ምዕራፍ ዕስራን ትሽዓተን

ኣብ ጸሎት ዘሎና ትብዓት

“ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፣ ይሰምዓና ኢዩ፣ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ ኢዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ከምዚሰምዓና ካብ እንፈልጥ ድማ፣ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ከምዝረኸብናዮ፣ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃንስ 5፣14-15)

ብእምነት ኣብ ምጽላይ ካብ ዘለዉ ዕንቕፋታት እቲ ዝዓበየ፣ ብዘይ ጥርጣረ እዚ ስዒቡ ዘሎ ኢዩ። ንሱ ድማ፣ እቲ ዝልምንዎ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ዘይፈልጡ ምዃኖም ኢዩ። ኣብዚ ነጥቢ ክሳዕ ዘወላወሉ፣ ብርግጽ ከምዝረኽቡ ፈሊጦም፣ ብትብዓት ክልምኑ ኣይኽእሉን ኢዮም። ስለዚ ልማኖኦም ኣቕሪቦም መልሲ ምዘይረኽቡ፣ ከይደንጐዩ፣ እግዚኣብሄር ከምፍቓዱ ክገብር ምግዳፍ ይሓይሽ ብምባል ክሓስቡ ይጅምሩ።

“ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፣ ይሰምዓና ኢዩ፣” ኣብ ዚብል ቃል ዮሃንስ፣ ካብ ዘለዎም ርድኢት ብምብጋስ፣ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ርግጸኛ ብዘይ ምዃኖም፣ እቲ ጸሎት መልሲ ከምዘይረኸበ ብርግጸኛነት ይገልጹ። ፍቓድ ኣምላኽ፣ ናቱ ሕቡእ ምኽሪ ከምዝዀነውን ይሓስቡ። ከመይ ገይሩ ሰብ፣ ናይቲ ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ መደብ፣ ክምርምር ይኽእል ድማ ይብሉ።

እዚ፣ ምስቲ ዮሃንስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፣ ምሉእ ብምሉእ ዝጻረር ኢዩ። ንሱ፣ ኣብ ጸሎት፣ ትብዓት፣ ርእሰ ተኣማንነትን ምሉእ ብምሉእ መረጋገጺ እምነትን ክህልወና ኢዩ ደሊዩ። ንሱ፣ “እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ ኢዩ።” በለ። ኣቦ! ንስኻን ኣነን፣ ብመሰረት ፍቓድካ ከምዝለመንኩ ንፈልጥ ኢና። ከምእትሰምዓኒ እፈልጥ እየ። “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፣ ይሰምዓና ኢዩ፣ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ ኢዩ።” ኣብ ልዕሊዚ መልእኽቲ ወሲኹ ድማ፣ በዚ ዘሎና እምነት፣ “ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ከምዚሰምዓና ካብ እንፈልጥ ድማ፣” ነቲ ፍሉይ ነገር፣ “እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ፣ ድሮ ከምዝረኸብናዮ፣ ንፈልጥ ኢና።” በለ።

ዮሃንስ ኣብ እንጽልየሉ፣ ጸሎትና ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣመተ። ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ከለዉ፣ ብኡንብኡ፣ ወይ ብዘይ ጽኑዕ ናይ እምነት ጸሎት፣ እቶም መልስታት ከይመጹ ይኽእሉ ኢዮም። ንሱ፣ ምእንቲ ጸኒዕና ክንተብዕን ብእምነት ክንብርትዕን ክብል ኢዩ፦ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፣ ይሰምዓና ኢዩ፣ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ ኢዩ።” ብምባል ዝሓበረና። እዚ ቃል፣ እቲ ልማኖና ብመሰረት ፍቓዱ ምዃኑ ክንጠራጠር ዝገብር እንተ ዝኸውን፣ ንሱ፣ “እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ከምዝረኸብናዮ፣ ንፈልጥ ኢና።” ብምባል ዝተዛረቦ ቃል፣ ትርጉም ኣይምሃበናን ነይሩ።

ይኹንምበር እቲ ጸገም እዚ ኢዩ። ብዙሓት ኣመንቲ፣ “እቲ ኣነ ዝደልዮ ነገር፣ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይፈልጥን እየ። ፍቓድ ኣምላኽ፣ መደብ እቲ ደረት ኣልቦ ጥበቡ ኢዩ። ንሱ ካብቲ ኣነ ዝደልዮ ንላዕሊ ይሓስበለይ ይህልው ይኸውን ኢዩ፣ ወይ ንሱ ነቲ ኣነ ዝለምንኩዎ ልማኖ መልሲ ከይህብ፣ ናቱ ዝዀነ ምኽኒታት ይህልዎ ኢዩ፣ ነዚ ኣነ ከመይ ገይረ ክፈልጥ ይኽእል።” ይብሉ። ኵላቶም ድማ፣ የሱስ ብዛዕባ ብእምነት ምጽላይ ኣመልኪቱ፣ “ዝዀነ ይኹን እቲ ዝበሎ ከምዝኸውን ዚኣምን፣ ንዕኡ ይዀነሉ።” ብምባል ዝተዛረቦ፣ ምስ ከምዚ ዝበለ ሓሳባት፣ ክፍጸም ዘይኽእል ዀይኑ ይስምዖም።

ኣብ ጥበብ ኣምላኽ ተኣሚንካ፣ ኵሉ ንዕኡ ብምግዳፍ ዝግበር ጸሎት ይህልው ይኸውን፣ ኣብኡ ግና ናይ እምነት ጸሎት ክህልው ኣይኽእልን ኢዩ። ኣብዚ እቲ ዓቢይ ገይጋ፣ ዉሉዳት ኣምላኽ፣ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክፍለጥ ከምዝከኣል፣ ብሓቂ ዘይኣምኑ ምዃኖም ኢዩ። ወይውን ነዚ እንተ ተኣሚኖም፣ ግዜን ዘድሊ ዘበለ ነገርን ወፊዮም፣ ክፈልጡ ክጽዕሩ ኣይደልዩን ኢዮም። እቲ ዘድልየና ነገር፣ ኣቦ ብኸመይ ኣገባብ፣ ነቲ ልማኖኡ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ክፈልጥ ዝተቐረበ ውላዱ፣ ከምዝመርሖ ብንጹር ክንርኢ ኢዩ። ብመገዲ እቲ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ልብና፣ ኣብ ህይወትናን ኣብ ፍቓድናን ክሓድር እንቕበሎን ብመገዲ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ መንፈስ ኣባና ክሓድርን ክመርሓናን እንቕበሎን ኢዩ፣ ልማኖና ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ክንፈልጥ ንኽእል።

ብመገዲ እቲ ቃል ኢዩ። መብዛሕቱ እዋን ጸሎትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከይፍለይ እንሰግኣሉ፣ ምስጢራዊ ፍቓድ ኣምላኽ ይህልው። ብመሰረት እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ኣብቲ ቃሉ ብዝተገልጸ ፍቓዱ ኢና ንጽሊ። እቲ ምስጢራዊ ፍቓዱ ዝሓገጎ እንታይ ኰን ይኸውን፣ ከምኡውን እዚ ብኸመይ ልማኖና መልሲ ከይረክብ ክዕንቅፎ ይኽእል፣ ብምባል እንግምቶ ሓሳብ፣ ብዙሕ ግዜ ግጉይ ኢዩ።

ኣብ ከምህጻን ዝበለ እምነት፣ ንውላዱ ፍቓዱ ክገብረሎም ምዃኑ፣ ኣብቲ ኣቦ ኣብ ዝሃቦ ውሕስነት ዝግደፍ፣ ንሱ፣ ጸሎት ክሰምዕን ቃሉ ዝደልዮን ዝቕበሎን ክገብርን፣ ፍቓዱ ኢዩ። ኣቦ፣ ኣብቲ ቃል፣ ንህዝቡ ናይ ዘለዎ ፍቓድ ቀንዲ መምርሒታት፣ ብሓፈሻዊ ተስፋታት ገሊጹዎ ኢዩ። እቲ ህጻን ነቲ ተስፋ ክወስድን ኣብ ሓፈሻዊ ኵነታት ህይወቱ፣ ከከምዝምልከቶ ተግባራዊ ክገብሮን ይግባእ። ብመጠን እቲ ዝተገለጸ ፍቓድ ዝለመኖ ዘበለ፣ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥን ብርእሰ ተኣማንነት መልሲ ይጽበን ኢዩ።

እግዚኣብሄር፣ ምሳና፣ ምስ ህዝቡን ምስ ዓለምን፣ ዘለዎ ፍቓድን መደብን፣ ከምኡውን ብዝለዓለ ክቡር ተስፋ ጸጋን ሓይሊን፣ ብመገዲ ህዝቡ መደባቱ ከምዝፍጽምን ከምዝዓዪይን፣ ኣብ ቃሉ ገሊጹ ሂቡና ኢዩ። እቲ እምነት፣ ኣብቲ ፍሉይ ኵነት፣ ምእንቲ እቲ ሓፈሻዊ ዝተወሃበ ተስፋታት ክፍጸም ክጠልብ፣ ኣብ ዝሕይለሉን ዝተብዓሉን፣ ልማኖና ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑን ልማኖና ከምእተሰምዐን መረጋገጺ ይህልወና።

ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ቃል ዮሃንስ፣ ስዒቡ ንዝመጽእ ቃል ከምኣብነት ንርአ፣ “ሓደ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ፣ ይለምን፣ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ዝገብሩስ ህይወት ኪህቦም ኢዩ።” እቲ ሓፈሻዊ ተስፋ ነዚ ይመስል። እቲ ብመስረት እዚ ተስፋ ዝልምን ኣማኒ፣ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ይጽሊ ኣሎ። ዮሃንስ ድማ፣ ልማኖኡ ከምዝረክብ፣ ትብዓት ክህልዎ ይሕብሮ ኣሎ።

ግና ነዚ ፍቓድ ኣምላኽ ምግንዛብ መንፈሳዊ ነገር ኢዩ፣ ብመንፈስ ድማ ክልለይ ይግባእ። እዚ እንካታዓሉ ስነ-መጎት ኣይኰነን። ኣምላኽ ተዛሪቡዎ ኢዩ፣ ኣነ ድማ ግድን ክረኽቦ እየ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እውን፣ ሓደ ውህበት፣ ወይ ሓደ ጻውዒት የብሉን። እቲ ኣብቲ ተስፋ ዝተወሃበ ሓፈሻዊ ፍቓድ፣ ንዅሉ ሓደ እኳ እንተ ዀነ፣ ብመሰረት መደብ ኣምላኽ፣ ንነፍሲ ወከፍ ዝተወሃበ ፍሉይ ፍቓድ ኣሎ። እዚ ጥበብ ቅዱሳን ይደሊ። ንሱ ድማ፣ ንነፍሲ ወከፍና ነዚ ፍሉይ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ፣ ብመሰረት ብመጠን ዝተወሃበና ጸጋ፣ እግዚኣብሄር ዘዳለወልናን ዝቐረበልናን፣ ብጸሎት ክንልምን ይግባእ። መንፈስ ቅዱስ ኣባና ዝሓደረ፣ ነዚ ጥበብ ክሕብረና ድማ ኢዩ። ነቲ ሓፈሻዊ ዝተወሃበ ናይ ተስፋ ቃል፣ ኣብ ውልቃዊ ፍሉያት ድሌታትና ክንትግብሮ፣ ነዚ ኢዩ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝህበና።

መብዛሕቱ ሰብ ክጭብጦ ዘይኸኣለ ነገር፣ ነዚ ቃልን መንፈስን ብሕብረት ንዝምህሮ ዘሎ ኢዩ። ስለ ዝዀነ ድማ፣ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ድርብ ጸገም ተፈጢሩ ኣሎ። ገለ ሰባት ንፍቓድ ኣምላኽ፣ ብዘይ’ቲ ቃል፣ ብመሪሕነት መንፈስ ኣብ ውሽጣዊ ስምዒት፣ ወይ ድርኺት፣ ይደልዩዎ። ካልኦት ሰባት ድማ፣ ብዘይ ህያው መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብቲ ቃል ይደልዩዎ።

ክልቴኦም ክሓብሩ ይግባእ። ብቓል ጥራይ፣ ብመንፈስ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ብዕኦም ኢዩ፣ ንፍቓድ ኣምላኽ ክንፈልጥን ኣብኡ ተወኪልና ክንጽሊን ንኽእል። ቃልን መንፈስን፣ ኣብ ልቢ ክራኸቡ ይግባእ። ኣብኡ ኣብ ዝሓድሩሉ ጥራይ ኢዩ፣ ነቲ ትምህርቶም ክነስተማቕር ንኽእል። እቲ ቃል ኣባና ክሓድርን ክጸንዕን ይግባእ። መዓልታዊ ልብናን ህይወትናን፣ ብዕኡ ክጽለዉ ይግባእ። ቃል ብመንፈስ ካብ ግዳም ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ካብ ውሽጢ ኢዩ ዝበራበር።

እቲ ንልዕልና ቃልን ፍቓድን ኣምላኽ፣ ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ሰብ ኢዩ፣ ኣብ ፍሉይ ኵነታት፣ እቲ ቃልን እቲ ፍቓድን፣ እንታይ ብትብዓት ክልምን ከምዘፍቕደሉ ኣለሊዩ ክፈልጥ ዝኽእል። ከምቲ ንቓል፣ ንመንፈስውን ከምኡ ኢዩ። ከምቲ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ክፈልጥ፣ ብመሪሕነት መንፈስ ክጽሊ ዘሎኒ፣ ምሉእ ህይወተይ እውን ብዕኡ ክምራሕ ይግባእ። ስለዚ ኣእምሮን ልቢን፣ መንፈሳዊ ምዝዀኑ ጥራይ ኢዩ፣ ንቕዱስ ፍቓድ ኣምላኽ ክፈልጡ ዝኽእሉ። እቲ ብመገዲ ቃልን መንፈስን፣ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምትግባር ዝነብር ሰብ ኢዩ፣ መልሲ ከምዝረክብ ፈሊጡ፣ ብመሰረት እቲ ፍቓድ ክጽሊ ዝኽእል።

ክርስትያናት፣ እቲ ጸሎት ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ ኢዩ፣ ዘይተመለሰ፣ ብምባል ብዕግበት ዝሓስቡዎ ሓሳብ፣ ክጽብጸብ ዘይኽእል ጕድኣት ከምዘውረደ እንተ ዝዕዘቡ፣ ክንደይ ሰናይ ምዀነ። ቃል ኣምላኽ፣ ጸሎትና ዘይተመለሰሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ንሰናይ ስለ ዘይጸለና ምዃኑ ይሕብረና ኢዩ። “ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፣ ኣይትቕበሉን ኢኹም።”

ኣቦ መልሲ ዘይሃበሉ ምኽንያት፣ ኣብ ጸሎትና ገለ ገይጋ ስለ ዘሎ ምዃኑ ይሕብረና ኣሎ። ንሱ፣ ምእንቲ ብሓቂ ክንእመንን ዕውት ጸሎት ክንገብርን ክንመሃር፣ ጌጋና ክንረኽቦን ካባኡ ክንንሳሕን ክምህረና ይደሊ ኣሎ። ነዚ ዕላምኡ ክትግብር፣ መልሲ ዘይተወሃበሉ ምኽንያት፣ ተሓተቲ ባዕልና ምዃናውን ከርእየና ኔሩዎ። እቲ ዕላማና፣ ወይ እምነትና፣ ወይ ህይወትና፣ ከምቲ ዝድለ ኣይኰነን። ይኹንምበር፣ ንሕና ክሳብ ንሱ ጸሎተይ ዘይሰምዓሉ ምኽንያት፣ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይለመንኩ ኢዩ ዝበልና፣ መደባት ኣምላኽ ነደናጕይ ኣሎና።

ዎ ድሕሪ ደጊም ጸሎት መልሲ ዘይረኸበሉ ምኽንያት፣ ብሰንኪ ምስጢራዊ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ፣ ኣይንበል። እኳ ደኣ ክፉእ ስለ ዝለመና ምዃኑ ንግለጽ። እዚ፣ “ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፣ ኣይትቕበሉን ኢኹም።” ዝብል ቃል፣ ነቶም ክርስቶስ መልሲ ከምእንረክብ ተስፋ ዝሃበና፣ ንልቢን ህይወትን ዝምርምር፣ መብራህቲ ኣምላኽ ይኹን። ጸሎትና ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ክንፈልጥ ከምእንኽእል ንተኣመን።

ምእንቲ ቃል ኣቦ ኣብዚሑ ኣብኡ ክሓድር፣ ቃል ክርስቶስ ኣብኡ ክጸንዕ፣ ንልብና ኣሕሊፍና ንሃብ። መዓልታዊ ብቕብኢ እቲ ኵሉ ነገር ዝምህረና ንንበር። መዓልታዊ ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክርስቶስ ኣብ ምጽናዕን ኣብ ህላወ ኣቦ ኣብ ምንባርን ኣብ ዝምህረና፣ ብዘይ ብቂ ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና ንሃብ። ካብኡ ፍቕሪ ኣቦ፣ ውላዱ ፍቓዱ ክፈልጥ ብናፍቖት ይጽበ ከምዘሎ፣ ብቕልጡፍ ክንፈልጥ ንኽእል። እቲ ፍቓድ ድማ፣ እቲ ሓይሉን ፍቕሩን ክፍጽምዎ ናይ ዝተወሃበ ተስፋ ከምዘጠቓልልን ልማኖና ከምዝምልስን ንፍለጥ። “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፣ ይሰምዓና ኢዩ፣ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ ኢዩ።”

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ጐይታ! ስለቲ ዝሃብካኒ ብሩኽ ትምህርቲ፣ ብምሉእ ልበይ የመስግነካ። ንሱ ድማ፣ እቲ ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ዝምለሰሉ ህያው መገዲ፣ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ። ጐይታ! ነዚ ብሩኽ ፍቓድ፣ ኣብኡ ኣብ ምንባር፣ ንዕኡ ብምፍቃርን ኵሉ ግዜ ንዕኡ ብምትግባርን፣ ክፈልጦ ምሃረኒ። ስለዚ፣ ብመሰረት እዚ ፍቓድ ጸሎት ምቕራብን ኣብ ጸሎት ዘሎኒ ትብዓትን፣ ከምኡውን መልሲ ከምዝረክብ ዘሎኒ ርእሰ ተኣማንነትን ምስ ብሩኽ ፍቓድ ኣምላኽ ዘለዎ ስኒትን ክመሃር ይኽእል።

ኣቦ! ውላድካ ብህላወኻን ብበረኸትካን ክሕጐስ ፍቓድካ ኢዩ። ኵሉ ኣብ ህይወት ውላድካ ዘሎ ነገር፣ ብመሰረት ፍቓድካ ክኸውንን መንፈስ ቅዱስ ነዚ ኣብኡ ክዓዪይን፣ ፍቓድካ ኢዩ። ውላድካ ምእንቲ ምሳኻ ሕጉስ ህይወትን ሕብረትን ክህልዎ፣ መዓልታዊ መልሲ ጸሎት ረኺቡ ብምስትምቓር ክነብር፣ ፍቓድካ ኢዩ። ስምካ ኣብ ውላድካን ብውላድካን፣ ከምኡውን ኣብቶም ዝእመኑኻ ክኸብር፣ ፍቓድካ ኢዩ። ዎ ኣቦይ! ኣብቲ ዝልምኖ ኵሉ፣ እዚ ፍቓድካ መረጋገጺ ይኹነኒ።

ብሩኽ መድሕን! እዚ ፍቓድ ዘለዎ ክብሪ ክእመን ምሃረኒ። እዚ ፍቓድ፣ ኣብቲ ብዕኡ ዝተኣመነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፣ መደባቱ ክፍጽም ብመለኾታዊ ሓይሊ ዝዓይየሉ፣ እቲ ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ኢዩ። ጐይታ! ነዚ ምሃረኒ። ንስኻ፣ ነፍሲ ወከፍ ተስፋን ትእዛዝን ናይቲ ቃል፣ ብርግጽ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑን ፍጻሜኡ ብእግዚኣብሄር ውሕስነት ከምእተወሃቦን፣ ክርኢ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ፍቓድ ኣምላኽ፣ ጸሎተይ መልሲ ከምዝረክብ፣ ንሓዋሩ መረጋገጺ ዝረኽበሉ፣ ርግጸኛ መዕረፊ ከውሒ ይኹን። ኣሜን።

መዘኻኸሪ

መብዛሕቱ እዋን፣ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ፣ ዓቢይ ምድንጋር ከምዘሎ ንርኢ። ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ግድን ከምዝፍጸም ይሓስቡ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ፍቓድ ኣምላኽ፣ ንህዝቡ ክባርኽ ኢዩ። ንሳቶም ግና፣ ነዚ በረኸት ገና ኣይረኸቡዎን ኣለዉ።

ንሱ ብልቢ ፈቒዱዎ ኢዩ። ንሳቶም ግና ኣይፈቐዱዎን ኣለዉ። ስለዚ ናብኦም ክመጽእ ኣይኽእልን ኢዩ። እዚ ኣብ ፍጥረት ሰብ ናይ ዘሎ ናጻ ፍቓድን ኣብ እዋን ድሕነት ናይቲ ዝተሓደሰ ፍቓድ ሰብን፣ ዝገልጽ ዓቢይ ምስጢር ኢዩ። ንሱ ድማ፣ እግዚኣብሄር መብዛሕቱ ፍቓዱ ክፍጽም፣ ኣብ ፍቓድ ሰብ ከምእተጸገዐ ዝገልጽ ኢዩ። ኣብቲ ተስፋታቱ ካብ ዝተገልጸ ፍቓድ ኣምላኽ፣ እቲ ዝፍጸም እቲ ብእምነት ዝተቐበልናዮ ኢዩ። ጸሎት፣ እቲ ብኻልእ መገዲ ክፍጸም ዘይከኣለ ነገር፣ ዝፍጸመሉ ሓይሊ ኢዩ። እምነት ድማ፣ ክንድ ምንታይ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ኣባና ከምዝፍጸም ዝውሰነሉ ሓይሊ ኢዩ። እግዚኣብሄር፣ ንነፍሲ ክገብረላ ዝፈቐዶ ነገር፣ ሓንሳብ ምስ ገለጸላ፣ እቲ ፍቓድ ክፍጽም፣ ናትና ሓላፍነት ይኸውን።

ገለ ሰባት፣ እዚ ኣብ ኢድ ሰብ ብዙሕ ሓይሊ ምንባር ኢዩ፣ ብምባል ይሰግኡ። ይኹንምበር ኵሉ ሓይሊ፣ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢድ ሰብ ተዋሂቡ ኢዩ። መፍትሕ ኵሉ ጸሎትን ኵሉ ስልጣንን ናይ የሱስ ኢዩ። ነዚ ክንርዳእ ምስ እንጅምር ድማ፣ ከምቲ ንሱ ኣብ ኣቦ ዘሎ፣ ኣባናውን ኣሎ፣ ከምቲ ንሱ ምስ ኣቦ ሓደ ዝዀነ፣ ንሕናውን ምስኡ ሓደ ኢና፣ ከምቲ ንሱ ኣብ ኣቦ ዝጸንዐ፣ እቶም ኣብኡ ዝጸንዑ፣ ተመሳሳሊ ሓይሊ ክወሃቦም፣ ባህርያዊ፣ ትኽክልን ውሕስን፣ ምዃኑ ክንርኢ ኢና። ክርስቶስ እቲ ወዲ ኢዩ፣ ፍቓዱ ክልምን መሰል ዘለዎ። ኣብኡ ብምጽናዕን ንሱ ኣባና ብምጽናዕን ኢዩ (ነዚ መለኾታዊ ክውንነት ሒደት ኢና እንርድኦ)፣ ንሱ ብዓና እንታይ ክልምንን ክረክብን ከምዝደሊ፣ መንፈሱ ኣባና ዝትንፍስ። ንሕና ብስሙ ኢና ንጽሊ። እቲ ጸሎት ከምቲ ብርግጽ ናቱ ዝዀነ፣ ናትናውን ኢዩ።

ካልኦት ሰባት ድማ፣ ጸሎት ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ከምዘለዎ ምእማን፣ ንሓርነትን ንፍቕሪን ኣምላኽ የትሕቶ ኢዩ፣ ብምባል መሊሶም ይሰግኡ። ዎ ከምቲ ንሱ ብዝመረጾ መገዲ ጥራይ ክዓዪይ ስለ ዘየፍቐድናሉ፣ ክንድ ምንታይ ንሓርነቱን ንፍቕሩን ከምዝደረትናዮ እንተ እንፈልጥ፣ ብመገዲ ጸሎትናን እምነትናን፣ ናብ ሕብረቱ ምስ ወሰደና ነይሩ። ሓደ እዋን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ እንዘራረበሉ፣ ሓደ ሓው ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ብምባል ሓተተ፣ እቲ ንሕና ንነፍሳት ዘሎና ፍቕሪን ክባረኹ ክንርኢ ምድላይናን፣ ንፍቕሪ ኣምላኽን ንሱ ክባርዀም ምድላዩን ምልጋስዶ ኣይኸውንን ኢዩ።

ኣብቲ እዋን ካብ ሓደ ዓቢይ እምባ፣ በረኽቲ ቦታታት ሰጊሩ፣ ናብ ሓንቲ ከተማ ዝኣትው፣ ማይ ዝሓልፈሉ፣ ገዚፍ ናይ ማይ ቱቦታት ነእትው ኔርና። እቲ መልሲ ከኣ፣ ነዞም ቱቦታት ተዓዘብ ዝብል ነበረ። ነቲ ማይ ብፍቓዱ ካብቲ እምባ ክወርድ ይገብሩዎ የለዉን፣ ወይውን ሓይሊ ክረኽብ ይባርኽዎን የተባብዕዎን የለዉን። እዚ ውሁብ ባህሪኡ ኢዩ። እቶም ቱቦታት ናበይ ከምዝኸይድ ይመርሕዎ ጥራይ ኢዮም ኔሮም። እዚ ብምግባር፣ እቶም ነበርቲ እታ ከተማ፣ በረኸቶም ኣብኡ ክመጽእ ከምዝደልዩ ይሕብሩ። ልክዕ ከምኡ፣ ከፍቕርን ክባርኽን፣ ቀንዲ ባህሪ ኣምላኽ ኢዩ።

ፍቕሩ ብዘሳልጥን ብዘበራብርን ዋሕዝታት፣ ናብ ታሕቲ ክወርድ ይናፍቕ ኢዩ። ግና እቲ በረኸቱ፣ ናብ ኣየናይ ስፍራ ከምዝመጽእ፣ ንጸሎት ገዲፉዎ ኢዩ። ነዚ እቶም ዝተኣመኑዎ፣ ነቲ ህያው ማይ ናብቶም በረኻታት ከምጽእዎ ገዲፉሎም ኢዩ። ምእንቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክባርኽ፣ ፍቓድ ሰብ ኣብ ኣየናይ ስፍራ ወሪዱ ክባርኽ ከምዝደሊ፣ ኣብ ዝህቦ ሓበሬታ ይምርኰስ። “እዚ ንዅሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ ኢዩ።” “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፣ ይሰምዓና ኢዩ፣ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ ኢዩ።”