ምዕራፍ ዓሰርተ ሓደ

ዘድምዕ እምነት

“ስለዚ፡ እትጽልዩዎን እትልምኑዎን ዘበለ ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ ኪዀነልኩም ኢዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።” (ማርቆስ 11፡24)

ክንደይ ዘደንቕ ተስፋ! ኣዚዩ ዓቢይ፡ ኣዚዩ መለኾታዊ ኢዩ። እታ ንእሽቶ ልብና ክትቕበሎ ኣይትኽእልን ኢያ። ነዚ ቃል፡ ኣብ ክንዲ ብመጠን የሱስ ዚበሎ፡ ብዘለዎ ሓይሊ እንቕበሎ፡ ከምኡውን ብመጠን ፍቕሩን ሓይሉን ክህበና ልብና ነግፍሕ፡ ብዝከኣለና ንሕና ይሓይሽ ኢዩ፡ ብዝበልናዮን ብእንግምቶን ንድርቶ ኢና። እምነት፡ ካብ ሓቅነት ቃል ኣምላኽ ምእማንን ካብኡ ተበጊስና ካብ እንውስኖን ነገር ይዓቢ ኢዩ።

እግዚኣብሄር እንታይ ክገብር ምዃኑ ክዛረብ ከሎ ዝሰምዐት እዝኒ ኢያ፡ ክፍጽሞ ከሎ ብዓይኒ እትርኢ። ስለዚ ሓቀይና እምነት ኣብ ዘለዎ፡ እቲ መልሲ ግድን ክመጽእ ኢዩ። ኣብ እንልምነሉ እዋን፡ ነቲ ንሱ ግበሩ ዚበለና ሓደ ነገር፡ ማለት ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ፡ ዚብል ቃል እንተ ነስተውዕል፡ ንሱ ድማ፡ “ኪዀነልኩም ኢዩ።” ብምባል ዝሃበና ተስፋ ተግባራዊ ምዃኑ ከረጋግጽ ኢዩ።

እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ጸሎት ሰሎሞን፡ ማለት (2 ዜና መዋ 6፡4) “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ከኣ ፈጸሞ።” ዚብል ጸሎት፡ ቀንዲ ትሕዝቶ ኵሉ ጸሎት ኢዩ። እግዚኣብሄር ብኣፉ እተዛረቦ፡ ብኢዱ ከምዝፍጽሞ፡ ብሓጐስ ክነወድስ ይግባእ። የሱስ ዘተስፈወና ቃል፡ በዚ መንፈስ ንረደኣዮ። ነፍሲ ወከፍ እቲ ክፋል ቃል፡ መለኾታዊ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ።

“ኵሉ ነገራት ዘበለ።” እቲ ሰብኣዊ ኣእምሮና፡ ነዚ ናይ መጀመርታ ቃል ምስ ተዓዘበ፡ ብጥርጣረ ክሓትት ይጅምር። እዚ ቃል ብቓል፡ ወይ ኣብኡ ከሎ፡ ሓቂ ክኸውን ኣይኽእልን ኢዩ? ግና ሓቂ እንተ ዘይነብር፡ ስለ ምንታይ ደኣ፡ ጐይታ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ብምባል ብትሪ ገለጾ፦ “ኵሉ ነገራት ዘበለ።” ከምዚ ኢሉ ክዛረብ ናይ መጀመርያኡ እውን ኣይኰነን። ንሱ ዶ ኣይኰነን፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ዚበለ፦ “እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል ኢዩ፡ በሎ።” “እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ዚሰኣነኩምውን የልቦን።”

እምነት፡ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ ኣብ ድልው ዚዀነ ልቢ እቲ ደቀ መዝሙር፡ እቲ ምልኣት ግድን ከምዝመጽእ ብምሕባር ክዓዪይ ከሎ ኢዩ። እምነት ናይቲ ዚመጽእ መልሲ ሓባሪ ኢዩ። እወ፡ “ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምኑዎ ኵሉ ከምእትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ኣብዚ ኣእምሮ ሰብ ኰሊፉ፡ ናቱ ገለጽቲ ቃላት ብምውሳኽ፡ “ነገልግሎት ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡” “ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡” እናበለ፡ ነቲ ዝተወሃበ ሓይሊ፡ ብናቱ ክርድኦ ይፍትን ኢዩ። ዎ፡ ጐይታ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብጥንቓቐ ንሓዝ። እቲ ተስፋኡ ቃል ብቓል ሓቂ ኢዩ። ንሱ፡ “ኵሉ ነገራት” ዚብል ቃሉ፡ ብምድግጋም ኣብ ልብና ክኣትዉ ይደሊ። እምነት ዘለዎ ሓይሊ፡ ኣዚዩ ዓቢ ምዃኑውን ይገልጸልና ኣሎ። እቲ ርእሲ ነቶም ኣካላቱ፡ ተኻፈልቲ ስልጣኑ ክዀኑ ይጽውዕ ኣሎ። ኣቦ፡ ስልጣኑ ነቲ ብምልኣት ዝተኣመኖ ውላዱ ሂቡ ኢዩ።

እምነት፡ “ኵሉ ነገራት” ኣብ ዚብል ቃል፡ ምግቢን ሓይሊን ይረክብ። ነዞም ቃላት ምስ እነድክሞም፡ እምነት እውን ይደክም ኢዩ። ኵሉ ዘበለ ዚብል ቃል፡ ቅድመ ኵነት ኣይተገብሮን። እቲ እንኮ ቅድመ ኵነት፡ ምእማን ጥራይ ኢዩ። ቅድም ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ክንምርምርን ክንፈልጥን ኢና። ምእማን፡ ንነፍስና ንቓልን መንፈስን ኣምላኽ ኣሕሊፍና ምሃብ ኢዩ። ግና ሓንሳእ እንተ ተኣሚና፡ ዚሰኣነና ነገር ኣይህልውን ኢዩ። ኵሉ ነገራት ዚብል ቃል፡ ንሕና ይከኣል ኢዩ፡ ኢልና ናብ እንሓስቦ መምዘኒ ከይነውርዶ ንጠንቀቕ። ሕጂ ነቲ ክርስቶስ፡ “ኵሉ ነገራት” ብምባል ዝገለጾ፡ መሰረት መዐቀኒን ተስፋን እምነትና ንግበሮ። ነዚ ዘርኢ ቃል፡ ከምቲ ዝተወሃቦ ኣብ ልብና እንተ ኣንቢርናዮ፡ ሱር ክሰድድን ንህይወትና መሊኡ ብዙሕ ፍረ ከፍርይን ኢዩ።

“እትጽልዩዎን እትልምኑዎን ዘበለ።” “ኵሉ ነገራት” ናብ እግዚኣብሄር ብጸሎት ኢዩ፡ ክቐርብን ክሕተትን። እግዚኣብሄር ድማ ይህብ። እቲ ነዚ ዚህብ እምነት፡ ፍረ ጸሎት ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ጸሎት ክህልው፡ እምነት ክህልው ኣለዎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ እምነት ውጽኢትን ዕብየትን ጸሎት ኢዩ።

እቲ መድሕን ብውልቂ ምሳና ምዚህልውን ምስኡ ምስ እንሓብርን፡ እቲ ፈለማ ኣዚዩ ልዑል ዚመስል ዚነበረ እምነት ክንጭብጦ ክንኽእል ኢና። ብጸሎት ኢና ምስ ቅዱስ ፍቓድ እግዚኣብሄር ንሰምር፡ እቲ ዕላማ ልማኖና ድማ ዝፍተሽ። ብጸሎት ኢና፡ ብስም የሱስን ንኽብሪ ኣምላኽ ጥራይን ከምዝሓተትና ነረጋግጽ። ብጸሎት ኢና ንመንፈስ ተጸቢና፡ ነቲ ሰናይ ነገርን ብሰናይ መንፈስን ክንሓትት ንኽእል። ብጸሎት ኢና እምነት ከምዘድልየና ተረዲእና፡ ነቦ ንኣምን ኣሎና፡ ብምባል ንገልጽ። ከምኡውን ብጸሎት ኢና እምነትና ክውን ምዃኑ፡ ብርእሰ ተኣማንነት ጸኒዕና ነረጋግጽ።

የሱስ፡ ብጸሎት ኢዩ እምነት ዝምህርን ዘተባብዕን። እቲ ብሰንኪ መልሲ ክወሃብ ምዃኑ ስለ ዘይተኣመነ፡ ንጸሎት ዘደንጉይ፡ ወይ ብልቢ ክጽሊ ዘይደሊ፡ ንቐጻሊ እውን ክኣምን ኣይኽእልን ኢዩ። እቲ ክጽሊን ክልምንን ዝጅምር ግና፡ ኣብ እግሪ ዝፋን ኣምላኽ፡ መንፈስ እምነት ክወሃብ ኢዩ።

“ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ።” እቲ እንእመኖ ንጹር ኢዩ። ንሱ ድማ፡ ነቲ ዚለመናዮ ነገር ከምእንረክብ ኢዩ። እቲ መድሕን፡ ኣቦ፡ ዝያዳ ዘድልየና ነገር ስለ ዝፈልጥ፡ ካልእ ነገር ክህበና ኢዩ፡ ኣይበለን። እምነት ነቲ ከረን ናብ ቀላይ ምጥሓል ኢዩ። ነቲ ዘድልየና ነገር፡ ብጸሎትን ብልማኖን እነፍልጠሉ እዋን ኣሎ። ጻምኡ ድማ እቲ ጥዑም ሰላም እግዚኣብሄር፡ ኣብ ልብናን ሓሳብናን ይሓድር። እዚ ብተስፋ እንገብሮ ጸሎት ኢዩ። እግዚኣብሄር ዚልግሶም፡ ንሕና ግና ዘይንፈልጦም ነገራት ዘመልክት ድማ ኢዩ።

ከምዉሉዳት ኣብ መዓልታዊ መነባብሮና፡ ዘድልየና ዘበለ ነገራት ነፍልጥ። ኣቦ፡ ከምፍቓዱ ድማ ክህበና፡ ወይ ከይህበና ንገድፈሉ። እቲ የሱስ ብእምነት እንገብሮ ጸሎት ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ግና፡ ካብዚ ዝተፈለየን ዚዓበየን ኢዩ። ነቦ፡ ኣብቲ ዝዓበየ ስራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ይኹን፡ ወይ ኣብቲ ዝተሓተ ጠለብ መዓልታዊ መነባብሮና፡ እቲ ዘድልየና ነገር ብርግጽ ከምዝህበና፡ ከምኡውን ኣብ ብመንፈስ ዚተወሃበ ተስፋ ጸኒዕና፡ ነቲ ዝለመናዮ ከምእንረክብ ምእማን ገይሩ፡ ክብሪ ዝህቦ ነገር ከምዘየልቦ ክንርዳእ ኢና። ነዚ፡ ጐይታ ብኽመይ ኣነጺሩ ከምዝገለጾ ንርአ፦ “ዝዀነ ይኹን እቲ ዚበሎ ከምዚኸውን ዝኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ንዕኡ ክዀነሉ ኢዩ።” (ማርቆስ 11፡23) የሱስ ዝገለጾ፡ ብእምነት ናይ እንገብሮ ጸሎት በረኸት ድማ እዚ ኢዩ።

“ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ።” እዚ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ቃል ኢዩ። መብዛሕቱ እዋን ድማ፡ ሰባት ነዚ ቃል ብግቡእ ኣይርድእዎን ኢዮም። ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ! እወ ሕጂ ነቲ ኣብ እትጽልዩሉ ዝለመንኩምዎ ነገር። ምእንቲ ርኢኹም ክትኣምኑ፡ ድሒርኩም ብውልቂ ክትርከቡዎን ክተስተማቕርዎን ኢኹም። ሕጂ ግና ከይረኣኹም፡ ሰማያዊ ኣቦ ከምዝሃበኩም እመኑ። እቲ መልሲ ምርካብ፡ ወይ ምቕባል፡ ልክዕ ንየሱስ፡ ወይ ምሕረት ከምምርካብ፡ ወይ ከምምቕባል ኢዩ። ብስምዒታት ዘይምርኰስ መንፈሳዊ ነገር ከኣ ኢዩ።

ምሕረት ክረክብ ኢለ፡ ብልማኖ ኣብ ዚቐርበሉ፡ የሱስ ኣብ ሰማይ ምእንታይ ኢሉ ከምዘሎ ይኣምንን ይቕበሎን፡ ወይ ይርድኦ እየ። ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ ዚዀነ ፍሉይ ህያብ ክወሃብኒ ኢለ ኣብ ዚልምነሉ፡ እቲ ዚለመንኩዎ ከምዝወሃብ ይኣምን እየ። ከምዝረኸብኩዎ ይኣምን። ብእምነት ጨቢጠ ይሕዞ። ናተይ ብምዃኑ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር የመስግን። “ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ከምዚሰምዓና ካብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመናዮ ልማኖ ድሮ ከምዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።”

“ኪዀነልኩም ኢዩ።” እቲ ብእምነት ጨቢጥና ዝሓዝናዮ፡ ኣብ ሰማያት ዘሎ ህያብ፡ ብውልቂ ናትና ክኸውንን ክነስተማቕሮን ኢና። ግና እቲ ልማኖና ከምዝተሰምዐን ከምዝረኸብናዮን እንተ ፈሊጥና፡ ንነዊሕ እዋን ጸሎት ምግባር የድሊ ዶ? ከምዚ ዚበለ ጸሎት ዘየድልየሉ እዋናት ኣሎ። እቲ በረኸት ብኡንብኡ ክወሃብ ኢዩ። ንሕና ግና ነቲ ብእምነት ዝተረከብናዮ፡ ክሳብ ብኣካል እነስተማቕሮ፡ ጸኒዕና ብምምስጋን እምነትና ክነመስክር ይግባእ። ዋላውን ብእምነት እንተ ተረከብናዮ፡ ብቐጻሊ ብጽንዓት እንልምነሉ እዋናት ድማ ኣሎ። እግዚኣብሄር ጥራይ ኢዩ፡ ነቲ ብእምነት ዝተወሃብናዮ፡ መዓስ ብኣካል ፍሬኡ ከምእንርኢ ዝፈልጥ። ኤልያስ ዝናም ከምዝመጽእ ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ። እግዚኣብሄር ተስፋኡ ሂቡ ኢዩ። ንሱ ግና ሸውዓተ ሳዕ ክጽሊ ኔሩዎ።

እቲ ጸሎት ናይ ዋዛ፡ ወይ ንማለቱ ዝተገብረ ኣይነበረን። እኳ ደኣ ብርቱዕ መንፈሳዊ ክውንነት ኢዩ፡ ነይሩ። ብልቢ ኣብ ዚልምነሉ፡ እቲ ዕዮ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ይፍጸም ነይሩ ኢዩ። “ብእምነትን ብትዕግስትን ኢና ነታ ተስፋ እንወርሳ።” እምነት፡ ብርእሰ ተኣማንነት፡ ተረኪበዮ እየ፡ ክብል ኢዩ። ትዕግስቲ ድማ፡ እቲ ካብ ሰማይ ዝተወሃበ ህያብ፡ ክሳብ ኣብ ምድሪ ዝጋሃድ፡ ጸኒዑ ክጸበ ኢዩ። “ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ እሞ፡ ኪዀነልኩም ኢዩ።” ኣብ ሰማይ ከምዝረኸብኩምዎ ኣብ ዚብልን፡ ኣብ ምድሪ ከምዚዀነልኩም ዚብልን፡ እመኑ ዚብል ቃል ኣብ መንጐ ኣሎ። ብእምነት እነምልኾን እንጽልዮን፡ ንሰማይን ንምድሪን የራኽብ ኢዩ።

ሕጂ ድማ፡ ሓደ ካልእ ነገር ንዘክር። የሱስ ኢዩ፡ ነዚ ዚበለ። ሰማይ ምእንታና ተኸፊቱ፡ ከምኡዉን ኣብ ዝፋን ዘሎ ኣቦ፡ ብእምነት ዝለመናዮ ክህበና ተቐሪቡ ከምዘሎ ኣብ እንርእየሉ፡ ነቲ ምእንታና ዝተቐረበ ህያብ ብግቡእ ስለ ዘይተጠቐምናሉ፡ ኣብ ልብና ሕፍረት ይስምዓና። ብፍርሒ ተዋሒጥና እውን፡ እቲ ድኹም እምነትና፡ ብንጹር ተቐሚጡ ዘሎ ነገር፡ ክጭብጥ ዘይምኽኣሉ ንርኢ። ሓደ ነገር ግና ኣሎ፡ የሱስ ባዕሉ ነዚ መልእኽቲ ካብ ኣቦ ሒዙልና ስለ ዝመጸ፡ ሓይሊን ተስፋን ይህበና ኢዩ። ንሱ ባዕሉ ኣብ ምድሪ ከሎ፡ ብእምነትን ብጸሎትን ህይወቱ ይመርሕ ነይሩ ኢዩ።

ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ኦም በለስ ዝፈጸሞ ምስ ርኣዩ ተገረሙ። ንሱ ድማ፡ ንሳቶም እውን ከምኡ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ሓበሮም። ንኦም በለስ ክእዝዙ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ እምባ ከይተረፈ ግድን ክእዘዞም ኢዩ። ንሱ ህይወትና ኢዩ። ንሱ ኣብ ምድሪ ዝገብሮ ዝነበረ ነገር ኵሉ ኣባና ኣሎ። ንሱ ነቲ ዝመሃሮ ብርግጽ ክህብ ኢዩ። ንሱ ጀማሪን ደምዳሚን እምነትና ኢዩ። ንሱ መንፈስ እምነት ይህብ። ከምዚ ዚበለ እምነት ከኣ፡ ንዓና ኣይግባእን ብምባል ኣይንፍራህ። እዚ ንነፍሲ ወከፍ ውላድ ኣቦ ዚተዳለወ ኢዩ። ነቲ ከምውላድ፡ ንፍቓድን ፍቕሪን ኣቦ ዝተገዝአ፡ ኣብ ቃል ኣቦን ሓይሉን ተስፋ ዝገበረ፡ ክረኽቦ ዚኽእል ነገር ኢዩ። ክቡራት ክርስትያን ኣሕዋት! እዚ ቃል፡ ካብ የሱስ፡ ካብ ወዲ፡ ካብ ሓውና፡ ናባና ምምጽኡ ትብዓት ክህበና ይግባእ። መልስና እውን፡ እወ፡ ብሩኽ ጐይታ፡ ንቓልካ ንኣምን ኢና፡ ከምዝተረከብና እውን ንኣምን ኢና፡ ዚብል ይኹን።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ጐይታ! ኵሉ ፍቕሩን ንሱ ክህበና ዘዳለዎ በረኸትን፡ ክተርእየና ካብ ኣቦ መጺኻ። ጐይታ! ሎም መዓልቲ ድማ፡ እንደገና ነቲ ኣፍ ደገ ብገፊሕ ከፊትካዮ። ኣብ ጸሎት ዘሎና ሓርነት ኣመልኪትካ እውን ተስፋታት ሂብካና። እታ ንእሽቶ ልብና፡ ነዚ ምቕባል ብምስኣና ንሓፍር። ንሕና ክንእመኖ ከቢዱና ኢዩ።

ጐይታ! ምእንቲ ነዚ ክቡር ቃልካ ክንቕበሎ፡ ክንዕቅቦን ክንጥቐመሉን ክንኽእል ክትምህረና ናባኻ ንጥምት ኣሎና። “እትልምኑዎ ዘበለ ከምዝረኸብኩምዎ እመኑ።” ብሩኽ የሱስ! ምእንቲ እምነትና ክዓቢን ክተርርን፡ ኣባኻ ሱር ክሰድድ ኣለዎ። ዕዮኻ ካብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ኣውጺኡና ኢዩ። ናብ ኣቦ ድማ መገዲ ከፊቱልና ኢዩ። ፍቕርኻ ምስ ክብርኻን ስልጣንካን ክንሓብር ክንኽእል፡ ወትሩ ምስ ናፈቐ ኢዩ። ምእንቲ ምሉእ እምነትን ርእሰ ተኣማንነትን ክህልወና፡ መንፈስካ ናብ ላዕሊ ይስሕበና ኢዩ። ኣብ ትምህርትኻ፡ ኣብ ጸሎትና ብእምነት ምጽላይ ክንፈልጥ ከምእንኽእል ኣረጋጊጽካልና ኢኻ። ንስኻ፡ ንሕና ከምዝተወሃብና ክንእመን ክንኽእል ምጽላይ ክትምህረና ኢኻ። ነቲ ዚለመናዮ ድማ፡ ከምዝረኸብናዮ ክንእመን ኢና። ጐይታ! ኣነ ከፍቅረካን ኣባኻ ተስፋ ክገብርን ክኽእል ምሃረኒ። ኣባኻ ተወኪለ ከምዝነብር ግበረኒ። ኵሉ ጸሎተይ ብመገድኻ ናብ እግዚኣብሄር ከምዝዓርግ ይኹን። ነፍሰይውን ብመገድኻ ጸሎተይ ከምዝተሰምዐ ኣረጋጊጻ ትቕሰን። ኣሜን።