ምዕራፍ ዕስራን ክልተን

ቃል ምስ ጸሎት

“ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” (ዮሃንስ 15፣7)

ኣብ መንጐ ቃልን ጸሎትን ዘሎ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝምድና፣ ካብቶም ዝቐለሉን ቀዳሞትን ትምህርትታት ክርስቲያናዊ ህይወት ሓደ እዩ። ከምቲ ሓድሽ ዚደሓነ ኣህዛብ ዚበሎ፣ እጽሊ - ነቦይ ይዛረቦ፤ የንብብ - ኣቦይ ይዛረበኒ። ቃል ኣምላኽ፣ ቅድሚ ጸሎት፣ ኣቦ ኣየናይ ነገር ምዝልምን ከምዝህበኒ፣ ኣነጺሩ ብምርኣይ የዳልወኒ።

ኣብ ጸሎት፣ ቃል ኣምላኽ፣ ንእምነተይ ውሕስነትን ልማኖኡን ብምሃብ የበርትዓኒ። ከምኡ ከኣ ድሕሪ ጸሎት፣ ቃል ኣምላኽ፣ ብመንፈስ ድምጺ ኣቦ ክሰምዕ ብምግባር፣ ናይቲ ዝጸለኹዎ መልሲ የምጽኣለይ። ጸሎት ብሓደ ወገን ዚፍጸም፣ ውልቀ ዘረባ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ብኽልተ ወገናት ዝግበር፣ ዝርርብ፣ ወይ ዘተ ኢዩ። እቲ ናተይን እቲ ዝምልሰለይ ድምጺ ኣምላኽን፣ ኣገዳሲ ክፋሉ ኢዩ።

ድምጺ እግዚኣብሄር ምስማዕ፣ ንሱ ነቲ ናተይ ከምዝሰምዖ፣ መረጋገጺ ምስጢር ኢዩ። “እዝንኻ ጽሎ፣ ስማዕ ከኣ፣” “ኣእዛንካ ናባይ የቕልባ፣” “ድምጸይ ስማዕ፣” እዘን ቃላት፣ ኣምላኽ ንሰብ፣ ከምኡ ከኣ ሰብ ንኣምላኽ ዝዛረበን ኢየን። እቲ ናቱ ምስማዕ፣ ኣብ’ቲ ናትና ምስማዕ ይምርኰስ። እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝኣትው ቃሉ፣ እቲ ቃለይ ኣብኡ ናይ ዘለዎ ሓይሊ መለክዒ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ንዓይ እንታይ ምዃኑ፣ ንሱ ባዕሉ ንዓይ እንታይ ከምዝዀነ መፈተኒ ኢዩ። ከምኡውን ናብኡ ዝገብሮ ጸሎት፣ ብቕኑዕ ድሌት እፍጽሞ ከምዘሎኹ መርኣዪ ኢዩ።

የሱስ፣ ኣብ መንጐ ቃሉን ጸሎትናን ዘሎ ዝምድና ክገልጽ፣ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ኢሉ፣ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ቃል ዝተክኦ፣ ነቲ ካልእ መግለጺ ምስ ንዕዘብ፣ ዓሚቕ ኣገዳስነት ናይዚ ሓቂ ይንጽር። የሱስ፣ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ፣ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ኢሉ፣ “ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም።” ንሱ ኣባና ምጽንዑ፣ መመላእታን ዘውዲን፣ ንሕና ኣብኡ ናይ ምጽናዕና ኢዩ። ግና ኣብዚ፣ ኣብ ክንዲ፣ “ንስኻትኩም ኣባይ ኣነውን ኣባኻትኩም፣” ዚብል፣ “ንስኻትኩም ኣባይ ቃለይውን ኣባኻትኩም” በለ። ናይ’ቲ ቃሉ ምጽናዕ፣ ማዕረ ናቱ ምጽናዕ እዩ።

እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና፣ ብፍላይ ድማ፣ ኣብ ጸሎትና ክህልው፣ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኣሎ። ኣብ ቃላት ሰብ፣ ገዛእ ርእሱ ይገልጽ። ብተስፍኡ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ሃበ። ምስቲ ነቲ ተስፍኡ ዝርከብ ሰብ፣ ገዛእ ርእሱ ጠመረ። ምእንቲ ነቲ ዝእዘዞ ጐይታኡ ክኸውን ደሊዩ፣ ከምገዛእ ኣካሉ ገይሩ ድማ፣ ክመርሖን ክጥቀመሉን፣ ፍቓዱ ኣብ ትእዛዛቱ ኣፍለጠ። ብመገዲ ቃላትና ኢዩ፣ መንፈስ ምስ መንፈስ ዝሓብር። ስለ ዝዀነ ድማ፣ መንፈስ ሓደ ሰብ፣ ገዛእ ርእሱ ናብቲ ካልእ ከስግርን ከመሓላልፍን ይኽእል። ቃል ሰብ ምስ ተሰምዐን ተቐባልነት ምስ ረኸበን፣ ከምኡውን ብግቡእ ምስ ተታሕዘን ምስ ተኣዘዘን ኢዩ፣ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ክሓድር ዝኸእል። እዚ ኵሉ ግና፣ ብምንጽጻርን ብኣዚዩ ውሱንን ደረጃ ኢዩ።

ግና እግዚኣብሄር፣ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ፣ ብዕኡ ኵሉ ነገር፣ ህይወትን ሓይሊን ዝረኸበ፣ መንፈስን ሓቅን ዝዀነ፣ ትርጉም እዘን ቃላት ብልዑል ዕሙቐት ይገልጾ። ኣምላኽ ባዕሉ በተን ናቱ ቃላት ክዛረብ ከሎ፣ ካብቲ ንሕና እንርድኦ ንላዕሊ፣ ነቶም ነዘን ቃላት ዝተቐበሉ፣ ብርግጽ ገዛእ ርእሱ፣ ፍቕሩን ህይወቱን፣ ፍቓዱን ሓይሉን፣ ሂቡ ኢዩ። ምእንቲ ነፍሲ ወከፍ ተስፋ ክንጭብጥን ክንውንንን ክንኽእል፣ ገዛእ ርእሱ ንዓና ኣሕሊፉ ሂቡና ኢዩ። ምእንቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትእዛዝ፣ ፍቓዱ፣ ቅድስንኡን ፍጹምነቱን ክንካፈል፣ ገዛእ ርእሱ ንዓና ኣሕሊፉ ሂቡና ኢዩ። እግዚኣብሄር፣ ኣብ ቃል ኣምላኽ፣ ገዛእ ርእሱ ሂቡና ኢዩ። ቃሉ ድማ፣ እቲ ዘልኣለማዊ ወዲ፣ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኢዩ። ስለዚ ኵለን ናይ ክርስቶስ ቃላት፣ ብምልኣት መለኾታዊ ኣስልጦ ህይወትን ሓይሊን ዘለወን፣ ቃል ኣምላኽ ኢየን። “እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፣ መንፈስ ኢየን ህይወትውን ኢየን።”

እቶም ኣብ ልዕሊ ጸማማትን ዓባሳትን መጽናዕቶም ዘካየዱ፣ ሓይሊ ምዝራብ ክንዴናይ ኣብ ሓይሊ ምስማዕ ከምዝምርኰስ፣ ከምኡውን ኣብ ህጻናት ደድሕሪ ጉድለት ምስማዕ፣ ጉድለት ምዝራብ ከምዝስዕብ ይሕብሩ። እዚ ብሓፈሻ ሓቂ ኢዩ። ኣብ እንሰምዓሉ ንዛረብ። እዚ ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ዘሎና ልዑል ርክብውን ሓቂ ኢዩ። ጸሎት ንምቕራብ፣ ገለ ድሌትና ንምዝራብን ገለ ተስፋታት ንምጥላብን፣ ብጥበብ ሰብ ካብ ሰብ ክንመሃሮ እንኽእል ቀሊል ነገር ኢዩ። ይኹንምበር ብመንፈስ ክንጽሊ፣ ናይቲ ዘይርአ ዓለም ሓይልታት ዝጸልውን ተጽዕኖ ዘሕድርን፣ ንእግዚኣብሄር ዝትንክፍ ቃላት ክንዛረብ፣ ከምዚ ዚበለ ጸሎት፣ ከምዚ ዚበለ ዘረባ፣ ምሉእ ብምሉእ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ምስማዕና ይምርኰስ።

እግዚኣብሄር ዝዛረቦ ድምጺን ቋንቋን ክሳብ ዝሰማዕና፣ ከምኡውን ኣብ ቃላት ኣምላኽ፣ ሓሳቡ፣ ኣእምሮኡን ህይወቱን፣ ኣብ ውሽጢ ልብና ክሳብ ዝኣተወ፣ እግዚኣብሄር ብዝሰምዖ ድምጺን ቋንቋን ምዝራብ ክንመሃር ኢና። ናይ ተመሃራይ እዝኒ ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ ጸጽባሕ ዝነቕሕ፣ ናይ ምሁራት ልሳን ዝህልዎ፣ ንእግዚኣብሄርን ንሰብን ብልክዕ ክዛረብ ዝኽእል። (ኢሳ 50፣4)

ድምጺ እግዚኣብሄር ምስማዕ፣ ቃል ኣምላኽ ብተገዳስነት ካብ ምምርማር ይዓቢ ኢዩ። ምስ እግዚኣብሄር ሒደት ሕብረት ዘለዎ፣ ቃል ምምርማርን ምፍላጥን ይህልው ይኸውን። ይኹንምበር፣ ካብ እግዚኣብሄር ባዕሉ፣ እቲ ቃል ህያው ሓይሊ ዀይኑ ዝመጻሉ፣ ኣቦ ኣብ ዘለዎን ብመሪሕነት መንፈስን፣ ነቲ ቃል ምንባብ ኣሎ። ብድምጺ ኣቦ ባዕሉ ኢዩ፣ ምስኡ ውልቃዊ ሕብረት ንፍጽም። እቲ ኣብ ልቢ ዝኣትው፣ ህያው ድምጺ ኣምላኽ ኢዩ፣ በረኸትን ሓይሊን ዘምጽእ። ከምኡውን ተመሊሱ ልቢ ኣምላኽ ዝትንክፍ፣ ህያው ዝዀነ እምነት ዘበራብር።

ሓይሊ ምእዛዝን ምእማንን፣ ኣብ ምስማዕ እዚ ድምጺ ይምርኰስ። እቲ ቀንዲ ነገር፣ እግዚኣብሄር ግድን ግበሩዎ ዚበለና ነገር ምፍላጥ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ባዕሉ ከምዝበለና ምፍላጥ ኢዩ። ነቲ ምእዛዝ ዘስዕብ፣ እቲ ሕጊ ኣይኰነን፣ ከምኡውን እቲ መጽሓፍ ኣይኰነን፣ ቅንዕና እንታይ ምዃኑ ምፍላጥውን ኣይኰነን፣ እኳ ደኣ እቲ ውልቃዊ ጽልዋን ህያው ሕብረትን ኣምላኽ ኢዩ። ከምኡ ከኣ እምነትና ዘበራብርን ብጸሎት ክንእመን ዝገብረናን፣ እግዚኣብሄር ዘተስፈዎ ነገር ምፍላጥ ኣይኰነን፣ እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ባዕሉ ነቲ ተስፋ ዝሃበ ምዃኑ ኢዩ። እግዚኣብሄር ብምልኣት ምዚህልው ጥራይ ኢዩ፣ ዘይምእዛዝን ዘይምእማንን ዝጠፍእ።

“ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ኣብተን መድሕና ባዕሉ ዝሃበን ቃላት፣ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንርኢ። እዘን ቃላት ኣባና ክህልዋና ይግባእ፣ ኣብ ፍቓድናን ኣብ ህይወትናን ክኣትዋ፣ ኣብ ባህሪናን ኣብ ጠባይናን ክፋረያ ይግባእ። ኣብ ልዕሌና ጸኒዖም ክህልዋና ይግባእ። ብምሉኡ ህይወትና፣ ኣብ ውሽጥና ናይ ዘለዋን ናይ ዝመልኣን ቃላት መርኣዪ ኢዩ። እተን ቃላት ብውሽጢ ንክርስቶስ የግህዳ። ህይወትና ድማ፣ ብግዳም ንዕኡ የግህዳ። ቃላት ክርስቶስ ኣብ ልብና ምዚኣትዋን ምዚጸልውዎን ኢዩ፣ ቃላትና ኣብ ልቡ ኣቲዩ ክጸልዎ ዝኽእል። ጸሎተይ ኣብ ህይወተይ ይምርኰስ። ቃላት ኣምላኽ፣ ንዓይን ኣባይን እንታይ ማለት ምዃኑ፣ ቃላተይውን ናብ ኣምላኽን ኣብ ኣምላኽን ከምኡ ይዀና። ኣነ እግዚኣብሄር ዚበሎ ምዝገብር፣ እግዚኣብሄር ድማ፣ ኣነ ዚበልኩዎ ክገብር ኢዩ።

ቀዳሞት ቅዱሳን፣ ነዚ ኣብ መንጐ ቃል ኣምላኽን ናትና ቃልን ዘሎ ዝምድና፣ ክንዴናይ ኣጸቢቖም ይርድእዎ ነበሩ፣ ከምኡውን ምስኦም ጸሎት ክንዴናይ ብሓቂ ናይቲ እግዚኣብሄር ክዛረብ ከሎ ናይ ዝሰምዑዎ ፍቕራዊ መልሲ ነበረ! እቲ ቃል፣ ተስፋ እንተ ዀይኑ፣ ኣምላኽ ንዝተዛረቦ ግድን ክገብር ይጽበዩዎ ነበሩ። “ከምዝበልካዮ ይኹን፣” “ጐይታይ፣ ንስኻ፣ ከምዝበልካዮ፣” “ከምተስፋኻ፣” “ከምቓልካ፣” ኣብ ዚብላ መግለጺታት፣ እቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ፣ ሱርን ህይወትን ኣብ ጸሎት ናይ ዝዛረቡዎ ነገር ምዃኑ ኣመስከሩ።

እቲ ቃል ትእዛዝ እንተ ዀይኑ፣ ጐይታ ከምዝበሎ ጥራይ ኢዮም ጌሮም፤ “ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ።” ህይወቶም ምስ ኣምላኽ ብቓልን ብሓሳባን እናተለዋወጥካ ሕብረት ምፍጻም ኢዩ፣ ነይሩ። ኣምላኽ ዝተዛረቦ ይሰምዑን ይገብሩን ነበሩ። ንሳቶም ዝተዛረብዎ ከኣ፣ ኣምላኽ ይሰምዕን ይገብርን ነበረ። ክርስቶስ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝዛረበና ቃል፣ ምእንቲ ንዓና ክፍጽመልና፣ ብምልኣት ገዛእ ርእሱ ሂቡ ኢዩ። ንሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ቃል ምእንቲ ክፍጽሞን ክንቕበልን፣ ኵለንትናና ክንህብ ይሓትት ኢዩ።

“ቃለይ ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣” እዚ ቅድመ-ኵነት ቀሊልን ንጹርን ኢዩ። ኣብ ቃሉ ፍቓዱ ተገሊጹ ኢዩ። ከምቲ ቃሉ ኣባይ ዝሓድር፣ ፍቓዱ ድማ ይገዝኣኒ። ፍቓደይ፣ ምእንቲ ብናቱ ፍቓድ ክምላእ፣ ባዶ መትሓዚ ኣቕሓ ይኸውን። ፍቓደይ፣ እቲ ናቱ ፍቓድ ዓትዒቱ ዝሕዞ፣ ድልው መሳርሒ ይኸውን። ንሱ ውሽጠይ ይመልኦ። እዙዝ ብምዃንን ንእምነት ተግባራዊ ብምግባርን፣ ፍቓደይ ዝያዳ ይተርር። ምስኡ ከኣ፣ ዓሚቕ ውሽጣዊ ስኒት ይህልዎ። ንሱ፣ እቲ ናቱ ፍቓድ ጥራይ፣ ፍቓዱ ክኸውን ክእመን ይኽእል። ነቲ ተስፋ ክህብ ኣይሰግእን ኢዩ፣ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ነቶም ኵሎም ዝተኣመኑዎን ዝተግበሩዎን፣ ብሓቂ ግሁድ ክገብሮ ኢዩ።

ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ! ሰበብ እቲ ዘይተመልሰ ጸሎትናን ልምሰት ጸሎትና፣ ንጥበብን ፍቓድን ኣምላኽ ተገዛኢ ምዃን ምዃኑ፣ ሰሊምና ኣብ እነመኻንየሉ፣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድኽመት ጸሎትና፣ ድኹም ህይወትና ምዃኑ ዝያዳ እናነጸረልና ዶ ኣይመጸን።

ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጻና ቃል ገይሩ፣ ንሰባት ዘበርትዕ ነገር የልቦን። ብዕኡ ክንነብር ይግባእ። ቃል ክርስቶስ ምስ እነፍቅር፣ ብዕኡ ምስ እንነብር፣ ኣባና ምስ ዝሓድር፣ ብምእዛዝን ብግብሪን ክፋል መንነትና ምዝኸውን፣ ምስ ክርስቶስ ሓደ ምዝገብረና፣ ንእግዚኣብሄር ክንትንክፍን ክንሕዞን፣ ብመንፈስ ብቑዓት ንኸውን። ኵሉ ናይ ዓለም ዘበለ ክሓልፍ ኢዩ። እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና፣ ዘልኣለም ክጸንዕ ኢዩ። ልብናን ህይወትናን፣ ንቓላት ክርስቶስ ኣሕሊፍና ንሃብ። ልብናን ህይወትናን፣ ነተን ኵለንትንኡ ወትሩ ዝሃበን ቃላት ኣሕሊፍና ንሃብ። ልብናን ህይወትናን፣ ነቲ ህያው መድሕን ኣሕሊፍና ንሃብ። ነቲ ተስፋ ድማ፣ ብልዑል ክነስተማቕሮ ኢና። “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።”

"ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና!"

ብሩኽ ጐይታ! ኣብዛ መዓልቲውን እንደገና ትምህርትኻ ግርህነተይ ኣፍሊጡኒ። ብኸመይ ጸሎተይ ምእማንን ዓወትን ከምዝጐድሎ ርእየ። ካብቲ ንስኻ ትዛረበኒ ንላዕሊ፣ ናባኻ ኣብ ምዝራብ ኣድሂበ። ምስጢር እምነት እዚ ስዒቡ ዘሎ ምዃኑ ኣይተረድኣንን፦ እቲ ህያው ቃል ኣብ ነፍሲ ብዝሓድሮ መጠን ጥራይ ኢዩ፣ ብዝሒ እምነት ክህልው ዝኽእል።

ቃልካውን ብንጹር ምሂሩኒ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፣ ንምዝራብ ደንጓዪ ይኹን። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምዝራብ ልብኻ ኣይቐልጥፍ። ጐይታ፣ ቃላትካ ናብ ህይወተይ ምዝወስድ ጥራይ፣ ቃላተይ ናብ ልብኻ ከምዝኸይድ ምሃረኒ። ቃልካ ኣብ ውሽጠይ ህያው ሓይሊ እንተ ዀይኑ፣ ምሳኻውን ህያው ሓይሊ ይኸውን። ኣፍካ ዝተዛረቦ፣ ኢድካ ክፍጽሞ ኢዩ።

ጐይታ! ካብ ዘይግዙር እዝኒ ኣድሕነኒ። ምእንቲ ድምጺ ኣቦ ክሰምዕ ጸጽባሕ ዝነቅሕ፣ ናይ ተመሃራይ ክፉት እዝኒ ሃበኒ። ከምቲ ንስኻ ዝሰማዕካዮ ጥራይ ትዛረብ፣ ዘረባይውን ናይቲ እትዛረበኒ መቓልሕ ይኹን። “ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተወ፣ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፣ እቲ ድምጺ ኺዛረቦ ይሰምዕ ነበረ።” ጐይታ፣ ምሳይውን ከምኡ ይኹን። እቲ ቃልካ ዝሓደሮን ዝርኣየሉን፣ ህይወትን ባህሪን፣ ነቲ ምሉእ በረኸት መዳለዊ ይኹን። “እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ኣሜን።