ምዕራፍ ሓደ

እቲ እንኮ መምህር

“ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ምጽላይ ምሃረና፡ በሎ።” (ሉቃ 11፣1)

ደቀ መዛሙርቱ ምስ ክርስቶስ ኢዮም ኔሮም፡ ኪጽሊ ‘ከሎ ድማ ርእዮሞ ኢዮም። ኣብ መንጐ ብጋህዲ ምስ ህዝቢ ዝነብሮ መስተንክራዊ ህይወቱን ምስጢራዊ ናይ ጸሎት ህይወቱን፡ ጽኑዕ ምትእስሳር ከምዘሎ ተረዲኡዎም ኢዩ። ከምኡ ገይሩ ዝጽሊ የልቦን ብምባል ከኣ፡ ሓለቓ ጥበብ ጸሎት ምዃኑ ተኣሚኖሞ ኢዮም። ስለዚውን፡ “ጐይታይ፡ ምጽላይ ምሃረና?” ክብሉዎ ናብኡ መጺኦም። ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ፡ ካብ ኵሉ ዝመሃሮም ትምህርቲ ፡ ከምትምህርቲ ጸሎት ገይሩ ዝባረዀምን ዘደነቖምን ከምዘየልቦ ከምዝገለጹ ኣየጠራጥርን። 

ሕጂውን፡ ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኪጽሊ፡ ደቀመዛሙርቱ ምስ ርኣዩዎ፡ ተመሳሳሊ ሕቶ ብምቕራብ፡ “ጐይታይ፡ምጽላይ ምሃረና?” በሉ። ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትና ኣብ እንዓብየሉ፡ ከምቲ ጐይታና ምእንታና ከይቋረጸ ክሓስብን ብእምነት ክጽሊን ገይሩ ኣዝዩ ፍትው ነገር ከምዘየልቦ ንርዳእ። ከም ንክርስቶስ መሲልና ምእንቲ ካልኦት ጸሎት ምግባር ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዝስሕቦ ነገር እውን የሎን። እሞ! ክጽሊ ክንርእዮ ‘ከሎና፡ ከም ናቱ ገይሩ ዝጽሊን ዝምህርን ከምዘየለ ክንዝክር ‘ከሎና፡ ንሕና እውን ልክዕ ከምደቀ መዝሙርቲ፡ “ጐይታይ፡ ምጽላይ ምሃረና?” ብምባል ክንሓትት ንብሃግ። ንሱ መን ምዃኑ፡ ንሱ ዘለዎ ቦታ፡ ንሱ ከመይ ናትና ምዃኑን ንሱ ብኸመይ ህይወትና ምዃኑን ክንሓስብ ‘ከሎና ድማ፡ ብርእሰ ተኣማንነት ንሓቶን፡ ንሱውን ናብኡ ኣጸቢቑ የቕርበና፡ ከም’ቲ ንሱ ዝጽልዮ ገይሩ ከኣ፡ ንዓናውን ይምህረና። 

ንዑናይ ንኺድ ኣሕዋት! እቲ ብሩኽ ጐይታ፡ ነቶም ጥበብ ጸሎትን ልማኖን ክንመሃር ብልቢ እንብህግ፡ ወትሩ ቤት-ትምህርቱ ክፉት ገይሩ ይጽበየና ኣሎ’ሞ፡ ስምና ነመዝግብ? ከምቲ ቀዳሞት ዚበሉዎ፡ ንሕናውን ንመምህርና፡ “ጐይታይ፡ ምጽላይ ምሃረና?” ንበሎ። ነዚ ልማኖና ቃል ብቓል ኣብ እነስተንትነሉ ድማ ብምልኣት ክንርድኦ ኢና።

“ጐይታይ፡ ምጽላይ ምሃረና?” እወ! ምጽላይ። ነዚ ኢና ብርግጽ ክንመሃሮ እንደሊ። ዋላ’ኳ እቶም ብግቡእ ክዛረቡ ዘይኽእሉ ህጻናት እውን ጸሎት ክገብሩ እንተ ኸኣሉ፡ ግና ብተመሳሳሊ ሰብ ክፍጽሞ ዝግባእ እቲ ዝለዓለን ዝተቐደሰን ኣገልግሎት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ምስቲ ብዓይንና ዘይንርእዮ ቅድስተ ቅዱስን ዝግበር ርክብ ድማ ኢዩ። ኵሉ መለኮታዊ ስልጣን፡ ኣብ ኢድ ጸሎት ይርከብ። ጸሎት፡ ቀንዲ መርኣዪ እምነት፡ መመሓላለፊ በረኸት፡ ምስጢር ሓይልን ህይወትን ድማ ኢዩ። ንውልቅና ጥራይ ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ንኻልኦት፡ ማለት ንማሕበርን ንዓለምን ክንብል፡ እግዚኣብሄር፡ ንዕኡን ንሓይሉን ክንረክብ ንጸሎት ኣሕሊፉ ሂቡ ኢዩ።

ተስፋታት ክፍጸም፡ መንግስቲ ክመጽእን ክብሪ እግዚኣብሄር ብምልኣት ክገሃድን ክንጽሊ ይግባእ። ነዚ ቅዱስ ዕዮ ንምፍጻም ግና፡ ዘይብቑዓትን ሃካይትን ኢና። መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ፡ ብግቡእ ክንዓዪይ ዘኽእለና። ዝያዳ ክንጽሊ ኣብ ዝግባኣና፡ ክነዕርፍ ኣዚና ቅልጡፋት ኢና። ብልምዲን ብስምዒትን እንጽልዮ ድማ፡ ብቑዕ ፍረ ኣይከፍርን ኢዩ። ኣነስ፡ ነቲ ፍረ ዘፍሪ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ዝወሃቦ፡ ሓቀይና ጸሎት ዝምህረኒ እንተ ዝረክብ?

የሱስ ምእንቲ ነቶም ዝተበጀዎምን ሓይሊ ጸሎት ክረክቡ ዝብህጉን ክምህር፡ ቤት-ትምህርቲ ጸሎት ከፊቱ ኢዩ። እቲ ብልክዕ እንደልዮ እዚ’ዩ እሞ፡ “ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?” ብምባልዶ ኣይንልምንን ኢና?

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?” እወ፡ ጐይታ ንዓና ምጽላይ ምሃረና። እቶም ቀዳሞት ኣመንቲ ብኸመይ ብስልጣን ይጽልዩ ከምዝነበሩን መልሲ ረኺቦም ክንድ ምንታይ መስተንክር ይፍጽሙ ከምዝነበሩን ኣንቢብና ኢና። እዚ ኣብ እዋን ምድላው ሓድሽ ኪዳን ካብ እተፈጸመ፡ ኣብዚ ናይ ምፍጻም ግዜ ክንደይ ብዝዓቢ ዘይፍጸም? ኦ ጎይታ፡ ኣብ መንጐኦም ከምዘሎኻ ንህዝብኻ መረጋገጺ ሃቦም። ሃዋርያትካ ብስምካ ምዝጸለዩ ዝረኽቡዎ ሓይሊ ጸሎት፡ ብኽብሪ ከምዝተመልአ ብሓቂ ርእዮም ኢዮም። እዚ ኣባና እውን ክፍጸም ምዃኑ ንኣምን ኢና። ኣብ ግዜና እውን ብቐጻሊ እቶም ዝተኣመኑኻ ብጸሎት ዝረኸቡዎ ስልጣን ንሰምዕ ኣሎና። እዚኣቶም ከማና ባህጊ ጸሎት ዘለዎም ኢዮም እሞ፡ ንዓናውን ከምኦም መሃረና። ስልጣንን ህያብን ሰማያት ንዓና ኢዩ። ምእንቲ ንሕናውን ብብዝሒ ክወሃበና፡ ምጽላይ ምሃረና። ነቲ ዕዮ ንዓና ብሓደራ ሂብካና ኢኻ፡ ምምጻእ መንግስትኻውን ኣብ ጸሎትና ይምርኰስ፡ ብጸሎትና እውን ኢዩ ስምካ ዝኸብር። “ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?” እወ፡ ንዓና ጐይታ። ገዛእ ርእስና ከምተመሃሮ ቀሪብና ኢና፡ ብዓኻ ድማ ብርግጽ ክንመሃር ኢና። “ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?”

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?” እወ፡ ብርግጽ ሕጂ ክንመሃር ንደሊ ኣሎና። ኣብ ፈለማ ከምጸሎት ገይሩ ቀሊል ነገር ዘሎ ኣይመስልን፡ ድሒሩ ግና ከምኡ ገይሩ ኣጸጋሚ ነገር ከምዘየሎ ንግንዘብ ኢና። ነዚ ብሓቂ ንምስክር ኣሎና። ከምቲ ክንጽልዮ ዝግባእ ጸሎት ኣይንገብርን ኣሎና። ሓቂ ኢዩ ቃል ኣምላኽ ተስፋታቱ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኢዩ። ይኹንምበር ሓጢኣትና ኣእምሮና ስለ ዘጸልመቶ፡ ከመይ ጌርና ንቓል ኣምላኽ ግብራዊ ከምእንገብሮ ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ቃል ኣምላኽ ተወኪልና ስለ ዘይንጽሊ፡ ነቲ ብሓቂ ዘገድስ ኣይንሓትትን ኣሎና።

እግዚኣብሄር ኣቦና ብምሉእ ናጽነት፡ ድሌትና ዘበለ ክንሓትት ዘፍቐደልና ኣይንረብሓሉን ኣሎና። ነቲ ክንሓቶ ዝግባእ ነገር ምስ ፈለጥና እውን፡ ጸሎትና ቅቡል ክኸውን ብዙሕ ይተርፎ ኣሎ። ምእንቲ ክብሪ እግዚኣብሄር፡ ንፍቓድ እግዚኣብሄር ተገዚእና፡ ብምሉእ እምነትን ብስም የሱስን ክንጽሊ ክንመሃር ይግባእ።

ተግባራዊ ልምምድ ፍጹም ይገብር ኢዩ’ሞ፡ ምእንቲ ምጽላይ ክንመሃር፡ ብብዝሒ ክንጽሊ ይግባእ። ኣብ መንጐ ኣነ ኣይጠቕምን ኢየ፡ ዚብል ኣተሓሳስባን፡ ኣብ መንጐ ምእማንን ዘይምእማንን ኢና ጸሎት እንመሃር። ብግቡእ ጸሎት ምግባር ምስ እንስእን፡ እቲ ጀማሪን ደምዳሚን እምነትናን ጸሎትናን፡ ክድግፈና ይጥምተና ኣሎ። 

ዘይምፍላጥና ተረዲእናን እቲ ንዓና ዝምህረና ኵሉ ከምዝፈልጥ ተኣሚናን፡ ዘድምዕ ጸሎት ምግባር ክንመሃር ንቐረብ። እወ! ኣብኡ ንወከል፡ ንሱ ክምህረና ኢዩ።

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?” ከምየሱስ ገይሩ ክምህር ዝኽእል የልቦን፡ ከምየሱስ ዚበለ የልቦን። ስለዚ ድማ ኢና፡“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?” ብምባል ንጽውዖ። ተመሃሮ፡ ዕዮኡ ዝፈልጥ፡ ህያብ ኣስተምህሮ ዘለዎ፡ ብፍቕርን ብትዕግስቲን ድሌቶም ዝምልኣሎም መምህር ይደልዩ። እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን! የሱስ እዚን ካብኡ ዝዓቢን ኢዩ። ንሱ ጸሎት እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ። የሱስ ኢዩ፡ እቲ ዝጽሊን ጸሎት ዝምህርን። ንሱ ጸሎት እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ኢዩ። ኣብ ምድሪ ‘ከሎ ኣብ መንጐ ፈተንኡን ንብዓቱን ኢዩ ተማሂሩዎ። ኣብ ሰማይ እውን እቲ ዘፍቅሮ ዕዮኡ ንሱ ኢዩ። ኣብኡ ስርሑ ምእንታና ምጽላይ ኢዩ።

ንሱ፡ ከምቶም ምስኡ ሓቢሮም ናብ ቅድሚ ኣቦ ክኸዱ ዝቕረቡ ሰባት ገይሩ ዘሐጕሶ ነገር የልቦን። እዚኣቶም ኣብ ከባቢኦም ንዘለዉ ሰባት ይባርኹ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ክምስረት እውን ዝዓዩ ይዀኑ። ንሱ ከመይ ገይሩ ከምዝምህር ይፈልጥ ኢዩ። ኣገዳስነት ጸሎትን ንዕኡ ዝህቦ ሓጐስን ይፈልጥ ኢዩ። ንሱ ባዕሉ ጸሎት ብምምሃሩን ጸሎት መልሲ ከምዝርከብ ብዝምስክር ኣማኒን ይሕጐስ ኢዩ። ብመገዲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ኣቲዩ፡ ነቲ ጸሎት ምግባር ዝኽልክለና ሓጢኣትና ገሊጹ የርእየና፡ ወይ ንእግዚኣብሄር ባህ ነብሎ ከምዘሎና ይገልጸልና።

ንሱ እንታይን ብኸመይን ከምእንሓትት ጥራይ ዘይኰነ ዝምህር፡ ኣብ ልዕሌና ሓዲሩ ባዕሉ ብምጽላይ ትንፋስ ህይወቱ የስተንፍሰልና። ንሕና ድማ ብሓጐስ፡ “ከምኡ ገይሩ ዝምህር መን ኣሎ?” ብምባል ንምስክር። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ከምዝሰብኩ ዘይኰነ፡ ብኸመይ ከምዝጽልዩ ኢዩ ምሂሩዎም። ብዛዕባ ብግቡእ ምስባኽ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ብግቡእ ምጽላይ ኢዩ ተዛሪቡዎም። ምስ እግዚኣብሄር ምዝራብ፡ ካብ ምስ ሰብ ምዝራብ ይዓቢ ኢዩ። መጀመርታ ምስ ሰብ ዘሎና ሓይሊ ዘይኰነ፡ ምስ እግዚኣብሄር ዘሎና ሓይሊ ኢዩ ዘገድስ። የሱስ ምጽላይ ክምህረና ይፈቱ ኢዩ።

ፍቑራት ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ንሓስብ! ጐይታ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ምጽላይ ክምህረናዶ ኣይኰናን ንብህግ? ኣብ ምድሪ ‘ከሎ ዝተዛረቦ ኣብ እነስተንትነሉ፡ ምስ ከምኡ ዚኣመሰለ መምህር ብሓቂ ለውጢ ክነርእይን ክንዓቢን ኢና እሞ፡ ገዛእ ርእስና ብምልኣት ንዕኡ ሂብና ኣብኡ ንወከል። ኣብ ምስትንታን ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ምጽላይ፡ ኣብ ትሕቲ እግሪ ዝፋን ኣምላኽ ምጽባይን ምእንቲ ካልኦት ምልማንን ንመሃር።

ኣብ መንጐ ድኻምናን ሰንከልከል ምባልናን፡ ንሱ ዕዮኡ ብግርማ ይዓዪይ ከምዘሎ ንተኣመን። ኵሉ ህይወቱ፡ ማለት ንጸሎት ኣብ ውሽጥና ከስተንፍስ ኢዩ። ተኻፈልቲ ጽድቁን ህይወቱን ጌሩና ኢዩ’ሞ፡ ኣብ ጸሎቱን ምልማኑን እውን ከሳትፈና ኢዩ። ከምኣካላት ሰብነቱ፡ ንሕና ቅዱሳት ካህናቱ፡ ኣብ ናይ ክህነት ኣገልግሎት ምእንቲ ሰባት ክንብል ክንልምን ኢና። እወ፡ ብሓጐስ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ንበል፡ ምስ ኵሉ ድኽመትናን ዘይምፍላጥናን፡ “ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?”

“ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና?” 

ብሩኽ ጐይታ! ክጽሊ ክትብል እትነብር፡ ንዓይውን ምጽላይ ምሃረኒ? ዘለኣለም ምጽላይ ምሃረኒ? ኣብ ሰማይ ተኻፋሊ ክብርኻ ክኸውን፡ ብዘይምቑራጽ ክጽሊን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምካህን ክቐውምን ኣኽእለኒ።

ጐይታ የሱስ! ምስቶም ብኸመይ ብግቡእ ጸሎት ከምዝገብሩ ከምዘይፈልጡ ዝኣወጁ ሰባት ክትምዝገበኒን ብፍላይ ድማ ክትምህረኒን እልምነካ ኣሎኹ። ጐይታ! ምእንቲ ንዓኻ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ክጽበየካን ክመሃርን ግዜ ሃበኒ። ዘይምፍላጠይ፡ ክብርን ስልጣንን ጸሎትን ኣገዳስነት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጸሎትን ተረዲአ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጥ ዝመስለኒ ኵሉ ኣወጊድካ፡ ክመሃር ዝብህግ መንፈስ ሃበኒ።

ጐይታ ከማኻ ምዚኣመሰለ መምህር፡ ብርግጽ ክመሃርን ክፈልጥን ምዃነይ፡ ብርእሰ ተኣማንነት ምልኣኒ። የሱስ፡ ዘለኣለም ናብ ኣቦኡ ዝጽሊን ብጸሎቱ ንማሕበሩ ዝመርሕን ኢዩ’ሞ፡ ምስ ከምኡ ዚበለ መምህር ኣይፈርህን እየ። ኣብ ሰማያት ብስልጣን ጸሎት ዝግበር ነገራት መርሚረ ክፈልጥ እደሊ እየ’ሞ፡ ንስኻ ባዕልኻ ግለጸለይ። ኣብ ዘይፈልጠሉ እዋን ድማ፡ ብእምነት ክሕይልን ንእግዚኣብሄር ክብሪ ክህብን ክትምህርኒ ኢኻ።

ብሩኽ ጐይታ! ነቲ ዝተኣመነካ ተማሃራይ ኣይተሕፍሮን ኢኻ እሞ፡ ብጸጋኻ ክመሃር እየ። ኣሜን።