ምዕራፍ ሾብዓተ

ኵሉ ዘጠቓለለ ውህበት

“እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ክፉኣት ክንስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ክንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?” (ሉቃስ 11፡13)

ጐይታ ኣብ'ቲ ከረን ደዪቡ ኣብ ዝሰበኸሉ፡ ክንደይ ኣብዚሑ? ዚብላ ኣገረምቲ ቃላት ድሮ ጠቒሱ ኢዩ። ኣብ ወንጌል ሉቃስ፡ ነዛ ሕቶ ኣብ ዝደገመሉ ግና፡ ናይ ትርጉም ፍልልይ ኔሩዎ። ንሱ፡ ኣብ ክንዲ ከምቲ ናይ ቅድም ሕጂ፡ ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ዚብል፡ “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ክንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?” በለ። ስለዚ፡ እዚ፡ እቲ ቀንዲን ብሉጽን ውህበት፡ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ምዃኑ ይምህረና ኣሎ። ወይ ድማ ኵሎም ካልኦት ውህበታት፡ ኣብዚ ውህበት ተጠቓሊሎም ኣለዉ፡ ማለት ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ፡ ቀዳማይ ውህበት ኣቦ ኢዩ። እቲ ኣቦ ብልዑል ሓጐስ ክህቦ ዝደሊ እውን ኢዩ። ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ ቀዳማይን ቀንዲን እንብህጎ ውህበት ክኸውን ይግባእ።

እዚ ውህበት ብቓላት ክግለጽ ዘይኽእል ክብሪ ከምዘለዎ ብቐሊሉ ንርዳእ ኢና። የሱስ፡ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ፡ “ተስፋ ኣቦ” ብምባል ገሊጹዎ። እዚ ተስፋ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣቦነት ዝተገለጸሉ ኢዩ። ሰናይን ፈላጥን ኣቦ፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ውላዱ ዝህቦ ብሉጽ ህያብ፡ ገዛእ መንፈሱ ኢዩ። እዚ፡ ኣቦ ባህሪኡን ጠባዩን ናብ ውላዱ ከመሓላልፍ፡ ዓቢይ መሳርሒ ይኸውን። ሓደ ውላድ ነቦኡ ክፈልጦን ክርድኦን እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዝዓብየሉ ፍቓድን መደባትን ኣቦኡ ክትግብር እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ኣብ ኣቦኡ፡ ኣቦኡ ድማ ብዕኡ ልዑል ሓጐስ ክረኽቡ እንተ ዀይኖም፡ ምስ ኣቦኡ ብኣእምሮን ብመንፈስን ሓደ ክኸውን ይግባእ። ስለዚ ኣቦ ንውላዱ፡ ካብ መንፈሱ ዝዓቢ ህያብ ክህብ ይኽእል ኢዩ፡ ኢልና ክንሓስብ ኣይንኽእልን ኢና። እግዚኣብሄር መንፈስ ኢዩ። መንፈሱ ቀንዲ ህይወቱ ኢዩ። እግዚኣብሄር፡ ገዛእ መንፈሱ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ውላዱ ክህብ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ነስተንትን።

የሱስ፡ ከምወዲ ኣብ ምድሪ ከሎ፡ መንፈስ ኣቦ ኣብ ልዕሊኡ ምንባሩ ክብሩዶ ኣይነበረን ኢዩ? ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣብ እተጠምቐሉ፡ እዞም ክልተ ሕብረት ፈጺሞም ኢዮም። እቲ ድምጺ፡ እቲ ዘፍቕሮ ወደይ ብምባል ኣዊጁ። እቲ መንፈስ ድማ፡ ኣብ ልዕሊኡ ወሪዱ። ስለዚ እውን እቲ ሃዋርያ ብዛዕባና ከምዚ ኢሉ፡ “ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዝጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ልኣኾ።” ሓደ ንጉስ፡ ኣብ ኵሉ ትምህርትታት፡ ውላዱ መንፈስ ንጉስ ክህልዎ ይደሊ። ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና፡ ንዓና ንዉሉዳቱ፡ ነቲ ንሱ ዝነብረሉ ቅዱስን ሰማያዊን ህይወት ክምህረና ይደሊ። ነዚ ንምፍጻም ድማ፡ ካብ መዓሙቝ ልቡ ገዛእ መንፈሱ ሂቡና። ቀንዲ ዕላማ የሱስ እውን እዚ ስዒቡ ዘሎ ኢዩ፦ ብደሙ ስርየት ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ ምእንቲ ንሕና መንፈስ ቅዱስ ክንረክብን ኣባና ወሪዱ ክሓድርን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣተወ። ከምመጠን መንፈስ ኣቦን ወዲን፡ ምሉእ ህይወትን ፍቕሪን ኣቦን ወዲን ኣብኡ ኣሎ። ወሪዱ ኣባና ብምምጻእ ድማ፡ ናብ ላዕሊ ደይብና ምስኦም ክንሓብር የኽእለና። ከምመንፈስ ኣቦ፡ ነቲ ንወዲ ዘፍቐረ ፍቕሪ ኣቦ፡ ኣብ ልብና የፍስሶ። ኣብኡ ክንነብር ድማ ይምህረና። ከምመንፈስ ወዲ፡ ከምውላድ ናጻ ክንኸውን የብቕዓና። ከምቲ ወዲ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ድማ፡ ውፉያትን እዙዛትን ክንኸውን ትንፋሱ ይትንፍሰልና። ኣቦ፡ ካብዚ ዝዓቢን ዘደንቕን ህያብ ክህብ ኣይኽእልን ኢዩ። እዚ፡ ገዛእ ቅዱስ መንፈሱ፡ ናይ ውልድነት መንፈስ ኢዩ።

እዚ ሓቂ ድማ፡ እቲ ቀዳማይን ቀንዲን ውህበት ኣምላኽ፡ ቀዳማይን ቀንዲን ኵሉ ጸሎት ክኸውን ከምዝግባእ የርኢ። ንዅሉ መንፈሳዊ ህይወት ዘድሊ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። እዚ ብምልኣት ኣብ የሱስ ኣሎ። ምልኣት ጸጋን ሓቂን ኣብኡ ኣሎ። ካብኡ እውን ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ንረክብ።

መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ ወኪል መተሓላለፊ ኢዩ። ፍሉይ ዕዮኡ ከኣ፡ የሱስን ኣብኡ ዘሎን፡ ውልቃዊ ብጽሒትና ክኸውንን ክንባረኸሉን ኢዩ። ንሱ መንፈሳዊ ህይወት የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ከምቲ እቲ ህይወት ዘደንቕ ዚዀነ፡ እቲ ወኪል ከመሓላልፈልና ተቐሪቡ ዘሎ ቀረብ እውን ዘደንቕ ኢዩ። ኩለንትናና ንመንፈስ ኣሕሊፍና እንተ ንህብ፡ ንሱውን ድሌቱ ክገብር እንተ ነፍቕደሉ፡ ንሱ ንህይወት ክርስቶስ ኣባና ከግህዶ ኢዩ። ብመለኾታዊ ሓይሊ፡ ናይ ክርስቶስ ህይወት ብቐጻሊ ኣባና ክህልው ክገብር ኢዩ።

ብርግጽ ድማ፡ ናብ ዝፋን ኣቦ ዘቕርበናን ኣብኡ ክንጸንሕ ዝገብረናን፡ ሓደ ጸሎት እንተሎ፡ እዚ ኢዩ፦ እቲ ከምዉሉዳት ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ፡ ብምልኣት ኣባና ክመላለስ ከሎ ኢዩ።

እቲ መንፈስ፡ ብዝህቦ ዝተፈላለየ ውህበት፡ ንዅሉ ድሌት ኣመንቲ የማልእ። ነቲ ሒዙዎ ዘሎ ስም ንሕሰብ። መንፈስ ጸጋ፡ ኣብ የሱስ ንዘሎ ጸጋ ከግህዶን ኣባና ከሕድሮን ኢዩ። መንፈስ እምነት፡ ብእምነት ክንጅምርን ብዕኡ ክንዓቢን ክምህረና ኢዩ።

መንፈስ ውልድነትን ውሕስነትን፡ ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና ምስክርነት ይህብ፡ ከምኡውን ብርእሰ ተኣማንነት ኣባ፡ ኣቦ! ክንብል የኽእለና። መንፈስ ሓቂ፡ ናብ ኵሉ ሓቂ ይመርሓና፡ ቃል ኣምላኽ ብግብሪን ብሓቂን ናትና ክኸውን የኽእለና። መንፈስ ጸሎት፡ ብዕኡ ምስ እግዚኣብሄር ንዛረብ፡ ሳልኡ መልሲ ዝወሃቦ ጸሎት እውን ንገብር። መንፈስ ፍርዲን ሓዊን፡ ንልቢ ይምርምር፡ ብሓጢኣት ድማ ይረትዕ። መንፈስ ቅድስና፡ ንህላወ ቅዱስ ኣቦ፡ ኣባና የግህዶን ምስኡ የራኽበናን። መንፈስ ሓይሊ፡ ብዕኡ ኣብ ኣገልግሎት ኣቦ፡ ብትብዓት ክንምስክርን ብንጥፈት ክንዓዪይን የትርረና። መንፈስ ክብሪ፡ ናይ ውርሻና ትሕጃ፡ መዳለዊን ጣዕሚን ናይቲ ዝመጽእ ክብሪ እውን ኢዩ። ብርግጽ ድማ፡ ውሉድ ኣምላኽ ከምውላድ ክነብር፡ ሓደ ነገር የድልዮ፡ ንሱ ድማ፡ ብመንፈስ ክምላእ ኢዩ።

እሞ ሕጂ፡ የሱስ ሎሚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝምህረና ዘሎ እዚ ኢዩ፦ ኣቦ፡ ከምውላድ፡ ኣብ ቃሉ ተጸጊዕና እንተ ለሚናዮ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክህበና ብናፍቖት ይጽበ ከምዘሎ ኢዩ። “እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ክፉኣት ክንስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ክንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም?” እግዚኣብሄር፡ ኣብ ዝሃቦ ተስፋ፡ “መንፈሰይ ብብዝሒ ክኽዑ እየ።” ከምኡውን ኣብ ትእዛዙ፡ “መንፈስ ይምላእኩም።” ዚብል፡ እግዚኣብሄር ክንድ ምንታይ ክህበና ከምዝተዳለወን ክንድ ምንታይ ኣብዚሕና ከምእንረክብን ዘርኢ ኢዩ።

ከምዉሉዳት ኣምላኽ፡ ነቲ መንፈስ ድሮ ተቐቢልና ኣሎና። ይኹንምበር፡ ኣብ ዘድልየና፡ ንፍሉይ ህያባቱን ኣሰራርሕኡን ክንልምን ይግባእ። ንሱ ጥራይ ድማ ኣይኰነን። እኳ ደኣ ኵሉ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሩ ክኸውንን ካብኡ ዘየቋርጽ ሓበሬታ ክንረክብን ይግባእ።

ከምቲ እቲ ጨንፈር፡ ምእንቲ ብምልኣት ፍረ ክህብ፡ ብፈሳሲ እቲ ተኽሊ ዝመልእ፡ ብቐጻሊ እውን በዚ ፈሳሲ ክምላእ ዝግባእ፡ እቲ ኣማኒውን፡ መንፈስ ብምቕባሉ ይሕጐስ፡ ይጸምእ፡ ዝያዳ ክወሃቦ ድማ ይልምን። እቲ ዓቢ መምህር ክምህረና ዝደሊ ነገር እንተሎ፦ ትሕቲ እቲ እግዚኣብሄር ዘተስፈወናን ዝኣዘዘናን፡ ክንምነን ክንልምንን ከምዘይብልና ኢዩ። ኣኺሉ ብዝተርፍ ክንምላእ ይግባእ። ናይ ኣቦ ፍቕሪ ኣጕሊሑ ብዘርኢ፡ ክንደይ ኣብዚሑ፡ ዚብል ኣደናቒ ቃል፡ እንተ ለሚና ከምእንወሃብ ኣረጋጊጹልና ኢዩ።

ሕጂ ነዚ ንተኣመን። ብመንፈስ ኣብ እንምልኣሉ፡ ብስምዒታትና መልሲ ክንረክብ ኣይንፈትን። ኵሉ መንፈሳዊ በረኸት፡ ብእምነት ክንቕበሎ፡ ወይ ክንወስዶ ይግባእ።1 ኣቦ ንዝልምን ውላዱ፡ መንፈስ ቅዱስ ክህቦ ምዃኑ ክእመን ኣሎኒ። ዋላውን ሕጂ ኣብ ዝጽልየሉ፡ ብእምነት ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ክብል ይግባእ፦ “ዝልምኖ ዘበለ ክረክብ እየ፡ እቲ መንፈስ ብምልኣት ናተይ ኢዩ።” ኣብ እምነት ጸኒዕና ንቐጽል። ሳላ ሓይሊ ቃል ኣምላኽ፡ ነቲ እንልምኖ ከምእንወሃብ ንፈልጥ ኢና። ልማኖና ስለ ዝተሰምዐ ነመስግን። ስለ ዝተቐበልና ነመስግን። እቲ ዝተቐበልናዮ በረኸት ናትና ብምዃኑ ነመስግን። ብእምነት ድማ ነጽንዓዮ። እቲ ብእምነት ዝተቐበልናዮ እውን ኵለንትናና ይምልኣዮ። ብኸምዚ ዚበለ እምነት ብምልማንን ብምምስጋንን ኢና ነፍስና ክፉት ንገብር፡ መንፈስ ቅዱስ እውን ኩለንትናና ይቖጻጸር። ከምዚ ዚበለ ጸሎት፡ ይልምንን ተስፋ ይገብርን ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ምሉእ ውርሻ ይቕበልን ኣጽኒዑ ይሕዝን ኢዩ። ኣብ ኵሉ ልማኖና፡ ነቲ ሎሚ መድሕንና ዝምህረና ዘሎ ትምህርቲ ንዘክር። ንሱ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ብርግጸኛነት እንዛረቦ ነገር እንተሎ፡ ኣቦ ብመንፈሱ ክመልኣና ቅሩብ ምዃኑን መንፈሱ ክህበና ሕጉስ ምዃኑን ኢዩ።

ንሕና ክንወሃብ ምዃንና ክንእመን ክንጅምር ከሎና፡ ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ሰማይ ተዓቚሩ ካብ ዘሎ ሃብትና ክንወስድ ከሎና፡ መንፈስ ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበር ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ስጋ፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሰባትን ንፍሉይ ዕዮን፡ ንኽዅዐ ክንልምን ልዑል ናጽነትን ሓይሊን ይህልወና። ኣብ ጸሎት፡ ንገዛእ ርእሱ ምእንቲ ነቦ ክፈልጦ ኢሉ ዝተማህረ፡ ንኻልኦት ብልዑል ርእሰ ተኣማንነት ክጽልይውን ክመሃር ኢዩ። ኣቦ ንመንፈስ ቅዱስ ዝለመኑ ክህቦም ኢዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ፡ ነቶም ምእንቲ ካልኦት ዝሓተቱ ክህቦም ኢዩ።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።”

ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦ! ንወድኻ፥ ንዓኻ፡ ፍቕሪ ኣቦነትካን ኵሉ ብፍቕርኻ እንረኽቦ ነገራትን ክገልጸልና ልኢኽኻዮ። ንሱውን፡ ኣብ ጸሎት፡ ካብ ኵሎም ህያባት ዝበለጸ እንወሃቦ ህያብ፡ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ምሂሩና።

ዎ ኣቦይ! በዚ ጸሎት ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ካብ ብመንፈስ ቅዱስ ምምላእ ንላዕሊ ገይረ ዝብህጐ ነገር የብለይን። እቲ ንሱ ዘምጽኦ በረኸት፡ ብቓላት ክግለጽ ኣይኽእልን ኢዩ። ንዕኡ እየ ከኣ ዝደሊ። ንሱ ንፍቕርኻ ኣብ ልቢ የፍስሶ፡ ብዓኻ ድማ ይመልኦ። ነዚ እናፍቕ ኣሎኹ። ንሱ፡ ምእንቲ ከምውሉድ ኣብ ፍቕሪ ኣቦ ክነብር፡ ንኣእምሮን ህይወትን ክርስቶስ ኣባይ የስተንፍስ። ካብ ላዕሊ፡ ኣብ ጕዕዞይን ዕዮይን ሓይሊ ይህበኒ። ነዚ እናፍቕ ኣሎኹ። ዎ ኣቦ! ሎም መዓልቲ መንፈስካ ብምልኣት ክትህበኒ እልምነካ። ኣቦ! ነዚ፡ ብመሰረት፡ “ክንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ፡” ዚብል ቃል ጐይታይ ይልምን ኣሎኹ። ልማኖይ ከምዝሰማዕካኒ ይኣምን። ነቲ ዝሃብካኒ ሕጂ እቕበሎ ኣሎኹ። ኣቦ! ናተይ ኢዩ ኢለ እወስዶ ኣሎኹ። ምልኣት መንፈስካ ናተይ ኢዩ። ሎም መዓልቲ ነዚ ህያብ ከምውህበት እምነት እቕበሎ ኣሎኹ። ብእምነት ድማ፡ ኣቦይ ብመንፈሱ ንዅሉ ዘተስፈዎ ይትግብሮ ከምዘሎ እሓስብ ኣሎኹ። ኣቦ፡ ውላዱ ምስኡ ሓቢሩ ኣብ ዝጽበየሉ፡ መንፈሱ ከስተንፍሰሉ ባህታኡ ኢዩ። ኣሜን።

1ብቋንቋ ግሪኽ ምርካብን ምውሳድን ዚብላ ቃላት፡ ሓደ ቃል ይጥቐማ። የሱስ፡ “ዝለመነ ክረኽብ ኢዩ።” ኣብ ዚበለሉን፡ ኣብ እዋን ድራር፡ “ውሰዱ፡ ብልዑ፡” ወይ ኣብ እዋን ትንሳኤ፡ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡” ኣብ ዝበለሉን፡ ሓደ ቃል ግሲ ኢዩ ተጠቒሙ። ምርካብ፡ ንልግሲ እግዚብሄር ጥራይ ኣይኰነን ዘመልክት፡ እኳ ደኣ ናትና ምቕባል እውን የርኢ ኢዩ።