ምዕራፍ ዓሰርተ ሸቡዓተ

ስኒት ጸሎት ምስ ባህሪ ኣምላኽ

“ኣቦ ስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ ኣሎኹ። ኣነስ ኩሉ ሳዕ ከምእትሰምዓኒ እፈልጥ ኣሎኹ።” (ዮሃንስ 6፣41-42)

“ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ። ክህበካስ፣ ለምነኒ” (መዝ 2፣7-8)

ኣብ ሓድሽ ኪዳን፣ ኣብ መንጐ እምነትን ፍልጠትን ፍልልይ ከምዘሎ ተገሊጹ ንርኢ። “ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይወሃቦ ኢዩ፣ ነቲ ሓደ ከኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፣ ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ።”

ኣብ ቈልዓ፣ ወይ ኣብ ሓደ ገና ዘይበሰለ ክርስቲያን፣ ብዙሕ እምነት ግና ሒደት ፍልጠት ይህልው ይኸውን። እቲ ከምቈልዓ ዚዀነ፣ ነቲ ሓቂ ብዘይ ጸገም ኢዩ ዝቕበል። ብዛዕባ እምነቱ ኣብ ዝሕተተሉ እውን፣ እግዚኣብሄር ስለ ዝበለ፣ ብምባል ኣሕጺሩ ይምልስ። ግና ብዅሉ ልብና ጥራይ ዘይኰነ፣ ብዅሉ ኣእምሮናውን ክነፍቕሮን ክነገልግሎን፣ ከምኡውን ብዅሉ መገዲን ቃልን ግብርን፣ ጥበብን ግርማን ኣምላኽ ፈሊጥና ክንዓቢ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ።

እቲ ኣማኒ ከምኡ ምዚገብር ኢዩ፣ ናብ ክብሪ ጸጋ ኣምላኽ ብምልኣት ዝቐርብን ብግቡእ ከምልኽ ዝኽእልን። ከምኡ ምስ እንገብር ጥራይ ኢዩ፣ ልብና ኣብ ድሕነት ዘሎ ጥበብን ፍልጠትን፣ ብርድኢት ክጭብጥ ዝኽእል። ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዝዓርግ መዝሙርውን፣ ብልዑል ድምጺ ክነዳልው እንኽእል፣ “ወዳጄ፣ ሃብቲ ጥበብን ፍልጠትን ኣምላኽ መዓሙቝ ኢዩ!”

እዚ ሓቂ፣ ኣብ ናይ ጸሎት ህይወትና፣ ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ይኸውን። ዋላውን ጸሎትን እምነትን ቀሊል ብምዃኖም፣ እቲ ሓድሽ ክርስቲያን እኳ ብሓይሊ ክጽሊ እንተ ኸኣለ፣ ቀንዲ ጸገም ክርስቲያናዊ ፍልጠት፣ ኣብ ጸሎት ኰይኑ ንረኽቦ። ሓይሊ ጸሎት ክንድ ምንታይ ሓቂ ኢዩ?

እሞ ደኣ፣ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ኢዩ፣ ንጸሎት ዓቢይ ሓይሊ ክህቦ ዝኽእል? ብኸመይ ግብሪ ጸሎት ምስ ፍቓድን ሕጊን ኣምላኽ ተሳኒዩ ይኸይድ? ብኸመይ ልኡላውነት ኣምላኽን ናትና ፍቓድን፣ ናጽነት ኣምላኽን ናትና ናጽነትን፣ ክዕረቕ ይኽእል? እዚአንን ተመሳሰልተንን ሕቶታት፣ ኣብ ኣስተንትኖን ሕቶን ክርስትና ኣገደስቲ ኢየን? ነዞም ምስጢራት ብቕንዕናን ብኣኽብሮትን ምስ እንቐርቦም፣ ነቲ ንሰብ ብመገዲ ጸሎት ከምዚ ዚበለ ሓይሊ ዝሃበ፣ ብዘገርም ኣድናቖት ሰጊድና ክነምልኾ ኢና።

ካብቶም ምስጢራዊያን ጸገማት ጸሎት ሓደ፣ ብዙሕ ድማ ዘይዝረበሉ፣ ግና ንጸሎት ብሓቂ ዝዕንቅፍ፣ ካብ ፍጹምነት ኣምላኽ ዝብገስ ኰይኑ፣ ካብኡ ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ኣካል ፈጺሙ ኣይጽጋዕን ኢዩ፣ ዚብል ኢዩ። ንሱ፣ እቲ ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ዶ ኣይኰነን? ብጀካ ንገዛእ ርእሱ ካልእ ኣዋዲ ዘይብሉ፣ ባዕሉ ዝውስን፣ በቲ ጥበበኛን ቅዱስን ፍቓዱ ንዅሉ ዝውስን ዶ ኣይኰነን? ከመይ ገይሩ ብጸሎት ይጽለው፣ ወይ ብኻልእ መገዲ ክግበር ዘይኽእል ነገር ንምንታይ ብጸሎት ይገብሮ? ጸሎትና መልሲ ክረክብ ምዃኑ ዝተወሃበና ተስፋ፣ መግለጺ ድኽመትና ጥራይ ዶ ኣይኰነን? ብዛዕባ እቲ ሓይሊ ዝተዘርበ - እቲ ብዙሕ ዘስልጥ ሓይሊ - ብሰንኪ ኣምላኽ ካብኡ ወጻኢ ብዝተፈጸመ ግብሪ ስለ ዘይውከል፣ ኣእምሮና ክነደዓዕስ ጥራይ ዝተወሃበና ዶ ኣይኰነን? በረኸት ጸሎት ስምዒታዊ ነገር ጥራይ ዶ ኣይኰነን?

ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ሕቶታት መልሲ ኣብ እነናድየሉ፣ እቲ መፍትሕ ኣብ መንነት ኣምላኽ፣ ማለት ኣብ ምስጢረ ስላሴ ከምዝርከብ ንርዳእ። እግዚኣብሄር፣ ገዛእ ርእሱ ዝዓጸወ፣ ሓደ ሰብነት ጥራይ እንተ ዝኸውን፣ ናብኡ ምቕራብ፣ ወይ ንዕኡ ምጽላው ዚብል ሓሳብ እውን ኣይምሃለወን። ግና ኣብ እግዚኣብሄር ሰለስተ ሰብነት ኣለዉ። ኣብ እግዚኣብሄር፣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጠመሩን ዝሓበሩን፣ ኣቦን ወዲን ኣለዉ።

እቲ ዘልኣለማዊ ፍቕሪ ንወዲ ምስ ወለደ፣ ኣቦ ንወዲ ከምካልኣይ ሰብነት፣ ከምማዕረን ከምኣማኻሪን፣ ኣብ ጐድኑ ቦታ ሃቦ። ስለዚ፣ ጸሎት፣ ኣብ ውሽጣዊ ህይወት ኣምላኽ ባዕሉ፣ ስፍራን ጽልዋን ክህልዎ መገዲ ተኸፊቱሉ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ሰማይ እውን፣ ርክብ ኣቦን ወዲን፣ ኣብ ምሃብን ምቕባልን ዝተመርኰሰ ኢዩ። እቲ ምውሳድ ከምቲ ምሃብ፣ ብወለንታን ብርእሰ ውሳነን እንተ ዀይኑ፣ ብወገን እቲ ወዲ ምልማንን ምቕባልን ክህልው ኣለዎ።

ኣብ ቅዱስ ሕብረት ሰብነታት ኣምላኽ፣ ልማኖ ወዲ፣ ኣብቲ ስላሴኣዊ ብሩኽ ህይወት ኣምላኽ፣ ካብቶም ልዑል ዕዮታት ሓደ ኢዩ። ነዚ ኣብ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ ክልተ ተጠቒሱ ንረኽቦ፣ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ። ክህበካስ፣ ለምነኒ” ኣቦ ምእንቲ ብመገዲ ወዲ ክዓዪይ፣ ንወዲ ስልጣንን ሓይሊን ሂቡዎ ኢዩ። ልማኖ ወዲ፣ ሱቕ ኢልካ መርኣዪ፣ ወይ ጽላሎት ኣይኰነን። እኳ ደኣ ፍቕሪ ኣቦን ወዲን ዝራኸበሉን ምልኣት ዝረኽበሉን፣ ህያው ነገር ኢዩ። ኣቦ ኣብ ምኽርታቱ በይኑ ከይኸውን ወሲኑ ኢዩ። ፍጻሜ ምኽርታቱ ኣብ ልማኖን ኣብ ምቕባልን እቲ ወዲ ይምርኰስ። ስለዚ፣ ኣብ ምድሪ እንገብሮ ጸሎት፣ ነጸብራቕን ግንፋለን መንነትን ህይወትን ኣምላኽ ኢዩ። የሱስ፣ ነዚ ከይዘከረ ኣይኰነን፣ “ኣነስ ኩሉ ሳዕ ከምእትሰምዓኒ እፈልጥ ኣሎኹ።” ዚበለ። ከምቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ወዲ ምዃኑ፣ ካብ የሱስ ኣብ ሰማይ ወዲ ምዃኑ ዘይፍለ፣ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጸሎቱውን፣ ኣብ ሰማይ ናይ ዝፍጽሞ ልማኖ መማሰልቲ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ እቲ ሰብ ዝገብሮ ጸሎት፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ሕቝፎ ኣቦ ዘሎ ሓደ ወዲ ዝገብሮ ዘልኣለማዊ ልማኖን እቲ ኣብ ምድሪ ሰባት ዝገብሩዎ ጸሎትን፣ መራኸቢ ኢዩ። ጸሎት ቁመቱን ዕሙቈቱን ካብ መንነት ኣምላኽ ይብገስ። ኣብ ሕቝፊ ኣምላኽ፣ ብዘይ ጸሎት ዝግበር ነገር የልቦን። ወዲ ይልምን ኣቦ ድማ ይህብ።1

እዚ፣ ብኸመይ ሓደ ሰብ ብመገዲ ወዲ ዝገብሮ ጸሎት፣ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ጽልዋ ከምዘሕድር ክንርዳእ ይሕግዘና። ንሱ፣ ንወዲ፣ ወይ ልማኖኡ፣ ወይ ብመገዱ ዝቐርብ ልማኖ ከይጠቐሰ ኣይኰነን፣ ንሕግታት ኣምላኽ ወሲኑዎ። ብጭራሽ። የሱስ ክርስቶስ፣ እቲ ቀዳማይ ዝተወልደ፣ እቲ ርእሲን እቲ ወራሲ ኵሉን ኢዩ። ኵሉ ብዕኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ፣ ኵሉ ብዕኡን ንዕኡን ኢዩ እተፈጥረ። ኣብ ምኽርታት ኣቦ፣ ወዲ፣ ከምወኪል ኵሉ ፍጡር፣ ኵሉ ግዜ ድምጹ የስምዕ ኢዩ። ኣብ ሕግታት ዘልኣለማዊ መደባት፣ ምእንቲ እቶም ብወዲ ኣቢሎም ናብ ኣቦ ዝቐርቡ፣ ወዲ ብናጽነት ከምመንጐኛን ከምኣማላዲን ክልምን ቦታ ኣለዎ።

ወዲ ብናጽነት ነቦኡ ክሓትት ስልጣን ኣለዎ፣ ዚብል፣ ምስቲ ዘይቅየር ሕጊ ኣምላኽ ኣይጋጮን ዶ? ብምባል እንተ ሓሰበና፣ ኣምላኽ ከምሰብ ብሕሉፍ ነገራት ፈጺሙ ከምዘይእሰር ምዝካር የድሊ። ኣምላኽ ሕሉፍን መጻኢን ኣብ ዚብላ መለክዒ ግዜታት ኣይነብርን ኢዩ። ነቲ ኣብ ዘልኣለማዊነት ዚነብር፣ ፍልልይ ግዜ ቦታ የብሉን። ዘልኣለማዊነት ኵሉ ሳዕ ሕጂ ኢዩ። ሕሉፍ፣ ሕሉፍ ኣይኰነን። መጻኢ ድማ፣ ኵሉ ሳዕ ሕጂ ኢዩ።

ቃል ኣምላኽ፣ ምእንቲ ሰብኣዊ ድኽመትና ክምልእ ክብል፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ሕግታትን መጻኢ ነገራት ጠቒሱ ክዛረብ ግድን ኢዩ። እቲ ሓቂ፣ እቲ ዘይቅየር ምኽሪ ኣምላኽ፣ ምስቲ ፍቓዱ ብሓርነት ክፍጽም ምኽኣሉ፣ ፍጹም ዚዀነ ስኒት ኣለዎ። ጸሎት ወዲን እቲ ህዝቡን፣ ናብቶም ዘልኣለማዊ ሕግታት ኣብ ዝኸዱሉ፣ ጽልዋኦም ንጹር ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ልቢ ኣቦ፣ ነፍሲ ወከፍ ብመገዲ ወዲ ዝደየበ ጸሎት ክሰምዕ ክፉትን ናጻን ኢዩ። ከምኡውን ኣምላኽ ብኻልእ መገዲ ዘይገብሮ ነገር፣ ብመገዲ ጸሎት ክፍጽሞ ምዃኑ፣ ገዛእ ፍቓዱ ሂቡ ኢዩ።

ብምኽንያት ኣምላኽ ከምዘልኣለማዊ፣ ልዕሊ ኵሉ ሓሳባት ዝዀነ፣ ኣብ መንጐ ልኡላውነት ኣምላኽን ናጽነት ሰብን፣ ዘሎ ስኒትን ሕብረትን፣ ንዓና ክንጭብጦ ዘይንኽእል ምስጢር ኢዩ። ግና መበቈልን ርግጸኛነትን ሓይሊ ጸሎት፣ ኣብ መንጐ ኣቦን ወዲን ካብ ዘሎ ዘልኣለማዊ ውህደት ከምዝብገስ ፈሊጥና፣ ጸሎትናውን ደይቡ ኣብ ውሽጣዊ ህይወት ብሩኽ ስላሴ ጽልዋ ከምዘሕድር ተረዲእና፣ ክንሕይልን ክንጸናናዕን ይግባእ።

ሕግታት ኣምላኽ ብሓጺን ዝተሰርሑ እሞ፣ ናጽነት ሰብ ብኸንቱ ዝጽግኦም ነገራት ኣይኰነን። ኣይፋል። ኣምላኽ ባዕሉ ህያው ፍቕሪ ኢዩ። ንሱ፣ ብመገዲ ወዱ ምስ ሰባት ለዋህ ርክብ ዝፈጸመ፣ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ኵሉ ሰብኣዊ ናብ ኣምላኻዊ ፍቕሪ ዘደየበ፣ ሰብ ዝገብሮ ጸሎት ኣብ ምምሕዳር ዓለም ቦታ ክህልዎ፣ ብናጽነት ዘፍቐደ ኢዩ።

ብኸምዚ ዚበለ ብሩህ ኣተሓሳስባ ድማ፣ መንነት ብሩኽ ስላሴ ኣመልኪትና እንመሃሮ ትምህርቲ፣ ሓሳባዊ ግምት ዘይምዃኑ ይንጽረልና። እኳ ደኣ ሰብ ምስ ኣምላኽ ክሓብር ከምዝኽእል፣ ከምኡውን ጸሎት ሰብ፣ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዘመሓድረሉ ክውን ረቓሒ ምዃኑ፣ ህያው መርኣያ ኢዩ። ካብ ርሑቕ ገለ ነጸብራቕ እዞም ዘልኣለማዊያን ቃላት ክንዕዘብ ንኽእል፦ “ብዕኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ኣሎና።”

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ዘልኣለማዊ ኣምላኽ! ሰለስተ ብሓደን ቅዱስ ስላሴን! ብልዑል ኣኽብሮት ገጸይ ከዊለ፣ ነቲ ቅዱስ ምስጢር መንነት ኣምላኽነትካ የምልኽ። ከምኡውን ነቲ ምስጢር ክተግህዶ ሓጐስካ እንተ ዀይኑ፣ ብዛዕባ ክብርኻ ኣብ ዘስተንትነሉ፣ ምእንቲ ኣብ ልዕሌኻ ሓጢአት ከይፍጽም፣ ብፍርሂን ብምንቅጥቃጥን ይሰግድ።

ኣቦ! ነዚ ስም ምእንቲ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደቅኻ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ካብ ዘልኣለም ከምኣቦ ሓደ ወድኻ እውን ስለ ዝተሰየምካሉ የመስግነካ። ብመሰረት ካብ ዘልኣለም ኣብ ምኽርኻ ንልማኖ ወዲ ቦታ ዝሃብካዮን ከምኣቦ ጸሎትና ስለ እትሰምዓናን የመስግነካ። ኣብ ሰማይ ምሳኻ ዘለዎ ርክብ ክንድ ምንታይ ብሩኽ ምዃኑ ኣብ ምድሪ ስለ ዝርኣናዮ፣ ከምኡውን ካብ ዘልኣለም ጸሎቱን መልስ ጸሎቱን ኣብ ምኽርኻን ሕግታትካን ቦታ ስለ ዝነበሮም የመስግነካ። ልዕሊ ኵሉ ኣብ ላዕሊ ኣብ ዝፋንካ፣ ብመገዲ ሓቀይና ሰብኣዊ ባህሪኡ፣ ከምኡውን ኣብ ታሕቲ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ብሰብኣዊ ባህሪና፣ ነፍሲ ወከፍ ልማኖ ሰብ ናብ ላዕሊ ክድይብን ህይወትን ፍቕሪን ኣምላኽ ክትንክፍን፣ ከምኡውን ዝለመኖ ኵሉ ክወሃቦ፣ መገዲ ስለ ዝተኸፈተ የመስግነካ።

ብሩኽ የሱስ! ከምወዲ መገዲ ጸሎት ዝተኸፍተሉ፣ ብዕኡውን መልሲ ከምእንረክብ ዘረጋገጽና፣ ንህዝብኻ ምጽላይ ክትምህር ንልምነካ ኣሎና። እዚ፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፣ ከምቲ ኣቦ ኵሉ ግዜ ንዓኻ ዝሰምዕ፣ ንዓናውን ከምዝሰምዓና እንፈልጠሉ፣ ምልክት ውልድነትና ይኹን። ኣሜን።

መዘኻኸሪ

“‘እግዚኣብሄር ጸሎት ይሰምዕ ኢዩ።’ እዚ ቀሊል ኣገላልጻ ጸሎት፣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ ንረኽቦ። እዚ ዋላውን፣ ጸሎት ከምግብሪን ጸሎት ከምኩነትን፣ ዘለዎም ርክብ ኣነጺሩ እንተ ርኣየ፣ ጸሎት ኣብ ህይወትናን ኣብ ልብና ዘሕድሮ ጽልዋ ኣይኰነን ዘርኢ። እኳ ደኣ ዕላማ ጸሎት፣ ካብ ኣምላኽ፦ በረኸት፣ ውህበት፣ ድሕነት ምርካብ ምዃኑ ኢዩ፣ ኣነጺሩ ዝገልጽ። የሱስ፣ “ለምኑ ክወሃበኩም ኢዩ።” በለ።

“ኣምላኽ ኵሉ ነገራት ኣቐዲሙ ይርኢን ኣቐዲሙ ይብይንን፣ ዚብል መግለጺ፣ ዋላውን ሓቅን ክቡርን እንተ ዀነ፣ ብተመሳሳሊ ንጸሎትና እውን ከምመራኸቢ ፍጻመታት፣ ከምምኽኒትን ሳዕቤንን፣ ከምርጉጽ ሓይሊ፣ ኣቐዲሙ ርእዩዎን ኣቐዲሙ በይኑዎን ኢዩ። ይኹንምበር እዚ ዝተወሃበ መግለጺ፣ ነእምሮና ሰላም ሂቡ ኣየዕግቦን ኢዩ፣ ኢልና ንሓስብ። ከምኡውን እዚ ናብ ጸሎት ዝስሕበና ሓይሊ ኢዩ፣ ኢልና ኣይንሓስብን ኢና። በንጻሩ እዚ መግለጺ ካብ ርድኢት፣ ህይወትን ሓይሊን ጸሎት፣ ንሓሳባትና የርሕቖ ኢዩ፣ ኢልና ንሓስብ። እቲ ዘልኣለማዊ ጥራይ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ እዋናዊ እውን ዚዀነ ህያው ኣምላኽ፣1 እቲ ህያው፣ መሓሪ፣ ቅዱስ፣ እቲ ንገዛእ ርእሱ ንነፍሲ ዝገልጸላ ኣምላኽ፣ “ገጸይ ድለዩ፣” በለ። እዚ ናብኡ ዝስሕበና ማግነት ኢዩ። እዚ ጥራይ ልቢን ከናፍርን ክኸፍት ይኽእል ኢዩ…

“ነዚ ጸገም፣ ኣብ የሱስ ክርስቶስ፣ ወዲ ኣምላኽ፣ ምሉእ ፍታሕ ንረኽበሉ ኢና። ኣብ ምድሪ ከምሰብ ጥራይ ዘይኰነ፣ ከምወዲ ኣምላኽውን ኢዩ፣ ጸሎት ገይሩ። ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጸሎት፣ መግለጺ ናይቲ ካብ ዘልኣለም ኣትሒዙ ዝገብሮ ጸሎት ኢዩ። ወዲ፣ ኣብ ምኽሪ ኣምላኽ ከምክርስቶስ ተቐሚጡ… ወራሲ ኵሉ ነገር ኰይኑ ተሸይሙ ኢዩ። ወዲ ካብ ዘልኣለም ኣትሒዙ፣ እቲ መገዲ፣ እቲ መንጐኛ ኢዩ። ካብ ዘልኣለም ነቲ ናትና ዘይፍጹም ቋንቋ ተጠቒሙ፣ ምእንቲ ዓለም ምስ ኣቦ ተዘራሪቡ ኢዩ።”

--ሳፊር፣ እቲ ሕቡእ ህይወት፣ ምዕራፍ 6 ከምኡውን ኣብ ገጽ 12 ጸሎት ጐይታና ርአ።

1ብመሰረት እቲ ዳሕራዋይ ቃል፣ እቲ ትኽክለኛ ትርጉም፣ ህልው ጥራይ ዘይኰነ ዘልኣለማዊ እውን ኢዩ፣ ዶ ኣይምዀነን?