ምዕራፍ ዕስራን ሸቡዓተን

ክርስቶስ ሊቀ ካህን

“ዎ ኣቦይ፣ እዞም ዝሃብካኒ ኣብቲ ኣነ ዘሎኹዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ ኣሎኹ።” (ዮሃ 17፣24)

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፣ ኣብ መሰናበቲ ኣብ ዝተዛረቦ ዘረባ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኣብ እትመጻሉ፣ እቲ ሓድሽ ህይወት እንታይ ከምዝመስል፣ ምሉእ መግለጺ ሃበ። ኣብ ምሕዳር መንፈስ ቅዱስ፣ ምስኡ ምስቲ ሰማያዊ ጉንዲ ወይኒ ብምሕባር፣ ምእንታኡ ክምስክሩን መከራ ክጸግቡን፣ ከምእተጸውዑን ብዕኡ ከምዝባረኹን ክፈልጡ ኢዮም። ጐይታ፣ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ሓድሽ ህይወቶም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሕብረሉ፣ ጸሎቶም ዝህልዎ ሓይሊ ኣመልኪቱ፣ ብተደጋጋሚ ደረት ኣልቦ ተስፋታት ሃበ። ሕጂ ድማ፣ ኣብ መዕጸዊ፣ ንሱ ባዕሉ ክጽሊ ንቕድሚት ኣምርሐ። ደቀ መዛሙርቱ፣ ንሱ ከምሊቀ ካህኖም፣ ነቲ ኣብ ሰማይ ምእንታኦም ዚልምኖ ልማኖ ብሓጐስ ክፈልጡ፣ ነዚ ናብ ኣቦ ዝገበሮ ጸሎቱ፣ ከምልዑል ውርሻ ሃበ። ንሱ ነዚ ዝገበረ፣ ንሳቶም ከምካህናት፣ ኣብቲ ምእንቲ ካልኦት ዝፍጽሞ ልማኖ፣ ተማቐልቲ ክዀኑ ኢሉ ኢዩ። ንሱ ድማ፣ ንሳቶምን ንሕናን ነዚ ቅዱስ ዕዮ ብኸመይ ከምእንፍጽሞ ክንፈልጥ ኢሉ ኢዩ። ጐይታ፣ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ምሸት ኣብ ዝመሃሮ ትምህርቲ፣ እዚ ኣደናቒ ናይ ጸሎት ተስፋ፣ ምእንቲ ረብሓና ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ምእንቲ ረብሓ ጐይታን መንግስቱን ከምእተወሃበ ክንፈልጥ ክኢልና ኣሎና። ብስሙ ምጽላይ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ከምዝረክብን፣ ካብ ጐይታ ጥራይ ኢና ክንመሃሮ ንኽእል። ብስሙ ምጽላይ፣ ምስኡ ብፍጹም ሕብረት ምጽላይ ምዃኑ ተረዲእና ኢና። እቲ ሊቀ ካህናዊ ጸሎት፣ ብስም የሱስ ምጽላይን ምጽባይን እንታይ ማለት ምዃኑ፣ ብምልኣት ይምህር ኢዩ።

ብልሙድ እዚ ጸሎት ብሰለስተ ክፋላት ይምቐል። ጐይታና ፈለማ ንገዛእ ርእሱ ጸሊዩ። (ቍ. 1-5) ካብኡ ንደቀመዛሙርቱ ጸሊዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፣ ኣብ ኵሉ ግዜታት ንዘለዉ ኵሎም ኣመንቲ ጸሊዩ። እቲ ነገልግሎት ምእንቲ ካልኦት ምልማን፣ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ፣ ከምኡውን ብስም የሱስ ብምጽላይ ክንድምንታይ በረኸት ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ከምዘምጽእ ብሓጐስ ዝነጥፍ ሰዓቢ የሱስ፣ ብመንፈስ ተመሪሑ ነዚ ካብቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸሎት ዝርከቡ ኣገደስቲ ትምህርትታት ሓደ ዝዀነ፣ ኣደናቒ ጸሎት ከጽንዕ፣ ኣዚዩ ትሒቱ ክቐርብ ኢዩ።

ቅድሚ ኵሉ፣ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ጸለየ። ምእንቲ ነቦኡ ከኽብር፣ ንሱ ክኸብር ለመነ። “ንሱ ምእንቲ ከኽብረካስ፣ ንወድኻ ኣኽብሮ።” ካብኡ ስለምንታይ ነዚ ከምዝጸለየ ኣረድአ። ኣብ መንጐ ኣቦን ወዲን ኣብ ሰማይ ቅዱስ ኪዳን ተፈጸመ። ኣቦ ከምዓስቢ ዕዮኡ፣ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ከምዝህቦ፣ ቃሉ ሂቡዎ ኢዩ። ንሱ ዕዮኡ ዛዚሙ ኢዩ። ነቦ ኣኽቢሩዎ ኢዩ። ሕጂውን እንተ ዀነ፣ ሓደ ዕላምኡ ንዕኡ ከኽብር ኢዩ። ሕጂ ምእንቲ ዝተቐበሎ ዕማም ንህዝቡ ክገብረሎም፣ ብልዑል ትብዓት ኣቦ ንዕኡ ከኽብሮ ለመነ።

ደቀ መዝሙር የሱስ! ምእንቲ ካልኦት እትልምኖ ክህነታዊ ኣገልግሎት፣ ካብ’ቲ ሊቀ ካህንካ ብኣብነት እትመሃሮ፣ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ኢዩ። ብስም የሱስ ምጽላይ፣ ምስኡ ብምሕባርን ብምድንጋጽን ምጽላይ ኢዩ። ከምቲ ወዲ፣ ጸሎቱ፣ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና ብንጹር ብምርኣይ ዝጀመረ፣ ማለት ዕዮኡ፣ ተኣዛዝነቱን ባህጉን፣ ኣቦኡ ኸቢሩ ክርኢ ዝዀነ፣ ንስኻውን ከምኡ ግበር። ናብ ኣቦ ብክርስቶስ ቅረብን ተራኣይን። ነቲ ዝተፈጸመ ዕዮኡ ለምን። ንስኻ ምስኡ ሓደ ምዃንካ፣ ከምእትእመኖን ኣብኡ ከምእትነብርን ግለጽ። ንስኻውን፣ ኣቦ ዝሃበካ ዕዮ ክትፍጽም፣ ገዛእ ርእስኻ ከምዝሃብካን ምእንቲ ክብሩ ጥራይ ከምእትነብርን ግለጽ። ካብኡ ብርእሰ ተኣማንነት ወዲ ኣባኻ ክኸብር ለምን። እዚ፣ ብስሙ፣ በተን ቃላት፣ ብመንፈስ የሱስ፣ ምስ የሱስ ባዕሉ ብምሕባር፣ ምጽላይ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ጸሎት ሓይሊ ኣለዎ። ምስ የሱስ ነቦ እንተ ኣኽቢርካ፣ ኣቦ ብስሙ ዝለመንካዮ ብምሃብ፣ ንየሱስ የኽብሮ ኢዩ። ምስ እግዚኣብሄር ዘሎካ ውልቃዊ ዝምድና፣ ልክዕ ከምቲ ክርስቶስ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና ንጹር ምዚኸውን፣ ንዕኡ ምስ እተኽብሮን ኵሉ ምእንቲ ክብሩ ምስ እትደሊን፣ ከምክርስቶስ፣ ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ክትልምነሎም ሓይሊ ይህልወካ።

ብምቕጻል ጐይታና ኣብ ማእከሉ ንዘለዉ ደቀ መዛሙርቱ ጸለየ። ንዓታቶም እቶም ኣቦይ ዝሃበኒ ብምባል ገለጾም። እቲ ቀንዲ ምልክቶም፣ ቃል ክርስቶስ ምቕባሎም ኢዩ። ንሱ ብዛዕባኦም፣ ከምቲ ኣቦ ንዕኡ ዝለኣኾ፣ ኣብ ክንዳይ ናብ ዓለም ዝለኣኽኩዎም ብምባል ተዛረበ። ንዕኦም ድማ፣ ክልተ ነገራት ለመነ። ኣቦ ካብቲ ክፉእ ክሕልዎምን ንሱ ምእንታኦም ገዛእ ርእሱ ስለ ዝቐደሰ፣ ብቓሉ ክቕድሶምን ኢዩ።

ልክዕ ከምጐይታ፣ ነፍሲ ወከፍ ምእንቲ ካልኦት ዚልምን ኣማኒ፣ ፈለማ ዝጽልየሎም ብቐረባ ኣብ ማእከሉ ዝርከቡ ሰባት ኣለዉ። ወለዲ ደቂ ኣለዎም። መማህራን ተማሃሩ ኣለዎም። መገብቲ መጓሰ ኣለዎም። ኵሎም ዓየይቲ ነናቶም ፍሉይ ተልእኾ ኣለዎም። ኵሎም ኣመንቲ ኣብ ፍቕሮም ዝውከሉ ሰባት ኣለዎም። ምእንቲ ካልኦት ዝግበር ልማኖ፣ ብዛዕባ ፍሉጥ ሰብነት፣ ንጹርን ጭቡጥን ክኸውን ይግባእ። እቲ ናይ ፈለማ ጸሎትና ድማ፣ ቃል ኣምላኽ ክቕበሉ ክኸውን ኣለዎ። ይኹንምበር እዚ ጸሎት ብሓቂ ከድምዕ፣ ምስ ጐይታና ሓቢርና፣ “ኣነ ቓልካ ሃብክዎም።” ክንብል ይግባእ። እዚ ከኣ ኢዩ፣ ምእንቲ ካልኦት ነፍሳት ክንልምን፣ ናጽነትን ሓይሊን ዝህበና። ክንጽልየሎም ጥራይ ዘይኰነ፣ ክንሕብሮምውን ኣሎና። ካብኡ፣ ነቲ ቃል ምስ ተቐበሉ ድማ፣ ብዝበለጸ ካብቲ ክፉእ ክሕለዉን በቲ ቃል ክቕደሱን ክንጽልየሎም ንኽእል። ኣብ ክንዲ በቶም ብሓጢኣት ዝወደቑ ተስፋ ንቘርጽ፣ ንፈርዶምን ንገድፎምን፣ ኣብ ማእከልና ንዘለዉ ጸሎት ንግበረሎም። “ኣቦ፣ ብስምካ ሓልዎም፣” “ብሓቕኻ ቐድሶም።” ብስም የሱስ ምጽላይ፣ ብዙሕ የስልጥ ኢዩ። “እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።”

ካብኡ ንዝሰፍሐ ከባቢ ዝግበር ጸሎት ጐይታና ይስዕብ። “ስለቶም ብቓሎም ብዓይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፣ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ።” ምእንቲ ኵሉ ቦታን ኵሉ ግዜን ክሓቍፍ፣ ክህነታዊ ልቡ ኣግፍሐ። እቶም ኵሎም ናቱ ዝዀኑ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ሓደ ክዀኑ ጸለየ። እዚ ከኣ፣ ምእንቲ ናቱ ተልእዀ መለኾታዊ ምዃኑ ክፍለጥ፣ ኣምላኽ ዝህቦ መረጋገጺ ኢዩ። ብድሕር’ዚ ንዘለኣለም ምስ ክብሩ ክሓብሩ ኢዮም። ክሳብ ሽዑ፣ “እታ ብዕኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ክትኸውን ኣነውን ኣባታቶም።” በለ።

ኣብ ቐረባ ኣብ ማእከሉ ኣብ ዝርከቡ ሰባት፣ ጸሎት ንዘለዎ ሓይሊ ዘረጋገጸ ደቀ መዝሙር የሱስ፣ ገዛእ ርእሱ ኣብኡ ወሲኑ ኣይተርፍን ኢዩ። ነታ ዓለም ለኻዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ጨናፍራን ጸሎት ይገብር። ብፍላይ ንመንፈሳዊን ፍቕራዊን ሕብረት ይጽሊ። ብክርስቶስ ሓደ ክትኸውን ይጽሊ። እዚ ድማ፣ እቲ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ስሰዐን ምፍልላይን ክትዕወት ዝገበረ፣ ክርስቶስ፣ ካብ ሰማይ ዝተላእኸ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ፣ ንዓለም ንኽትምስክር ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ፣ ንሓድነት ቤተ ክርስቲያን ግድን ክጽሊ ይግባእ። እዚ፣ ሓድነት ብግዳማዊ ውዳበ ዝርአ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ብመንፈስን ብሓቂን ዝጋሃድ ኢዩ።

ነገራት ጸሎት ኣብዚ የብቕዕ። ሕጂ ድማ ንኣገባቡ ንርአ። የሱስ፣ “እደሊ ኣሎኹ።” በለ። ብመሰረት ከምወዲ ብዘለዎ መሰል፣ ከምኡውን ኣቦ ዝሃቦ ተስፋን ንሱ ባዕሉ ዝፈጸሞ ዕዮን፣ ከምኡ ክብል ይኽእል ኢዩ። ኣቦ ንዕኡ፣ “ለምን ክህበካ እየ።” በሎ። ንሱ፣ ተስፋ ኣቦ ክሳለጥ፣ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ሂቡ ኢዩ። የሱስ፣ ንዓና ተመሳሳሊ ተስፋ ሂቡና ኢዩ። “እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ንሱ፣ ንዓይ ብስሙ ዝደለዮ ዘበለ ኵሉ ክልምን ነገረኒ። ምስኡ ህያው ዝዀነ ሕብረት ብምፍጻም ኣብኡ ምጽናዕ፣ ክርስቶስ ኵሉ ዝዀነሉን ሰብ ግና ገለ ኣብ ዘይኰነሉን፣ እቲ ኣማኒ ብናጽነት ቃል ሊቀ ካህኑ ክወስድን፣ “እንታይ ትደሊ?” ተባሂሉ ኣብ ዝሕተተሉ፣ “ኣቦ፣ ኵሉ ዘተስፈኻዮ እደሊ።” ብምባል ክምልስ ኢዩ። እዚ ካልእ ነገር ዘይኰነ፣ ሓቀይና እምነት ኢዩ። እዚ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ምሃብ ኢዩ። እንታይ ከምዝደሊ ብርእሰ ተኣማንነት ምግላጽ፣ ኣብኡ ብርግጽ ተቐባልነት ኣለዎ። ፈለማ በዚ ኣገላልጻ ልብና ይሳቐቕ ይኸውን ኢዩ። ከምኡ ኢልና ክንዛረብ፣ ናጽነትን ሓይሊን ከምዘሎና ኰይኑ ኣይስማዓናን ኢዩ።

ኵሉ ፍቓድና ብምቕባጽና ጸጋ ይወሃብና ኢዩ። ነቲ ፍቓዱ ምእንቲ ጐይታኡ ዝቐበጸ፣ ብዘይ ጥርጥር ጸጋ ክወሃቦ ኢዩ። እቲ ፍቓዱ ዘጥፈአ ክረኽቦ ኢዩ። እቲ ፍቓዱ ምሉእ ብምሉእ ዝቐበጸ፣ እንደገና ብመለኾታዊ ሓይሊ ተሓዲሱን በርቲዑን ክረኽቦ ኢዩ። “ኣቦ! እደሊ ኣሎኹ።” እዚ፣ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ጐይታና ኣብ ሰማይ ምእንቲ ካልኦት ዝፍጽሞ፣ ዘለኣለማዊ፣ ኵሉ ግዜ ንጡፍ፣ ኵሉ ግዜ ዕውት፣ ልማኖ ኢዩ። ጸሎትና ምስኡ ኣብ እንሓብረሉ እዋን ጥራይ የድምዕ። ምስኡ ብምሕባር ብዙሕ የድምዕ ኢዩ። ኣብኡ እንተ ንጸንዕ፣ ብስሙ እንተ እንነብር፣ ብስሙ እንተ እንስጕምን ብስሙ ኵሉ ነገር እንተ እንገብርን፤ ብቓሉን ብመንፈሱን ዝተፈተነን ዝተዳህሰሰን፣ ነፍሲ ወከፍ ፍሉይ ልማኖ ሒዝና እንተ እንመጽእን እንተ እንቕርብን፣ ከምኡውን ምእንቲ ናብ ቅድሚ ኣቦ ክቐርብ፣ ኣብቲ ናብኡ ዝድይብ ምእንቲ ካልኦት ኣብ ዝውሕዝ ልማኖ እንተ እንውስኾ፤ ነቲ እንልምኖ ከምእንረክብ ርግጸኛታት ምዀንና ኔርና። እቲ መንፈስ ባዕሉ፣ “ኣቦ፣ እደሊ ኣሎኹ።” ዚብል ቃል ኣባና ምተንፈሰ ነይሩ። ምእንቲ ኣብ ድኻምና ሓይሊን ዓወትን ከምዘሎና ክንፈልጥ፣ ኣብኡ ገዛእ ርእስና ክነጥፍእን ገለ’ኳ ከይንኸውንን ይግባእ።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ! ኣብቲ ንኻልኦት ኣብ ዝፍጽሞ ክህነታዊ ልማኖ፣ ንጐይታ ክትመስሉ ዝተጸዋዕኩም፣ መዓስ፣ ዎ መዓስ! ኵሉ ሓሳባት ብምሕላፍ፣ ምእንቲ እቲ ክብሪ ብምንቃሕ፣ ስለ እቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ሰባት፣ ምስ ኣምላኽና ክንልምንን ክንዕወትን ክንውስን ኢና? ዎ መዓስ ኢና፣ ብስም ትሕትና ዝተኸደናዮ ክዳን ትህኪት ኣውጺና ንድርብን ምእንቲ ኣምላኽና ነቶም ፍቓድና ኣብኡ ዝገበርና ክህበና ቀሪቡዎ ዘሎ ክንፈልጥን ክንውንንን፣ ንፍቓድና ብብርሃንን ብሓይሊን ክምልእ፣ ኵለንትናና ንመንፈስ ኣምላኽ ኣሕሊፍና ንህብ።

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ዎ ኣታ ብሩኽ ሊቀ ካህነይ! ኣብቲ ዕውት ዝዀነ ምእንቲ ካልኦት ዝፍጸም ልማኖ ተማቓሊ ስልጣንካ ክኸውን ዝጸዋዕካኒስ፣ ኣነ መን እየ? ከምኡውን ንምንታይ፣ ዎ ጐይታይ! ልበይ ነዚ ንህዝብኻ ዝተበጃኻሉ ኣደናቒ ሓለፋ ክርዳእ፣ ክኣምንን ክትግብርን ኣዚየ ዝድንጒይ። ዎ ጐይታ! ምእንቲ’ዚ፣ ማለት ብዘይ ምቑራጽ ብምጽላይ፣ ሰማያዊ በረኸት ናብ ምድሪ ኣብ ከባቢየይ ናብ ዘለዉ ሰባት ክወርድ፣ ዘየቋርጽ ልዑል ናይ ህይወት ዕዮይ ክኸውን ጸጋኻ ሃበኒ።

ብሩኽ ጐይታ! ነዚ ጻውዒተይ ክቕበል ሕጂ መጺአ ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፣ ኵሉ ክቐብጽን ክስዕበካን እየ። ኵለንተናይ ብእምነት ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ እህብ ኣሎኹ። ካብቶም ኣባላት ናይ ጸሎት ሰራዊትካ ሓደ ክኸውን፣ ስርሓኒ፣ ዓልመኒን ኣተባብዓኒን ኢኻ። ኣብ ጸሎት ዝነቕሕን ዝቓለስን፣ ከም እስራኤልን ልኡላት ኣምላኽን፣ ሓያልን ዕውትን ግበረኒ። ልበይ ወንኖን ብባህጊ ክብሪ ኣምላኽን ምልኣዮ። ባህገይ ኣብ ምእካብ፣ ምቕዳስን ሕብረትን እቶም ኣቦ ንዓኻ ዝሃበካ ይኹን። ኣእምሮይ ውሰዶ እሞ፣ ጸሎት መዓስ በረኸት ከምዘምጽእ መጽናዕተይን ጥበበይን ይኹን። ኵለንተናይ ውሰዶ እሞ፣ ከምካህን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውምን ብስሙ ዝባርኽን ግበሮ።

ብሩኽ ጐይታ! ኣብ ኵሉ መንፈሳዊ ህይወት፣ ንስኻ ኵሉ ኣነ ድማ ገለ’ኳ ኣይኹን። እቲ ንገዛእ ርእሱ ገለ ዘይደሊ፣ ኵሉ ከምዝረክብ፣ ከምኡውን ኣብቲ ዘለኣለማዊ ምእንቲ ካልኦት እትፍጽሞ ልማኖውን ብጸጋ ምስኻ ተማቓሊ ከምዝገብሮ፣ ናይ ህይወት ተመክሮይ ይኹን። ኣሜን።