ምዕራፍ ዕስራን ሓደን

ኵሉ ዘጠቓልል ቅድመ-ኵነት

“ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” (ዮሃንስ 15፣7)

እግዚኣብሄር፣ ኵሉ ምሳና ኣብ ዘለዎ ርክብ፣ ተስፍኡን ቅድመ-ኵነቱን ኣይፈላለዩን ኢዮም። ነቲ ቅድመ-ኵነት ምስ እነማልእ፣ ንሱ ድማ፣ ነቲ ተስፋ ይምልእ። ንሱ ናባና ዘለዎ ኣመለኻኽታ፣ ንሕና ናብኡ ኣብ ዘሎና ፍቓድ ይምርኰስ። “ንኣምላኽ ቅረብዎ፣ ንሱውን ኪቐርበኩም ኢዩ።” ኣብ ጸሎትውን፣ እትደልይዎ ዘበለ ለምኑ፣ ዚብል ደረት ኣልቦ ተስፍኡ፣ ሓደ ቀሊልን ባህርያዊን ቅድመ-ኵነት ኣለዎ። ንሱ ድማ፣ ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ዚብል ኢዩ። እግዚኣብሄር ንክርስቶስ ኢዩ ኵሉ ግዜ ዝሰምዖ። እግዚኣብሄር ኣብ ክርስቶስ ኣሎ። ኣብ ክርስቶስ ብምህላው ጥራይ ድማ ኢዩ፣ ክርከብ ዝኽእል። ጸሎትና ክስማዕ ኣብኡ ክንህልው ይግባእ። ብምልኣትን ብኵለንትናናን፣ ኣብኡ ምስ እንጽጋዕ፣ እንደልዮ ኵሉ ክንልምን መሰል ኣሎና። እቲ ተስፋውን ኣባና ይፍጸም።

ነዚ ዝተወሃበ ተስፋ፣ ምስ ተመክሮ መብዛሕቶም ኣመንቲ ምስ እነነጻጽሮ፣ ዘሕዝን ፍልልይ ከምዘሎ ርኢና ንድንጸው። ማእለያ ዘይብሉ ጸሎት፣ ናብ ሰማይ ደይቡ መልሲ ከምዘይረኸበ፣ መን ክቈጽሮ ይኽእል? እቲ ጠንቂ ከኣ፣ ወይ ነቲ ቅድመ-ኵነት ኣየማላእናን ኣሎና፣ ወይ ድማ እግዚኣብሄር ተስፍኡ ገና ኣይመለአን ኣሎ። ኣመንቲ ንኽልቲኡ ክእመኑ ኣይደልዩን ኢዮም። ስለዚ፣ ካብዚ መዋጥር መሕደሚ ዝኸውን መገዲ ይምህዙ።

መድሕንና ኣብቲ ዝሃቦ ተስፋ ዘየንበሮ፣ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ፣ ዚብል ደረት ይገብሩ። ብኸምኡ ድማ፣ ደረጃ ፍጹምነት ኣምላኽን ናቶምን መዚኖም፣ ብዕኡ ዓጊቦም ክውሰኑ ይመርጹ። ዎ፣ ምእንቲ ክርስቶስ ሓቁ ከረጋግጽ፣ ከምዘለዎ እንተ ዝቕበሉዎን ጨቢጦም እንተ ዝሕዝዎን፣ መንፈስ ኣምላኽ፣ ነቶም ብሓቂ ንክርስቶስ ብመሰረት ቃሉ ዝተጸግዑ፣ እቲ ተስፋ ዝሓዞ መለኾታዊ ሃብቲ ክርእዩ፣ ከምኡውን እቲ ጸሎት መልሲ ዘይረኸበሉ፣ ሓደ ብቑዕ ምኽንያት፣ እቲ ቅድመ-ኵነት ስለ ዘይተማልአ ምዃኑ ተኣሚኖም ክንስሑ ክመርሖም ኢዩ። ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ንድኽመት ጸሎትና ተዓዚቡ፣ ኣብ ክርስቶስ ብምልኣት ምጽጋዕ ዘለዎ ምስጢር፣ ክንርዳእን በረኸት ክንረክብን፣ ዓቢይ ደራኺ ሓይሊ ምገበሮ።

“ኣባይ እንተ ጸናዕኩም።” ብጐይታ የሱስ ጸጋን ፍልጠትን ከምዝዓበየ ክርስቲያን፣ ቃል ኣምላኽ፣ ሓድሽን ዓሚቕን ትርጕም ሒዙ፣ ብኸመይ ዓቢዩ ናብኡ ከምዝመጽእ ይግረም ኢዩ። ገለ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹሉ፣ ኣብኡ ብዝረኸቦ በረኸት ዝተሓጐሰሉ መዓልቲ፣ ተመሊሱ ክርኢ ይናፍቕ ኢዩ።

ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ከኣ፣ ገለ ዓሚቕ ተመክሮ ህይወት፣ ነቲ ቃል ሓድሽ ትርጉም ይህቦ። ንሱ፣ ቅድም ሕጂ ከምኡ ዚበለ ትሕዝቶ ከምዝሓዘ ኣይፈልጥን ነበረ። ግና ከምብሓድሽ፣ ብኽርስትና ህይወቱ ኣብ ዝዓብየሉ፣ ተመሳሳሊ ቃል ካልእ ዓቢይ ምስጢር ሒዙ ይጸንሖ። መንፈስ ቅዱስ ድማ፣ ሓድሽ ዓሚቕ ነገር እናመሃረ፣ ናብ መለኾታዊ ምልኣት ክመርሖ ኢዩ። ካብዞም ብቐጻሊ ዝዓብዩ፣ ዘይውዳእ ትርጉም ካብ ዘለዎም ቃላት ሓደ፣ ደረጃ ብደረጃ እውን፣ ናብ ምሉእ መለኾታዊ ህይወት ዝመርሓና፣ ጐይታ ዝተዛረቦ፣ “ኣባይ ጽንዑ።” ዚብል ክቡር ቃል ኢዩ።

እቲ ጨንፈርን እቲ ጉንዲን ዝሓብሩሉ ምዕባለ፣ ዘየቋርጽ ዕቤትን ምውሳኽን ከምምዃኑ መጠን፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ክርስቶስ ምጽናዕና እውን፣ ምእንቲ እቲ መለኾታዊ ህይወት፣ ብምልኣትን ብብዝሒን ክውንነና፣ ዝካየድ ናይ ህይወት መስርሕ ኢዩ። እቲ ንእሽቶን ድኹምን ኣማኒ፣ ብሓቂ ከምመጠን ኣስተውዕሎኡ፣ ኣብ ክርስቶስ ይጸንዕ ይኸውን ኢዩ። ከምቲ ጐይታ ዚበሎ፣ ናብ ላዕሊ ገጹ ክበጽሕን ብምልኣት ክጸንዕን፣ ኵሉ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝተወሃበ ተስፋታት ድማ ክወርስ ኢዩ።

ኣብ ክርስቶስ ኣብ ምጽናዕ ኣብ ዘሎ ዕቤት ህይወት፣ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ናይ እምነት ኢዩ። እቲ ኣማኒ ምስ ኵሉ ድኽመቱ፣ እቲ ትእዛዝ ንዕኡ ከምእተወሃበ ምዚዕዘብ፣ እቲ እንኮ ዕላማኡ፣ ኣብ ክርስቶስ ምህላዉ ምእማን ይኸውን። ስለዚ ሕጂ፣ ሽሕኳ ዘይምእማንን ፍሽለትን እንተሎ፣ ኣብ ክርስቶስ ምጽጋዕ፣ ቀዳማይ ተግባሩን ኣብ ኢዱ ኣብ ቀረባ ዘሎ በረኸትን ይኸውን። ብፍላይ ድማ፣ ብመድሕኑ ፍቕሪ፣ ሓይሊን እሙንነትን ይምላእ። እቲ ሓደ ዘድልዮ ነገር፣ ምእማን ምዃኑ ይፈልጥ።

ካብኡ ዝዓቢ ከምዘድልዮ እውን፣ ከይደንጐየ ክርዳእ ኢዩ። ምእዛዝን እምነትን ብሓደ ክኸዱ ይግባእ። ኣብ ልዕሊ እምነቱ፣ ተኣዛዝነት ክውስኽ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ እምነት ብምእዛዝ ክግለጽ ይግባእ። እምነት ኣብ ምድሪ ከሎና ምእዛዝን ናብ ጐይታ ምጥማትን ኢዩ። ምእዛዝ ፍቓዱ ንምፍጻም ምእማን ኢዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ተግባሩን ፍሬኡን ዘተኵር፣ እቲ ምጽናዕ ኣብ ዘምጽኦ ሓለፋን በረኸትን ከምዘተኰረ ይግንዘብ።

ብብዝሒ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ኣብ ፍቓድካን ምትኳር ይርአ። ከምንእሽቶን ድኹምን ክርስቲያን፣ ብምእማን ዝረኽቦ ዝነበረ ሰላም ገዲፉዎ ይኸይድ። እቲ ምጽናዕ ብግብራዊ ምእዛዝ ክዕቀብ ይግባእ። “ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፣ ኣብ ፍቕረይ ክተጽንዑ ኢኹም።” ከምቲ ቅድም ሕጂውን፣ እቲ ቀንዲ ዕላምኡ፣ ብመገዲ ሓሳባቱን በቲ ዝሕዞ ሓቅን፣ ልቡ ኣብ ክርስቶስን ኣብ ተስፋኡን ክዓርፍ ኢዩ። ስለዚ ሕጂ፣ ኣብዚ ደረጃ፣ እቲ ቀንዲ ጻዕሩ፣ ፍቓዱ ምስ ፍቓድ ጐይታኡ ክሓብርን ልቡን ህይወቱን ኣብ ትሕቲኡ ክግዛእን ኢዩ።

ግና ገለ ዝጐደል ይመስል። ሓሳብን ልብን ምስ ክርስቶስ ወጊኖም ኣለዉ። ንጐይታኡ የፍቅሮን ይእዘዞን ኢዩ። ይኹንምበር ሕጂውን፣ ስለ ምንታይ ኢዩ፣ እቲ ስጋዊ ባህሪኡ ብርቱዕ ሓይሊ ዘለዎ፣ እቲ ኣካይዳን ስምዒትን ውሽጣዊ ባህሪያት ከምቲ ዝድለ ዘይኰኑ? እቲ ፍቓድ ኣይሰማማዕን፣ ወይ ኣየፍቕድን ኢዩ። ኣብዚ ግና፣ ፍቓድ ካብ ዝቈጻጸሮ ዝዓቢ ክፍሊ ኣሎ። ስለ ምንታይ ኢዩ፣ ኣብቲ ብግብሪ ዝፍጸም ነገር፣ ብዙሕ ወቐሳውን እንተ ዘየሎ፣ ጉድለት ጽባቐ ቅድስና፣ ጉድለት ዉዕዉዕ ፍቕሪ፣ ጉድለት ንየሱስን ሞቱን ምምሳል፣ ጉድለት ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ኣብኡ ምጽናዕ ብዙሕ ዘየልቦ? ኣብ ክርስቶስ ምጽናዕን ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣባና ምህላውን፣ ገለ ዘየስተማቐሮ ነገር ክህልው ኣለዎ።

ስለዚ እባ ኢዩ። እመነትን ምእዛዝን፣ መገዲ በረኸት ኢዮም። የሱስ፣ ቅድሚ እቲ ጨንፈርን እቲ ጉንዲን፣ ኣመልኪቱ ብምስላ ትምህርቲ ንዓና ምሃቡ፣ እምነትን ምእዛዝን፣ ናብ ከመይ ዚበለ ምሉእ በረኸት ከምዝወስዱ ፈሊዩ ሓበረ። ልዕሊ ሰለስተ ግዜ፣ “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፣ ትእዛዛተይ ሓልዉ።” በለ። ከምኡውን ንኸምዚ ዚበለ ምእዛዝ፣ ሰለስተ ኢድ በረኸት ዘውዲ ከምዝህብ ገለጸ።

መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣቦ ከምጽእ ኢዩ። ወዲ ገዛእ ርእሱ ከግህድ ኢዩ። ኣቦን ወዲን መጺኦም ኣብኡ ክነብሩ ኢዮም። እምነትና ናብ ምእዛዝ ምስ ዝዓቢን ኵለንትናና ኣብ ክርስቶስ ምስ ዝጽጋዕን ኢዩ፣ ውሽጣዊ ህይወትና ዝኽፈት፣ ናይ’ቲ ናይ የሱስ ዝኸበረ ህይወትን መንፈስን ድማ ንቕበል። ከምኡውን ብፍሉይን ብኣፍልጦን፣ ምስ ክርስቶስን ምስ ኣቦን ንሓብር። እቲ ቃል ኣባና ተፈጺሙ ኢዩ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፣ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፣ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም።” ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ምህላዉ፣ ኣምላኽ ድማ፣ ኣብ ክርስቶስ ምህላዉ፣ ብፍቓድን ብፍቕሪን ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ብባህሪን ብህይወትን እውን ኢዩ። እዚ ድማ፣ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ብምህላዉ ኢዩ። ስለዚውን ንሕና ኣብ ክርስቶስ ምህላውናን ክርስቶስ ኣባና ምህላዉን፣ ብፍቓድን ብፍቕሪን ብምሕባር ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ብባህሪን ብህይወትን ምዃኑውን ንርዳእ ኢና።

የሱስ፣ ብዛዕባና “ኣባይ ጽንዑ፣ ኣነውን ኣባኹም። ሳላዚ ድማ፣ ኣባይ ምስ እትጸንዑ፣ ኣነ ድማ ከምቲ ኣብ ኣቦይ ዝጸናዕኩ፣ ኣባኹምውን ክጸንዕ እየ። ስለዚ ህይወትኩም ናተይ ክኸውን ኢዩ። ህይወተይ ድማ ናትኩም ክኸውን ኢዩ።” ብምባል ምስ እተዛረበ ኢዩ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣቦ ምህላዉ ንፈልጥ። ከምኡውን ንሕና ኣብኡ ምህላውና፣ ንሱ ድማ፣ ኣባና ምህላዉ ንፈልጥ። እዚ፣ ክርስቶስ መጺኡ ክጸንዕ፣ ቦታኡ ዝሕዘሉ ሓቀይና ምጽናዕ ኢዩ። ነፍሲ ኣብኡ ብምጽናዕ፣ ካብ ኣነነት ትርሕቕ፣ ከምኡውን ንሱ ግቡእ ቦታኡ ወኒኑ ህይወትና ይኸውን። እዚ ከምቲ ህጻናት ኣብቲ ኵሉ ዝገብረሎም ፍቕሪ፣ ከይተጨነቑ ብምእማንን ብምእዛዝን ዝሕጐሱዎ ኢዩ።

ነቶም ብኸምኡ ዝጸንዑ፣ እቲ እትደልዩዎ ኵሉ ለምኑ፣ ዚብል ተስፋ፣ ከምግቡእ ውርሻኦም ክመጽእ ኢዩ። ካብኡ ዝተፈለየ ክኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። ክርስቶስ ብምልኣት ወኒኑዎም ኢዩ። ክርስቶስ፣ ኣብ ፍቕሮም፣ ኣብ ፍቓዶም፣ ኣብ ህይወቶም ይነብር። ፍቓዶም ክገድፉ ጥራይ ዘይኰነ፣ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣብኡ ኣቲዩ ኢዩ። ኣብኡውን ይነብርን ይትንፍሰሉን ኣሎ። እቲ ኣቦ ኵሉ ግዜ ዝሰምዖ፣ ኣብኦም ኰይኑ ይጽሊ፣ ንሳቶምውን ብዕኡ ይጽልዩ። እቲ ዝለመኑዎ ኵሉ ድማ ይዀነሎም።

ፍቑር ኣማኒ! ከምቲ ክርስቶስ ዝደልዮ፣ ኣብኡ ስለ ዘይጸናዕና ንነሳሕ። ቤተ-ክርስቲያን፣ ዋላውን ጐይታ ኣጸቢቓ ክትስእር ክገብራ ቍሩብ እንከሎ፣ ብሰንኪ ጥልመት፣ ዓለማዊነትን ኣምልኾ ጣኦትን፣ ልምስቲ ብምዃና ንነሳሕ። ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ክፍጽሞ ምዃኑ ንተኣመን። እቲ ንስሓ ዘመልክቶ መግናሕቲ ድማ ንቐበሎ።

ግና ተስፋ ኣይንቍረጽ። እቲ ጨንፈር ኣብቲ ጉንዲ ምጽጋዑ፣ ዘየቋርጽ ናይ ህይወት ዕቤት ኢዩ። ከምቲ ጐይታ ዚደልዮ ምጽናዕ፣ ንሱ ምእንቲ ንዕኡ ክህበና ስለ ዝነብር፣ ኣብ ቀረባና ኢዩ ዘሎ። ኵሉ ዘይጠቅም ምዃኑ ተረዲእና፣ “ኣነ ነቲ ንዕኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ክረኽቦ፣ ንቕድሚት እደፍእ ኣሎኹ እምበር፣ ቅድሚ ሕጂ ከምዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከምዝዀንኩ ኣይኰነን።” ንበል። ካብቲ ክንጸንዕ ዝገብረና ንላዕሊ፣ ኣብቲ ምጽናዕ ጥራይ ኣይንሕሰብ። ንሱ፣ ክርስቶስ ብምልኣት፣ ኣብ ምእዛዙን ኣብ ውርደቱን፣ ኣብ ክብሩን ኣብ ስልጣኑን፣ ነፍስና እትንቀሳቐሰሉን እትገብረሉን ይኹን። ንሱ ባዕሉ ተስፍኡ ኣባና ክፍጽሞ ኢዩ።

ኣብኡ ምስ እንጸንዕን ምእንቲ ብምልኣት ከንጸንዕ ብቐጻሊ ኣብ እንዓብየሉን፣ ናብ ፍቓድ እግዚኣብሄር ክንኣትው፣ ፍቓድና ክኸውን ምሉእ መሰልና ኢዩ እሞ፣ ተግባራዊ ንግበሮ። እቲ ፍቓድ ዝእዝዞ ብምእዛዝ፣ ነቲ ዝህቦ ተስፋ ናትና ንግበሮ። ነፍሲ ወከፍና ከምዕቤትናን ከምትሕዝቶናን፣ እቲ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ፣ ብጸሎት እንልምኖ ነገር፣ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ፣ ገዛእ ርእስና ንትምህርቲ መንፈስ ቅዱስ ኣሕልፊና ንሃብ። ካብቲ የሱስ፣ “ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፣ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፣ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ብምባል ካብ ዝሃቦ ተስፋ ንታሕቲ፣ ብውልቂ ብምስትምቓር ክንዓግብ ኣይግባእን ኢዩ።

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና!”

ፍቑር ጐይታ! ነዚ ተስፋ ከምብሓድሽ ኣብኡ ከሎ ብቐሊል ክቕበሎ፣ እቲ እንኮ መዐቐኒ ቅዱስ ህያብካ ድማ፣ ናትና ቅዱስ ፍቓድ ምዃኑ ምሃረኒ። ጐይታ! ነፍሲ ወከፍ ኣብ ተስፋኻ ዘሎ ቃል፣ ኣብ ነፍሰይ ከምብሓድሽ የስልጥን የሐይልን።

ንስኻ በልካ፣ ኣባይ ጽንዑ! ዎ ጐይታይ፣ ህይወተይ፣ ኵለንትናይ፣ ኣባኻ ክጸንዕ እየ። ናብ ምልኣትካ ክዓቢ ኣኽእለኒ። ናባኻ ምልጋብ ጻዕሪ እምነት ኣይኰነን፣ ወይውን ንስኻ ምእንቲ ክትሕልወኒ ዝእመነሉ ኣይኰነን፣ ንፍቓድ ምእዛዝ፣ ወይውን ትእዛዛት ምሕላው እውን ኣይኰነን፣ እኳ ደኣ ንስኻ ኣባይን ኣብ ኣቦን ምንባርካ ጥራይ ኢዩ ዘዕግበኒ። ንስኻ ጐይታይ ኣብ ቅድመይን ኣብ ልዕለይን ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ምሳይ ሓደ ክትኸውንን ኣባይ ክትጸንዕን ጥራይ እየ ዝደሊን ዝብህግን። ነዚ ክትህበኒ እየ ዝእመን።

ንስኻ በልካ፣ እትደልይዎ ዘበለ ለምኑ! ጐይታ! ብምልኣትን ብዕምቈትን ጸኒዑ ዝነብር ህይወት፣ ዓበይቲ ነገራት ብፍልጠትን ብናጽነትን ክልምን ክኽእል፣ ከምዝሕድሰኒ፣ ከምዝቕድሰኒን ከምዘሐይለንን ይፈልጥ እየ። ጐይታ! ፍቓደይ፣ ኣብ ሞትካ ይሙት፣ ኣብ ህይወትካ ይነብር፣ ኣብ ልማኖኡ ድማ፣ ተባዕን ሰፊሕን ይኹን።

ንስኻ በልካ፣ ይዀነልኩም። ንስኻ እቲ ኣሜን፣ እቲ እሙንን እቲ ሓቀይና ምስክርን፣ እዚ ቃል ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ፣ ሓቅነቱ ጐሊሑ ክርኣየኒ፣ ኣባኻ ዘሐጉስ መረጋገጺ ሃበኒ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘዳለወሎም ነገር፣ ኣብ ልቢ ሰባት ኣቲዩ ጥንሲ ክሕዝ ኣይኸኣለን ኣሎ። ኣሜን።

መዘኻኸሪ

ኣብ መብዛሕቱ መጻሕፍቲን ኣብ ስብከታትን እንረኽቦ፣ ምስ’ቲ ጐይታ ዝሃቦ ትምህርቲ ጽን ኢልና ምስ እነነጻጽሮ፣ ሓደ ዓቢይ ፍልልይ ንረክብ። ኣብ ኣገዳስነት መልሲ ጸሎት ዝተወሃበ መግለጺ፣ ፈጺሙ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ኣብቲ ቀዳማይ፣ በረኸት ጸሎት ዋላውን መልሲ ኣይሃልዎ፣ ኣብ መንፈሳዊ ምልምማድ ዘለዎ ኣገዳስነትን ኣብኡ ከሎና ክንዓግብ ከምዝግባእን፣ ኣመልኪቱ ዝያዳ ተገሊጹ ኣሎ። ምስ እግዚኣብሄር ዘሎና ሕብረት፣ ካብ’ቲ እንልምኖ ህያብ ክዓቢ ይግባእ። እቲ ጥበብ እግዚኣብሄር ባዕሉ፣ ነቲ ዝያዳ ዘድለይና ነገር ይፈልጥ ኢዩ። እግዚኣብሄር ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ዝዓቢ ክልግስ ይኽእል። ዋላውን እዚ ትምህርቲ ኣዚዩ ልዑልን መንፈሳዊን እንተ መሰለ፣ ምስቲ ጐይታና ዚበሎ ዝመሳሰል ነገር የብሉን። ጸሎት ኣመልኪቱ ኵሉ ዚበሎ፣ ተጠንቂቕና ምስ እንእክቦ፣ ጸሎት ናብቲ ዕላማና ዝወስደና መገዲ ምዃኑን እቲ መልሲ ድማ፣ ንሕናን ጸሎትና፣ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ተቐባልነት ከምዝረኸብና መረጋገጺ ምዃኑ፣ ክንሓስብ ከምዝደሊ ዝያዳ ይንጽረልና። ግና ክርስቶስ፣ ነቲ ህያባት፣ ካብ ሕብረትን ሞገስን ኣቦ ኣብሊጽና ክንርኢ ኣሎና፣ ማለቱ ኣይኰኑን።

ጠሪሹ። እኳ ደኣ ኣቦ፣ እቲ መልሲ፣ ህያብ ሞገሱን ምስኡ ዘሎና ሕብረት ህያው ምዃኑን ዝገልጸሉ ኢዩ። “ጐይታይ ንጉስ፣ ንጉስ ዘረባ ጊልያኡ ብምግባሩ፣ ጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከምዝረኸበ፣ ሎሚ ፈለጠ፣ በለ።”

መዓልታዊ መልሲ ጸሎት ጐሊሑ ዝርኣየሉ ህይወት፣ መረጋገጺ መንፈሳዊ ብስለት ኢዩ። ብርግጽ ኣብ ክርስቶስ ጸኒዕና ክንነበር ክኢልና ኣሎና። ፍቓድና ምስ ፍቓድ እግዚኣብሄር ብሓቂ ሰሚሩ ኢዩ። እምነትና፣ እግዚኣብሄር ዘዳለወልና ክትርኢን ክትወስድን ክትኽእል፣ ተሪራ ዓቢያ ኢያ። ስም ክርስቶስን ባህሪኡን፣ ብምልኣት ተቈጻጺሩና ኢዩ። ኣብ መንጐ እቶም እግዚኣብሄር ከምመማኽርቱ ዝተቐበሎምን ብመሰረት ጸሎቶም ንዓለም ዝገዝእን፣ ቦታ ክህልወና ብቑዓት ኰይንና ተረኺብና ኢና። እዚኣቶም ሰብ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ክብሪ ዳግም ዝተሓደሶም ኢዮም። ኣብኡ ኣብ ክርስቶስ ኣብ ዝጸንዑሉ፣ እቲ ኣብ ምምላድ ኵሉ ግዜ ዕውት ዝዀነ ሓይሉ፣ ገዛእ ርእሱ ከግህድ ይኽእል። ኣብኡ ክብሪ ስሙ ጐሊሑ ይርአ። ጸሎት ኣዚዩ ዝተባረኸ ኢዩ። ግና እቲ መልሲ ካብኡ ብዝዛይድ ዝተባረኸ ኢዩ። ብመሰረት መልሲ ኣቦ፣ ጸሎትና፣ እምነትናን ፍቓድናን፣ ብርግጹ ንሱ ከምዝደልዮም ይዀኑ።

ነዚ ዚበልኩሉ ምኽንያት ሓደ ኢዩ። ንሱ ድማ ኣንበብተይ ባዕሎም፣ ክርስቶስ ንጸሎት ኣመልኪቱ ዚበሎ ብሓደ ክጥርንፉዎ፣ ከምኡውን ጸሎት መዓስ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ብሓቂ ክርድኡ፣ ወይ ኣብ ክንዲ፣ ምእንቲ ንሕና መዓስ እንታይ ክንኸውን ከምዘሎና ብሓቂ ክንርዳእ፣ ኣብ ክርስቶስ ብምጽናዕ፣ መልሲ ምጽባይ ግድን ኢዩ። እዚ ካብቶም መልሲ ከይረኸብና ዓጊብና ዝተዓቘብናሎም ስፍራታት ከውጽኣና ኢዩ። ክርስቶስ ንቤተ-ክርስቲያኑ ዝመደበላ ስልጣን፣ ግና ሕጂ ሒደት እትጥቀመሉ ዘላ፣ ከፍልጠና ኢዩ። ብሰንኪ ብስም የሱስ ተቢዕና ምጽላይ ብዘይ ምፍላጥና፣ መንፈሳዊ ህይወትና ብዘሕዝን ድኹም ምዃኑ፣ ገሊጹ ከርእየና ኢዩ። ከምምስጢር ውጽኢታዊ ጸሎት፣ ምእንቲ ህይወትና ምስ ክርስቶስ ብምልኣት ሕብረት ክፍጽም፣ ከምኡውን ብምልኣት መንፈስ ሕብረት ክፍጽም፣ ብልዑል ክንትንስእ ይደፍኣና። ስለዚ ድማ፣ ጽሕፍቶና እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ይመርሓና። “በታ መዓልቲ እቲኣ፣ ነቦ ብስመይ ዚለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ከምዚህበኩም ብሓቂ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ሓጐስኩም ምእንቲ ምሉእ ኪኸውን፣ ለምኑ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።”

ብሓቅን ብመንፈስን፣ ምስ የሱስ ብምሕባር ዝፍጸም ጸሎት፣ ኵሉ ጊዜ መልሲ ክረክብ ኢዩ።