እታ ፍረ ኣድሪ - ማቴዎስ 13:1-23

31 ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። 32 ንሳ ኸኣ ካብ ኲሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘለት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨነፍራ ኽሳዕ ዚዐርፋ፡ ካብ ኲሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን።