ምዕራፍ ዓሰርተ ኣርባዕተ

ጸሎትን ፍቕሪን

“ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ከሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ።” (ማርቆስ 11፡ 25)

እዚ ቃል ደድሕሪ እቲ ዓቢይ ተስፋ ጸሎት ይስዕብ። ንሱ ድማ፡ “ስለዚ፡ እትጽልይዎ ዘበለ ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም ኢዩ።” ዚብል ኢዩ። ቀቅድሚ እቲ ተስፋ ዝመጽእ ቃላት፡ ማለት “ብኣምላኽ እመኑ፡” ዚብል፡ ጸሎት፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ዘሎና ንጹር ርክብ ዝምርኰስ ምዃኑ ከምዝምህረና ርኢና ኢና። እዚ ስዒቡ ዝተጠቕሰ ቃል፡ ምስ ከማና ካልኦት ሰባት ዘሎና ርክብ እውን፡ ናይ ግድን ግሉጽ ክኸውን ከምዘለዎ የዘኻኽረና። ንእግዚኣብሄር ዘሎና ፍቕሪን ንጐረቤትና ዘሎና ፍቕሪን ኣይፈላለዩን ኢዮም። እቲ ብልቢ እንገብሮ ጸሎት፡ ምስ እግዚኣብሄር ብሓደ ሸነኽ፡ ወይ ምስ ሰባት በቲ ካልእ፡ ቅኑዕ እንተ ዘይኰኑ ኣየዕውትን ኢዩ። እምነትን ፍቕሪን ነንሓድሕዶም ይደጋገፉ ኢዮም።

እዚ ከኣ ጐይታና ኣዘውቲሩ ዝገልጾ ሓሳብ ምዃኑ ንርዳእ። ኣብ ከረን ደይቡ ኣብ ዝገበሮ ስብከት (ማቴ 5፡23-24)፡ ብዛዕባ እታ ሻዱሸይቲ ትእዛዝ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፡ ምስ ሓውና ዘሎና ርክብ ቅኑዕ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናብ ኣቦ እንገብሮ ኣምልኾ ተቐባልነት ከምዘይብሉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ምሂሩዎም። እቲ ቃል፡ “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውኻ ሓዚኑልካ ምህላዉ ከኣ ኣብኡ እንተ ሓሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስቲ ሓውኻ ተዓረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።” ይብል። ከምኡ ከኣ ጸኒሑ፡ ብዛዕባ ናብ እግዚኣብሄር እንገብሮ ጸሎት ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፡ “ንሕና ንዝበደሉና ከምዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና፡” ብምባል ምጽላይ መሃረና። ኣብ መዕጸዊ እቲ ጸሎት ከኣ፤ “ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓደግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምን ኢዩ።” ብምባል ወሰኸሉ።

ብዛዕባ እቲ ጨካን ኣገልጋሊ ኣመልኪቱ ኣብ ዝመሃሮ ምሳሌኣዊ ትምህርቲ፡ ኣብ መወዳእታ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ኢሉ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም ኢዩ።” ከምኡ ከኣ ኣብዚ፡ ብጀካ እታ ዝነቐጸት ኦም በለስ፡ ማለት ብዛዕባ እምነት ዘለዎ ኣደናቒ ሓይሊን ብእምነት እንገብሮ ጸሎትን ኣመልኪቱ ዝተዛርቦ፡ ኵሉ ብሓደ ጠሚሩ፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ብምባል ምሃረ፡ “ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ከሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኪሓድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ።” እዚ፡ ጐይታ፡ ኣብ ናዝሬት ኣብ ዝነበረሉን ድሒሩን፡ ካብ ዘጓነፎ ተመክሮ ዝረኸቦ ትምህርቲ ይመስል። ንሱ ድማ፡ ደቂ ሰባት ኣፍቅር፡ ዚብል ትእዛዝ ምፍራስ፡ ነቶም ጸሎት ዝገብሩ ከይተረፈ፡ ዓቢይ ሓጢኣትን ቀንዲ ጠንቂ ድኽመት ጸሎቶምን ምዃኑ ኢዩ። ናብ ናቱ ብሩኽ ተመክሮ ክመርሓና ዝደለየውን ይመስል። ንሱ ድማ፡ ነቶም እግዚኣብሄር ዘፍቅሮም፡ ኣብ እነፍቅረሉን እንርሕርሓሎምን፡ ከምድሌትና ብሓርነት ንዕኡ ንረኽቦን ክንእመን ሓይሊ ንረክብን ምዃንና ኢዩ።

ኣብዚ እንመሃሮ ቀዳማይ ትምህርቲ፡ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ እዩ። ንሕና ከምዚ ስዒቡ ብምባል ንጽሊ፡ “ከምቲ ንሕና ይቕረ ከምእንብል፡ ይቕረ በለልና።” ቃል ኣምላኽ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ይብል፡ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ይቕረ ተባሃሃሉ።”

ከምቲ እግዚኣብሄር ብምልኣትን ብዘይ ክፍሊትን ይቕረ ዝበለና፡ ንሕናውን ንኻልኦት ሰባት ከምኡ ይቕረ ክንብል፡ መምርሒ ህይወትና ክኸውን ይግባእ። እንተዘየሎ ግና፡ እቲ እናወላወልና፡ ፍርቃ-ፍርቂ ይቕረ እንብሎ፡ ብጭራሽ ይቕረ ምባል ኣይኰነን። እግዚኣብሄር እውን ብተመሳሳሊ ክፈርደና ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ እንፍጽሞ ጸሎት፡ ኣብ ጸጋ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ዘሎና እምነት ይምርኰስ። እግዚኣብሄር ሓጢኣትና እንተ ዝዝክር፡ ሓደ ጸሎት እኳ ኣይምተሰምዐን ነይሩ።

ምሕረት ኵሉ ማዕጾ ፍቕሪን በረኸትን ኣምላኽ ይኸፍት። እግዚኣብሄር ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ ስለ ዚበለ፡ ጸሎትና ንዅሉ ድሌትና ከስልጥ ይኽእል። ፍቕራዊ ምሕረት ኣምላኽ፡ ጸሎትና መልሲ ከምዝረክብ፡ ዓሚቕ ርግጸኛ መሰረት ኢዩ። ፍቕራዊ ምሕረቱ ንልብና ምዚውንኖ፡ ብእምነት ክንጽሊ ንኽእል። ከምኡውን፡ ንሱ ንልቢ ክውንኖ ከሎ፡ ንሕና ብፍቕሪ ክንነብር ንኽእል። ባህሪ ምሕረት ኣምላኽ፡ ብፍቕሩ ክገለጸልና ከሎ፡ ናትና ባህሪ ይኸውን። ሓይሊ’ቲ ፍቕራዊ ምሕረቱ፡ ኣባና ኣብ ዝውሕዘሉን ኣብ ዝነብረሉን፡ ከምቲ ንሱ ይቕረ ዚበሎ፡ ንሕናውን ይቕረ ክንብል ንኽእል።

ዋላውን ዓቢን ዝኸፍአን ጉድኣት፡ ወይ በደል እንተ ወረደና፡ ፈለማ ባህሪ ኣምላኽ ክንላበስ ክንብህግ ይግባእ። እዚ ካብ ክብረይ ተተንኪፉ ዚብል ኣተሓሳስባ፡ ንዓይውን ይግባኣኒ ኢዩ፡ ካብ ምባል፡ ወይ ነቲ ዝበደለና ህነ ክንፈዲ ካብ ምህቃን፡ ክንርሕቕ ይሕግዘና። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ዘጓንፈና ናእሽቱ ዘይምቹእ ኩነታት፡ ቀልጢፍና ንቍጣዕ፡ ጐዳኢ ቃል ንዛረብ፡ ወይ ቀልጢፍና ንፈርድ ምዃንና፡ ንኽፋእ ከምዘይኰነን ኣብ ልብና ንነዊሕ እዋን ከምዘይንዓቑሮን ብምግላጽ ክነእምን ንፍትን። ወይውን ሰብ ብባህሪኡ ድኹም ስለ ዚዀነ፡ ከምቲ እግዚኣብሄርን ክርስቶስን ይቕረ ዚብልዎ፡ ንሕና ይቕረ ክንብል ከምዘይንኽእል ኣመኻኒና ንገልጽ። ኣይፋል፡ ነቲ ትእዛዝ ኣብኡ ከሎ ደኣ ንቐበሎ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።”

እቲ ካብ ምውት ግብሪ ንሕልናና ዘጽረየ ደም፡ ካብ ነፍሰ ፍትወት እውን የጽርየና ኢዩ። እቲ ፍቕሪ ናይ ምሕረት ፍቕሪ ኢዩ። ናባና ኣቲዩ ናብ ካልኦት ዝሓልፍ ድማ ኢዩ። ንኻልኦት ሰባት ብፍቕሪ ምሕረት ኣብ እንገብረሉ፡ መሓሪ ዚዀነ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣባና ከምዘሎ ነረጋግጽ ኣሎና። ከምኡውን ቅድመ-ኩነት ብእምነት ናይ እንገብሮ ጸሎት ኢዩ።

ካልኣይን ሓፈሻውን ትምህርቲን ከኣ ኣሎ። ኣብ ዓለም እነሕልፎ ዘሎና መዓልታዊ መነባብሮ፡ ናብ እግዚኣብሄር ብጸሎት ናይ እንገብሮ ርክብ መፈተኒ ኢዩ። ብተደጋጋሚ እቲ ክርስቲያን ናብ ጸሎት ኣብ ዝመጻሉ፡ የሐጉስ ኢዩ፡ ብዝበሎ ነገር ኣእምሮኡ ሓጺሩ ክቐርብ ይፍትን። ህይወት፡ ሕጂ ነቲ ሓደ፡ ድሒርና ድማ ነቲ ካልእ እነልዕለላ፡ ብዙሕ ቅንጥብጣብ ዝሓዘት ኣይኰነትን። ህይወት ምልእቲ ኢያ። እግዚኣብሄር፡ ብመሰረት ልሙድ ቅርጺ መዓልታዊ መነባብሮና፡ ጸሎት ክንገብር ይደሊ። እታ ጸሎት እንገብረላ ሰዓት ከኣ፡ ካብተን ናእሽቱ ክፋላት መዓልታዊ መነባብሮና ሓንቲ ኢያ። እግዚኣብሄር፡ መንነተይን እንታይ ከምዝደሊን፡ ካብ ስምዒታተይ ዘይኰነ፡ ካብ ሓፈሻዊ መዓልታዊ መነባብሮይ ይረኽቦ።

ኣብ ጥቓ እግዚኣብሄር ክቐርብ ምኽኣለይ፡ ሓደ ክፋል ምስ ሰባትን ምስ ምድሪን ዘሎኒ ርክብ ኢዩ። ኣብዚ እንተ ፈሺለ ኣብኡውን ክፈሽል እየ። ኣብ መንጎ ጐረቤተይን ኣነን ብግሉጽ ስለ ዘይተረዳዳእና ጥራይ ዘይኰነ፡ ግና ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባይን ውሳነይን፡ ከይተረኣየ ብሓሳብን ብዘረባን ዘመሓላልፎ ጽልኢ፡ ንጸሎተይ ክዓግቶ ይኽእል ኢዩ። ብእምነት እንገብሮ ውጽኢታዊ ጸሎት፡ ህይወትና ንፍቓድን ፍቕሪን ኣምላኽ ብምሃብ ይመጽእ። እግዚኣብሄር፡ ኣብ ዝጽልየሉ እዋን ኰይነ ክቐርብ ብዝህቅኖ ኣይኰነን፡ ጸሎተይ ዝሰምዕ። እኳ ደኣ ካብ ናይ ጸሎት ሰዓተይ ወጻኢ ብዝፍጽሞም ተግባራት ኢዩ፡ ጸሎተይ ዝሰምዕ።

እዞም ሓሳባት ብእኩብ ሳልሳይ ትምህርቲ ይህቡና። ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ፡ ኣብ ፍቕሪ ይምርኰስ። መንፈስ ምሕረት መንፈስ ፍቕሪ ኢዩ። እግዚኣብሄር ፍቕሪ ስለ ዝዀነ፡ ይቕረ ይብል። ብፍቕሪ ክንነብር ከሎና ጥራይ ኢና፡ ከምእግዚኣብሄር ይቕረ ክንብል ንኽእል። ኣብ ኣሕዋት ዘሎና ፍቕሪ፡ መረጋገጺ ኣብ እግዚኣብሄር ዘሎና ፍቕሪ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቐርብ ዘኽእለና ዘተኣማምን መሰረት ከኣ ኢዩ። ከምኡውን ጸሎትና ከምዝስማዕ እነረጋግጸሉ ኢዩ። (1 ዮሃ 4፡20፤ 1 ዮሃ 3፡18-23) “ብግብሪን ብሓቅን ንፋቐር፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ። ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ካብኡ ንቕበል ኢና።”

ፍቕሪ እንተ ዘይብልና፡ እምነት ኰነ ግብሪ ኣየርብሕን ኢዩ። ፍቕሪ ኢዩ ምስ እግዚኣብሄር ዝጠምረና። እምነት ክውን ምዃኑ ዘርኢ ፍቕሪ ኢዩ። ኣብ ወንጌል ማርቆስ ምዕራፍ 11 ቍጽሪ 24፡ ብዛዕባ ጸሎት መልሲ ከምዝረክብ ኣመልኪቱ ዝተወሃበ ተስፋ፡ ቀዲሙ ዚመጽእ፡ “ብኣምላኽ እመኑ” ዚብል ቃል ኰይኑ፡ ንዕኡ ዝስዕቦ ድማ፡ “ፍቕሪ ሰብ ይሃልኹም።” ዚብል ኢዩ። ኣብ ልዕለይ ምስ ዘሎ ኣምላኽን ምስ ኣብ ከባቢየይ ዘለዉ ሰባትን ዘሎኒ ቅኑዕ ርክብ፡ ቅድመ ኵነት ውጽኢታዊ ጸሎት ኢዩ።

ምእንትኦም ክንዓዪይን ክንጽልይን ከሎና፡ እዚ ፍቕሪ ፍሉይ ውጽኢት ይህልዎ። ኣብ ገለ እዋን ምእንቲ እቶም እንደልዮም ነፍሳት ክንብል፡ ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና ከይሃብና፡ ምእንቲ ጻውዒት ኣገልግሎት ክርስቶስ፡ ወይ ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስና መንፈሳዊ ዕብየት፡ ርእስና ኣሕሊፍና ከምዝሃብና ንገልጽ ኢና። ብሰንኪ’ዚ ድማ፡ እምነትና ድኹምን ዘይዕውትን ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ዋላውን ዘይፍትው ይኹኑ፡ ዋላውን ተስፋ ዘይብሉ ይመሰል፡ የሱስ እቲ ጓሳ ብፍቕሪ ነቶም ዝጠፍኡ ብዝደልየሉ ዓይኒ ክንርእዮ ይግባእ። ኣብ ገጽ እዚ ሰብ፡ ንምስሊ የሱስ ክርስቶስ ክንርኢ ይግባእ። ከምኡ ከኣ ንየሱስ ክንብል፡ ንዕኡ ብፍቑር ልቢ ክንቕበሎ ይግባእ። እዚ ምስጢር ምእማን ጸሎትን ዕውት ዕዮን ከኣ ኢዩ። የሱስ፡ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓበረሉ፡ ሱር ምሕረት፡ ፍቕሪ ምዃኑ ገሊጹ ኢዩ። ከምቲ ኣብቲ ከረን ደይቡ ዝገበሮ ስብከት፡ ንጸሎት ኣመልኪቱ ኣብ ዝመሃሮ ትምህርቲን ዝሃቦ ተስፋን፡ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም መሓሪ ዚዀነ፡ ብምባል ምስ ምሕረት ኣተኣሳሲሩ ገሊጹዎ። (ማቴ 5፡7-9፤ ማቴ 5፡22፤ ማቴ 5፡38-48) ስለዚ፡ ኣብዚ፡ ብፍቕሪ ምንባር ቅድመ ኩነት ብእምነት ምጽላይ ምዃኑ ንዕዘብ ኣሎና።

ብሁል ኢዩ፤ ብእምነት ከምምጽላይ፡ ወይውን ብቕንዕና ብእምነት ክትጽሊ ከምምጽዓር ገይሩ፡ ልቢ ምምርማርን ምፍታሽን ዝደሊ ነገር የልቦን። ልቢ ምምርማር ዚብል ቃል፡ ዘየድሊ ትርጉም ብምሃብ ድማ፡ ኣምላኽ ንሱ ጥራይ ብዝፈልጦ ምኽንያት ጸሎትና ኣይክምልስን ኢዩ፡ ኣይንበል። ኣይፋል። “ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብኽፋእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።” ቃል ኣምላኽ ይመርምረና። ጸሎትና ብርግጽ ንፍቓድ ኣምላኽን ንፍቕሪ ሰብን ብምልኣት ናይ ዝተወሃበ ህይወት መግለጺ ምዃኑ ንሕተት። ፍቕሪ፡ እምነት ሱር ዝሰደሉን ዝዕምብበሉን እንኮ ባይታ እዩ።

ኢዱ ንላዕሊ ከልዕል ከሎ፡ ከምኡ ከኣ ንልቡ ናብ ሰማይ ክኸፍት ከሎ፡ ኣቦ፡ ኵል ግዜ ናብቲ ክፉእን ዘይረብሕን ከፊቱዎ ከይኸውን እውን ክርኢ ኢዩ። በቲ ፍቕሪ፡ ግድን ኵሉ ብዝፈጸመ ፍቕሪ ዘይኰነ፡ ግና ኣብ ንጹር ዕላማ ኣብ ዘተኰረን ብቕንዕና ኣብ ዝእዘዝን፡ በረኸት እምነት ይረክብ ኢዩ። እቲ ንገዛእ ርእሱ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሓድሮ ኣሕሊፉ ዝሃበ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ከምቲ እግዚኣብሄር ዘፍቅሮ ዘፍቀረ፡ ኣብቲ ንነፍሲ ወከፍ ጸሎት ዝሰምዕ ፍቕሪ ክእመን ሓይሊ ክረክብ ኢዩ። እቲ ገንሸል ኢዩ፡ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ። እቲ ዝተሳቐየን ዝተጻወረን ፍቕሪ ኢዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ ጸሎቱ ዝዕወት።

መሓርቲ ምሕረት ኪረኽቡ ኢዮም፡ ዓቃላት ንምድሪ ኪወርስዋ ኢዮም።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ኣቦ! ንስኻ ፍቕሪ ኢኻ። ከምኡ ከኣ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዕ፡ ኣባኻ ይጸንዕን ምሳኻ ይሓብርን ኢዩ። እቲ ብሩኽ ወዲ፡ እንደገና ኣብዛ መዓልቲ፡ እቲ ምሳኻ ኣብ ጸሎት ዘሎኒ ሕብረት፡ ክንዴናይ ዓሚቕ ሓቂ ምዃኑ ምሂሩኒ። ዎ ኣምላኸይ! ፍቕርኻ ብመንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ልበይ ክውሕዝ ግበር። ከምኡውን ምእንቲ ኣብ ዙርያይ ዘለዉ፡ ፍቕሪ ካብ ውሽጠይ ይፈልፍል። ስለዚ ድማ፡ እቲ ብፍቕሪ ዝነብሮ ህይወት፡ ሓይሊ ምእማን ጸሎት ይፈልፍል። ዎ ኣቦይ! ኣብ ዙርያይ ምስ ዘለው ብፍቕሪ ዝነብሮ ህይወት፡ ኣፍ ደገ ምስ ኣምላኸይ ብፍቕሪ ናይ ዝነብሮ ህይወት ክኸውን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ሃበኒ። ከምኡ ከኣ ብፍላይ ነቲ ዝብድለኒ ዚዀነ ይኹን ሰብ፡ መዓልታዊ ብሓጐስ ይቕረ ክብል ክኽእል ግበረኒ። እዚ ንዓይ ይቕረ ናይ እትብለኒ ሓይሊን ህይወትን መረጋገጺ ኢዩ።

ጐይታ የሱስ! ብሩኽ መምህረይ! ይቕረ ምባልን ምፍቃርን ምሃረኒ። ብሓይሊ ደምካ ምሕረት ከምዝረኸብኩ ኣጸቢቐ ይረዳእ። እቲ ካባኻ ዝረኸብኩዎ ምሕረት፡ ከምኡውን ኣነ ንኻልኦት ይቕረ ዝበልኩዎ፡ ሓጐስ ሰማይ ይኹን። ነቲ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘሎኒ ርክብ ዘሎ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ሕብረት ዝዕንቅፍ ነገር ኣርእየኒ። ስለዚ ኣብ ገዛይን ኣብ ማእከል ሕብረተ-ሰብን ዝነብሮ ህይወት፡ ብእምነት ኣብ ዝገብሮ ጸሎት፡ ሓይሊን ርእሰ ተኣማንነትን ዝረኽበሉ ቤት-ትምህርቲ ይኹን። ኣሜን።