ምዕራፍ ሽዱሽተ

ወሰን ዘይብሉ ኣቦነት እግዚኣብሄር

"ካባኻትኩምከ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖስ፡ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ ኢዩ፡ እምብኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም።" (ማቴዎስ 7፡ 9-11)

ጐይታና፡ ጸሎት ብርግጽ መልሲ ከምዝረክብ፡ ኣብዘን ቃላት ዝያዳ ንቕድሚት ብምምጣጥ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። ኵሉ ጥርጣረ ከልግስ፡ ከምኡውን ምእንቲ እቲ ቃል ተስፍኡ ኣብ ከመይ ዚበለ ጽኑዕ ቦታ ደው ከምዚበለ ከርእየና፡ በቲ ኵሉ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ናብ ዝርእዮን ዘስተማቕሮን ነገር ክንዕዘብ ይምሕጸነና ኣሎ።

ንሕና ኵላትና ዉሉዳት ኢና። ካብ ኣቦናውን እንታይ ከምእንጽበ ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣቦታት ኢና፡ ወይ ከኣ ብቐጻሊ ነቦታት ንርእዮም ኢና። ኣብ ዚዀነ ይኹን ቦታ፡ ኣቦ ንውላዱ ክሰምዕ ክንርኢ ከሎና ድማ፡ ከምልሙድ ባህርያዊ ነገር ኢና ንወስዶ። ከምኡውን ጐይታና፡ ናብ ምድራውያን ወለድና ጠሚትና፡ እቲ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ድማ፡ ከምክፉእ ምዃኑ ብምዝካር፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ነቶም ዝልምንዎ ክንድ ምንታይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ህያብ ከምዝህቦም ክንግምግም ይምሕጸነና ኣሎ።

የሱስ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ሓጢኣተኛ ሰብ ኣዚዩ ከምዝዓቢ ክንመዝን ይሓተና ኣሎ። እግዚኣብሄር ካብቲ ምድራዊ ኣቦና ብዝልዕል ልማኖና ከምዝምልስ ርግጸኛታት ኢና። እግዚኣብሄር ካብ ሰብ ኣጸቢቑ ዝዓቢ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ካብቲ ምድራዊ ኣቦና ብዝልዕል ልማኖና ከምዝሰምዕ ርግጽ ኢዩ።

እዚ ምሳሌ ቀሊልን ግሉጽን እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ሒዙዎ ዘሎ ትምህርቲ ኣዚዩ ዓሚቕን መንፈሳዊን ኢዩ። ጐይታ፡ ጸሎት ውሉድ፡ ምስ ወላዲኡ ብዘለዎ ርክብ ዝውሰን ምዃኑ የዘኻኽረና ኣሎ። እቲ ልማኖ ክትግበር፡ እቲ ውሉድ ኣብ ማእከል እቲ ርክብ፥ ኣብ ውሽጢ ገዛ፡ ኣብ ፍቕሪን ኣብ ዕዮን ኣቦኡ ክርከብ ይግባእ። ሓይሊ ናይ “ለምኑ ክወሃበኩም ኢዩ።” ዚብል ቃል ተስፋ፡ ኣብ መንጎ ፍቕራዊ ርክብ ንሕና እቶም ዉሉዳትን ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦናን ይምርኰስ። ኣብዚ ርክብ ክንነብርን ክንመላለስን ከሎና፡ ብእምነት ምጽላይን መልሱን ልሙድ ባህሪያዊ ነገር ይኸውን። እሞ ሎም መዓልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸሎት እንመሃሮ፡ እዚ ስዒቡ ዘሎ ይኸውን፦ ከምውሉድ ኣምላኽ ንበሩ፡ ካብኡ ከምውሉድ ክትጽልዩ ትኽእሉ፡ ከምመጠን ውሉድ ድማ፡ ብርግጽ ጸሎትኩም ክስማዕ ኢዩ።

እሞኸ እቲ ሓቀይና ህይወት ውሉድ እንታይ ይመስል? እቲ መልሲ ኣብ ዝዀነ ገዛ ክርከብ ይኽእል ኢዩ። ብምርጭኡ ቤት ኣቦኡ ዝገደፈ፡ ናይ ኣቦኡ ህላወ፡ ፍቕሪን ትእዛዝ ምኽባርን፡ ሓጐስ ዘይህቦ ውላድ፡ ግና ለሚኑ ክወሃቦ ይጽበ እንተልዩ፡ ብርግጽውን ጕህዩ ክተርፍ ኢዩ። በንጻሩ እቲ ዝምድና፡ ፍቓድ፡ ክብሪን፡ ፍቕሪን ኣቦኡ፡ ሓጐስ ህይወቱ ዚዀነ፡ ነቲ ዝለመኖ ኣቦኡ ብሓጎስ ክህቦ ምዃኑ ክፈልጥ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ይብል፦ “እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ ኢዮም።” ከምመጠን ውላድ ናይ ምሕታት ሓለፋ ክህልወና፡ ብናይ ውላድ መንፈስ ዝምራሕ ህይወት ክነሕልፍ ይግባእ። እቲ ህይወቱ ብመንፈስ ክምራሕ ኣሕሊፉ ዝሃበ፡ ብዕኡ ተመሪሑ ጸሎት ክገብር ኢዩ። እቲ ከምውሉድ ዝነብር፡ ካብ ኣቦ ክወሃብ መለኾታዊ ግብረ መልሲ ምዃኑ ክርዳእ ኢዩ።

ምእንቲ ከምውሉድ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ክንርኢ፡ ከምመጠን ውላድ ምሕታትን ምእማንን፡ መሰረቶም እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ነዚ ንምርዳእ ድማ፡ ጐይታና፡ ኣብ ከረን ደይቡ ኣብ ዝሰበኸሉ እዋን፡ ነቦን ውላድን ኣመልኪቱ ንዝመሃሮ ትምህርቲ ምዕዛብ ከድሊ ኢዩ። ኣብዚ ትምህርቲ፡ ተስፋ መልሲ ጸሎትን እንነብሮ ህይወትን፡ ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገጽ ምዃኖም ተገሊጹ ኢዩ። ክልቴኦም ኣይፈላለዩን ኢዮም። ሓደ ምሉእነት ድማ ይፈጥሩ። ነቲ ዝተወሃበ ተስፋ ዝረክብ ሰብ፡ ነቲ ጐይታ ምስቲ ተስፋ ኣተሓሒዙ ዝገለጾ ነገር ዝፍጽም ጥራይ ይኸውን።

ከምቲ “ሕትቱ ክትረኽቡ ኢኹም፡” ዚብል ቃል፡ ኣነ ነቶም ከምህጻን ድኻታትን ንጹሃትን ነዚ ቃል ተስፋ ክህቦም እየ። ንሳቶም ድማ፡ “ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ ኢዮም” በለ፣ (ማቴ 5፡3-9) ንዉሉዳት፡ “ከምኡ ከኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ፡” በለ፣ ነቶም ብፍቕሪ ዝመላለሱ፡ “ውሉድ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትዀኑ፡” በለ፣ ነቶም ፍጹማት ክዀኑ ዝብህጉ፡ “ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ፍጹም ዚዀነ፡” በለ፣ ነቶም ዝጽልዩ፡ ዝጾሙን ንድኻታት ዝምጽውቱን፡ (6፡1-18) ኣብ ቅድሚ ሰባት ዘይኰነ፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኹም፡” በለ፣ ነቶም ይቕረ ዚብሉ፡ “ከምቲ ኣቦኹም ዝሐደገልኩም፡” (6፡15)፡ በለ፣ ኣብ ኩሉ ምድራዊ ድሌቱ፡ ንሰማያዊ ኣቦ ዝተኣመነ፡ ቅድም ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድማ ዝደሊ፡ (6፡26-32) “ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ጥራይ ዚብል ዘይኰነ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዝገብር፡” (7፡21) በለ። ዉሉዳት ኣቦ ከምዚኦም ዚበሉ ኢዮም። ኣብ ኣቦ ዘሎ ህይወትን ኣገልግሎት ድማ ከምኡ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዚበለ ጸሎት ድማ፡ ውሉድ መልሲ ከምዝረክብ ርግጽ ኢዩ።

ግና ከምዚ ዚበለ ትምህርቲ፡ ንድኹማት ተስፋ ኣየቑርጽንዶ? ፈለማ ነዚ ኣብነታዊ መግለጺ ውላድ ክንምልስ እንተ ዀይንና፡ ብዙሕ ጸሎት መልሲ ኣይርከብን ኢዩ፡ ብምባልዶ ተስፋ ኣይምቖረጹን? እዚ ጸገም ንብሩኽ ስም ኣቦን ውላድን ብምሕሳብ የልግስ። ውሉድ ድኹም ኢዩ። ኣብ መንጐ ዉሉዳት እውን፡ ኣብ ዕድመን ውህበትን ዓቢይ ፍልልይ ኣሎ። ጐይታ፡ ነቲ ሕጊ ብኡንብኡ ብምልኣት ክንፍጽሞ ኣይጠልብን ኢዩ። ኣይፋል፡ እኳ ደኣ ከምውሉድ፡ እዙዛትን ሓቀይናን ኰይና፡ ኣብኡ ብምሉእ ልቢ ብምጽጋዕ ክነብር ኢዩ ዝደሊ። ካብዚ ኣይክዛይድን። ግና ድማ ካብዚ እውን ኣይክውሕድን። ኣቦ ምሉእ ልብና ክረክብ ይግባእ። እዚ ምዚፍጸም፡ ንሱ ድማ፡ እቲ ውሉድ እሙንን ጽኑዕን ኰይኑ ክነብር ይደሊ ከምዘሎ ይጥምቶ። ካብኡ ኣብ ቅድሚኡ ጸሎትና ከምጸሎት ውላድ ይሕሰብ። ኣብቲ ከረን ንዝተኻየደ ስብከት ንመርምሮን ነጽንዓዮን። ከምመምርሒ ህይወትና ድማ ንቐበሎ። ሽሕኳ ድኽመትን ፍሽለትን እንተ ሃለወ፡ ብዛዕባ ጸሎት ዝተወሃበ ተስፋ ምሉእ ክኸውን፡ ብናጽነት ብቐጻሊ ምሕሳብና ክዓቢ ኢዩ። ሳላ ኣቦን ውላድን ዝብሉ ኣስማት፡ ልማኖኡ መልሲ ከምዝረክብ ቃል ተስፋ ተዋሂቡዎ ኢዩ።

እዚ፡ የሱስ፡ ቀንዲን ትኩረት ዝሃቦ ሓሳብ ኢዩ። እቶም ተመሃሩኡ ድማ ክቕበሉዎ ይደሊ። ንሱ ምስጢር ውጽኢታዊ ጸሎት ክንርኢ ይደሊ። ንሱ ድማ፡ ልብና ብፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ምምላእ ኢዩ። እግዚኣብሄር፡ ኣቦ ከምዝዀነ ምፍላጥ ጥራይ እውን እኹል ኣይኰነን። ትርጕም እዚ ስም ምሉእ መረዳእታ ክህልወና እውን፡ ግዜ ወሲድና ክንምርምሮ ይደሊ እዩ።

ነቲ ኣዚዩ ብሉጽ ዚዀነ፡ ብውልቂ እንፈልጦ ምድራዊ ኣቦ ንሕሰብ። ውላዱ ንዝሓተቶ ነገር ብርሕራሐን ብፍቕሪን ከምዝርእዮ ንሕሰብ። ነቲ ምኽኑይ ድሌቱ ድማ፡ ብፍቕሪን ብሓጐስን ከምዝገብረሉ ንዘክር። ስለዚ ብኣኽብሮታዊ ኣምልኾ፡ መወዳእታ ንዘይብሉ ፍቕሪ ኣቦነት እግዚኣብሄር ክንሓስብ ከሎና፡ ብኸመይ ዚበለ ልዑል ርሕራሐን ሓጐስን ናብኡ ክንመጽእን ነቲ ቕቡል ልማኖና ክምልሰልና ከምዝብህግን ነስተብህል። ካብኡ ከኣ፡ እዚ መለኾታዊ ቕምሪት ክንዴናይ ካብ ኣእምሮና ንላዕሊ ከምዝዀነ ንርአ። ከምኡውን እግዚኣብሄር ክሰምዓና ቅሩብ ምዃኑ፡ ካብ ርድኢትና ንላዕሊ ምዃኑ ንሕሰብ። ሻቡ ልብና ኸፊትና ናብኡ ብምምጻእ፡ መንፈስ ቅዱስ ንፍቕሪ ኣቦ ኣብ ልብና ይዅዖ።

ነዚ ክንጽሊ ክንደሊ ከሎና ጥራይ ዘይኰነ፡ ልብናን ህይወትናን ኣብቲ ፍቕሪ ይንበር። እቲ ገለ ነገር ስለ ዘድለዮ፡ ኣብ ዝልምነሉ እዋን ጥራይ፡ ፍቕሪ ኣቦ ክፈልጥ ዝደሊ ውላድ፡ ጕህዩ ክተርፍ ኢዩ። ግና እቲ ንእግዚኣብሄር ኵል ግዜን ኣብ ኵሉን ኣቦኡ ክኸውን ዝተቐበለ፡ ምሉእ ህይወቱ ኣብ ትሕቲ ህላወን ፍቕሪን ኣቦ ብታሕጓስ ክነብር ዝፈቐደ፡ ንእግዚኣብሄር ምስ ኵሉ ዕብየት ፍቕሩ ኣቦ ክዀኖ ዝወሰነ፡ ዎ! ንሱ መወዳእታ ዘይብሉ ኣቦነት እግዚኣብሄርን ምምላስ ጸሎትን፡ ዘይፈላለዩ ምዃኖም ብዘደንቕ ከስተማቕሮ ኢዩ።

ፍቑር ተመሃራይ! ብዛዕባ ምምላስ ዕለታዊ ጸሎት ዘሎና ፍልጠት፡ ሒደት ዚዀነሉ ምኽንያት፡ ከምኡውን ጐይታ ኣብ ቤት ትምህርቱ ዘዳለወልና ቀንዲ ትምህርቲ ክንዕዘቦ ጀሚርና ኣሎና። ኵሉ ብስም ኣቦ ኢዩ። ኣብ ቤት-ትምህርቲ ክርስቶስ፡ ኣብ ናይ ጸሎት ዓለም፡ ሓድሽን ዓሚቕን ምስጢር ንመሃር ኣሎና። እቲ ቀዳማይ ዝዓበየ ትምህርቲ፡ ብግቡእ “ኣባ፡ ኣቦ!” ክንብል ምኽኣል ኢዩ። “ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር።” እቲ ነዚ ክብል ዚኽእል፡ ንሱ መፍትሕ ኵሉ ጸሎት ኣለዎ። ከምቲ ኣቦ ብርሕራሐ ንድኹምን ሕሙምን ውላዱ ዝሰምዕ፡ ብዘሎ ሓጐስ ንወታእ ውላዱ እውን ዝሰምዕ፡ ብዘሎ ዓቕሊ ንዘጥፍእ ውላዱ ድማ ዝጻወር፡ ብመንጽር እዞም ዝተጠቕሱ ኣብነታት ንልቢ ኣቦና ክንፈልጥ ይግባእ። ብመሰረት እዚ መለኾታዊ ቃል፡ ክሳብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ብእምነት ናብ ሰማይ ዝድይብ ድማ፡ ንልቢ ኣቦና ክንርድኦ ይግባእ። “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ክንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም።”

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ጐይታ! ዋላውን እዚ ኣብ ቤት-ትምህርትኻ ቀዳማይን ዝቐለለን፡ ከምኡውን ኣዚዩ ዘደንቕ ትምህርቲ እንተ ዀነ፡ ንልብና ግና እቲ ዝኸበደ ትምህርቲ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ። ንሕና ብዛዕባ ፍቕሪ ኣቦ ሒደት ኢና ንፈለጥ። ጐይታ! ካብ ዚዀነ ምድራዊ ኣቦ፡ ፍቕሪ ኣቦ ንዓና ቀረባ፡ ንጹርን ክቡርን ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣብኡ ክንነብር ምሃረና። ካብ ምድራዊ ኣቦ ብዚልዕል፡ ጸሎትና ከምዝሰምዓና ርእሰ ተኣማንነት ክህልወና ይኹን። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ዚልዕል፡ እግዚኣብሄር እውን ብዘይ መጠን ካብ ሰብ ይዓቢ። ጐይታ! ጸሎትና ከይምለስ ዕንቅፋት ኰይኑ ዘሎ፡ እቲ ከምዘይውላድ ገዛእ ርእስና ካብ ኣቦ ምግላልና ምዃኑ ኣነጽረልና። ናብቲ ሓቀይና ህይወት ዉሉዳት ኣምላኽ ከኣ ምርሓና። ጐይታ የሱስ! እቲ ኣቦኣዊ ፍቕሪ ኢዩ፡ ዉሉዳዊ ምትእምማን ዘበራብር። ዎ! ምእንቲ ከምዉሉዳት ክንኸውን፡ ነቦን ንርሕሩሕን ደንጋጽን ፍቕሩን ግለጸልና። ከምኡውን ሓይሊ ጸሎት ኣብ ህይወት ውሉድ ከምዝምርኰስ ክንሙከር ግበረና።

ብሩኽ ወዲ እግዚኣብሄር! ኣቦ ኣፍቒሩካ ንዅሉ ከኣ ሂቡካ ኢዩ። ከምኡውን ነቦ ኣፍቐርካዮ፡ ኵሉ ዝኣዘዘካ ከኣ ፈጸምካ፡ ስለዚ ኵሉ ነገር ክትሓትት ሓይሊ ኣሎካ። ጐይታ! መንፈስካ ሃበና፡ ንመንፈስ ወዲ። ከምቲ ንስኻ ኣብ ምድሪ ዝነበርካዮ፡ ከምውሉዳት ክንኸውን ኣብቕዓና። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ዚልዕል፡ ፍቕሪ ኣቦውን ከምኡ ምዃኑ፡ ዝለመናዮ ክህበና ድማ ፍቓዱ ከምዝዀነ፡ እዚ ድማ ካብቲ ንሕና እንግምቶን እንርድኦን ከምዝዓቢ ፈሊጥና፡ ኵሉ ልማኖና ብእምነት ንቐርብ። ኣሜን።

መዘከርታ ደራሳይ

“ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም!” ዋይ ኣነ! ከምኽብረታዊ ኣጸዋውዓ ጥራይ ንግልገለሉ ኣሎና። ካብ ምድራዊ ህይወት ብለቃሕ ዝረኸብናዮ ይመስለና ኣሎ። ኣጽቢብና ከምመጸውኢ እግዚኣብሄር ንትርጕሞ ኣሎና። እግዚኣብሄር ለዋህን ርህሩህን ኣቦና ምዃኑ ንጠራጠር ኣሎና። ንዕኡ ከምርእሰ-መምህር ንሓስቦ። ወይ ከኣ ካብኡ ዝርሓቐ። ኣብ እዋን ትምህርትና ጥራይ ዝፈልጠና ተቘጻጻራይ ይመስለና ኣሎ። ዓይኑ ኣብቲ ተመሃራይ ዘይኰነ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ጥራይ ከምዘተኵር ንሓስብ ኣሎና።

ኣታ ስምቡድ ውሉድ ኣምላኽ፡ እዝኒ ልብኻ ክፈት፡ ኣብቲ ዓሚቕ ክፋል ነፍሲ ድማ ይእቶ። ቅድስና፡ ኣብ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲን ለውሃትን ኣቦ ኢዩ ዚጅምር። ምእንቲ እግዚኣብሄር፡ ብዛዕባና ሰናይ ክሓስብ ክንብል፡ ንቕድስና ከምብርቱዕ ምህሮ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኣይኰናን ንመሃሮ። እኳ ደኣ ብሓገዝ ኣቦ፡ ኣብ ገዛና ኢና ንመሃሮ። እግዚኣብሄር፡ ንፉዓትን ሰናያትን ስለ ዚዀንኩም ኣይኰነን ዘፍቕረኩም፡ ግና ብምኽንያት ንሱ ኣቦኹም ብምዃኑ ኢዩ። መስቀል ክርስቶስ፡ እግዚኣብሄር ከምዘፍቕረና ኣይገብርን ኢዩ። መስቀል ክርስቶስ ውጽኢትን መዐቐኒን እቲ ፍቕሩ ኢዩ። ንሱ፡ ንዅሎም ዉሉዳቱ፡ ደርጋፋት ይኹኑ ፈዛዛት፡ ዋላውን ክፉኣት የፍቕሮም ኢዩ። ፍቕሩ ኣብ ዝባን ኵሉ ነገር ይርከብ። ንዕኡ ከምጽኑዕ ሃይማኖታዊ መሰረት ህይወትና ክንቕበሎ ይግባእ። ኣብ ልዕሊኡ ክንዓቢ ዘይኰነ፡ ካብ ውሽጡ ክንዓቢ ይግባእ። ናይ ግድን ካብኡ ክንጅምር ኣሎና፡ እንተ ዘይኰነ ምጅማርና ውጽኢት ኣይክህልዎን ኢዩ። ነዚ ኣጽኒዕና ንሓዝ። ተስፋና፡ ሓይልናን እምንቶናን፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ክንገብር የብልናን። ተስፋና፡ ሓይልናን እምንቶናን፡ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ጥራይ ክኸውን ይግባእ።

ኣብዚ - ኣቦኹም - ዚብል ኣላዪን ደጋፊን ቃል ንመርኰስ። ክሳብ ሓቅነቱ ዝስምዓና ንገዛእ ርእስና መላሊስና ነድምጾ። እዚ፡ ብቐረባን ኣላዪን ርክብ፡ ምስ እግዚኣብሄር ተሓጺረ ኣሎኹ፡ ማለት ኢዩ። ካልእ ዚዀነ ይኹን ኣካል ክህበኒ ዘይኽእል፡ ፍቕሩ፡ ሓይሉን በረኸቱን ክረክብ መሰል ኣሎኒ። ዎ፡ ብኽንደይ ትብዓት ዶ ምቐረብና! ዎ፡ እቲ እንልምኖ ክንደይ እኳ ምዓበየ! ኣቦኹም። እዚ ማለት፡ ብዅሉ፡ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ፡ ከምኡውን ብትዕግስቱን ብፍልጠቱን ክሕግዘኒ ቅሩብ ኣሎ። ኣብዚ ርክብ፡ ቅድስና ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብኡ ብዘይ መጠን ዝዓቢ እውን ይርከብ ኢዩ።

ኣብዚ ኢና ንጅምር። ኣብ ዓቓል ፍቕሪ ኣቦና። ምስ ኵሉ ዝተፈላለየ ባህርያትና፡ ድኻምናን ጸገማትናን፡ ንነፍሲ ወከፍና ከመይ ገይሩ በብሓደ ከምዝፈልጠና ንሕሰብ። ሓለቓ ብውጽኢትና ይመዝነና። ኣቦና ግና ብጻዕርና ኢዩ ዝመዝነና። ውድቀት ኵል ሳዕ ግድን ጥፍኣት ማለት ኣይኰነን። ንሱ ነገራት ክንዴናይ ዋጋ ከምዝጠልቡ ይፈልጥ ኢዩ። ንኻልኦት ብዝዕቐኑሉ ጥራይ ድማ ይመዝኖም። ኣቦኹም። ዋላውን ንኻልኦት ክርድኡዎ ይጸግሞም፡ ነቶም ብትሑት ዓቕሚ ዝጀመሩ ናእሽቱ ዉሉዳቱ፡ ፍቕሩ ክንድ ምንታይ ዓቢይ ነገራት ከምዝዓቘረሎም ንሕሰብ። ኵሉ እዚ ኣብ ብሩኽ ርክብን ካብኡ ኣብ ዝበዝሕን ይምርኰስ። ነዚ ኵሉ ከምናትኩም ጌርኩም ክትወስዱዎ ድማ ኣይትፍርሁ።