ምዕራፍ ሽሞንተ

ትብዓት ኣዕሩኽ ኣምላኽ

"በሎም ድማ፡ መን ኢዩ ኻባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቓ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፡ ዓርከይ፡ ፈታዊ ካብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተበሎ፡ እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጒሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት ኢዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ። ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኹም ኣሎኹ።" (ሉቃስ 11፡5-8)

ጐይታና፡ ኣብ ልዕሊ ከረን ደይቡ ብምስባኽ፡ ቀዳማይ ትምህርቱ ንደቀ መዛሙርቱ ሂቡ። ዳርጋ ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንየሱስ ምጽላይ ክምህሮም ሓተቱዎ። ከም ግብረ-መልሲውን ዳግም፡ “ኣቦና ብሰማይ እትነብር…” ዚብል ጸሎት ሃቦም። እንታይ ከምዝጽልዩ ከኣ መሃሮም። ቀጺሉውን ከመይ ጌሮም ከምዝጽልዩ ሓበሮም። ነቲ ኣቐዲሙ ዝገለጾ፡ ኣቦነት እግዚኣብሄርን ርግጸኛነት መልሲ ጸሎትን ከኣ ደገሞ። ንጸሎት ኣመልኪቱ ዕጽፊ ትምህርቲ ከምህሮም ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ዚመጸ ዓርኪ ዘዘንቱ ግሩም ምሳሌኣዊ ዛንታ ወሲኹ ሓበሮም። እዚ ምሳሌኣዊ ዛንታ፡ እግዚኣብሄር፡ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ነቶም ኣብ ዙርያና ዚጠፍኡ ዘለዉ ክንጽሊ ከምዝደሊ ይምህር። ከምዚ ዚበለ ምሕጽንታን ተባዕ ምህለላን ኣገዳሲን ቅቡልን ኢዩ። እወ፡ ንእግዚኣብሄር ባህ የብሎ ኢዩ።

እዚ ምሳሌኣዊ ዛንታ፡ ንሓቀይና ምሕጽንታ፡ ወይ ምእንቲ ንኻልኦት ምልማን ዚምልከት፡ እኹል መምርሒ ሒዙ ኣሎ። መጀመርታ፡ ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ጽጉማት ሰባት ክሕግዝ ዚደሊ ፍቕሪ ኣሎ። "ዓርከይ ናባይ መጺኡ።" ብምቕጻል ከኣ፡ “ገለ ክቕርበሉ ኣይኽእልን እየ።” ዚብል፡ ድሌት ምጭዳር ኣሎ። ሓገዝ ግድን ክረክብ ኣሎኒ ዚብል ከኣ ይስዕብ፡ "መን ኢዩ ካባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ እሞ፡ ዓርከይ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ ዚብሎ።" ካብኡ እቲ ዘደንጹ እምቢታ ይኽተል፡ "ተንሲኤ ክህበካ ኣይዀነለይን።" እንደገናውን እቲ እምቢታ ዘይቕበል ሓቦ ይስዕብ፡ "ብሰንኪ ደጋጊሙ ምሕታቱ።" ኣብ መወዳእታ፡ ወሬታ ናይ ከምዚ ዚበለ ጸሎት ይኽተል፡ "ንሱ ንዝደለዮ ይህቦ።" እምነትን ጸሎትን ዘስዕብዎ በረኸት ኣምላኽ፡ ኣብዚ ብዘደንቕ ተገሊጹ ይርአ።

ገዛእ ርእስና ኣብቲ ቀንዲ ሓሳብ ንደርት። ንሱ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከምመጠን ዓርክና ምልማን ኢዩ። ኣብዚ ብፍላይ ክልተ ትምህርትታት ተጠቒሶም ንርኢ። እቲ ቀዳማይ፥ ንሕና ኣዕሩኽ እግዚኣብሄር እንተ ዀይንና፡ ኣዕሩኽ እቶም ጽጉማት ምዃንና ክነመስክር ይግባእ። ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ካልኦት ሰባትን ዘሎና ዕርክነት፡ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዙ ይኸይድ። እቲ ካልኣይ፥ ከምኡ ኰይንና ምስ እንቐርብ፡ መልሲ ከምእንረክብ እርግጸኛታት ኢና።

ድርብ ኣገልግሎት ጸሎት ኣሎ። እቲ ሓደ፡ ንገዛእ ርእስና ሓይሊን በረኸትን ክንረከብ እንገብሮ ኢዩ። እቲ ካልኣይ፡ እቲ ዝለዓለ፡ እቲ ሓቀይና ክብሪ ጸሎት፡ ክርስቶስ ናብ ሕብረቱን ትምህርቱን ዚጸውዓና፡ ክንዲ ካልኦት ክንልምን ኢዩ። ጸሎት፡ ኣብ ክንዲ ካልኦት ሰባትን መንግስቲን፡ ኣብ ሰማያት ዚፍጸም ንግስነታዊ ስልጣን ኢዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽውን ከምእንርእዮ፡ ኣብርሃምን ሙሴን፡ ሳሙኤልን ኤልያስን፡ ምስ ኵሎም ቀዳሞት ቅዱሳን፡ ክንዲ ካልኦት ብምልማኖም፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለዎም ሓይሊ ተረጋጊጹን ተዓዊቶምን ኢዮም። ገዛእ ርእስና ንበረኸት ኣሕሊፍና ምስ እንህብ፡ ብእግዚኣብሄር ድማ ክንባረኽ ንጽበ። ኣዕሩኽ ድኻታትን ዝጠፍኡ ዘለዉን ኰይንና፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣብ እንቐርበሉ፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ነረጋግጽ። እቲ ዓርኪ ድኻታት ዝዀነ ጻድቕ፡ ብፍሉይ ዓርኪ እግዚኣብሄር ኢዩ። እዚ፡ ኣብ ስርዓት ጸሎት ዘደንቕ ናጽነት ይህብ።

ጐይታ! ኣነ ግድን ክሕግዞ ዝግባእ ጽጉም ዓርኪ ኣሎኒ። ከምመጠን ዓርኪ ይሕግዞ ኣሎኹ። ኣባኻ ህያውነቱን ሃብቱን ወደር ዘይብሉ ዓርኪ ድማ ኣሎኒ። ኵሉ ዚለመንኩዎ ከምእትህበኒ ርግጸኛ እየ። ኣነ፡ ክፉእ ክንሰይ፡ ንዓርከይ ዓቕመይ ዘፍቕደለይ ክገብረሉ ቁሩብ ካብ ኰንኩ፡ ንስኻ ክንደይ ኣብዚሕካ ዘይትገብር። ዎ፡ ሰማያዊ ዓርከይ፡ ሕጂ፡ እቲ ዓርክኻ ዚልምነካ ዘሎ ግበረሉ?

እቲ ሕቶ ግና፡ ኣብ ጸሎትና፡ ኣቦነት እግዚኣብሄር ርእሰ ተኣማንነት እንተ ዘየሕዲሩልና፡ ዕርክነት እግዚኣብሄር ብዙሕ ክምህረና ከምዘይኽእል ንፍለጥ። ኣቦ ካብ ዓርኪ ይበልጽ። ይኹንምበር ግቡእ ቈላሕታ እንተ ሂብናዮ፡ ዕርክነት እግዚኣብሄር ሓድሽ ኣገረምቲ ነገራት ገሊጹ ከርእየና ኢዩ።

ሓደ ውላድ ነቦኡ ዚለመኖ ነገር ሓቲቱ ክረክብ ባህርያዊ ተርእዮ ኢዩ። እቲ ኣቦ ክህብ ሓላፍነቱ ምዃኑ ድማ፡ ብዕሊ ንገልጽ ኢና። ኣብ ዕርክነት ግና፡ እቲ ለውሃት፡ ባህርያዊ ስለ ዝዀነ ዘይኰነ፡ ብናጻ ፍቓድ ድንጋጸን ጠባይን ይምርኰስ። ከምኡውን እቲ ውላድ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ዝምድና፡ ኣብ ፍጹም ጽግዕተኝነት ዝተመርኰሰ ኢዩ። ኣዕሩኽ ግና ዝምድንኦም ኣብ ተቐራራቢ ደረጃ ይምርኰስ። እምበኣር ጐይታና፡ ምስጢር መንፈሳዊ ጸሎት ኣመልኪቱ፡ በዚ ስዒቡ ዘሎ ኣገባብ እውን ክገልጸልና ደሊዩ፦ ንእግዚኣብሄር ከምኣዕሩኽን ኣእምሮኡን ህይወቱን ምሳና ከምዝደናገጽን ፈሊጥና ክንቐርቦ ይግባእ።

ግና ድማ ናይ ግድን ከምኣዕሩኽቱ ኰይንና ክንነብር ኣሎና። ዋላውን ከርታት እንተ ዀንኩ፡ ሕጂውን ውሉድ እየ። ዕርክነት ግና ኣብ ጠባይና ይውከል። "ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ኵሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም።" "እምነት ምስ ግብሪ ዀይና ከምዝዓየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከምእተፈጸመት፡ ትርኢ ኣሎኻ፤ እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ኰይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ።" እቲ መንፈስ ኢዩ፡ "ባዕሉ እቲ መንፈስ፡" ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡላት ምዃንና ዝምስክረልና። "ብተመሳሳሊውን፡" እቲ መንፈስ ባዕሉ ኣብ ጸሎት ይድግፈና። ኣዕሩኽ እግዚኣብሄር ብምዃንና፡ ብዘገርም ናጽነት፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ከይተረፈ፡ ክኸዶ ዚኽእል ዓርኪ ኣሎኒ፡ ክንብል ንኽእል። እሞ፡ ከምቲ ለውሃት እግዚኣብሄር ዝደለኹ፡ ብተመሳሳሊ ናይ ዕርክነት መንፈስ፡ ዓርከይ ክሕግዝ ደሊየ ናብኡ ብምኻድ፡ ነዚ እንተ ዘንጸባርቖ ክንደይ ኣብዚሑ ምጸበቐ።

ብጸሎት ናብ እግዚኣብሄር ክቐርብ ከሎኹ፡ ንሱ ኵሉ ግዜ ዕላማ ጸሎተይ እንታይ ምዃኑ ይምርምር ኢዩ። ጸጋኡ፡ ንገዛእ ርእሰይ ክጥዕመኒ፡ ወይ ንናተይ ሓጐስ ጥራይ እንተ ዀይነ ዝልምን፡ ኣይክወሃብን እየ። ግና ኣነ በረኸቱ ንኻልኦት ክህብ ከሎኹ፡ ንሱ ክኸብር ኢዩ፡ ኢለ ክዛረብ እንተ ኽኢለ፡ ልማኖይ ከንቱ ኣይክተርፍን ኢዩ። ወይ ኣብ ክንዲ ካልኦት እንተ ለሚነ፡ ግና እግዚኣብሄር ቅድሚ ኣነ ሃብቲ ምርካበይ፡ ንዕኦም ክህቦም እንተ ዘይብሂገ፡ ምእንትኦም ዝፈጸምኩዎ መስዋእቲ፡ ወይ ግብራዊ እምነት ስለ ዘየለ፡ ኣይክወሃበኒን ኢዩ። ግና ንጽጉም ዓርከይ ድሮ ሓጊዘዮ ኣሎኹ፡ ኢለ ክዛረብ እንተ ኽኢለ፡ ዚሕግዘኒ ዓርኪ ከምዘሎኒ እፈልጥ። ኣብ ድኽነት ከሎኹ ኣገልግሎት ፍቕሪ ጀሚረ እየ’ሞ፡ ጸሎተይ ከኣ ክስማዕ እዩ። ዎ፡ ልማኖና ውጽኢታዊ ምዃኑ ከንደይ ዘይንፈልጥ? ምድራዊ ዕርክነት ኣብ እዋን ስእነቱ ንሰማያዊ ዕርክነት ኢዩ ዝጥምት፡ "ንሱ ዝደለዮ ክህቦ ኢዩ።"

ግና ኩል ግዜ ብሓንሳብ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ብእምነት ብምዕይያይ፡ ንኣምላኹ የኽብርን ብዕኡ ይሕጐስን። ኣብ ክንዲ ካልኦት ምልማን፡ ክፋል ቤት-ትምህርቲ እምነት ኢዩ። ኣብኡ ምስ ሰብን ምስ እግዚኣብሄርን ዘሎና ዕርክነት ይፍተን። ኣብኡ ምስ ጽጉማት ዘሎኒ ዕርክነት ሓቀይና ምዃኑ ይምርመር። ምእንትኦም ግዜ ወሲነ ዕረፍተይ ክስውእ እየ። ዋላ ኣብ ፍርቂ ለይቲውን እንተ ዀነ፡ ድሌቶም ክሳብ ዝረኽቡ ድማ ኣይከዕርፍን እየ። ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ዘሎኒ ዕርኽነት ብንጹር ክርአ ኢዩ። ንሱ ከምዘይነጽገኒ ስለ ተኣማመንኩ፡ ክሳብ ዝህበኒ ጸሎተይ ኣየከቛርጽን እየ።

ዎ፡ ብጽንዓት ደጋጊምካ ምልማን ክንደይ ዓሚቕ ሰማያዊ ምስጢር ኢዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ቀንዲ መደቡን ድሌቱን ንበረኸቱ ክህብ ዝዀነ፡ ከይሃበ ጨቢጡ ሒዙዎ ኣሎ። እቶም ኣብ ምድሪ ዘለው ኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ሰማይ ንዘሎ በዓል ጸጋ ዓርኮም ክፈልጡዎን ብምልኣት ክእመኑዎን ይደሊ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ምድንጓይ መልሲ ዚተባህለ ቤት-ትምህርቲ ይምህሮም ኣሎ። ጽንዓቶም ክንድ ምንታይ ከምዝተዓወተ ድማ ይግምግሞ። እንተ ጸኒዖም ኣብ ሰማይ ንዘሎ ዓቢይ ሓይሊ ክጥቐሙሉ ኢዮም። ቃል ተስፋ ዝርኢን ዝቕበልን እምነት ኣሎ። ግና ገና ነቲ ተስፋ ኣይተወሃበን ኣሎ። (እብ 6፡13፤ እብ 6፡39) ጸሎት መልሲ ኣብ ዘይረኸበሉ፡ ከምኡውን እቲ ብጽኑዕ ዝኣመናዮ ቃል ተስፋ ኣብ ዘይተጋህደሉ እዋን ኢዩ፡ እምነት ካብ ወርቂ ንላዕሊ ዝፍተን። ኣብ ከምዚ ዚበለ ፈተና ኢዩ፡ እቲ ቃል ተስፋ ጨቢጡ ዝሓዘ እምነት ዝጸርይን ዝሕይልን። ከምዚ ዚበለ እምነት፡ ምስ ህያው ኣምላኽ ቅዱስ ሕብረት ብምፍጻም፡ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ክርኢ ድማ ኢዩ። በቲ ዘይርአ ኣምላኽ ዝተወሃበ ህያብ፡ ብምልኣት ክሳብ ዝረከብ፡ ነቲ ቃል ተስፋ ኣጽኒዑ ክሕዝ ኢዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ኣቦኡ፡ ዕዮ ፍቕሪ ክዓዪይ ዝደሊ ነፍሲ ወከፍ ውሉድ ኣምላኽ ይትባዕ። ወላዲ ምስ ውላዱ፡ መምህር ምስ ክፍሉ፡ ጋሻ ምስ ዞባኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ ምስ ዙርያኡ፡ ሰባኻይ ምስ ሰማዕቱ፡ ነፍሲ ወከፎም፡ ኣብ ውሽጢ እታ ንእሽቶ ማሕበሮም፡ እቶም ሸኽም ስኡናትን ዝጠፍኡ ዘለዉን ዝተሸከሙ ትብዓት ይርከቡ። ኣብ መጀመርታ፡ እግዚኣብሄር፡ ንምንታይ መላሊስና ብጽንዓት ክንጽሊ ከምዝደሊን መንፈሳዊ ኣገዳስነት ደጋጊምካ ምልማንን ኣይርድኣናን ይኸውን። ጐይታ፡ ነዚ ክምህረና ድማ ነዚ ዘገርም ምሳሌኣዊ ዛንታ ተጠቒሙ። ነቲ ዘይዕርክነታዊን ስሱዕን ባህሪ ዘለዎ ምድራዊ ዓርኪ፡ ደጋጊምና ብምሕታት ክንስዕሮ እንተ ኽኢልና፡ ምስ እቲ ሰማያዊ ዓርኪ ክንዴናይ ኣብዚሑ ውጽኢት ዘይህልዎ። ንሱ ክህበና ኣዚዩ ይብህግ ኢዩ። ግና ብሰንኪ መንፈሳዊ ድኽመትና፡ ገና ኣይሃበናን ኣሎ። እንተ ሂቡና ክንጻወሮ፡ ወይ ብግቡእ ክንጥቐመሉ ኣይንኽእልን ኢና። ዎ፡ መልሲ ብምድንጓዩ፡ ንሕና ሓቀይና ቦታናን ኣብኡ ዘሎና ስልጣንን፡ ክንፈልጥ ይምህረና ኣሎ’ሞ፡ ነመስግኖ። ከምሓቀይና ኣዕሩኽ ከይተጠራጠርና ንዕኡ ክንእመኖ ይምህረና ኣሎ’ሞ፡ ነመስግኖ። ነዚ ዘይብተኽ ሰለስተ ዕጽፊ ገመድ ኣትሪርና ንሓዝ። እቲ ሓገዝ ዝደሊ ጽጉም ዓርኪ፡ እቲ ምእንትኡ ሓገዝ ደሊዩ ዝልምን ዓርኪ፡ ከምኡውን እቲ ኵሉ ብፍቕሪ ክህብ ዝተቐረበ ሓያል ዓርኪ።

"ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።"

ዎ፡ ብሩኽ ጐይታይን መምህረይን! ብጸሎት ናባኻ ግድን ክመጽእ ኣሎኒ። ትምህርትኻ ኣዚዩ ክቡር ኢዩ። ግና ከኣ ኣነ ክርድኦ ኣዚዩ ልዑል እዩ። ንዓኻ ነቦይ ዓርከይ ኢለ ክጽውዕ ኣብ ልበይ እኹል ድፍረት ከምዘይብለይ እናዘዝ። ጐይታ የሱስ! ንመንፈስካን ንቓልካን ከምእትህበኒ ይኣምን። ንቓልካውን ኣብ ልበይ ስሉጥን ሓያልን ግበሮ። ኣብዛ መዓልቲ ንቓልካ ክፍጽም እብህግ ኣሎኹ፦ "ምእንቲ ጸኒዑ ብምልማኑ ዝደለዩ ይህቦ።"

ጐይታ! ብዛዕባ ደጋጊምካ ምልማን ዘለዎ ሓይሊ ክፈልጥ ኣብዚሕካ ምሃረኒ። ደጋጊምና ኣብ እንልምነሉ፡ ኣቦ፡ ኣብ እዋኑ መልሲ ከምዝህበና እፈልጥ እየ። እዋናዊ መልሲ ኣብ እንረኽበሉ ድማ፡ ኣብ ውሽጣዊ ህይወትና ንዓቢን ንበስልን። ጸጋኡ እውን ኣብ ውሽጥና ሰሪጹ ይኣትው። ኣብ እዋን ጓሂ’ውን እንተ ዀነ፡ ተስፋ ከይንቈርጽ ዘኽእለና፡ ጽንኩር እምነት ክህልወና፡ ክምህረና ባህ ከምዝብሎ እፈልጥ እየ። ናብ ዘደንቕ ሓርነት ሓፍ ከብለና ከምዝደሊ እፈልጥ እየ። ደጋጊምና ኣብ ምልማን፡ ህያባቱ ኣብ ጸሎትና ከምዝምርኰስ ንርዳእ። ጐይታ! ኣነ ነዚ እፈልጥ እየ። ዎ፡ ብመንፈስን ብሓቅን ክርእዮ ምሃረኒ።

ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ በዓል ጸጋ ዓርከይ፡ ዓያዪ ግብረ ሰናይ ምዃን፡ ሓጐስ ህይወተይ ይኹን። ዋላውን ኣብ ፍርቂ ለይቲ ነቶም ኵሎም ዝጠመዩን ዝጠፍኡን ዘለዉ ክሕብሕብ ይኽኣል። ምኽንያቱ ዓርከይ ነቲ ደጋጊሙ ዚለመኖ፡ ኵል ግዜ ዝድልዮ ዘበለ ከምዝህቦ እፈልጥ እየ። ኣሜን።