እቲ ዘራኢ - ማቴዎስ 13:1-23

1 በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። 2 ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። 3 ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። 4 ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። 5 ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቚ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። 6 ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ፡ ነቐጸ። 7 ገሊኡ ኣብ እሾዂ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውን። 8 - ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ። 9 - እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 10 እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረቦም ዘሎኻ፧ በልዎ። 11 መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12 ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። 13 እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እዮም እሞ፡ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። 14፡15 ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸአም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። 16፡17 ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። 18 እምብኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ። 19 ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዂሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ ዝተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ። 20 እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። 21 ንሽዑ ጥረኣይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። 22 እቲ ኣብ እሾዂ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ። 23 እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ምእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሰላሳ ይእቶ።