እቲ እሙን ወይ እቲ ኽፉእ ባርያ - ማቴዎስ 24:45-51

45 እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣሰተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ 46 ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። 47 ኣብ ኲሉ ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 48 እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጒ እዩ፡ እንተ በለ፡ 49 ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። 50 ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸያ መዓልቲ ብዘይፈለጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። 51 ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።