መኣዲ መርዓ - ማቴዎስ 22:1-14

1 የሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፡ 2 መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። 3 ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። 4 ከም ብሓድሽ ድማ ነቶ ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ስባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ፡ ኲሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኣይ ባሮት ለኣኸ። 5 ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ። 6 እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምውን። 7 እቲ ንጉስ ተቘጥዔ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ። 8 ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡ 9 ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም። 10 እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ። 11 እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረአየ እሞ፡ 12 ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። 13 ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላውኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃ ኣስናንን ይኸውን። 14 ጽውዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም።