እታ እትቦቅል ዘርኢ - ማርቆስ 4:26-29

26 በለውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዘርእ ሰብኣይ እያ። 27 ንሱ ለይትን መዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጦ፡ ይበቊል ይዐቢውን። 28 እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቚሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ። 29 ምስ በጽሔ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ይሰድድ።