ምዕራፍ ዓሰርተ ትሽዓተ

ሓይሊ ንምጽላይን ንምግባርን

“ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፣ እቲ ብዓይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከምዝገብር፣ ካብኡ ዝዓቢውን ከምዚገብር፣ ብሓቂ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ክኸብርሲ፣ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ክገብረልኩም እየ።” (ዮሃንስ 14፣12-13)

እቲ መድሕን ምስ ደቀ መዛሙርቱ፣ ኣብቲ ከረን ደይቡ ብጋህዲ ብምስባኽ ኣገልግሎቱ ጀመረ። ብመሰረት ሃዋርያ ዮሃንስ ዘጽንሓልና መሰናበቲ መደረ ድማ፣ ኣገልግሎቱ ዛዘመ። ኣብ ክልቲኡ እዋን፣ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ፣ ንጸሎት ኣመልኪቱ ተዛሪቡ ኢዩ። ግና እቲ መልእኽቲ ፍልልይ ኔሩዎ ኢዩ።

ኣብ ከረን ደይቡ ኣብ ዝሰበኾ ስብከት፣ ነቶም ገና ሽዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝኣተዉ፣ እግዚኣብሄር ኣቦኦም ምዃኑ ብግቡእ ዘይተረድኡ፣ ከምኡዉን ጸሎቶም ብኣውርኡ ኣብ ውልቃዊ ድሌቶም ናብ ዘተኰረ፣ ደቀ መዛሙርቲ ኢዩ ጌሩዎ። ኣብ መዕጸዊ መደርኡ ግና፣ ነቶም እዋን ትምህርቶም ክዛዝሙ ዝቐራረቡ ዘለዉ፣ ከምልኡኻቱ ድማ፣ ቦታኡን ግብሩን ክትክኡ ቅሩባት ናብ ዚዀኑ፣ ደቀ መዛሙርቲ ኢዩ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቀዳማይ፣ እቲ ቀንዲ ትምህርቲ፣ ህጻናት ምሰሉ፣ ብእምነት ጸልዩ፣ ከምኡውን ኣቦኹም ኵሉ ጽቡቕ ህያብ ከምዝህበኩም ተኣመኑ፣ ዚብል ነበረ። ኣብዚ ግና፣ ካብኡ ዝልዕል ነገር ይሕብር ኣሎ። ሕጂ ኣዕሩኽ ስለ ዚዀኑ፣ ኵሉ’ቲ ካብ ኣቦኡ ዝሰምዖ ኣፍሊጥዎም ኢዩ። ልኡኻቱ ስለ ዝዀኑ፣ ኣብ መደባቱ እትዋት ኢዮም። ግብሩን ኣብ ምድሪ ዘሎ መንግስቱን፣ ምእንቲ ብግቡእ ክከናኸኑ፣ ኣብ ኢዶም ብሓደራ ተዋሂቡዎም ኢዩ። ግብሩ ክፍጽሙ ክዋፈሩ ኢዮም። ብመገዲ እቲ ንሱ ዝኸበረሉ ሓይሊ፣ ካብኡ ዝዓቢ ግብሪ ክገብሩ ኢዮም። ጸሎት፣ ነቲ ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ዘድልዮም ሓይሊ ዝረኽቡሉ መገዲ ኢዩ። ክርስቶስ ናብ ኣቦኡ ስለ ዝዓረገ፣ ምእንቲ ግብሮምን ጸሎቶምን፣ ብሓባር ክፍጽሙ፣ ሓድሽ መዋእል ተኸፊቱሎም ኢዩ።

እዚ ርክብ፣ ብኸመይ ብንጹር ኣብ’ቲ ቀንዲ ጽሑፍና ከምእተገለጸ ንተዓዘብ። ከምቲ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰብነቱ፣ ከምኡውን ከምቲ ኣብ ሰማይ ምስኡ ሓደ ዝዀኑ፣ ካብቲ ንሱ ዝገበሮ ዝዓቢ ግብሪ ክፍጽሙ ኢዮም። ዲሎምን ዓወቶምን፣ ካብቲ ናቱ ክዓቢ ኢዩ። ንሱ፣ እዚ፣ ብሰንኪ ክልተ ምኽንያት ምዃኑ ሓበረ። እቲ ሓደ፣ ንሱ ናብ ኣቦ ከይዱ፣ ኵሉ ሓይሊ ስለ ዝቕበል ኢዩ። እቲ ካልእ፣ ብምኽንያት ኵሉ ብስሙ ስለ ዝልምኑን ስለ ዝጽበዩን ኢዩ። “ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፣ -- ነዚ ተዓዘቡ እሞ -- እሞ፣ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ክገብረልኩም እየ።” ሳላ ናብ ኣቦ ምኻዱ፣ ዕጽፊ በረኸት ኣምጺኡ። ኵሉ ብስሙ ዝልምንዎ ክወሃቦም ኢዩ። ከምሳዕቤን እውን፣ ዝዓበየ ግብሪ ክገብሩ ኢዮም። መድሕንና፣ ኣብ ዝገበሮ ናይ መሰናበቲ መደረ ዝጠቐሶ ጸሎት፣ ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ይምህረና። እቲ ግብሪ የሱስ ዝገብር፣ ብስሙ ክጽሊ ይግባእ። እቲ ብስሙ ዝጽልይ፣ ብስሙ ክገብር ይግባእ።

እቲ ዝገብር ክጽሊ ይግባእ። ኣብ ጸሎት ኢዩ፣ ሓይሊ ግብሪ ዝርከብ። እቲ ብእምነት የሱስ ዝገበሮ ዝገብር፣ ብስሙ ክጽሊ ይግባእ። የሱስ፣ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ፣ ንሱ ባዕሉ ዓበይቲ ግብርታት ገይሩ ኢዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ከውጽእዎም ዘይከኣሉ ኣጋንንቲ፣ ብቓሉ ሃዲሞም ኢዮም። ናብ ኣቦ ኣብ ዝኸደሉ፣ ብኣካል ኣብዚ ስለ ዘየልቦ፣ ብቐጥታ ኣይገብርን ኢዩ።

ሕጂ ሰብነቱ ደቀ መዛሙርቲ ኢዮም። ኵሉ ኣብ ዝፋን ኰይኑ ዝፍጽሞ ግብሪ፣ ኣብ ምድሪ ብመገዶም ክፍጸም ኣለዎ። ምናልባት ንሱ ካብ ትርኢት ስለ ዘልገሰን ብመገዲ ወከልቱ ጥራይ ስለ ዝገብርን፣ እቲ ግብሪ ሒደትን ድኹምን ኢዩ፣ ኢሉ ዝሓስብ ኣይሰኣንን ኢዩ። ንሱ ግና፣ ካብዚ ኣዚዩ ዝተፈለየ መረጋገጺ ኢዩ፣ ሂቡና፣ “እቲ ብዓይ ዚኣምን፣ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከምዝገብር፣ ካብኡ ዝዓቢውን ከምዚገብር፣ ብሓቂ፣ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።”

ሳላ እዋን ሞቱ ምቕራቡ፣ ብሓቂ ሓይሊ ሓጢኣት ይፈርስን የብቕዕን ነበረ። ሳላ ትንሳኤ ምውታት፣ ሓይልታት ዘልኣለማዊ ህይወት፣ ብሓቂ ንሰብነት ሰብ ክቈጻጸሩን ኣብ ህይወት ሰብ ልዕልና ክረኽቡን ኢዮም። ብዕርገቱ፣ ነቶም ናቱ ብምልኣት ምስ መንፈስ ቅዱስ ክራኸቡ ዘኽእሎም ሓይሊ ክቕበል ኢዩ። ንሱ ኣብ ዝፋኑ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ምድሪ፣ ብዕሙቐትን ብመለኾታዊ ምልኣትን፣ ከምሓደ ክሓብሩ ኢዮም። ስለዚውን ኣብኡ ከሎ ከምሓቂ ኢዩ፣ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ዚበለ፣ “ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፣ ካብኡ ዝዓቢውን ይገብር።” ከምኡውን እቲ ጉዳይ ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። የሱስ፣ ብውልቁ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝዓይየሉ፣ ከባቢ ሓሙሽተ ሚእቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቡ። መብዛሕቶም ድማ፣ ነቲ ናቱ ተልእኾ ክፍጽሙ ድኹማት ነበሩ። ጴጥሮስን ጳውሎስን፣ ዚኣመሰሉ ሰባት፣ ካብኡ ዝዓቢ ግብሪ ክገብሩ ተዋህቦም። ኣብ እዋን ውርደቱ ዘይገበሮ፣ ካብ ዝፋኑ ብመገዶም ክገብሮ ከኣለ።

ግና ሓደ ቅድመ ኵነት ኣሎ። “ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፣ እቲ ብዓይ ዚኣምን ካብኡ ዝዓቢውን ከምዚገብር፣ ከምኡውን ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ክገብረልኩም እየ።” ናብ ኣቦ ብምኻዱ፣ ጸሎት ክሰምዕ፣ ሓድሽ ሓይሊ ረኸበ። ዓበይቲ ግብርታት ንምግባር፣ ክልተ ነገራት የድሊ። ንሳቶም ድማ፦ ምእንቲ ኵሉ ሓይሊ ክቕበል ናብ ኣቦ ምዃድ፤ ከምኡውን ምእንቲ ኵሉ ሓይሊ ክንረክብ፣ ብስሙ ምጽላይ ኢዮም። ንሱ፣ ነቦ ኣብ ዝልምነሉ እዋን፣ ምእንቲ ንሕና ዓቢይ ግብሪ ክንፍጽም፣ ነቲ ናይ ሓድሽ እዋን ትዕድልቲ ተቐቢሉ ይህበና። ብእምነት ብስሙ ኣብ እንልምነሉ፣ እቲ ሓይሊ፣ ዓቢይ ግብሪ ክፍጽም፣ ናባና ይመጽእን ይቈጻጸረናን ኢዩ።

ዋይ ኣነ! ኣብ ግብሪ ኣምላኽ፣ ይትረፍዶ እቲ ዓቢይ ግብሪ፣ ዋላውን ሒደት፣ ወይ ፈጺሙ ግብሪ ክርስቶስ ዘይርኣየሉ፣ ክንደይ ግብርታት ኣሎ። እቲ ምኽንያት ካብዚ ስዒቡ ዘሎ ኣይሓልፍን ኢዩ። ንሱ ድማ፣ ብዕኡ ምእማንን ብስሙ ብእምነት ምጽላይን፣ ስለ ዝጐደለ ኢዩ። ዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊን መራሒ ቤተ-ክርስቲያንን፣ ወይ ቤት ትምህርቲ፤ ኣብ ከባቢና ኣብ ግብረ ሰናይ፣ ወይ ኣብ ወጻኢ ኣብ ተልእኾታት፣ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ትምህርቲ እንተ ዝመሃሮ? ንሱ ድማ፣ ብስም የሱስ ምጽላይ፣ የሱስ፣ ካብ ኣቦኡ፣ ምእንቲ ህዝቡ ዝተቐበሎ ሓይሊ፣ ብጽሒትካ ንምውሳድ መገዲ ኢዩ። ከምኡውን፣ በዚ ሓይሊ ጥራይ ኢዩ፣ እቲ ዝኣመነ ዓበይቲ ግብርታት ክፍጽም ዝኽእል።

የሱስ፣ ንድኽመት፣ ወይ ንዘይብቕዓት፤ ንጸገማት፣ ወይ ንጉድለት ዓወት፤ ኣመልኪቱ ንዝቐርብ ነፍሲ ወከፍ መረረ፣ ነዚ ስዒቡ ዘሎ መልሲ ሂቡ ኢዩ፦ “ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፣ እቲ ብዓይ ዚኣምን ዓቢይ ግብሪ ከምዚገብር፣ ከምኡውን ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ክገብረልኩም እየ።” ኣብዚ ቀዳማይን ቀንዲን፣ ክንርድኦ ዘሎና ነገር፣ ነፍሲ ወከፍ ግብሪ የሱስ ዝገብር፣ ብኣምላኽ ክእመንን ምስኡ ክለግብን ከምዘለዎን፣ ብስሙ ድማ፣ ብእምነት ጸሎት ክገብር ከምዝግባእን ኢዩ። ብዘይ’ዚ፣ ግብርና ሰባዊን ስጋዊን ጥራይ ይኸውን። እዚ፣ ሓጢኣት ይገትእ ይኸውን። ወይ ምእንቲ በረኸት ክመጽእ መገዲ ይጸርግ ይኸውን። እቲ ሓቀይና ሓይሊ ግና ይጐድሎ ኢዩ።

ውጽኢታዊ ግብሪ፣ ፈለማ ውጽኢታዊ ጸሎት የድልዮ ኢዩ።

ሕጂ ድማ፣ ነቲ ካልኣይ ትምህርቲ ክንርኢ ኢና። ንሱ ድማ፣ እቲ ዝጽሊ ክገብር ኣለዎ፣ ዚብል ኢዩ። ኣብ ጸሎት ዝተዋህበ ተስፋ፣ ምእንቲ ብሓይሊ ንምግባር ኢዩ። ብእምነት ምጽላይ፣ ሓይሊ ዝረክብ፣ ብምግባር ኢዩ። እቲ ብሩኽ ጐይታና፣ ኣብ ዝገበሮ ናይ መሰናበቲ መደረ፣ ካብ ሽዱሽተ ግዜ ዘይውሕድ፣ (ዮሃንስ 14፣13-14፤ ዮሃንስ 15፣7-16፤ ዮሃንስ 16፣23-24) ነቶም መወዳእታ ዘይብሎምን ደጋጊምና እንታይነቶም እንሓቶምን፣ ተስፋታት ጸሎት ደገሞም፦ “ዘበለ ኵሉ፣” “ገለ፣” “ዘበለ፣” “ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።”

እቲ ኣማኒ፣ ክንደይ ግዜ ኢዩ፣ ነዚ ብሓጐስን ብተስፋን ዘንበበ፣ ከምኡውን ምእንቲ ናቱ ክኸውን ብልቢ ክልምን ዝበሃገ። ግና ድሌቱ ዘይረኸበ። እቲ ምኽንያት ከኣ ቀሊል ኢዩ። ነቲ ዝተወሃበ ተስፋ፣ ካብ ዙርያኡ ኣልጊሱዎ ኢዩ። ጐይታ፣ ግብርታቱ ምስ ምግባር ብዝተኣሳሰር፣ ስሙ ምስ ኣቦ ክንጥቀመሉ፣ ብናጻ ሂቡ ኢዩ። ነቲ ንግብሪ የሱስን ንመንግስቱን፣ ንፍቓዱን ንኽብሩን፣ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ደቀ መዝሙር ኢዩ፣ እቲ ነቲ ተስፋ ዝምልእ ሓይሊ ዝወሃብ። እቲ ፍሉይ ነገር ኣብ ዝደልየሉ እዋን ጥራይ፣ ነቲ ተስፋ ብታሕጓስ ጨቢጡ ክሕዝ ዝህቅን ግና፣ ኣይክሰልጦን ኢዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፣ ንየሱስ ንገዛእ ምቾቱ ክብል፣ ኣገልጋሊኡ ክገብሮ ስለ ዝፈተነ ኢዩ። ግና ነቲ ብእምነት ውጽኢታዊ ጸሎት ክገብር ዝደሊ፣ ምእንቲ ዕዮ ጐይታኡ ክብል ስለ ዝደለዮ፣ ምእንቲ ብግቡእ ክለማመዶ ክወሃቦ ኢዩ። ገዛእ ርእሱ ንረብሓ ጐይታኡ ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ ክወሃቦ ኢዩ። ጸሎት ጥራይ ኣይኰነን፣ ግብሪ ንምፍጻም ዝምህርን ዘሐይልን፤ እኳ ደኣ ግብሪ እውን፣ ምጽላይ ይምህርን የሐይልን ኢዩ።

እዚ፣ ኣብ ባህሪያዊ ይኹን፣ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ምስ ዘሎ ነገር ይሳነ ኢዩ። እምበኣርከ ንዘለዎ ኪወሃቦ ኢዩ። ወይ ብሒደት እሙን ዝዀነ፣ ብብዙሕ ድማ እሙን ኢዩ። ገዛእ ርእስና፣ በታ ድሮ ዝተረከብናያ ንእሽቶ ጸጋ፣ ንግብሪ ጐይታ ኣሕሊፍና ንሃብ። ግብሪ፣ ሓቀይና ቤት ትምህርቲ ጸሎት ክዀነና ኢዩ።

ሙሴ፣ ናይቶም ዓመጸኛታት ህዝቢ፣ ምሉእ ሓላፍነት ምስ ተሸከመ ኢዩ፣ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ዕዮ ዝተረድአ። ከምኡውን ንእግዚኣብሄር ብትብዓት ዝተዛረቦ፣ ዓበይቲ ነገራት ድማ ዝለመኖ። (ዘጸ 33፣12-18) ገዛእ ርእስኹም ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣሕሊፍኩም ምስ እትህቡ፣ ካብዞም ዝተወሃቡ ተስፋታት ዝውሕድ ኣይትደልዩን ኢኹም። ካብኡ ዝውሕድ እውን ኣይትጽበዩን ኢኹም።

ኣማኒ የሱስ! ግብሪ የሱስ ክትገብሩ፣ ካብኡ ዝዓቢውን ክትገብሩ፣ ተጸዊዕኩም ኢኹም፣ ተሸይምኩም ኢኹም፣ ምኽንያቱ ንሱ፣ ምእንቲ ናይ ምግባር ሓይሊ ክቕበልን ብመገድኹም ክገብርን፣ ናብ ኣቦ ከይዱ ኢዩ።

ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኵሉ ክገብረልኩም እየ። ገዛእ ርእስኹም ሃቡ፣ ከምኡውን ግብሪ የሱስ ክትገብሩ ንበሩ። እሞ፣ ምእንቲ ኣገራሚ መልሲ ጸሎት ክትረኽቡ፣ ምጽላይ ክትመሃሩ ኢኹም። ገዛእ ርእስኹም ሃቡ፣ ክትጽልዩ ንበሩ። እሞ፣ ንሱ ዝገበሮ ግብሪን ካብኡ ዝዓቢ ግብሪን፣ ምግባር ክትመሃሩ ኢኹም።

ርእሰ ተኣማንነትን ብጸሎት ዓበይቲ ነገራት ክልምን ትብዓትን ብዘለዎ ደቀ መዝሙር፣ ክርስቶስ ንዓለም ክገዝኣ ኢዩ።

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ዎ ጐይታይ! እንደገና ሎም መዓልቲ እውን፣ ክርድኦም ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ዚዀኑ ቃላት ሰማዕኩ። እቲ ነገር ከምዝተረድኣኒ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ልክዕ ከምሓደ ህጻን፣ ካባኻ ዝተወሃበኒ ህያብ ምዃኑ ተኣሚነ ክቕበሎን ክዕቅቦን እየ። ንስኻ ሳላ ናብ ኣቦ ዝኸድካ፣ እቲ ብዓኻ ዚኣምን፣ ነቲ ንስኻ ዝገብርካዮ ግብርታት ከምዝገብር፣ ካብኡ ዝዓቢውን ከምዚገብር፣ ገሊጽካ ኢኻ። ጐይታ! ክቡር ብምዃንካ ከምልኸካ እየ። ከምኡውን ተስፋኻ ክፍጸም ክጽበ እየ። ብምሉኡ ህይወተይ፣ ብቐጻሊ ብዓኻ ምእማን ይኹን። ስለዚ፣ ልበይ፣ ምእንቲ ብዓኻ ምእማን፣ ቀንዲ ትንፋስ ህይወቱ ክኸውን፣ ኣጽርዮን ቐድሶን። ብዓኻን ብፍቕርኻን ብቐሊሉ ከምዝጽለው ከኣ ግበሮ።

ሳላ ናብ ኣቦኻ ዝኸደካ፣ ዝለመናዮ ኵሉ ከምእትገብረልና ሓቢርካ። ብስምካ ስለ ዝጸለዩ፣ ካብ ዝፋን ስልጣንካ፣ ካብቲ ዝተወሃብካዮ ሓይሊ፣ ንህዝብኻ ተማቐልቲ ትገብሮም፣ ኣካላት ሰብነትካ ስለ ዝዀኑ ድማ፣ ብመገዶም ትገብር ኢኻ። ንዓይን ንህዝብኻን፣ ምሳኻ ምጽላይ ዘለዎ ሓይሊን ምሳኻ ምግባር ዘለዎ ሓይሊን፣ ኣተስፊኻና ኢኻ።

ብሩኽ ጐይታ! ነቶም ንዓኻን ንተስፋኻን፣ ከምኡውን ተስፋኻ ክትምልእ እሙን ምዃንካ፣ ሒደት ዝተኣመና ይቕረ በለና። ነቲ ኣብ ምድሪ፣ ወይ ኣብ ሰማይ፣ ልዕሊ ኵሉ ዚዀነ ስምካ፣ ግቡእ ክብሪ ስለ ዘይሃብና ይቕረ በለና።

ጐይታ! ስምካ ምስ እግዚኣብሄር፣ ምስ ሰብን ምስ ኣጋንንቲን፣ ኵሉ ከምዝከኣሎ ከረጋግጽ ክኽእል ምጽላይ ምሃረኒ። እወ፣ ምእንቲ ንስኻ ከምኵሉ ዝኽእል ኣባይ ክትኸብር፣ ከምኡውን ብመገደይ ዓቢይ ግብርኻ ክትገብር፣ ምግባርን ምጽላይን ምሃረኒ። ኣሜን።