ፍሉይ ጸሎት ኣፍደገአን ንወንጌል ዝዓጸዋ ሃገራት
ኤርትራ
-
ስለ ሓጢኣት ኤርትራ ንስሓ ንእቶ፣
-
መንፈስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ከተማ ኣስመራን ኣብ ኵለን ግዝኣታት ኤርትራን ክነፍስ፣
-
ንኤርትራ ብጭካነ ዝሓዝዋ ክፉኣት መናፍስቲ ከልግሱ፣
-
ክፉእ መንፈስ መስፍን ንግስነት ፋርስ ኣብ ልዕሊ መንፈሳዊ ግዝኣት ኤርትራ ሓይሊ ክስእን፣
-
ክፉእ መንፈስ ፍርሂን ራዕዲን ካብ ኤርትራ ከልግስ፣
-
መንፈስ ትብዓትን ሓቂ ምድላይን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ክፈስስ፣
- ምስሉይን ጋሻን ኣምልኾ ካብ ኤርትራ ክርሕቕ፣
-
ኣብ ኤርትራ ወንጌል ብናጽነት ክስበኽ፣
-
ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋትና ሓራ ክወጹን ንኣመንቲ ምግፋዕ ደው ክብልን፤
-
ኤርትራዊያን ኣመንትን ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዘገልግሉ ሚሲዮናውያን ብክርስቶስ ኣሕዋትናን፥ ፍሉይ ቅብኢን ሞገስን ክወሃቡ፣ ብዘድልዮም ዘበለ ኵሉ ክባረኹን ካብ ሓደጋ'ቲ ክፉእ ክድሕኑን፣
-
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ካልኦት መራሕቲ ኤርትራን ልቦም ናብ ጐይታ ከቕንዑን ክድሕኑን፣
-
ኣብ ብሔራት ትግርኛ፣ ትግረ፣ ሳሆ፣ ኩናማ፣ ራሻይዳ፣ ቢሌን፣ ኣፋር፣ ቢኒ ኣሚርን ናራን ምድሓን ክበዝሕ፣
-
ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ኤርትራ ክነድድ፣
-
ኤርትራ ካብ መንፈሳዊ ጸልማት ናብ ብርሃን ክትመጽእን ክትባረኽን፣
-
ልዕሊ ኵሉ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ መንፈስና ዘንበሮ ኣርእስቲ ጸሎት ወሲኽና፡ ንሃገረ ኤርትራ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ናብ ዝፋን ጸጋ ኣምላኽ ብጸሎት ነቕርባ። ኣሜን።