ምዕራፍ ክልተ

ሓቀይና ኣምለኽቲ

“ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ፡ እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ከምዚ ዝበሉ ሰገድቲ ኢዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ ኢያ፡ ንሳ ከኣ ሕጂ ኢያ።” (ዮሃ 4፡23-24)

እዚ ቃል፡ የሱስ ነታ ሳምራዊት ዚተዛረባ ኢዩ። ጸሎት ኣመልኪቱ ዝመሃሮ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ከኣ ኢዩ። እዚ ቃል፡ ብዛዕባ ጸሎት ግሩም ዝዀነ ናይ ፈለማ ቈላሕታ ይህበና። ኣቦ ዘምልኽዎ ይደሊ። ኣምልኾና፡ ነቲ ኣፍቃሪ ልቡ ዕግበት ይህቦ ኢዩ። ሓጐሱ ከኣ ኢዩ። ኣቦ ሓቀይና ኣምለኽቲ ይብህግ ኢዩ። ይኹን’ምበር መብዛሕቱ እዋን፡ ንሱ ከምዝደልዮ ኣይኰነን። ሓቀይና ኣምለኽቲ ዚበሃሉ፡ ብመንፈስን ብሓቂን ዘምልኹ ኢዮም። ወዲ እግዚኣብሄር ዝመጸ ድማ፡ ብኸመይ ብመንፈስን ብሓቂን ከምእነምልኽ፡ መገዲ ክኸፍተልናን ክምህረናን ኢዩ። ስለዚ ናይ ፈለማ ናይ ጸሎት ትምህርትና፡ ብመንፈስን ብሓቂን ምጽላይ እንታይ ምዃኑ ክንርዳእን ብኸመይ ከምእንትግብሮ ክንፈልጥን ኢዩ።

ጐይታና ነታ ሳምራዊት፡ ሰለስተ ዓይነት ኣገባብ ኣምልኾ ሓቢሩዋ። እቲ ቀዳማይ፦ ዕሙት ኣምልኾ ሳምራዊያን ኰይኑ፡ “ዘይትፈልጥዎ ኣምላኽ ተምልኹ” ብምባል ገሊጹላ። እቲ ካልኣይ፦ ብኣፍልጦ ዝፍጸም ኣምልኾ ኣይሁድ ኰይኑ፡ “ነቲ እንፈልጦ ኢና ነምልኽ እሞ፡ ድሕነት ናይ ኣይሁድ ኢያ።” ብምባል ኣረዲኡዋ። እቲ ናይ መወዳእታ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ሒዙልና ዝመጸ፡ ሓድሽ ኣገባብ ኣምልኾ ኰይኑ፡ “እቶም ሓቀይና ኣምለኽቲ፡ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዘምልኹላ ሰዓት ኣኺላ ኣላ፡ ንሳ ድማ ሕጂ ኢያ።” ብምባል ሓቢሩዋ። ከምቲ መብዛሕትና እንሓስቦ፡ ብመንፈስን ብሓቅን ዚብሉ ቃላት፡ ብዕቱብ፡ ብልቢ፡ ብንጽህና ማለት ከምዘይኰኑ፡ ምርዳእ የድሊ ኢዩ።

ሳምራዊያን ንሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ ይቕበሉ ኢዮም። ብዛዕባ እግዚኣብሄር ድማ፡ ገለ ኣፍልጦ ኣለዎም። ናብ እግዚኣብሄር እውን፡ ብዕቱብን ብቕንዕናን ይጽልዩ ኢዮም። ኣይሁድ ንእግዚኣብሄር ብመሰረት ቃሉ ይፈልጥዎ ኢዮም። ብልቢ ንእግዚኣብሄር ከምዝደልዩ ድማ ርግጽ ኢዩ። ይኹን’ምበር ብመንፈስን ብሓቅን ኣየምልኹን ኢዮም። የሱስ፡ “እታ ሰዓት ኣኺላ ኣላ፡ ንሳ ድማ ሕጂ ኢያ።” ኢሉ። ብመገዱ ጥራይ ኢና፡ ንእግዚኣብሄር ብመንፈስን ብሓቅን ክነምልኽ እንኽእል።

ኣብ መንጐ ክርስቲያናት ሰለስተ ጉጅለ ኣምለኽቲ ኣለዉ። ገሌኦም ሰኣን ኣፍልጦ እንታይ ይሓቱ ከምዘለዉ እኳ ዘይፈልጡ ኢዮም። ብዕቱብ ይልምኑ ግና ሒደት ይቕበሉ። ካልኦት ከኣ፡ ትኽክለኛ ኣፍልጦ ዘለዎም ኰይኖም፡ ብዕቱብ ብዘሎ ሓሳባቶምን ልቦምን ክጽልዩ ዚፍትኑ ኢዮም። ብምልኣት ብመንፈስን ብሓቅን ግና ኣይጽልዩን። ሳልሳይ ክፋል ከኣ፡ ብመንፈስን ብሓቅን ዝጽልዩ ኰይኖም፡ ንዓናውን ጐይታና ናብ’ዚ ክፍሊ ከእትወና ክንሓቶ ይግባእ። እዚ ጥራይ ኢዩ፡ መንፈሳዊ ኣምልኾ። እግዚኣብሄር ከምዚ ዚበሉ ኣምለኽቲ ይደሊ። ምእንቲ ጸሎት ክንገብር፡ ብመንፈስን ብሓቅን ምጽላይ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣጸቢቕና ክንርዳእን ብግብሪ ክንለማመዶን ይግባእ።

እግዚኣብሄር መንፈስ ኢዩ። እቶም ዘምልኹዎ፡ ብመንፈስን ብሓቅን ከምልኽዎ ይግባእ። እቲ ቀዳማይ፡ ብጐይታና ዚተወሃበ ሓሳብ፡ ኣብ መንጐ እግዚኣብሄርን ኣምለኽቱን ስኒት ክህልው ከምዘለዎ የርኢ። ከምቲ እግዚኣብሄር፡ ኣምለኽቱ እውን ከምኡ ክዀኑ ይግባእ። ነዚ መምርሒ ድማ፡ ኣብ ምሉእ ጠፈር ተግባራዊ ኰይኑ ንዕዘብ ኢና። ዓይኒ ብርሃን ይጻወር። እዝኒ ከኣ ንድምጺ። ንኣምላኽ ናይ ብሓቂ ዘምልኽ ሰብ፡ ንእግዚኣብሄር ይረክብን ይፈልጥን፡ ብዕኡ ከኣ ይሕጐስን ኢዩ። ንዕኡ ክቕበል ድማ ዓቕሚ ይህልዎ። እግዚኣብሄር መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ናይ ግድን ብመንፈስ ክነምልኾ ይግባእ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዚዀኖ፡ እቲ ዘምልኽውን ከምኡ ክኸውን ኣለዎ።

እዚ ግና እንታይ ማለት ኢዩ? እታ ሰበይቲ ንጐይታና፡ እታ ሓቀይና ናይ ኣምልኾ ቦታ ሰማርያ ዲያ፡ ወይንስ የሩሳሌም? ብምባል ሓቲታቶ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣምልኾ ኣብ ሓደ ቦታ ከምዘይውሰን ገሊጹላ። ከምቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ዚዀነ፡ ኣምልኾ እውን ብመንፈስ ከምዝፍጸም ድማ ሓቢሩዋ። “ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ከረን እዚ፡ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱሉ ግዜ ከምእትመጽእ እመንኒ።” ድማ በለ።

ኣምላኽ መንፈስ ብምዃኑ፡ ብቦታን ብግዜን ኣይድረትን ኢዩ። በቲ ደረት ኣልቦ ፍጹምነቱ፡ ኩሉ ግዜን ኣብ ኩሉ ቦታን ይርከብ ኢዩ። ስለዚውን ካብ ሕጂ ንደሓር ኣምልኾ ብግዜን ብቕርጺ ቦታን ኣይድረትን ኢዩ። ግና እግዚኣብሄር ባዕሉ መንፈስ ከምዝዀነ፡ ኣገባብ ኣምልኾ እውን ብመንፈስ ይኸውን። እዚ ዓሚቕ ኣገዳስነት ዘለዎ ትምህርቲ ኢዩ። ንኣምልኾ ብቦታን ብግዜን ብምድራት፡ ንክርስቲያናዊ ህይወትና ጐዲእናዮ ኣሎና። ሓደ ሰብ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን፡ ወይ ኣብ ዕጽው ቦታ፡ ኣብ ሰሙን ዝበዝሕ ግዜ ተመሲጡ እንተ ጸለየ፡ ብመንፈስ ግና መብዛሕቱ ግዜኡ ኣብ ካልእ ቦታ ከሕለፍ ይኽእል ኢዩ። ኣምልኾኡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜን ቦታን ኢዩ ነይሩ። ብምልኣት ብዅለንትንኡ ኣየምለኸን ኣሎ። እግዚኣብሄር መንፈስ ኢዩ። ኵል ግዜ ይነብር። ንሱ ኣይልወጥን ኢዩ። ኩል ግዜ ሓቂ ኢዩ። ኣምልኾናውን ግድን ብሓቅን ብመንፈስን ክኸውን ኣለዎ። ኣምልኾኡ መንፈሳዊ ሂወትና ክኸውን ይግባእ። እግዚኣብሄር መንፈስ ስለ ዝዀነ፡ ሂወትና እውን ብመንፈስ ምምላኽ ክኸውን ኣለዎ።

እግዚኣብሄር መንፈስ ኢዩ። እቶም ዘምልኽዎ ከኣ፡ ብመንፈስን ብሓቅን ከምልኽዎ ኣለዎም። እቲ ከምካልኣይ ሓሳብ ኮይኑ ዝረኣየና፡ መንፈሳዊ ኣምልኾ ካብ እግዚኣብሄር ክመጽእ ኣለዎ፡ ዚብል ኢዩ። እግዚኣብሄር መንፈስ ኢዩ። ንሱ ጥራይ ከኣ ኢዩ፡ መንፈስ ዝህብ። መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልና፡ ኣብ ከምዚ ዚበለ ኣምልኾ ክንበጽሕ ድማ፡ ንወዱ ልኢኹ። የሱስ፡ ክልተ ሳዕ፡ “እታ ሰዓት ቀሪባ ኣላ።” ከምኡውን፡ “ሕጂ ኢያ።” ኢሉ ድማ፡ ዕዮኡ ገለጸ።

ንሱ ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቕ ኢዩ መጺኡ። ንሱ ክሳብ ዝኸብር ከኣ፡ እቲ መንፈስ ኣይክወርድን ኢዩ። (ዮሃ 1፡33፤ ዮሃ 7፡37-38፤ ዮሃ 16፡7) ንሓጢኣት ደምሲሱ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ብደሙ ምስ ኣተወ ከኣ፡ ኣብ ክንዳና ኰይኑ ንመንፈስ ቅዱስ ተቐበለ። (ግብ 2፡33) ከምናይ መንፈስ ናይ ኣቦ፡ ናባናውን ክልእኸልና ከኣለ። የሱስ ምስ ኣድሓነና፡ ብዕኡ ኣቢልና እውን ናይ ውልድነት መሰል ምስ ረኸብና፡ ኣቦ ከኣ፡ ምእንቲ “ኣባ፡ ኣቦ” ኢልና ክንጽውዕ፡ ንናይ ወዱ መንፈስ ናብ ልብና ለኣኸልና። ብመንፈስ ምምላኽ፡ ብመንፈስ ክርስቶስ፡ ብመንፈስ ውልድነት፡ ንኣቦ ምምላኽ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኢዩ፡ የሱስ ኣብዚ ስም ኣቦ ዝጠቐሰ። ኣብ እዋን ብሉይ ኪዳን ካብ ዚነበሩ ቅዱሳን፡ ሓደ እውን ይኹን ብውልቂ ገዛእ ርእሱ ከምውሉድ ዝሰመየን ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ ዚጸወዐን ኣይንረክብን ኢና። እቶም መንፈስ ወዲ ዚተወሃቦም ጥራይ ኢዮም፡ ንእግዚኣብሄር ብመንፈስ ከምልኹ ዝኽእሉ። እቶም ወዲ ንኣቦ ዝገለጸሎምን መንፈስ ውልድነት ዝረኸቡን ጥራይ ኢዮም፡ ንኣቦ ብመንፈስ ከምልኹ ዝኽእሉ። ክርስቶስ በይኑ ከኣ ኢዩ፡ መገዲ ዚኸፍትን ብመንፈስ ምምላኽ ዝምህርን።

ከምኡውን ብመገዲ ሓቂ። እዚ ብንጽህና ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ብመሰረት ሓቂ ቃል ኣምላኽ ዘመልክት ጥራይ እውን ኣይኰነን። እዚ ቃል ጥሉቕን መለኮታዊ ትርጉም ዘለዎን ኢዩ። የሱስ፡ “ንሱ በይኑ ኢዩ፡ ካብ ኣቦ ዝወጸን በዓል ምሉእ ጸጋን ሓቅን።” እቲ ሕጊ ብሙሴ ተዋህበ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። የሱስ፡ “ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ።” ኢሉ። ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኩሉ ጽላሎትን ቃል ተስፋን ኢዩ ነይሩ። የሱስ መጺኡ ከኣ፡ ነቲ ተስፋ ክውን ጌሩዎ። ብዕኡውን ኢና በረኸትን ሓይሊን ዘለኣለማዊ ህይወት ናትና ምዃኑ ነስተማቕር። የሱስ ጸጋን ሓቅን ዝመልኦ ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ሓቂ ኢዩ። ብዕኡ ከኣ፡ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸጋ፡ ብሓቂ ናትና ይኸውን። ምስ እግዚኣብሄር ክንራኸብ ድማ ንኽእል። መንፈሳዊ ኣምልኾ ብሓቂ ምምላኽ ኢዩ። መንፈሳዊ ኣምልኾ ምስ እግዚኣብሄር ምሕባር ኢዩ። መንፈሳዊ ኣምልኾ ምስቲ ብመንፈስ ዝጽሊ ወዲን እቲ መንፈስ ዚዀነ ኣቦን ብስኒት ምርኻብ ኢዩ።

እታ ሳምራዊት፡ የሱስ እተዛረቦ ብኡንብኡ ኣይተረደኣን። ምሉእ ትርጉሙ ክገሃድ መዓልቲ ጴንጤቆስጤ ኣድላይ ነይሩ። ንሕናውን ኣብቲ ፈለማ፡ ከምዚ ዚበለ ትምህርቲ ክንርድኦ ድልዋት ኣይኰናን። ድሕር ኢልና ብዝበለጸ ክንርድኦ ኢና። ከምቲ ንሱ ጥራይ ዝህቦ ጌርና ደኣ ትምህርትና ንጀምር። ስጋዊያን ስለ ዝዀና፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዚደልዮ ኣምልኾ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና። የሱስ ግና እግዚኣብሄር ኣቦ ንዓና ዚሃቦ መንፈስ ክህበና መጺኡ። እቲ ክንጽልይ እንጥቐመሉ ኣገባብ፡ ከምቲ ቃል ክርስቶስ ዝምህረና ደኣ ይኹን። እግዚኣብሄር ዚብህጎ ኣምልኾ ክንህብ ከምዘይንኽእል ደኣ ንተኣመን። ከምህጻን ልብና ከፊትና ክምህረና እውን ንዳለው። ምእንቲ መንፈሱ ከስተንፍሰልና ድማ ብእምነት ንጸበ።

ልዕሊ ኵሉ ነዚ ብሩኽ ዝኾነ ሓቂ ኣትሪርና ንጨብጥ። ጐይታ ብዛዕባኡ ብዙሕ ከምዝነግረና ድማ ክንዕዘብ ኢና። እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኣቦ ምዃኑ ክንፈልጥ ከምኡውን ኣብ ልብና ወሰን ዘይብሉ ኣቦነቱ ክግለጸልና፡ ብደረት ኣልቦ ፍቕሩ ምእንቲ ውልድነት ክንረክብ ወዱን መንፈሱን ምሃቡ፡ ብርግጽ ብመንፈስን ብሓቅን ናይ ምጽላይ ምስጢር ኢዩ። ክርስቶስ ነዚ ሓድሽ መገዲ ህይወት ኢዩ ከፊቱልና። ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኣባና ምዚህልው፡ መንፈስ ወዲ ኣባና ክነብርን ንኣቦ ክገልጸልናን ኢዩ፡ ሓቀይና መንፈሳዊያን ኣምለኽቲ ከኣ ንኸውን።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?”

ብሩኽ ጐይታ! ነታ ኩባያ ማይ ዝኸልኣትካ ሰበይቲ፡ ብፍቕሪ ብዛዕባ ኣምልኾ እግዚኣብሄር ዝመሃርካያ ምህሮ የፍቅሮ እየ። ነቲ ምእንቲ ብመንፈስን ብሓቂን ክጽሊ ብልቢ ብሂጉ ናባኻ ዚመጸ ደቀ መዝሙርካ እውን፡ ካብኡ ብዘይ ውሕድ ክትምህሮ ምዃንካ ስለ ዝፈልጥ ድማ እሕጐስ ኣሎኹ። ኦ ቅዱስ ጐይታይ! ነዚ ክቡር ምስጢር ምሃረኒ።

ብመንፈስን ብሓቅን ምምላኽ፡ ካብ ሰብ ዘይኰነ፡ ካባኻ ጥራይ ከምዝመጽእ ምሃረኒ። ምስ ግዜን ወቕትን ዚመጽእ ነገር ጥራይ ዘይኰነ፡ ካባኻ ዝፈስስ ህይወት ምዃኑ እውን ምሃረኒ። ናብ እግዚኣብሄር ክጽጋዕ ምሃረኒ። ብገዛእ ርእሰይ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽገዓሉ ፍልጠትን ዝቕርበሉ ነገር ከምዘይብለይን ክርዳእ ምሃረኒ። ንስኻ እቲ መድሕነይ ካብ ከምህጻን ሰንከልከል ምባል ክድሕን መንፈስካ ተንፍሰለይ። ብዓኻ ውልድነት ረኺበ እየ እሞ፡ እባርኸካ። ብዓኻ ናጽነት፡ ብመንፈስ ውልድነትን ብሓቂ ምምላኽን ረኺበ እየ እሞ፡ እባርኸካ። ልዕሊ ኵሉ ኣታ ብሩኽ ወዲ ኣምላኽ፡ ብኸመይ ምግላጽ ኣቦ ኣብ ጸሎት ርእሰ ተኣማንነት ከምዘስዕብ ምሃረኒ። እቲ ደረት ዘይብሉ ኣቦነት ልቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ናይ ጸሎት ህይወተይ ሓጐሰይን ሓይለይን ይኹን። ኣሜን።