እታ ዘይትስልኪ መበለት - ሉቃስ 18:1-8

1 ከይቀበጹ ዂሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ 2 ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። 3 ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስትይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት። 4 እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፡ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡ 5 እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየኒስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ ፡ በለ። 6 ጐይታ በለ፡ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። 7 ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ? ይጽመሞዶኸ፧ 8 ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ?