እታ ዝጠፍኤት በጊዕ - ማቴዎስ 18:10-14

10 ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 11 ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡ 12 እንታይ ይመስለኩም ፡ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን? 13 እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ። ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 14 ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኪጠፍእ። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።