ጸሎት ንኤርትራ
- ስለ ሓጢኣት ኤርትራ ንስሓ ንእቶ፣
- መንፈስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ከተማ ኣስመራን ኣብ ኵለን ግዝኣታት ኤርትራን ክነፍስ፣
- ንኤርትራ ብጭካነ ዝሓዝዋ ክፉኣት መናፍስቲ ከልግሱ፣
- ክፉእ መንፈስ መስፍን ንግስነት ፋርስ ኣብ ልዕሊ መንፈሳዊ ግዝኣት ኤርትራ ሓይሊ ክስእን፣
- ክፉእ መንፈስ ፍርሂን ራዕዲን ካብ ኤርትራ ከልግስ፣
- መንፈስ ትብዓትን ሓቂ ምድላይን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ክፈስስ፣
- ምስሉይን ጋሻን ኣምልኾ ካብ ኤርትራ ክርሕቕ፣
- ኣብ ኤርትራ ወንጌል ብናጽነት ክስበኽ፣
- ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋትና ሓራ ክወጹን ንኣመንቲ ምግፋዕ ደው ክብልን፤
- ኤርትራዊያን ኣመንትን ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዘገልግሉ ሚሲዮናውያን ብክርስቶስ ኣሕዋትናን፥ ፍሉይ ቅብኢን ሞገስን ክወሃቡ፣ ብዘድልዮም ዘበለ ኵሉ ክባረኹን ካብ ሓደጋ'ቲ ክፉእ ክድሕኑን፣
- ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ካልኦት መራሕቲ ኤርትራን ልቦም ናብ ጐይታ ከቕንዑን ክድሕኑን፣
- ኣብ ብሔራት ትግርኛ፣ ትግረ፣ ሳሆ፣ ኩናማ፣ ራሻይዳ፣ ቢሌን፣ ኣፋር፣ ቢኒ ኣሚርን ናራን ምድሓን ክበዝሕ፣
- ሓዊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ኤርትራ ክነድድ፣
- ኤርትራ ካብ መንፈሳዊ ጸልማት ናብ ብርሃን ክትመጽእን ክትባረኽን፣
- ልዕሊ ኵሉ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ መንፈስና ዘንበሮ ኣርእስቲ ጸሎት ወሲኽና፡ ንሃገረ ኤርትራ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ናብ ዝፋን ጸጋ ኣምላኽ ብጸሎት ነቕርባ። ኣሜን።