እቶም ዓየይቲ - ማቴዎስ 21:33-45

33 ካልእ ምስላ ሰምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ። 34 ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮቱ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ። 35 እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም። 36 ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም። 37 መወዳእታኡ፡ ንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ። 38 እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ፡ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝ፡ ተባሃሀሉ። 39 ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። 40 እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓየይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧ 41 ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ። 42 የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ 43 ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 44 ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ። 45 ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ።