ምዕራፍ ዕስራን ሰለስተን

ተኣዛዝነት ምስ ብስልጣን ምጽላይ

“ኣነ ሓሬኹኹም እምበር፣ ንስኻትኩም ኣይሓሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ክትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፣ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኪህበኩም፣ ነዚ መደብኩኹም።” (ዮሃንስ 15፣16)

“ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ ኢያ።” (ያእቆብ 5፣16)

ኣቦ፣ ኵሉ ዝለመናዮ ነገር ከምዝህብ ዝገልጽ ተስፋ፣ ኣብ ውሽጢ ቤት ምኽሪ እቲ ልዑል፣ ከምዚ ዚበለ ዜደንቕ ስልጣን፣ ንመን ከምዚወሃብ ከርእየና፣ ኣብዚ ከምእንደገና ተሓዲሱ ቀሪቡ ኣሎ። ጐይታ፣ “ኣነ ሓሬኹኹምን መደብኩኹምን፣” በለ፣ “ክትከዱን ክተፍርዩን ፍረኹም ነባሪ ክኸውን፣” ካብኡ ኣብ መወዳእታ፣ “እቶም ፍረ እተፍርዩ፣ ነቦ ብስመይ እትልምንዎ ዘበለ ክህበኩም ኢዩ።” ብምባል ወሰኸ።

እዚ ካልእ ነገር ዘየኰነ፣ እኳ ደኣ፣ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም” ብምባል ናይ እተዛረበን ቃላት ምሉእ መብርሂ ኢዩ። ዕላማ እቲ ምጽናዕ፣ ምእንቲ ‘ፍረ፣’ ‘ብዙሕ ፍረ፣’ ‘ኣዚዩ ብዙሕ ፍረ፣’ ንምፍራይ ምዃኑ ገለጸ። ብዕኡ ድማ፣ እግዚኣብሄር ይኸብር፣ ከምኡውን ምልክት ሃዋርያዊነት ይርአ። ሕጂ፣ እቲ ምጽናዕ፣ ኣብ ፍረ ምፍራይን እቲ ፍረውን ነባሪ ኣብ ምዃኑን ብኽውን ከምዝርአ ገለጸ። እዚ ከኣ፣ ምእንቲ ዚለመናዮ ክንወሃብ ናይ እንገብሮ ጸሎት መመመዪ ምዃኑ፣ ወሲኹ ምግላጹ ዘገርም ኣይኰነን።

ምእንቲ ጻውዒትና ክንፍጽም ክንብል፣ ምሉእ ብምሉእ ምቕዳስ፣ ቅድመ-ኵነት ውጽኢታዊ ጸሎት ኢዩ። ክርስቶስ ተስፋታት ጸሎት ኣመልኪቱ ናይ ዝሃቦም ደረት ኣልቦ በረኸታት መፍትሕ እውን ኢዩ።

ገለ ክርስቲያናት፣ ከምዚ ዚበለ ዓርፍተ ነገር፣ ምስ ብናጻ ዚወሃብ ጸጋ ዚብል ትምህርቲ ይፍለ ኢዩ፣ ብምባል ይሰግኡ ኢዮም። እቲ ሓቂ ግና፣ ወይ ትርጉም ብናጻ ዚወሃብ ጸጋ ብግቡእ ኣይበርሀን ኣሎ፣ ወይውን ብብዙሕ መግለጺታት እቲ ብሩኽ ዚዀነ ቃል ኣምላኽ ኣይተደገፈን ኣሎ። ቃላት ቅዱስ ዮሃንስ ንርአ (1 ዮሃንስ 3፣20-22)፣ “ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ፣ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና ንፈልጥ። ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሜኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፣ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ካብኡ ንቕበል ኢና።” ወይ ካብ ቃላት ያእቆብ ዝተወሰደ፣ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ጥቕሲ ንርአ፣ “ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ ኢያ።” እዚ ሰብ፣ ብመሰረት መግለጺ መንፈስ ቅዱስ፣ “ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፣ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ ኢዩ።” ክበሃል ይኽእል። ብመሰረት መዛሙር ዳዊት፣ እቲ ዘተኣማምን ልማኖ፣ ኣብ ቅንዕናን ጽድቕን እቲ ዝምህለል ሰብ ይምርኰስ።

ዳዊት፣ ኣብ መዝሙር 18፣ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ኢሉ፣ “ንመገድታት እግዚኣብሄር ሓሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሓቕኩን፣… እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ብመጠን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ።” (መዝ 18፣20-26 ከምኡውን መዝ 7፣3-5፤ መዝ 15፣1-2፤ መዝ 18፣3-6፤ መዝ 26፣1-6፤ መዝ 119፣121-153 ተዓዘብ።) ከምዚ ዚበለ መግለጺ፣ ብመንጽር ሓድሽ ኪዳን ብጥንቃቐ ምስ እንምርምሮ፣ ጐይታና ከምመሰናበቲ ምዝገበሮ መደረ ዝሳነ ምዃኑ ንርዳእ። “ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፣ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።” እዚ ቃል፣ ብርግጽ ኣብኡ ከሎ፣ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ማለት ኢዩ፣ “ኣነ ክትከዱን ፍረ ክትፈርዩን፣ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኪህበኩም፣ ነዚ መደብኩኹም።”

ነቲ መድሕን ዝምህረና ዘሎ፣ ብግቡእ ተረዲእና ናብኡ ንእቶ። እቲ ወንጌላዊ እምነትና፣ ኣብ ሓደ ሸነኽ ዝቕርቦ፣ ማለት ብጸሎትን ብእምነትን እንረኽቦ ነገራት ጥራይ ምጥማት፣ ኣብ ሓደጋ ኣእቲዩና ኢዩ። ኣብዚ፣ ቃል ኣምላኽ ብዕቱብ ዘንበሮ ካልእ ሸነኽ ኣሎ። ንሱ ድማ፣ እዙዝነት እንኮ መገዲ በረኸት ምዃኑ ኢዩ።

ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና፣ ምስ እግዚኣብሄር ብምባል እንጽውዖ፣ ዝፈጠረናን ዝተበጀወናን፣ ምስቲ ዘለኣለማዊ ኣብ ዘሎና ርክብ፣ እቲ ቀዳማይ ኣብ ውሽጥና ክበራበር ዝግብኦ ስምዒት፣ ተኣዛዚ ምዃን ኢዩ። ንልዑልነቱ፣ ንኽብሩ፣ ንፍቓዱን ንባህታኡን ምንብርካኽ፣ ቀዳማይን ዝለዓለን ሓሳባት ህይወትና ክኸውን ይግባእ።

እታ ሕቶ፣ ብኸመይ ሞገሱ እንረክብን እንሕጐስን እትብል ኣይኰነትን። ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዓርፍተ ነገር፣ እቲ ቀንዲ ነገር ኣነነት ኢዩ። እኳ ደኣ እቲ እንኮ ዕላማይን ጠለበይን፣ ምእንቲ ክብሩን ሓጐሱን ክኸውን ይግባእ። ምእንቲ እቲ ፍጹምን ብሩኽን ፍቓዱ፣ ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ከምኡውን ኣገልጋሊን እዙዝን ህይወት፣ ጽባቐን ስሕበትን ሰማይ ኢዩ።

ወዲ፣ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ፣ እቶም ቀንዲ ሓሳባቱ፣ ኣገልግሎትን ተኣዛዝነትን ነበሩ። ካብ ዕረፍቲ፣ ወይ ካብ ራህዋ፣ ካብ ሓጐስ፣ ወይ ካብ ሓይሊ፣ ኣገልግሎትን ተኣዛዝነትን፣ ቀንዲ ድሌትናን ዕላማናን ክዀኑ ይግባእ። ኣብኦም ናብቲ ዝጽበየና ዘሎ ልዑል በረኸት ዝወስድ መገዲ ንረክብ።

ጐይታ፣ ኣብ መበል ምዕራፍ 15፣ ምስ ምጽናዕ ኣተሓሒዙ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ኣብ መበል 14፣ ቅዱስ ስላሴ መጺኦም ኣብ ልዕሌና ማሕደር ከምዝገብሩ፣ ኣብ ዝተዛረበሉውን፣ ከመይ ዚበለ ኣገዳሲ ቦታ ከምዝሃቦ ንተዓዘብ። ኣብ ቍጽሪ 15 “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፣ ትእዛዛተይ ሓልው፣ እቲ መንፈስ ድማ ካብ ኣቦ ክወሃበኩም ኢዩ።” ዚብል ንረክብ። ኣብ ቍጽሪ 21፣ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፣ ንሱ ኢዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ ኢዩ፣ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።” ከምኡውን እንደገና፣ ኣብ ቁጽሪ 23፣ ካብቶም ዓበይቲን ክቡራትን ተስፋታት ዝልዕል፣ “ዜፍቅረኒ እንተሎ፣ ቃለይ ይሕሉ ኢዩ፣ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ ኢዩ፣ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ከኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።” በለ።

እዙዝነት፣ መገዲ መንፈስ ኣባና ክሓድር፣ ነቲ ወዲ ኣባና ምግሃድ፣ ከምኡውን ምእንቲ ነቦ መሕደሪ ክንኸውን ዘዳልወና ምዃኑ፣ ቃላት ብግቡእ ምገለጹዎ ዶ? ምሕዳር እቲ ስላሴኣዊ ሓደ ኣምላኽ፣ ውርሻ ናይቶም ዝእዘዙ ኢዩ። ምእዛዝን እምነትን፣ ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ግብሪ ኢዮም። እዚ፣ ንኣምላኽን ንፍቓዱን ምብርካኽ ድማ ኢዩ። ከምቲ እምነት ምእንቲ ምእዛዝ ዝሕይል፣ ተመሊሱ ብዕኡውን ይሕይል ኢዩ። እምነት ብግብሪ ምልኣት ይረክብ። ክንእመን ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ፣ ውጽኢታዊ ዘይምዃኑ ዘተሓሳስብ ኢዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፣ ነቲ እምነት ብዓቢኡ ሕጋዊ፣ ወይ ጋህዲ ዚዀነሉ ነገር፣ ስለ ዘይሓዝና ኢዩ። ንሱ ከኣ፣ ምሉእ ብምሉእ ንኽብሪን ንፍቓድን ኣምላኽ ስለ ዘይተምበርከኽና ኢዩ። እቲ ገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ንእግዚኣብሄርን ንፍቓዱን ዝፈለየ ሰብ ኢዩ፣ ኵሉ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎ ክወሃቦ መጺኡ ክጠልብ ሓይሊ ዝህልዎ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸሎት፣ ናይዚ ትግባረ ኣዚዩ ቀሊል ግና ዓሚቝ ኢዩ። ጐይታ፣ “ኣነ ሓሬኹኹም፣” በለ፣ “ መደብኩኹም ክትከዱን ፍረ ክትፈርዩን፣” ብዙሕ ፍረ (ቍጽሪ 5, 8)፣ “ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኸውን፣” ህይወትኩም ፍሬኡ ነባሪን ቀጻሊ ዘፍሪን ይኹን። ከምመጠን ኣባይ ዝጸንዓ ፍረ ዘፍርያ ጨናፍር፣ “ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኪህበኩም ኢዩ።”

ክንደይ ግዜ ምእንቲ ብዙሕ ጸጋ ረኺብና ፍረ ክነፍሪ፣ ውጽኢታዊ ጸሎት ክንገብር ክንኽእል ዘይደለና፣ ግና መልሲ ብዘይ ምርካብና ዘይተገረምና። እቲ ምኽንያት ንትእዛዝ ጐይታና ስለ ዝገምጠልናዮ ኢዩ። ንሕና ምእንቲ ነቲ ዕዮ ብቐሊሉን ብዘይ ጸገምን፣ ወይ ገዛእ ርእስና ከይሃብና ክንዓዪይ ክንብል፣ ቅድም ምጽንናዕን ሓጐስን ምብርታዕን ደሌና። ንሱ ግና ደኺምና፣ ወይ ሓይልና ከምዘሎና፣ ከምኡውን እቲ ዕዮ ከቢድ፣ ወይ ቀሊል ምዃኑ ከይሓተተ፣ ብእምነት እዙዛት ኰይና፣ ንሱ ዝበለና ክንፍጽም ይደሊ። ንሱ ድማ፣ እቲ መገዲ ፍረ ምፍራይ፣ ዕውት ጸሎት ናብ እንገብረሉ ቦታን ሓይሊን ይመርሓና ምዃኑ ኢዩ።

እዙዝነት፣ እቲ ናብ ክብሪ ኣምላኽ ዝወስድ እንኮ መገዲ ኢዩ። ኣብ ክንዲ እምነት፣ እዙዝ ምዃን፣ ማለት ኣይኰነን፣ ወይውን እዙዝነት፣ እምነት ዝጐደሎ ነገር ይምልእ ማለት ኣይኰነን። ኣይፋል፣ እኳ ደኣ ናይ እምነት ምእዛዝ፣ ኵሉ ኣምላኽ ዝቐረበልና በረኸት ክንረክብ የኽእለና ኢዩ። ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ (14፣16) ፣ ናይ ወዲ ርእሱ ምግላጽ (14፣21)፣ ናይኣቦ ምሕዳር (14፣23)፣ ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ምጽናዕ (15፣16)፣ ቅዱስ ዕርክነት ናይ ምፍጻም ሓለፋ (15፣14)፣ ኣብ ኵሉ ዕውት ዚዀነ ጸሎት ናይ ምግባር ስልጣን (15፣16)፣ እዚ ኵሉ ነቲ እዙዝ ይጽበዮ ኣሎ።

ነዚ ትምህርቲ ናብ ገዛና ንውሰዶ። ሕጂ፣ ስለ ምንታይ ዕውት ጸሎት ክንገብር፣ ሓይሊ እምነት ከምዘይብልና፣ ቀንዲ ጠንቁ ፈሊጥናዮ ኣሎና። ህይወትና ከምቲ ዝድለ ኣይነበረን። ብቐሊሉ ኣብኡ ከሎ እዙዝ ምዃን፣ ነባሪ ፍረ ምፍራይ፣ ቀንዲ መለለዪኡ ኣይኰነን። ብምሉእ ልብናውን ነቲ መለኾታዊ መደብ ንሰማምዓሉ ኢና። ንሱ ድማ፣ እቶም ኣምላኽ ንዓለም ከመሓድሩ ስልጣን ዝሃቦም፣ ሳላ ጠለቦም ነገራት ዝፍጽም፣ ፍቓዶም ምእንቲ ፍቓድ ኣምላኽ ተግባራዊ ክኸውን መገዲ ዝጸርግ፣ እዙዝነት ዝተመሃሩ ሰባት ክዀኑ ይግባእ። ነቲ መዝነት ዘለዎም ተኣማንነትን ተገዛእነትን ዘየጠራጥር ክኸውን ይግባእ። ኵሉ ነፍስና ነቲ ሕጊ ይሰማምዓሉ ኢዩ። ንሱ ድማ፣ እዙዝነትን ፍረ ምፍራይን፣ መገዲ ዕውት ጸሎት ምዃኑ ኢዩ። ህይወትና ክንዴናይ እዚ ምልክት ከምዝጐደሎ፣ ብሓፍረት ንእመን እውን ኣሎና።

መድሕና ንዝመደበልና ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና ንሃብ። ጐይትነቱ ምሳና ናይ ዘለዎ ዝምድና ንመርምር። ድሕሪ ደጊም፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ መዓልቲ፣ ፈለማ ምጽንናዕ፣ ወይ ሓጐስ፣ ወይ በረኸት ኣይንድለ። እቲ ቀዳማይ ሓሳብና፣ ኣነ ናይ ጐይታ እየ፣ ዚብል ይኹን። ኣብ ኵሉ ጊዜን ኣብ ኵሉ ምንቕስቓስን፣ ከምናውቱ፣ ከምኽፋሉ፣ ከምቲ ፍቓዱ ክፈልጥን ክገብርን ዝደሊ ይኹን። እቲ ኣገልጋሊ፣ እቲ ጊልያ የሱስ ክርስቶስ፣ እዚ ዘበራብረኒ መንፈስ ይኹን። ንሱ፣ “ኣዕሩኸይ እምበር፣ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።” እንተ በለ፣ ናይ ዕርክነት ቦታና ንቐበል። “ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ኵሉ እንተ ገበርኩም፣ ኣዕሩኸይ ኢኹም።”

ንሱ፣ ከምመጠን ጨናፍሩ፣ ሓደ ዝእዝዘና ነገር እንተሎ፣ ፍረ ክነፍሪ ኢዩ። ምእንቲ ካልኦት ክንባርኽ ክንብል ንንበር። ምእንቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ህይወትን ፍቕሪን ክንምስክር ክንብል ንንበር። ኵሉ ህይወትና፣ ብእምነትን ብምእዛዝን፣ ነቲ የሱስ ዝመረጸናን ዝመደበልናን፣ ፍረ ምፍራይ ኣሕሊፍና ንሃብ። ንሱ፣ ነዚ ከምዝመረጽና፣ ከምኡውን እቲ መደብና ካብቲ ነቲ ዝጠልቦ ዝህብ ከምዝመጸ ምስ እንሓስብ፣ ምእንቲ ነባሪ ፍረ ዘፍሪ ህይወት ክንነብር ክንኽእል፣ ኣብ ቀረባና ምዃኑ ፈሊጥና፣ ርእሰ ተኣማንነትና ይብርትዕ። ከምኡውን፣ ስለ ምንታይ ፍረ ምፍራይ ጥራይ፣ ናብ ቦታ ዕውት ጸሎት ዝወስድ መገዲ ምዃኑ፣ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እቲ ንክርስቶስ ኣምላኽ ብምእዛዝ፣ ፍቓድ ጐይታኡ ይፍጸም ከምዘሎ ዘረጋገጸ ሰብ ኢዩ፣ ፍቓድ ኣቦ ኵሉ ዝደለዮ ዝገብረሉ።

“ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፣ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ካብኡ ንቕበል ኢና።”

“ጐይታ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ጐይታ! ነቲ ብኽፋል ዝተገንዘብኩዎ፣ ምሉእ ብምሉእ ክርድኦ ምሃረኒ። ንሱ ድማ፣ ብመገዲ ፍቓድ ኣምላኽ፣ ንትእዛዛቱ እዙዝ ዀይንካ ብምቕባልን ብምትግባርን ጥራይ ኢና፣ ኣብ ተስፋታቱ ፍቓዱ ክንጭብጥን ኣብ ጸሎትና ብግቡእ ክንጥቀመሎምን፣ ሓይሊ ንረክብ። ብመገዲ ፍረ ምፍራይ፣ እቲ ጨንፈር ኣብቲ ጉንዲ ብዓሚቝ ምልኣት ከምዝዓቢ፣ ከምኡውን ምሳኻ ብምልኣት ሓደ ብምዃን ዝደለናዮ ክንልምን ከምእንበቕዕ ምሃረና።

ዎ ጐይታ! ብኸመይ ምስ ኵሎም ሰራዊት ሰማይን ምሳኻ ምስ ወዲ ኣብ ምድሪን፣ ከምኡውን ምስቶም ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘኽበሩኻ ሰብ እምነት፣ ንኣምላኽ ምእዛዝ እቲ ዝለዓለ ረብሓና ምዃኑ ክትገልጸልና ንልምነካ። እዚ ምስኡ ሓደ ምዃን የኽእል። ንሱውን እቲ ዝለዓለ ክብሩን ፍጹም ፍቓዱን ኢዩ። ከምኡዉን፣ ብኸመይ ትእዛዛትካ ብምሕላውን ብመሰረት ፍቓድካ ፍረ ብምፍራይን፣ ዝደለናዮ ክንልምንን ክንቕበልን ስልጣን ክንረክብ፣ መንፈሳዊ ባህሪና ናብ ፍጹም ዝዀነ ሰብነት ከምዝዓቢ ክትገልጸልና ንልምነካ።

ዎ ጐይታ የሱስ! ርእስኻ ግለጸልና። ከምኡውን ነቶም ገዛእ ርእሶም ንዓኻን ንቓላትካን ኣሕሊፎም ዝሃቡ፣ ነዞም ኣደነቕቲ ተስፋታት መዓልታዊ ከስተማቕርዎም፣ ብሓቂ ዕላማኻን ስልጣንካን ምዃኑ ግለጸልና። ኣሜን።