እቲ ዓሻ ሃብታም - ሉቃስ 12:16-21

16 ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። 17 ብልቡ ኸኣ፡ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ኢሉ ሐሰበ። 18 ንሱ ድማ፡ ከምዚ እገብር፡ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሔ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኲሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። 19 ንነፍሰይውን፡ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ ኣሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሐጐሲ፡ እብላ፡ በለ። 20 ኣምላኽ ግና፡ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ። 21 እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ።