ዝተፈላለየት መንግስቲ - ማቴዎስ 12:24-30

24 ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤል-ዜብል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ። 25 የሱስ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኲላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። 26 ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፈላለየ፡ እታ መንግስቱ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 27 ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜብል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። 28 ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት። 29 ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። 30 ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ።