ምዕራፍ ሓሙሽተ

ርግጽነት መልሲ ጸሎት

“ዝለመነ ኵሉ ይቕበል ኢዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ ኢዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሃበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕዃሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም ኢዩ።” (ማቴዎስ 7፡7-8)

“ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ክትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።” (ያእቆብ 4፡3)

ጐይታና፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝሰበኸሉ ከረን፡ ዳግም ብዛዕባ ጸሎት ክምህር ተመሊሱ መጺኡ። ኣብ መጀመርታ፡ እቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦ ብግሁድ ከምዝኽሕሰና፡ ከምኡውን ኣርኣያ ዝዀነና ኣገባብ ጸሎት ሂቡና። (ማቴ 6፡5-15)

ሕጂ ድማ፡ ንጸሎት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከምቀንዲ ነገር ንዝሕሰብ ክምህረና ደሊዩ። ንሱ ከኣ፡ ጸሎት ከምዝስማዕን መልሲ ከምዝረክብን ዘረጋግጽ ኢዩ። ኣብዚ፡ ብኸመይ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎም ቃላት ተጠቒሙ፡ ነቲ በበይኑ ተስፋታት ከምዝገለጾ ነስተውዕል። “ይወሃበኩም፡ ትረኽቡ ኢኹም፡ ይኽፈተልኩም ኢዩ።” ብምቕጻል ድማ፡ ምእንቲ ነዚ መረጋገጺ ክዀነና፡ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ሕጊ መንግስቲ ኣምላኽ ሂቡና፦ “ዝለመነ ኵሉ ይወሃቦ ኢዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ዘበለ እውን ይኽፈተሉ ኢዩ።”

በዞም ሽዱሽተ ግዜ ዝተደጋገሙ ቃላት ድማ፡ ኣእምሮና ብሓደ ሓቂ ክምሰጥ ኢዩ ደሊዩ። ንሱ ከኣ፡ ልማኖና መልሲ ከምዝረክብ ብልዑል ርእሰ ተኣማንነት ክንጽበ ከምዘሎና ኢዩ። ካብ ኵሎም ዓይነታት ትምህርቲ ቤት-ትምህርቲ ጸሎት፡ ብደረጃ ኣገዳስነቱ፡ ድሕሪ ፍቕሪ ኣቦ ምፍላጥ ዚመጽእ፡ ነፍሲ ወከፍ ዚሓትት ይወሃቦ ኢዩ፡ ዚብል ኢዩ።

ጐይታና፡ ኣብ ዝተጠቐመሎም ሰለስተ ቃላት፡ ማለት ምልማን፡ ምድላይ፡ ምዅሕዃሕ ኣብ ዚብሉ ቃላት፡ ናይ ትርጉም ፍልልይ ከምዘሎ ንርኢ። ዕላምኡ ድማ፡ ብርግጽ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ፈለማ ዝተጠቐሰ ምልማን ዚብል ቃል፡ ነቲ እንልምኖ ህያብ የመልክት። ይኹንምበር ብዘይ እቲ ወሃቢ፡ ነቲ ህያብ ሓቲተ ክቕበል እኽእል ይኸውን እየ። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ፡ ማለት ምድላይ ዚብል ቃል፡ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ፡ ንእግዚኣብሄር ባዕሉ ምድላይ የመልክት። ክርስቶስ፡ ንዕኡ ደሊየ ከምዝረኽቦ መረጋገጺ ሂቡኒ ኢዩ። እንተዀነ ግን ብምልኣት ናብኡ ተጸጊዕና ከይሓበርና፡ ኣብ ግዜ ጸበባ ጥራይ ንእግዚኣብሄር ምርካብ እኹል ኣይኰነን። ምዅሕዃሕ ዚብል ቃል፡ ኣብ ሕቑፊ እግዚኣብሄር ንምንባር ምብሃግ የርኢ። እዚ፡ እቲ ህያብ ምልማንን ምቕባልን እምበኣር፡ ናብ ነቲ ወሃቢ ምድላይን ምርካብን ይመርሓና፡ ማለት ኢዩ። ካብኡ ብምቕጻል እውን፡ ንቤት ኣቦን ፍቕሩን ዃሕዂሕና ይኽፈተልና ማለት ኢዩ። ኣብዚ፡ ሓደ ነገር ርግጽ ኢዩ፡ ንሱ ድማ፡ ጐይታና፡ ምልማን፡ ምድላይን ምዅሕዃሕን፡ ከንቱ ከምዘይተርፉ ክንርዳእ ይደሊ ኢዩ። ስለዚ፡ መልሲ ምቕባል፡ ንእግዚኣብሄር ምርካብ፡ ምኽፋት ልቢን ቤትን እግዚኣብሄር፡ ዘየጠራጥሩ ፍረ ጸሎት ኢዮም፡ ማለት ኢዩ።

ጐይታ፡ ነዚ ሓቂ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክሕብር ዝደለየ፡ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለ ዝተገንዘበ ኢዩ። ነዚ ምርዳእ ድማ፡ ዓቢይ ትምህርቲ ኢዩ። እዚ፡ ንሱ ንውሽጢ ልብና ከምዝፈልጥ መረጋገጺ እውን ኢዩ። ንእግዚኣብሄር ምጥርጣርን ዘይምእማንን፡ ንዓና ባህሪያዊ ነገራት ኢዮም። ንጸሎት ከምልሙድ ሃይማኖታዊ ተግባር ወሲድና፡ መልሲ ከይተጸበና ምግዳፉ፡ ንዓና ባህሪያዊ ተርእዮ ኢዩ። ንሱ፡ ዋላውን እግዚኣብሄር ጸሎት ከምዝሰምዕ እንተ ፈለጥና፡ ንዓና ንጉዱላት ልቢ፡ ብተስፋታት ዝተደገፈ ጸሎት ምእማን፡ ልዕሊ ዓቕምናን ዘይጭበጥ መንፈሳዊ ነገር ምዃኑን ይርዳእ ኢዩ። ስለዚ፡ ንሱ ብመጀመርያ ነቶም ምጽላይ ዝመሃሩ ኣብ ዝሃቦ መምርሒ፡ ነዚ ሓቂ ኣብ ልቦም ከስርጹዎን ከንብርዎን ደለየ። ጸሎት ብዙሕ ኢዩ ረብሕኡ። ለምኑ ክትወሃቡ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍ ዝለመነ ክወሃብ ኢዩ። እዚ ዘይልወጥ ዘለኣለማዊ ሕጊ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ። ሓቲትና እንተ ዘይተወሃብና ግና፡ ክፉእ ስለ ዝለመና፡ ወይ ጸሎትና ገለ ነገር ስለ ዝጐደሎ ጥራይ ኢዩ። ንጽናዕ፡ እቲ ቃልን እቲ መንፈስን ብግቡእ ምጽላይ ይምሃሩና። ልዕሊ ኵሉ ግና እቲ ንሱ ከበግሶ ዝደለየ፡ ርእስ ተኣማንነት ኣይነጥፍእ። ነፍሲ ወከፍ ዝልምን ይወሃቦ ኢዩ።

“ለምኑ ይወሃበኩም።” ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኣብ ቤት-ትምህርቱ፡ ንተኣማንነት ጸሎት ካብ ምቋም ዝዓቢ ድርኺት የብሉን። ከምቲ ሓደ ህጻን፡ እቲ ቅምሪት ልክዕ ምዃኑ መረጋገጺ ክህብ ዘለዎ፡ ብልክዕ ከምዝጸለይና መረጋገጺኡ ድማ፡ እቲ መልሲ ኢዩ። ለሚና እንተ ዘይተወሃብና ግና፡ ብልክዕ ጸሎት ምግባር ስለ ዘይተመሃርና ኢዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ክርስቶስ ዝመሃር ዘሎ ተመሃራይ፡ ንቓላት ጐይታ ኣብኡ እንከለው ብቐሊል ክርድኦም ይግባእ። ነፍሲ ወከፍ ዝልምን ይወሃቦ ኢዩ። ንሱ፡ ኣብዚ ብዘይ ቅድመ ኵነት ምዝራቡ፡ ብቑዕ ምኽኒት ስለ ዘለዎ ከኣ ኢዩ።

ብጥበብ ሰብ ነዚ ቃል ከይነድክሞ ንጠንቀቕ። ንሱ፡ ሰማያዊ ነገራት ምዝሕብረና ኣብኡ እንከሎ ንተኣመኖ። ነቲ ምሉእ ብምሉእ ዝኣመነ፡ ንቓሉ ባዕሉ ከብርሃሉ ከኣ ኢዩ። ሕቶን ጸገምን ምዚለዓል፡ ቅድሚ ነቲ ቃል ኣብኡ እንከሎ ምቕባልና፡ ክንድምድም ኣይንድለ። ኣይፋሉን፡ ንዅሉ ደኣ ንዕኡ ንግደፈሉ። ነቲ ግድል ምፍታሕ ናቱ ግደ ኢዩ። ናትና ተራ፡ ብመጀመርታን ብምልኣትን ንተስፋታቱ ተቐቢልና ጨቢጥና ምሓዝ ኢዩ። ኣብ ውሻጦ ክፍልና፡ ከምኡውን ኣብ ውሻጦ ልብና፡ እዚ ቃል ብብርሃናዊ ፊደል ይጸሓፍ። ነፍሲ ወከፍ ዝለመነ፡ ይወሃቦ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ትምህርቲ ጐይታና፡ ጸሎት ክልተ ክፍልታት ሒዙ ኣሎ። እዞም ክልተ ወገናት፡ ሰብኣዊን መለኾታዊን ድማ ኢዮም። እቲ ሰብኣዊ ይልምን፡ እቲ መለኾታዊ ከኣ ይህብ። ወይ ንኽልቴኦም ብመንጽር ሰብ ንምምዛኖም፡ እቲ ዝልምንን ዝቕበልን ኢዮም። እዚኦም ክልተ ምቓላት ድማ ሓደ ምሉእ ይዀኑ። እዚ፡ ንሱ፡ ንሕና ክሳብ መልሲ ዘይረኸብና፡ ክነዕርፍ ከምዘይግባእ ይሕብረና ኣሎ። ምኽንያቱ ድማ፡ ክንወሃብ፡ ፍቓድ ኣምላኽን መምርሒ ስድራ-ቤት ኣቦን ኢዩ። ኵሉ ከምህጻን ተኣሚኑ ዝለመነ ክወሃቦ ኢዩ። መልሲ ስለ ዘይመጸ ጥራይ፡ እግዚኣብሄር ክምልስ ፍቓደኛ ኣይኰነን ኢልና፡ ተሃኪና ክንገድፎ ኣይግባእን ኢዩ።

ኣይፋሉን፡ እኳ ደኣ ኣብቲ ጸሎት፡ ገለ እግዚኣብሄር ክቕበሎ ዝደለየ ነገር ጐዲሉዎ ኣሎ፡ ማለት ኢዩ። ከምህጻንን እሙንን ኰይና ክንልምን ይግባእ። እቲ መልሲ ክወሃበና እውን፡ ጸጋ ደሊና ክንጽሊ ይግባእ። ስጋ ኣብ ክንዲ ብመንፈስ ክጸሪን ክሳብ ብእምነት ምጽላይ ክመሃር ብቑዕ ክኸውንን ዝቕረብ፡ ቀልጢፉ ብዘይ መልሲ ኢዱ ክህብ ኣይኸብዶን ኢዩ።

ኣብ ግዜና፡ ጸሎት መልሲ ከይረኸበ ምዕጋብ፡ ዘሕዝን ፍሉጥ ምልክት፡ ድኽመት ክርስቲያናዊ ህይወት ኰይኑ ኣሎ። መዓልታዊ ይጽልዩ፡ ብዙሕ ነገር ይልምኑ፡ ገለ ካብኦም ከምዝስማዕ ድማ ይእመኑ። ይኹንምበር፡ ቀጥታዊ ርግጽ መልሲ ጸሎት፡ መምርሒ መዓልታዊ ህይወት ምዃኑ፡ ብዙሕ ኣይፈልጡን ኢዮም። እምበኣር ፍቓድ ኣቦ እዚ ኢዩ፡ መዓልታዊ ምስ ውላዱ ክራኸብን ልማኖኦም ሰሚዑ መልሲ ክህቦምን ኢዩ። መዓልታዊ ዝተፈለየ ልማኖ፡ ናብኡ ሒዘ ክቐርብ ድማ ፍቓዱ ኢዩ። ነቲ መዓልታዊ ዝልምኖ ክፍጽመለይ እውን ድሌቱ ኢዩ። እቶም ቀዳሞት ቅዱሳን፡ እግዚኣብሄር ህያው ምዃኑ፡ ጸሎት ብምምላሱ ኢዮም ኣረጋጊጾም። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ከምልኹዎን ከፍቕሩዎን ተለዓዓሉ። (መዝ 34፤ መዝ 66፡19፤ መዝ 116፡1) መምህርና፡ ጸሎትን መልሱን፡ ልማኖ ውላድን ውህበት ኣቦን፡ ነንሕድሕዶም ዝተታሓሓዙ ምዃኖም፡ ኣብ ኣእምሮና ክሓትም ይጽበ ኣሎ።

ከምቲ ሙሴ ናብ ምድረ ከነኣን ከምዘይኣትው ዝተሓበሮ፡ ጸሎትና ዝንጸገሉ ኩነታት ክህልው እውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ልማኖ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ስለ ዘይቐረበ ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣብያ እውን መልሲ ኢዩ። እግዚኣብሄር፡ ንኣገልጋሊኡ ኣብ ዘይንጹር ኩነት ክሓድጐ ፍቓዱ ኣይኰነን። ኣማልኽቲ ኣህዛብ ዓባሳት ኢዮም፡ ክዛረቡ እውን ኣይኽእሉን። ኣቦና፡ ውላዱ ዝለመኖ ነገር ኣብ ዘይህበሉ እዋን፡ ብንጹር የፍልጦ ኢዩ። እቲ ውላድ እውን ልማኑኡ የቋርጽ። እዚ ኩነት ንጐይታና ኣብ ጌተሴማኔ ከምዘጓነፎ ይዝከር።

ሙሴ ኣገልጋሊን ክርስቶስ ወዲን፡ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ከምዘይሓተቱ፡ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ልማኖኦም፡ ኰነ ደዀነ እቲ ውሳነ ክቕየር ይኽእልዶ ይኸውን ዚብል፡ ትሕትና ዝተላበሰ ሕቶ ነበረ። እግዚኣብሄር፡ ነቶም ክመሃሩ ቍሩባት ዚዀኑ፡ ልማኖኦም ከምፍቓዱ ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ ብመገዲ ቃሉን መንፈሱን ይምህሮም ኢዩ። ልማኖና ብመሰረት ኣእምሮ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ ነንሳሕብ። ብመሰረት ኣእምሮ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ መልሲ ክሳብ ዝመጸና ብትዕግስቲ ንጸበ። ስርዓት ጸሎት ዝተወሃበ፡ ምእንቲ መልሲ ክረክብ ኢዩ። ምልውዋጥ ፍቕሪ ኣቦን ውላዱን፡ ኣብ ጸሎትን መልሱን ይምርኰስ። ነዞም ተስፋታት ምጭባጥ ዝሰኣና ድማ፡ ልብና ካብ እግዚኣብሄር ኣዚዩ ዝተገለለ ብምዃኑ ክኸውን ኣለዎ። ነዞም ቃላት ተቐቢልናን ሓቅነቶም ፈሊጥናን ክነብቕዕ፡ እቲ ብዕኦም ኣቢሉ ብምልኣት ዝሕጐስ እሙን ልቢ ግና፡ ደንጊዩ ኢዩ ዝመጽእ።

መንፈሳዊ ህይወትና ገና ድኹም ስለ ዘሎ፡ ንሓሳባት እግዚኣብሄር ክንቕበል ክንክእል፡ ሓይልና ድኹም ኢዩ። ይኹንምበር፡ ከምኡ ገይሩ ክምህር ዝኽእል የልቦን እሞ፡ የሱስ ክምህረና ንዕኡ ንጠምት። ቃላቱ ኣብኡ እንከለው፡ ብቐሊል ምስ እንቕበሎም፡ ብመንፈሱ ድማ ኣባና ህይወትን ሓይሊን ክገብሮም እንተ ተኣሚናዮ፡ ኣብ ውሽጥና ሰሪጾም ክኣትዉ ኢዮም። እቲ እዞም ቃላት ዝሓዙዎ መንፈሳዊ መለኾታዊ ሓቂ ድማ፡ ኵለንትናና ክቖጻጸር ኢዩ። እቲ እንቕርቦ ነፍሲ ወከፍ ልማኖ፡ ክሳዕ ከምቲ የሱስ፡ “ለምኑ እሞ ይወሃበኩም።” ዚበሎ ዚኸውን እውን፡ ኣይክነዕርፍን ኢና።

ኣቱም ኣብ ቤት-ትምህርቲ የሱስ እትርከቡ ፍቑራት ተመሃሮ! ምእንቲ ነዚ ትምህርቲ ብግቡእ ክንመሃሮ፡ ገዛእ ርእስና ነዳልው። ነዞም ቃላት ከምቲ ዝተዘርብዎ ኣብኡ ከለው ንቐበሎም። ብኣእምሮ ሰብ ሓይሎም ኣይነድክም። ከምቲ የሱስ ዝሓበሮ፡ ንቐበሎምን ንተኣመኖምን። ንሱ፡ ብኸመይ ብምልኣት ከምእንርድኦም፡ ምስ ግዜ ክምህረና ኢዩ። ንሕጂ ብዘይ ምውልዋል ኣብኡ እንከለው ንተኣመኖም። ኣብ እንጽልየሉ እዋን፡ ግዜ ወሲድና፡ እቲ ዝልምን ይወሃቦ ኢዩ፡ ዚብል ድምጹ ንስማዕ። ብሰንኪ እቲ ድኹም እምነትና፡ ዘጓነፈና ዘሎ ተርእዮ፡ ነቲ እንጽበዮ ነገር መለክዒ እምነትና ኣይንግበሮ። ኣብ እዋን ጸሎትና ጥራይ ዘይኰነ፡ ኵሉ ግዜ እውን፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ዝገብሮ ጸሎትን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ዝምልሶ መልሲን፡ ዝተታሓሓዙ ምዃኖም ፈሊጥና፡ ነዚ መረጋገጺ ጨቢጥና ክንሕዝ ንድለ። እቲ መልሲ ከምዝመጽእ ክንጽሊ ክምህረና ንየሱስ ንተኣመኖ። ነቲ ንሱ ሎሚ ዝሃበና ቃል ጨቢጥና እንተ ሒዝና፡ ንሱ ድማ ክፍጽሞ ኢዩ። “ለምኑ ይወሃበኩም።”

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።”

ዎ ጐይታ የሱስ! ነቲ ሕጂ ዝሃብካኒ ተስፋ ክርድኦን ክኣምኖን ምሃረኒ። ዎ ጐይታይ፡ መልሲ ኣብ ዘይመጻሉ እዋን፡ ልበይ ብኸመይ ዝበለ ምኽኒት ክጸናናዕ ከምዝህቅን፡ ካባኻ ዝተኸወለ ኣይኰነን። እቲ ሓሳብ ድማ፡ ጸሎተይ ምስ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ምኽሪ ኣቦ ዝሳነ ኣይኰነን ዚብል ኢዩ። ምናልባት ካብዚ ዝሓሸ መልሲ ትህበኒ ትኸውን፡ ወይ ብዘይ መልሲ ብጸሎት ምስ እግዚኣብሄር ምሕባር በይኑ፡ እኹል በረኸት ምዃኑ ትገልጸለይ ትኸውን። ብሩኽ ጐይታይ፡ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ትምህርትኻ ከምኡ ከምዘይበልካ እፈልጥ እየ። እኳ ደኣ፡ ኣብኡ እንከሎ፡ ጸሎት መልሲ ክጽበ ከምዝግባእ ኢኻ ምሂርካ። እዚ ኣብ መንጐ ኣቦን ውላዱን ዝግበር ሕብረት ምዃኑ ኣረጋጊጽካልና ኢኻ። ውላድ ይልምን፡ ኣቦ ድማ ይህብ።

ብሩኽ ጐይታ፡ ቃላትካ እሙንን ሓቅን ኢዩ። ኣነ፡ ንመልሲ ጸሎት ኣመልኪተ ንጹር ተመክሮ ዘይብለይ፡ ብኽፉእ ስለ ዝጸለይኩ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ብውሑድ ዓቐን ብመንፈስ ስለ ዝነብር ከኣ፡ ጸሎተይ እውን ሒደት ብመንፈስ ዝዀነ፡ ብእምነት ብሓይሊ እውን ክጽልይ ዘይከኣልኩ።

ጐይታ! ምጽላይ ምሃረኒ። ጐይታ የሱስ! ኣነ በዚ ይኣምነካ እየ። ብእምነት ክጽሊ ምሃረኒ። ጐይታ! ነዚ ናይ ሎሚ ትምህርቲ ምሃረኒ። ነፍሲ ወከፍ ዝለመነ ክወሃብ ኢዩ። ኣሜን።