እቲ ለዋህ ሳምራዊ - ሉቃስ 10:29-37

29 ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፡ ብጻየይከ መን እዩ? በሎ። 30 የሱስ መሊሱ በለ፡ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምውት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 31 ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ። 32 ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። 33 ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ። 34 ናብኡ ቐሪቡ ኣቚሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። 35 ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፡ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኽፈድየካ እየ፡ በሎ። 36 ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ? 37 ንሱ ድማ፡ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።