ምዕራፍ ዓሰርተ

ግሉጽ ጸሎት

"የሱስ ድማ፡ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ? ኢሉ መለሰሉ።" (ማርቆስ 10፡51፤ ሉቃስ 18፡41)

እቲ ዓይነ ስውር፡ "ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ።" ብምባል ጨርሐ። ብብርቱዕ ምጭዳሩ ድማ ቀጸለ። እቲ ልማኖኡ ከኣ፡ ኣብ እዝኒ ጐይታ በጽሐ። ንሱ እንታይ ከምዝደሊ ይፈልጥ ኢዩ። ዝለመኖ ክገብረሉውን ቅሩብ ኢዩ፡ ነይሩ። እንተ ዀነ ግን፡ "እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ?" ብምባል ሓተቶ። ብሓፈሻ ምሓረኒ ኢሉ ምልማኑ ጥራይ ኣየዕገቦን። እኳ ደኣ፡ ብፍሉይ ነቲ ዝደልዮ ነገር ክገልጽ፡ ካብ ልሳኑ ክሰምዖ ደለየ። ክሳብ ብጋህዲ ዘይተዛረበ ከኣ፡ ፈውሲ ኣይክረክብን ኢዩ።

ጐይታ፡ ሕጂውን ንብዙሓት ዝልምኑዎ፡ ነዛ ሕቶ ይሓትት ኣሎ። ክሳብ መልሲ ዝህቡ ድማ፡ ነቲ ዝለመኑዎ ሓገዝ ኣይክረኽቡን ኢዮም። ጸሎትና ብድፉን ምሕረት ክንረክብ ጥራይ ክኸውን የብሉን። ዘይተወሰነ በረኸት ክንረክብ ኢልና ክንምሕጸን የብልናን። እኳ ደኣ ድሌትና ኣነጺርና ክንልምን ይግባእ። እቲ ፈቃር ልቡ፡ ልማኖና ዘይርድኦ ኰይኑ ኣይኰነን፡ ወይውን ክሰምዓና ስለ ዘይደለየ ኣይኰነን። ግና ምእንታና ክብል ኢዩ፡ ብዝርዝር ክንገልጽ ዝደለየ።

ከምዚ ዚበለ ንጹር ጸሎት፡ ናይ ገዛእ ርእስና ድሌት ብዝበለጸ ክንፈልጥ ይምህረና ኢዩ።

እቲ ዝያዳ ዘድልየና ነገር፡ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ግዜ ወሲድናን፡ ሓሳብና ወፊናን፡ ገዛእ ርእስና ምምርማር ከድልየና ኢዩ። እዚ፡ እቲ ትምኒትና ቅኑዕን ክውንን ምዃኑ ይፍትሸን ይፍትንን ኢዩ። ኣብ ባህግና ክንጸንዕ ድልዋት ምዃንና እውን ከርኢ ኢዩ። ትምኒትና ምስ ቃል ኣምላኽ ይሳነ ምዃኑ፡ ክንመዝን የኽእለና ከኣ ኢዩ። ከምኡውን ነቲ ዝሓተትናዮ ከምእንረክብ፡ ብርግጽ ንኣምን ምዃና ክንምርምር ይድግፈና። ነቲ ፍሉይ መልሲ ክንጽበ ድማ ይሕግዘና። እቲ መልሲ ምስ መጸውን፡ ብግቡእ ክነለልዮ ንኽእል ኢና።

ግና ኸ ካብ ጸሎትና ክንድ ምንታይ ኢዩ፡ ዘይንጹርን ትርጉም ዘይብሉን ዚዀነ። ገሊኦም ምሕረት ይልምኑ፡ ግና ብምንታይ ምኽንያት ምሕረት ክገብረሎም ከምዝደለዩ ክፈልጡ ኣይግደሱን ኢዮም። ካልኦት ከኣ፡ ምናልባሽ ካብ ሓጢኣት ክድሕኑ ይልምኑ ይዀኑ፡ ግና ካብ ኣየናይ ሓጥጢኣቶም ክድሕኑ ከምዝደልዩ ዘርዚሮም ኣይገልጹን ኢዮም። ካልኦት ከኣ፡ ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ በረኸት ኣምላኽ ክረኽቡ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገሮም፡ ወይ ኣብ ዓለም ክዀዐ ይልምኑ፡ ግና እቲ መልሲ ኣብ ኣየናይ ፍሉይ ስፍራ ክወሃብ ምዃኑ ኣይፈልጡን ኢዮም። ጐይታ፡ ንዅሉ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ይብል፡ እሞ ንስኻትኹም ብርግጽ ሕጂ እንታይ ክገብረልኩም ኢኹም ትደልዩን ትጽበዩን? ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ናቱ ዝተወሰነ ስልጣን ኣለዎ። ናቱ ዝዓይየሉ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ስፍራ ድማ ኣለዎ። ኣብ ጸሎቱውን፡ ናቱ ፍሉይ ብጽሒት ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መካበቢያ ኣለዎ። ስድራ ቤቱ፡ ኣእሩኽቱን ጐረባብቱን ኣብ ዙርያኡ ይርከቡ። ካብዚኦም ንሓደ፡ ወይ ንኽልተ ብስም ጠቒሱ እንተ ዝልምን፡ ኣብ ናይ እምነት ቤት-ትምህርቲ ምኣተወ ነይሩ። ናብ እግዚኣብሄር ድማ፡ ጉዳያቱ ብውልቂን ነጥቢ ብነጥቢን ከቕርብ ምኸኣለ ነይሩ። ብኸምዚ ንነገራት ብንጹር ብእምነት ክንሓትትን መልሲ ክወሃበናን ከሎ ኢዩ፡ እቲ ሓፈሻዊ ጸሎትና እሙንን ውጽኢታዊን ዝኸውን።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ማጁባ ዚተባሃለ ስፍራ፡ እቶም ምኵራት ወተሃደራት ኤውሮጳ፡ ብሓረስቶት ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ተሳዓሩ፡ እቲ ስልጡን ዓለም ከምእተገረመ፡ ኵላትና ንዝክሮ ኢና። እሞ ደኣ፡ ምስጢር እቲ ዓወቶም እንታይ ኢዩ? ኣብ ሰራዊት ኤውሮጳ፡ እቲ ወተሃደር ብብዝሒ ተኣኪቡ ናብ ዘሎ ሰራዊት ጸላኢ ኢዩ ዝትኩስ። ነፍሲ ወከፍ ጥይት፡ ኣበይ ከምእትዓልብ ምጭማት ኣየድልዮን ኢዩ። እቶም ሓረስቶት ግና፡ ኣብ እዋን ሃደን፡ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ኣገባብ፡ ዝተፈለየ ተመክሮ ኔሩዎም። እቲ ምኵር ዓይኑ፡ ነታ ጥይት ናብቲ ብፍሉይ ዝመደቦ ቦታ፡ ብኸመይ ከምዝሰዳ ይፈልጥ ኢዩ። ነቲ ዝደለዮ ሰብ ድማ ፈሊዩ ይረኽቦ። ከምዚ ዚበለ ምጭማት፡ ኣብ መንፈሳዊ ዓለምውን፡ ግቡእ ቦታ ክወሃቦ ግዜኡ ኢዩ።

ኣብ እዋን ጸሎት፡ ዋላውን ብልቢ ብብዝሒ ልማኖና እንተ ኣቕረብና፡ ግና ክሳብ ግዜ ወሲድና፡ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት መልሲ ክረክብ መዲብናን ተጸቢናን ዘይለመና፡ መብዛሕቱ ልማኖና ሽቶኡ ኣይክወቕዕን ኢዩ። እንተ ዀነ ግን፡ ብህድኣት ኣብ ቅድሚ ጐይታ ደኒና፡ ከምዘን ስዒበን ቀሪበን ዘለዋ ሕቶታት ክንሓትት እንተ ንኽእል፡ ክንደይ መስለጥና፦ እቲ ሓቀይና ድሌተይ እንታይ ኢዩ? ከምዝወሃብ ተረዲአ፡ ብእምነት እብህጎ ደሎኹ? ኣብ ሕቑፊ ኣቦ ከንብሮን ክገድፎን ድልው ዲየ? መልሲ ከምዝረክብ፡ ኣብ መንጐ እግዚኣብሄርን ኣነን ውዱእ ነገር ድዩ? ስለዚ፡ ኣብ ጸሎትና፡ እግዚኣብሄር ከምዝርእይን ትጽቢትና እንታይ ምዃኑን ብንጹር ክንርዳእ ይግባእ።

ጐይታ፡ ኣህዛብ ብብዝሒ ቃላት ዝስምዑ ስለ ዝመስሎም፡ ብኸንቱ ቃላት ይደጋግሙ፡ ብምባል፡ ካብ ዘጠንቀቐና ምኽንያት ሓደ እዚ ኢዩ። በብእዋኑ ብቕንዕናን ብዓሚቕ ስምዒትን፡ ብብዝሒ ልማኖታት ክቐርብ ተዓዚብና ኢና። ይኹንምበር ጐይታና ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ብምባል ከምዝምልሰሎም ከኣ ኣየጠራጥርን ኢዩ፡ "እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ?"

ትካል ኣቦይ ወኪለ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተ ሃለኹ፡ ክልተ ዝተፈላለየ ዓይነት ደብዳበ ከምዝጽሕፍ ርግጽ ኢዩ። እቲ ሓደ ፍቕሪ ዘበገሶ፡ ስድራ-ቤታዊ ደብዳበ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልእ ድማ፡ ጠለብ ዘድልየኒ ነገራት ዝሓዘ ንግዳዊ ደብዳበ ኢዩ። ክልቲኡ መልእኽቲ ዘጠቓለለ ደብዳበ እውን ይህልው ይኸውን ኢዩ። እቲ ዚወሃብ መልሲ፡ ብመሰረት እቲ ዝተጻሓፈ ደብዳበ ድማ ይኸውን። ኣብቲ ወረ ስድራ-ቤት ዝሓዘ ደብዳበ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዓርፍተ ነገር፡ ፍሉይ መልሲ ክንወሃብ ኣይንጽበን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ዝሓተትክዎ ጠለብ ግና፡ እቲ ዘድሊ ኣቕሓ ከምዝለኣኽ፡ ብዝርዝር መልሲ ከምዝረክብ ርግጸኛ እየ። ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ዘሎና ርክብ እውን፡ እቲ ዘድሊ ነገር ብዝርዝር ክቐርብ ይግባእ። ብዛዕባ ዘድልየና ነገርን ስርየት ሓጢኣትን፡ ከምኡውን ፍቕሪ፡ እምነትን ቅድስናን ኣመልኪትና ኣብ እንገልጸሉ፡ ነቲ እንደልዮ ነገር ብንጹር ክንሓትትን ከምዝወሃበና ዝሕብር መረጋገጺ ቃላትን ክህልው ይግባእ። ኣቦ፡ መልሲ ብምሃብ ኢዩ፡ ልማኖና ቅኑዕ ምዃኑ ዝገልጽን ከምዝተቐበለና ከረጋግጽን ዝፈቱ።

ግና እቲ ቃል ጐይታ፡ ካብኡ ብዚልዕል ይምህረና ኣሎ። እንታይ ትምነይ? ኣይኰነን ዚበለ። ግና፡ እንታይ ትደሊ? ኢዩ ዚበለ። ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ከየድለዮ ከሎ፡ ክምነዮ ይኽእል ኢዩ። ኣነ ንሓደ ኣቕሓ ክውንኖ እምነ እኸውን። ግና ዋጋኡ ብጣዕሚ ክቡር ዀይኑ ይጸንሓኒ። ከይውንኖ ድማ ይውስን። ኣነ ተመንየ፡ ግና ክውንኖ ኣይኸኣልኩን ኣሎኹ። እቲ ህኩይ ሰብ ሃብታም ክኸውን ይምነ። ሃብታም ክኸውን ግና ድልው ኣይኮነን። ብዙሓት ክድሕኑ ይምነዩ ኢዮም። ፍቓዶም ስለ ዘይኰነ ግና ጠፊኦም። ፍቓድ፡ ብምሉኡ ልብናን ህይወትናን ይመርሕ ኢዩ። ኵሉ ክበጽሖ ዝኽእል ነገር፡ ክረኽቦ እንተ ዝፈቕድ፡ ክሳብ ዝረኽቦ ደው ኣይምበልኩን።

ከምኡውን፡ የሱስ "እንታይ ትደሊ?" ክብለና ከሎ፡ ዋላውን እቲ መስዋእቲ ከቢድ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝሓተትናዮ ዘድሊ ዋጋ ከፊልና ክንውንኖ ድልዋት ምዃንና ይሓትት ኣሎ። ዋላውን መልሱ እንተ ኣደንጐየ፡ ክሳብ ዝሰምዓና ክንጽበ ፍቓድና ዲዩ? ዋይ ኣነ፡ ክንደይ ጸሎት ብትምኒት ጥራይ ዘይተላእኸ፡ ቀልጢፉ ድማ ዘይተረሰዐ። ወይውን ከምስርዓት ጥራይ፡ ንማለቱ ጥራይ በብዓመቱ ዘይተደግመ። ክንደይ ኢዩ'ኸ፡ መልሲ ከይረኸበ ከሎ፡ ተረሲዑ ዝተረፈ?

ግና፡ ፍቓድና ከይገለጽና፡ ትምኒትና ጥራይ ንእግዚኣብሄር ኣፍሊጥና፡ ንሱ ዝሓሸ ዚበሎ ክገብር ምግዳፍ ዶ ኣይምሓሸን? ብምባል ንሓትት ንኸውን። ኣይፋል! የሱስ፡ ብእምነት ምጽላይ ኣመልኪቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ከምህሮም ዝደለየ ቀንዲ ነገር ድማ፡ ትምኒት ኣፍሊጥካ ጥራይ፡ እግዚኣብሄር ዝገበረ ይግበሮ ብምባል፡ ልማኖ ክትቕርብ ከምዘይግባእ ኢዩ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣብ ዘይንፈልጠሉ፡ ከምዚ ዚበለ ጸሎት ክቐርብ ይኽእል ይኸውን። ይኹንምበር ብእምነት እንገብሮ ጸሎት፡ ብመሰረት ፍቓድ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኪሱ ስለ ዝቐርብ፡ ክሳብ መልሲ ንረክብ፡ ልማኖና ይቕጽል። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ (4፡28)፡ የሱስ፡ ነቲ ዓይነ ስውር ሰብኣይ፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ከምዚበሎ ነንብብ፡ "እዚ ምግባር ከምዚከኣለኒዶ ትኣምን?" ኣብዚ፡ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ከኣ፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ይብል፡ "እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?" ኣብ ክልቲኡ ከኣ፡ እምነት ከምዘድሓኖም ይገልጽ። ከምኡውን ነታ ከነኣናዊት ሰበይቲ፡ "እምነትኪ ዓባይ ኢያ፡ ከምዝደሌኽዮ ይኹነልኪ።" በላ። እምነት ካልእ ነገር ኣይኰነን። እምነት፡ ኣብ ቃል እግዚኣብሄር ተወኪልካ፡ ክወሃበኒ ኣለዎ፡ ክትብል ምኽኣል ኢዩ። ብሓቂ ምእማን፡ ብልቢ ምድላይ ኢዩ።

ግና ከምዚ ዚበለ ድሌት፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ምምርኳስን ንዕኡ ኣብ ምእዛዝን፡ ኣይጻረርን ዶ? ኣይፋል! ብሓቂ'ባ፡ ንእግዚኣብሄር ንእዘዝን ክብሪ ንህብን ኣሎና። ሓደ ውላድ፡ ነቦኡ ፍቓዱ ምሉእ ብምሉእ ኣሕሊፉ ምዚህብ ኢዩ፡ ኣቦ ድማ፡ ፍቓዱ ብናጽነትን ብስልጣንን ክገብር ዘፍቕደሉ። ግና እቲ ኣማኒ፡ ብቓልን ብመንፈስን ንዝተገልጸ ፍቓድ እግዚኣብሄር፡ ከምናቱ ፍቓድ ምዝቕበል ኢዩ፡ ኣቦ ከኣ፡ ውላዱ ነዚ ዚተሓደሰ ፍቓድ ኣብ ኣገልግልቱ ክጥቐመሉ ዘፍቕደሉ። ኣብ ነፍሲ እቲ ዝለዓለ ሓይሊ ፍቓድ ኢዩ። ጸጋ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ነዚ ፍቓድ ክቕድስ ይደሊ። ፍቓድ፡ ቀንዲ ባህሪ ምስሊ እግዚኣብሄር ኢዩ። ፍቓድ፡ ብናጽነት ድሌትካ ብምልኣት ምግባር ኢዩ። ከምመጠን ንረብሓ ኣቦኡ ጥራይ ዝነብር ውላድ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ድሌት ዘይኰነ፡ ብሓደራ ዝተወሃቦ ፍቓድ ኣቦኡ ክፍጽም ዝደሊ ውላድ፡ እግዚኣብሄር ብምልኣት፡ "እንታይ ትደሊ?" ብምባል ክሓቶ ኢዩ። ብግብዝና ናተይ ፍቓድ የብለይን ኢልካ ምእዋጅ፡ መንፈሳዊ ትህኪት ኢዩ። ከምኡ ዚብል ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ንምርማር ዘድሊ ዋጋ ክኸፍል ኣይደፍርን ኣሎ። ወይ እንተ ረኸቦ ድማ፡ ብእምነት ክቕበሎ ኣይዀነሉን ኢዩ።

ሓቀይና ትሕትና ምስ ልባዊ እምነት ተሳንዩ ይኸይድ። ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ይምርምር፡ ብትብዓት ድማ፡ እቲ ተስፋታት ከምዝፍጸም ይእመን። "እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።"

"ጐይታ ምጽላይ ምሃረና።"

ጐይታ የሱስ! ኣብቲ ዝልምኖ፡ ምእንቲ ኣባኻን ኣባይን ገለ ዘይነጸረ ነገር ከይህልው፡ ብምሉእ ልበይን ሓይለይን ምጽላይ ምሃረኒ። ባህገይ ፈሊጠ ድማ፡ ልማኖይ ከምቲ ኣብ ሰማይ ምዝጉብ ዚዀነ፡ ኣብ ምድሪውን ክምዝግቦን፡ ነፍሲ ወከፍ መልሲ ኣብ ዚመጻሉ ከረጋግጽ ክኽእል ግበረኒ። ከምኡውን ኣብ ቃል ዝተወሃበ ተስፋ ዘሎኒ እምነት ክንጽር ኣብቕዓኒ። መንፈስ ከኣ፡ ክፍጸም ምዃኑ ብናጽነት ክርዳእ ክኽእል ኣብ ውሽጠይ ይዕየይ። ጐይታ! ውጽኢታዊ ጸሎት ክገብር ዘሎኒ ፍቓድ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድሶ፡ ኣሐይሎን ቀድሶን ኢኻ።

ብሩኽ መድሕን! ዝደለናዮ ከምእትፍጽምን እቲ ዝደለናዮ ከምእትገብር ዝሃብካና ተስፋን ኣመልኪትካ ብዘደንቕ ኣሕጺርካ ዘርኣኻና ክትገልጸለይ እምሕጸነካ። ወዲ እግዚኣብሄር!

ኣነ ክርድኦ ኣይኽእልን እየ። ምእንቲ ኣብ ኣገልግሎት ብቑዓት ክንኸውን፡ ድሌትና ክንሕብር ክንፈቕድ፡ ምእንቲ ክብርኻ ሓራ ከምዘውጻኻና ጥራይ ይኣምን። ጐይታ! ኣነ ብዘይ ጉድለት ድሌተይ ንዓኻ እህብ ኣሎኹ። መንፈስካ ድማ፡ ብምልኣት ክመርሓኒ ኢዩ። ንሱ ይቘጻጸሮ። ናብቲ ሓቀይና ተስፋታትካ እውን ይምርሓኒ። ኣብ ጸሎተይ እውን፡ እቲ ድምጺ፡ "እምነትካ ዓባይ ኢያ፡ ከምዝደሌኻዮ ይኹነልካ።" ክብል ከሎ ክሰምዕ ክኽእል ግበረኒ። ኣሜን።