ምዕራፍ ዓሰርተ ሰለስተ

ፈውሲ ጕድለት እምነት

“ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና? በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጐደለት። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ከረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ከኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩምውን የልቦን። እዚ ከምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን ኢዩ፡ በሎም።” (ማቴ 17፡19-21)

ደቀመዛሙርቲ፡ ካብ ልዕል’ቲ ንሳቶም ክፍውስዎ ዘይከኣሉ ሕማም ባርያ ዝሓዞ ሰብ፡ የሱስ፡ ነቲ ጋኔን ገኒሑ ከውጽእ ምስ ርኣዩ፡ ንጐይታኦም ምኽኒት ፍሽለቶም እንታይ ምዃኑ ሓተቱዎ። ንሱ፡ “ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ከሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሂቡዎም ኢዩ።” ብተደጋጋሚ ከኣ ነዚ ሓይሊ ብግብሪ ኣገልጊሎምሉ ኢዮም። ኣጋንንቲ ከምእተገዝኡሎም እውን ብሓጐስ ገሊጾም ኢዮም። ሕጂ ግና የሱስ ምስኦም ኣብቲ ከረን ከሎ፡ ፍጹም ፍሽለት ኣጓነፎም። ፍቓድ እግዚኣብሄር ከይንፍወስ ኣይኰነን። ስለዚውን ብትእዛዝ ክርስቶስ እቲ ጋኔን ወጺኡ። ብመሰረት ቃሎም፡ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣና?” ምባሎም፡ ከውጽኡ ድሌት ከምዝነበሮም የርኢ። ስም ጐይታ ተጠቒሞም፡ ነቲ ጋኔን ክወጽእ ከምዝኣዘዙዎ እውን ምግማት ይከኣል። ጻዕሮም ግና ፍረ ኣይሃበን። ኣብ ቅድሚ እቶም እኩብ ህዝቢ ድማ ሓፈሩ። “ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣና?” ድማ በሉ።

መልሲ የሱስ ቀጥታዊን ብሩህን ነበረ። “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት።” ድማ በሎም። ምኽንያት ዓወቱን ጠንቂ ፍሽለቶምን፡ ንሱ ዝተፈለየ ሓይሊ ክረክብ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ ኣይነበረን። ኣይፋል፡ ነቲ ሰበብ ንምፍላጥ ብዙሕ ኰለል ምባል ኣየድልን ኢዩ። ብተደጋጋሚ መንግስቲ ጸልማት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝምብርከኸሉ ሓደ ፍሉይ ሓይሊ ከምዘሎ ምሂሩዎም ኢዩ። ንሱ ድማ እምነት ኢዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ፍሽለት ዘጓንፍ ብሓደ ምኽንያት ኢዩ። ንሱ ከኣ፡ ብጉድለት እምነት ኢዩ።

እምነት፡ መለኾታዊ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ሰብ ኣቲዩ ዝዓይየሉ ኩነት ኢዩ። ነቲ ዘይርአ ዝጸልወሉ፡ ወዲ ሰብ ፍቓዱ ንፍቓድ ኣምላኽ ዘግዝኣሉን ዘመዓራርየሉን እውን ኢዩ። ኣጋንንቲ ከውጽኡ ዝተወሃቦም ስልጣን፡ ከምድላዮም ንሓዋሩ ክውንንዎ ተባሂሉ ዝተወሃቦም ውህበት ኣይኰነን። እቲ ስልጣን ናይ ክርስቶስ ኢዩ። ብሓቂ ብክርስቶስ ብምእማን ጥራይ ድማ ተግባራዊ ይኸውን። ንሱ ጐይታን ገዛኢን መንፈሳዊ ዓለም ምዃኑ፡ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዝእመኑ፡ ከምኡውን ብስሙ ከውጽኡ ስልጣን ከምዝሃቦም ምሉእ ብምሉእ እንተ ዝእመኑ፡ ምተዓወቱ ኔሮም።

ጐይታ፡ ንሓዋሩ እውን እንተ ዀነ፡ “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት” ዝብል ምኽንያት ኢዩ፡ ከምመግለጺ ፍሽለትን ልምሰትን እታ ማሕበር ከህብ።

እዚ ጉደለት እምነት ግና ጠንቂ ክህልዎ ኣለዎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ስለ ምንታይ እምነትና ጐደለት? ቅድም ሕጂ እምነትና ኣጋንንቲ ኣውጺኣ ኢያ። ሕጂ ስለ ምንታይ እምነት ኣጉዲልና?” ብምባል እንተ ዝሓቱ ምሓሸ ነይሩ።

ጐይታ ድማ፡ ቅድሚ ምሕታቶም ምነገሮም ነይሩ፡ “እዚ ከምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን ኢዩ።” ኣብ መንፈሳዊ ህይወት፡ እምነት እቲ ቀሊልን እቲ ልዑልን መሳርሒ ኢዩ። መንፈስና ንመንፈስ ኣምላኽ ብምልኣት ዝግዝኣሉን ንብሉጽ ኣገልግሎት ዝሕይለሉን ከኣ ኢዩ።

እምነት ኣብ ደረጃ መንፈሳዊ ህይወትና ይምርኰስ። መንፈሳዊ ህይወትና ጽኑዕን ጥዑይን ምዚኸውን፡ መንፈስ ኣምላኽ ንህይወትና ብምልኣት ምዚጸልዎ፡ ሓይሊ እምነትና መስተንክር ይፍጽም። ስለዚ የሱስ ከምዚ ስዒቡ ብምባል ተወሳኺ መረዳእታ ሃበ፡ “እዚ ከምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን ኢዩ።”

የሱስ በሎም፡ ከምቲ ኣብቲ ጋኔን ዝተዓዘብኩሞ፡ ገታር ተቓውሞ ክስዕር ዝኽእል እምነት፡ ብጀካ ነቶም ምስ እግዚኣብሄር ብቐረባ ሕብረት ዝፍጽሙ ሰባት፡ ንኻልኦት ኣይከኣሎምን ኢዩ። ከምኡውን ካብ ዓለማዊ ነገራት ተፈሊኻ ጸሎትን ጾምን ምግባር የድሊ። ስለዚ ከኣ፡ ንጸሎት ኣመልኪቱ ክልተ ዓሚቝ ኣገዳስነት ዘለዎም ትምህርትታት ምሂሩና። እቲ ሓደ፡ እምነት ምእንቲ ክዓቢን ክሕይልን፡ ናይ ጸሎት ህይወት የድልዮ ኢዩ። እቲ ካልእ፡ ጸሎት ምእንቲ ምሉእን ፍጹምን ኰይኑ ክምዕብል ስርዓት ጾም የድልዮ ኢዩ።

እምነት ምእንቲ ብምልኣት ክዓቢይ፡ ናይ ጸሎት ህይወት የድልዮ። ኣብ ኵሎም ዝተፈላለዩ ክፍልታት መንፈሳዊ ህይወት፡ ፍሉይ ምቕርራብ ሕብረት ኣሎ። ዘየቋርጽ ፍሉይ ግብሪን ግብረ መልሲን ኣሎ። እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ምኽኒት፡ ወይ ሳዕቤን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኵሉ ብእምነት ኢዩ። ብዘይ እምነት ሓቀይና ጸሎት ክህልው ኣይኽእልን ኢዩ። ንጸሎት ገለ መጠነ እምነት ክቕድሞ ይግባእ። ግና ጸሎት ንዝያዳ እምነትውን መገዲ ኢዩ። ብዘይ እኹል መጠን ጸሎት፡ ልዑል ደረጃ እምነት ክህልው ኣይኽእልን ኢዩ። የሱስ ኣብዚ ዝመሃሮ ትምህርቲ ነዚ ኢዩ።

ከምእምነትና ገይሩ ክዓብይ ዝግባእ ነገር የልቦን። ሓንቲ ማሕበር፡ “እምነትኩም ኣዚያ ስለ ዝዓበየት” ተባሂሉላ። የሱስ፡ “ከምእምነትኩም ይኹነልኩም።” ኣብ ዚበለሉ፡ ንሕጊ መንግስቲ ኣምላኽ ይእውጅ ኣሎ። ኵሉ ሰብ ሓደ ደረጃ እምነት ከምዘይብሉ፤ ሓደ ሰብ ኵል ግዜ ሓደ ደረጃ እምነት ከምዘይህልዎ፤ ከምኡውን መጠን እምነትና መዐቀኒ ሓይልናን በረኸትናን ምዃኑ ይሕብረና ኣሎ። ነቶም እምነትና ኣበይን ብኸመይን ከምዝዓቢ ክንፈልጥ እንደሊ፡ ጐይታ ናብ ዝፋን ኣምላኽ ክነተኵር ይሕብረና ኣሎ። ብጸሎት፡ ዘሎኒ እምነት ብምትግባር፡ ምስ ህያው ኣምላኽ ሕብረት ብምፍጻም ኢዩ፡ እምነት ዝውስኽ። እምነት ህያው ክኸውን መለኮታዊ ምግቢ ክምገብ ይግባእ። እዚ ድማ ካብ ኣምላኽ ኢዩ።

ምእንቲ ንእግዚኣብሄር ክንፈልጦን ክንእመኖን ክንኽእል፡ ብኣምልኾ ክነወድሶ፡ ንዕኡን ምእንትኡን ክንጽበ፡ ከምኡውን ኣምላኽ ርእሱ ክገልጽ፡ ነፍስና ብጸጥታ ክትጽበ ይግባእ። ቃሉ ካብ ቅዱስ መጽሓፉ ወሲድና ናብኡ ምስ እንመልሶ፡ በቲ ህያውን ፍቑርን ድምጹ ክዛረበና ምስ እንልምኖ፡ ነቲ ቃል ከምቓል ኣምላኽ ክንእመኖን ክንቕበሎን ሓይሊ ንረክብ።

ብጸሎት ህያው ብዝዀነ እምነት ምስ ኣምላኽ ብምርኻብ ኢና፡ ንእግዚኣብሄር ክንእመን ንኽእል። ብእምነት ከኣ ኵሉ ዚበሎ ንቕበል። ኵሉ ዝቐረበልና ብምቕባል እውን እምነትና ነሐይሎ። መብዛሕቶም ክርስትያናት ጸሎት ምዝውታር እንታይ ማለት ምዃኑ ብግቡእ ኣይፈልጡን ኢዮም። ምስ እግዚኣብሄር ብዙሕ ሰዓታት ክጸንሑ ተበግሶን ድሌትን የብሎምን። ጐይታ ዚበሎ ግና፡ ብግብሪ ተረጋጊጹ ኢዩ። እቶም ሓያል እምነት ዘለዎም፡ እቶም ጸሎት ዘዘውትሩ ኢዮም።

የሱስ፡ ቅድሚ ዝለመናዮ ክንወሃብ ምዃንና ክንእመን ከምዝግባእ ምሕባሩ፡ ፈለማ፡ “ብኣምላኽ እመኑ” ብምባል ከምዝመሃረና ንዘክር። እምነትና፡ ኣብ ኣምላኽ፡ ኣብቲ ህያው ኣምላኽ፡ ብዕሙቐትን ብግፍሒን ሱሩ ክሰድድ ይግባእ። ብድሕርዚ እምነትና ከረን ከልግስን ጋኔናት ከውጽእን ይኽእል። “እምነት እንተ ኣልያትኩም ዚሰኣነኩምውን የልቦን።” ዋይ፡ ኣብ ዓለም ንዝተዳለወልና ነገልግሎት ኣምላኽ ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና እንተ ንህብ፡ እቶም እነልግሶምን እነውጽኦምን፡ ኣኽራናትን ኣጋንንቲን ምዘጓንፉና፡ ብዙሕ እምነትን ብዙሕ ጸሎትን ከምዘድለየና ምተረደኣና ነይሩ። እምነት ኣብ ግራት ጸሎት ይዓቢ። የሱስ ህይወትና ኢዩ። ህይወት እምነትና እውን ኢዩ። ኣባና ዝነብር ህይወቱ የበርትዓና ኢዩ። ከምኡውን ብቐሊሉ ክንእመን የኽእለና። ጸሎት ምዝውታር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘይምምርኳስ የርኢ። መንፈስ እምነት፡ ምስ የሱስ ብምሕባር ሓይሊ ይረክብ። እምነት ብምልኣት ክዓቢ ጸሎት የድልዮ።

ጸሎት ብምልኣት ክዓቢ ድማ ጾም የድልዮ። እዚ እቲ ካልኣይ ትምህርቲ ኢዩ። ጸሎት ነቲ ዘይርአ እንጭብጠሉ ሓደ ኢድ ኢዩ። ጾም ድማ እቲ ካልእ ኰይኑ፡ ነቲ ዝርአ ፈቲሕና እነልግሰሉ ኢዩ። ብኣውርኡ ሰብ ምግቢ ብምሕራፍን ብዕኡ ብምሕጓስን፡ ምስቲ ዚድህሰስ ዓለም ይራኸብ። ኣብ ገነት ከሎ ብጥዑም ምግቢ ተፈቲኑ ከምዝወደቐ ይዝከር። የሱስ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ዝጠመየሉ፡ ነቲ እምኒ ናብ እንጌራ ክቕይር ተሓቲቱ ተፈቲኑ። ብጾም ግና ነቲ ፈተና ኣፍሺሉዎ። ሰብነትና ቤተ-መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ክኸውን ኢዩ ድሕነት ረኺቡ። ቃል ኣምላኽ፡ ብሰብነትን ብመንፈስን፡ ብፍላይ ከኣ ብእንበልዖን ብእንሰትዮን ንኣምላኽ ክብሪ ክንህብ ይግባእ፡ ይብል። ብዙሓት ክርስትያናት ብዝበልዕዎ ንኣምላኽ ክብሪ ክህቡ ከምዝግባእ፡ ከምመንፈሳዊ ክውንነት ዘይርድኦም ምዃኑ ዘተሓሳስብ ኢዩ። የሱስ፡ ንጸሎትን ንጾምን ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ትምህርቲ፡ እቲ ቀዳማይ መልእኽቲ፡ ብምጡን ናብራ፡ ብነብሰ ግትኣትን ገዛእ ርእስኻ ብምሕራምን ኢዩ፡ ኣብ ጸሎት ክንብርትዕን ጸሎት ክነዘወትርን ንኽእል።

ከምኡውን ቃል ብቓል ትርጉም ኣለዎ። ጓሂን ጭንቀትን ምግቢ ክበልዑ ኣይኽእሉን ኢዮም። ሓጐስ ግና ብምብላዕን ብምስታይን የብዕል።

ዋላውን ሕጋዊ እንተ መሰለ፡ ሰብነትና ብርቱዕ ትምኒትታት ብምልዕዓል፡ መንፈስና ምስ ሓይልታት ጸልማት ኣብ ዘካይዶ ውግእ ይዕንቅፎ ኢዩ። እቲ ትምኒት ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ከምዘሎና ክንርስዕ ይገብር። ንሕና ምስ ትምኒታትና ኢና ተፈጢርና። ኣእምሮና፡ ጭቡጥ ዝዀነ ቅርጺ ይዝክር። ጾም፡ ምእንቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ክንብል፡ ንገዛእ ርእስና ዘድልዩና ነገራት ኣሕሊፍና ከምዝሃብና ግቡእ መረጋገጺ ኢዩ። ጾምን መስዋእቲን ወዲ ዝተቐበለ፡ ኵሉ ምእንቲ ክርስቶስን መንግስቱን ክገድፍን ዝወሃቦ መንፈሳዊ ሓይሊ ብንጹር ተረዲኡ ክቕበልን ኢዩ።

ካብኡ ዝልዕል ኣገልግሎት እውን ኣለዎ። ጸሎት ምስ እግዚኣብሄር ምስቲ ዘይርአ ምርኻብ ኢዩ። ጾም፡ ናይቲ ዝርአን ግዚያዊ ዚዀነን ነገራት ምግዳፍ ኢዩ። እቶም ተራ ክርስቲያናት፡ እቲ ዘይተኸልከለን ሓጢኣት ዘይኰነን ነገር ሕጋዊ ይመስሎም። ስለዚ ብዝከኣል ኵሉ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ንብረት፡ ስርሓት ስነ ጥበብ፡ ከምኡውን ዘሎ ሓጐስ ክኣኻኽቡ ይደልዩ። እቲ ብሓቂ ዝተቐደሰ ነፍሲ ግና፡ ከምጥንቁቕ ወተሃደር ንዅናት ዘድልዮ ነገራት ጥራይ ሒዙ ይጓዓዝ። ኵሉ ሸኽምን ፎኪስ ዝመስል ሓጢኣትን ኣራጊፋ፡ ብነገራት ዓለም ከይጥለፍ ብምጥንቃቕ፡ ናዝርያዊ ህይወት ይመርሕ። ገዛእ ርእሱ ንጐይታን ንዕዮኡን ከኣ ይፈሊ። ካብቲ ሕጋዊ ዝመስል ብወለንታና እንተ ዘይተፈሊና፡ ጸሎትና ሓይሊ ኣይክህልዎን ኢዩ። “እዚ ከምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን ኢዩ።”

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ! እቶም ጐይታ ምጽላይ ክምህረኩም ዝለመንኩም፡ ሕጂ መጺኹም ትምህርቱ ተቐበሉ። ጸሎት፡ ሓያል እምነት ከምዘስዕብ ይሕብረኩም ኣሎ። እዚ እቲ ኣጋንንቲ ዘውጽእ እምነት ምዃኑ ይሕብረኩም ኣሎ። ንሱ፡ “እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ዚሰኣነኩምውን የልቦን።” ይብለኩም ኣሎ። እዚ ዘደንቕ ተስፋ ከኣ፡ ጸሎት ክትገብሩ የተባብዓኩም። እቲ ብልጫ ካብቲ ዋጋ ኣይበልጽን ዶ? ኵሉ ገዲፍና ንየሱስ ጥራይ በዚ ዝኸፈተልና መገዲ ኣይንስዕቦን ዶ? ጾም እንተ ኣድለየ ኣይንጸውምን ዶ? ሰብነትናን ዓለምን ኣብቲ ዓቢይ ዕዮና ዕንቅፋት ከይዀኑና ኵሉ ዶ ኣይምገበርናን? ምእንቲ ሰብ እምነት ክንኸውንን ኣብ ምድሓን እዛ ዓለም ክጥቀመልናን፡ ምስ ኣምላኽ ብጸሎት ዶ ኣይምተራኸብናን?

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና”

ዎ ጐይታ የሱስ! ብቐጻሊ እምነት ስለ ምጉዳልና ገሲጽካና! ነቦናን ተስፍኡን ብዘሕዝን ዘይምእማንና ብሓቂ ንዓኻ ጋሻ ነገር ኢዩ። ጐይታ! “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት” እትብል መግናሕትኻ ኣብ ውሽጢ ልብና ኣቲያ፡ ጠንቁ ሓጢኣትናን ኣብ ከባቢና ዘሎ ኣበሳን ምዃኑ ትግለጸልና።

ካብኡውን ብሩኽ ጐይታ እምነት እንመሃረሉን እንረኽበሉን ቦታ ከምዘሎ ምሃረና። ብጸሎትን ብጾምን ኣባኻን ኣብ ኣቦን ክንሓብር ከኣ ኢና።

ዎ መድሕን! ጀማሪን ደምዳሚን እምነትና ንስኻ ኢኻ’ሞ፡ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ክትነብር፡ እንታይ ክንገብር ከምዝግባእ ምሃረና። ጐይታ! ጸጋ እምነት ክንረክብ ኢልና ዝጸዓርናዮን ዝለመናዮን ኣየርብሓናን ኣሎ። ስለ ምንታይ ከምዘይተዓወትና ድማ ንፈልጥ ኢና። ብሓይልና ተጠቒምና ካባኻ ክንወሃብ ለሚና። ቅዱስ የሱስ! ህይወትካ ኣባና ሓዲሩ ምህላዉ ኣጸቢቕካ ምሃረና። ከምኡውን ምእንቲ እምነትና ከይፈሽል፡ ብህያው ዚዀነ እምነት፡ ብመንፈስካ ኣባና ትነብር ከምዘሎኻ ምሃረና። ዎ፡ እምነትና ክፋል እቲ ብመንፈስካ ተሓጊዞም ምእንቲ ካልኦት ክልምኑ ናባኻ ዚመጹ ይኹን። ብኸመይ ብጸሎትን ብጾምን ተሓጊዝና፡ ናብቲ ገለ'ኳ ዘይሰኣኖ እምነት ከምእንዓቢ ምሃረና። ኣሜን።

መዘኻኸሪ

ብሉምሃርድት ዚተባህለ ኣገልጋሊ ወንጌል፡ ብጸሎት ነቶም ኣጋንንቲ ከውጽኦም ምስ ፈተነ፡ ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጓነፎ። እንታይ ይዕንቅፎ ከምዘሎ ድማ ገረሞ። ነዚ ጉዳይ እውን ንዓርኩ ሓበሮ። እቲ ዓርኩ ከኣ፡ ጐይታ ንጾም ኣመልኪቱ ናብ ዝመሃሮ ትምህርቲ ከተኵር ነገሮ። ብላምሃርድት እውን ብመሰረት’ዚ ክጸውም ወሰነ። ኣብ ገለ እዋናትውን፡ ልዕሊ ሰላሳ ሰዓት ይጸውም ነበረ። ኣገዳስነቱ ከኣ ካብቲ ብሓፈሻ ደቂ ሰባት እንሓስቦ ንላዕሊ ምዃኑ ብግብሪ ኣረጋገጸ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ኣርእስቲ ኣመልኪቱ፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ በለ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ እንጾመሉ፡ እቲ እንልምኖ ነገር ኣዚዩ ዘገደስ ምዃኑ የርኢ። ጸሎትና ይዓሙቕን ይሕይልን ኢዩ። ከምኡውን ጾም ብዘይ ዘረባ እንፍጽሞ ጸሎት ኢዩ። ብፍላይ ጐይታና ዝመሃሮ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ከንቱ ከምዘይተርፍ ይኣምን እየ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ከይነገርኩ ፈቲነዮ። እቲ ድሒሩ ዘጓነፈኒ ተቓውሞ ከኣ ኣዚዩ ቀሊል ነበረ። ብርእሰ ተኣማንነት ክእዝዝ እኽእል ነበርኩ። ነዊሕ እዋን ምስቲ ዝሓመመ ሰብ ምጽናሕ እውን ኣየድልየንን ነበረ። ብኣካል ኣብ ዘየለኹሉ እዋን ከይተረፈ፡ ኣብቲ ቦታ ጽልዋ የሕድር ነይረ።”