ፣ ፍቓደይ ምስ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ክሓብር ይመርሖ። ፍቓደይ ምእንቲ ብዕኡ ዳግም ህይወት ክረክብ፣ ኣብኡ ይመውት።

ከምዳግም ዝተሓደሰን ዝተበራበረን፣ ምስ ፍጹም ዝዀነ ፍቓድ ኣምላኽ ብቕድስና ዝተሰማምዐ፣ ገዛእ ርእሱ ብቕዱስ ፍቓድ መሳርሒ ፍቓድ ኣቦ ክኸውን ኣሕሊፉ ዝሃበ፣ ብቕዱስ ናጽነትን ሓይሊን፣ መልሲ ጸሎት ንዝህብ ፍቓድ ኣምላኽ ክጭብጥ፣ ንሱ ይትንፍሰሉ። ኣነ ምእንቲ ረብሓ ኣምላኽን መንግስቱን ክነብር፣ ሓይሊ እቲ ፍቓድ ከተግብር፣ ኣብ መስቀል ክስቐል ግና ዳግም ክትንስእ፣ ብተፈጥሮን ብጸሎትን፣ ኣብ ምድሪን ኣብ ሰማይን፣ ምስ ሰብን ምስ ኣምላኽን፣ ብምሉእ ፍቓደይ ክመሃር እየ።

“ኣቦ! ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን።” ኣብ ዚብል፣ ኣብ ጌተሴማኔ ዝተወሃበ ቃል፣ ብዕምቘት ኣብ ዝኣትወሉን ምስቲ ከምኡ ኢሉ ዝተዛረበ ምዝጸንዕን፣ “ኣቦ! እደሊ ኣሎኹ።” ክብል ምሉእ መንፈሳዊ ስልጣን ይህልወኒ። ከምኡውን እታ ነፍሲ፣ እቲ ምእንቲ ፍቓድ ኣምላኽ ኵሉ ክኸውን፣ ገዛእ ርእሱ ዝቐበጸ ፍቓድ፣ ሕጂ ብመለኾታዊ ሓይሊ ብሓቂ ፍቓድ ኣምላኽ ክደሊን ብስም ክርስቶስ ዝተወሃበ ተስፋ ክወሃቦ ክጠልብን ምዃኑ ክተስተማቕር ኢያ።

ዎ ክርስቶስ ኣብ ጌተሴማኔ፣ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ብምባል ዝገበሮ ጻውዒት ንስማዕ። ኵሉ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምሃብ፣ ልክዕ ከምኡ ነቦ እዙዛት ብምዃንን ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍ ብምሃብ ብምንባርን፣ ምስኡ ሓደ ኣእምሮን መንፈስን ንኹን። እዚ ኣብኡ ምጽናዕ ኢዩ። እዚ ጸሎት ናይ ዘለዎ ሓይሊ ምስጢር ኢዩ።

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ጐይታ የሱስ! ጌተሴማኔ ምጽላይን ተኣዛዚ ምዃንን ዝተመሃርካሉ ቤት ትምህርትኻ ኢዩ። ሕጂውን ከማኻ እዙዛት ክዀኑን ክጽልዩን ንኽመሃሩ ዝብህጉ ኵሎም ደቀ መዛሙርትኻ እትመርሓሉ ቤት ትምህርትኻ ኢዩ። ጐይታ! በቲ ዋጋ ዝኸፈልካሉን ገዛእ ፍቓድና ዝሰኣርካሉን እምነት ምጽላይ ምሃረኒ። ከምኡውን ልክዕ ከማኻ ክንጽሊ ጸጋ ሃበና።

ዎ ገንሸል ኣምላኽ! ኣብኡ ምሳኻ ሓደ ክኸውን፣ ከምቲ ክሳብ ሞት ፍቓድካ ነቦ ኣሕሊፍካ ዝሃብካ፣ ኣባኻ ክጸንዕ፣ ናብ ጌተሴማኔ ክስዕበካ እየ። ምሳኻ፣ ብመገድኻ፣ ኣባኻ፣ ገዛእ ፍቓደይ ምሉእ ብምሉእ ንፍቓድ ኣቦ ኣሕሊፈ ክህብ እየ። ድኻመይን ገዛእ ፍቓድና እንደገና ናብ ዝፋን ዝምለሰሉ ምስጢራዊ ሓይሊን ብምርዳእ፣ ብእምነት ሓይሊ ዓወትካ እጠልብ። ንስኻ ኣብ ልዕሊኡ ተዓወት፣ ንዓይ ድማ ካብኡ ኣድሕነኒ። ብሞትካ ኣነ መዓልታዊ ይነብር። ኣብ ህይወትካ ኣነ መዓልታዊ ይሙት። ኣባኻ ብምጽናዕ፣ ፍቓደይ ብሓይሊ ዘለኣለማዊ መንፈስካ፣ ፍቓድ ኣምላኸይ ንዝትንክፎ ነፍሲ ወከፍ ቅኒት መሳርሒ ጥራይ ይኹን። ምሳኻን ኣባኻን፣ ብምሉእ ነፍሰይ፣ “ኣነ ከምዝደልዮ ኣይኹን።” ይብል ኣሎኹ።

ካብኡ፣ ብሩኽ ጐይታ! ምእንቲ ብምልኣት ክብረት እቲ ሓቂ፣ ማለት ንኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ፍቓድ፣ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክሳተፍ ቅቡል ዝዀነ፣ ከምኡውን ፍቓዱ ከምፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ምዃኑ ክርዳእ፣ ንልበይን ልቢ ኵሉ ህዝብካን ክፈት። እዚ ፍቓድ፣ ብሓይሊ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፣ መንግስታዊ ጸሎት ናይ ምግባር መሰሉ ክትግብር፣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድሪን ክፈትሕን ክኣስርን፣ ዝደልዮ ዘበለ ክልምንን ከምኡ ከኣ ይኹን ክብልን ኢዩ።

ዎ ጐይታ የሱስ! ምጽላይ ምሃረኒ። ኣሜን።