ምዕራፍ ዕስራን ኣርባዕተን

ወርትግ ዕውት ጸሎት

“ብስመይ ዝለምንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ክገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም ክገብረልኩም እየ። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ኪህበኩም ኢዩ። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ከምዚህበኩም፣ ብሓቂ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ለምኑ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም።” (ዮሃንስ 13፣13-14, ዮሃንስ 15፣16, ዮሃንስ 16፣23-24, 16፣26)

ክሳብ ሕጂ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብስም ክርስቶስ ኣይለመኑን፣ ንሱውን እንተ ዀነ ነዚ ኣገላልጻ ፈጺሙ ኣይተጠቐመሉን ነይሩ። እቲ ምስዚ ብሂል ዝቐራረብ ዝበሎ፣ “ብስመይ ተኣከቡ።” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ከምመሰናበቲ ኣብ ዝተዛረበን ቃላት፣ ምስተን ደረት ኣልቦ ተስፋታት፣ ማለት “ዘበለ ኵሉ፣” "ዝዀነ ነገር፣” “ዝደለኹሞ፣” ዝብላ፣ ብምትእስሳር፣ ነቲ ቃል ብዘይ ምቑራጽ ደገሞ። እዚ ድማ፣ ምእንቲ እቲ ናቱ ስም፣ ንዕኦምን ንዓናን፣ እንኮን እኹልን፣ መማሕጸኒና ምዃኑ ክምህረና ስለ ዝደለየ ኢዩ። ሓይሊን መልሲን ጸሎት፣ ኣብ ግቡእ ኣጠቓቕማ እቲ ስም ይምርኰስ።

ስም ሰብ እንታይ ኢዩ? ስም ሰብ፣ እቲ ሰብ ዝጽውዓሉ፣ ወይ ንዓና መንነቱ ዝግለጸልና ቃል፣ ወይ መግለጺ ኢዩ። ኣነ ስም ኣብ ዝጠቕሰሉ፣ ወይ ኣብ ዝሰምዓሉ፣ ኣብ ቅድመይ ምሉእ ሰብነቱ ይርኣየኒ። ብዛዕባኡ ዝፈልጦ ነገር፣ ከምኡውን ኣባይ ዘሕደሮ ጦብላሕታ፣ ኣብ ቅድመይ ይገሃድ። ስም ንጉስ፣ ንኽብሩ፣ ንሓይሉን ንመንግስቱን የጠቓልል። ስሙ ምልክት ሓይሉ ኢዩ። ስለዚውን፣ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር፣ ንገለ ክፋል ክብሪ እቲ ዘይርአ ይሕዝን ይውክልን ኢዩ። ከምኡ ከኣ፣ ስም ክርስቶስ፣ ከምመንጐኛና ዀይኑ ምእንታና ናይ ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ከምኡውን ብቐጻሊ ናይ ዝገብሮ መግለጺ ኢዩ።

እሞ፣ ብስም ካልእ ጉዳይ ምፍጻም እንታይ ማለት ኢዩ? ከምወኪልን ተካኢን ዀይንካ፣ ብሓይሊን ብስልጣንን እቲ ካልእ ምምጻእ ኢዩ። ብስም ካልእ ምጥቃም፣ ኵሉ ግዜ ሓባራዊ ረብሓ ዝእምት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ዝዀነ ይኹን ሰብ፣ ቅድሚ ክብሩን ረብሕኡን፣ ከምቲ ኣብኡ ኣብ’ቲ ካልእውን፣ ዕቑብ ምዃኑ መረገጋገጺ ከይተወሃቦ፣ ስሙ፣ ካልእ ሰብ ከምድላዩ ክጥቐመሉ ኣይህብን ኢዩ።

እሞ ደኣ፣ የሱስ፣ ኵሉ ዝለመናዮ ዘበለ ከምዝህበና ብምርግጋጽ፣ ስሙ ከምድላይና ክንጥቐመሉ ስልጣን ክህበና ከሎ፣ እንታይ ማለት ኢዩ? ሓደ ሰብ ኣብ ገለ እዋን፣ ብስሙ ክልምን ንኻልእ ሰብ ከፍቕደሉ ከሎ፣ ናይ ዘሎ ልሙድ ምንጽጻር፣ ኣብዚ ዘይብቑዕ መነጻጸሪ ይኸውን። የሱስ፣ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ፣ ስሙ ኵሉ ግዜን ንዅሉ ድሌቶምን፣ ብናጽነት ክጥቐሙሉ፣ ሓፈሻዊን ወሰን ዘይብሉን ስልጣን፣ ብልቢ ሂቡ ኢዩ። ኣብ ረብሓታቱ ክኣምነና ይኽእል ምዃኑ እንተ ዘይፈልጥ፣ ማለት ክብሩ ኣብ ኢድና ዕቑብ ምዃኑ እንተ ዘይርዳእ፣ ነዚ ኣይምገበረን ነይሩ። ኵሉ ግዜ ስም’ቲ ካልእ ብናጽነት ክትጥቐም ምኽኣል፣ ህያብ’ቲ ናይ ቀረባ ሕብረት ዘስዕቦ፣ ልዑል ተኣማንነት ኢዩ።

እቲ ስሙ ምእንቲ ካልእ ዝሃበ፣ ነቲ ካልእ ከክንድኡ ክፍጽም ቦታ ይገድፈሉ። እቲ ስም ካልእ ዝወሰደ ከኣ፣ ንገዛእ ስሙ ከምዋጋ ዘይብሉ ገይሩ ይገድፎ። ኣነ ብስም ካልእ ክኸይድ ከሎኹ፣ ገዛእ ርእሰይ ይቐብጽ። ስሙ ጥራይ ዘይኰነ ዝወስድ፣ እኳ ደኣ ኣብ ክንዲ ነብሰይን መንነተይን፣ ንሱን መንነቱን ይወስድ።

ከምዚ ዝበለ ኣጠቓቕማ ስም ሰብ፣ ምስ ሕጋዊ ዝዀነ ሕብረት ዝሳነ ይኸውን። ሓደ ነጋዳይ ገዛኡን ስርሑን ገዲፉ ኣብ ዝገሸሉ፣ ነቲ ቀንዲ ጸሓፊኡ፣ ኣሽሓት ፓውንድ፣ ብስም’ቲ ነጋዳይ ከውጽእ፣ ሓፈሻዊ ስልጣን ይህቦ። ነዚ፣ እቲ ጸሓፋይ ምእንቲ ረብሕኡ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ምእንቲ ረብሓ እቲ ትካል ጥራይ ይፍጽም። እቲ ምኽንያት ከኣ፣ እቲ ነጋዳይ፣ ነዚ ሰብ ምእንቲ ረብሕኡን ትካሉን፣ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ምዃኑ ስለዝፈልጦን ስለ ዝኣምኖን ኢዩ፣ ስሙን ንብረቱን ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ክኸውን ዝደፈረ፣ ማለት ኢዩ።

ጐይታ የሱስ፣ ናብ ሰማይ ኣብ ዝኸደሉ፣ ዕዮኡ፣ ምምሕዳር ምድራዊ መንግስቱ፣ ኣብ ኢድ ኣገልገልቱ ገዲፉዎ ኢዩ። ምእንቲ ዕዮኡ ክፍጽሙውን፣ ዘድልዮም ዘበለ ቀረብ ክረኽቡ፣ ስሙ ክህቦም ግድን ነበረ። ከምኡውን ገዛእ ርእሶም ክሳብ ምእንቲ ረብሓን ዕዮን ጐይታ ጥራይ ኣሕሊፎም ዝሃቡ፣ ብስም የሱስ ክቐርቡ መንፈሳዊ ስልጣን ይህልዎም። ኵሉ ግዜ ብስም ምጥቃም፣ ነቲ ናትና ረብሓ፣ ምእንቲ እቲ ዝወከለና፣ ኣሕሊፍካ ምሃብ ይእምት።

ወይ ከምዚ ዝበለ ኣጠቓቕማ ስም፣ ብመሰረት ናይ ህይወት ሕብረት ይኸውን። ኣብ ጉዳይ እቲ ነጋዳይን ጸሓፊኡን፣ እቲ ሕብረት ግዚያዊ ኢዩ። ግና ኣብ ምድሪ ብሓደ ህይወት ምንባር፣ ሓደ ስም ከምዘውህብ ንፈልጥ ኢና። ሓደ ውላድ ህይወት ኣቦኡ ስለ ዘለዎ፣ ስም ኣቦኡ ይህልዎ። ከምኡውን መብዛሕቱ ግዜ፣ ሰናይ ኣቦ ዘለዎ ውላድ፣ ሳላ’ቲ ዝሓዞ ስም፣ ካልኦት የኽብርዎ፣ ወይ ይድግፍዎ ኢዮም። ግና እቲ ሒዙዎ ዘሎ፣ ነቲ ስሙ ጥራይ ምዚኸውን፣ ጠባይ እቲ ኣቦ ግና ኣብኡ ዘይርአ እንተ ዀይኑ፣ እቲ ክብሪን ደገፍን፣ ነዊሕ ከይቐጸለ ደው ይብል።

እቲ ስም ምስቲ ጠባይ፣ ወይ መንፈስ ክሳነ ኣለዎ። ከምዚ ምዚኸውን፣ እቲ ውላድ ካብ ኣዕሩኽ ኣቦኡ፣ ዕጽፊ ክሓትት መሰል ይህልዎ። እቲ ጠባይ፣ እቲ ስም ንዘበገሶ ፍቕሪን ክብሪን፣ ውሕስነት ይህቦን የሀብትሞን ኢዩ። ኣብ የሱስን እቲ ኣማኒን እውን፣ ከምኡ ኢዩ። ሓደ ኢና፣ ሓደ ህይወት ኣሎና፣ ምስኡ ሓደ መንፈስ ኢና። ስለዚ ድማ፣ ብስሙ ክንመጽእ ንኽእል ኢና። ነቲ ስም፣ ኣብ ኣምላኽ፣ ወይ ኣብ ሰብ፣ ወይ ኣብ ኣጋንንቲ፣ ናይ ምጥቃም ስልጣና፣ ኣብ ሕብረት መንፈሳዊ ህይወትና ይምርኰስ። ኣጠቓቕማ እቲ ስም፣ ኣብ ሕብረት እቲ ህይወት ይዓርፍ። ስምን መንፈስን የሱስ፣ ሓደ ኢዮም። [2]

ወይ፣ እቲ ነቲ ስም ምጥቃም ስልጣን ዝህብ ሕብረት፣ ሕብረት ፍቕሪ ክኸውን ይኽእል። መነባብሮኣ ብድኽነት ዝልለይ መርዓት፣ ምስ’ቲ መርዓዊ ኣብ እትሓብረሉ፣ ስማ ገዲፋ ብስሙ ትጽዋዕ። ሕጂ ብስሙ ክትጥቐም ድማ፣ ምሉእ መሰል ኣለዋ። ብስሙ ትዕድግ፣ ንስሙ ድማ ማንም ኣይነጽጎን ኢዩ። እዚ ዝዀነ ከኣ፣ እቲ መርዓዊ፣ ምእንቲ ረብሓኡ ብተገዳስነት ክትሕልው፣ ንነብሱ ስለ ዝመረጻ ኢዩ። ንሳቶም ሕጂ ሓደ ኢዮም። ከምኡውን እቲ ሰማያዊ መርዓዊ፣ ካብኡ ዝወሕድ ኣይገብርን ኢዩ። ስለ ዘፍቀረናን ምስኡ ሓደ ስለ ዝገበረናን፣ ነቶም ስሙ ዝሓዙ፣ ናብ ቅድሚ ኣቦ ክቅርብዎ፣ ወይ ንዅሉ ድሌቶም ናብኡ ሒዞም ክመጹ፣ መሰል ካብ ምሃብ ሓሊፉ፣ እንታይ ክገብር ይኽእል። እቲ ንገዛእ ርእሱ፣ ብስም የሱስ ክነብር ኣሕሊፉ ዝሃበ፣ ምእንቲ እኹል ተረፍ ክረክብ፣ በቲ ስም ዝደለዮ ክልምንን ክወሃብን፣ መንፈሳዊ ተኽእሎ ክህልዎ ኢዩ።

ስም ካልእ ሰብ ምሓዝ፣ ገዛእ ስመይን ገዛእ መነባብሮይን ምቕባጽ ይእምት። ካብኡ ግና፣ ብርግጽ፣ እቲ ኣብ ክንድ ስመይ ዝሓዝኩዎ ስም፣ ዘለዎ ንብረት ክውንን ምዃነይ ብሩህ ኢዩ።

ከምዚ ዝበለ መግለጺታት፣ ብዛዕባ እቲ ብስም ካልእ ዝሓትት ልኡኽ፣ ወይ ገበነኛ ብስም ዋሕስ ክምሕጸን፣ ናይ ዘሎ ልሙድ ኣረዳድኣ፣ ብግቡእ ከምዘየብርሆ የርእየና። ኣይፋል፣ የሱስ ባዕሉ ምስ ኣቦ ኣሎ። እቲ ብስሙ እንመጾ፣ ኣብኡ ዘየሎ ኣይኰነን። ዋላውን ናብ የሱስ ኣብ እንጽልየሉ፣ ብስሙ ክኸውን ይግባእ። እቲ ስም ነቲ ሰብ ይውክል። በቲ ስም ምሕታት፣ ምስኡ ብምሉእ ሕብረትን ረብሓን፣ ህይወትን ፍቕሪን፣ ምሕታት ኢዩ። ከም’ቲ ምስኡን ንዕኡን፣ ሓቢርካ ብምንባር ምሕታት ኢዩ።

ስም የሱስ ጥራይ፣ ኣብ ልበይን ህይወተይን፣ ምሉእ ብምሉእ ይግዛእ። እቲ በቲ ስም ዝልምኖ፣ ከምዘይንጸግ ከረጋግጽ እምነተይ ይዕበ። እቲ ስምን እቲ ናይ ምሕታት ስልጣንን ሓቢሮም ይኸዱ። ስም የሱስ፣ ህይወተይ ዝገዝእ ሓይሊ ምዚኸውን፣ ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ምጽላይ ዘለዎ ሓይሊውን ክርአ ኢዩ።

ስለዚ ኵሉ ነገር ምስቲ ስም ኣብ ዘሎና ርክብ ይምርኰስ። ኣብ ህይወተይ ዘለዎ ሓይሊ፣ ኣብ ጸሎተይ ናይ ዝህልዎ ሓይሊ ኢዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ፣ ነዚ ንጹር ክገብረልና ዝኽእል መግለጺ፣ ካብ ሓደ ጊዜ ንላዕሊ ተገሊጹ ኢዩ። “እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፣” ክብል ከሎ፣ ክንዴናይ ናይቲ ካልእ፣ ማለት “ኵሉ ለምኑ፣” ናይ ዚብል መጻምድቲ ከምዝዀነ ንርኢ። ኵሉ ብስሙ ምግባርን ኵሉ ብስሙ ምልማንን፣ ሓቢሮም ይኸዱ። “ብስም ኣምላኽና ንስጕም።” ዚብል ቃል ኣብ እነንብበሉ፣ ብኸመይ ሓይሊ እቲ ስም፣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ህይወት ክገዝእ ከምዘለዎ ንርኢ። ሽዑ ጥራይ ከኣ ኢዩ፣ ኣብ ጸሎት ሓይሊ ዝህልዎ። እግዚኣብሄር፣ እቲ ስም ንዓና እንታይ ምዃኑ ክዕዘብ፣ ከናፍር ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ነቲ ህይወት ኢዩ ዝርኢ። ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ፣ “ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፣” ወይ ከኣ፣ “ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኪሞቱ ኢሎም ዝተዳለዉ፣” ክዛረብ ከሎ፣ ምስቲ ስም ዘሎና ዝምድና፣ እንታይ ክኸውን ከምዝግባእ ንርኢ። ንዓይ ኵሉ ነገር ክኸውን ከሎ፣ ንዓይ ኵሉ ነገር የምጽኣለይ። ኵሉ ዘሎኒ እንተ ሂበዮ፣ ኵሉ ዘለዎ ክህበኒ ኢዩ።

“ብስመይ ዝለምንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ።” የሱስ፣ ነዚ ተስፋ ቃል ብቓሉ ሓቂ ምዃኑ ኢዩ ገሊጹዎ። ነዚ ክርስቲያናት ክድርትዎ ይህቅኑ ኢዮም። እዚ፣ ኣዚዩ ናጻ ይመስል፤ ወይ ንሰባት ብዘይ ገለ ኵነት ምእማን ኣየተኣማምን ኢዩ፣ ድማ ይብሉ። ንሕና እቲ፣ “ብስመይ፣” ዚብል ቃል፣ መዕቈቢኡ ከምዝዀኖ ኣይተረደኣናን ኣሎ። እዚ መንፈሳዊ ሓይሊ ዀይኑ፣ ሓደ ሰብ ካብቲ ብመጠን በቲ ስም ዝነብሮን ዝገብሮን ንላዕሊ፣ ክጥቀመሉ ኣይኽእልን ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ሰባት፣ ነቲ ስም ብግቡእ ምስ እንሕዝ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንጥቐመሉ ሓይሊ ይህልወና። ዎ፣ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፣ እቲ ስም እንታይ ማለት ምዃኑን ግቡእ ኣጠቓቕምኡ እንታይ ምዃኑን ከርእየና ንማሕጸኖ። እቲ ስም፣ እቲ ኣብ ሰማይ ልዕሊ ኵሉ ዝዀነ ስም፣ ብመገዲ መንፈስ ኢዩ፣ ኣብ ልብናን ህይወትናን፣ ዝዓበየ ስፍራ ዝሕዝ።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ! ናይ ሎም መዓልቲ ትምህርቲ፣ ብዕሙቝት ኣብ ልብኹም ይእቶ። ጐይታ ከምዚ ኢሉ፦ ብስመይ ጥራይ ጸልዩ። ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ክትወሃቡ፣ ሰማይ ተኸፊቱልኩም ኣሎ። ምእንቲ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ሰባት፣ ኣብ ናይ መንፈሳዊ ዓለም ዘሎ ሃብቲን ሓይሊን፣ ኣብ ትሕቲ ኢድኩም ተዋሂቡኩም ኣሎ። ዎ፣ ምጹ’ሞ፣ ብስም የሱስ ምጽላይ ንመሃር። ንደቀ መዛሙርቱ፣ ከምዚ ኢሉና፣ “ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን፤ ለምኑ፣ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።” ነፍሲ ወከፍ ደቀ መዝሙር የሱስ፣ መሰል ንጉሳዊ ክህነቱ ክርከብ፣ ገዛእ ርእሱ ቅሩብ ክገብር ይድለ ኣሎ። ከምኡውን ኣብ ኢዱ ዝተወሃቦ ሓይሊ፣ ኣብ ከባቢኡን ኣብ ዕዮኡን ይጠቐመሉ። ክርስቲያናት ነቂሖም፣ ነቲ መልእኽቲ ይስምዑ። ጸሎትኩም፣ ነቲ ብኻልእ መገዲ ክርከብ ዘይኽእል ነገር፣ ከምዝርከብ ይገብር ኢዩ። ብኻልእ መገዲ ክፍጸም ዘይኽእል፣ ከምዝፍጸም ይገብር ኢዩ። ዎ ተበራበሩ፣ ምእንቲ እዛ ትጠፍእ ዘላ ዓለም፣ ስም የሱስ ተጠቒምኩም፣ ሰማያዊ ሃብቲ ክፈቱ። ከምኣገልገልቲ እቲ ንጉስ፣ ንስሙ ምጥቃም ተመሃሩ። “ብስመይ ዝለምንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ክገብረልኩም እየ።”

“ጐይታ ምጽላይ ምሃረና።”

ክቡር ጐይታ! ነፍሲ ወከፍ እትህበኒ ትምህርቲ፣ ምሉእን ዓሚቝን ትርጕም ኣለዎ። ነቲ ሓደ እኳ ክመሃር እንተ ዝኽእል፣ ብግቡእ ምጽላይ ምፈለጥኩ ነይረ። ሕጂውን እንደገና፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፣ ሓደ ጸሎት ከምዝደለኹ ይስምዓኒ ኣሎ። ጐይታ! ብስምካ ምጽላይ እንታይ ምዃኑ ምሃረኒ። ምእንቲ ጸሎተይ፣ ብብሩኽ ስምካ ጥራይ ክኸውን፣ ብስም የሱስ ምንባርን ምግባርን፣ ምስጓምን ምዝራብን፣ ኵሉ ነገር ምፍጻምን ምሃረኒ።

ጐይታ! ከምኡውን ብስምካ ዝለመናዮ ዘበለ ኵሉ ከምእትገብረልና፣ ኣቦውን ከምዝህብ ዝገልጽ ክቡር ተስፋ ጨቢጠ ክሕዝ ምሃረኒ። ብስመይ ብምባል ናይ ዝገለጽካዮ ዘደንቕ ሕብረት ትርጕም፣ ዋላ’ኳ ገና ኣጸቢቑ እንተ ዘይተረደኣኒ፣ ገናውን ብምልኣት እንተ ዘይተታሕዘ፣ ግና እቲ ተስፋኻ ንልበይ ብዘይ ጥርጥር ክሳብ ዝመልኦ፣ ጨቢጠ ክሕዝ እየ። ኵሉ ነገር ብስም የሱስ።

ዎ ጐይታ! ቅዱስ መንፈስካ ነዚ ይምሃረኒ። ብዛዕባኡ፣ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ።” ኢልካ። ንሱ፣ ብስምካ ካብ ሰማይ እንታይ ከምዝለኣኽ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ስም ኣብ ኣገልገልትኻ ዘለዎ ሓይሊ ከግህድን ከኽብርን ኢዩ። ነቲ ስም ጥራይ ምጥቃም ይፈልጥ ኢዩ። ስለዚ ድማ ንዓኻ የኽብር ኢዩ። ጐይታ የሱስ! መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ይንበር፣ ከምኡውን ንዓይ ይምልኣኒ።

ኣነውን ኩለንትናይ ንግዝኣቱን ንመሪሕነቱን ይቕርብ ኣሎኹ። ስምካን መንፈስካን ሓደ ኢዮም። ብዕኡ ስምካ ናይ ህይወተይን ጸሎተይን ሓይሊ ይኸውን። ካብኡ ኣነ ምእንቲ ስምካ ኵሉ ክገድፍ ይኽእል። ብስምካ ንሰብን ንእግዚኣብሄርን ክዛረብ ይኽእል። ከምኡ ከኣ፣ ብርግጽውን ስምካ ልዕሊ ኵሉ ስም ምዃኑ ከረጋግጽ ይኽእል።

ጐይታ የሱስ! ብቕዱስ መንፈስካ፣ ብስምካ ምጽላይ ምሃረኒ። ኣሜን።

መዘኻኸሪ

“ብስም ክርስቶስ ምጽላይ እንታይ ማለት ኢዩ? እዚ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ነቲ መድሕን ብእምነት እናስተንተንካ ምቕራብ፣ ማለት ጥራይ ክኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ምጽላይ ክምህሮም ክሓትዎ ከለው፣ ልማኖታት ዝሓዘለ ትምህርቲ ጸሎት ሂብዎም። ድሒሩውን የሱስ ከምዚ ኢሉዎም፣ ‘ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን።’ ክሳብ እቲ መንፈስ ዝመጽእ፣ ኣብ ጸሎት ጐይታ ዘለዉ፣ ሸውዓተ ልማኖታት፣ ኣብ ውሽጦም ተደጒሎም ኢዮም ጸኒሖም። ክርስቶስ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብ ልቦም ምስ ወረደ፣ ክርስቶስ ከምሊቀ ካህንና፣ ካብ ኣቦ ብጸሎቱ ምእንታና ንዝረኽቦም በረኸታት ደለዩ። ከምዚ ዝበለ ልማኖውን፣ ኵሉ ግዜ መልሲ ይረክብ ኢዩ። ኣቦ፣ ክርስቶስ ዝለመኖ ወርትግ ክህብ ድሉው ኢዩ። መንፈስ ክርስቶስ፣ ኵሉ ግዜ ክርስቶስ ዝተቐበሎን ናብ ኣቦ ዝቐረቦን ልማኖ፣ ንሕናውን ክንቕርብ ይምህረናን የተባብዓናን ኢዩ። ብስም ክርስቶስ ምጽላይ፣ ብምሕዳር መንፈስ ቅዱስ፣ ክርስቶስ ጽድቅና ምዃኑ ምቕባልን ፍቓድ ክርስቶስ ፍቓድና ምዃኑ ምእማንን ኢዩ። ብመንፈስ ምጽላይ፣ ወይ ከምፍቓድ ኣቦ ምጽላይ፣ ወይ ብስም ክርስቶስ ምጽላይ፣ ተመሳሰልቲ መግለጺታት ኢዮም። ኣቦ ባዕሉ የፍቅረና ኢዩ፣ ክሰምዓናውን ድልው ኢዩ። እቶም ምእንቲ ካልኦት ዝጽልዩ ክልተ ኣካላት፣ ማለት ክርስቶስ፣ እቲ ጠበቓ ኣብ ላዕሊ፣ ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ፣ እቲ ጠበቓ ኣብ ውሽጢ፣ ህያብ ፍቕሩ ኢዮም።

“እዚ ኣረኣእያ፣ ኣብ መጀመርታ፣ ኣብ ክንዲ ብዙሕ፣ ሒደት ምጽንናዕ ዝህብ ይመስል ኢዩ። ንሱ ድማ፣ ብስም ክርስቶስ ምጽላይ፣ ብቐንዱ ኣብ ክርስቶስ ምምርኳስ ምዃኑ ኢዩ። ናይዚ ኣረኣእያ ጉድለት ድማ፣ እቲ መድሕን ምእንቲ ካልኦት ዝፍጽሞ ልማኖ፣ ምስ ፍቓድ ኣምላኽን ምስ ደገፍ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጸሎትን፣ ጠሚሩ ዘይምሓዙ ኢዩ። ነስተንትኖ ክርስቶስ እውን፣ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦን ኣሎ። እቲ ኣስተንትኖ፣ ቅዱስ ኣቦ፣ ሳላ ክርስቶስ ንዓይን ንጸሎተይን ክቕበለኒ ከምዝኽእል ዘጠቓልል ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ክርስቶስ ባዕሉ ልማኖታተይ ከምልማኖታቱ፣ ከም ናቱ ብሂጉ፣ ከም ብኽቡር ደሙ ንዓይ ዝተዓደገ ኵሉ በረኸታት እውን፣ ከምዝቕርቦ ኢዩ።

“ኣብ ኵሉ ጸሎት፣ እቲ ቀንዲ ቅድመ ኩነት፣ ብስም የሱስ፣ ብመሰረት ንሱ ንዓና ኣብ ዘለዎ ባህጊ፣ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ፣ ብመሰረት ትምህርቲ እቲ መንፈስ፣ ክንቕርቦ ምኽኣልና ኢዩ። ስለዚውን፣ ገዛእ ርእስና ከይመርመርና፣ ከይተዓዘብና፣ ገዛእ ርእስና ከይቐበጽና፣ ብሓጺሩ ብመንፈስ ከይተደገፍና፣ ብስም ክርስቶስ ምጽላይ ኣይከኣልን ኢዩ።”

--Saphiv, The Lord's Prayer, pp.411, 142

[2] “ብስመይ ዝለምንኩምዎ ዘበለ ኵሉ፣” ንሱ ድማ፣ ብባህሪየይ፣ ምኽንያቱ፣ ኣብ እግዚኣብሄር፣ ነገራት ብመሰረት ባህሪያተን ኢየን ተጸዊዐን። ጸሎትና ኣብ እንዛዝመሉ፣ “ነዚ ብስም የሱስ ይልምን፣” ኣብ እንብለሉ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ብመሰረት ባህሪኡ፣ ማለት ብፍቕሪ፣ ናቱ ዘይኰነ ፍቓዱ ኣቦኡን ሰናይ ኵለን ፍጡራትን ብዝደሊ፣ ብስም ክርስቶስ ንልምን ኢና። ከምዚ ዝበለ ልማኖ፣ እቲ ናቱ መንፈስ ኣብ ልብና ናይ ዚልምኖ ኢዩ።

--Jukes. The New Man