መቕድም

"ኣባይ ጽንዑ" ምዚብል ትእዛዝ ተኣሳሲሮም ካብ ዚተወሃቡና ተስፋታት፡ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ቃል ዚወዳደር የልቦን፡ "ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልዩዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።" ሳላ’ዚ ቃል ከኣ፡ "ቅድም ሕጂ ከምዝረኸብኩዎ ወይስ ቅድም ሕጂ ፍጹም ከምዝዀንኩ ኣይኰነን።" ኢልና ኣብ እንምስክረሉ ደረጃ ክንበጽሕ ኢና። ሓይሊ እግዚኣብሄር፡ ብምልኣት ኣብ ጐይታ ጸኒዕና ብምንባር እንርኸቦ ልዑል ነገር ኢዩ።

ብሓቂ ንኽርስቶስ መሲልና ክነብር፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ብዘይምቑራጽ ምእንታና ክብል ኣብ ዚፍጽሞ ኣገልግሎት ጸሎት ተኻፋሊ ክንኸውን ይግባእ። ካብኡ ዝዓቢን ዝኸብርን ኣገልግሎት ድማ የልቦን። ኣብኡ ዝያዳ ምስ እንጸንዕን ንዕኡ ምስ እንመስልን፡ ክህነታዊ ህይወቱ ኣብ ልዕሌና ብልዑል ሓይሊ ይፍጽም። ህይወትና ከኣ ከም’ቲ ናቱ፡ ምእንቲ ካልኦት ሰባት ብቐጻሊ ተገዲስና ጸሎት ምግባር ይኸውን።

"ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ፈሊዩና ኢዩ።"’ መንግስትን ክህነትን ቀንዲ መለለዪኦም፦ ሓይሊ፡ ጽልዋን በረኸትን ኢዮም። ኣብ ንጕስ እቲ ሓይሊ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ይወርድ። ኣብ ካህን እቲ ሓይሊ ምስ እግዚኣብሄር ተሰማሚዑ ንላዕሊ ገጹ ይድይብ። እቲ ብሩኽ ካህንናን ንጕስናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ስልጣን ንግስነቱ ኣብ ስልጣን ክህነቱ’ዩ ተመስሪቱ። "ኵሉ ግዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ከድሕኖም ይኽእል ኢዩ።"

ኣባና ኣብ ካህናቱን መንግስቱን እውን ካብኡ ዝተፈለየ ኣይኰነን። እታ ማሕበር ምእንቲ ሰባት ክትብል ኣብ እትገብሮ ጸሎት ኢያ ልዑል ሓይሊ እትረክብ። ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ወራሲ ተስፋ እስራኤል ምዃኑ ዘመስክር። ከምልኡላን ከኣ ምስ እግዚኣብሄርን ሰብን ክንራኸብ ሓይሊ ዝህልወና።

እዚ መጽሓፍ፡ ጸሎት ኣብ ክርስቲያናዊ ህይወትና ዘለዎ ሓይሊን ቦታን ብዝምልከት፡ ትሑት ርድኢት’ዩ ዘሎና ብዚብል ዓሚቕ እምነት ኢዩ ተጻሒፉ። ንጸሎት ምስ ውልቃዊ ክርስትያናዊ ህይወትና ጥራይ ክሳብ ዘተኣሳሰርናዮ፡ እንታይነቱ ብምልኣት ክንፈልጦ ኣይከኣለናን ኢዩ። ይኹን’ምበር ጸሎት እቲ ዝዓበየ ካብ ጐይታ ብሓደራ ዝተወሃበና ኣገልግሎት ምዃኑ ምስ እንፈልጥን መሰረትን ሓይሊን ኵሉ ካልእ ኣገልግሎትና ምዃን ምስ እንግንዘብን፡ ከምብግቡእ ጸሎት ምግባር ጌርና ክንመሃሮን ክንለማምዶን እንደሊ ዓውደ መጽናዕቲ ኣይህልውን ኢዩ። ጐይታና ንጸሎት ኣመልኪቱ ዚመሃሮ ብደረጃ ከመልክት እንተ ክኢለ፡ ኣብ መወዳእታ ምሸት (ዮሃንስ 14፡16) ብስሙ ክንዓይዮ እንኽእል ዕዮታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ኣገራሚ ተስፋታት ኣነጺረ እንተ ሓቢረ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ብዙሕ ፍረ ምፍራይ ብዝምልከት ብግቡእ ክገልጽ እንተ ክኢለ፡ እታ ማሕበር ገዛእ ርእሳ ነዚ ቅዱስ ዚዀነ ኣገልግሎት ጸሎት ክትብል ርእሳ ኣሕሊፋ ምስ እትህብ ጥራይ፡ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕሌኣ ክግለጽ ምዃኑ ክንእመን ኢና። እግዚኣብሄር ነዛ ንእሽቶ መጽሓፍ፡ ደቁ ኣብ’ዛ ዝማህመነት ዓለም ዝጽበዮም ግሩም ቦታ ሓይሊን ከሕድሩዎ ዝኽእሉ ጽልዋን ኣብ ምንጻር ክጥቀመላ ጸሎተይ ኢዩ።

ትምህርቲ ጸሎት ብየሱስ ኣመልኪተ መጽናዕቲ ኣብ ዘካይደሉ፡ ሓደ ሓድሽ ሓቂ ነጺሩለይ። ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ንነፍሲ ወከፍ ብእምነት እንጽልዮ ጸሎት ክሰምዕን ብስም የሱስ እንሓቶ ነገራት ብምሉኡ ክህበናን ይጽበ ምህላዉ ኢዩ። ፍቕሪ እግዚብሄርን ተስፋታቱን ብዝምልከት፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ብጐይታና ኣቢሉ ዝተጻሕፈ ቃል ኣብኡ ‘ከሎ እነንብቦ፡ ኣጽቢብና ምርኣይ ተለማሚድናዮ ኢና።

እታ ማሕበር ክትገብሮ ዝግባእ ሓደ ነገር እንተሎ፡ እግዚኣብሄር ጸሎት ክምልስ ቁሩብ ምዃኑ ክትእመንን ክትምህርን ኢዩ። እግዚኣብሄር፡ ደቁ ብእምነት ዝለመናዮ ነገራት ከምዝህበና፡ ገና ኣብ ልብና ኣይኣተወን ኣሎ። እግዚኣብሄር ጸሎት ይሰምዕ ኢዩ። እዚ ዳርጋ ምሉእ ዓለም ዝሰማማዓሉ ነጥቢ ኮይኑ፡ ሓይልን ትርጕምን ግና ሒደት ጥራይ ኢዮም ዘስተማቐርዎ። እዚ ዝጸሓፍኩዎ መጽሓፍ ንኣንባባይ ኣለዓዒሉ ናብ ቃል ጐይታና ብምውሳድ፡ ነቲ ኣገራሚ ተስፋታት ኣብኡ ‘ከሎ ከየጕደለ ከይወሰኸ እንተ ተረዲኡዎ ሽቶይ ወቂዐ ይብል። 

ሓደ ነገር ጥራይ ክውስኽ።

ኣብ ዚሓለፈ ዓመታት፡ ኣሽሓት ክርስቶስ ህይወትና ምዃኑ ብምርዳእ፡ ክንዛረቦ ዘጸግም በረኸት ረኺብናን ድሌትና ከምዘማልኣልና ተኣሚናን ኢና። ግና ክንደይ ካባና እዚ ድሌትና ኣብ ጸሎት ህይወትና’ውን ክማልኣልና ከምዝኽእል ከምዝተረዳእና ኣይፈልጥን እየ። ብዙሓት ብእምነትን ውጽኢታዊ ዚዀነ ጸሎትን ክጽልዩ ከምዘይኽእሉ ብምሕባር የማርሩ ኢዮም። እቲ መልእኽተይ ድማ፡ እቲ ብሩኽ ዚዀነ ጐይታና የሱስ፡ ውጽኢታዊ ጸሎት ክምህረና ብናፍቖት ይጽበ ምህላዉ ኢዩ። ክርስቶስ ህይወትና ኢዩ። ኣብ ሰማይ ብዘይ ምቑራጽ ክልምነልና ይነብር ኣሎ። ህይወቱ ምእንታና ብቐጻሊ ጸሎት ኣብ ምግባር ዝተመርኰሰ ኢዩ። ንተኣመኖን ፍቓድናን ይኹን’ምበር ብሓቂ ክምህረና ከኣ ኢዩ። ክርስቶስ፡ ጸሎት ምግባር፦ ብኣብነት፡ ብመምርሂ፡ ብትእዛዝን ብተስፋታትን ጥራይ ኣይኰነን ምሂሩ፡ እኳ ደኣ ባዕሉ ምእንታና ዘለኣለም ይልምን ከምዘሎ ብግብሪ ብምርኣይ ኢዩ ገሊጹልና።

ነዚ ምስ ንእመን፡ ጸሎት ኣብ እንገብረሉ ኣብኡ ንጸንዕ። ጸሎት ብግቡእ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና፡ ዚብል ፍርህና ይጠፍእ። ጐይታ ጸሎት ምግባር ክምህረናን ከዐውተናን ምዃኑ ብሓጐስ ንፍለጥ። ንሱ ባዕሉ ህይወትን ሓይሊን ጸሎትና ምዃኑ ድማ ንረዳእ። እግዚኣብሄር ነዚ ቅዱስ ዚዀነ ኣገልግሎት ጸሎት ክንፍጽም፡ ከምመንግስቲን ካህናትን ከምዝፈለየና ክንፈልጥ ዓይንና ይኽፈቶ። ጸሎትና ዘለዎ ልዑል ሓይሊን ጽልዋን ክንእመን ገዚፍን ተባዕን ልቢ ይሃበና። ኣገልግሎትና ንፍጽም ዶ ንኸውን? ዚብል ፍርሂ፡ ንጐይታና ዘለኣለም ምእንታና ክጽሊ ‘ከሎ ብምምልካትን ንሱ መረጋገጺ ናይ ጸሎትና ምዃኑ ብምርዳእን፡ ኵሉ ጥርጣረና ይጥፋእ።

 ኣንድሪው መሪይ

ዌሊንግቶን፡ 28 ጥቅምቲ 1895

ትርጉም፥ G4E