ምዕራፍ ዓሰርተ ክልተ

ምስጢር ምእማን ጸሎት

"የሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ። ዝዀነ ይኹን እቲ ዝበሎ ከምዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ከረን ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሓል፡ እንተ በሎ፡ ንዕኡ ከምዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ስለዚ፡ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም ኢዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።" (ማርቆስ 11፡22-24)

ኣብ ዝሓለፈ ትምህርቲ፡ ጸሎት መልሲ ከምዝረክብ ርኢና ኣሎና። ካብቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጾም ካብ ዘለዉ ኣደነቕቲ ነገራት ሓደ ከኣ ኢዩ። ኣብ ልቢ ብዙሓት ሰባትውን፦ ብኸመይ ነቲ ኣነ ዝለመንኩዎ ክወሃብ ምዃነይ ዘረጋግጽ እምነት እረክብ? እትብል ሕቶ የለዓዕል።

ጐይታና ሎም መዓልቲ ናይዛ ሕቶ መልሲ ክህበና ኢዩ። ንሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ቅድሚ ነዚ ዘደንቕ ተስፋ ምሃቡ ድማ፡ ጸሎት መልሲ ከምዝረክብ ዝገልጽ እምነት ካበይ ከምዝብገስን መሐየሊኡ እንታይ ምዃኑን ገለጸሎም። ብኣምላኽ እመኑ፡ ዚብል ቃል ተስፋ፡ ዝለመንኩምዎ ክወሃበኩም ምዃኑ እመኑ፡ ንዚብል ናይ ተስፋ ቃል ይቕድሞ ኢዩ። ነዚ ናይ ተስፋ ቃል ክንእመን፡ ኣብቲ ነቲ ተስፋ ዝሃበ እምነት ክነሕድር ይግባእ። ኣብ መንነቱ ምእማን፡ ኣብ ቃሉ ክንእመን የኽእለና ኢዩ። ብውልቂ ምስ እግዚኣብሄር ምስ እንነብርን እንሓብርን፡ ምስኡ ብፍቕሪ ምስ እንራኸብ፡ እግዚኣብሄር ኵለንትናና ምዚኸውን፡ ምእንቲ ቅዱስ ህላውኡ ክጋሃድን ኣባና ብልዑል ክዓዪይን ኵለንትናና ምስ እንኸፍተሉ፡ ዚለመናዮ ከምእንወሃቦ ክንፈልጥ ኣብ እንኽእለሉ ደረጃ ንበጽሕ።

እምነት እንታይ ማለት ምዃኑ ብሓቂ እንተ ተረዲኡና፡ ኣብ መንጐ ኣብ እግዚኣብሄር ምእማንን ኣብ ቃሉ ምእማንን ዘሎ ርክብ ክንጽረልና ኢዩ። እዚ መብዛሕቱ እዋን ብኢድን ብኣፍን ይምሰል። ብመገዶም ነቲ እንወሃቦ ንቕበልን ብግቡእ ንጥቐመሉን ኢና። ግና እምነት ነቲ ዝተወሃበኒ ተስፋ ዝሰምዓሉ እዝኒን ነቲ ዝተቐረበለይ ተስፋ ዝርእየሉ ዓይኒን ምዃኑውን ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ።

ነቲ ዝተቐረበልና ነገር ናይ ምቅባል ዓቕምና ኣብዚ ይምርኰስ። ነቲ ተስፋ ዝሃበኒ ኣካል ግድን ክሰምዖ ኣሎኒ። እቲ ቃና ድምጹ ጥራይ'ኳ፡ ክእመን ትብዓት ይህበኒ ኢዩ። ናይ ግድን ክርእዮ ኣሎኒ። ብመገዱን ብመንነቱን ክወሃብ ምዃነይ ስለ ዝፈልጥ፡ ዘፍርሃኒ ነገር ኣይህልውን ኢዩ። ሓቅነት እቲ ተስፋ፡ ኣብቲ ተስፋ ዝህብ ይምርኰስ። ኣብቲ ተስፋ ዘሎኒ እምነት፡ እቲ ተስፋ ዝህብ መን ምዃኑ ኣርጊጸ ብምፍላጠይ ይውሰን።

የሱስ፡ በዚ ምኽንያት ኢዩ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ዘደንቕ ተስፋ ጸሎት ዝሃበ፡ ፈለማ፡ “ብኣምላኽ እመኑ።” ድማ በለ። እዚ፡ ዓይንኹም ናብ ህያው ኣምላኽ ክፉት ይኹን፡ ንዕኡ ጠምቱ፡ ነቲ ዘይርአ ርኣዩ፡ ማለት ኢዩ። ዓይነይ ኣብ ቅድመይ ብዘሎ ነገር ክጸልዎ ምስ ኣፍቐድኩ እየ፡ እቲ ነገር ናብ ውሽጠይ ዝኣቱ፡ ተጽዕኖኡ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ጽልዋኡውን ኣብ ኣእምሮይ ዝተርፍ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ምእማን፡ ንእግዚኣብሄርን መንነቱን ምጥማት ኢዩ። ንሱ ምእንቲ ህልውንኡ ጋህዲ ክገብር ፍቓድና ምዃኑ ምግላጽ ኢዩ። እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈሊጥና፡ ግዜናን ኵለንትናናን ንዕኡ ምሃብ ኢዩ። ነፍስና ብፍቕሩ ክትሕጐስ ድልው ምዃን ኢዩ። እወ፡ እምነት፡ እግዚኣብሄር መን ምዃኑን እንታይ ከምዝገብርን እንርእየሉ ዓይኒ ኢዩ። ብመገዲ እምነት ብርሃን ህላውኡን ዓቢይ ግብሩን ኣብ ነፍስና ይውሕዝ። ከምቲ እቲ ዝርእዮ ነገር ኣባይ ከምዝነብር፡ ብእምነት ከኣ እግዚኣብሄር ኣባይ ይነብር ኢዩ።

ከምኡ ከኣ እምነት ድምጺ እግዚኣብሄር ኵል ግዜ ዝስመዓሉን ምስኡ ዘሎ ርክብ ዝቕጽለሉን እዝኒ ኢዩ። ኣቦ ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ይዛረበና። ወዲ፡ እቲ ቃል፡ ቀንዲ ሓሳብ መልእኽቲ እግዚኣብሄር ኢዩ። መንፈስ እቲ ህያው ድምጺ እዩ።

ውሉድ ኣምላኽ ብዕኡ ክምራሕ ይግባእ። እቲ ንየሱስ ዝመሃረ፡ ሕቡእ ሰማያዊ ድምጺ፡ እንታይ ከምዝብልን እንታይ ከምዝገብርን ክምህሮ ይግባእ። ናብ እግዚኣብሄር ዝቐንዐ እዝኒ፡ እቲ እንታይ ከምዝብል ክሰምዕ ብልቢ ተኣሚኑ ዝጸበ፡ ክዛረብ ከሎ ክሰምዖ ኢዩ።

ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ መጽሓፍ ተጻሒፉ ጥራይ ዝተርፍ ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወጽእ፡ መንፈስን ሓቅን፡ ህይወትን ሓይሊን ክኸውን ይግባእ። እቲ ሓሳብ ጥራይ ዝነበረ፡ ግብራዊን ክውንን ኰይኑ ነስተማቕሮ። ብመገዲ እዚ ክፉት እዝኒ፡ ነፍስና ብህይወትን ሓይሊን ኣምላኽ ክትጽለው ትጽበ። እቲ ዝሰማዕኩዎ ቃል ናብ ኣእምሮይ ኣቲዩ ይቕመጥን ይዓዪይን። ስለዚ ብእምነት እግዚኣብሄር ናብ ልቢ ይኣቱ፡ ኣብኡ ይነብርን ይዓዪይን።

እምነት፡ ከምዓይኒን ከምእዝኒን፡ ንእግዚኣብሄር ከምእትርኢን ከምእትሰምዕን ነፍሲ፡ ከምኢድን ከምኣፍን፡ ኰይኑ ብምልኣት ኣብ ዚዓዪየሉ፡ ንእግዚኣብሄርን ንበረኸቱን ንረክብ። ምቕባል ኣብ መንፈሳዊ ኣስተብህሎ ይምርኰስ። ብሰንኪ’ዚ ድማ የሱስ፡ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ብእምነት እንልምኖ ነገር ክምልሰልና ምዃኑ ዝገልጽ ተስፋ ምሃቡ፡ “ብኣምላኽ እመኑ።” በለ። እምነት ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኢዩ። እቲ ዋሕዚ ኣባይ ዘሕድሮ ጽልዋ፡ ኣብኡ ከሎ እቕበሎ ኣሎኹ፡ ማለት ኢዩ።

ብእምነት ገዛእ ርእሰይ ንህያው ኣምላኽ ኣሕሊፈ ይህብ። ክብሩን ፍቕሩን ንልበይ ይመልኦ። ከምኡውን መራሒ ህይወተይ ይኸውን። እምነት ሕብረት ኢዩ። ዓርከይ ንዝሃበኒ ተስፋ ከምዝፍጽሞ እቕበል ኣሎኹ። ብዕኡ ድማ ምስኡ ይተኣሳሰር። ከምኡ ከኣ ምስ እግዚኣብሄር፡ በቲ ንዕኡ ዝርኢን ዝሰምዕን እምነት፡ ህያው ዚዀነ ዕርክነት ክንፍጽም ከሎና ኢዩ፡ ንጸሎት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ተስፋ ብቐሊሉ ክንእመን ንኽእል። ኣብቲ ተስፋ ምውካል፡ ፍረ፡ ወይ ውጽኢት ኣብቲ ተስፋ ዝሃበ ምውካል ኢዩ። ብእምነት ጸሎት ምግባር፡ ኣብ ብእምነት ምንባር ዝተሰረተ ኢዩ። ስለዚ እቲ ውጽኢታዊ ዚዀነ ጸሎት ዝገብር እምነት፡ ብርግጽ ውህበት ኣምላኽ ኢዩ። እዚ፡ ንሱ ኣብ ሓደ እዋን ዝህቦ ነገር ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ነፍሲ ምስኡ ብምሕባር እተማዕብሎ ዓሚቕ ሓቂ ኢዩ።

ብርግጽ እቲ መንነት ኣቦኡ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ፡ ከምኡውን ብቐጻሊ ምስኡ ሓቢሩ ብቐረባ ዝነበር፡ ነቲ ምስኡ ዝሓበረ ውላዱ፡ ድሌቱ ክምልኣሉ ምዃኑ ብቐሊሉ ይእመን ኢዩ።

ብዙሓት ዉሉዳት ኣምላኽ፡ ኣብ መንጐ ብእምነት ምንባርን ብእምነት ምጽላይን ዘሎ ርክብ ብንጹር ስለ ዘይተረደኦም፡ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ብግቡእ ኣየስተማቕርዎን ኢዮም። ካብ እግዚኣብሄር መልሲ ክረኽቡ ብልቢ ምዚብህጉ፡ ብምሉእ ልቦም ኣብቲ ዝተወሃበ ተስፋ የተኵሩ፡ ብዝከኣሎም ብእምነት ነቲ ተስፋ ክጭብጡ ድማ ይህቅኑ። እንተ ዘይሰሊጡዎም ግና፡ ቀልጢፎም ተስፋ ይቈርጹ። እቲ ተስፋ ሓቂ ኢዩ። ይኹንምበር ብእምነት ጨቢጦም ክሕዝዎ ልዕሊ ዓቕሞም ኢዩ። የሱስ፡ ሎም መዓልቲ ዝምህረና ትምህርቲ ጽን ኢልና ንስማዕ፡ ብኣምላኽ እመኑ። በቲ ህያው ኣምላኽ። እምነት ልዕልቲ ተስፋ፡ ኣብ እግዚኣብሄር የተኵር። ፍቕሩ፡ ሓይሉ፡ ህያው ህልውንኡ፡ ንእምነት የበራብሮን ይሃንጾን ኢዩ።

ሓደ ሓኪም፡ ነቲ ምእንቲ ጨቢጡ ክሕዝ፡ ቅልጽሙን ኢዱን ክሕይል ዝሓቶ ሰብ፡ ኵለንትንኡ ክህነጽን ክሕይልን ከምዝግባእ ምነገሮ። ስለዚ ንፈውሲ ድኹም እምነት፡ ምስ እግዚኣብሄር ብምሕባር፡ ኵሉ መንፈሳዊ ህይወትና ብምሕያል ጥራይ ኢና ንረኽቦ። ብኣምላኽ ምእማን ተመሃሩ። ናብ እግዚኣብሄር ምጽጋዕን እግዚኣብሄር ህይወትኩም ክቈጻጸር ክኽእልን ተመሃሩ። ካብኡ ነቲ ተስፋ ጨቢጥካ ምሓዙ ቀሊል ኢዩ። እቲ ንኣምላኽ ዝፈልጥን ዝእመንን፡ ነቲ ዝተወሃበ ተስፋውን ብቐሊሉ ይእመን ኢዩ።

እዚ ብኸመይ ኣብቶም ቀዳሞት ቅዱሳን ከም እተፈጸመ ንርአ። ሳላ ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ዘግሃደ፡ እምነት ሓይሊ ረኸበ። ከምኣብነት ንኣብርሃም ንርአ፦ “ድሕርዚ ነገርዚ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፡ ኣብራም፡ ኣይትፍራህ፡ ዋልታኻ ኣነ እየ። ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ . . . .ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ።” ከምኡውን ድሕር ኢሉ እንደገና፡ “እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ እቲ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ ድማ በሎ። ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍኤ፡ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ እንሆ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ ኢዩ።” እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ እተገለጸ ኢዩ፡ እቲ ተስፋ ብምሉእ ሓይሉ ናብ ልቢ ዝኣተወን እምነት ክህልው ዝገበረን። ሳላ ንእግዚኣብሄር ዝፈልጥዎ፡ እዞም ሰብ እምነት ኣብ ተስፍኡ ክውከሉ መረጹ። ብኣምላኽ ዝተወሃበ ተስፋ፡ ንዓና ከምመግለጺ መንነት ኣምላኽ ኢዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ዝመላለስ፡ ከምኡውን ህያው ኣምላኽ ኣብ ዝዛረቡሉ እዋን፡ ብገጹ ተደፊዑ ዝሰምዕ፡ ብርግጽ ነቲ ተስፋ ክረክብ ኢዩ።

ዋላውን እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ፡ ብምሉእ ናጽነት ክንርከብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተገለጸ፡ እንትርፎ እግዚኣብሄር ባዕሉ መጺኡ እንተ ዘይገሊጹልና፡ ክንቕበሎ መንፈሳዊ ሓይሊ ይጐድለና ኢዩ። ነቶም ምስኡ ዝመላለሱን ምስኡ ዝነብሩን ድማ ክገልጸሎም ኢዩ። ስለዚ፡ ብኣምላኽ እመኑ። እምነት መርኣዪ ዓይኒን መስምዒ እዝኒን ይኹን። ምእንቲ እግዚኣብሄር ብምልኣት ጽልዋ ከሕድር፡ ገዛእ ርእስን ኣሕሊፍና ንሃብ። ንሱውን ገዛእ ርእሱ ኣብ ነፍስና ብምልኣት ከግህድ ኢዩ።

ህያውን ሓያልን ኣምላኽ፡ እቲ ሰናይ ፍቓዱ ክፍጽምን እምነትና ብግቡእ ክዓዪይን ይጽበ ምዃኑ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ተኣሚና ናይ እንገብሮ ጸሎት ቀንዲ በረኸት ምዃኑ ንሕሰብ። ናብቲ ክባርኸናን ዘለዎ ኵሉ ክህበናን ሓጐሱ ዚዀነ፡ ናብ ኣምላኽ ፍቕሪ ንጠምት። ኣብ ኣምላኽ ተኣሚና ኣብ እነምልኸሉ፡ ኣብቲ ተስፋ ብቕልጡፍ ክንእመን ሓይሊ ንረክብ። “እትልምኑዎ ኵሉ ከምእትረክቡ እመኑ።” እወ፡ ብእምነት ንኣምላኽ ምሳኹም ምስ ገበርኩምዎ፡ እቲ ቃል ተስፋውን ናትኩም ክኸውን ኢዩ።

የሱስ ሎም መዓልቲ ክቡር ትምህርቲ ይምህረና ኣሎ። ውህበት ኣምላኽ ንብሃግ። እግዚኣብሄር ፈለማ ገዛእ ርእሱ ክህበና ይደሊ። ጸሎት ጽቡቕ ህያብ ካብ ሰማይ ከምዘምጽኣልና ኢና ንሓስብ። የሱስ ከኣ፡ ገዛእ ርእስና ናብ እግዚኣብሄር እነቕርበሉ ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ኣፍደገ ደው ኢልና ክንልምን ንደሊ። የሱስ ድማ፡ ቅድም ናብ ውሽጢ ብምእታው፡ ኣዕሩኽን ዉሉዳትን ምዃንና ክንፈልጥ ይደሊ። ነዚ ትምህርቲ ንቐበሎ። ኣብ ጸሎትና ዘጓነፈና ጉድለት እምነትና ተረዲእና፡ ቅድም ኣብቲ ህያው ኣምላኽ ዘሎና እምነት ክነዕቢ ንጽዓር። ብእምነት ድማ ገዛእ ርእስና ንዕኡ ኣሕሊፍና ንሃብ። ንእግዚኣብሄር ብምልኣት ኣብ ልቡ ዘሕደረ ሰብ፡ ብእምነት ክጽሊ ሓይሊ ይህልዎ ኢዩ። ብኣምላኽ ምእማን፡ ኣብ ተስፍኡ ክንእመን የኽእለና። ኣብቲ ተስፋ ከኣ፡ መልሲ ጸሎት ኣሎ።

ስለዚ፡ ውሉድ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ገዛእ ርእሱ ከግህደልካ፡ ደጋጊምካ ኣብ ቅድሚኡ ተንበርኪካ ስገድ። ነፍስኻ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘለኣለማዊ ዘለዋ እምነት፡ ብቕዱስ ፍርሂን ኣምልኾን ብተደጋጋሚ ትግለጽ። ንሱውን ኣባኻ ክነብርን ኵለንትናኻ ክቈጻጸሮን ኢዩ። ብኣምላኽ ተኣሚንካ ኣብ እትገብሮ ጸሎት ከኣ፡ ኣኽሊል ዓወት ክደፍኣሉ ኢዩ።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።”

ዎ ኣምላኸይ! ኣነ ብዓኻ ይኣምን። ከምኣቦ፡ ፍቕርኻን ስልጣንካን መወዳእታ ከምዘይብሉ ይኣምን። ከምኡውን ወዲ፡ መድሕነይን ህይወተይን ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ፡ መጸናንዒ፡ መራሒን ሓይሊን ኢዩ። ቅዱስ ስላሴ፡ ኣባኻ ይእመን። ከምዘሎኻዮ ይእመነካ። ኵሉ ዝሃብካዮ ተስፋ ክትፍጽሞ ምዃንካ ከኣ ይፈልጥ እየ።

ጐይታ የሱስ! ነዚ እምነት ኣብ ውሽጠይ ኣዕብዮ። ብእምነት ኵሉ ኣምላኽ ዝቐረበለይ ክሳብ ዝርከብ፡ ኣብ ቅድሚ'ቲ ቅዱስ ኣምላኽ ቀሪበ ክጽበን ከምልኽን ክኽእል ምሃረኒ። ፍቓዱ ኣብ ዓለምን ኣባይን ብልዑል ስልጣን ዝፍጽም፡ ፈልፋሊ ኵሉ ህይወት ምዃኑ ይፍለጥ። ድሌተይ ከማልእ ብፍቕሪ ከምዝናፍቕ ይረዳእ። ምእንቲ ብኣምላኽ ተኣሚነ ኣብኡ ክነብር፡ ንልበይን ህይወተይን ይቈጻጸሮ። ጐይታ የሱስ፡ ብምሉእ ልበይ ብእግዚኣብሄር ክኣምን ክኽእል ሓግዘኒ! ብዘይ ምቑራጽ ብኣምላኽ ክእመን ኣኽእለኒ።

ዎ ብሩኽ መድሕነይ! ብኣምላኽ ተኣሚና ክሳብ ህይወትና ዘይመራሕና፡ ብኸመይ ማሕበርካ ክብሪ ክትህበካ ትኽእል? ብኸመይ ኸ ምእንቲ መንግስትኻ ክትመጽእ፡ ኣገልግሎት ምምላድ ክትፍጽም ትኽእል? ብሩኽ ጐይታ! “ብኣምላኽ እመኑ” ዚብል ቃልካ፡ ኣብ ውሽጢ ነፍስና ከምዝሰርጽ ግበሮ።