ምዕራፍ ዓሰርተ ሓሙሽተ

ሓይሊ ስሙር ጸሎት

“ክልተ ወይ ሰለስተ ኰይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ከኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ካባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሃቦም ኢዩ፡ ኢለ ከምብሓድሽ እብለኩም ኣሎኹ።” (ማቴ 19፡20-21)

ካብቶም ጐይታና ንጸሎት ኣመልኪቱ ዝመሃሮም ትምህርትታት ሓደ፡ ብሕቡእ ክንጽሊ ከምዘሎና ኢዩ። ኣብ ውሻጠ ገዛኹም እተዉ። ምስ ኣቦ በይንኹም ተራኸቡ። ኣብዚ፡ ትርጉም ጸሎት፡ ብውልቂ ምስ እግዚኣብሄር እንገብሮ ርክብ ምዃኑ ይምህረና ኣሎ። ሕጂ ድማ ካልኣይ ትምህርቲ ክህብ መጺኡ። ንሱ ድማ፡ ብውልቂ ተፈሊኹም ክትጽልዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብጋህዲ ብስምረት ክትጽልዩ ከምዝግባእ እውን ኢዩ። ክልተ፡ ወይ ሰለስተ ኰይንና ብምስምማዕ ኣብ እንልምነሉ ድማ፡ ሳላ ስምረት ጸሎትና፡ ፍሉይ ተስፋ ሂቡና።

ከምቲ ሓደ ገረብ ሱሩ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝሕባእን እቲ ጉንዱ ድማ ናብ ጸሓይ ገጹ ዝዓቢን፡ ከምኡ ድማ ጸሎት ብግቡእ ክዓቢ፡ ነፍሲ ብሕቡእ ምስ እግዚኣብሄር ክትራኸብን ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ማእከሎም ምዚገበሩ ብጋህዲ ክትሓብርን ይግባእ።

እቲ ምኽንያት ንጹር ኢዩ። ሓደ ሰብ ምስ ካልኦት ሰባት ዝጠምሮ ሓይሊ፡ ዳርጋ ከምቲ ምስ እግዚኣብሄር ዝጠምሮ ሓይሊ ኢዩ። ምስ ክልቴኦም ጥሙር ኢዩ። ጸጋ ምስ እግዚኣብሄር ዘሎና ርክብ ጥራይ ኣይኰነትን ትሕድስ። እኳ ደኣ ምስ ሰብ ዘሎና ርክብ እውን ትሕድስ ኢያ። “ኣቦይ” ከምኡውን “ኣቦና” ምባል ኢና ተማሂርና። ኣባላት ሓደ ስድራ-ቤት፡ ነቦኦም፡ ብፍቕሪ ሓቢሮም ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ኵል ግዜ ብውልቖም ጥራይ ተፈሊዮም ክረኽቡዎ ባህሪያዊ ተርእዮ ኣይኰነን።

ኣመንቲ፡ ኣባላት ሓደ ስድራ-ቤት ጥራይ ዘይኰኑ፡ እኳ ደኣ ኣባላት ሓደ ሰብነትውን ኢዮም። ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ኣካል’ቲ ሰብነት ነቲ ካልእ ዝደሊ፡ ከምኡውን ኣብቲ ሰብነት ዝነብር መንፈስ ብምልኣት ክዓዪይ ሕብረት ኵሎም ኣካላት ዝጠልብ፡ ክርስቲያናት ነንሓድሕዶም እንተ ዘይሓቢሮም፡ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ዝቐረበሎም በረኸት፡ ብምልኣት ክረኽቡዎ ኣይኽእሉን ኢዮም። እቲ መንፈስ፡ ብስምረትን ብሕብረትን ኣመንቲ ኢዩ፡ ብምሉእ ስልጣን ክዓዪይ ዝኽእል። እቲ መንፈስ፡ ሚእቲን ዕስራን ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪቦም ብሕብረት ኣብ ዝጽልዩሉ እዋን ኢዩ፡ ካብ ዝፋን እቲ ዝኸበረ ጐይታ ናብኦም ዝመጸ።

ምልክት ሓቀይና ስሙር ጸሎት፡ ኣብዞም ቃላት ጐይታና ተዋሂቡና ኢዩ። እቲ ቀዳማይ፡ ኣብቲ እንልምኖ ነገር ምስምማዕ ኢዩ። ብሓፈሻ ኣብቲ እቲ ካልእ ዝልምኖ ነገር ምስምማዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኵላትና እንሰማምዓሉ ነገር እውን ክኸውን ይግባእ። እቲ ስምምዕ ከምኵሎም ጸሎትታት ብሓቅን ብመንፈስን ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዚበለ ስምምዕ፡ እቲ እንልምኖ ነገር ብንጹር ክንፈልጦ የኽእለና። ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ንልምን ከምዘሎናን ነቲ ዝለመናዮ ከምእንወሃብን ክንእመን ከኣ ኢና።

እቲ ካልኣይ ምልክት፡ ብስም የሱስ ንእከብ ከምዘሎና ኢዩ። ስም የሱስ ዘለዎ ሓይሊ ድሒርና ክንመሃሮ ኢና። ኣብዚ፡ ጐይታና፡ እቲ ስም ማእከል ሕብረት ኣመንቲ ክኸውን ከምዘለዎ ይምህረና ኣሎ። ከምቲ ስድራ-ቤት ኵሉ ዝሓዘን ንዅሎም ዝጠመሮምን፡ እዚ ስምውን ንኣመንቲ ጠሚሩ ሓደ ጌሩዎም ኢዩ። “ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ ኢዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ።” ነቶም ነቲ ስም ብሓቂ ዘስተውዕልዎን ዝኣምኑዎን፡ ኣብኡ ምእካብ፡ ንሱ ባዕሉ ብኣካል ከምዝህልው ብርግጽ ይፈልጡ ኢዮም። ፍቕሪን ሕብረትን ደቀ መዛሙርቱ፡ ንየሱስ ፍጹም ይማርኾ ኢዩ። ስለዚ ከኣ፡ “ክልተ ወይ ሰለስተ ኰይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ከኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ።” በለ። ደቀ መዛሙርቲ ሓቢሮም ብፍቕሪ ኣብ ዝጽልዩሉ፡ እቲ ህያው ህላወ የሱስ ኢዩ፡ ንስሙር ጸሎት ሓይሊ ዝህቦ።

እቲ ሳልሳይ ምልክት፡ ርግጸኛነት መልሲ ኢዩ። “ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሃቦም ኢዩ።” እምነትና ክንዕቅብ፡ ወይ ገዛእ ርእስና ክንቕደስ ክንብል፡ ኣብ ማሕበር እንሓብሮ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ይህልዎ ይኸውን። ኣብዚ፡ መልእኽቲ እቲ መድሕን ግና ንሱ ኣይኰነን። ንሱ፡ ጸሎት ብፍሉይ መልሲ ከምዝረክብ ክሕብር ኢዩ፡ ገሊጹዎ። መልሲ ዘየድልዮ ጸሎት ክትገብር ኢልካ፡ ንጸሎት ምእካብ ዘይስሩዕ ተርእዮ ኢዩ።

ነፍሲ ወከፍና ገለ ነገር ኣብ እንደለየሉ፡ ግና እምነትና ምዚደክም፡ ካልኦት ክሕግዙና ንሓትት ኢና። ብእምነት፡ ብፍቕሪን ብመንፈስን ኣብ እንሓብረሉ፡ ሓይሊ እቲ ስምን ህላወ የሱስን ብሓርነት ይዓዪይ፡ እቲ መልሲውን ብርግጽ ከምዝመጽእ ንፈልጥ። ብሕብረት ናይ እንገብሮ ጸሎት ምልክት ከኣ፡ እቲ ውጽኢቱ ኢዩ። መልሲ ክንረክብ ኢና። ዝለመናዮ ክወሃበና ኢዩ። “ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሃቦም ኢዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።”

ስሙር ጸሎት ብልጭኡን ሓይሉን ክንደይ ዓቢይ ኢዩ። እቲ ኣማኒ ሰብኣይን እታ ኣማኒት ሰበይቱን፡ ምእንቲ ብስሙር ጸሎት፡ ህላውኡን ሓይሉን ከስተማቕሩ፡ ብስም የሱስ ከምዝተጠምሩ እንተ ዝፈልጡ (1 ጴጥ)። ኣዕሩኽ፡ ክልተ፡ ወይ ሰለስተ ኰይኖም ብስምረት ኣብ ዝጽልዩሉ፡ ነፍሲ ወከፎም ብምትሕግጋዝ ዝረኽቡዎ ነገር እንተ ዝእመኑ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ጸሎት ኣኼባ፡ እቲ ዕላማ፡ በቲ ስም ምእካብ፡ ኣብኡ ምህላዉ ከኣ ምእማን፡ ከምኡውን መልሲ ምጽባይ እንተ ዝኸውን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር ብሕብረት ዝፍጸም ውጽኢታዊ ጸሎት፡ ቀንዲ ምኽንያት ጥምረቶምን ሓይሎምን ምዃኑ እንተ ዝሕሰብ። ኣብ ዓለም ለኻዊት ማሕበር ክርስቶስ፡ እቲ ብሕብረት ብዘይ ምቑራጽ ናብ ኣምላኽ እንጽልዮ፡ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምምጻእ እቲ ንጉስ ባዕሉ፡ ማለት ፈለማ ብዋሕዚ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብምቕጻል ድማ ብኽቡር ሰብነቱ እንተ ዝኸውን። ዎ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተስፍኡ ክምልእ ዝጽበዩ፡ ንዕኦምን ብዕኦምን ክንድ ምንታይ ብዙሕ በረኸት ምመጸ ነይሩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብስምረት ዝግበር ጸሎት ዘለዎ ስልጣን ይኣምን ከምዝነበረ ብንጹር ንርኢ። ናብ ሰብ ሮሜ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ብምባል ጸሓፈ (15፡30)፡ “ኣሕዋተየ፡ ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንቲ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም ኣሎኹ።” ካብ ጸላእቱ ክድሕንን ኣብ ኣገልግሎቱ ክነጥፍን ጸሎቶም ደለየ።

ናብ ሰብ ቈረንቶስ (2 ቈረ 1፡11)፡ “ንስኻትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና ኣሎኹም።” ጸሎቶም ምእንቲ ኣብ ድሕነቱ ተሳተፍቲ ክዀኑ ነበረ። ናብ ሰብ ኤፌሶን ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ብምባል ጸሓፈ፡ “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵል ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብዅሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ኵሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ። ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪወሃበኒ።” ሓይሊን ዓወትን ኣገልግሎቱ፡ ኣብ ጸሎቶም ከምዝምርኰስ ገለጸ።

ናብ ሰብ ፊሊጲ (1፡19)፡ ጸበባኡ ምኽኒት ድሕነቱን ምድንፋዕ ወንጌልን ከምዝኸውን ገመተ፡ “እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን።” ናብ ሰብ ቈሎሴ (4፡3)፡ ጸሎት ከዘውትሩ ወሲኹ ገለጸ፡ “ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ኪኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ።” ከምኡውን ናብ ሰብ ተሰሎንቄ (2 ተሰ 3፡1)፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ብምባል ጸሓፈ፡ “ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና እቲ ቃል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዚዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኪጐይን ኪኸብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና።” ጳውሎስ፡ ኣብ ኵሉ ኣባል’ቲ ሰብነት ምዃኑ ይገልጽ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ደገፎም ድማ ይውከል ነበረ። ሳላ እዘን ማሕበራት፡ ዓወት ከምዝረኸበ ድማ ይገልጽ ነበረ። ንዕኡ ጸሎት ማሕበር፡ ከምመጠን ሓይሊ እግዚኣብሄር፡ ነገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ ረቓሒ ነበረ።

እታ ማሕበር፡ ምእንቲ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽን ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱን ቃሉን ክህልውን፤ ከምኡውን ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ነፍሳት ክድሕኑ ክትብል ለይቲን መዓልቲን እንተ ትጽሊ፡ ክንድ ምንታይ ልዑል ሓይሊ ከምእትረክብ መን ክግምት ይኽእል? መብዛሕተን ማሕበራት፡ ኣባላተን ነንሓድሕደን ክተሓጋገዛን ክተሃናነጻን ጥራይ ከምዝእከቡ ይሓስባ። እግዚኣብሄር፡ ብመገዲ ጸሎት ቅዱሳኑ ንምድሪ የመሓድራ ከምዘሎ ኣይፈልጣን ኢየን። በቲ ጸሎት ሰይጣን ይሰዓር። ሳላ ጸሎት እታ ማሕበር፡ እታ ሰማያዊት ዓለም ሓይሊ ትረክብ። የሱስ፡ ብቓል ተስፍኡ፦ ነፍሲ ወከፍ ማሕበር፡ ኣፍ ደገ መንግስተ ሰማያት ከምዝዀነ፡ ህላውኡ ዝጋሃደሉን ኣቦ ድሌቶም ከማልእ ሓይሉ ዝፍጸመሉን ስፍራ ምዃኑ ከምዝሓበረ ኣይዝክራን ኢየን።

ኣምላኽ፡ ኣብ ግዜና፡ ኣብ ዓመት ሓንሳዕ፡ ኣብ ምድረ ክርስቲያን ብሓባር እንጽልየሉ ብሩኽ ሰሙን ስለ ዝሃበና፡ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና። ስሙር ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ፡ ብሕብረትን ብእምነትን እነረጋግጸሉ ኢዩ። ምእንቲ ኵሉ ድሌት ዓለም ለኻዊት ማሕበር ክንምልእ፡ ልብና ክገፍሕ እንለማመደሉ ስፍራ ኢዩ። ልዑል ዋጋ ዘለዎ፡ መሐየሊ ጽኑዕ ጸሎት ኢዩ። ግና ብፍላይ ናእሽቱ ናይ ጸሎት ጉጅለታት ዘተባብዕ ብምዃኑ በረኸቱ ዓቢይ ኢዩ። ህዝበ እግዚኣብሄር፡ ብስም የሱስ ምእካብን ህላውኡ ኣብ ማእከል እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዝሓበሩ ኣባላት ሰብነት ምህላውን ከምኡውን ተሰማሚዖም ዝለመኑዎ ኣቦ ይፍጽሞ ኢዩ፡ ዚብል ተስፋ ብትብዓት ምሓዝ ማለት እንታይ ምዃኑ እንተ ዝርድኡ፡ በረኸቱ ኣዚዩ ምዓዘዘ ነይሩ።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና”

ብሩኽ ጐይታ! ኣብ ሊቀ ካህናዊ ጸሎትካ ምእንቲ ሕብረት ህዝብኻ ብዕቱብ ትልምን፡ ንስሙር ጸሎት ብሉጽ ተስፋኻ ብምሃብ፡ ናብዚ ክቡር ሕብረት ክንመጽእ ብኸመይ ከምዝዓደምካናን ሓደራ ከምዝበልካንን ክንፈልጥ ምሃረና። ብፍቕሪን ብድሌትን ሓደ ምስ እንኸውን ኢዩ፡ እምነትና ህላወኻ ትርኢን ኣቦ መልሲ ዝህብን።

ዎ ኣቦ! ምእንቲ ኵሎም ህዝብኻ፡ ከምኡውን እቶም ብናእሽቱ ጉጅለታት ዝእከቡ ኣመንቲ ሓደ ክዀኑ ንጽሊ። ነቶም ንሓድነት ዝዕንቅፉ፡ ገዛእ ርእስኻ ምፍታውን ስሰዐን፡ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ፍልልይን፡ ክተልግሶም ንጽሊ። ሓይሊ ተስፋኻ ዘድክሙ፡ መንፈስ ዓለምን ስጋን ገኒህካ ኣውጽኣዮም። ዎ ህላወኻን ናይ ኣቦነት መጐስካን ነንሓድሕድና ክንቐራረብ ይግበሩና።

ብሩኽ ጐይታ፡ ብፍላይ ማሕበርካ፡ ብስልጣን ስሙር ጸሎት፦ ኣብ ሰማይ ዘሎ ክትኣስርን ክትፈትሕን ከምእትኽእል፡ ሰይጣን ከምእተውጽእ፡ ነፍሳት ከምእተድሕን፡ ኣኽራናት ከምእተልግስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከምእትቐላጥፍ፡ ክትእመን ግበራ። ሰናይ ጐይታ! ጸሎት እታ ማሕበር፡ ኣብ ማእከል እቲ ዝጽልየሉ ጉጅለ፡ ስምካን ቃልካን ዝኸብረሉ ሓይሊ ይኹን። ኣሜን።