ምዕራፍ ሰለስተ

በይንና ምስ እግዚኣብሄር

“ንስኻስ ክትጽሊ ከሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ ኢዩ።” (ማቴ 6፡6)

የሱስ ንቐዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ናይ ፈለማ ትምህርቱ ኣብ ልዕሊ’ቲ ከረን ኰይኑ መሃሮም። እንታይነት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሕግታቱን ኣካይድኡን ድማ ኣብርሃሎም። ኣብዚ መንግስቲ፡ እግዚኣብሄር ንጉስ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣቦውን ኢዩ። ኵሉ ይህበና ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሱ ኵሉውን ኢዩ። ንዕኡ ብምፍላጥን ምስኡ ብምሕባርን ጥራይ ኢና፡ በረኸት እንረክብ። ብጸሎት ምንባር ድማ፡ ክፋል ትምህርቲ ነቲ ክምስርቶ ዝመጸ ሓድሽ መንግስቲ ኢዩ። ሙሴ፡ ንጸሎት ዝምልከት ፍሉይ መምርሒን ትእዛዝን ኣይሃበን። እቶም ነብያት እውን እንተ ዀኑ፡ ጸሎት ብኸመይ ብግቡእ ከምእንጽሊ ኣመልኪቶም ሒደት ኢዮም ሓቢሮም። ክርስቶስ ኢዩ ምጽላይ ዚመሃረ።

ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ፈለማ ንጸሎት ኣመልኪቱ ዚመሃሮ ነገር፡ ናቶም ናይ ብሕቲ መጸለዪ ስፍራ ክህልዎም ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ነናቱ በይኑ ምስ እግዚኣብሄር ዝራኸበሉ ስፍራ ክህልዎ ይግባእ። ነፍሲ ወከፍ መምህር ድማ፡ ቤት-ጸሎት ክህልዎ ኣለዎ። የሱስ ጥራይ፡ መምህር ጸሎትና ከምዚዀነ ድሮ ፈሊጥናን ተቐቢልናዮን ኣሎና። ዛጊት ከኣ፡ ኣብ ሰማርያ ከሎ ጸሎት ምስ ግዜን ቦታን ከምዘይድረት ምሂሩና ኣሎ። ኣምልኾ፡ እቲ ሓቀይና መንፈሳዊ ኣምልኾ፡ መንፈስን ህይወትን ኢዩ። ሰብ ምሉእ ህይወቱ ብመንፈስን ብሓቅን ከምልኽ ይግባእ። ኰይኑ ግን፡ ንሱ፡ ነፍሲ ወከፍና መዓልታዊ ምስኡ እንራኸበሉ ነናትና ፍሉይ ናይ ጸሎት ስፍራ ክንመርጽ ይደሊ።

እቲ ውሻጦ ክፍሊ፡ እቲ ፍሉይ ስፍራ ድማ፡ ቤት ትምህርቲ የሱስ ኢዩ። እቲ ፍሉይ ስፍራ፡ ኣብ ዚዀነ ቦታ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መንበሪ ቦታና ኣብ እንቕይረሉ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፡ እቲ ስፍራ እውን ክቐያየር ይኽእል ኢዩ። እቲ ተመሃራይ ግና፡ ምስ ጐይታና ብጸጥታ ዝራኸበሉን ነቦ ከምልኽ ዝዳለወሉን፡ ፍሉይ ምስጥራዊ ስፍራ ግድን ክህልዎ ኣለዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣብኡ ጥራይ፡ ብርግጽ እውን ጸሎት ክምህረና ናባና ክመጽእ ኢዩ።

ኵል ግዜ እቲ መምህር፡ እቲ ዝምህረሉ ቤት-ትምህርቲ፡ ድሙቕን ማራኺን፡ ብብርሃንን ብሰማያዊ ኣየርን ዝተመልአን፡ ተማሃሮ ክመጹዎ ዘብህግን ኣብኡ ክጸንሑ ደስ ዘብሎምን፡ ክኸውን ይደሊ። የሱስ፡ ኣብ ከረን ደይቡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝሰበኸሉ፡ እቲ ውሻጦ ክፍሊ ማራኺ ክኸውን ከምዝደሊ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኢዩ። ተጠንቂቕና እንተ ሰሚዕና፡ ኣብኡ ኣብ እንጽበየሉ፡ ነቲ ንሱ ክነግረና ዝደለዮ ዓቢይ ነገር ክንፈልጥ ኢና። ሰለስተ ግዜ ከኣ፡ ስም ኣቦኡ ጠቒሱ፡ “ናብ ኣቦኹም ጸልዩ፡” “ኣቦኹም ክኽሕሰኩም ኢዩ፡” “ኣቦኹም ዘድለየኩም ዘበለ ነገር ይፍለጦ ኢዩ።” በለ።

ኣብ ንእሽቶ ክፍሊ ተዓጺና ኣብ እንጽልየሉ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብ ኣእምሮና ዝመላለስ ነገር፡ ‘ነቦ ክረኽቦ እየ፡’ ዚብል ክኸውን ይግባእ። እቲ ኣብቲ ክፍሊ ዘንጸባርቕ ብርሃን፡ ካብ ውቃበ እግዚኣብሄር ዚመጽእ ይኸውን። የሱስ፡ ምእንቲ ጸሎት ክንገብር ኢሉ ናብቲ ክፍሊ ዝፍንዎ ኣየር፡ ፍቕርን ዘለኣለማዊነትን ኣቦነት እግዚኣብሄር ኢዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ እንትንፍሶ ልማኖ፡ ካብ ልቢ ዝፈልፈለን ከምሓደ ውላድ ነቦኡ ዝእመኖን ይኸውን። ጐይታና፡ ንዓና ናብቲ ህያው ኣምላኽ ብምቕራብ ኢዩ፡ ምጽላይ ዝምህረና።

ኣብኡ ኣብ እንጽልየሎ ከኣ፡ ብርግጽ ረብሓ ኣለዎ። እስኪ ጐይታና ንዓና እንታይ ይሕብረና ከምዘሎ ንርአ።

ብመጀመርታ፡ “ናብቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኹም ጸልዩ።” በለ። እግዚኣብሄር፡ ምእንቲ ብስጋዊ ዓይኒ ከይርአ፡ ገዛእ ርእሱ ከዊሉ ኢዩ። ንእግዚኣብሄር ኣብ እነምልኸሉ፡ ክሳዕ ኣእምሮና ብገዛእ ሓሳባትናን ጻዕርናን ዝመልአ፡ ንሱ መንፈስ ኢዩ’ሞ፡ ነቲ ዘይርአ ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን’ምበር፡ ነቲ ካብ ዓለምን ካብ ሰብን ገዛእ ርእሱ ፈሊዩ ንዝጽበዮ ሰብ፡ ኣቦ ገዛእ ርእሱ ይገልጸሉ ኢዩ።

ንዓለም ስለ ዝገደፋን፡ ካብ ህይወት እዛ ዓለም ስለ ዝተፈለየን፡ ብክርስቶስ ናብ ኣቦ ክቐርብ ኢሉ ድማ ገዛእ ርእሱ ስለ ዝሃበ፡ ፍቕሪ ብርሃን ኣቦ፡ ኣብ ልዕሌኡ ክኸውን ኢዩ። ካብ ኵሉ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ነገራት ተፈሊዩ፡ ገዛእ ርእሱ ኣብ ውሻጦ ክፍሊ ብምዕጻው፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ቀሪቡ፡ መንፈሱ ምስ’ቲ ዘይርአ ይራኸብ።

ኣብ እንመሃረሉ፡ ካብ ፈለማ፡ ምእንቲ ብግቡእ ውጽኢታዊ ጸሎት ክንገብር፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣብ ሕቡእ ክፍሊ በይንና ክንኸውን ከምዝግባእ ንዘክር። ኣቦ ኣብቲ ሕቡእ ኣሎ። በዞም ቃላት ከኣ፡ የሱስ፡ ኣበይ ከምዝጽበየናን ኵል ግዜ ኣበይ ከምእንረኽቦን ገሊጹልና ኣሎ። መብዛሕቱ እዋን፡ ክርስቲያናት፡ ጸሎት ብውልቂ ክኸውን ከምዘይግባእ መረረኦም የስምዑ ኢዮም። ድኹማትን ሓጥኣንን ዚዀኑ ከኣ ይመስሎም። ልቦም ዝሑልን ጸልማት ዝወረሶን ኰይኑ እውን ይስምዖም። ብዘይ እምነትን ሓጐስን ሒደት ከምዝጽልዩ ከኣ ይመስሎም። ናብ ቅድሚ ኣቦ፡ ከምቲ ዘለውዎን ከምድሌቶምን ክቐርቡ ዝኽእሉ ስለ ዘይመስሎም ድማ፡ ተስፋ ይቖርጹ። ውሉዳት ኣምላኽ! መምህርኩም እንታይ ከምዝብለኩም ጽን ኢልኩም ስምዑ። ብውልቅኹም ክትጽልዩ ኣብ እትኸዱሉ፡ ቀዳማይ ሓሳብኩም፡ ኣቦ፡ ኣብ ሕቡእ ኢዩ ዘሎ፡ ኣቦ፡ ኣብኡ ይጽበየኒ ኣሎ፡ ዚብል ክኸውን ይግባእ። ብሰንኪ ልብኹም ስለ ዝዘሓለን ክትጽልዩ ስለ ዘይበሃግኩምን፡ ድኽመትኩም ርእዩ፡ ንሱ ባዕሉ ናብ ኣቦ ከቕርበኩም ኢዩ። ኣቦ ንውላዱ ከምዝድንግጽ፡ ጐይታውን ንዓኹም ይድንግጸልኩም ኢዩ።

ነቲ ናብ እግዚኣብሄር እንቕርቦ ሒደት ነገር ኣይንሕሰብ። እኳ ደኣ ንሱ ክንድ ምንታይ ክህበና ከምዝተቐረበ ነስተንትን። ናብኡ ቀሪብና ገጹ ክንርኢ፡ ፍቕሩ እውን ንሕሰብ። ነቲ ኣደናቒ፡ ለዋህን ደንጋጺን ፍቕሩን ንሕሰብ። ኵሉ ኣብ ከባቢና ዘሎ፡ ከመይ ሓጢኣት ዝመልኦ፡ ዝሑልን ጸልማትን ምዃኑ ንሓብሮ። ፍቕሪ ኣቦ ጥራይ ኢዩ፡ ብርሃንን ዋዒን ንልብና ዝህብ። ዎ የሱስ ዚበሎ ደኣ ንግበር። ማዕጾና ዓጺና፡ ኣብ ሕቡእ ናብ ዘሎ ኣቦና ንጸሊ። ምስ እግዚኣብሄር፡ ምስቲ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፡ በይንና ምዃን፡ ብሓቂ ግሩምዶ ኣይኰነን? ናብኡ ጠሚትና፡ ‘ኣቦይ!’ ምባልዶ ኣገራሚ ኣይኰነን?

“እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ፡ ብግህዶ ኪኽሕሰካ ኢዩ።” ኣብዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብሕቡእ እንጽልዮ፡ ብዘይ ፍረ ከምዘይተርፍ ኣረጋጊጹልና ኢዩ። እቲ በረኸት ከኣ፡ ኣብ ህይወትና ክርአ ኢዩ። ንሕና በይንና ብሕቡእ ምስ እግዚኣብሄር ምስ እንራኸብ፣ ኣብ ቅድሚ ሰባት ድማ፡ ብህይወትና ምስ እንእመኖ፡ ንሱ ብጋህዲ ክኽሕሰና ኢዩ። ንሱ እውን መልሲ ጸሎትና፡ በረኸቱ ኣብ ልዕሌና ከምዝጋሃድ ከረጋግጽ ኢዩ።

ጐይታና፡ እግዚኣብሄር፡ በቲ ዘለኣለማዊ ኣቦነቱን ተኣማንነቱን፡ በይንና ብሕቡእ ይረኽበና ከምዘሎ ይምህረና ኣሎ። ስለዚ፡ ብወገንና ልክዕ ከምህጻን ልማኖና በረኸት ከምዘምጽእ ክንእመን ይግባእ። “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ከምዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ከምዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ ኢዩ።" በረኸት ጸሎትና፡ ብመጠን እቲ እንጽልዮ ሓይልን ድሌትን ኣይኰነን ዝምርኰስ፡ እኳ ደኣ ኣብቲ ዝተኣመንናዮ ፍቕሪን ሓይሊን ኣቦን ኢዩ ዝምርኰስ። ስለዚ ድሌት ጐይታና ሓደ ኢዩ። ንሱ ድማ ኣቦና ብሕቡእ ከምዝሰምዕን ከምዝርእን ዘኪርና፡ ኣብኡ ጥራይ ብርእሰ ተኣማንነት ክንጸንዕን ርእሰ ተኣማንነት ክነጥርይን ኢዩ። ንሱውን ክኽሕሰና ኢዩ። ንዕኡ ንተኣመኖ። ናብ ኣቦ እንገብሮ ጸሎት፡ ከንቱ ኣይተርፍን ኢዩ። ንሱ ብጋህዲ ክኽሕሰና ኢዩ።

ክርስቶስ፡ ንፈቃር ኣቦነት እግዚኣብሄር ዝያዳ ንምርግጋጽ፡ ሳልሳይ ቃል ተዛሪቡ፦ “ቅድሚ ምሕታትካ ኣቦኻ እንታይ ከምዘድልየካ ይፈልጥ ኢዩ።” ድማ በለ። ኣብ ፈለማ፡ እዚ ቃል ንኣገዳስነት ጸሎት ዘህስሶ ይመስል። እግዚኣብሄር፡ ካብቲ ንሕና እንሓቶ ንላዕሊ ከምዘድልየና ይፈልጥ ድማ ኢዩ።

ይኹን’ምበር፡ እንታይነት ጸሎት ኣመልኪትና ብዓሚቕ ምስ እንምርምር፡ እዚ ሓቂ ዝያዳ ንእምነትና የትርሮ። ከምኣህዛብ፡ ነቲ ዘይሰምዕ ኣምላኽ ክነገድድ ክንብል፡ ብታህዋኽን ብብዝሒ ቃላትን ክንጽልይ ከምዘይግባእ ይምህረና። ብቕዱስ ሓሳብ፡ ብጸጥታ፡ “ብሓቂ ኣቦይ እዚ ከምዘድልየኒ ይፈልጥ ዲዩ?” ኢልና ክንሓትት ይደፍዓና። ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ድማ፡ እቲ እንሓቶ ነገር፡ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሳነን ንኽብሪ ኣምላኽ ምዃኑን ብምርግጋጽ፡ ብዝያዳ ተኣማንነት፡ ኣቦይ ከምዘድልየኒን ክህልወኒ ከምዝግባእን ይፈልጥ ኢዩ፡ ክንብል የኽእለና። እቲ መልሲ እንተ ደንጐየ እውን፡ ብዓቕሊ ክንጽበ ከምዝግባእ ይምህረና። ኣቦይ! እዚ ነገር ከምዘድልየኒ ትፈልጥ ኢኻ። ክርስቶስ፡ ኣባና ዘሕድሮ ዘሎ ተኣማንነት፡ ብሓቂ ብሩኽ ኢዩ። ናብ እግዚኣብሄር ኣብ እንቐርበሉ እዋን ከኣ፡ መንፈሱ ኣባና ክሳብ ዝዓዪይ ናብ ኣቦ ንጠምት።

ኣብ ጸሎትና፡ እግዚኣብሄር፡ ልማኖና ከምዝፈልጥን ከምዝሰምዕን ከይንርስዕ፡ ወትሩ ንገዛእ ርእስና ብህዱእ ድምጺ፡ “ኣቦይ ይርኢ ኢዩ፡ ኣቦይ ይሰምዕ ኢዩ፡ ኣቦይ ይፈልጥ ኢዩ፡” ክንብል ይግባእ። እዚ ድማ፡ ብእምነት፡ ንሱ ልማኖና ከምዝምልስ ንፈልጥ ኢና፡ ክንብል የኽእለና።

እቶም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክርስቶስ ምጽላይ ክትመሃሩ ዝኣተኹም ኵልኹም፡ ነዚ ክፍለ-ትምህርቲ ክነጽንዖን ክንለማመዶን፡ ብዕኡ እውን ምሉእ፡ ወይ ፍጹማት ክገብረና ንተኣመኖ። ኣብ ውሻጦ ክፍሊ ብብዝሒ ንተዓጸው። ካብ ሰብ ተፈሊና ምስ እግዚኣብሄር ንተዓጸው። ኣቦ ኣብኡ ኢዩ ዝጽበየና፡ የሱስ ኣብኡ ኢዩ፡ ምጽላይ ዝምህረና። በይንና ብሕቡእ ምስ ኣቦ ምህላውና፡ ምኽኒት ሓጐስና ይኹን። ኣቦ ብሕቡእ እንጽልዮ፡ ብጋህዲ ከምዝኽሕሰናን ጸሎትና ፈጺሙ ከይተባረኸ ከምዘይተርፍን ኣረጋጊጽና ንፍለጥ። እዚ መዓልታዊ ሓይልና ይኹን። ኣቦ ነቲ እንሓቶ ነገር፡ ከምእንደልዮ ይፈልጥ ምዃኑ ተረዲእና፡ ልማኖና ብናጽነት ነቕርብ። “ንሱ ከምቲ መጠን ሃብቱ፡ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትና ዘበለ ከምዘማልኣልና፡” ድማ ንረዳእ።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና!”

ብሩኽ ጐይታ! ኣብ ውሻጦ ክፍሊ ክንራኸብ ስለ ዝመደበካ፡ ብምሉእ ልበይ እባርኸካ። ኣብዚ ቤት-ትምህርቲ ንተመሃራይካ በይኑ ትረኽቦ ኢኻ። ንዕኡ፡ ንኣቦ ድማ ትገልጸሉ ኢኻ። ዎ ጐይታይ! እምነተይ ኣትርረለይ። ዋላውን ሓጥእ ምዃነይ ኣብ ዝርደኣኒን ኣብ ዝርበሸሉን፡ ናብቲ ልምሉም ፍቕሪን ለውሃትን ኣቦ ኣብ ዝጽበየኒ ቦታ ከምርሕ ክኽእልን ልማኖይ ብዘይ በረኸት ከምዘይተርፍ ክሓስብን ግበረኒ። ንሱ ነቲ ዝልምኖ ቅድሚ ምሕታተይ ይፈልጦ ምዃኑ፡ ኣብ እምነተይ ክቐስንን ንሱ ውላዱ ንዝደለዮ ነገር ዝህብ ምዃኑን ሓሳባተይ ይኹን። እቲ ብሕቡእ ዝጽልየሉ ቦታ፡ ኣብ ምድሪ እቲ ዝበለጸ ዘፍቅሮ ቦታይ ከኣ ይኹን።

ከምኡውን ጐይታ! ኵሉ ዕጹው ክፍልታት ሰዓብትኻ ክትባርኽ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎት ስምዓኒ። ምግላጽ ለውሃት ኣቦ፡ ንዅሎም ብእምነት ዝጉብዙ ዘለዉ ክርስቲያናት ዝወሃብ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ኣብ ሕቡእ ክፍሊ ክጽልዩ ይኽኣሉ። ቀዳማይ መደብ ህይወቶም፡ ሓጐሶምን በረኸቶምን ድማ ይኹን። ኵሎም እቶም ጸሎት ናባኻ ክገብሩ ስለ ዘይከኣሉ ተስፋ ዝቆረጹ ሰባት ናባኻ ምለሶም። ገዛእ ርእሶም ባዶ ጌሮም፡ ናብቲ ኵሉ ዝህብ ክመጹን ክሕጐሱን ከምዘለዎም ክርድኡ ደግፎም። ናብ ኣቦ እንታይ ከምዘምጽኡ ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ናብቲ ኣቦ ክህቦም ዘዳለዎ ነገር ሓሳባቶም ይኹን።

ብፍላይ ንውሻጦ ክፍልታት ኣገልገልትኻ ባርኮ። ኣብኡ ኢዩ ሓቂ እግዚኣብሄርን ጸጋ እግዚኣብሄርን ዝግለጸሎም። ኣብኡ ኢዮም መዓልታዊ ብሓድሽ ቅብኢ ዝቅብኡ። ሓይሎም ዝሕደስን በረኸት ብእምነት ተቐቢሎም ንኻልኦት ከምኦም ደቅ ሰባት ዝባርኹን። ጐይታ፡ ናባኻን ናብ ኣቦን ዝያዳ ኣቕርበና። ኣሜን።