ምዕራፍ ዓሰርተ ሸሞንተ

ስኒት ጸሎት ምስ ጽሕፍቶ ሰብ

“ንሱ ድማ፣ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን ኢዩ? በሎም።” (ማቴዎስ 22፣20)

“ኣምላኽ ከኣ፣ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፣ በለ።” (ዘፍጥረት 1፣26)

“እዚ መልክዕ ናይ መን ኢዩ?” የሱስ፣ ምኽፋል ግብሪ ኣመልኪቶም፣ ብዘረባ ክሓላልኹዎ ምስ ደለዩ፣ በዛ ሕቶ እዚኣ ኢዩ፣ ንጸላእቱ ዘፍሸሎም። እዛ ሕቶን እቲ ሒዙዎ ዘሎ መትከልን፣ ዓለም ለኻዊ ኣገልግሎት ኣለዎም። እዚ፣ ካብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንላዕሊ፣ ሓቅነቱ ኣብ ሰብ ጐሊሑ ይርአ። እቲ ሒዙዎ ዘሎ መልክዕ፣ ንጽሕፍቶኡ ይውስኖ ኢዩ። መልክዕ እግዚኣብሄር ስለ ዝሓዘ፣ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር ኢዩ። ናብ እግዚኣብሄር ክጽሊ ኢዩ፣ ተፈጢሩ። ጸሎት፣ ክፋል’ቲ ምስ መለኮታዊ መበቆሉ፣ ካብ ዘመሳስሎ ዘደንቕ ነገራት ሓደ ኢዩ። ጸሎት፣ እቲ ምድራዊ መልክዕን ተምሳልን፣ ናይቲ ዓሚቕ ምስጢር ዚዀነ፣ ቡራኼ ፍቕራዊ ሕብረት ስላሴ ኢዩ።

ብዛዕባ እንታይነት ጸሎት፣ ከምኡውን ምስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ዘደንቕ ሓይሊ ኣመልኪትና፣ ዝያዳ ኣብ እነስተንትነሉ፣ እቲ ኣብ ምኽሪ እግዚኣብሄር ክሳተፍ፣ ቦታ ዝተፈለየሉ ሰብ፣ መንነቱን እንታይነቱን ክንምርምር ብዝያዳ ይደፍኣና። ሓጥያት ኣዚዩ ስለ ዘሕሰሮ፣ ሕጂ ዘለዎ ኵነታት ብምዕዛብ፣ ኣብ ፈለማ ንምንታይ ዕላማ ከምዝተፈጠረ፣ ክንግምግም ኣይንኽእልን ኢና። ዕላማ እግዚኣብሄርን ሰብ ዕላምኡ ክፍጽም ዝተወሃቦ ክእለትን፣ እንታይ ከምዝነበረ ንምፍላጥ፣ ምልስ ኢልና፣ እግዚኣብሄር ንኣፈጣጥራ ሰብ ኣመልኪቱ፣ ንዝመዝገቦ ክንርኢ ይግባእ።

እግዚኣብሄር፣ ኣብ ዘፍጥረት ኣብ ዝተዛረቦ ቃል፣ ትዕድልቶ ሰብ እንታይ ምዃኑ፣ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ንሱ ድማ፣ ንምድሪ ንምምላእን ንምምላኽን፣ ኣብኣ ንዘሎ ከኣ ንምግዛእ ኢዩ። ሰለስቲኡ ኣገላልጻ፣ ሰብ ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ፣ ነዛ ምድሪ ክገዝኣ፣ ከምዝተፈጠረ የርእየና። ከምምስሌነ እግዚኣብሄር፣ ቦታ እግዚኣብሄር ክምልእ ኔሩዎ። ከምቲ ንሱ ተገዛኢ እግዚኣብሄር ዚዀነ፣ ነቲ ተሪፉ ዘሎ፣ ኣብ ትሕቲኡ ክገዝእ ኔሩዎ። ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝግበር፣ ብመገዱ ክፍጸም፣ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኢዩ። ታሪኽ ምድሪ ኣብ ኢዱ ተዋሂቡዎ ኢዩ።

ብመሰረት ከምዚ ዚበለ ጽሕፍቶ ኢዩ፣ ቦታኡ ዝሓዘ፣ ዘድሊ ሓይሊ ድማ ዝተረከበ። ምድራዊ ሰበ ስልጣን፣ እንደራሴኡ ናብ ርሑቕ ዞባ ምዝልእኽ፣ ብዛዕባ እቲ ዝትግበር መምርሒ ኣመልኪቱ፣ ምኽሪ ከምዝህብን ምኽሩ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝእዝዝን፣ ርዱእ ኢዩ። እቲ መምርሒ ብኣሳልጦ ክትግበርን ክብሪ ንግስነቱ ክዕቅብን፣ ዘድሊ ሰራዊትን ካልእ መሳርሒን፣ ከምድሌቱ ክጥቀም ናጻ ኢዩ። መምርሒኡ እንተ ዘይተተግቢሩ ግና፣ ድሌት ንግስነቱ ካብኡ ብዝሓሸ ብዝርዳእ ካልእ ሰብ ይትካእ። እሙን ክሳብ ዝዀነ ድማ፣ ምኽርታቱ ተግባራዊ ይኸውን።

ከምወኪል ኣምላኽ ሰብ ክገዝእ ኔሩዎ። ኵሉ ኣብ ትሕቲ ፍቓዱን ግዝኣቱን ክግበር ኔሩዎ። ብምኽሩን ብልማኖኡን፣ ሰማይ በረኸቱ ንምድሪ ክህብ ኔሩዎ። ጸሎቱ፣ ዋላውን ብቐሊልን ብባህርያዊን መገዲ ይፈጸም፣ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ንጉስን ኣብ ምድሪ ከምጐይታ ዘሎ ኣገልጋሊኡን፣ ዝራኸቡሉ ኣደናቒ መራኸቢ ክኸውን ኔሩዎ። ትዕድልቲ፣ ወይ ዕጫ ዓለም፣ ኣብ ትሕቲ ስልጣን፣ ድሌት፣ ፍቓድን ጸሎትን ሰብ ተዋሂቡ ኢዩ።

ብሰንኪ ሓጢኣት ግና፣ እዚ ኵሉ ብዘሕዝን ተለዊጡ። ሓጢኣት ሰብ፣ ኵሉ ፍጥረት ኣብ ትሕቲ መርገም ከምዝኸውን ገይሩ። ድሕነት መጀመርታ ብኽብሪ ዳግም ምምላስ የርኢ። ከይደንጐየ፣ እግዚኣብሄር ካብ ኣብርሃም፣ ንዕኡ ዝዀኖ፣ ካብ ውሽጡ ድማ፣ ነጋውስን ንጉሰ ነጋውስን ዚርከቦ ህዝቢ ምግባሩ፣ ናይቲ እሙን ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ጸሎት፣ ትዕድልቶ ናይቶም ኣብ ዙርያኡ ናይ ዘለዉ ሰባት ክውስን፣ ዘለዎ ሓይሊ ንርኢ።

ኣብ ኣብርሃም፣ ጸሎት ንገዛእ ርእስና በረኸት እንረኽበሉ፣ ኣውራ ነገር ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ጽሕፍቶ ሰባትን ነቲ ንሰባት ዝገዝኦም ፍቓድ ኣምላኽን፣ ክጸልው ንግስነታዊ መሰል ከምዘለዎ ንርኢ። ኣብርሃም፣ ሓደ ግዜውን ይኹን፣ ንገዛእ ርእሱ ክጽሊ ኣይንረኽቦን ኢና። ምእንቲ ሶዶምን ሎጥን፣ ምእንቲ ኣቤሜሌክን ምእንቲ እስማኤልን ኣብ ዝገበሮ ጸሎት፣ እቲ ዓርኪ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ከባቢኡ ናይ ዘለዉ ሰባት ታሪኽ ክቕይር ዘለዎ ሓይሊ የረጋግጽ።

ጽሕፍቶ ሰብ፣ ካብ መጀመርታ እዚ ኢዩ ነይሩ። ቃል ኣምላኽ፣ ነዚ ጥራይ ዘይኰነ ዝሕብረና፣ እኳ ደኣ እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ፣ ንሰብ ነዚ ዓቢይ ኣገልግሎት፣ ብሓደራ ከምዝሃቦ እውን ይምህረና ኢዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፣ ብመልክዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠሮ ኢዩ። እቲ ግዳማዊ ምምሕዳር፣ ብዘይ ውሽጣዊ ብቕዓት ኣይኰነን ተዋሂቡ። ምስሊ ኣምላኽ ሒዙ፣ ጐይታ ኵሉ ኰይኑ ክገዝእ፣ ኣብ ውሽጣዊ ምምስሳል ኢዩ፣ ተሰሪቱ።

ኣብ መንጐ እግዚኣብሄርን ሰብን፣ ውሽጣዊ ስምምዕን ስኒትን ነይሩ። ከምኡውን ዚምዕብል ምስሊ እግዚኣብሄር ኔሩዎ። እዚ፣ ሰብ፣ ኣብ መንጐ እግዚኣብሄርን ዓለምን፣ መንጐኛ ኰይኑ፣ ከምነቢይ፣ ከምካህንን ከምንጉስን፣ ፍቓድ እግዚኣብሄር ክፍጽም፣ ድሌት ተፈጥሮ ከማልእ፣ ልግሲ እግዚኣብሄር ተቐቢሉ ክህብ፣ ብሓቂ ብቑዕ ገበሮ። መልክዕ ኣምላኽ ስለ ዘለዎ ኢዩ፣ ንእግዚኣብሄር ወኪሉ ዝገዝእ። ብሓቂ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝመስል፣ ናብ መደባት ኣምላኽ ክኣትው ይኽእል። መደባቱ ድማ ይፍጽም። እግዚኣብሄር ከኣ፣ ዓለም ዘድልያ ለሚኑ ክረክብ፣ ኣደናቒ መሰል ክህቦ ይእመኖ። ዋላውን ሓጢኣት፣ ንግዜኡ ንመደባት ኣምላኽ እንተ ኣደናጐየ፣ ዋላውን ሰብ ብሓጢኣት እንተ ዘይወድቕ፣ ጸሎት፣ ጸሎት ምዃኑ ኣይምተረፈን። ጸሎት፣ ሰብ ምስሊ ኣምላኽ ምዃኑ መረጋገጺ ኢዩ። ጸሎት፣ ምስቲ ዘይርአ ዘለኣለማዊ መራኸቢ መጓዓዚ ኢዩ። ጸሎት፣ ነቲ ትዕድልቶ ኣድማስ ንዝሓዘ ኢድ፣ ጨቢጥካ ክትሕዝ ዘፍቕድ ሓይሊ ኢዩ።

ጸሎት፣ ምሕረት ደሊኻ ዝግበር ልማኖ ጥራይ ኣይኰነን። ሰብ እቲ ዝለዓለ ፍቓዱ ዘፍልጠሉ ኢዩ። መበቈሉ መለኾታዊ ምዃኑ ዝፈልጠሉ እውን ኢዩ። ከምንጉስ ብናጽነት ምኽሪ እቲ ዘለኣለማዊ ዝፍጽመሉ ድማ ኢዩ።

ሓጢኣት ዘጥፍኦ፣ ጸጋ መለሶ። እቲ ናይ መጀመርታ ኣዳም ዘጥፍኦ፣ እቲ ካልኣይ ኣምለሶ። ሳላ ክርስቶስ፣ ሰብ መበቈላዊ ቦታኡ ረኺቡ። ከምኡውን እታ ኣብ ክርስቶስ እትውከል ቤተ-ክርስቲያን፣ ነቲ ተስፋ ትወርስ። “እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።” ከምዚ ዚበለ ናይ ተስፋ ቃል፣ ካብ መጀመርታ እውን፣ ንገዛእ ርእስና ዘድልየና ጸጋ፣ ወይ በረኸት ኣይኰነን፣ ዘመልክት።

እዚ፣ እቲ ቦታና፣ ናይቲ ሰማያዊ ተኽሊ ፍረ እትህብ ጨናፍር ምዃንና ኢዩ፣ ዘመልክት። ምእንቲ ኣገልግሎትን ክብሪን ኣቦ ድማ ንነብር። እዚ፣ ነቶም ኣብኡ ተጸጊዖም ዝነብሩ ኢዩ። እዚ፣ ኣብቲ ናቱ እዙዝ ህይወትን ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብን፣ ኣብኡ ክጽግዑ ገዛእ ርእሶም ንዝሓደጉ ኢዩ። እዚ፣ ህይወቶም ስኢኖማ፣ ግና ኣብኡ ዝረኸቡዋ፣ ኵለንትንኦም ንድሌት ኣቦን ንመንግስቱን ንዝሃቡ ኢዩ።

እዚኣቶም፣ እቲ ሓድሽ ተፈጥሮኦም፣ ናብቲ መበቈላዊ ጽሕፍቶኦም ከምዝመለሶም ዝርድኡ ኢዮም። ናብ መልክዕን ናብ ምስሊን ኣምላኽ፣ ከምዝተሓደሱ ዝርድኡ ከኣ ኢዮም። ብሓይሉ ክገዝኡ ምዃኖም ዝርድኡ እውን ኢዮም። ነፍሲ ወከፎም፣ ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ፣ ካብ ሰማይ ሓይልታት ተረኪቦም፣ ኣብ ምድሪ ክህቡ ስልጣን ኣለዎም። ብቕዱስ ትብዓት ፍቓዶም የፍልጡ ኢዮም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ከምካህናት ይነብሩ። ነጋውስ ስለ ዝዀኑ ድማ፣ ሓይሊ ናይቲ ዚመጽእ ዓለም፣ ኣብ ኢዶም ኢዩ።

[1] ኣብ ፍጻሜ ቃል ተስፋ ኣቲዮም፤ “እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።”

ቤተ ክርስቲያን ህያው ኣምላኽ! ተልእኾኺ ካብ እትፈልጥዮ ንላዕሊ፣ ልዑልን ቅዱስን ኢዩ። እግዚኣብሄር፣ ብመገዲ ደቂ ማሕበርኪ፣ በቶም ነጋውስን ካህናትን ኣምላኽ፣ ንዓለም ይገዝእ። ጸሎቶም፣ በረኸት ሰማይ ይህብን ይዕቅብን ኢዩ። በቶም ብድሕነቶም ጥራይ ዘይዓገቡ፣ ግና ኵለንትንኦም ብምልኣት ብዝሃቡ ሕሩያቱ፣ ኣቦ ከምቲ ብወዱ፣ ብዕኦም እውን ክቡር ምኽርታቱ ክፍጽም ኢዩ። እግዚኣብሄር፣ በዞም ዝመረጾም፣ መዓልቲን ለይቲን ብዝልምኑ፣ መበቈላዊ ጽሕፍቶ ሰብ፣ ኣደናቒ ከምዝነበረ ከረጋግጽ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ከምመልክዕ ኣምላኽ ዝሓዘ፣ ምድሪ ብርግጽውን ኣብ ኢዱ ተዋሂባ ኢያ። ኣብ ዝወድቐሉ፣ ኵሉ ምስኡ ይወድቕ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ድማ፣ የስቈርቍርን ቅልውላው ይሕዞን ኢዩ።

ሕጂ ግና ድሒኑ ኢዩ። እቲ መበቈላዊ ክብሪ ክሕደስ ጀሚሩ ኣሎ። በቶም ኣብ ክርስቶስ ተጸጊዖም ዝነብሩ፣ ነቲ ሊቀ ካህን-ንጉስ ርእሲ ኵሎም ዝገበሩ፣ ከምኡውን ኣብ ጸሎቶም፣ ብትብዓት ንፍቓዶም እግዚኣብሄር ከምዝትግብሮ ብዝሕብሩ ሰባት ኢዩ፣ መደብ እግዚኣብሄር ዝፍጸም፣ መንግስቱ ድማ ትመጽእ። እቲ ዝድሓነ ሰብ፣ ኣብ ምድሪ ከምመልክዑ ዝሓዘን ከምወኪሉን፣ ብጸሎታቱ ታሪኽ ምድሪ ይውስን። ሰብ ምእንቲ ክጽሊ፣ ብጸሎቱ ድማ ክገዝእ፣ ተፈጢሩን ዳግም ድሒኑን ኢዩ።

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ጐይታ! እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሓልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ ኢዩ? ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብሪን ጌጽን ከኣ ከለልካዮ። ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ክንደይ ግሩም ኢዩ!

እግዚኣብሄር ጐይታ! ሓጢኣት ንሰብ ክንዲ ምንታይ ንታሕቲ ከምዝጥሕል ጌሩዎ። ከምኡውን መለኾታዊ ጽሕፍቶኡ፣ ኣገልጋሊኻን ወኪልካን ምዃኑ ክሳብ ዝርስዕ፣ ክንድ ምንታይ ብዘሕዝን ኣእምሮኡ ኣጸሊምዎ። ዋይ ኣነ! ህዝብኻውን ከይተረፉ፣ ዓይኖም ምስ ተኸፍተ፣ ብቕልጡፍ ንጻውዒቶም ክቕበሉን ምስ እግዚኣብሄር ሓይሊ ክረኽቡ ክደልዩን፣ ድልዋት ኣይኰኑን።

ጐይታ የሱስ! ኣቦ ብዓኻ ኢዩ፣ ንሰብ ዳግም ብጸጋን ብኽብሪን ኣንጊስዎ። ከምኡውን ንሱ ከምዝደለዮ ክንኸውን መገዲ ከፊቱልና። ዎ ጐይታ፣ ምሕረትካ ኣብ ህዝብካ ይኹን፣ ንውርሻኻ ከኣ ብጽሓዮም! ኣብ ቤተ ክርስቲያንካ ዓቢይ ነገር ግበር። ንኣመንቲ ደቀ መዛሙርትኻ ከኣ፣ መንግስታዊ ክህነት ምዃኖም ክርድኡ ምሃሮም። ከምኡውን ብሓይሊ ጸሎት፣ ኣብ መንግስትኻ ከገልግሉ፣ መንግስታት ክገዝኡን ስም እግዚኣብሄር ብመገዶም ኣብ ምድሪ ክኽበርን፣ ኣደነቕቲ ተስፋታት ከምዝሃብካ ምሃሮም። ኣሜን።

[1] “እግዚኣብሄር ኣብ መንጐ ሰባት ካህናት ይደሊ ኢዩ። ሰባዊ ክህነት ካብቶም ቀንዲ ክፋል ዘለኣለማዊ መደቡ ኢዩ። ፍጥረታት ብመገዲ ሰብ ክገዝእ ውጥኑ ኢዩ። ኣምልኾ ፍጥረታት ብመገዲ ሰብ ክፍጸምውን ውጥኑ ኢዩ። “ክህነት ሰማይን ምድሪን ክራኸቡሉ ዝተዋህበ ስልጣን ኢዩ። ሓጥእ ምስ እግዚኣብሄር ዝራኸበሉ፣ መመሓላለፊ እውን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ክህነት፣ ማለት ኣብ ናይ ሓጢኣት መተዓረቂ ንዛረብ እንተሎና፣ ወዲ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። ኣብ መንጐ ፈጣሪን ፍጡራትን፣ ከምመንጐኛ ምርኻብ ግና፣ ኣብ ኢድ እቲ ዝደሓነ ሰብ -- ናይ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ኢዩ።” እግዚኣብሄር ነጋውስ ይደሊ ኢዩ። ካብ መስርዕ መላእኽቲ ድማ ኣይኰነን። እቲ ሓጥእ ሰብ ንዓለም ክገዝእ ክሕደስ ይግባእ። ኢድ ሰብ ከኣ፣ በትሪ መንግስቲ ክጭብጥ ይግባእ። ርእሲ ሰብ እውን፣ ዘውዲ ክደፍእ ይግባእ። -- The Rent Veil, by Dr. H. Bonar