ማይ ቡሑቝ - ማቴዎስ 13:33-34

33 ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ ትመስል። 34፡35 የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።