ምዕራፍ ዕስራን ሓሙሽተን

መንፈስ ቅዱስ ምስ ጸሎት

“በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ እይክትሓቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ከምዝሕበኩም፣ ብሓቂ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ክሳዕ ሕጂ ብስመይ ሓንቲ እኳ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፣ ለምኑ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፤ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፣ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ከምዝልምኖ፣ ኣይብለኩምን እየ።” (ዮሃ 16፣23-26)

“ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸሌኹም፣ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።” (ይሁዳ 20-21)

ቃላት ዮሃንስ፣ (1 ዮሃ 2፣12-14) ንናእሽቱ ህጻናት፣ ንመናእሰይን ነቦታትን ዚብላ፣ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት፣ ሰለስተ ደረጃታት ተመክሮ ከምዘሎ የርእያ። እቲ ቀዳማይ፣ ሓድሽ ናይ ዝተወለደ ህጻን ዀይኑ፣ ናይ ምሕረት ውሕስነትን ሓጐስን ኣለዎ።

እቲ ካልኣይ፣ ብፍልጠትን ብሓይሊን ንምዕባይ፣ ጻዕሪ ዝካየደሉ ናይ መሰጋገሪ ደረጃ ኢዩ። መናእሰይ ብሓይሊ ይጉብዙን፣ ቃል ኣምላኽ ኣብኦም ይዓዪይን ኣብ ልዕሊ’ቲ ክፉእ ዲል ይህቦምን። ከምኡውን እቲ ናይ መወዳእታ፣ ደረጃ ምሉእ ምዕባለን ብስለትን ኢዩ። ኣቦታት፣ ምስቲ ዘለኣለማዊ ብዓሚቝ ፍልጠትን ሕብረትን ዝኣትዉሉ ኢዩ።

ክርስቶስ ኣብ ዝመሃሮ ትምህርቲ ጸሎትውን፣ ብተመሳሳሊ ሰለስተ ደረጃ ናይ ጸሎት ህይወት ከምዘሎ ይርአ። እቲ ቀዳማይ ደረጃ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ከረን ኣብ ዝተገበረ ስብከት ንረኽቦ። ትምህርቱ ‘ኣቦ’ ብዚብል ሓደ ቃል ተጠቓሊሉ ኣሎ። ናብ ኣቦኹም ጸልዩ፣ ኣቦኹም ይርኢ፣ ይሰምዕ፣ ይፈልጥን ጻማ ይህብን ኢዩ። ካብቲ ምድራዊ ኣቦ ክንደይ ኣብዚሑ ዘይህብ! ህጻናትን ኣመንቲን ምሰሉ።

ካብኡ ድማ ድሒሩ፣ ግርጭትን ዓወትን ዝርኣየሉ መሰጋገሪ ደረጃ መጸ። እተን ቃላት ከኣ፣ ከምዚ ስዒበን ዘለዋ ይመስላ፣ “እዚ ከምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን ኢዩ፣” “ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን ኢዩ?” ካብኡ ድማ፣ ከምመሰናበቲ ኣብ ዝተዛረበን ቃላት፣ ነቲ ላዕላዋይ ደረጃ ንረክብ። እቶም ህጻናት ሰብኡት ዀይኖም ኢዮም። ሕጂ ንሳቶም ኣዕሩኽ ጐይታ ተሰምዮም ኢዮም። ካብኦም ዝሓብኦ ምስጢር የብሉን። ስለዚውን ከምዚ በሎም፣ “እቲ ካብ ኣቦይ ዝሰማዕኩዎ ዘበለ ንዓኻትኩም ኣፍለጥኩኹም፣” ብተደጋጋሚ፣ ንዕኦም፣ “ዝደለኹምዎ ዘበለ ኵሉ፣” ብምባል፣ መፍትሕ መንግስቲ ኣረከቦም። ሕጂ፣ ብስሙ ዝግበር ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ክረጋገጽ ግዜኡ ኣኸለ።

መድሕንና፣ ኣብ መንጐ እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃን እቶም ቀዳሞት ናይ መዳለዊ ደረጀታትን ዘሎ ፍልልይ፣ በዘን ቀጺልና እነስተንትነን ቃላት ኣነጺሩ ገለጾ፣ “ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን፣” “በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም።” “በታ መዓልቲ፣” ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ንሳ መንፈስ ቅዱስ ዝዀዐላ መዓልቲ ኢያ። ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ዓቢይ ዕዮ፣ እቲ ኣብ ትንሳኤን ዕርገትን ዝተጋህደ ልዑል ሓይልን ፍጹም ዓወትን፣ ቅድም ሕጂ ተራእዩ ብዘይ ፈልጥ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ክነብር ኢዩ።

ናይ’ቲ ዝኸበረ የሱስ መንፈስ፣ ህይወት ደቀ መዛሙርቱ ክኸውን ይመጽእ ነበረ። ካብተን ኣደናቒ ምልክታት ትዕድልቲ መንፈስ ሓደ፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይ ፈለጥ፣ ኣብ ጸሎት ሓይሊ ክኸውን ኢዩ። ብስም የሱስ ብምጽላይ፣ ድሌቶም ዘበለ ኵሉ ክልምኑን ክወሃቡን፣ እቲ መንፈስ ብሓቂ ኣብኦም ከምዝነብር መግሃዲ ኢዩ።

ብርግጽ ምምጻእ መንፈስ ቅዱስ፣ ብኸመይ ሓድሽ ናይ ጸሎት ዘበን ከምዝጅምር ክንርዳእ፣ ንሱ መን ምዃኑ፣ ዕዮኡ እንታይ ምዃኑ፣ ከምኡውን የሱስ ክሳዕ ዝኸብር ስለ ምንታይ ከምዘይተወሃበ፣ ክንዝክር ይግባእ። እግዚኣብሄር፣ መንፈስ ስለ ዝዀነ፣ ብመንፈስ ኢዩ ዝነበር። ወዲ ካብ ኣቦ ብመንፈስ ኢዩ ዝተረኽበ። ኣቦን ወድን ብሕብረት መንፈስ ኢዮም ሓደ ዝዀኑ። ካብ ዘለኣለም ንወዲ ብዘይ ምቑራጽ ክህብ፣ ስልጣን ኣቦ ኢዩ። ከምኡውን እቲ ዘለኣለማዊ ምልማንን ምቕባልን፣ መሰልን ቡራኼን ወዲ ኢዩ። እዚ ሕብረት ህይወትን ፍቕሪን፣ ብመገዲ መንፈስ ኢዩ ዝዕቀብ። ካብ ዘለኣለም ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ ብፍላይ፣ እቲ ወዲ ከምመንጐኛ ክጽሊ ይነብር ኣሎ።

የሱስ፣ ኣብ ምድሪ፣ ኣምላኽን ሰብን ብሰብነቱ ክዓርቕ ዝጀመሮ ዓቢ ዕዮ፣ ኣብ ሰማይ ይቕጽሎ ኣሎ። ነዚ ንምፍጻም፣ ኣብ መንጐ ጽድቂ እግዚኣብሄርን ናትና ሓጢኣትን ዘሎ ግርጭት፣ ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ኣንበሮ። ነዚ ቃልሲ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ኣብ መስቀል ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ዛዘሞ። ካብኡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ኣካላት ሰብነቱ፣ ምእንቲ ስራሕ ድሕነት ክፍጽምን ዝረኸቦ ዓወት ከግህድን፣ ናብ ሰማይ ዓረገ። ነዚ ክፍጽም ኢዩ፣ ዘለኣለም ክጽሊ ዝነበር። ምእንቲ ካልኦት ኣብ ዝገብሮ ቀጻሊ ጸሎት፣ ምስቶም ናቱ ዝደሓኑ ዝገብርዎ ዘየቋርጽ ጸሎት፣ ህያው ሕብረት ይህልዎ። ወይ ከኣ፣ እቲ ንሱ ዝገብሮ ዘየቋርጽ ጸሎት ኢዩ፣ ኣብ ጸሎቶም ዝርአ፣ ቅድም ሕጂ ዘይነበሮም ሓይሊ ድማ ዝህቦም።

ነዚ ድማ፣ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ይፍጽም። መንፈስ ቅዱስ፣ መንፈስ እቲ ዝኸበረ የሱስ፣ (ዮሃ 7፣39) ክሳብ ንሱ ዝኸብር ኣይመጸን፣ ክመጽእ ኣይኽእልን። እዚ ውህበት ኣቦ ሓድሽን ፍሉይን ኢዩ። ካብ’ቲ ቅዱሳት ብሉይ ኪዳን ዝፈልጥዎ፣ ፍጹም ዝተፈለየ ኢዩ። የሱስ፣ ብደሙ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ብምእታው፣ ኣብ ሰማይ ዘሕደሮ ሳዕቤን፣ ኣዚዩ ሓቅን ሓድሽን ነበረ። ሰብኣዊ ባህሪያና ድሒኑ፣ ምስ ናይ ትንሳኤ ሓይሉን ምዝለዓለ ክብሩን ምሕባሩ፣ ዓሚቝ ሓቂ ኢዩ። ሰብነትና ብክርስቶስ ምትካእን ኣብ ህይወት ቅዱስ ስላሴ ምእታውን፣ ክንርድኦ ዘጸገም ኣገዳሲ ነገር ኢዩ። ካብቲ ዝኸበረ ሰብነት ክርስቶስ ዝመጸ፣ መንፈስ ቅዱስ፣ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ኣብ ልብና ክምስክረልና ኢዩ። እዚ ኣብ እዋን ብሉይ ኪዳን ዝፍጽሞ ዝነበረ ነገር ኣይነበረን።

“ክርስቶስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፣” ዚብል፣ ቃል ብቓል ሓቂ ኢዩ። ንሱ ሕጂ፣ ፈለማ ከም ናይ’ቲ ዝኸበረ የሱስ መንፈስ ዀይኑ መጺኡ። ዋላውን ከምወዲ፣ ካብ ዘለኣለም ኣምላኽ እንተ ዀነ፣ ከም ብሓድሽ ሰብ ዀይኑ ብምምጻእ፣ ናብ ሰማይ ሓድሽ መንነት ሒዙ ተመልሰ። ስለዚ፣ እቲ ወዲ ኣብ ዕርገቱ፣ ኣብ ዝኸበረ ሰብነቱ ካብ ኣቦኡ ዝተቐበሎ ብሩኽ መንፈስ፣ ቅድም ሕጂ ዘይፈጸሞ፣ ሓድሽ ህይወት ሒዙልና መጺኡ። (ግብ 2፣33) ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ ብመንፈስ ኣምላኽ ይጽዋዕ ነበረ። ኣብ መዓልቲ ጴንጤ ቆስጤ፣ ናይቲ ብምልኣት ዝተፈጸመ ድሕነት፣ ምሉእ ፍረን ሓይሊን ናባና ካብ ላዕሊ ከምጽኦን ክፍጽሞን፣ ከም ናይ’ቲ ዝኸበረ የሱስ መንፈስ ዀይኑ ወረደ።

ክርስቶስ ምእንታና ብዝፍጽሞ ልማኖ ኢዩ፣ ብቐጻሊ ድሕነቱ ኣድማዒን ተግባራዊን ዝኸውን። ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ካብ ክርስቶስ ናባና ብምውራዱ ኢዩ፣ ንሱ ናብ ላዕሊ ናብ ዘዕርጐ ዋሕዚ ጸሎቱ ክንቐርብ ንኽእል። እቲ መንፈስ ምእንታና ብዘይ ንገር እህህታ ይልምነልና ኢዩ። ኣብ መዓሙቝ ልቢ፣ ዝተጠርነፈ ሓሳባት ኣብ ዘይብሉውን፣ እቲ መንፈስ ናብ ኣደናቒ ዋሕዚ ህይወት ቅዱስ ስላሴ ይወስደና ኢዩ። ብመገዲ እቲ መንፈስ፣ ጸሎት ክርስቶስ፣ ጸሎትና ይኸውን። ናትና ድማ፣ ናቱ ይኸውን። ዝደለናዮ ዘበለ ንልምን፣ ይወሃበና ድማ ኢዩ። ስለዚ፣ ንሕና ካብ ተመክሮ ክንርዳእ ኢና፣ “ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም።”

ሓው! ምእንቲ ሓጐስና ምሉእ ክኸውን፣ ብስም ክርስቶስ እንልምኖ ነገር፣ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። እዚ፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ዝተጠቐሰ መንፈስ ኣምላኽ ይዛይድ ኢዩ። እዚ፣ ደቀ መዛሙርቲ ቅድሚ ጴንጤ ቆስጤ ካብ ዝረኸቡዎ ናይ ለውጢን ምሕዳስን መንፈስ ይዛይድ ኢዩ። እዚ፣ እቲ መንፈስ ካብ ዘለዎ መጠነ ጽልዋን ዕዮን ይዛይድ ኢዩ። እዚ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ናይቲ ዝኸበረ የሱስ መንፈስ፣ ምዝኸበረ ሓይሉ ኢዩ። እዚ፣ ከምቲ ኣባ ልዕሌና ዝሓድር፣ ናይ የሱስ መንፈስ ዀይኑ ብምምጻእ፣ ኣብ ውሽጢ ንወዲን ነቦን ዘግህድ ኢዩ። (ዮሃ 14፣16-23) እዚ መንፈስ፣ ኣብ እዋን ጸሎትና ጥራይ ዝህልው መንፈስ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ናይ ምሉእ ህይወትና ጕዕዞናን ምዚኸውን፣ እቲ መንፈስ፣ ንየሱስ ዕዮኡ ከምእተዛዘመ ብምግሃድ፣ ኣባና ከምዝኸብር ብምግባር፣ ከምኡውን ምስኡ ሓደን ተመሳሳሊን ምዝገብረና፣ ብዅለንትናና ምስኡ ሓደ ስለ ዝዀና፣ ብስሙ ክንጽሊ ንኽእል ኢና።

ስለዚ ኢዩ፣ የሱስ፣ ብቐጥታ ነቦ ክንረኽቦ ከምእንኽእል፣ ከምዚ ብምባል ዝገለጸ፣ “ነቦ ምእንታኹም ኣነ ከምዝልምኖ፣ ኣይብለኩምን እየ፣” ዋይ! በዚ፣ በቲ ዝኸበረ፣ ክንምላእ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ክንርዳእን ክንእመንን፣ ካብቶም ቀንዲ ድሌታት ብእግዚኣብሄር ናይ ዝእመኑ ህዝቢ ኢዩ። ካብኡ እዞም ስዒቦም ዘለው፣ እንታይ ማለት ምዃኖም ክንግንዘብ ኢና፣ “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸለኹም፣” ከምኡውን፣ “በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም።”

ስለዚውን እንደገና እቲ ትምህርቲ ተመሊሱ መጺኡ ኣሎ። እቲ ጸሎትና ዘምጽኦ ረብሓ፣ ኣብ መንነትናን ኣብ ኣካይዳ ህይወትናን ይምርኰስ። ምስጢር ብስም ክርስቶስ ምጽላይ፣ ብስም ክርስቶስ ኣብ ምንባር ይርከብ። ብመንፈስ ብምንባር ድማ፣ ብመንፈስ ምጽላይ ይከኣል። ኣብ ክርስቶስ ኣብ ምጽናዕ ኢዩ፣ ዝደለናዮ ዘበለ ኵሉ ክንልምን፣ መሰልን ሓይሊን ንረክብ። መጠን እቲ ምጽናዕ፣ ልክዕ መዐቐኒ ሓይሊ ጸሎት ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝሓድር መንፈስ ኢዩ ዝጽሊ። ኵሉ ግዜ ብቓላትን ብሓሳባትን ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ካብ ዘረባ ብዝዓሙቕ ትንፋስን ህላወን ይጽሊ። ብመጠን’ቲ መንፈስ ክርስቶስ ኣባና ዝህልው፣ ሓቀይና ጸሎት ይህልው። ህይወትና፣ ህይወትና፣ ህይወትና ብክርስቶስ ይምላእ። ከምኡውን ብመንፈሱ። ሽዑ እተን ንጸሎትና ዝተወሃባ ኣደንቐቲ ደረት ዘይብለን ተስፋታት ኣይክሕድሳናን ኢየን፣ “ክሳዕ ሕጂ ብስመይ ሓንቲ እኳ ኣይለመንኩምዎን።”

“ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፣ ለምኑ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።” “በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም።” “ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ከምዝሕበኩም፣ ብሓቂ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።”

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ዎ ኣምላኸይ! ቅዱስ ስላሴ፣ ብቕዱስ ፍርሂ ኣብ ቅድሜኻ ይሰግድ። እንደገና ምስጢር ጸሎት፣ ምስጢር ቅዱስ ስላሴ ምዃኑ ክርኢ ክኢለ። ነቲ ኵሉ ሳዕ ዝሰምዕ ኣቦ፣ ነቲ ኵሉ ሳዕ ክጽሊ ዝነብር ወዲ፣ ከምኡውን ነቲ ናብቲ ብሩኽ ዝዀነ፣ ዘየቋርጽ ልማኖን ውህበትን፣ ሕብረት ዘእትወና፣ ካብ ኣቦን ወዲን ዝወጸ መንፈስ፣ የምልኽ እየ። ኣምላኸይ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘለኣለማዊ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ንዓናን ንጸሎትና፣ ናብቲ መለኾታዊ ህይወትን ሕብረት ፍቕሪን ዘእትወና፣ ብኽቡር ኣምልኾ፣ ይሰግድ።

ዎ ብሩኽ ጐይታ የሱስ! ትምህርትኻ፣ ማለት እቲ ኣባና ዝሓድር መንፈስ፣ ካባኻ ዝውሕዝ፣ ምሳኻ ዝሓበረ፣ መንፈስ ጸሎት ምዃኑ፣ ክርዳእ ክኽእል ምሃረኒ። ገዛእ ርእሰይ ከምባዶ ምሉእ ብምሉእ ቅዱስ ኣቕሓ ክቕርብን ንሱ ህይወተይ ክኸውንን፣ እንታይ ማለት ምዃኑ ምሃረኒ። ከምህያው ኣካል፣ ህይወተይን ጸሎተይን ክመርሕ፣ ከኽብሮን ክእመኖን ምሃረኒ። ብፍላይ ብቕዱስ ዚዀነ ጸጥታ፣ ኣብ ጸሎት ምጽባይን ንሱ ብዘይ ዝዝረብ እህህታ፣ ኣብ ውሽጠይ ክትንፍስ ከፍቕደሉ ክኽእልን ምሃረኒ። ከምኡውን ሳልኡ፣ ተኻፋሊ እቲ ንስኻ፣ እቲ ወዲ፣ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ናይ እትገብሮ ዘየቋርጽን ዘይፈሽልን ልምኖ ስለ ዝገብረኒ፣ ብመገዱ ብዘይ ምቑራጽን ብዘይ ፍሽለትን ምጽላይ ከምዝኽእል ምሃረኒ። እወ፣ ጐይታ፣ ተስፋኻ ኣባይ ፈጽሞ፣ “በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ከምዝሕበኩም፣ ብሓቂ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ኣሜን።

መዘኻኸሪ

መብዛሕቱ ግዜ ጸሎት ብምስትንፋስ ይምሰል ኢዩ። ነዚ መነጻጸሪ ምምርማር፣ መንፈስ ቅዱስ ዝሓዞ ኣደናቒ ቦታ ክንርኢ የኽእለና። ኣብ ነፍስ ወከፍ ትንፋስ፣ እቲ ንህይወትና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ረሳሕ ኣየር፣ ካብ ውሽጥና ነውጽእ። ካብኡ ድማ፣ ህይወት ዝህበና ሓድሽ ኣየር፣ ናብ ውሽጢ ነእትው። ስለዚ፣ ካብ ውሽጥና፣ ሓጢኣትና ብምንሳሕ፣ ብጸሎት ድማ፣ ልብና ዝደልዮን ዝብህጎን ነገር ነውጽእ። ካብኡ ድማ፣ እንደገና ብእነእትዎ ትንፋስ፣ ነቲ ጽሩይ ኣየር ዝሓዘ ተስፋታት፣ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍቕርን ህይወትን ኣምላኽ ነእትው። ነዚ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ንፍጽሞ። ንሱ ትንፋስ ህይወትና ኢዩ።

እዚ ድማ፣ ንሱ ትንፋስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ኣቦ፣ ምእንቲ ምስ ህይወትና ክሓብር፣ ንዕኡ ኣባና ይትንፍሶ። ከምኡ ድማ፣ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እነውጽኦ ትንፋስ፣ ከምእንደገና ትንፋስ ምእታው ዘሎ፣ እግዚኣብሄር ትንፋሱ እንደገና የእትውን፣ እቲ መንፈስ ድሌትን ባህጊን ልብና ሒዙ ናብኡ ይምለስን። ስለዚ ድማ፣ መንፈስ ቅዱስ ትንፋስ ህይወት ኣምላኽ ኢዩ። ከምኡውን ኣባና ሓድሽ ህይወት ዝህበና ትንፋስ ኢዩ። እግዚኣብሄር ካብኡ ምዘውጽኦ፣ ንሕና ከምመልሲ ጸሎትና ንርኽቦ። ንሕና መሊስና ናብ ግዳም ምስ እንትንፍሶ፣ ንሱ ምስ ልማኖታትና ናብ እግዚኣብሄር ይድይብ። ከምመንፈስ ኣምላኽ፣ ብዕኡ ኣቦን ወዲን ሓደ ዝዀኑሉ፣ ልማኖ ወዲ ድማ፣ ናብ ኣቦ ዝበጽሓሉ፣ ንሱ ንዓና መንፈስ ጸሎት ኢዩ። ሓቀይና ጸሎት፣ ሓቅነት ቅዱስ ስላሴ፣ ብህልው ምስትምቓር ኢዩ። ትንፋስ እቲ መንፈስ፣ ልማኖ እቲ ወዲ፣ ፍቓድ ኣቦ፣ እዚኣቶም ምሳና ሓደ ይዀኑ።