ምዕራፍ ዕስራን ሹዱሽተን

ክርስቶስ ኣማላዲ

“ኣነ ግና፣ እምነትካ ኸይትጠፍእ፣ ምእንታኻ ለመንኩ።” (ሉቃስ 22፣32)

“ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፣ ኣይብለኩምን እየ።” (ዮሃንስ 16፣26)

“ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ኢዩ።” (እብራውያን 7፣25)

ኵሉ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ዘሎ ዕብየት፣ የሱስ፣ ንዓና ብንጹር መን ምዃኑ፣ ምስ ዘሎና ኣራኣእያ ይተኣሳሰር። ክርስቶስ ኵለንተናይ ክኸውንን ኣባይ ክህልውን፣ ግድን ከምዝግባእ፣ ኵሉ ናይ ክርስቶስ ብርግጽ ናተይ ምዃኑውን፣ ዝያዳ ምዝርዳእ፣ ብሓቂ ብእምነት ምንባር፣ ወይ ድማ፣ ንገዛእ ርእስኻ ምሟትን ብምልኣት ንክርስቶስ ምንባርን ብዝያዳ ክመሃር እየ።

ክርስቲያናዊ ህይወት ብቕንዕና ክትነብር ኢልካ ዝግበር ከንቱ ገድሊ ኣይኰነን፣ ግና ምእንቲ ገድሊ ንምግዳልን ዓወት እምነት ንምጭባጥን፣ ኣብ ክርስቶስ ምዕራፍን ኣብኡ ናይ ህይወትና ሓይሊ ክንረክብን ይግባእ። እዚ ብፍላይ ኣብ ናይ ጸሎት ህይወት ሓቂ ኢዩ። ከም ብሕጊ እምነት ጥራይ ዝመጽእን ኣብ የሱስ ኣብ ዘሎ ምልኣትን ፍጹምነትን ዝጋሃድ፣ እቲ ኣማኒ፣ እዚ ጉዳይ ብጭንቀት፣ ወይ ብሻቕሎት እትከናኸኖ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ክርስቶስ ንዕኡን ኣብኡን፣ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ዘስተማቕረሉ ምዃኑ ክርዳእ ኢዩ። ንሱ ድማ፣ ክርስቶስ ከምቲ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ሰማይውን፣ ናብ ኣቦ ኣብ ዘዕርጎ ጸሎት ተሳታፊ ምዃኑ ምፍላጥ ኢዩ። ስለዚ፣ ብመንነት ክርስቶስ ተኣሚኑ፣ ወይ እቲ ዘየድምዕ ጸሎትና ብልማኖኡ ተቐባልነት ከምዝረክብ ብምፍላጡ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ንሱ ኣባና፣ ንሕና ድማ ኣብኡ ኣብ እንጽልዮ፣ ቀረባን ጥቡቕን ሕብረት ተኣሚኑ፣ ጸሎት ክገብር ይጅምር። [3]

ኵሉ ድሕነት ዘበለ፣ ክርስቶስ ባዕሉ ኢዩ። ንሱ ገዛእ ርእሱ፣ ንዓና ኣሕሊፉ ሂቡ ኢዩ። ንሱ ባዕሉ ኣብ ውሽጥና ይነብር። ንሱ ስለ ዝጽሊ፣ ንሕናውን ንጽሊ። ደቀ መዛሙርቲ፣ የሱስ ክጽሊ ከሎ ምስ ርኣይዎ፣ ንሱ ብዛዕባ ጸሎት ናይ ዝፈልጦ ተማቐልቲ ክዀኑ ለመኑዎ፣ ስለዚውን ንሕና፣ ሕጂ ኣብ ዝፋን ምእንታና ከምዝልምን ስለ እንርኢ፣ ኣብ ናይ ጸሎት ህይወት ምስኡ ተማቐልቲ ከምዝገበረና ንፍለጥ ኢና።

እዚ፣ ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት ናይ ህይወቱ ኣመና ነጺሩ ተራእዩ ኢዩ። ኣብ’ቲ ናይ ሊቀ ካህናዊ ጸሎቱ፣ (ዮሃንስ 17) ናብ ኣቦ ብኸመይን እንታይን ከምዝጽሊን፣ ናብ ሰማይ ኣብ ዝዓርገሉ ድማ፣ እንታይ ክጽሊ ምዃኑ ኣርእዩና። መሊሱውን፣ ኣብ ናይ መሰናበቲ ዘረባኡ፣ ብተደጋጋሚ ናብ ኣቦ ምኻዱን ሓድሽ ናይ ጸሎት ህይወቶምን ኣተኣሳሲሩ ገለጸ። ብመሰረቱ እዞም ክልተ ዝተተሓሓዙ ኢዮም። ኣብ’ቲ ንዘለኣለም ምእንቲ ካልኦት ክጽሊ ኣብ ዝዓይዮ ዕዮ ምእታዉ፣ መጀመርታን ሓይሊን ናይ’ቲ ብስሙ ናይ ዝገብርዎ ሓድሽ ናይ ጸሎት ህይወት ኢዩ። የሱስ፣ ክንዲ ካልኦት ዝፍጽሞ ልማኖ ብምርኣይ ኢዩ፣ ብስሙ ናይ ምጽላይ ሓይሊ ንረክብ። ኵሉ መሰልን ሓይሊን ጸሎት፣ ናይ ክርስቶስ ኢዩ። ንሱ፣ ኣብ ክንድ ካልኦት ኣብ ዝገብሮ ልማኖ፣ ተማቐልቲ ክንኸውን ድማ ይገብረና ኢዩ።

ነዚ ንምርዳእ፣ ፈለማ ንሱ ምእንቲ ካልኦት ዝገብሮ ልማኖ ንሕሰብ። ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ኢዩ። ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ከምካህን ዀይኑ ዘገልገሎ፣ መጀመሪ ጥራይ ኢዩ። ከምኣሮን ኢዩ፣ ደሙ ዘፍሰሰ፣ ከምመልከጻድቅ ኢዩ፣ ድሕር’ቲ ስልጣን ዘለኣለማዊ ህይወት፣ ዕዮኡ ኣብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ዀይኑ ዝቕጽል ዘሎ። ከም’ቲ መልከጻድቅ ካብ ኣሮን ዝኸብር፣ ኣብ’ቲ ምእንቲ ካልኦት ኣብ ዚልምኖ ዕዮውን፣ እቲ ምትዕራቕ ሓቀይና ሓይሊን ክብርን ይህልዎ። “ክርስቶስ የሱስ፣ እቲ ዝሞተ፣ ኤረ ኻብ ምውታት እኳ ዝተንስኤ፣ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ ኢዩ።”

እቲ ምእንቲ ካልኦት ዝግበር ልማኖ፣ ልዑል ሓቂ ኢዩ፣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዕዮ ኢዩ፣ ብዘይክኡ ድማ፣ እቲ ቀጻሊ ናይ ምድሓን ተግባር ክፍጸም ኣይኽእልን ኢዩ። ኣብ የሱስ ካብ ሰብ ምወላድን ካብ ሞት ምትንሳእን ኢዩ፣ እቲ ኣደናቒ ዕርቂ ዝተፈጸመ። ብዕኡ ድማ፣ ሰብ ተኻፋሊ መለኾታዊ ህይወትን ቡራኼን ዝዀነ። ይኹንምበር፣ ብዘይ እቲ ርእሲ ሰማያት ብቐጻሊ ዝፍንዎ መለኾታዊ ሓይሊ፣ እቲ ሓቀይና ዕርቂ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣካላቱ፣ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ክፍጸም ኣይኽእልን ኢዩ።

ኣብ ምምላስን ምቕዳስን፣ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣትን ዓለምን ኣብ ዝፍጸም ነፍሲ ወከፍ ዓወት፣ ሓይል’ቲ ንምድሓን ሓያል ዝዀነ፣ ብሓቂ ይርከቦ ኢዩ። እዚ ትግባረ ሓይሉ፣ ብመገዲ ጸሎት ጥራይ ይፍጸም። ንሱ ካብ ኣቦ ይልምን፣ ካብ ኣቦ ከኣ ይረክብ። “ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፣ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል ኢዩ።” ካብቲ ምእንታኦም ብምልማን፣ ካብ ኣምላኽ ዝወሃቦ ንላዕሊ፣ ንህዝቡ ዘድልዮም ነገር የልቦን። እቲ ኣብ ዝፋን ዀይኑ ዝፍጽሞ መንጐኛነት፣ ከምቲ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ፣ ክውንን መተካእታ ዘይብሉን ኢዩ።

ብዘይ እቲ ምእንቲ ካልኦት ዝገብሮ ልማኖ፣ ገለ ነገር ክፍጸም ኣይኽእልን ኢዩ። ምእንቲ ኵሉ ጊዜኡን ሓይሉን ከዋፍር፣ ኣብ የማናይ ኢድ ኣቦ ዝተረከቦ፣ ዘየቋርጽ ዕዮኡ ከኣ ኢዩ።

ንሕናውን ኣብ ረብሓ ዕዮኡ ክንሳተፍ ጥራይ ዘይኰነ፣ ኣብ ዕዮኡውን ክንሳተፍ ይግባእ። እዚ ድማ፣ ሰብነቱ ስለ ዝዀና ኢዩ። ሰብነትን ኣካላትን ሓደ ኢዮም። “ርእሲ ነእጋር፣ ኣይደልየኩምን፣ ክትብሎም ኣይከኣላን ኢዩ።” ንሕና ምስ የሱስ፣ ብኵለንትንኡን ብዘለዎን ንማቐል ኢና። “ኣነ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።” ንሕና ተማቐልቲ ህይወቱ፣ ጽድቁን ዕዮኡን ኢና። ምእንቲ ካልኦት ኣብ ዝፍጽሞ ልማኖውን፣ ተማቐልቲ ኢና። ብዘይካና ዝዓይዮ ዕዮ ከኣ ኣይኰነን።

ንሕና ተማቐልቲ ህይወቱ ስለ ዝዀንና ኢና ነዚ ንገብር። “ክርስቶስ ህይወትና ኢዩ፣” “ግናኸ ክርስቶስ ኢዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፣ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ።” ኣብኡ ዘሎ ህይወትን ኣባና ዘሎ ህይወትን፣ ሓደን ተመሳሳሊን ኢዩ። ኣባና ዘሎ ህይወቱ፣ ክጽሊ ዝነብር ኢዩ። ንሱ ኣባና ወሪዱ፣ ንዓና ክገዝኣና ከሎ፣ እቲ ባህሪኡ ኣይጠፍእን ኢዩ። ኣባናውን ክጽሊ ዝነብር ህይወት ኢዩ። ካብ እግዚኣብሄር ብዘይ ምቑራጽ ዝልምንን ዝወሃብን ህይወት ኢዩ። እዚ፣ ከምክልተ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸሎት፣ ማለት ሓደ ካብኡን እቲ ካልእ ካብ ህዝቡን፣ ናብ ላዕሊ ይውሕዝ ኣሎ፣ ማለት ከኣ ኣይኰነን። ኣይፋል፣ ግና እቲ ሓቀይና ናይ ህይወት ሕብረት፣ ናይ ጸሎት ሕብረትውን ምዃኑ ኢዩ። ንሱ ዝጽልዮ፣ ብመገድና ይሓልፍ፣ እቲ ንሕና እንጽልዮ፣ ብመገዱ ይሓልፍ። ንሱ፣ እቲ ጽንሃህ ወርቂ ዝሓዘ መልኣኽ ኢዩ። “ንዕኡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ።” ምስጢር ተቐባልነት ዘለዎ ጸሎትውን ተዋህቦ፣ “ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንታን ኪውስኾ።” ኣብቲ ምእንቲ ካልኦት ዝልምን፣ ንነብር፣ ኣብኡ ድማ ንጸንዕ።

እቲ ሓደ ውላድ ጥራይ ኢዩ፣ ናይ ምጽላይ መሰል ዘለዎ። ንዕኡ ጥራይ ኢዩ፣ “ለምኑ፣ ይወሃበኩም፣” ዝተባህለ። ከም’ቲ ኣብ ኵሎም ካልኦት ነገራት፣ እቲ ምልኣት ኣብኡ ዝነብር፣ ከምኡውን ምልኣት ጸሎት ኣብኡ ይነብር። ንሱ ጥራይ ኢዩ፣ ሓይሊ ጸሎት ዘለዎ። ከምኡውን፣ ከም’ቲ ዕብየት መንፈሳዊ ህይወት፣ ኵሉ ሃብቲ ኣብኡ ከምዝርከብ ምርዳእ ዝዀነ፣ ንሕናውን ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ፣ ካብ ጸጋ ናብ ጸጋ፣ ምእንቲ ኣብኡ ዘሎና ዋኒን ክንቕበል ኣብኡ ዘሎና፣ ኣብ ናይ ጸሎት ህይወትውን ኣብኡ ኣሎና።

የሱስ፣ ምእንቲ ካልኦት ኣብ ዝፍጽሞ ልማኖ ዘሎና ተኣማንነት፣ ጸሎት ኣብ ዘይንገብረሉ፣ ወይ ክንገብር ኣብ ዘይከኣልናሉ እዋን፣ ግድን ከክንዳና ስለ ዝጽሊ ጥራይ ዘይዀነ፣ እኳ ደኣ ጀማሪ ህይወትናን እምነትናን ብምዃኑ፣ ምስኡ ብስምረት ክንጽሊ ዝያዳ የቕርበና እውን ኢዩ። የሱስ ምሉእ ህይወቱ ኣባና ከምዘንብሮ ምስ እንፈልጥ፣ ንሱውን ነቲ ናቱ እንኮ ምሉእ ጸሎት፣ ኣብቲ ናትና ምጽላይ ስለ ዝትንፍሶ፣ ኣብዚውን ጸሎትና ብእምነት ናይ ዝፍጸም ዕዮ ክኸውን ግድን ኢዩ።

መብዛሕቱ ኣማኒ፣ ክርስቶስ ክንድ ምንታይ ብሓቅን ብምልኣትን ህይወቱ ምዃኑ ምዝበርሃሉ፣ ምእንቲ ብቐጻሊ እሙንን እዙዝን ዀይኑ ደው ክብል ውሕስነት ስለ ዝዀኖ፣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቱ ሓድሽ ምዕራፍ ይኸፍተሉ። ንሱ፣ ሽዑ ኢዩ፣ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ብሓቂ ናይ እምነት ህይወት ክነብር ዝጅምር።

ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ፣ ክርስቶስ ውሕስነት ናይ ጸሎት ህይወትና ምዃኑ፣ ማእከልን ተምሳልን ኵሉ ጸሎት ከኣ ምዃኑ፣ ንህዝቡ ምግሃዱ ሒደት በረኸት ኣይኰነን። ከምርእሲ እቲ ሰብነት፣ ከምመራሒ እቲ ንሱ ዝኸፈቶ ሓድሽን ህያውን መገዲ፣ ከምጀማሪን ደምዳሚን እምነትና፣ “ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ።” ንሱ፣ ገዛእ ህይወቱ ኣብኦም ብምሃብ፣ ንህይወት እቶም ዝተበጀዎም፣ ኵሉ ይቕርብ ኢዩ። ናይ ጸሎት ህይወቱ፣ ንዕኦም ብምሃብን ኣብኦም ብምዕቃብን፣ ናብቲ ናቱ ሰማያዊ ናይ ጸሎት ህይወት ብምውሳድ፣ ንናይ ጸሎት ህይወቶም ይግደሰሎም ኢዩ። እምነትካ ገለ ከይደሊ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ፣ “እምነትካ ከይትጠፍእ፣” “ምእንታኻ ለመንኩ።” እምነትናን ጸሎትናን፣ ኣብ ናቱ ኢዩ ተሰሪቱ። እሱውን፣ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣” ኣብቲ ኵሉ ጊዜ ምእንቲ ካልኦት ክልምን ዝነብር፣ ምሳይን ኣባይን እንተ ጸለኹም፣ “እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።”

ኣብቲ የሱስ ምእንቲ ካልኦት ኣብ ዚፍጽሞ ልማኖ ዘሎና ሕብረት ምሕሳብ፣ ንሱ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ዝመሃረና ትምህርቲ የዘኻኽረና። ንሱ ድማ፣ ብኸመይ ኵሎም እዞም ናይ ጸሎት ተስፋታት፣ ኣብታ እትገሃድ መንግስቱ ንዝርአ ክብሪ ኣምላኽን ድሕነት ሓጥኣንን፣ ከምዕላምኦምን ከምመርትዖኦምን ከምዝገበሩ ኢዩ። ንሕና ንገዛእ ርእስና ጥራይ፣ ወይ ኣባና ኣተኲርና ጥራይ ክሳብ ዝጸለይና፣ እቶም ኣብታ ምሸት ዝተወሃቡ ተስፋታት፣ ንዓና ዕጽው መጽሓፍ ዀይኖም ክተርፉ ኢዮም። እዚ፣ ነቶም ፍረ ዘፍርዩ ጨናፍራት ናይቲ ጉንዲ ኢዩ። እዚ ምእንቲ እቶም ዚጠፍኡ ዘለዉ ክነብሩ፣ ከምቲ ኣቦ ንዕኡ ዝለኣኾ፣ ነቶም ናብ ዓለም ንዝተላእኹ ደቀ መዛሙርቲ ኢዩ። እዚ ነቲ ንሱ ድሕሪት ዝገደፎ ዕዮ ዝዓይዩ፣ ልክዕ ከምጐይታኦም፣ ከምፍረ ስርናይ፣ ምእንቲ ብዙሕ ፍረ ከፍርዩ ህይወቶም ዝሃቡ፣ እሙናት ኣገልገልቱን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱን ኢዩ። ነዞም ከምዚኣቶም ኢዩ፣ እቲ ተስፋ ዝተወሃበ። ነፍሲ ወከፍና፣ እቲ ዕዮ እንታይ ምዃኑ፣ ከምኡውን ነተን ብፍሉይ ክንጽልየለን ዝተወሃባና ነፍሳት ንፍለጥ። ምእንቲ እዘን ነፍሳት ምልማን፣ ምስ እግዚኣብሄር ናይ ዘሎና ናይ ህይወት ሕብረት ይኹን። ካብኡ ጸሎት ሓይሊ ከምዘለዎ ናይ ዝተወሃቡ ተስፋታት፣ ሓቅነት ክግለጸልና ጥራይ ዘይኰነ፣ ብኸመይ ናትና ኣብ ክርስቶስ ምጽናዕን ናቱ ኣባና ምጽናዕን፣ ተኻፈልቲ በረኸት ሓጐሱን ምድሓን ሰባትን ከምዝገብረና፣ ንመጀመርታ ግዜ ክርድኣና ኢዩ።

ዎ ኣታ ብብሩኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፣ ምእንቲ ካልኦት እትፍጸም ኣዚዩ ኣደናቒ ልማኖ፣ ሳላኻ ኵሉ ነገር ንረክብ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ከምንጡፋት መሻርኽቲን ተሓጋገዝቲ ዓየይቲውን ንውሰድ ኢና። ሕጂ ብስም የሱስ ምጽላይ እንታይ ማለት ምዃኑን ስለ ምንታይ ክንድዚ ሓይሊ ከምዘለዎን ተረዲኡና ኣሎ። ብስሙ፣ ብመንፈሱ፣ ብገዛእ ርእሱ፣ ምስኡ ፍጹም ብዝዀነ ሕብረት። ዎ ኣታ ብክርስቶስ የሱስ ሰብ፣ ምእንቲ ካልኦት እትፍጸም፣ ኣደናቒ፣ ኵሉ ግዜ ንጡፍ፣ ከምኡውን ኣዚኻ ተድምዕ ልማኖ!

መዓስ ኢና ኣብኡ ብምልኣትን ኵል ግዜን ብዕኡ ንጽሊ?

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ጐይታ! እንደገና ብትሑት ኣኽብሮት፣ ኣብ ቅድሜኻ ይሰግድ። ኵሉ ምእንቲ ድሕነት ዝዓየኻዮ ዕዮ፣ ሕጂ ናብ ጸሎት ተሰጋጊሩ። ኵሉ ሕጂ እትገብሮ ድማ፣ ነቲ ብደምካ ዝዓደግካዮ፣ ብጸሎት ትዕቅቦን ትህብን ኣሎኻ። ኵሉ ጊዜ ክትጽሊ ትነብር ኢኻ። ንሕናውን ኣባኻ ስለ ዘሎናን ኣባኻ ስለ ዝጸናዕናን፣ ኵሉ ግዜ ነቦ ብቐጥታ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ህይወትና ከኣ ብዘየምቍራጽ ምጽላይ ይኸውንን መልሲ ጸሎትናውን ብርግጽ ንረክብ።

ብሩኽ ጐይታ! ንህዝብኻ ኣብ ናይ ጸሎት ህይወት ምሳኻ ክዓይዩ ዓዲምካዮም። ገዛእ ርእስኻ ምስ ህዝብካ ጠሚርካ፣ ከምሰብነትካ ድማ፣ ኣብ ዕዮ ምእንቲ ካልኦት ኣብ ዝፍጸም ልማኖ ተኻፈልቲ ጌርካዮም። ብዕኡ ጥራይ ድማ ኢዩ፣ ዓለም ብፍረ ድሕነትካን ብኽብሪ ኣቦን ትመልእ። ዎ ጐይታይ፣ ካብ ቅድም ሕጂ ብዝበልጽ ናጽነት፣ ናባኻ ይመጽእን ይልምነካን ኣሎኹ። ምጽላይ ምሃረኒ። ህይወትካ ምጽላይ ኢዩ። ህይወትካ ናተይ ኢዩ። ጐይታ! ኣባኻን ከማኻን፣ ምጽላይ ምሃረኒ።

ከምኡ ከኣ፣ ዎ ጐይታይ! ከምቲ ንደቀ መዛሙርትኻ ቃል ዝኣተኻዮ፣ ብፍላይ ንስኻ ኣብ ኣቦ፣ ኣነውን ኣባኻ፣ ንስኻውን ኣባይ ምህላውካ፣ ክፈልጥ ግበረኒ። ሓይሊ ሕብረት መንፈስ ቅዱስ፣ ምሉእ ህይወተይ ኣባኻን ኣብቲ ምእንቲ ካልኦት ኣብ እትፍጽሞ ልማኖን ምጽናዕ ይግበሮ። ካብኡ ጸሎተይ ናቱ መቓልሕ ይኸውን። ኣቦ ኣባኻ ይሰምዓኒ። ንስኻ ድማ ኣባይ ትሰምዓኒ። ጐይታ የሱስ! ኣእምሮኻ ኣብ ኵሉ ነገር ኣባይ ይኹን። ህይወተይ ኣብ ኵሉ ነገር ኣባኻ ይኹን። ስለዚ ከኣ፣ ኣነ እቲ ንስኻ ምእንቲ ካልኦት እትፍጽሞ ልማኖ፣ ናብ ዓለም በረኸቱ ዘፍስሰሉ፣ መመሓላለፊ መገዲ ክኸውን ድልው ይኹን። ኣሜን።

መዘከርታ

“ክርስቶስ፣ ብስም የሱስ ዝገብር ሓድሽ ናይ ጸሎት ዘመን፣ መንፈስ ምዚኸዓወሉ ግዜ ኣተሓሒዙ ገለጾ። እዚ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፣ ኣገዳስነት ድሕነትን ከምቲ ንሱ ምስ ኣቦ ሓደ ዝዀነ፣ ንሳቶምውን ምስ የሱስ ሓደ ምዃኖም፣ ዝያዳ ኣብ ዝርድኡሉ ኣስተውዕሎን ኣብጸሖም። ሕጂ፣ ብስም የሱስ ዝገብርዎ ጸሎት፣ ብቐጥታ ናብ ኣቦ ዚቐንዐ ኢዩ። ‘ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፣ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፣ ኣይብለኩምን እየ።” የሱስ፣ ቅድሚ እቲ መንፈስ ምምጽኡ፣ ኣብ ዝተዛረቦ ቃል ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ኢሉ፣ ‘ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፣ ንሱ ድማ መጸናንዒ ኺህበኩም ኢዩ።’ ስለዚውን ቀንዲ ትምህርቲ እዚ ጸሎት፣ ንሕና ብኽርስቶስ ምስ ኣምላኽ ከምዝሓበርና ምፍላጥ፣ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ንሕናን ዘሎ፣ ናይ ክልተኣዊ ሸነኽ ሕብረት፣ ህያው መጥመሪ ኢዩ። (ዮሃንስ 17፣23፣ ‘ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ’) ስለዚውን፣ ብየሱስ፣ ኣቦ ምሳና ክሓብር ከሎ ንርኢ፣ ከምኡውን ንሕና ምስ ኣቦ ክንሓብር ከሎና ንርኢ። የሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ኣእምሮና ከምሓቂ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ኣብ ውሽጢ ሕልናናውን ከምህያው መተዓረቒ ክጋሃደልና ይግባእ። ኣብኡ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦነትን ናይ ኣቦ ፍቕሪን፣ ኣብቲ ሰብነታዊን ኣምላኻዊን ባህሪ፣ ፍጹም ተጠሚሮም ኣለዉ። ናብ እግዚኣብሄር ብቐጥታ ስለ እንጽሊ፣ መንጐኛነት ክርስቶስ ይተርፍ፣ ማለት ኣይኰነን። ግና ከምግዳማዊን ካባና ወጻኢን ከምዝዀነ ነገር ክውሰድ ዘይዀነ፣ እኳ ደኣ ኣብ ውሽጥና ከምሓቀይና ህያው መንፈሳዊ ተመክሮ ክንሪኦ ይግባእ። ስለዚ፣ ክርስቶስ ንዓና፣ እቲ መንጐኛ፣ ብሓቂ ክርስቶስ ኣባና ይኸውን።

“ኣብ መንጐ እግዚኣብሄር ኣብ ክርስቶስን ንሕና ኣብ ክርስቶስን ዘሎ ኣፍልጦ ብግቡእ ምዘይርድኣና፣ ወይ ብሰንኪ ስምኢት ገበነኛነት ምዝጽልምተና፣ ካብኡ ብእምነት ዝግበር ጸሎት ከምጠበቓኡ ናብ ጐይታና ይጥምት። ንሱ ከኣ፣ ምእንታና ነቦ ይክሕሶ ኢዩ። (ዮሃንስ 16፣26 ምስ ዮሃንስ 14፣16-17፤ ዮሃንስ 4፣20፤ ሉቃስ 2፣32፤ 1 ዮሃንስ 2፣1 ነነጻጽር) ብመሰረት ዮሃንስ 26፣26፣ ንክርስቶስ ከምጠበቓ ጌርካ ምውሳድ፣ ብምልኣት ብስሙ ምስ ምጽላይ ሓደ ኢዩ፣ ማለት ኣይኰነን። ጥብቕና ክርስቶስ፣ ናብ ምስኡን ኣቦ ድማ ኣብኡን፣ ዝፍጸም ናይ ህይወት ሕብረት ክመርሓና ይግባእ። ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢዩ፣ ብቐጥታ ምሳና ዝምድና ዝኣትውን ዝሓብርን፣ ከምኡውን ንሕና ኣብ ኵሉ ኵነታት፣ ብዕኡ ኢና ብቐጥታ ምስ ኣምላኽ ናብ ዝምድና ንኣትው።

ዋላውን እቲ ብስም የሱስ ዝግበር ጸሎት፣ ኣብቲ ንሱ ዝኣዘዞ ጸሎትና እኳ እንተ ዘየሎ፣ ደቀ መዛሙርቲ፣ ጐይታ፣ ‘ኣቦና፣’ ከምኡውን፣ ‘ክሳብ ሕጂ ብስመይ ኣይለመንኩምን፣’ ዚብላ ቃላት ካብ ዝህቦም ኣትሒዞም፣ ብኸምኡ ክጽልዩ ጀሚሮም። ብምሕዳር መንፈስ ቅዱስ፣ መንጐኛነት ክርስቶስ ኣባና ህይወትን ሓይሊን ምዚኸውን፣ ከምኡውን ኣብ ቃሉን ኣብ ግብሩን ዝርከብ ኣእምሮኡ፣ ሕልናናን ፍቓድናን ምዝቈጻጸሮን ምዝመልኦን፣ ካብኡ ብእምነትን ብፍቕሪን፣ የሱስ፣ እቲ ብርግጽ ምስ ኣምላኽ ሓደ ዝገበረና መተዓረቒ ኣባና ይህልው። ሽዑ ጥራይ ኢዩ፣ ብስሙ፣ ባህሪኡን ግብሩን ብዘጠቓልል፣ ኣባና (ንዓና ጥራይ ዘይኰነ) ሓቅን ሓይሊን ዝኸውን። ከምኡውን ንሕና ብስም የሱስ፣ ብርግጽ ተሰማዕነት ዘለዎ፣ ምስ ኣቦ ናጻን ቀጥታዊን ርክብ ይህልወና። ብስም የሱስ ምጽላይ፣ ከምቲ የሱስ ከምበዅሪ ውላድ፣ ውላድ ኣብ ኣቦኡ ናይ ዘለዎ ሓርነት ኢዩ።

ገዛእ ርእስና ኣብ ቦታ የሱስ ብምትካእ ኣይኰንናን፣ ኣብ ቦታኡ ንጽሊ፣ እኳ ደኣ ብመጠን ንሕና ኣብኡ ዘሎናዮን ንሱ ድማ ኣባና ዘለዎን ኢዩ። ከም ካብ ክርስቶስ ዝተፈለና ዘይዀነ፣ ብመጠን ኣቦ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ፣ ንሕና ምስ ኣቦ ብቐጥታ ንራኸብ ኢና። እቲ ውሻጣዊ ሰብ፣ ኣብ ክርስቶስ ምዘይነብርን ንሱ ከም’ቲ ህያው ምዘይቐርብን፣ ቃሉ ብመንፈሳዊ ሓይሊ ኣብ ልቢ ምዘይገዝእ፣ ሓቁን ህይወቱን፣ ህይወት ነፍስና ምዘይኰኑ፣ ‘ምእንቲ ፍቑር ወድኻ ክትብል፣’ ዚብል ኣገባብ የድምዕ ኢዩ፣ ኢልካ ምሕሳብ ንኸንቱ ኢዩ።

--Christliche Ethik, Von Dr. I. T. Beck, Tubingen, iii. 39.

[3] ኣብ መንጐ ክርስቶስ፣ ካባና ወጻኢ ከምዝቆመ ጠበቓን፣ ወይ ካባና ወጻኢ ምእንቲ ካልኦት ዝልምንን፣ ምስቲ ንሱ ኣባና ምህላው፣ ንሕና ኣብኡን ንሱ ኣባና ምጽናዕን፣ ከምኡውን ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ምስኡ ዘሎና ሕብረት ብምልኣት ምፍጻሙን፣ ናይ ዘሎ ፍልልይ ብምዕዛብ፣ ንሕና ባዕልና ብስሙ ብቐጥታ ናብ ኣቦ ክንመጽእ ንኽእል ኢና።

(ኣብ ላዕሊ ዘሎ መዘከርታ ካብ ናይ ቤክ ናይ ቱቢንጌን ዝተወሰደ ኢዩ)