ምዕራፍ ዕስራ

ቀንዲ ዕላማ ጸሎት

“ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ክኸብርሲ፣ ብስመይ ዝለመንክምዎ ዘበለ ኵሉ ኽገብረልኩም እየ።” (ዮሃንስ 14፣13)

ኣቦ ምእንቲ ብወዲ ክኸብር። የሱስ፣ ምእንቲ’ዚ ዕላማ’ዩ፣ ኣብ ዝፋኑ ብስሙ ዝለምናዮ ዘበለ ኵሉ ዝገብር። ነዚ ዕላማ ገይሩ’ዩ፣ ንነፍሲ ወከፍ ጸሎት መልሲ ዝህብ። ነዚ ሽቶኡ ዘይገበረ ጸሎት ኣይክምልስን ኢዩ። እዚ፣ ኣብ ልማኖና፣ ከምቲ ኣብ የሱስ፣ ኣባናውን፣ ኣገዳሲ ነገር ክኸውን ይግባእ። ክብሪ ኣቦ፣ ዕላማን መወዳእታን፣ ከምኡውን ነፍሲን ህይወትን፣ ጸሎትና ክኸውን ኣለዎ።

የሱስ፣ ኣብ ምድሪ ከሎ ከምኡ ኢዩ ነይሩ። “ነቲ ዝለኣኸኒ አኽብሮ ኣሎኹ እምበር፣ ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፣” ኣብዞም ቃላት ሕመረት ህይወቱ ተገሊጹ ንረክብ። ኣብ ናይ ሊቀ ካህናዊ ጸሎቱ፣ ኣብ ናይ መጀመርታ ቃላት ገሊጹዎ ኢዩ፣ ኣቦ! ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፣ ንወድኻ ኣኽብሮ። “ኣነ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኹኻ፣ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” እቲ ኣብ ኣቦ ክኸብር ዚለመነሉ መሰረት፣ ክልተ ዕጽፋዊ ኢዩ። ንሱ ኣብ ምድሪ ኣኽቢሩዎ ኢዩ። ኣብ ሰማይውን ጌና ከኽብሮ ከኣ ኢዩ።

ንሱ ነዚ ዝለመነ፣ ምእንቲ ነቦ ብዝበለጸ ከኽብር ክኽእል ኢዩ። ምስ የሱስ ኣብዛ ነጥቢ ክንሰማማዕ ከሎና፣ ከምኡ ከኣ፣ ንኽብሪ ኣቦ እቲ ቀንዲ ዕላማ ጸሎትና ብምግባር፣ ንዕኡ ባህ ክነብሎ ከሎና፣ ጸሎትና መልሲ ከይረኸበ ኣይክተርፍን ኢዩ። እቲ ፍቑር ወዲ፣ ዝለመናዮ ከምዝገብር፣ ብንጹር ካብ ዝተዛረቦ ንላዕሊ፣ ነቦ ከኽብሮ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። ስለዚ፣ ዚዀነ ይኹን ነገር፣ ነዚ ዕላማ ክዕንቕፎ ኣይከፍቕድን ኢዩ። ከምዚ ዚበለ ጸሎት ክዕወት ኢዩ።1

እዚ ቃል የሱስ፣ ብርግጽ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ ኢዩ፣ ነፍስን መንፈስን ክሳብ ዚፈላሊ ዚሰጥም፣ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ዝፈርድ ኢዩ። የሱስ፣ ኣብ ምድራዊ ጸሎቱ፣ ኣብ ሰማይ ምእንታና ኣብ ዝልምኖን ኣብኡ ኰይኑ ንጸሎትና መልሲ ከምዝህብ ኣብ ዝሃቦ ተስፋን፣ ቀዳማይ ዕላምኡ ንኽብሪ ኣቦኡ ገበረ። ኣባናውን ከምኡ ዲዩ? ወይስ፣ መብዛሕቱ እዋን፣ ውልቃዊ ረብሓን ገዛእ ፍቓድናን፣ ቀንዲ መበገሲ ጸሎትና ዶ ኣይኰኑን? ወይ፣ ነዚ ብንጹር ክንርኢ እንተ ዘይኽኢልና፣ እንገብሮ ጸሎት ምእንቲ ክብሪ ኣቦ ኢልና ከምዘይንፍጽሞ ዶ ኣይንእመንን ኢና? ዋላውን ኣይንተኣመን፣ እቲ ሓቂ ግና ንሱ ኢዩ።

እቲ ኣማኒ ሓሓሊፉ ነዚ ኣይብህጐን፣ ማለት ድማ ኣይኰነን። ግና ኣዚዩ ሒደት እዋን ጥራይ፣ ነዚ ሓቂ ስለ ዝተረደአ ክሓዝን ኣለዎ። እቲ ምኽንያት ፍሽለቱውን ይፈልጦ ኢዩ። ንሱ ድማ፣ ብምኽንያት ኣብ መንጐ’ቲ መዓልታዊ መንፈሳዊ ህይወቱን እቲ ብመንፈስ ዝገብሮ ናይ ጸሎት እዋንን፣ ገፊሕ ፍልልይ ስለ ዘሎ ኢዩ። ነቦ ክብሪ ክንህብ ምድላይ፣ ጸሎት ክንገብር ኣብ እንዳለወሉ እዋን፣ እነለዓዕሎን ንጐይታና እንቕርቦን ነገር ከምዘይኰነ ክንግንዘብ ክንጅምር ኢና።

ኣይፋል! ኵሉ ህይወት፣ ብዅሉ ክፋላቱ፣ ንኽብር እግዚኣብሄር ምዚወሃብ ጥራይ ኢዩ፣ ብርግጽ ንኽብሩ ክንጽሊ ንኽእል። “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ፣” ከምኡውን፣ “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ለምኑ፣” እዞም ማንታ ትእዛዛት ኣይፈላለዩን ኢዮም። ነቲ ቀዳማይ ምእዛዝ፣ ናይቲ ካልኣይ ምስጢር ጸጋኡ ኢዩ። ምእንቲ ክብሪ እግዚኣብሄር ምንባር፣ የሱስ፣ ናይ ዚምልሶም ጸሎታት ቅድመ ኩነት ኢዩ። “ኣቦ ምእንቲ ክኸብርሲ።”

እዚ ምስ ዕውት ጸሎት ተታሓሒዙ ዝቐረበ ጠለብ፣ ማለት ምእንቲ ክብሪ እግዚኣብሄር ክኸውን ኣለዎ፣ ዚብል፣ ቅኑዕን ባህርያዊን ኢዩ። ብጀካ ጐይታ ካልእ ክቡር የልቦን። ብዘይክኡን ኣብ ፍጡራቱ ዘንበሮን፣ ካልእ ክብሪ የልቦን። ህላወ ፍጥረት ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ከርኢ ኢዩ። ኵሉ ምእንቲ ክብሩ ዘይኰነ ነገር፣ ሓጢኣት፣ ጸልማትን ሞትን ኢዩ። ፍጥረታት ንእግዚኣብሄር ክብሪ ብምሃብ ጥራይ ኢዮም፣ ክብሪ ክረኽቡ ዚኽእሉ።

እቲ ወዲ ሰብ፣ ምእንቲ ነቦ ከኽብር፣ ኵሉ ህይወቱ፣ ኵለንትንኡ ምሃቡ፣ ኣብኡ ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ነገር ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ዝደሓነ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ ነገር ኢዩ። ከምኡውን ጻማ ክርስቶስ ናቱ ክኸውን ኢዩ። ብምኽንያት ብምልኣት ገዛእ ርእሱ ንኽብሪ ኣቦ ዝሃበ፣ ኣቦ፣ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ኸለሎ፤ ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ሃቦ፤ ከምፍቓዱ ክልምን፣ ከምኡውን ከምምእንታና ዝልምን፣ ጸሎትና ክምልስ ስልጣን ረኸበ። ከምቲ በዚ ምስ ክርስቶስ ሓደ እንኸውን፣ ከምኡውን ጸሎትና ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ዝግበር ብምዃኑ፣ እቲ መድሕን፣ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ቃሉ ብምምላእ፣ ነቦ ኣባና የኽብሮ ኢዩ። “ዝለመንክምዎ ዘበለ ኵሉ ኽገብረልኩም እየ።”

ከምዚ ዚበለ ህይወት፣ ማለት ዕላምኡ ክብሪ ኣምላኽ ጥራይ ዚዀነ፣ ብገዛእ ርእስና ጻዕሪ ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና። ከምዚ ዚበለ ህይወት፣ ኣብ ሰብነት ክርስቶስ የሱስ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ። እወ፣ ኣምላኽ ይባረኽ! ህይወቱ ህይወትና ኢዩ። ገዛእ ርእሱ ምእንታና ሂቡ ኢዩ። ሕጂ ንሱ ባዕሉ ህይወትና ኢዩ። ኣብ ክንዲ ቦታ እግዚኣብሄር መንዚዕካ፣ ገዛእ ርእስኻ ምድላይን ገዛእ ርእስኻ ምእማንን፣ በንጻሩ ገዛእ ርእስኻ ምፍላጥን ምንዛዝን ከምኡውን ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣገዳሲ ኢዩ። ብገዛእ ርእስና ሓይሊ ክንዕወት ኣይንኽእልን ኢና።

እቲ ናይ ጐይታና የሱስ፣ ኣብ ልቢ ምምጻእን ምንባርን፣ ምህላውን ምግዛእን ኢዩ፣ ነቦ ኣብ ምድሪ ዘኽበሮ። ከምኡውን ሕጂ ምስኡ ዝኸበረ። ኣባና ድማ ከኽብሮ ኢዩ። የሱስ ባዕሉ ብምምጻእ ኢዩ፣ ንገዛእ ርእስኻ ክብሪ ምሃብ ከልግሶ ዝኽእል። ኣብ ክንዲኡ ከኣ፣ ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘኽብር፣ ናቱ ህይወትን መንፈስን ዝህበና። የሱስ ኢዩ፣ ጸሎትና ብምስማዕ ነቦ ከኽብሮ ዝናፍቕ። ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ክንነብርን ክንጽልይን ድማ ዝምህረና።

ከመይ ዚበለ መተባብዒን ሓይሊን ደኣ ኢዩ፣ ምእንቲ ጐይታና ነዚ ኣባና ክዓዪይ፣ ነቲ ህኩይ ልብና ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ክህብ ዘበግሶ? ብሓቂ ኣቦ ክንድ ምንታይ ክቡር ምዃኑን ክብሩ ድማ ክንድ ምንታይ ኣዚዩ ልዑል ምዃኑን፣ ካብ ምርዳእ ዝዓቢ ነገር ኣየድሊን ኢዩ። እምነትና ኣብ ቅድሚኡ ብፍቕሪ ሰጊድካ ምምላኽ ትመሃር። እምነትና እታ መንግስቲ፣ ሓይሊን ክብርን ናቱ ጥራይ ምዃኑ ትመሃር። እምነትና ምእንቲ ኣብቲ ዘለኣለማዊ ብሩኽነቱን ፍቕሩን ክንነብር ክንኽእል፣ ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና ምሃብ ትመሃር። ብሓቂ ከኣ፣ “ክብሪ ንዕኡ ጥራይ ይኹን።” ክንብል ክንበግስ ይግባእ። ከምኡውን፣ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ብጀካ ንኽብሪ ኣምላኽ ንኻልእ ክነብር ዘይደሊ ህይወት፣ ብሓድሽ ክቱር ድሌት ክንጥምቶ ይግባእ። ሒደት ጸሎት ጥራይ ኣብ ዝምለሰሉ፣ ኣቦ ኣይኸብርን ኢዩ። ምእንቲ ክብሪ እግዚኣብሄር ክንብል፣ ጸሎትና መልሲ ክረክብ፣ ክነብርን ክንጽልይን ሓላፍነትና ኢዩ። ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ፣ ኣጸቢቕና ምጽላይ ንመሃር።

ብዛዕባ ውላድን ዓርኪን፣ ብዛዕባ ስራሕን ጉጅለን፣ ዝግበር ልባዊ ጸሎት ዝህበና ሓጐስ፣ ወይ ደስታ፣ ካብቲ ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ኢልና ካብ እንገብሮ ጸሎት ዝዛይድ ምዃኑ ምግንዛብ፣ ብሓቂ ጌጋና ጐሊሑ ክንርኢ ዘኽእል ኣስተውዕሎ ኢዩ። ስለዚውን ብዙሕ ዘይተመለሱ ጸሎታት ምህላዎም ኣየገርምን ኢዩ። እቲ ምስጢር ድማ ንሱ ኢዩ። ዕላማና እቲ ክብሪ እንተ ዘይዀይኑ፣ እግዚኣብሄር ኣይኸብርን ኢዩ። እቲ ብእምነት ጸሎት ዝገብር፣ ምእንቲ ኣቦ ብዅሉ ነገር ኣብኡ ክኸብር፣ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ብምሃብ ክነብር ኣለዎ።

ዕላምኡ እዚ ክኸውን ኣለዎ። ብዘይ’ዚ፣ ብእምነት ምጽላይ ኣይክህልውን ኢዩ። የሱስ፣ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ኢሉ፣ “ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፣ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፣ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም?” ናይ ገዛእ ርእስና ክብረት፣ ካብ ሰባት ክንደሊ ከሎና፣ እምነት ትጠፍእ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ክብሪ ብዓሚቕን ብብርቱዕን ኣሕሊፍካ ብምሃብን ክብሪ ኣምላኽ ጥራይ ብምድላይን ኢዩ፣ ነፍሲ ምእንቲ ብመለኾታዊ ብመንፈስ ክትጽለው ትበራበር። ንሳ ድማ፣ እምነት ኢያ። ክብሩ ደሊና ገዛእ ርእስና ንእግዚኣብሄር ኣሕሊፍና ምሃብን ንዓና ብምስማዕ ክብሩ ክገልጽ ምዃኑ ምጽባይን፣ ሱሮም ሓደ ኢዩ። እቲ ንኽብሪ ኣምላኽ ዝደሊ ጥራይ ኢዩ፣ ጸሎቱ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ክርኢ ዝኽእል።

እንደገናውን፣ ከመይ ጌርና ክንበጽሖ ንኽእል? ኢልና ንሓትት። ብንስሓ ንጀምር። ክብሪ ኣምላኽ ዝግባእ ቈላሕታ ኣይረኸበን። መብዛሕቱ እዋን ህይወትናን ጸሎትናን፣ ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ኣይነበረን። መብዛሕቱ እዋን ህይወትና ንህይወት ወዲ ኣይመስልን ኢዩ። ህይወትና ምስኡ ብምምስሳል፣ ምእንቲ እግዚኣብሄርን ምእንቲ ክብሩን ጥራይ ንነብር የሎናን። መንፈስ ቅዱስ ከፍልጠናን ክንደይ ከምዝጐደለና ክንርዳእን፣ ግዜ ሂብና ንጸበ። ሓቀይና ፍልጠትን ንስሓ ሓጢያትን፣ ርግጸኛ መገዲ ድሕነት ኢዮም።

እሞ፣ ንየሱስ ንጠምት። ብዕኡ ብኸመይ ዚበለ ሞት፣ ንእግዚኣብሄር ከምእነኽብሮ ክንርኢ ኢና። ንሱ ብሞት ንዕኡ ኣኽበረ። ኣብ ሞት ንሱ ምስኡ ከበረ። ብምሟት ኢዩ፣ ንገዛእ ርእሲ ብምሟትን ንኣምላኽ ብምንባርን ኢና፣ ክነኽብሮ ንኽእል። እሞ’ዚ፣ እዚ ንገዛእ ርእሲ ምሟት፣ ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ዝነብር ህይወት፣ የሱስ፣ ነቶም ነዚ ዝተኣመኑዎ ዝህቦን ዝነብሮን ኢዩ። ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ፣ ካብ ንኽብሪ ኣምላኽ ጥራይ ምንባር፣ ዚብል ውሳነ ዚውሕድ ኣይንድለ። ካብ ህይወቱን ሓይሉን፣ ኣባና ክዓዪይ ካብ ምቕባል ዚውሕድ ኣይንድለ። ክርስቶስ ኣባና ስለ ዝነብር፣ ካብ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንነብር ከምዘሎና ዝተወሃበ ሕጉስ መረጋገጺ ዚውሕድ ኣይንድለ። እዚ መዓልታዊ ብህይወት እንነብረሉ መንፈስና ይኹን። የሱስ፣ ዋሕስ መነባብሮ ህይወትና ኰይኑ፣ ደው ኢሉ ኣሎ። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂቡ ኢዩ። እንተ ተኣሚናዮን እንተ ኣፍቒድናሉን ድማ፣ ነዚ ናትና ተመክሮ ክገብሮ ይጽበ ኣሎ። ብዘይ ምእማን ድሕሪት ኣይንትረፍ፣ እኳ ደኣ ነቲ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ፣ ዚብል ምስጢራዊ ቃልና ብትብዓት ንሓዞ! ኣቦ፣ ምእንቲ እግዚኣብሄርን ክብሩን ክንነብር ምዃንና፣ ነቲ ፍቓድ ተቐቢልዎ ኢዩ። እቲ ዝፍጸም መስዋእቲ እውን ዘሐጉስ ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ፣ ኣብ ኣእምሮና ክሓትሞ ኢዩ።

ካብኡ፣ “ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ክኸብር።” ዚብል፣ ምስቲ ዚለመናዮ ዝገብረልና ምዃኑ ዝሃበና ተስፋ፣ ፍጹም ከምዝሳነ ብጸጋኡ ምስ እንፈልጥ፣ ኣብ ጸሎትና ዘገርም ህዱእ ሰላምን ሓይሊን ክህልው ኢዩ። ብዅለንትናና ንመተባብዒ እዚ ቃልን መንፈስን፣ ብፍላጥ ኣሕሊፍና ምስ እንህብ፣ ድሌትና ናትና ዘይኰነ ናቱ ይኸውን። እቲ ቀንዲ ዕላምኦም ከኣ፣ ክብሪ ኣምላኽ ኢዩ።

ኣብ ጸሎት፣ ብልዑል ናጽነት፣ ኣቦ! ምእንቲ ክብርኻ ጥራይ ከምዝለመናዮ ትፈልጥ ኢኻ። ክንብል ክንኽእል ኢና። ከምኡ ከኣ፣ እቲ ቅድመ ኩነት መልሲ ጸሎት፣ ኣብ ክንዲ ክንድይቦ ዘይንኽእል ከረን ዝኸውን፣ እኳ ደኣ ከምእንስማዕ ልዑል ትብዓት ክህበና ኢዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፣ ጸሎት፣ ካብ ነቦ ምኽባር፣ ዝልዕል ጽባቐን ቡራኼን ከምዘይብሉ ስለ ዝርኣና ኢዩ። ከምኡውን ጸሎት ዘለዎ ክቡር ሓለፋ፣ ዕጽፊ ክብሪ ይህልዎ። እቲ ምኽንያቱ ድማ፣ ምስቲ ፍቑር ወዲ ዝቐረቦ፣ ስዒቡ ዘሎ እማመ ሽርክነት፣ ክንሰምር የኽእለና ብምዃኑ ኢዩ፣ “ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፣ ለምኑ፣ ኽገብረልኩም እየ።”

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ጐይታ የሱስ! እንደገና ናባኻ መጺአ ኣሎኹ። ነፍሲ ወከፍ ዝሃብካኒ ትምህርቲ፣ ክንድ ምንታይ ብግቡእ ጸሎት ምግባር ከምዘይፈልጥ፣ ብዝያዳ ዕሙቘት ረቲዑኒ ኢዩ። ይኹንምበር ነፍሲ ወከፍ እትምህረኒ ዘሎኻ ትምህርቲ፣ ጸሎት እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ክፈልጥ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ብርግጽ ብኸመይ ክጽሊ ከምዝግባእውን ከምእትምህረኒ ተስፋ ስለ ዝገበርኩ የተባብዓኒ ኣሎ። ዎ ጐይታይ! ንዓኻ ነቲ ልዑል ኣማላዲ፣ ምእንቲ ክብሪ ኣቦ ጥራይ፣ ጸሎት ዝገብርን ጸሎት ዝሰምዕን፣ ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ክነብርን ክጽሊን ክትምህረኒ ብትብዓት ይጥምት።

መድሕን! ምእንቲ’ዚ ዕላማ ገዛእ ርእሰይ ንዓኻ ኣሕሊፈ ይህብ። ኣነ ዋላ ሓንቲ ይኹን። ኣነ ኣብ መስቀል ንሞት ድሮ ምሳኻ ከምእተሰቐልኩ፣ ገዛእ ርእሰይ ኣሕሊፈ ሂበ እየ። ብመገዲ መንፈስ ግብሪ ኣነነት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣቲዩን ሞይቱን ኢዩ። ነቦ ዘሎካ ህይወትን ፍቕርን፣ ንዓይ ተቈጻጺሮምኒ ኢዮም። ሓድሽ ናፍቖት ንነፍሰይ ክመልኣ ጀሚሩ ኣሎ። ንሱ ድማ፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት፣ ክብሪ ኣቦ ኵለንትናይ ክኸውን ኢዩ። ዎ ጐይታይ! ኣነ ነዚ ክመሃር ኣብ ቤት ትምህርትኻ ኣሎኹ። ንዕኡ ምሃረኒ።

ከምኡውን ንስኻ፣ ኣምላኽ ክብሪ፣ ኣቦ ክብሪ፣ ኣምላኸይን ኣቦይን፣ ምእንቲ ክብርኻ ጥራይ ምንባር፣ ኣዚዩ ክቡር ነገር ምዃኑ ዝርኣየ፣ ባህጊ ውላድካ ተቐበሎ። ዎ ጐይታ! ክብርኻ ኣርእየኒ። ንዓይ የጽልለኒ። መቕደስ ልበይ ይምልኣዮ። ከምቲ ኣብ ክርስቶስ ዝተጋህደ ኣብኡ ክነብር ይኽኣል። ከምኡውን ንስኻ ባዕልኻ፣ ነቲ ሰናይ ፍቓድካ፣ ኣባይ ከምዝፍጸም ግበሮ። ንሱ ድማ፣ ውላድካ ክብሪ ኣቦኡ ኣብ ዝደልየሉ፣ ነቲ ናቱ ክብሪ ይርከብ። ኣሜን።