ምዕራፍ ትሽዓተ

ጸሎት ስለ ዓየይቲ

“ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ ኢዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት ኢዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኪልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።” (ማቴዎስ 9፡37-38)

ጐይታ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ክጽልዩ ከምዝግባእን ብኸመይ ከምዝጽልዩን ብተደጋጋሚ ምሂሩዎም ኢዩ። እንታይ ክጽልዩ ከምዘለዎም ግና ሳሕቲ ኢዩ፡ ገሊጹሎም። ንሱ፡ ካብቲ ዘድልዮም ነገር ተበጊሶም፡ ከምኡውን መንፈስ ቅዱስ ከምዝመርሖም ክጽልዩ ይደሊ። ግና ሓደ ነገር ክዝክሩ ከምዝግባእ ከኣ ኣዘዞም። ንሱ ድማ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ ብምዃኑ፡ ዝእክብዎ ሰባት ከምዘድልዩ ኢዩ። ስለዚ፡ ንሳቶም፡ ጐይታ፡ ዓየይቲ ክልእኽ ክልምኑ ይግባእ።

ሕጂውን ከምቲ ኣብ እዋን ፍርቂ ለይቲ ክልምን ናይ ዝመጸ ዓርኪ ኣመልኪቱ ኣብ ዘዘንተዎ ምሳሌኣዊ ዛንታ ዝገለጾ፡ ጸሎት ኣብ ስሰዐ ክምርኰስ ከምዘይብሉ ክርድኡ ደለየ። በረኸት ካልኦት ዝመጻሉ ሓይሊ ድማ፡ እዚ ስሰዐ ዘይተሓወሶ ጸሎት ኢዩ። ኣቦ፡ ጐይታ እቲ እኽሊ ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ክወሃበና ኣብ እንጽልየሉ፡ ዓየይቲ ንዕዮ ኣዳሊዩ ክልእኽ እውን ክንልምን ይግባእ። 

ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ክጽልዩ ክሓቶም ከሎ ዘገርምዶ ኣይኰነን? ባዕሉ ክጽልይዶ ኣይምኸኣለን? ንሱ፡ ሓደ ግዜ ዝጽልዮ፡ ንሳቶም ሽሕ ግዜ ካብ ዝልምንዎ፡ ውጽኢታዊዶ ኣይምዀነን? ከምኡውን፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ጐይታ እኽሊ፡ ኣድላይነት ናይዚ ጉዳይ ኣይረኣዮን ኣሎ ማለት ዲዩ? ንሱ ኣብ ዝመረጾ እዋን፡ ብዘይ ናቶም ጸሎት፡ ዓየይቱ ክልእኽዶ ኣይምኽኣለን? እዘን ከምዚአን ዝኣመሰላ ሕቶታት፡ ዑምቐት ምስጢር ጸሎት ክንርዳእን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ሓይሊ ክንፈልጥን ይመርሓና ኢየን። መልሲ ናይዘን ሕቶታት፡ ጸሎት፡ ሓይሊ ምዃኑ የረጋግጸልና ኢዩ። ምእካብ እቲ እኽሊን ምምጻእ እቲ መንግስቲን ኣብ ጸሎት ይምርኰስ።

ጸሎት ንማለቱ ንኽረአ ዝግበር ነገር ኣይኰነን። ጐይታ የሱስ ባዕሉ ኢዩ እቲ ሓቂ። ንሱ ዝተዛረቦ ኵሉ ዓሚቕ ሓቂ ኢዩ። ንሱ፡ “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ከምዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም።” ካብኡ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ምእንቲ ዓየይቲ ኣብ ማእከሎም ክለኣኹ ክጽልዩ ሓበሮም።

ንሱ ከምኡ ዚበለ፡ ጸሎቶም ከምዘድልን ከምዘስልጥን ስለ ዝኣመነ ኢዩ። እቲ ካብቲ ብዓይኒ ዘይርአ ዓለም ዝጋረደና መጋረጃ፡ ቅዱስ ሰብነት ነፍሲ የሱስ ግና ብንጹር ርእዩዎ ኢዩ። ነቲ ምኽኒትን ውጽኢትን ዘርኢ፡ ሕቡእ ርክብ፡ ብዓሚቕ፡ ብነዊሕን ብርሑቕን ተዓዚቡዎ ኢዩ። እግዚኣብሄር፡ ንኣብርሃምን ንሙሴን፡ ንእያሱን ንሳሙኤልን፡ ከምኡውን ንዳንኤል ጸዊዑ ኣብ ልዕሊ ሰባት ስልጣን ክህቦም ከሎ፡ ኣብ እዋን ጸበባኦም ሓገዝ ክረኽቡ፡ ሰማያዊ ሓይሊ ክጽውዑ እውን መሰል ሂቡዎም ኢዩ። ነዚ የሱስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ።

ንሱ ናብዞም ሰብ ጥንቲ፡ እቲ እግዚኣብሄር ንግዚኡ ኣብ ምድሪ ከሎ ብሓደራ ዝሃቦ፡ ናብ ኢድ ደቀ መዛሙርቱ ክሰጋገር ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። እዚ ዕዮ ብሓላፍነት ምዚወሃቦም፡ ንማለቱ ጥራይ ከምዘይርከቡዎ ይፈልጥ ኢዩ። እኳ ደኣ ዓወት ናይዚ ዕዮ፡ ክትግብርዎ እሙናት፡ ወይ ዘይእሙናት ብምዃኖም ይውሰን።

የሱስ፡ ከምሰብ ምስኦም ንቑሩብ እዋን ኢዩ ክጸንሕ። ስለዚ እዞም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ፋሕ ዚበላ ኣባጊዕ፡ ግቡእ ክንክን ክረኽባ ደለየ። ደቀ መዛሙርቱ ካብ ሕጂ ኣትሒዞም ክጽልዩ ድማ ሓበሮም። ኣብ ምድሪ ነቲ ዕዮ ካብኡ ክርከቡ ኢዮም። ካብቲ ቀንዲ ጸሎቶም ሓደ ድማ፡ እቲ ጐይታ እኽሊ፡ ንእኽሉ ዓየይቲ ኪልእኽ፡ ክኸውን ከምዝግባእ ገለጸ። እግዚኣብሄር፡ ንዕዮኡ ብሓደራ ሂቡ ኢዩ። ውጽኢቱ ኣብኦም ከምዝምርኰስ ድማ ገበረ። ብተመሳሳሊ፡ ሓገዝቲ ዓየይቲ ክረኽቡ እውን፡ ኣብ ልማኖኦም ከምዝምርኰስ ገለጸሎም።

ክርስቲያናት፡ ኣብ ዓለም እኽሊ ክእከብ ኣብ ዝተዳለወ ሕርሻታት፡ ኣገዳስነት ዓየይቲ ብዙሕ ዝርድኦምን ዝስምዖምን ኣይመስልን ኢዩ። ቍጽሪ ዓየይቲ ኣብ ጸሎትና ከምዝምርኰስ ኣይፈልጡን ኣለዉ። ጸሎት ከምቲ ዘድሊ ዓየይቲ ከምዝቕርብ እውን ኣይተረደኦምን ኣሎ።

ኣገዳስነት ዓየይቲ ብግቡእ ኣይፍለጥን፡ ወይ ኣይተዘርበሉን ኣሎ። ከምቲ ዝድለ ዓየይቲ ክንረክብ፡ ግቡእ ጻዕሪ ኣይተገብረን ኣሎ። እተን ፋሕ ዚበላ ኣባጊዕ፡ ብዘይ ዓየይቲ ክጠፍኡ ምዃኖም ተረዲእናን ሸኽም ተሰሚዑናን፡ ናብ ጐይታ እኽሊ፡ ዓየይቲ ክልእኽ እንተ እንልምን፡ ክንደይ ውጽኢታዊ ምዀነ።

ዕዮኡ ንማሕበሩ ኣሕሊፉ ምሃቡ ኣደናቒ ኢዩ። ጐይታ፡ ኣካል ሰብነቱ ከምምዃኖም መጠን ኣብኦም ክውከል መሪጹ ኢዩ። ህዝቡ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድሪን ንዘሎ ስልጣን ክጥቀሙ፡ ብሓቂ ኣፍቒዱሎም ኢዩ። ቍጽሪ ዓየይቲን መጠን እቲ ዝእከብ እኽሊን፡ ኣብ ጸሎቶም ይምርኰስ።

ብዕቱብ ንሕሰብ! ስለ ምንታይ ኢና ንትእዛዝ ጐይታ ብምሉእ ልቢ ዘይንፍጽም፡ ዓየይቲ ክወሃቡና ኸ ዘይንልምን? እዚ ብኽልተ ምኽንያት ኢዩ። እቲ ቀዳማይ፡ ነዚ ልማኖ ዘበገሰ፡ ለውሃት የሱስ ኣባና የልቦን። ኣመንቲ ንጐረባብቶም ከምገዛእ ርእሶም ከፍቕሩ ከለው፡ ምእንቲ ክብሪ ኣምላኽ ድማ፡ ኣብ መንጐ ሰባት ክነብሩ ከለው፡ ጐይታ ነቶም ዚጠፍኡ ዘለው ብሓደራ ብሓላፍነት ከምዘረከቦም ክፈልጡ ኢዮም። ከምዕዮ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብድሌትን ብፍቕሪን ክቕበሉዎም ኢዮም። ነቶም ብዘይ ተስፋ ዝጠፍኡ ዘለዉ ብልቢ ክድንግጹ ክጅምሩ ኢዮም። ናብ ሰማይ ብምጥማት ድማ፡ ጐይታ፡ ዓየይቲ ለኣኸልና ብምባል ክልምኑ ኢዮም። እቲ ነቲ ትእዛዝ ሸለል እንብለሉ ካልኣይ ምኽንያት ድማ፡ እብ እንልምነሉ ሕጽረት እምነት ስለ ዘሎና ኢዩ። ጸሎት፡ ጭቡጥን ርጉጽን መልሲ ከምጽእ፡ ሓይሊ ከምዘለዎ ኣይንኣምንን ኢና። ምስ እግዚኣብሄር ቀሪብና ከኣ ኣይንነብርን ኣሎና። ንዕኡን ንመንግስቱን ከነገልግል እውን ኣይተቐረብናን ኣሎና። ስለዚ ጸሎት መልሲ ከምዝረክብ ድማ፡ ርግጸኛታት ኣይኰንናን። ምስ ክርስቶስ ሓደ ኰይንና፡ ናቱ ድንጋጸ ኣባና ክሰርጽ፡ ከምኡውን በቲ መንፈሱ ጸሎትና ውጽኢታዊ ምዃኑ ከረጋግጸልና ንለምን።

ከምዚ ዚበለ ጸሎት ዕጽፊ በረኸት የምጽእ። ብቐዳምነት ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተወሃቡ ሰባት ክበዝሑ ንብህግ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ገዛእ ርእሶም ንዕዮ ኣምላኽ ዝወፈዩ ኣገልገልቲ፡ ሚሲዮናዊያንን መማህራንን ክሳኣኑ ከለዉ፡ ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ። ዉሉዳት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ማሕበሮም፡ ልማኖኦም እዚ ምዚኸውን ክወሃቡ ኢዮም። ጐይታ የሱስ፡ ጐይታ እቲ እኽሊ ኢዩ። ንሱ ምእንቲ ውህበት ክህበና፡ ውህበት መንፈስ፡ ናብ ሰማይ ከቢሩ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ውህበቱ ድማ፡ ብመንፈስ ዝተመልኡ ሰባት ኢዮም። ቀረብ እቲ ውህበት ግና፡ ኣብ ርክብ እቲ ርእሲን ኣብ እቶም ኣካላት ሰብነትን ይምርኰስ። እቲ ርክብ ብጸሎት ይመጽእ። ነቲ ዕዮ ዘድልዩ ሰባትን መሳርሒን ክንረክብ፡ ብእምነት ብምምሕጻን ክነበግሶ ይግባእ።

እቲ ካልኣይ እንሓቶ በረኸት፡ ካብኡ ዝውሕድ ኣይኰነን። ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ሰራሕተኛ ኢዩ። ካብቶም ከገልግሉ ዝደሓኑ፡ ዕዮ ዘይብሉ ሰብ የሎን። ጐይታ፡ ምእንቲ ንህዝቡ ብውፉይ ኣገልጋሊ መንፈስ ከመልእ ክንልምን ይግባእ። ኣብቲ ሕርሻ ወይኒ፡ ሓደ እኳ ብዘይ ዕዮ ደው ክብል ኣይግባእን ኢዩ። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ፡ ሓገዝቲ ኣብ ዘድልዩሉ፡ ብጸሎት መልሲ ክንረክብ ምዃንና ቃል ተስፋ ተዋሂቡ ኢዩ። ኣብ ሰንበት ቤት ትምህርቲ ህጻናት ይኹን፡ ኣብ ኣገልግሎት ምጽንናዕን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን፡ እግዚኣብሄር ዓየይቲ ክህብ ድልው ኢዩ። ግዜን ደጋጊምካ ምልማንን የድሊ ይኸውን ኢዩ። ግና ጐይታ ዓየይቲ ክልእኽ ኣብ እንልምነሉ፡ ልማኖና ከምዝስማዕ ብርግጽ ተሓቢሩና ኢዩ። “ይትንስእ እሞ ዝደልዮ ይህቦ፡ እብለኩም ኣሎኹ።”

ዕቱብ፡ ብሩኽ ሓሳብ! በዚ ብመገዲ ጸሎት ዝተወሃበና ሓይሊ፡ ኣገለገልቲ ኣምላኽ ኣብ ዕዮ ክነጥፉን ንዓለም ክድግፉዋን ንገብር ኢና። እቲ ጐይታ እኽሊ ክሰምዕ ኢዩ። ክርስቶስ፡ ብፍሉይ ነዚ ጸሎት ክንገብር ጸዊዑና ኢዩ። ከምድሌቱ ብስሙ ዝገበርናዮ ጸሎት ድማ ክድግፈና ኢዩ። ግዜ ፈሊና ገዛእ ርእስና ብምሃብ፡ ኣብዚ ዕዮ ጸሎት ንሳተፍ። ምስቲ ነዚ ጸሎት ክንገብር ዘበገሰ፡ ተደናጋጻይ ልቡ ድማ ክንሓብር ኢና። ነቲ ዘሎና ንግስነታዊ ቦታ ክንርኢ ክንኽእል ክብ ከብለና እውን ኢዩ። ኣብ ምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ፡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ሰሚርና፡ ንዓዪይ ከምዘሎና ክንርዳእ የኽእለና። ምስ እግዚኣብሄር ሓቢርና፡ ብሓላፍነት ኣብ ምድሪ ንዓዪይ ከምዘሎና ክንፈልጥ ኢና። ጸሎትና መልሲ ረኺቡ፡ ንኻልኦት በረኸት ስለ ዝዀነ፡ ነፍስና ምስ ነፍሲ የሱስ ዕግበት ትረክብ ኢያ።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።”

ብሩኽ ጐይታ፡ ሎምውን እንደገና ኣደናቒ ትምህርትኻ ክንመሃር ሂብካና። ነቲ እትሕብሮ መንፈሳዊ ሓቂ ክንርኢ ክንኽእል ብትሕትና ንልምነካ ኣሎና። እቲ እኽሊ ኣዚዩ ብዙሕ ኢዩ። ይጠፍእ ድማ ኣሎ። እቶም ድቁሳት ደቀ መዛሙርቲ፡ ዓየይቲ ክልምኑ ዝጽበ እውን ይመስል ኣሎ። ጐይታ፡ ነዚ ብደንጋጽን ብርህሩህን ልቢ ክንጥምቶ ምሃረና። እቶም ዓየይቲ እንሄለዉ፡ ኣመና ሒደት ኢዮም። ጐይታ፡ ጉደለት ጸሎትን እምነትን ውጽኢቱ እዚ ኢዩ። ብሓቂ ድማ ዘስካሕክሕ ሓጢኣት ኢዩ።

እቲ ጐይታ እኽሊ እንሄለ፡ ክልእኾም ተዳሊዩ ኣሎ። ጐይታ፡ ንሱ መልሲ ክህብ፡ ኣብ ጸሎት ተወኪሉ ይጽበ ከምዘሎ ግለጸልና። እቲ ሓላፍነት ዚተወሃቦም ደቀ መዛሙርቲ እውን እንሄለዉ። ጐይታ፡ መንፈስካ ብኸመይ ኣብ ልዕሌኦም ከምእትኽዑዎን ከምእትትንፍሰሎምን ኣርእየና። መንፈስካ፡ ኣብ ልዕሌኦም ድንጋጸኻ ከውርድን ኣብ ተስፋ ቃልካ ዘለዎም እምነት ከልዕልን፡ ኣብ ቀጻሊ ድማ ክጽልዩ ከኽእሎምን ኢዩ።

ዎ፡ ጐይታና! ብኽመይ ነዚ ዕዮን ነቲ ብርቱዕ ሓይሊን፡ ነቶም ህኩያትን ዘይእሙናት ሰባት፡ ከምዝሃብካዮ ክርድኣና ኣይኽእልን ኢዩ። ስለ እቶም መዓልቲን ለይቲን፡ ምእንቲ ዓየይቲ ክለኣኹ፡ ክጽልዩ ዝመሃርካዮም ነመስግነካ። ጐይታ፡ ምእንቲ ዉሉድካ ንመንግስቲን ንኽብሪን ጐይታኦም ክነብሩ፡ ከምኡውን ጸሎቶም ክንድ ምንታይ ውጽኢታዊ ምዃኑ ክእመኑ ክኽእሉ፡ መንፈስካ ተንፍሰሎም። ኣብዚን ኣብ ኵሉ ልማኖናን፡ ብእምነትን ብፍቕሪን ናብ እግዚኣብሄር እንገብሮ ጸሎት፡ ርግጽን እኹል ትሩፍን መልሲ ከምዝረክብ፡ ምሉእ ልብና ንሃብ። ኣሜን።